ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

ትዝክሮዶ፧

 ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

ፌደራላዊ ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ጀርመን እንታይ ንሃይማኖት ዝምልከት ሕጋዊ ዓወት ከም ዝርከብ ኢዩ ዝገበረ፧

እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ማሕበር መጠን ኣብ ሕጊ ተፈላጥነት ንኸይረኽቡ ብኻልእ ቤት ፍርዲ እተገብረ ውሳነ ነጸጎ። ኣብቲ እተገብረ ውሳነ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ግምት ብምእታው ሓደ ሰብ ካብቲ መንግስቲ ዝሓቶ ንላዕሊ ‘ንሃይማኖታዊ እምነቱ ክእዘዝ’ ከም ዝኽእል ተሓበረ።—15/8 ገጽ 8

እዮብ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ተሳቕዩ፧

መጽሓፍ እዮብ ንብዙሕ ዓመታት ከም እተሳቐየ ኣይትሕብርን ኢያ። ንእዮብ ዘጋጠሞ ስቓይ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ: ምናልባት እውን ዓመት ኣብ ዘይመልእ እዋን ኢዩ ተፈጺሙ ክኸውን ዝኽእል።—15/8 ገጽ 31

ድያብሎስ ማሪታዊ እምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ ብኸመይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

የሱስ ክርስቶስ: ድያብሎስ ብሓቂ ኸም ዘሎ ይኣምን ነበረ። የሱስ ኣብ ውሽጡ ብዝርከብ እኩይ ነገር ዘይኰነስ ብሓደ ኻልእ ኣካል ኢዩ ተፈቲኑ። (ማቴዎስ 4:1-11፣ ዮሃንስ 8:44፣ 14:30)—1/9 ገጽ 5-6

ምሳሌ 10:15 “ንሃብታም እቲ ሃብቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ: ንድኻ ግና እቲ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ” ትብለና። እዚ ብኸመይ ኢዩ ሓቂ ክኸውን ዝኽእል፧

ልክዕ ከምቲ እተዓርደት ከተማ ነቶም ኣብኣ ዝቕመጡ ብመጠኑ ውሕስነት ከም ዝስምዖም እትገብር: ሃብቲ እውን ካብቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ጸገማት ዕቝባ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ድኽነት ግን ዘይተጸበኻዮ ዅነታት ኣብ ዝመጸሉ እዋን ናብ ጥፍኣት ኢዩ ዝወስድ።—15/9 ገጽ 24

ኣብ ግዜ ሄኖስ “ስም የሆዋ ምጽዋዕ” እተጀመረ ብኸመይ ኢዩ፧ (ዘፍጥረት 4:26 NW)

ታሪኽ ወድሰብ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ሰባት ንስም ኣምላኽ ይጥቀምሉ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ግዜ ሄኖስ እተጀመረ ምጽዋዕ ስም የሆዋ ግን ብእምነት ንየሆዋ ምጽዋዕ ኣይነበረን። ሰባት ንስም ኣምላኽ ንገዛእ ርእሶም ወይ ነቶም ብእኦም ኣቢልና ንኣምላኽ ነምልኾ ኢና ዝበልዎም ሰባት ብርኽሰት ክጥቀምሉ ጀሚሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።—15/9 ገጽ 29

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ “ተግሳጽ” እትብል ቃል እንታይ ማለት ኢያ፧

እታ ቓል ንዝዀነ ይኹን ማህሰይቲ ወይ ጭካነ ኣይተመልክትን ኢያ። (ምሳሌ 4:13፣ 22:15) እታ “ተግሳጽ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ብቐዳምነት ንመምርሒ: ትምህርቲ: መኣረምታ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ንጽኑዕን ፍቕራውን መቕጻዕቲ እተመልክት ኢያ። ወለዲ ንየሆዋ ኽመስልሉ ዝኽእሉ ዝበለጸ መገዲ እቲ ምስ ደቆም ዝገብርዎ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት ኰይኑ ንኽቕጽል ጻዕሪ ምስ ዝገብሩ ኢዩ። (እብራውያን 12:7-10)—1/10 ገጽ 8, 10

ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት ኣብ ጐኒ ግዝኣት ኣምላኽ ከም ዝቘሙ ብኸመይ ኢዮም ዘርእዩ ዘለዉ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጐኒ መንግስቲ ኣምላኽ ክቘሙ ኸለዉ: ኣብተን ዝኣገዳኦም ሃገራት እውን ከይተረፈ ኣብ ፖለቲካ ኣይኣትዉን ወይ ድማ ዕልወት ኣየለዓዕሉን ኢዮም። (ቲቶስ 3:1) ከምቲ የሱስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱን ዝገብርዎ ዝነበሩ ጠቓሚ ኣበርክቶ ይገብሩ ኢዮም፣ ከምኡውን ሰባት ከም ሓቅነት: ስነ-ምግባራዊ ንጽህና: ጽቡቕ ናይ ስራሕ ባህሊ ዝኣመሰለ ጠቓሚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ንኽቕበልዎ ኽሕግዝዎም ከኣ ይጽዕሩ ኢዮም።—15/10 ገጽ 6

እቲ ህይወት ዝህብ ማይ ኣብ ኣንደስ ብኸመይ ኢዩ ዝውሕዝ ዘሎ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መልእኽቲ ሓቂ ነቶም ህዝቢ በቲ ናይቲ ኸባቢ ክልተ ቋንቋታት ማለት ኴቹዋን ኣይማራን እውን ከይረፈ ንኸብጽሑሎም ብዙሕ ጻዕሪ ይገብሩ ኣለዉ። ነቶም ኣብ ቀላይ ቲቲካካ ኣብ ዝርከባ ደሴታትን ኣብ ክፍሊ ናይቲ ቐላይ ብዝበቍል ቶቶራ ዝበሃል ዓይነት ሻምብቆ እተሰርሓ “ጸምበለል” ዝብላ ደሴታትን ንዝነብሩ ሰባት እውን ይበጽሕዎም ኣለዉ።—15/10 ገጽ 8-10

ኣምላኽ ምስቲ ሎሚ ንዘለዋ ነፈርቲ ብትኽክል ንኽጐዓዛ ዝመርሐን ኮምፕዩተራት ዝመሳሰል እንታይ ክመርሓና ዝኽእል ነገር ኢዩ ሂቡና፧

ኣምላኽ ንደቅሰብ ብስነ-ምግባራዊ መገዲ ክምርሕሉ ዝኽእሉ ክእለት ሂብዎም ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ብተፈጥሮ ዝወረስናዮ ሕልና ኢዩ። (ሮሜ 2:14, 15)—1/11 ገጽ 3-4

ሞት የሱስ ዓቢ ዋጋ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

እቲ ፍጹም ሰብ ዝነበረ ኣዳም ምስ ሓጥአ ህይወቱን ህይወት ዘርኡን ኣጥፍአ። (ሮሜ 5:12) የሱስ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ሰብኣዊ ህይወቱ መስዋእቲ ብምቕራብ እሙናት ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽረኽቡ መገዲ ዝኸፈተ በጅነት ኣዳለወ።—15/11 ገጽ 5-6

ኣብ ቈሎሴ 3:11 ተጠቒሶም ዘለዉ ስኪት እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧

ህዝቢ ስኪት ካብ 700 ክሳዕ 300 ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኣብ ምድረ-ሳዕሪ ኣውሮጳን እስያን ዓብላልነት ዝነበሮም ሰበኽ ሳግም ኢዮም ነይሮም። ብሉጽ ክእለት ዝነበሮም ፈረሰኛታትን ተዋጋእትን ከኣ ኢዮም ነይሮም። ቈሎሴ 3:11 ንእተወሰነ ህዝቢ ዘይኰነስ ንኣዝዮም ድሑራት ህዝቢ እተመልክት ክትከውን ትኽእል ኢያ።—15/11 ገጽ 24-5

ወርቃዊት ሕጊ ወትሩ ከነቕልበላ ዘሎና ትምህርቲ ኢያ ኽንብል እንኽአል ስለምንታይ ኢና፧

ኣይሁድነት: ቡድሂዝም: ናይ ግሪኽ ፍልስፍና: ኮንፊሽኒዝም ነዛ ናይ ስነ-ምግባር ሕጊ እዚኣ ብእተፈላለየ መልክዕ ይገልጽዋ ኢዮም። ይኹን እምበር: እቲ የሱስ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ ዝጠቐሶ ነገር ብኣወንታዊ መገዲ ኣብ ግብሪ ኽውዕል ዝግባእ ኢዩ: ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታን ኣብ እተፈላለየ ዕድመን ንዝርከቡ ሰባት ድማ ዝትንክፍ ኢዩ። (ማቴዎስ 7:12)—1/12 ገጽ 3