ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ”

“ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ”

“ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ”

 መነዓብቲ ሰባት ንሓደ ምስኪን ሰብኣይ ሒዞም ቀጥቀጥዎ። ሞት ይግብኦ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ድማ ነበሮም። ክቕትልዎ ምስ ደለዩ ኸኣ ወተሃደራት መጺኦም ካብ ኢድ እቶም ዓመጸኛታት ህዝቢ መንዚዖም ኣድሓንዎ። እቲ ሰብኣይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኢዩ። ሃደንቱ ኸኣ እቶም ንቤት መቕደስ የርክስ ኣሎ ኢሎም ዝኸሰስዎ ንስብከቱ ኣበርቲዖም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ኣይሁድ ኢዮም። ዘድሓንዎ ኸኣ እቶም ብኣዛዚኦም ቅላውዴዎስ ሊስያስ ዝምርሑ ዝነበሩ ሮማውያን ኢዮም። ኣብቲ ዕግርግር እቲ ድማ ጳውሎስ ከም ገበነኛ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣተወ።

እተን ናይ መወዳእታ ሸውዓተ ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት: ነቲ በዚ ማእሰርቲ እዚ ዝጀመረ ጕዳይ ዝገልጻ ኢየን። ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ኣብ ሕጋዊ ጕዳያት ዝነበሮ ታሪኽ: ዝቐረበሉ ክስታት: ዝገበሮ ምክልኻል: ከምኡውን ብዛዕባ መቕጻዕቲ ሮማውያን ገለ ፍልጠት ምሓዝ ነዘን ምዕራፋት እዚኣተን ጽቡቕ ገይርና ክንርድአን ዝሕግዘና ኢዩ።

ኣብ ትሕቲ ቅላውዴዎስ ሊስያስ

ቅላውዴዎስ ሊስያስ ስርሑ ኣብ የሩሳሌም ስርዓት ከም ዝሕሎ ምግባር እውን ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። እቲ ልዕሊኡ ስልጣን ዝነበሮ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ኣብ ቂሳርያ ይነብር ነበረ። ኣብ ኵነታት ጳውሎስ: እቲ ሊስያስ ዝገበሮ ነገር: ንሓደ ውልቀ-ሰብ ካብ ዓመጽ ንምድሓንን ንሓደ ሃዋኺ ሰላም ንምሕባስን እተወስደ ስጕምቲ ክበሃል ይከኣል ኢዩ። ሊስያስ እቶም ኣይሁድ ብዝሃብዎ ምላሽ ተደፋፊኡ ነቲ እሱር ናብቲ ኣብ ግምቢ ኣንቶንያ ዝነበረ ሰፈር ወተሃደራት ወሰዶ።—ግብሪ ሃዋርያት 21:27-22:24

ሊስያስ: ጳውሎስ ዝገበሮ ነገር መርሚሩ ክረኽቦ ነበሮ። ኣብ እዋን እቲ ዕግርግር ዝፈለጦ ነገር የለን። ስለዚ ‘ንጳውሎስ ዝጭድሩሉ ዘለዉ ምኽንያት ምእንቲ ኽፈልጥ:’ ብዘይስሓቦ ጕተቶ ‘ብመግረፍቲ ኽምርመር’ ኣዘዘ። (ግብሪ ሃዋርያት 22:24) ካብ ገበነኛታት: ባሮት: ወይ ካብ ካልኦት ታሕተዎት ሰባት መርትዖ ንምርካብ ብልምዲ በዚ ኣገባብ እዚ ኢዮም ዝጥቀሙ ነይሮም። እቲ መግረፊ (ፈለገሩም) ኣስላጢ እኳ እንተ ነበረ: ኣዝዩ ዘርዕድ ኢዩ ነይሩ። ገለ ኻብቲ ሓለንጊ ኣብ ሰንሰለት እተንጠልጠለ ዓረር ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። ገሊኡ ኸኣ ብበላሕቲ ኣዕጽምትን ጭርምራም ሓጻውንን እተሰርሐ ጭጕራፍ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓለንጊ ስጋ ጀላሊዑ ከቢድ መቝሰልቲ የስዕብ ነበረ።

ኣብዚ ዅነታት እዚ ምስ በጽሐ ጳውሎስ ሮማዊ ዜግነት ከም ዘለዎ ገለጸ። ሓደ ሮማዊ እንተድኣ ዘይተፈሪዱ ክግረፍ ስለ ዘይክእል: ጳውሎስ ብዛዕባ መሰሉ ምዝራቡ ቅጽበታዊ ውጽኢት ነይርዎ ኢዩ። ሓደ ሮማዊ ሓለቓ ንሓደ ሮማዊ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ምስ ዘጋፍዖ ወይ ምስ ዝቐጽዖ ካብ ሓላፍነቱ ዘውርዶ ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ጳውሎስ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ከም እተገብረሉ ርዱእ ኢዩ፣ ክበጽሕዎ ንዝመጹ ኣጋይሽ ንኸአንግድ እውን መሰል ረኸበ።—ግብሪ ሃዋርያት 22:25-29፣ 23:16, 17

ሊስያስ ብዛዕባ እቲ ንጳውሎስ ዝቐረበሉ ኽስታት ኣርጊጹ ዝፈልጦ ነገር ስለ ዘይነበሮ: እቲ ያዕያዕ እተላዕለሉ ምኽንያት ዝሕብር መግለጺ ምእንቲ ኽረክብ ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪን ኣቕረቦ። ጳውሎስ ግን ብዛዕባ ትንሳኤ ከም እተፈርዶ ብምዝራብ ኣብ መንጎ እቶም ህዝቢ ክትዕ ከም ዝለዓል ገበረ። እቲ ምስሕሓብ ኣዝዩ ርሱን ካብ ምንባሩ እተላዕለ እኳ ሊስያስ ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሁ እንደገና ካብ ኢድ እቶም ቁጡዓት ኣይሁድ ዘሪፉ ንኽወስዶ ተገደደ።—ግብሪ ሃዋርያት 22:30-23:10

ሊስያስ ብሞት ናይ ሓደ ሮማዊ ክሕተት ኣይደለየን። ነቲ እሱር ክቐትልዎ ውዲት ከም ዝኣለሙ ምስ ፈለጠ ኸኣ ተቐላጢፉ ናብ ቂሳርያ ሰደዶ። እሱራት ናብ ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ምስ ዝለኣኹ ብዛዕባ ጕዳዮም ዝገልጽ ጸብጻብ እውን ምስኦም ክለኣኽ ሕጊ ዝሓቶ ኢዩ ነይሩ። እቲ ጸብጻብ ድማ ናይቲ ፈለማ እተገብረ ምርመራ ውጽኢት: ምኽንያት ናይቲ እተወስደ ስጕምቲ: ከምኡውን እቲ መርማሪ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ርእይቶ ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። ሊስያስ ከኣ ጳውሎስ ‘ስለ ኽርክር ሕጊ ኣይሁድ ከም እተኸሰ እምበር: ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ክሲ ከም ዘይገበረ’ ዝገልጽ ጸብጻብ ሃበ: ንኸሰስቲ ጳውሎስ ከኣ ንኽሶም ኣብ ቅድሚ እቲ ወኪል ቄሳር ዝነበረ ፌሊክስ ከቕርቡ ኣዘዞም።—ግብሪ ሃዋርያት 23:29, 30

ፌሊክስ ፍርዲ ካብ ምሃብ ኣድሓርሓረ

ምምሕዳር ናይቲ ኣውራጃ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ስልጣን ወይ ሓላፍነት ፌሊክስ ኢዩ ነይሩ። እንተድኣ ደልዩ ናይቲ ከባቢ ልምዲ ወይ ከኣ ነቲ ኣብቶም ምርኡያት ኣባላት እቲ ሕብረተሰብን ናይ መንግስቲ ሰበ-ስልጣንን ዝውዕል ወግዓዊ ሕጊ ገበነኛታት ክስዕብ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። እዚ ወግዓዊ ሕጊ ገበነኛታት እዚ ኸኣ ኦርዶ ወይ ከኣ ዝርዝር ብዝብል ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ገበን ውሳነ ንምሃብ ክሕግዝ ዝኽእል ኤክስትራ ኦረዲኔም ዝበሃል ሕጊ እውን ክጥቀም ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ሓደ ናይ ኣውራጃ ኣመሓዳሪ ‘ኣብ ሮሜ እተገብረ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ ብሓፈሻ ክግበር ዝነበሮ ነገር እውን ኣብ ግምት ከእቱ’ ትጽቢት ይግበረሉ ነበረ። ስለዚ መብዝሕትኡ ኣብ ውሳነኡ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ።

ብዛዕባ ሕጊ ጥንታዊት ሮሜ ዝገልጽ ዝርዝራት ብምሉኡ ንፈልጦ ኢና ማለት እኳ እንተዘይኰነ ብዛዕባ ጕዳይ ጳውሎስ ዝሓዘ ጸብጻብ ግን “ኣብቲ ኣውራጃ ንዝዓዪ ዝነበረ ኤክስትራ ኦረዲኔም ዝበሃል ናይ መቕጻዕቲ ስርዓት ዝገልጽ ኣብነት” ገይርካ ኢዩ ዝውሰድ። እቲ ኣመሓዳሪ: ብመኸርቲ ተሓጊዙ: ውልቀ-ሰባት ንዘቕረብዎ ክስታት ይሰምዕ ነበረ። እቲ ተኸሳሲ ኣብ ቅድሚ ከሳሲኡ ይቐርብ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ድማ ይማጐት: መርትዖ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ግን ኣብቲ ኸሳሲ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዳኛ ቅኑዕ ኰይኑ እተሰምዖ ዝዀነ ይኹን መቕጻዕቲ ይብይን ነበረ። ብኡንብኡ ውሳነ ክህብ ወይ ከኣ ነቲ ፍርዲ ንዘይተወሰነ ግዜ ከመሓላልፎ እሞ ክሳዕ ሽዑ እቲ ተኸሳሲ ተኣሲሩ ከም ዝጸንሕ ክገብር ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ሄንሪ ካድበሪ እተባህለ ምሁር “ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጣን ብዘይ ደረት ናይ ምጥቃም ሃዋሁ እቲ በዓል ስልጣን ንኽምሕር: ክዅንን: ወይ ነቲ ፍርዲ ናብ ካልእ እዋን ንኸመሓላልፍ ‘ብዝግበረሉ ዘይግቡእ ጽልዋ’ ኽዕጸፍን ብላዕ ክቕበልን ኣብ ዝኽእለሉ ዅነታት ኢዩ ዝርከብ ነይሩ” ይብል።

እቲ ሊቀ-ኻህናት ዝነበረ ሃናንያ: ዓበይቲ ኣይሁድን ጠርጠሎስን: ጳውሎስ ‘ኣብ ኣይሁድ ፌራን መነዓብን’ ከም ዝዀነ ገይሮም ኣብ ቅድሚ ፌሊክስ ብዕሊ ኸሰስዎ። ቀንዲ መራሒ “ወገን ናዝሬታውያን” ከም ዝዀነን ንቤት መቕደስ ከርክስ ከም ዝደለየን ገይሮም ከሰስዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:1-6

እቶም ንጳውሎስ ዘጥቅዕዎ ናይ መጀመርታ ሰባት: ነቲ ካብ ኣህዛብ ዝነበረ ጥራፊሞስ ናብቲ ንኣይሁድ ጥራይ ተመዲቡ ዝነበረ ኣጸድ ቤት መቕደስ ዘእተዎ መሲልዎም ነበረ። a (ግብሪ ሃዋርያት 21:28, 29) ብልክዕ ክርአ እንተድኣ ዀይኑ: ሕጊ ጥሒሱ ተባሂሉ ንኽሲ ክቐርብ ዝነበሮ ጥራፊሞስ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: እቲ ጳውሎስ ገይርዎ ኢዩ ዝበልዎ ነገር ሕጊ ንምፍራስ ከም ዘተባብዐ ገይሮም ተርጒሞምዎ እንተድኣ ዀይኖም ንሞት ዘቕጽዕ በደል ገይርካ ክውሰድ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ሮሜ ኸኣ ኸምዚ ዝኣመሰለ ገበን ብሞት ዘቕጽዕ ገይርካ ንኽውሰድ እተቐበለቶ ኢዩ ዝመስል። ስለዚ ጳውሎስ ኣብ ክንዲ ብሊስያስ ብፖሊስ ቤት መቕደስ ኣይሁድ ተኣሲሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን: እቲ ሳንሄድሪን መርሚሩ ብዘይገለ ጸገም ክፈርዶ ምኸኣለ ነይሩ።

እቶም ኣይሁድ: ጳውሎስ ዝምህሮ ዝነበረ ኣይሁድነት ወይ ከኣ ሕጋዊ ሃይማኖት (ረሊጅዮ ሊሲታ) ዘይኰነስ ዘይሕጋዊ ወይ ከኣ ኣንጻር መንግስቲ ከም ዝዀነ ገይሮም ኣቕረብዎ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ጳውሎስ “ኣብ ብዓለሙ ንዘለዉ ዅላቶም ኣይሁድ ፌራን መነዓብን” ከም ዝነበረ ገይሮም ከሰስዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:5) ኣቐድም ኣቢሉ ሃጸይ ቅላውዴዎስ ነቶም ካብ ጽርኢ ዝነበሩ ኣይሁድ “ኣብ ብዘላ ዓለም መዓት ኣለዓዒሎም” ብምባል ኰኒንዎም ነበረ። ሕጂ ኸኣ ምስኡ ዝመሳሰል ነገር ምቕራቦም ዘገርም ኢዩ። ጸሓፍ ታሪኽ አይ. ኤን. ሸርዊን-ዋይት ከምዚ በለ:- “እቲ ኽሲ ኣብ እዋን ግዝኣት ቅላውዴዎስ ወይ ከኣ ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ኔሮ ዀነ ኢልካ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣይሁዳዊ መጥቃዕቲ ንምውራድ እተገብረ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣይሁድ ነቲ ኣመሓዳሪ ንስብከት ጳውሎስ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣቱ ዝነበሩ ህዝቢ ኣይሁድ ህውከት ዝፈጥር ገይሩ ንኽወስዶ ኸስድዕዎ ህርድግ ይብሉ ነበሩ። ኣመሓደርቲ ሮሜ ምሉእ ብምሉእ ሃይማኖታዊ ኣብ ዝዀነ ክስታት ተመርኲሶም ንሓደ ኽሱስ ገበነኛ ክብልዎ ከም ዘይደልዩ እቶም ኣይሁድ ይፈልጡ ስለ ዝነበሩ ነቲ ሃይማኖታዊ ክሲ ናብ ፖለቲካ ክቕይርዎ ኢዮም ዝጽዕሩ ነይሮም።”

ጳውሎስ በብሓንቲ እናገለጸ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ተመጻርዩ ኢዩ። ‘ባእሲ ኣየለዓዓልኩን። ብወገን እታ ንሳቶም መናፍቕነት ዝብልዋ ምዃነይ ዘይከሓድ እኳ እንተዀነ ናይ ኣይሁዳውያን መምርሒ ኢየ ዝስዕብ። ሓያሎ ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ኢዮም ናዕቢ ኣለዓዒሎም። ክሲ እንተድኣ ኣልይዎም ኣብዚ መጺኦም ኢዮም ከቕርብዎ ዘለዎም።’ ጳውሎስ ነቲ ቐሪቡሉ ዝነበረ ክሲ ኣብ መንጎ ኣይሁድ እተላዕለ ሃይማኖታዊ ባእሲ ከም ዝዀነ ገይሩ ኣብ ሓደ ጠርነፎ፣ ሮሜ ድማ ንሃይማኖታዊ ባእሲ ዝምልከት ኢዳ ኣይተእቱን ኢያ ነይራ። ፌሊክስ እቶም ሓንጊዶም ዝነበሩ ኣይሁድ ከይቝጥዑ ዝብል ስክፍታ ስለ ዝነበሮ ነቲ ፍርዲ ንግዚኡ ወንዘፎ። ጳውሎስ ኣብ ኢድ እቶም ክፈርድዎ ዝደልዩ ዝነበሩ ኣይሁድ ኣሕሊፉ ኣይተዋህበን: ብሕጊ ሮሜ ኣይተፈርደን: ናጻ እውን ኣይወጸን። ፌሊክስ ናይ ፍርዲ ውሳነ ክህብ ኣይግደድን ኢዩ ነይሩ: ኣብ ርእሲ እቲ ስምረት ኣይሁድ ንምርካብ ዝነበሮ ድልየት ግን ፍርዲ ካብ ምሃብ ዘድሓርሓረሉ ካልእ ምኽንያት እውን ነይርዎ ኢዩ: እዚ ድማ ካብ ጳውሎስ ብላዕ ክቕበል ተስፋ ገይሩ ስለ ዝነበረ ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:10-19, 26 b

ኣብ ግዜ ጶርቅዮስ ፌስጦስ እተገብረ ለውጢ

ድሕሪ ክልተ ዓመት ከኣ እቲ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ስርሑ ምስ ጀመረ: ኣይሁድ ነቲ ክሲ ከም ብሓድሽ ኣብ የሩሳሌም ኣልዓልዎ እሞ ጳውሎስ ኣብ ኢዶም ክወሃብ ሓተቱ። ፌስጦስ ግን ኣትርር ኣቢሉ “ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ደው ከየበልካዮ: በቲ ዝኸሰስዎ ኺመጻረ ጊዜ ኸይሀብካዮ: ተቓዳዲምካ ንሓደ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ” ገለጸሎም። ጸሓፍ ታሪኽ ሃሪ ዳብልዩ. ታጅራ ከምዚ በለ:- “ፌስጦስ ንሓደ ሮማዊ ዜግነት ዝነበሮ ሰብ ኣብ ፍርዲ ኸየቕረቡ ንምቕታል ተዳልዮም ከም ዝነበሩ ተረዲእዎ ነይሩ ኢዩ።” ስለዚ እቶም ኣይሁድ ክሶም ኣብ ቂሳርያ ከይዶም ከቕርብዎ ድማ ተነግሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 25:1-6, 16

ኣብ ቂሳርያ እቶም ኣይሁድ: ጳውሎስ “ብህይወት ኪነብር ከም ዘይግብኦ” ገለጹ: ግናኸ ዝዀነ ይኹን መርትዖ ከቕርብሉ ስለ ዘይክኣሉ: ጳውሎስ ናብ ሞት ዘብጽሕ ነገር ከም ዘይገበረ ፌስጦስ ተገንዘበ። ንኻልእ በዓል ስልጣን ከኣ ከምዚ ኢሉ ገለጸሉ:- “ብጀካ ብናይ ኣምልኾኦም ዝዀነ ነገር ባእሲ ብዛዕባ ሓደ ምዉት: ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዚብሎ የሱስ እንተ ዘይኰይኑ . . . ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየምጽኡሉን።”—ግብሪ ሃዋርያት 25:7, 18, 19, 24, 25

ጳውሎስ ብዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ክሲ ኸም ዘይክሰስ ፍሉጥ ኢዩ: ይኹን እምበር: ኣብቲ እተላዕለ ሃይማኖታዊ ባእሲ እቶም ኣይሁድ ነዚ ንምፍራድ ብቕዓት ዘለዎ እቲ ብኣይሁድ ዝቘመ ቤት ፍርዲ ጥራይ ኢዩ ብምባል ተማጒቶም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ፍርዲ ኽረክብ ናብ የሩሳሌም ድዩ ክኸይድ፧ ፌስጦስ ንጳውሎስ ክኸይድ ሓተቶ: ይኹን እምበር ሓደገኛ ውጥን ኢዩ ነይሩ። ንጳውሎስ ናብታ እቶም ከሰስቱ ፈራዶ ዀይኖም ዝቕመጡላ የሩሳሌም ምምላሱ ማለት ንኣይሁድ ኣሕሊፍካ ምሃብ ማለት ኢዩ ነይሩ። ጳውሎስ “ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እቐውም አሎኹ: ኣብኡ ኽፍረድ እዩ ዚግብኣኒ: . . . ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን . . . ንኣታቶም ኣሕሊፉ ኺህበኒ ዚኽእል ከቶ የልቦን። ኣነ፤ ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ” በለ።—ግብሪ ሃዋርያት 25:10, 11, 20

ሓደ ሮማዊ ከምዚ ዝኣመሰለ ቃላት ምስ ዝዛረብ ነቲ ብኣውራጃ ደረጃ ዝወሃብ ፍርዲ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቋረጽ ዝገብር ነበረ። ይግባኝ (ፕሮቮካትዮ) ንኽብል ዝነበሮ መሰል “ዘተኣማምንን ሰፊሕን ውጽኢታውን ኢዩ ነይሩ።” ፌስጦስ ብዛዕባ ተክኒካዊ ጕዳያት ምስ ኣማኸርቱ ድሕሪ ምዝታዩ “ናብ ቄሳር ይግባኝ: ካብ በልካስ: ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” በሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 25:12

ፌስጦስ ንጳውሎስ ካብኡ ከርሕቖ ጥራይ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። ገለ መዓልትታት ጸኒሑ ንሄሮድስ ኣግሪጳ ካልኣይ ከም ዝገለጸሉ እቲ ነገር ኣጨኒቕዎ ኢዩ ነይሩ። ሽዑ ፌስጦስ ብዛዕባ እቲ ኽሲ ዝገልጽ ሓሳባት ነቲ ሃጸይ ክጽሕፈሉ ነበሮ: እንተዀነ ግን እቲ ኽስታት ንምርድኡ ዘጸግም እተሓላለኸ ሕጊ ኣይሁድ ዝሓዘ ኢዩ ዀይንዎ። ይኹን እምበር ኣግሪጳ በዚ ጕዳይ እዚ ዝመጸ ክኢላ ኢዩ ነይሩ: ተገዳስነቱ ምስ ኣርኣየ እኳ ነታ ደብዳበ ኣብ ምጽሓፍ ክሕግዝ ሓሳብ ቀሪቡሉ ኢዩ። ፌስጦስ እቲ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኣግሪጳ እተዛረቦ ተኸታታሊ ዘረባ ንምርድኡ ስለ ዘጸገሞ እኳ “ኣታ ጳውሎስ: ተጸሊልካ ኢኻ: እዚ ብዙሕ ትምህርትኻ ናብ ምጽላል ኣድሂቡልካ አሎ” በሎ። ኣግሪጳ ግን ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ተረዲእዎ። “ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ” ድማ በሎ። ፌስጦስን ኣግሪጳን ብዛዕባ ጳውሎስ ዝነበሮም ስምዒት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ክልቲኦም ጳውሎስ ንጹህ ምዃኑን ናብ ቄሳር ይግባኝ እንተ ዘይብል ነይሩ ኸኣ ክፍታሕ ይኽእል ከም ዝነበረን ተሰማሚዖም ኢዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 25:13-27፣ 26:24-32

እቲ ፍርዲ መዕለቢ ረኸበ

ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ምስ በጽሐ ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክሰብከሎም ደልዩ ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕብኡ ዝፈልጥዎ ነገር እንተልዩ ንኸጻሪ ናብኡ ጸውዖም። ከምኡ ምግባሩ ድማ ብዛዕባ ሓሳብ ናይቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ገለ ነገር ንኽፈልጥ ዝሕግዞ ኢዩ ነይሩ። ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን: ብዛዕባ ንሓደ ጕዳይ ምክትታል ዝመጸ ሓገዝ ናይቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣይሁድ ምድላዮም ልሙድ ነገር ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ጳውሎስ ንዕኡ ዝምልከት ምንም መምርሒ ከም ዘይበጽሖም ሰምዐ። ጳውሎስ ፍርዱ እናተጸበየ ገዛ ተኻርዩ ኸይተሰከፈ ክሰብኽ ተፈቕደሉ። እቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሕዛ ኸኣ ሮማውያን ንጳውሎስ ንጹህ ሰብ ገይሮም ይርእይዎ ከም ዝነበሩ ዝሕብር ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 28:17-31

ጳውሎስ ንኽልተ ተወሳኺ ዓመታት ዝኣክል ይሕሎ ኢዩ ነይሩ። ስለምንታይ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዘርዚሩ ኣይገልጸልናን ኢዩ። ሓደ ይግባኝ ዝበለ ሰብ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ነቲ ኽሱ ክሳዕ ዘልዕልዎ ተወንዚፉ ክጸንሕ ልሙድ ኢዩ ነይሩ: ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ኣይሁድ ግን ምናልባት ክረትዑ ከም ዘይክእሉ ስለ እተገንዘቡ ክኸውን ይኽእል ፈጺሞም ኣይተቐልቀሉን። ንጳውሎስ ስቕ ከብልሉ ዝኽእሉ እቲ ዝበለጸ መገዲ ዀይኑ እተሰምዖም ከኣ ብእተኻእለ መጠን ናብኡ ገጾም ዘይምኻድ ምዃኑ ገይሮም ወሲዶምዎ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ: ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ኔሮ ቀሪቡ: ካብ ገበን ንጹህ ምዃኑ ተፈሪዱ: ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ማእሰርቱ ገለ ሓሙሽተ ዓመታት ጸኒሑ ድማ ናብ ዕዮ ሚስዮናውነት ተመሊሱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 27:24

ተጻረርቲ ሓቂ ነቲ ክርስትያናዊ ዕዮ ስብከት ንምትዕንቓፍ ‘ከም ሕጊ ኢና እናበሉ ዓመጽ’ ክኣልሙ ጸኒሖም ኢዮም። እዚ ኸገርመና ኣይግባእን ኢዩ። የሱስ “ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም” በለ። (መዝሙር 94:20፣ ዮሃንስ 15:20) እንተዀነ ግን: የሱስ ንምልእቲ ዓለም ብስራት ንኽንነግር ናጽነት ሂቡና ኣሎ። (ማቴዎስ 24:14) ስለዚ ድማ ልክዕ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ መስጐጕትን ምጽራርን ዝቃለስ ዝነበረ ሎሚ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ነቲ ብስራት ብሕጋዊ መገዲ ይከላኸልሉን ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ከኣ ይገብሩን ኢዮም።’—ፊልጲ 1:7 NW

[እግረ-ጽሑፋት]

a ሰለስተ እመት ዝንውሓቱ ብብሉጽ እምኒ እተነድቀ መንደቕ: ንመጋባእያ ኣህዛብ ካብቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ፈልይዎ ነበረ። ኣብዚ መንደቕ እዚ ሓሓሊፉ: ገሊኡ ብግሪኽ ገሊኡ ኸኣ ብላቲን ከምዚ ዝብል መጠንቀቕታ ተጻሒፍዎ ነበረ:- “ዝዀነ ይኹን ወጻእተኛ ናብ ውሽጢ እዚ መጋረዲ እዚ ይኹን ናብቲ ኣብ ዙርያ እታ ቕድስተ ቕዱሳን ዘሎ ሓጹር ክኣቱ የብሉን። ኣብዚ እተረኽበ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምስ ዝቕተል ተሓታቲ ባዕሉ ኢዩ።”

b ይኹን እምበር እዚ ሕጋዊ ኣይነበረን። ሓደ መወከሲ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “እቲ ሌክስ ሬፔቱንዳሩም እተባህለ ገንዘብ ብዘይግቡእ ብዛዕባ ምውሳድ ዝወጸ ሕጊ: ዝዀነ ይኹን ቦታ ሓላፍነት ወይ ምምሕዳር ዘለዎ ሰብ ንሓደ ሰብ ብመቝሕ ንምእሳር ወይ ንምፍታሕ: ፍርዲ ንምሃብ ወይ ንዘይምሃብ ወይ ንሓደ እሱር ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምውጻእ ኢሉ ብላዕ ክሓትት ወይ ክቕበል ክልኩል ኢዩ ነይሩ።”