ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ናይ ሓቂ የሱስ

እቲ ናይ ሓቂ የሱስ

እቲ ናይ ሓቂ የሱስ

 ሰባት ብዛዕብኡ እንታይ ከም ዝብሉ ሃዋርያቱ ምስ ነገርዎ: የሱስ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም፧” ኢሉ ሓተቶም። ሃዋርያ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ብምባል ዝመለሰሉ መልሲ ወንጌል ማቴዎስ መዝጊብዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 16:15, 16) እቶም ካልኦት እውን ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኢዩ ነይርዎም። እቲ ደሓር ሃዋርያ ዝዀነ ናትናኤል ንየሱስ “ረቢ: ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ: ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢልዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 1:49) የሱስ ባዕሉ እውን “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” ብምባል ኣገዳሲ ቦታ ኸም ዘለዎ ገሊጹ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:6) ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ርእሱ ኽዛረብ ከሎ “ወዲ ኣምላኽ” ይብል ነበረ። (ዮሃንስ 5:24, 25፣ 11:4) ከምኡ ምዃኑ እውን ተኣምራት ብምግባር: አረ ምዉታት እውን ብምትንሳእ መርትዖ ኣቕሪቡ ኢዩ።

ድልዱል መሰረት ዘለዎ ምጥርጣራት ድዩ፧

እንተዀነ ግን: ነቲ ወንጌላት ብዛዕባ የሱስ ዘዘንትወልና ዛንታ ብሓቂ ኽንኣምኖዶ ንኽእል ኢና፧ ንየሱስ ብትኽክል ድዩ ዝገልጾ፧ እቲ ሕጂ ብህይወት ዘየለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ማንቸስተር ፕሮፌሰር ናይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሒስን መግለጺታትን ኰይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ፍረደሪክ ኤፍ. ብሩስ ከምዚ በለ:- “ኣብ ናይ ጥንቲ ጽሑፋት ማለት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብ ካልእ ጽሑፋት ዝርከብ ዝርዝር ነገራት ብምሉኡ ብታሪኻዊ መርትዖታት ገይርካ ሓቅነቱ ምርግጋጽ መብዛሕትኡ እዋን ዘይከኣል ኢዩ። እቲ ጸሓፊ ትውክልቲ ዝግበሮ ምዃኑ ብእተወሰነ ደረጃ ጥራይ ምርግጋጽ ኣኻሊ ኢዩ፣ እዚ መሰረት እዚ እንተድኣ ኣንቢርና: እቲ ዝጸሓፎ ዝርዝር ነገራት ሓቂ ምዃኑ ንምርግጋጽ ካልእ መርትዖ ኣየድልን ኢዩ። . . . ክርስትያናት ንሓድሽ ኪዳን ከም ‘ቅዱስ’ ጽሑፍ ገይሮም ምቕባሎም: ብታሪኻዊ መዳይ ንዘለዎ ተኣማንነት ኣይንክዮን ኢዩ።”

ኣብ ሰሜን ዳኮታ: ሕ.መ.ኣ.: ኣብ ዝርከብ ኮለጅ ጄምስታውን ናይ ሃይማኖት ፕሮፌሰር ኰይኑ ዝዓዪ ጄምስ ኣር. ኤድዋርድስ: ነቲ የሱስ ኣብ ወንጌላት ተገሊጹሉ ዘሎ መገዲ ዝምልከት ምጥርጣራት ድሕሪ ምምርማር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ወንጌላት ብዛዕባ እቲ ንየሱስ ዝምልከት ሓቅታት ብዙሕን ኣገዳስን መርትዖ ሒዙ ኸም ዘሎ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። . . . ወንጌላት ንየሱስ ከምቲ ብዛዕባኡ ተጻሒፉ ዘሎ ገይሩ ዝገለጸሉ ቐንዲ ምኽንያት: የሱስ ብሓቂ ኸምኡ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ እተላእከ ወዱን ኣገልጋሊኡን ምንባሩ ከምኡውን ነቲ ኣብ ሰዓብቱ ዘሕደሮ ጦብላሕታ ብትኽክል መዝጊብዎ ኢዩ።” a

መንነት የሱስ ንምፍላጥ ዝግበር ምርምራት

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዘሎ ጽሑፋት ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እንታይ ኢዩ ዝብል፧ እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ዝርአ፧ እኒ ታሲተስ: ሱቶኒዮ: ጆሰፈስ: ፕሊኒ ንእሽቶ: ከምኡውን ሒደት ካልኦት ብሉጻት ጸሓፍቲ ኣብ ጽሑፋቶም ብዛዕባ የሱስ ዝገልጽ እተፈላለየ ሓሳባት መዝጊቦም ኣለዉ። ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ (1995) ብዛዕብኦም ከምዚ ይብል:- “እዚ ኻብ ዝዀነ ይኹን ጽልዋታት ናጻ ዝዀነ ጸብጻባት ኣብ ግዜ ጥንቲ እቶም ጸላእቲ ክርስትና እውን ከይተረፉ ብዛዕባ እቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ መወዳእታ ናይ መበል 18 ዘመን: ኣብ መበል 19 ዘመን: ከምኡውን ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ግቡእ ብዘይኰነ ምኽንያት ኣብ ጥርጥር ዝኣተወ ታሪኻውነት ናይ የሱስ ፈጺሞም ተጠራጢሮም ከም ዘይፈልጡ የረጋግጽ።”

እቲ ዘሕዝን ግን: ዘመናውያን ምሁራት እቲ “ናይ ሓቂ” ወይ “ታሪኻዊ” የሱስ መን ምዃኑ ንምፍላጥ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ: መሰረት ኰነ ፍረ ብዘይብሉ ግምታትን ምጥርጣራትን ኽልሰ-ሓሳባትን ገይሮም ነቲ ናይ ሓቂ መንነቱ ሸፊኖምዎ ኢዮም። ብኻልእ ኣበሃህላ: ባዕሎም ጽውጽዋያት ፈልሲፎም ንጸሓፍቲ ወንጌል ብሓሶት ብምኽሳሶም ተሓተትቲ ኢዮም። ገሊኣቶም ውሩያት ክዀኑ ብርቱዕ ሃንቀውታ ስለ ዘለዎምን መስረትቲ ሓድሽ ክልሰ-ሓሳብ ተባሂሎም ክስመዩ ስለ ዝደልዩን ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዝርከብ መርትዖታት ብቕንዕና ኣይምርምርዎን ኢዮም። ስለዚ ምርምራት ክገብሩ ኸለዉ ንዖኦም ጥራይ ዝርድኦም “የሱስ” ይምህዙ።

እቶም ነቲ ናይ ሓቂ የሱስ ክፈልጥዎ ዝደልዩ ግን ብዛዕብኡ ዝገልጽ ፍልጠት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢምሪ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ስነ-ሃይማኖት ካንድለር: ናይ ሓድሽ ኪዳንን መበቈል ክርስትናን ፕሮፌሰር ኰይኑ ዝዓዪ ሉክ ጆንሰን: ንታሪኻዊ የሱስ ንምፍላጥ ዝግበር መብዛሕትኡ ምርምር: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዕላማ ኸም ዝስሕቶ ገለጸ። ኣብቲ የሱስ ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ዝነበረ ማሕበራዊ: ፖለቲካዊ: ስነ-ሰባዊ: ከምኡውን ባህላዊ መዳያት ምርምር ምግባር ጥቕሚ ኽህልዎ ዝኽእል ምዃኑ ሓበረ። ኣስዕብ ኣቢሉ ግን እቲ ምሁራት ብታሪኻዊ መጽናዕቲ ዝፈጥርዎ የሱስ “ምስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ዘሎ ዕላማ ኣይሰማማዕን ኢዩ:” ከመይሲ ቅዱሳት ጽሑፋት “ንባህርያት የሱስ:” መልእኽትታቱ: ከምኡውን ከም መድሓኒ መጠን ንዘለዎ ግደ ኢዩ “ዝያዳ ዘተኵረሉ።” እሞ ድኣ: የሱስ ብሓቂ ኸመይ ዝበለ ባህርያት ኢዩ ነይርዎ: እንታይ መልእኽትታት ኢዩኸ ኣመሓላሊፉ፧

እቲ ናይ ሓቂ የሱስ

ወንጌላት ማለት እቲ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት የሱስ ዝገልጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣርባዕተ ጸብጻባት: ንየሱስ ኣዝዩ ደንጋጺ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ። ብሕማምን ዑረትን ካልእ ሽግራትን ይሳቐዩ ንዝነበሩ ሰባት ክሕግዝ ዝደረኾ ድንጋጽን ርሕራሐን ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 9:36፣ 14:14፣ 20:34) ሞት ኣልኣዛር ፈታዊኡን ንኣሓት ኣልኣዛር ዘጋጠመን ሓዘንን ‘ብመንፈሱ ከም ዝትክዝን ዝነብዕን’ ገይርዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 11:32-36) አረ ወንጌላትሲ ብዛዕባ ስምዒታት የሱስ ኣስፊሑ ኢዩ ዝገልጽ:- ንኣብነት ንለምጻማት ከም ዝደንገጸሎም: ደቀ መዛሙርቱ ብዝረኸብዎ ዓወት ምሕጓሱ: በቶም ኣብቲ ሕጊ ዝደርቁ ጨካናት ሰባት ምሕራቑ: ከምኡውን የሩሳሌም ንመሲህ ብምንጻጋ ሓዘን ከም እተሰምዖ ይገልጽ ኢዩ።

የሱስ ተኣምር ክፍጽም ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ተኣምር ዝግበረሉ ሰብ የተኵር እውን ምንባሩ “እምነትኪ ኣሕወየትኪ” ካብ ዝበሎ ቓላት ክርአ ይከኣል ኢዩ። (ማቴዎስ 9:22) ንናትናኤል ከኣ “ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ” ብምባል ንኢድዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 1:47) ገሊኣቶም ነቲ ሓንቲ ሰበይቲ ሞሳኣ ንምግላጽ ዝገበረትሉ ነገር ብዙሕ ገንዘብ ከም እተዘርወ ገይሮም ክርእይዎ ኸለዉ: የሱስ ግን ተኸላኸለላ: እቲ ልግስናኣ ንነዊሕ እዋን ከም ዝዝከር እውን ገለጸ። (ማቴዎስ 26:6-13) ንሰዓብቱ እውን ‘ኽሳዕ መወዳእታ ስለ ዘፍቀሮም’ ናይ ሓቂ ዓርኮምን ዝፍቶ ብጻዮምን ነበረ።—ዮሃንስ 13:1፣ 15:11-15

የሱስ ነቶም ዝረኽቦም ዝነበረ ሰባት ዘድልዮም ነገራት ብቐሊሉ ይግንዘብ ምንባሩ እውን ወንጌላት ይገልጽ ኢዩ። ኣብ ጥቓ ዔላ ንዝረኸባ ሰበይቲ ዀነ: ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ንዝረኸቦ ናይ ሃይማኖት መምህር: ወይ ኣብ ጥቓ ቐላይ ንዝረኸቦ ገፋፍ ዓሳ ኸዘራርብ ከሎ ልቢ ብዝትንክፍ መገዲ ኢዩ ተዛሪቡ። ሒደት ቓላት ድሕሪ ምዝራቡ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ሓሳባት ኢዮም ዝገልጹሉ ነይሮም። ብሓቂ ልቦም ኢዩ ዝትንክፎም ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ነቶም ስልጣን ዝነበሮም ዘይቀርብዎም እኳ እንተ ነበሩ: ንየሱስ ግን ይዓጕዎ ነበሩ። ምስኡ ክዀኑ ኸለዉ ይፈዅሶም ብምንባሩ ባህ ይብሎም ነበረ። ቈልዑ እውን ይቐርብዎ ነበሩ: ንሓደ ቘልዓ ከም ኣብነት ክጥቀመሉ ኸሎ ድማ ነቲ ቘልዓ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ደው ኣቢሉዎ ጥራይ ዘይኰነስ “ሐቚፍዎ” ኢዩ። (ማርቆስ 9:36፣ 10:13-16) እወ: ሰባት ነቲ ዝምስጥ ዘረባኡ ኽሰምዑ ኢሎም ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ኽሳዕ ዝጸንሑ ኽገብር ዝኽእል ናይ ምስሓብ ተውህቦ ከም ዝነበሮ ወንጌላት ይገልጽ ኢዩ።—ማቴዎስ 15:32

የሱስ ፍጹም ብምዃኑ ነቶም ኣብቲ ዝሰብከሉ እዋን ዝነበሩ ዘይፍጹማትን ሓጢኣተኛታትን ሰባት ዝነቅፍ: ብዓይኒ ትዕቢት ዝርኢ: ወይ ጸቕጢ ዝገብር ሰብ ኣይነበረን። (ማቴዎስ 9:10-13፣ 21:31, 32፣ ሉቃስ 7:36-48፣ 15:1-32፣ 18:9-14) ንኻልኦት እዚ ግበሩ እዚ ድገሙ ዝብል ሰብ እውን ኣይነበረን። ኣብ ርእሲ እቲ ዝነበሮም ጾር: ጾር ኣይወሰኸሎምን። ኣብ ክንድኡስ “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩ . . . ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” በለ። ደቀ መዛሙርቱ እውን ‘ለዋህን ትሑትን’ ኰይኑ ኢዮም ረኺቦሞ፣ ኣርዑቱ ፈኲስ: ጾሩውን ቀሊል ኢዩ ነይሩ።—ማቴዎስ 11:28-30

እቲ ኣብ ወንጌላት ተገሊጹ ዝርከብ ባህርያት የሱስ ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ሓቅነት ከም ዘለዎ ግልጺ ኢዩ። ኣርባዕተ እተፈላለዩ ውልቀ-ሰባት ሓደ ፍልይ ዝበለ ሰብ ብምምሃዝ ኣብቲ ዝጽሕፍዎ ንጹር ዛንታ ብዛዕብኡ ሓደ ዓይነት ኣገላልጻ ኽጥቀሙ ቐሊል ኣይኰነን። ኣርባዕተ እተፈላለዩ ጸሓፍቲ ሓደ ብህይወት ዘይነበረ ሰብ ፈጢሮም ብዛዕባኡ ሓደ ዓይነት መግለጺ ኽህቡ ዳርጋ ክኸውን ዘይክእል ኢዩ።

ጸሓፍ ታሪኽ ማይክል ግራንት ነዚ ዝስዕብ ንኣእምሮና ዘመራምር ሕቶ ኣቕሪቡ ኢዩ:- “ምስ ገሊአን ውርደተኛታትን ምስ እተፈላለያ ዓይነት ደቂ ኣንስትዮን ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮ ማራኺ መንእሰይ ስምዒታዊ ከም ዘይኰነ: ኣምሰሉ ጠባይ ከም ዘየንጸባረቐ: ወይ ሕሉፍ ቅጥዓውነት ከም ዘየርኣየ: የግዳስ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ብንጽህና ጥራይ ከም እተመላለሰ ገይሩ ወንጌላት ብሓደ ድምጺ ኽገልጾስ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧” እቲ ብቑዕ መልሲ እምበኣር ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣይ ብሓቂ ብህይወት ነይሩ: ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕብኡ ተገሊጹ ዘሎ ገይሩ ድማ ተመላሊሱ ዝብል ኢዩ።

ናይ ሓቂ የሱስን መጻኢ ተስፋኻን

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ህይወት ጽቡቕ ገይሩ ገሊጹ ጥራይ ዘይኰነስ: ቅድሚ ሰብ ምዃኑ ንኣምላኽ ሓደ ወዱ ከምኡውን “በዅሪ ዅሉ ፍጥረት” ምንባሩ ይገልጸልና ኢዩ። (ቈሎሴ 1:15) ኣስታት 20 ዘመናት ይገብር: ኣምላኽ ንህይወት ሰማያዊ ወዱ ናብ ማህጸን ናይ ሓንቲ ድንግል ኣይሁዳዊት ኣመሓላለፎ፣ ከምዚ ዝገበረ ኸኣ ወዱ: ሰብ ኰይኑ ምእንቲ ኽውለድ ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 1:18) የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ መንግስቲ ኣምላኽ እንኮ ተስፋ ወድሰብ ምዃና ኣዊጁ: ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ነዚ ስብከት እዚ ኽቕጽልዎ ኣሰልጢንዎም ኢዩ።—ማቴዎስ 4:17፣ 10:5-7፣ 28:19, 20

ብ14 ኒሳን (ከባቢ 1 ሚያዝያ) 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ መናዓቢ ብዝብል ናይ ሓሶት ክሲ ተኣስረ: ተመርመረ: ተፈርደ: ከምኡውን ተቐትለ። (ማቴዎስ 26:18-20, 48–27:50) ሞት የሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣምኑ ደቅሰብ ካብ ሓጢኣቶም ነጻ ብምግባርን ንዘለኣለማዊ ህይወት መገዲ ብምኽፋትን በጃ ዀይኑ የገልግል ኢዩ። (ሮሜ 3:23, 24፣ 1 ዮሃንስ 2:2) ብ16 ኒሳን የሱስ ካብ ሞት ተንስአ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ናብ ሰማይ ዓረገ። (ማርቆስ 16:1-8፣ ሉቃስ 24:50-53፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:6- 9) የሆዋ ነቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ንጉስ ገይሩ ስለ ዝሸሞ: እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደቅሰብ ኣብ መጀመርታ ዝነበሮ ዕላማ ንኽፍጽም ምሉእ ስልጣን ኣለዎ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ ሉቃስ 1:32, 33) እወ: መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ኣገዳሲ ግደ ዘለዎ ሰብ ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብዙሓት ሰባት ንየሱስ ሉዓላውነት ኣምላኽ ኸረጋግጽን ንደቅሰብ በጃ ዀይኑ ንኽመውትን ኢሉ ዝመጸ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ገይሮም ተቐቢሎሞ ኢዮም። (ማቴዎስ 20:28፣ ሉቃስ 2:25-32፣ ዮሃንስ 17:25, 26፣ 18:37) የሱስ ብሓቂ ምንባሩ ዝጠራጠሩ ነይሮም እንተ ዝዀኑ: ከቢድ መስጐጕቲ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀኑ ሰባት ኣይምተረኽቡን ነይሮም። ኣብቲ ‘ንዅሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ’ ንምግባር ዝሃቦም መዝነት ብትብዓትን ብቕንእን ኢዮም ተጸሚዶም።—ማቴዎስ 28:19

ሎሚውን ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቅኑዓትን እኹል ፍልጠት ዘለዎምን ክርስትያናት: የሱስ ጽውጽዋይ ዘይምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ንጉስ ናይታ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንምድሪ እትቈጻጸራ ኣብ ሰማይ ቈይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሮም ተቐቢሎሞ ኢዮም። እዛ መንግስቲ ኣምላኽ እዚኣ ኣብዛ ጸገማት ዝመልኣ ዓለም ራህዋ ስለ እተምጽኣልና: እቲ መልእኽታ ብስራት ኢዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነዚ “ወንጌል መንግስቲ” ብምስባኽ ነቲ የሆዋ ዝሸሞ ንጉስ ብተኣማንነት ዝድግፉ ምዃኖም የርእዩ ኢዮም።—ማቴዎስ 24:14

እቶም ብክርስቶስ ወዲ እቲ ህያው ኣምላኽ ኣቢሉ ንዝግበር ምድላዋት እታ መንግስቲ ዝድግፉ ሰባት ዘለኣለማዊ በረኸት ክረኽቡ ኢዮም። ንስኻውን ነዚ በረኸት እዚ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ! ሓተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ነቲ ናይ ሓቂ የሱስ ንኽትፈልጦ ኽሕግዙኻ ድሉዋት ኢዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ነቲ ኣብ ወንጌላት ዝርከብ ጸብጻብ ብዝርዝር ኽትምርምሮ እንተድኣ ደሊኻ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ዘ ባይብል—ጎድስ ዎርድ ኦር ማንስ፧ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ካብ ምዕራፍ 5, 6 ክሳዕ 7 ርአ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ካልኦት ዝሃብዎ ርእይቶታት

“ንየሱስ በዓል ናዝሬት ሓደ ኻብቶም ኣብ ዓለም ዝነበሩ ዓበይቲ መምሃራን ገይረ ኢየ ዝርእዮ። . . . ንሰዓብቲ እምነት ሂንዱ ድማ ንትምህርትታት የሱስ ብትግሃት እንተ ዘየጽኒዕኩም ህይወትኩም እተማልአ ኣይክኸውንን ኢዩ ኽብሎም እፈቱ።” ሞሃንዳስ ከይ. ጋንዲ: ዘ መሰጅ ኦቭ ጂሰስ ክራይስት

“ቅድሚኡ ዘይተራእየ: ጐደሎ ዘይብሉ: ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ: ፍጹም: ሰብኣዊ እኳ እንተዀነ ኻብ ኵሉ ዕቤት ደቅሰብ ንላዕሊ ኽብ ዝበለ ገጸ-ባህርይ ናይ ምትላል ወይ ልብ ወለድ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። . . . ንየሱስ ንምምሃዝ ካብ የሱስ ዝዓቢ ኣካል መድለየ ነይሩ።” ፊሊፕ ሻፍ: ሂስትሪ ኦቭ ዘ ክርስችያን ቸርች

“ኣብ ሓደ ወለዶ ዝነብሩ ሒደት ተራ ሰባት ከምዚ ዝበለ ብርቱዕን ባህ ዘብልን ሰብኣዊ መንነት: ክብ ዝበለ ስነ-ምግባራዊ ስርዓት: ህያው ዝዀነ ትርኢት ናይ ሰብኣዊ ሕውነት ክምህዙስ ካብቲ ኣብ ወንጌል ተመዝጊቡ ዝርከብ ተኣምራት ንላዕሊ ንኽትኣምኖ ዘሸግር ኢዩ።” ዊል ዱራንት: ሲዛር ኤንድ ክራይስት

“ነቶም ሃይማኖታት ክምስርቱ ዝጸዓሩ እሞ ዘይሰለጦም ብሓቂ ብህይወት ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው: ሓደ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ ሃይማኖታዊ ምንቅስቓስ ብሓደ ኣብ ግዜ ጥንቲ ኸም ረክላም ኰይኑ ንኸገልግል ኣብ ኣእምሮ እተማህዘ ፈጺሙ ብህይወት ዘይነበረ ሰብ ተጀሚሩ ኽበሃልሲ: ንኽትርድኦ ኣዝዩ ዘጸግም ኢዩ ዝመስል።” ግረግ ኢስተርብሩክ: ቢሳይድ ስቲል ዋተርስ

‘ከም ተመራማሪ ስነ-ጽሑፋዊ ታሪኽ መጠን ወንጌል እንታይ ዓይነት ጽሑፋት ምዃኑ ብዘየገድስ ያታዊ ታሪኽ ከም ዘይኰነ ምሉእ ብምሉእ ክኣምን ክኢለ ኢየ። ያታዊ ታሪኽ ኢዩ ከብሎ ዝኽእል ፈጠራ የብሉን። ንመብዛሕትኡ ህይወት የሱስ ኣይንፈልጦን ኢና። እቶም ያታዊ ታሪኽ ክምህዙ ዝደልዩ ሰባት ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃጓፍ ክፍጠር ኣይደልዩን ኢዮም።’ ሲ. ኤስ. ሉዊስ: ጎድ ኢን ዘ ዶክ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ወንጌላት ነቲ የሱስ ዝነበሮ እተፈላለየ ስምዒታት ይገልጾ ኢዩ