ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቶም ፍቓደኛ መንፈስ ዘለዎም ሰባት ናብ ጊልዓድ ይመጹ

እቶም ፍቓደኛ መንፈስ ዘለዎም ሰባት ናብ ጊልዓድ ይመጹ

እቶም ፍቓደኛ መንፈስ ዘለዎም ሰባት ናብ ጊልዓድ ይመጹ

 ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ: ሕጂውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልግሉ ውፉያት ሰብኡትን ኣንስትን ስልጠና ካብ ምሃብ ኣየቋረጸትን። ናብ ጊልዓድ ዝመጹ ግን መን ኢዮም፧ እቶም ፍቓደኛ መንፈስ ዘለዎም ኢዮም። (መዝሙር 110:3) ብ8 መስከረም 2001 ኣብ እተገብረ ናይ መበል 111 ክፍሊ ስነ-ስርዓት ምረቓ: እዚ ብንጹር ተራእዩ ኢዩ።

ገለ ኻብቶም ተመረቕቲ ድሮ ብፍቓዶም ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ዓዶምን ገዲፎም ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዝድለይሉ ቦታታት ከይዶም ኣገልጊሎም ኢዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ሓድሽ ከባቢ ንምንባር ምትዕርራይ ክገብሩ ዝኽእሉ እንተ ዀይኖም ንርእሶም ፈቲኖማ ኢዮም። ገሊኣቶም ብስራት መንግስቲ ንምስባኽ ኢሎም ኵነታቶም ብምትዕርራይ ናብ ካልእ ሃገር ግዒዞም ኢዮም፣ ከም ኣብነት እቶም ናብ ቦሊቭያ ዝገዓዙ ሪሼን ናታሊን: ናብ ሪፓብሊክ ዶመኒካ ዝገዓዙ ቶድን ሚሸልን: ከምኡውን ኣብ እስያ ናብ እትርከብ ሃገር ዝገዓዙ ዴቪድን ሞኒክን ክጥቀሱ ይከኣሉ ኢዮም። ካልኦት ካብቶም ተማሃሮ እውን ድሮ ኣብ ኒካራጓ: ኢኳዶር: ከምኡውን ኣልባንያ ኣገልጊሎም ኢዮም።

ክሪስቲ ኸኣ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ኸላ ቛንቋ ስጳኛ ስለ እተማህረት: ቅድሚ ምምርዓዋ ኣብ ኢኳዶር ክልተ ዓመት ንኸተገልግል ሓጊዝዋ ኢዩ። ገሊኣቶም እውን ኣብ ዓዶም ምስ ዝርከባ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ጉባኤታት ሓቢሮም የገልግሉ ነበሩ። ሶልን ፕሪሺላን ናብቲ ቤት ትምህርቲ ቕድሚ ምምጽኦም እንግሊዝኛኦም ንምምሕያሽ ከቢድ ጻዕሪ ብምግባር ፍቓደኛ መንፈስ ኣርእዮም ኢዮም።

እቲ 20 ሰሙናት ዝወሰደ ናይ ሚስዮናውያን ስልጠና ቐልጢፉ ሓለፈ። መዓልቲ ምረቓ በጽሐት: እቶም ተማሃሮ ድማ ምስ ፈተውቶምን ስድራቤቶምን ኰይኖም ነቲ ጥበባዊ ምኽርን ናይ ስንብታ መተባብዕን ሰምዑ።

እቲ ኻብ ሻውዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ እተመረቐ: ሕጂ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ቴዶር ጃራዝ ኣቦ መንበር ናይቲ ፕሮግራም ነበረ። ኣብ መኽፈቲ ዝርርቡ: ከም ማሕበር መጠን ዕላማ ናይቲ ኣብ ጊልዓድ ዝወሃብ ስልጠና: ኣብ ብዘላ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ምዃኑ ኸም ዘይሰሓትናዮ ገለጸ። (ማርቆስ 13:10) ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ድማ ነቶም ብቕዓት ዘለዎም ተማሃሮ ናብቲ ሚስዮናውያን ብፍላይ ዝድለይሉ ዅርናዓት ዓለም ከይዶም ንዕዮ ስብከት ብዝዓዘዘ መገዲ ንኽዓይዎ ተዕጥቖም ኢያ። ሓው ጃራዝ: እቶም ተመረቕቲ ኣብቲ እተመደቡሉ 19 ሃገራት ምስ ዝርከቡ ሚስዮናውያን ሓቢሮም ከገልግሉ ኸለዉ ነቲ ኣብ ጊልዓድ ዝረኸብዎ ስልጠና ኽጥቀምሉ መዓዶም።

ነቶም ተመረቕቲ እተዋህበ እዋናዊ ማዕዳ

ድሕርዚ ተኸታታሊ ዝርርባት ቀረበ። ኣባል ጨንፈር ኮሚተ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዊልያም ቫን ዲ ዎል: “ሚስዮናዊ ቕንኢ—መለለዪ ናይ ሓቂ ክርስትያናት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝርርብ ኣቕረበ። ናብቲ ኣብ ማቴዎስ 28:19, 20 ተጠቒሱ ዘሎ ‘ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር’ መዝነት ከም ዘተኵሩ ድማ ገበረ፣ ነቶም ተማሃሮ ኸኣ “ነቲ ንናይ ሚስዮናዊ መዝነቱ ብቕንእን ውዕዉዕ ስምዒትን ዝፈጸመ የሱስ ምሰልዎ” ብምባል ኣተባብዖም። ንሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዘለዎም ቅንኢ ኸይቅህም ከምዚ ብምባል ኣበራትዖም:- “ጠቢቕኩም እትስዕብዎ ግብራዊ መደብ ይሃልኹም፣ ኵሉ ሳዕ ብቲኦክራሲያዊ መዳይ ድሕሪት ምእንቲ ኸይትተርፉ: ጽቡቕ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ልማድ ይሃልኹም፣ ኵሉ ሳዕ ድማ ንምንታይ ነዚ ዕዮ እዚ ኸም እትዓዩ ኣይትረስዑ።”

ቀጺሉ እቲ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ጋይ ፒርስ ዝርርብ ኣቕረበ። ኣርእስቲ ዝርርቡ ድማ “‘ንኣእምሮኹም’ ብቐጻሊ ኣማዕብልዎ” ዝብል ነበረ። (ሮሜ 12:1) ነቲ ኣምላኽ ንኽሓስቡን ንኽመራመሩን ዝሃቦም ክእለት ንኽጥቀምሉ ብምትብባዕ ግብራዊ ማዕዳ ሃቦም። “የሆዋ ብቓሉ ኣቢሉ እንታይ ይብለኩም ከም ዘሎ ወትሩ ኣዕሚቝኩም ሕሰቡ። እዚ ዕቝባ ክዀነኩም ኢዩ” ድማ በሎም። (ምሳሌ 2:11) ሓው ፒርስ ነቶም ተማሃሮ ሃሜናዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ ንዕቤት ‘ኣእምሮኦም’ ኸይዓግትዎ እውን ምዒድዎም ኢዩ። እቶም ተመረቕቲ: ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣብ ዘገልግልሉ እዋን እዚ እዋናዊ መዘኻኸሪ እዚ ኸም ዝጠቕሞም ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ድሕርዚ እቲ ኣቦ መንበር ንሓደ ኻብቶም ናይ ጊልዓድ መምህራን ዝዀነ ሎረንስ ቦወን ኣፋለጦ: ንሱ ኸኣ “ሓደ ነገር እኳ ንኸይትፈልጡ መድቡ” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። ሃዋርያ ጳውሎስ ምስቲ ኣብ ቈረንቶስ ዝፈጸሞ ሚስዮናዊ ኣገልግሎቱ ብምትሕሓዝ “ብዘይ የሱስ ክርስቶስ: ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ” ከም ዝበለ ድማ ሓበሮም። (1 ቈረንቶስ 2:2 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ ኣብ ኣድማስ ካብ ዘሎ ሓይልታት ዝበርትዐ ሓይሊ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተንጸባሪቑ ዘሎ መልእኽቲ—እዚ ድማ በቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኣቢሉ ዝፍጸም ምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋ—ኸም ዝድግፍ ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:15) እቶም 48 ተመረቕቲ ነቲ “ጥዑይ ቃል” ጠቢቖም ብምስዓብ ከም ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ክዀኑን ኣብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎቶም ኣሳልጦ ኽረኽቡን ምሕጽንታ ተዋህቦም።—2 ጢሞቴዎስ 1:13

እቲ ናይ መወዳእታ ኽፋል ናይቲ ተኸታታሊ ናይ መኽፈቲ ዝርርባት “ነቲ ውህበት ኣምላኽ ዝዀነ መሰላትኩም ኣማስውሉ” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተሓዝ መዝገብ ዋለስ ሊቨራንስ ከኣ እቲ ናይ ኣገልግሎት መሰላት ዝግብኣና ወይ ብጻዕርና ዝረኸብናዮ ዘይኰነስ መግለጺ ናይቲ ዘይንበቕዖ ሕያውነት የሆዋ ምዃኑ ንኽግንዘቡ ነቶም ተማሃሮ ሓገዞም። ንሃዋርያ ጳውሎስ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ድማ ከምዚ በሎም:- “የሆዋ ንጳውሎስ ነህዛብ ሃዋርያኦም ክኸውን ዝሓረዮ ብዕዮኡ ማለት ጳውሎስ ብጻዕሩ ዝረኸቦ ወይ ዝግብኦ ስለ ዝዀነ ኣይኰነን። ገዲም ብምዃኑ ወይ ብተመክሮኡ እውን ኣይኰነን መሪጽዎ። ብኣረኣእያ ሰብ እንተ ዝኸውን: በርናባስ ምተመርጸ ነይሩ። ኣብ ተውህቦ እተመርኰሰ እውን ኣይነበረን፣ ከመይሲ ኣጵሎስ ካብ ጳውሎስ ዝሓይሽ ክእለት ዘረባ ኸም ዝነበሮ ጐሊሑ ይርአ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ መግለጺ ጸጋ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ።” (ኤፌሶን 3:7, 8) ሓው ሊቨራንስ ነቶም ተመረቕቲ እቲ እተዋህቦም ውህበት ወይ መሰል ኣገልግሎት: ካልኦት ሰባት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ንኽዀኑ ከምኡውን እቲ “ውህበት ጸጋ ኣምላኽ . . . ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት” ንኽቕበሉ ኣብ ምሕጋዝ ክጥቀምሉ ኣተባብዖም።—ሮሜ 6:23

ድሕሪኡ ካልእ ናይ ጊልዓድ መምህር ማርክ ኑማር: “ምድላው ጽቡቕ ፍረታት የፍሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ሓያሎ ተማሃሮ ህያው ምይይጥ ገበረ። (ምሳሌ 21:5) ኣብቲ እተገልጸ ተመክሮታት ከም እተራእየ: ሓደ ኣገልጋሊ ንኣገልግሎት ኣጸቢቑ ምስ ዝዳሎ: ብፍላይ ከኣ ልቡ ምስ ዘዳሉ: ኣብ ሰባት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ይህልዎ ኢዩ። ዝዛረቦ እውን ኣይጠፍኦን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ብመንፈሳዊ ዝሕግዞም ነገራት ኢዩ ዝዛረብን ዝገብርን። ሓው ኑማር ኣብ ኣፍሪቃ ሚስዮናዊ ዀይኑ ኻብ ዘሕለፎ ተመክሮ ተበጊሱ “እዚ ኣብ ሚስዮናውነት ኣሳልጦ ንምርካብ ዘድሊ ኣገዳሲ ረቛሒ ኢዩ” በለ።

ሚስዮናዊ ኣገልግሎት—ዘዕግብ ሞያ

ራልፍ ዎልስን ቻርለስ ዉዲን ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን ዝርከብ ፍሉይ ስልጠና ዝህብ ትምህርታዊ ማእከል ክካፈሉ ንዝመጹ ተመክሮ ዘለዎም ገለ ሚስዮናውያን ቃለ-መጠይቕ ገይሮምሎም ኢዮም። ኣብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ሓጐስ ዘምጽእ ፍቕሪ ሰባት ምዃኑ ኣብቲ ቓለ-መጠይቕ ጐሊሑ ኢዩ። እቶም ተማሃሮን ኣብኡ ዝነበሩ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን: ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ንምንታይ ዘዕግብ ሞያ ኸም ዝዀነ ካብ ኣፍ እቶም ተመክሮ ዘለዎም ሚስዮናውያን ምስምዖም ተተባቢዖም ኢዮም።

ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ጆን ኢ. ባር “ንየሆዋ ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ” ዘርእስቱ ቐንዲ ዝርርብ ናይታ መዓልቲ ኣቕረበ። (ኢሳይያስ 42:10) ሓው ባር እታ “ሓድሽ መዝሙር” እትብል መግለጺት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትሽዓተ ግዜ ኸም እትርከብ ገለጸ። “እዚ ሓድሽ መዝሙር ግን ብዛዕባ እንታይ ኢዩ፧” ኢሉ ሓተተ። “ካብ ኣሰዃዅዓ ናይዛ መግለጺት ከም እንርእዮ: እዚ ሓድሽ መዝሙር ዝዝመር ሉዓላውነት የሆዋ ኣብ ግብሪ ኣብ ዝውዕለሉ እዋን ሓድሽ ምዕባለታት ምስ ዝህሉ ኢዩ” ብምባል ከኣ መለሰ። ነቶም ተማሃሮ ድማ ነታ በቲ መሲሓዊ ንጉስ ክርስቶስ የሱስ እትምራሕ ዕውትቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝዝመር መዝሙር ውዳሰ ሓቢሮም ምዝማር ክቕጽሉ ተማሕጸኖም። ሓው ባር እቲ ኣብ ጊልዓድ እተዋህቦም ስልጠና: ንእተፈላለየ መዳያት ናይቲ “ሓድሽ መዝሙር” ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝዓመቘ ንኽርድእዎ ኸም ዝሓገዞም ጠቐሰ። “እዛ ቤት ትምህርቲ እዚኣ ኣብ እትኸድዎ ዘበለ ምስ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ሓቢርኩም ንየሆዋ ውዳሰ ‘ኽትዝምሩ’ ኸም ዘሎኩም ኣጕሊሓትልኩም ኢያ፣ ኣብቲ እተመደብኩምሉ ቦታታት ወትሩ ምስ ካልኦት ሓድነት ይሃልኹም” ድማ በሎም።

እቶም ተማሃሮ ዲፕሎማ ምስ ተቐበሉ: ኣፈኛ ናይቶም ተማሃሮ ኣብ ጊልዓድ ንዝረኸብዎ ስልጠና ዘለዎም ልባዊ ሞሳ እትገልጽ ደብዳበ ኣንበበ።

ንኣምላኽ እትፍጽሞ ኣገልግሎት ብምስፋሕ ዝያዳ ፍረ ኽትረክብ ትኽእልዶ፧ ትኽእል እንተድኣ ዄንካ: ከምዞም ተመረቕቲ ተጊህካ ዕየ። እዚ ኸኣ ኢዩ ሚስዮናውያን ንምዃን ብቕዓት ንኽህልዎም ዝሓገዞም። ሓደ ሰብ ተሓጒሱ ብፍቓዱ ንኣምላኽ ምስ ዘገልግል ዓቢ ሓጐስ ይረክብ ኢዩ።—ኢሳይያስ 6:8

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን]

ናይቲ ኽፍሊ ስታቲስቲክስ

ቍጽሪ ዝመጹለን ሃገራት:- 10

ቍጽሪ እተመደቡለን ሃገራት:- 19

ቍጽሪ ተማሃሮ:- 48

ገምጋም ዕድመ:- 33.2

ኣብ ሓቂ ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 16.8

ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጸንሑሉ ገምጋም ዓመታት:- 12.6

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መበል 111 ክፍሊ ተመረቕቲ

ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት: ነቲ መስርዕ ተዋሂብዎ ዘሎ ቍጽሪ ካብ ቅድሚት ንድሕሪት ክኸውን ከሎ: ኣስማት ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስርዕ ካብ ጸጋም ናብ የማን ኢዩ።

(1) ካተሪን ዮማንስ፣ ኣኑ ቶካሪ፣ ሱዛና ኑኘዝ፣ ጀኒ ፊሊፕስ፣ ማርያን ዶውኪን፣ ፕሪሺላ ሲልቨስትሪ (2) ናታሊ ሞረን፣ ጁሊ ባይኒ፣ ማሪያ ሎፐዝ፣ ማርጋሬታ ቫን ሃውት፣ ኣነት ካንቱ፣ ፊዮና ሲልቫሺ (3) ሚካላ ዊልያምስ፣ ማሱሚ ኢቶ፣ ሱዚ ቫን ኮይሊ፣ ዶና ሊቨሪንግ፣ ፈራንስዋዝ ፊዩዘል፣ ሱዛን ጊስለ (4) ጀረሚ ዮማንስ፣ ሞኒክ ሞስ፣ ሚሸል ሃጂንስ፣ ሶንያ ደዲንግ፣ ጀማይማ ብሪሰኞ፣ ማርክ ፊሊፕስ (5) ሆሰ ሎፐዝ፣ ታትሱዎ ኢቶ፣ ሶና ሶመሩድ፣ ክሪስቲን ኮዛ፣ ዢል ፊዩዘል፣ ዴቪድ ሞስ (6) ዲዮን ዊልያምስ፣ ሮበርት ደዲንግ፣ ማቲያስ ጊስለ፣ ሪሼ ሞረን፣ ስቲቨን ባይኒ፣ ሎኒ ካንቱ (7) ማርክ ዶውኪን፣ ቶድ ሃጂንስ፣ ማርክ ሊቨሪንግ፣ ሶል ሲልቨስትሪ፣ ዲርክ ቫን ሃውት፣ ኣርየል ብሪሰኞ (8) ማርክ ቫን ኮይሊ፣ ኣሌክስ ኑኘዝ፣ ብራድ ኮዛ፣ ጃን ሶመሩድ፣ ሳውሊ ቶካሪ፣ ፒተር ሲልቫሺ