ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ካባይ ተምሃሩ’

‘ካባይ ተምሃሩ’

‘ካባይ ተምሃሩ’

“ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት . . . እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”—ማቴዎስ 11:29

1. ካብ የሱስ ትምህርቲ ምርካብ ዘሐጕስ ዝኸውን: ንህይወትና ድማ ትርጕም ዘለዎ ኽገብሮ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

 የሱስ ክርስቶስ ወትሩ ብግቡእ ኢዩ ዝሓስብን ዝምህርን ተግባሩ ዝፍጽምን ነይሩ። ኣብ ምድሪ ዝጸንሓሉ ግዜ ሓጺር እኳ እንተ ነበረ: ጠቓምን ዘዕግብን ዕዮ ኢዩ ዓይዩ፣ በዚ ድማ ሕጉስ ነበረ። ንደቀ መዛሙርቱ ኣኪቡ ብኸመይ ንኣምላኽ ከም ዘምልኽዎን ንሰባት ከም ዘፍቅሩን ንዓለም ከም ዝስዕርዋን መሃሮም። (ዮሃንስ 16:33) ተስፋ ኸም ዘሕድሩ ገበሮም: ‘ንህይወትን ንዘይምጥፋእን እውን ብወንጌል ናብ ብርሃን ኣውጽኦ።’ (2 ጢሞቴዎስ 1:10) ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ እንተድኣ ዄንካ: ወደ መዝሙር ምዃን ክበሃል ከሎ ብኸመይ ኢኻ እትርድኦ፧ የሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱ እተዛረቦ ብምምርማር: ህይወትና ብኸመይ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ኸም እንገብሮ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ንኣረኣእያኡ ምቕባልን ገለ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ምውዓልን ዝሓትት ኢዩ።—ማቴዎስ 10:24, 25፣ ሉቃስ 14:26, 27፣ ዮሃንስ 8:31, 32፣ 13:35፣ 15:8

2, 3. (ሀ) ወደ መዝሙር የሱስ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ንገዛእ ርእስና ‘ናይ መን ወደ መዝሙር ኢየ ዀይነ ዘለኹ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

2 እታ ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ “ወደ መዝሙር” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል: ብመሰረቱ ኣእምሮኡ ኣብ ሓደ ነገር ዘተኰረ ሰብ ወይ ተማሃራይ ዝብል ትርጕም ኣለዋ። ኣብዚ ናይዛ ዓንቀጽ ቀንዲ ጥቕሲ ማለት ኣብ ማቴዎስ 11:29 ምስዚኣ እትዛመድ ቃል ኣላ:- “ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት . . . እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ወደ መዝሙር: ተማሃራይ ማለት ኢዩ። ወንጌላት መብዛሕትኡ ግዜ ነታ “ወደ መዝሙር” እትብል ቃል ነቶም የሱስ ክሰብኽ ከሎ ምስኡ ዝጓዓዙን ካብኡ ዝማሃሩን ብተኣማንነት ዝሰዓብዎን ሰባት ኢዩ ዝጥቀመላ። ገሊኣቶም ንትምህርትታት የሱስ ተቐቢሎም ጥራይ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: አረ ገሊኦምሲ ነቲ ትምህርትታት ከም እተቐበልዎ ብሰብ ኣይፍለጥን ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 6:17፣ ዮሃንስ 19:38) ጸሓፍቲ ወንጌል “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ [መጥመቕ]ን ፈሪሳውያንን” ኢሎም እውን ጽሒፎም ኢዮም። (ማርቆስ 2:18) የሱስ ንሰዓብቱ “ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያን . . . ኪእርነቡ” ኻብ ኣጠንቀቖም: ንገዛእ ርእስና ‘ናይ መን ወደ መዝሙር ኢየ ዀይነ ዘለኹ፧’ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 16:12

3 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እንተድኣ ዄንና: ካብኡ እውን እንተ ተማሂርና: ካልኦት ሰባት ክቐርቡና ኸለዉ ብመንፈሳዊ መዳይ ዕረፍቲ ኽረኽቡ ኣለዎም። ብዝያዳ ለዋሃት ልብናውን ትሑት ምዃኑ ኽርእዩ ኣለዎም። ኣብ ስራሕና ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እንተሎና: ወለዲ እንተ ዄንና: ወይ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ ምጕሳይ ሓላፍነት እንተሎና: እቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ሰባት ከምቲ የሱስ ገይሩ ዝሕዞም ገይርና ዝሓዝናዮም ኰይኑዶ ይስምዖም ኢዩ፧

የሱስ ንሰባት ብኸመይ ይሕዞም ነበረ፧

4, 5. (ሀ) የሱስ ሽግር ንዘለዎም ሰባት ብኸመይ ይሕዞም ምንባሩ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ቤት ሓደ ፈሪሳዊ ኣብ መኣዲ ኸሎ እንታይ ኣጋጠሞ፧

4 የሱስ ንሰባት ብፍላይ ከኣ ነቶም ከቢድ ጸገም ዝነበሮም ብኸመይ ይሕዞም ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ የድልየና ኢዩ። ነዚ ምፍላጡ ኸቢድ ኣይኰነን: ከመይሲ የሱስ ምስ ሰባት ብዛዕባ ዝነበሮ ርክብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዝሒ ተመዝጊቡ አሎ፣ ገለ ኻባታቶም ድማ ሽጉራት ነበሩ። መራሕቲ ሃይማኖት: ብፍላይ ከኣ ፈሪሳውያን: ነዞም ሰባት እዚኣቶም ብኸመይ ይሕዝዎም ከም ዝነበሩ እውን ንርአ። ካብቲ ናይ ኣተሓሕዛ ፍልልይ ድማ ትምህርቲ ኽንረክብ ኢና።

5 ብ31 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ኣብ ገሊላ ኣብ ዝሰብከሉ ዝነበረ እዋን “ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን . . . ምስኡ ኺበልዕ ለመኖ።” የሱስ ድማ ነቲ ዕድመ ተቐበሎ። “ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ አትዩ: ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። እንሆ: ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት: ቅዱይ ቅብኢ ዝመልኤ ቢልቃጥ ኣምጸኤት። ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት: በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት: ብጸጕሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም: ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት።”—ሉቃስ 7:36-38

6. እታ “ሓጢኣተኛ” ዝነበረት ሰበይቲ ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኽትኣቱ ዝኸኣለት ብኸመይ ኢያ፧

6 ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል:- “እታ ሰበይቲ (ቍ.37): ድኻታት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድግስ ተረፍ መረፍ ንኽረኽቡ ኢሎም ክኣትዉ ይፍቀደሎም ብምንባሩ: ነዚ ባህሊ እዚ ኢያ ተጠቒማትሉ።” በዚ ኸምዚ ኸኣ ኢዩ ሓደ ሰብ ከይተዓደመ ክኣቱ ዝኽእል። ኣብ መወዳእታ ተረፍ መረፍ ክረኽቡ ዝጽበዩ ሰባት እውን ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። እዛ ሰበይቲ ግን ፍልይ ዝበለት ኢያ ነይራ። ተመጊቦም ክሳዕ ዝውድኡ ጸግዓ ሒዛ ትርኢ ኣይነበረትን። ፍልጥቲ “ሓጢኣተኛ” ብምንባራ ሕማቕ ስም ነበራ: ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ “ብዙሕ ሓጢኣት” ከም ዝነበራ ዝጠቐሰ።—ሉቃስ 7:47

7, 8. (ሀ) ከምቲ ኣብ ሉቃስ 7:36-38 ተጠቒሱ ኣብ ዘሎ ዅነታት እንታይ ምገበርና፧ (ለ) ስምኦን ከመይ ተሰምዖ፧

7 ንርእስኻ ኣብ ቦታ የሱስ ኣእቲኻ ኣብቲ ግዜ እቲ ትነብር ከም ዝነበርካ ገይርካ እሞ ሕሰብ። እንታይ ምገበርካ፧ እታ ሰበይቲ ኽትቀርበካ ኸላ ስኽፍክፍ ምበለካዶ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብኸመይ ምጸለወካ፧ (ሉቃስ 7:45) ምተረበሽካዶ: ወይውን ምሰንበድካዶ፧

8 ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣጋይሽ እንተ ትኸውንከ: እንተ ወሓደ ኸምቲ ስምኦን እቲ ፈሪሳዊ ዝነበሮ ዓይነት ኣተሓሳስባ ምሃለወካዶ፧ “እቲ [ንየሱስ] ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፤ እዚ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ: እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢኣተኛ እያ እሞ: መን ከመይ ዘመሰለትውን ምዃና ምፈለጣ ነይሩ: ኢሉ ብልቡ ሐሰበ።” (ሉቃስ 7:39) ብኣንጻሩ ግን የሱስ ኣዝዩ ርሕሩሕ ኢዩ ነይሩ። ኵነታታን ዝነበራ ኸቢድ ስቓይን ተረዲኡላ ኢዩ። እቲ ሓጢኣት ዝመልኦ ናብራኣ እንታይ ከም ዝነበረ ኣይተገልጸን። ብሓቂ ኣመንዝራ ነይራ እንተ ዀይና ድማ: እቶም ውፉያት ኣይሁድ ዝነበሩ ሰብኡት እታ ኸተማ ኸም ዘይሓገዝዋ ፍሉጥ ኢዩ።

9. የሱስ እንታይ መልሰ-ግብሪ ኢዩ ኣርእዩ: እዝኸ እንታይ ፍረ ኢዩ ኣምጺኡ ክኸውን ዝኽእል፧

9 የሱስ ግን ክሕግዛ ደለየ። “ሓጢኣትኪ ተሐዲጉልኪ” ድማ በላ። ወሲኹውን “እምነትኪ ኣድሒናትኪ: ብሰላም ኪዲ” በላ። (ሉቃስ 7:48-50) እቲ ጸብጻብ ኣብዚ ኢዩ ዘብቅዕ። ገለ ሰባት የሱስ ብዙሕ ኣይገበረላን ይብሉ ይዀኑ። ብመሰረቱ: ባሪኹ ኢዩ ናብ ቤታ ሰዲድዋ። ናብቲ ዘሕዝን ኣነባብራኣ እተመልሰትዶ ይመስለካ፧ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ነዚ ቐጺሉ ሉቃስ ዝጸሓፎ ግን ኣስተብህለሉ። የሱስ “መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን” ይዘውር ምንባሩ ሉቃስ ገለጸ። “ሓያሎ ኣንስቲ” ንየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ‘ብገንዘበን የገልግላኦም’ ምንባረን እውን ገሊጹ ኢዩ። እዛ ሓጢኣታ እተናስሐትን ንእተገብረላ እተማሱን ሰበይቲ ምስዘን ኣንስቲ እዚኣተን ነይራ ኽትከውን ትኽእል ኢያ። ብጽሩይ ሕልናን ብሓድሽ ዕላማን ንኣምላኽ ዝዓመቘ ፍቕሪ ሒዛ ትመላለስ እውን ነይራ ትኸውን ኢያ።—ሉቃስ 8:1-3

ኣብ መንጎ የሱስን ፈሪሳውያንን ዝነበረ ፍልልይ

10. ነቲ ብዛዕባ የሱስን ኣብ ቤት ስምኦን ዝመጸት ሰበይትን ዝገልጽ ጸብጻብ ምምርማሩ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

10 ካብዚ ህያው ጸብጻብ እዚ እንታይ ኢና ኽንማሃር እንኽእል፧ ስምዒትና ዘለዓዕል ኢዩ: ኣይኰነን ድዩ፧ ኣብ ቤት ስምኦን ከም ዝነበርካ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ከመይ ምተሰምዓካ፧ ከምቲ የሱስ ዝገበሮዶ ምገበርካ: ወይስ ብእተወሰነ ደረጃ ኸምቲ ፈሪሳዊ ምተሰምዓካ፧ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ: ልክዕ ከምቲ ንዕኡ እተሰምዖ ኽስምዓናን ከምቲ ዝገበሮ ኽንገብርን ኣይንኽእልን ኢና። በቲ ኻልአ ሸነኽ ከኣ ከም ስምኦን እቲ ፈሪሳዊ ዝዀንና ኰይኑ ክስምዓና እውን ኣይንደልን ንኸውን። ኣፎም መሊኦም ከምቲ ፈሪሳዊ ምዀንና ዝብሉ ብዙሓት ሰባት ኣይርከቡን ኢዮም።

11. ምስ ፈሪሳውያን ክንቍጸር ዘይንደሊ ስለምንታይ ኢና፧

11 ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ዓለማዊ ጽሑፋትን እተገብረ መጽናዕቲ: ፈሪሳውያን ንጥቕሚ እቲ ህዝብን ንድሕንነት እታ ሃገርን ዝስገጉ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ብምሕሳቦም ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ኣዝዩ ኽብ ዝበለ ኣረኣእያ ነበሮም። ሕጊ ኣምላኽ ብመሰረቱ ንጹርን ብቐሊሉ ዝርዳእን ምንባሩ ኣየዕገቦምን። እቲ ሕጊ ፈልዩ ብዝርዝር ዝጠቅስ ኣብ ዘይመስሎም እዋን: ነቲ ጋግ ከጽብብዎ ይጽዕሩ ነበሩ፣ በዚ ድማ ንሕልና ዝግደፍ ነገር ኣይነበረን። እዞም መራሕቲ ሃይማኖት እዚኣቶም ኣብ ኵሉ መዳያት: አረ ኣብ ጢጥ ቅሚጥ እውን ከይተረፈ መምርሒ ኸውጽኡ ጸዓሩ። a

12. ፈሪሳውያን ብዛዕባ ርእሶም እንታይ ኣረኣእያ ነበሮም፧

12 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ጸሓፍ ታሪኽ ዝነበረ ጆሰፈስ: ፈሪሳውያን ንገዛእ ርእሶም ከም ሕያዎት: ጥዑማት: ዘየዳልዉ: ብሓፈሽኡ ድማ ንሓላፍነቶም ዝበቕዑ ገይሮም ይርእይዋ ምንባሮም ብንጹር ገሊጹ ኢዩ። ገሊኣቶም ፈሪሳውያን ምስዚ ዝመሳሰል ባህርያት ከም ዝነበሮም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ንኒቆዲሞስ እውን ዘኪርካ ትኸውን። (ዮሃንስ 3:1, 2፣ 7:50, 51) ጸኒሖም ገሊኣቶም ክርስትያናት ኰይኖም ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:5) እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባቶም ኸም ፈሪሳውያን ዝኣመሰሉ ገሊኦም ኣይሁድ ‘ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር: ንኣምላኽ ቅንኣት ኣለዎም’ ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 10:2) ይኹን እምበር: ወንጌላት ከምቲ ንተራ ሰባት ገይሮም ዝርእይዎም ዝነበሩ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾም፣ እወ: ኵሩዓት: ትዕቢተኛታት: ተመጻደቕቲ: ኣረይቲ ጕድለት: ኰነንቲ: ከምኡውን ንሰባት ዝንዕቁ ኢዩ ዝብሎም።

ኣረኣእያ የሱስ

13. የሱስ ብዛዕባ ፈሪሳውያን እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

13 የሱስ ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግቡዛት ብምባል ወቒስዎም ኢዩ። “ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም: ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ: ባዕላቶም ግና በጻብዖም ኪትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን።” እወ: እቲ ንሰብ ዘሰክምዎ ጾር ከቢድ: እቲ ኣርዑቶም ድማ ዘይምሽው ኢዩ ነይሩ። ቀጺሉውን የሱስ ንጸሓፍትን ፈሪሳውያንን “ደናቝርቲ” በሎም። ደንቈሮ ሰብ ንማሕበረሰብ ኣስጋኢ ኢዩ። “ዕዉራት መራሕቲ” ድሕሪ ምባል እውን “እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፤ ፍርዲ: ምሕረት: እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም” በሎም። የሱስ ከም ፈሪሳዊ ገይሩ ኽርእዮ ዝደሊ ሰብ እሞ መን ኢዩ፧—ማቴዎስ 23:1-4, 16, 17, 23

14, 15. (ሀ) የሱስ ኣብቲ ምስ ማቴዎስ ዝበሃል ሌዊ ዝገበሮ ርክብ: ነየናይ ባህሪ ፈሪሳውያን ኢዩ ዘቃልዐ፧ (ለ) ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ጠቓሚ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧

14 ጸብጻባት ወንጌል ዘንብብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ነቲ መብዛሕትኦም ፈሪሳውያን ዝነበሮም ናይ ምንቃፍ ባህሪ ኸስተውዕሎ ይኽእል ኢዩ። የሱስ ነቲ ተጋዊ ዝነበረ ማቴዎስ ዝበሃል ሌዊ: ወደ መዝሙሩ ክኸውን ምስ ጸውዖ: ሌዊ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ፈሪሳውያንን ጸሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፤ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን አሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎም። የሱስ ከኣ፤ . . . ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር: ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን: ኢሉ መለሰሎም።”—ሉቃስ 5:27-32

15 ሌዊ እውን ነቲ የሱስ “ምሕረት እፈቱ: መስዋእቲ ኣይኰነን: ዚብል እንታይ ምዃኑ: ኪዱ ተምሀሩ” ብምባል ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እተዛረቦ ዘረባ ተረዲእዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 9:13) ፈሪሳውያን ነቲ እብራውያን ነብያት ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ንኣምነሉ ኢና እኳ እንተ በሉ: ነዚ ኣብ ሆሴእ 6:6 ዝርከብ ስርዓት ግን ኣይተቐበልዎን። ጌጋ ኽገብሩ እንተዀኑ እውን: እቲ ስርዓቶም ከይጥሕሱ ጥራይ ኢዮም ዝጥንቀቑ ነይሮም። ነፍሲ ወከፍና እምበኣር ንርእስና ኸምዚ ኢልና ኽንሓትት ንኽእል ኢና:- ‘ነቲ ናይ ብሕተይ ምርጫ ዘንጸባርቕ ወይ ብብዙሓት ተቐባልነት ዘለዎ እተወሰነ ሕግታት ጠቢቐ ብምስዓብ ዝፍለጥ ድየ: ወይስ ካልኦት ሰባት መሓርን ሕያዋይን ከም ዝዀንኩ ገይሮም ኢዮም ዝርእዩኒ፧’

16. ፈሪሳውያን እንታይ ባህሪ ነበሮም: ከማታቶም ካብ ምዃን ክንጥንቀቕ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

16 ፈሪሳውያን ምንቃፍ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ውራይ ኣይነበሮምን። ናይ ሓቂ ይኹን ኣብ ኣእምሮኦም ዝፈጠርዎ ብዘየገድስ ዝዀነ ኣበር ክረኽቡ ህርድግ ይብሉ ነበሩ። ንሰባት ወትሩ የጥቅዕዎምን እንታታቶም እናዘከሩ ሞኽ የብልዎምን ነበሩ። ከም ጨና ኣዳም: ሽላን: ካሙን ካብ ዝኣመሰለ ንኣሽቱ ኣትክልቲ ዕሽር ብምውጽኦም ይሕበኑ ነበሩ። ሃይማኖታውያን ሰባት ምዃኖም ንኽረኣየሎም እተፈልየ ኣከዳድና ነበሮም: ነቲ ህዝቢ መራሕቱ ክዀኑ ኢዮም ድማ ዝጽዕሩ ነይሮም። ተግባራትና ምስቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ክሰማማዕ እንተ ዀይኑ: ኣበር ናይ ካልኦት ካብ ምድላይን ምጕላሕን ክንቍጠብ ኣሎና።

የሱስ ንጸገማት ብኸመይ ፈትሖ፧

17-19. (ሀ) ኣዝዩ ኸቢድ ሳዕቤን ከምጽእ ዝኽእል ዝነበረ ዅነታት: የሱስ ብኸመይ ከም ዝሓዞ ግለጽ። (ለ) እታ ሰበይቲ ዅነታታ ዘጨንቕን ዘሕዝንን ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ሐ) እታ ሰበይቲ ንየሱስ ኽትንክዮ ኸላ ኣብኡ ነይርካ እንተ ትኸውን: እንታይ ምገበርካ፧

17 የሱስ ጸገማት ዝፈትሓሉ ዝነበረ መገዲ ኻብቲ ናይቶም ፈሪሳውያን ኣጸቢቑ እተፈልየ ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ዝኽእል ዝነበረ ነገር ብኸመይ ከም ዝፈትሖ ርአ። እቲ ጕዳይ ብዛዕባ ሓንቲ ን12 ዓመት ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ዝነበረት ሰበይቲ ነበረ። ነዚ ኣብ ሉቃስ 8:42-48 ከተንብቦ ትኽእል ኢኻ።

18 ማርቆስ ኣብ ዝጸሓፎ ጸብጻብ እታ ሰበይቲ ‘ኸም ዝፈርሀትን ራዕራዕ ከም ዝበለትን’ ተገሊጹ ኣሎ። (ማርቆስ 5:33) ስለምንታይ፧ ሕጊ ኣምላኽ ብምፍራሳ ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብመሰረት ዘሌዋውያን 15:25-28 ሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ግዜ ጻግኒኣ ወጻኢ ደም ዛሕዛሕ እንተ በላ: ክሳዕ እቲ ደም ዘቋርጽ: ብድሕሪኡ እውን ንሓደ ሰሙን ኣቢሉ ርኽስቲ ዀይና ትጸንሕ ነበረት። ኵሉ እቲ ንሳ ዝተንከየቶ ኣቕሓ ይኹን ሰብ ይረክስ ነበረ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ንየሱስ ንኽትትንክዮ ብመንጎ እቲ እኩብ ህዝቢ ኽትሓልፍ ነበራ። ድሕሪ 2,000 ዓመታት ኣቢሉ ነዚ ጸብጻብ እዚ ኸነንብቦ ኸሎና ብዅነታታ ንድንግጸላ ኢና።

19 ኣብቲ ግዜ እቲ ነይርካ እንተ ትኸውን ግን ነዚ ዅነታት እዚ ብኸመይ ምረኣኻዮ፧ ነታ ሰበይቲ እንታይ ምበልካያ፧ የሱስ ነቲ ኽትፈጥሮ እትኽእል ዝነበረት ጸገም ከየውስአ: ሕያውነትን ፍቕርን ሓልዮትን ከም ዘርኣያ ኣስተብህል።—ማርቆስ 5:34

20. ዘሌዋውያን 15:25-28 ሎሚ ኽማላእ ዘለዎ ብቕዓት እንተ ዝኸውን: እንታይ ብድሆ መጋጠመና፧

20 ካብዚ ፍጻመ እዚ እንረኽቦ ትምህርቲ ኣሎ ድዩ፧ ሎሚ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሽማግለ ዄንካ ተገልግል ኣሎኻ ንበል። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ዘሌዋውያን 15:25-28 ሓደ ክርስትያን ከማልኦ ዘለዎ ብቕዓት ከም ዝዀነ እሞ: ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ስለ እተጨነቐትን ዓቕላ ስለ ዝጸበባን ነቲ ሕጊ ጥሒሳቶ ንበል። እንታይ ምገበርካ፧ ኣብ ቅድሚ ሰባት ተሪር ተግሳጽ ብምሃብ መዋረድካያዶ፧ “ፈጺመ ኸምኡ ኣይምገበርኩን! ንናይ የሱስ ኣብነት ብምስዓብ ሕያውነትን ፍቕርን ሓልዮትን ንምርኣይ ዝከኣለኒ ዅሉ ምገበርኩ” ትብል ትኸውን። ጽቡቕ! እቲ በዳሂ ዀይኑ ዘሎ ነገር ግን ነዚ ምግባሩ: እወ ንየሱስ ምምሳሉ ኢዩ።

21. የሱስ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ንሰባት እንታይ መሃሮም፧

21 ብመሰረቱ: ሰባት ምስ የሱስ ክዀኑ ኸለዉ ዕረፍቲ ይስምዖምን ይተባብዑን ይበራትዑን ኢዮም ነይሮም። እቲ ሕጊ ኣምላኽ ንጹር ኣብ ዝዀነሉ ዝነበረ መዳይ: ካልእ ትርጕም ኣይወሃቦን ነበረ። እቲ ሕጊ ሓፈሻዊ ኣብ ዝመስለሉ መዳይ ከኣ ሰባት ንሕልንኦም ክጥቀሙሉን ብውሳነታቶም ንኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ኸርእዩን የኽእሎም ነበረ። እቲ ሕጊ ፍኒሕኒሕ መበሊ ነይርዎ ኢዩ። (ማርቆስ 2:27, 28) ኣምላኽ ንህዝቡ የፍቅሮም: ወትሩ ንሰናዮም ይዓዪ: ኣብ ዘንደልህጽሉ እዋን ድማ ንኽምሕሮም ድሉው ነበረ። የሱስ እውን ከምኡ ኢዩ ነይሩ።—ዮሃንስ 14:9

ትምህርትታት የሱስ ዘምጽኦ ውጽኢታት

22. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ካብኡ ትምህርቲ ብምውሳዶም እንታይ ዓይነት ኣረኣእያ ንኽህልዎም ኢዩ ዝሓገዞም፧

22 እቶም ንየሱስ ዝሰምዕዎን ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑን ንሓቅነት ናይቲ “ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ” ብምባል እተዛረቦ ዘረባ ተገንዚቦምዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 11:30) ጾር ዘሰከሞም: ዘጨነቖም: ወይ ተግሳጽ ዘብዝሓሎም ኰይኑ ኣይተሰምዖምን። ኣብቲ ምስ ኣምላኽን ኣብ ንሓድሕዶምን ዝነበሮም ርክብ ዝያዳ ናጽነትን ሓጐስን ምትእምማንን ነበሮም። (ማቴዎስ 7:1-5፣ ሉቃስ 9:49, 50) መንፈሳዊ መራሒ ንምዃን ንኻልኦት ዕረፍቲ ኸተምጽእን ትሕትና ኸተንጸባርቕን ዝሓትት ምዃኑ ኻብኡ ተማሂሮም ኢዮም።—1 ቈረንቶስ 16:17, 18፣ ፊልጲ 2:3

23. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስኡ ግዜ ብምሕላፎም እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ተማሂሮም: ኣብ ምንታይ መደምደምታ ንኽበጽሑኸ ኢዮም ተሓጊዞም፧

23 ኣብ ርእሲ እዚ: ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ክርስቶስ ቀጻሊ ሓድነት ምህላውን ከም ናቱ ዓይነት መንፈስ ምንጽብራቕን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምፍላጦም ውሽጦም ተተንኪፎም ኢዮም። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ በሎም:- “ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ: ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ: ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሐሎኹ: ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ: ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም: ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም።” (ዮሃንስ 15:9, 10) ዕዉታት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምዃን: ብዛዕባ እቲ ዘደንቕ ብስራት ኣምላኽ ኣብ ዝሰብኩሉን ንሰባት ኣብ ዝምህሩሉን እዋን ከምኡውን ንስድራቤቶምን ፈተውቶምን ኣብ ዘርእይዎ ኣተሓሕዛ: ነቲ ኻብ የሱስ እተማህርዎ ተጊሆም ኣብ ግብሪ ኸውዕልዎ ነበሮም። እቲ ሕውነቶም ናብ ደረጃ ጉባኤታት ምስ ዓበየ: የሱስ እተጠቕመሉ ኣገባብ ቅኑዕ ምንባሩ ብቐጻሊ ኽዝክርዎ ኣድልይዎም ኢዩ። ትምህርቱ ሓቂ ኢዩ: እቲ ኣብ ህይወቱ ዘርኣዮ ኣብነት ድማ ብሓቂ ኽምነይዎ ዝነበሮም ኢዩ።—ዮሃንስ 14:6፣ ኤፌሶን 4:20, 21

24. ካብቲ የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ኣብ ልብና ኸነሕድሮ ዘሎና ነገራት እንታይ ኢዩ፧

24 ካብዚ ኽንምርምሮ ዝጸናሕና ነጥብታት ክትዓየሉ ዘሎካ ነገራት ረኺብካዶ፧ የሱስ ብግቡእ ዝሓስብን: ዝምህርን: ተግባራቱ ዝፍጽምን ምንባሩ ትሰማምዓሉ ዲኻ፧ እምበኣር: ኣጆኻ ንፋዕ። ከመይሲ “ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም: እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም” ብምባል ኣተባቢዑና ኢዩ።—ዮሃንስ 13:17

[እግረ-ጽሑፍ]

a “እቲ [ኣብ መንጎ የሱስን ፈሪሳውያንን ዝነበረ] መሰረታዊ ፍልልይ እተፈጥረ: ንኣምላኽ ብእተፈላለየ መገዲ ይርድእዎ ስለ ዝነበሩ ምዃኑ ምስ እንፈልጥ ንጹር ይኸውን ኢዩ። ፈሪሳውያን ንኣምላኽ ብቐዳምነት ጠለባት ዘብዝሕ ገይሮም ክርእይዎ ኸለዉ: የሱስ ግን ርሕሩሕን ለዋህን ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። ልክዕ ኢዩ: እቲ ፈሪሳዊ ንለውሃትን ፍቕርን ኣምላኽ ኣይከሓዶን: እንተዀነ ግን እዚ ባህርያት እዚ እተንጸባረቐ: ቶራህ [ሕጊ] ብምሃብን ንዕኡ ንምፍጻም ኣጋጣሚ ብምኽፋትን ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዕዎ። . . . ነቲ ብቓል ዝመሓላለፍ ስርዓታትን ነቲ ሕጊ ንምትርጓም ዘገልግል መምርሒታትን ጠቢቕካ ምስዓብ: ንቶራህ ምሕላው ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ዝርእዮ ነይሩ። . . . የሱስ ነታ ኽልተ ነገራት ዝሓቘፈት ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ (ማቴ. 22:34-40) ብዅሉ ተቐባልነት ከም ዘለዋ ገይሩ ምርኣዩን ብዙሕ ቀይድታት ዘለዎ ብኣፍ ዝመሓላለፍ ስርዓታት ምንጻጉን . . . ምስቲ ናይ ፈሪሳውያን ክልሰ-ሓሳብ ከም ዝጋጮ ገበሮ።”—ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቲኦሎጂ

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ወደ መዝሙር የሱስ ምዃን ማለት ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

• የሱስ ንሰባት ብኸመይ ይሕዞም ነበረ፧

• ካብቲ የሱስ ዝመሃረሉ መገዲ እንታይ ኢና እንመሃር፧

• ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን የሱስን ዝነበረ ፍልልይ እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18, 19 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሰባት ዝነበሮ ኣረኣእያ ኻብቲ ናይቶም ፈሪሳውያን ኣየ ኽንደይ እተፈልየ ዀን ኢዩ ነይሩ!