ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ውጥረት ዕረፍቲ እትረኽበሉ ግብራዊ መገዲ

ካብ ውጥረት ዕረፍቲ እትረኽበሉ ግብራዊ መገዲ

ካብ ውጥረት ዕረፍቲ እትረኽበሉ ግብራዊ መገዲ

“ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።”—ማቴዎስ 11:28

1, 2. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ካብ ተወሳኺ ውጥረት ኸዕርፈና ዝኽእል ነገር ኢዩ ሒዙ ዘሎ፧ (ለ) ትምህርትታት የሱስ ክሳዕ ክንደይ ኣስላጢ ኢዩ ነይሩ፧

 ውጥረት ኣመና ምስ ዝበዝሕ ክጐድኣካ: አረ ጭንቀት እውን ከስዕበልካ ኸም ዝኽእል ትሰማምዓሉ ትኸውን። ፍጥረት ሰብ ብምሉኡ: ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ጾር ተሰኪሙ ስለ ዘሎ: ካብዚ ሎሚ ዘሎ ውጥረት ዝመልኦ ህይወት ሓራ ንኽወጽእ ሃረር ይብል ምህላዉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ ኢዩ። (ሮሜ 8:20-22) ኣብዚ ግዜ እዚውን ካብቲ ዘሎና ጭንቀት ብኸመይ ዓቢ ዕረፍቲ ኽንረክብ ከም እንኽእል ቅዱሳት ጽሑፋት ይገልጽ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዕረፍቲ ኣስታት 20 ዘመናት ኣቢሉ ይገብር ዝነበረ ሰብኣይ ዝገደፎ ምኽርን ኣብነትን ብምስዓብ ኢዩ ዝርከብ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጸራቢ ኢዩ ነይሩ: እንተዀነ ግን ካብ ስርሑ ንላዕሊ ንሰባት ዝዓበየ ፍቕሪ ነበሮ። ንልቢ ሰባት ይትንክፍ: ድሌቶም የማልኣሎም: ንድኹማት ይሕግዝ: ንእተጨነቑ ድማ የጸናንዕ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ብዙሓት ናብ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽበጽሑ ሓገዞም። ስለዚ: ካብ ዝነበሮም ዝያዳ ውጥረት ዕረፍቲ ረኸቡ: ንስኻውን ዕረፍቲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።—ሉቃስ 4:16-21፣ 19:47, 48፣ ዮሃንስ 7:46

2 እዚ ሰብኣይ እዚ የሱስ ብዓል ናዝሬት ኢዩ። በቲ ኻብ ጥንታዎት ሮሜ: ኣቴንስ: ወይ ኣሌክሳንድርያ ዝምንጭ ዝነበረ እተራቐቐ ትምህርትታት ከኣ ኣይኰነን ዝምራሕ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ትምህርትታቱ ውሩይ ኢዩ። ፍረ ነገር ትምህርቱ: እታ ኣምላኽ ንምድሪ ብግቡእ ዘመሓድረላ መንግስቲ ኢያ ነይራ። ሎሚ ንናብራ ህይወትና ኣዝዩ ዝጠቕመና መሰረታዊ ስርዓታት እውን ገሊጹ ኢዩ። እቶም ትምህርትታት የሱስ ዝምሃሩን ኣብ ግብሪ ዘውዕሉን ብኡንብኡ ኢዮም ረብሓታት ዝረኽቡ፣ ሓደ ኻብቲ ረብሓታት ድማ ካብ ተወሳኺ ውጥረት ዝረኽብዎ ዕረፍቲ ኢዩ። ዕረፍቲ ኽትረክብስ ባህዶ ኣይምበለካን፧

3. የሱስ እንታይ ዝማርኽ ጻውዒት ኢዩ ዘቕረበ፧

3 ‘ጥንቲ ይነብር ዝነበረ ሰብኣይ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ጽልዋ ኽገብርዶ ይኽእል ኢዩ፧’ ዝብል ሕቶ ይህልወካ ይኸውን። ነዚ ዝማርኽ ቃላት የሱስ እስከ ኣስተብህለሉ:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” (ማቴዎስ 11:28-30) እንታይ ማለቱ ኢዩ፧ ነዘን ቃላት እዚኣተን ብዝርዝር ንመርምረን እሞ: ካብቲ ዘሎና ኸቢድ ውጥረት ዕረፍቲ ንኽንረክብ ብኸመይ ከም ዝሕግዛና ኽንርኢ ኢና።

4. የሱስ ንመን ኢዩ ዝዛረቦም ነይሩ: እቶም ሰማዕቱ ነቲ ኸማልእዎ ዝሕተቱ ዝነበሩ ነገራት ምግባር ከቢድዎም ክኸውን ዝኽእልከ ስለምንታይ ኢዩ፧

4 የሱስ ነቶም ሕጊ ኽሕልዉ ህርድግ ዝብሉ ግን ከኣ መራሕቲ ኣይሁድ ነቲ ሃይማኖት ጾር ከም ዝኸውን ብምግባር ‘ዘኽበዱሎም’ ብዙሓት ሰባት ኢዩ ዝዛረቦም ነይሩ። (ማቴዎስ 23:4) እዞም መራሕቲ እዚኣቶም ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወት ማእለያ ዘይብሉ ሕግታት ነበሮም። ከምዚ ኽትገብር “የብልካን:” ከምዚ ኽትደግም “የብልካን” ዝብል ዘረባ ወግሐ ጸብሐ ኽትሰምዕሲ ኣየመጨነቐካንዶ፧ ብኣንጻሩ ግን: የሱስ ነቶም ዝሰምዕዎ ሰባት ናብ ሓቅን ጽድቅን ዝሓሸ ህይወትን ክመርሖም ኢዩ ጻውዒት ገይሩሎም። እወ: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ክንፈልጦ ኻብ እንኽእለሉ መገድታት ሓደ ንየሱስ ክርስቶስ ምፍላጥ ኢዩ: ከመይሲ ኣብኡ ባህርያት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተንጸባሪቑ ምህላዉ ሰባት ከስተውዕልዎ ይኽእሉ ኢዮም። የሱስ “እቲ ንኣይ ዝረአየ ነቦ ረአዮ” በለ።—ዮሃንስ 14:9

ህይወትካ ውጥረት ዝመልኦ ድዩ፧

5, 6. ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ኵነታት ሸቕልን ደሞዝን ምስዚ ናይ ግዜና ብኸመይ ይወዳደር፧

5 ስራሕካ ወይ ኵነታት ስድራቤትካ ብዙሕ ውጥረት ከምጽኣልካ ስለ ዝኽእል: እዚ ጕዳይ እዚ የተሓሳስበካ ይኸውን። ወይ እውን ብኻልእ ሓላፍነታት ተጻዒንካ ትህሉ ትኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት እንተ ሃልዩካ: ከምቶም የሱስ ዝሓገዞም ቅኑዓት ሰባት ዘጋጠሞም ኢዩ ዘጋጥመካ ዘሎ። ንኣብነት: ንመነባብሮ ዘድሊ ነገራት ኣብ ምምእራር ዘጋጥም ጸገማት እሞ ሕሰብ። ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሰባት ድራር ዕለቶም ንምርካብ ይጽዕሩ ኢዮም: ኣብ ግዜ የሱስ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይነበረን።

6 ኣብቲ ግዜ እቲ: ሓደ ሸቃላይ ኣብ መዓልቲ 12 ሰዓታት: ኣብ ሰሙን ድማ 6 መዓልትታት ይሰርሕ ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ እውን ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ዲናር ኢዩ ዝኽፈሎ ነይሩ። (ማቴዎስ 20:2-10) እዚ ምስ ደሞዝካ ወይ ደሞዝ ፈተውትኻ ኸተወዳድሮ ኸሎኻ ኸመይ ኢዩ፧ ነቲ ጥንቲ ዝኽፈል ዝነበረ ደሞዝ ምስዚ ናይ ዘመንና ኸነወዳድሮ ኸቢድ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ኻብቲ ኸነወዳድረሉ እንኽእል መገዲ እቲ ገንዘብ ክዕድጎ ዝኽእል ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ። ኣብ ግዜ የሱስ ብኣርባዕተ ኩባያ ሓርጭ ስርናይ እተሰርሐ ሕብስቲ ንምዕዳግ: ዳርጋ ናይ ሓደ ሰዓት ደሞዝ ከም ዝሓትት ሓደ ምሁር ገሊጹ ኣሎ። ካልእ ምሁር ድማ ዋጋ ሓደ ኹባያ ጽቡቕ ወይኒ ዳርጋ ናይ ክልተ ሰዓት ደሞዝ ኣቢሉ ከም ዝነበረ ገለጸ። ስለዚ: ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ንናብራኦም ዘድልዮም ንምምላእ ንነዊሕ ሰዓታት ይጽዕሩን ይለፍዑን ምንባሮም ክትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። ከማና እፎይታን ዕረፍትን የድልዮም ነበረ። ሰራሕተኛ እንተ ዄንካ ብዙሕ ንኸተፍሪ ጸቕጢ ይግበረልካ ይኸውን። መብዛሕትኡ እዋን ብግቡእ ሓሲብና ውሳነ ንምግባር ግዜ ኣይንረክብን ኢና። ዕረፍቲ ንምርካብ ሃንቀው ኸም እትብል ትሰማምዓሉ ትኸውን።

7. መልእኽቲ የሱስ ከመይ ዝበለ ተቐባልነት ነበሮ፧

7 የሱስ ንዅሎም እቶም ‘ዝጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን’ ዘቕረቦ ጻውዒት: ኣብ ግዜኡ ንዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ካብ ዝዀነ ይኹን ነገራት ንላዕሊ ይስሕቦም ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። (ማቴዎስ 4:25፣ ማርቆስ 3:7, 8) ብተወሳኺውን “ኣነ ኸዕርፈኩም [ኢየ]” ምባሉ ኽንርስዕ የብልናን። እዚ መብጽዓ እዚ ሕጂውን ግዜኡ ኣይሓለፎን። ‘እንጽዕርን ጾር ዝኸበደናን’ እንተ ሃሊና: ይጠቕመና ኢዩ። ነቶም ምስ ኵነታትና ዝመሳሰል ጸገማት ዘለዎም እነፍቅሮም ሰባት እውን ይጠቕሞም ኢዩ።

8. ቈልዓ ምዕባይን እርጋንን ውጥረት ዝውስኸልና ብኸመይ ኢዩ፧

8 ንሰባት ጾር ዝዀኖም ካልእ ነገራት እውን ኣሎ። ቈልዑ ምዕባይ ከቢድ ብድሆ ኢዩ። ቈልዓ ምዃን ንርእሱ እውን በዳሂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጸገማት ጥዕና የጋጥሞም ኣሎ። ሕክምናዊ ምዕባለታት እኳ እንተሎ: ብፍላይ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ግን ጸገማት የጋጥሞም ኢዩ።—መክብብ 12:1

ነቲ ኣርዑት ምጻር

9, 10. ኣብ ግዜ ጥንቲ: ኣርዑት ንምንታይ የመልክት ነበረ: የሱስ ንሰባት ኣርዑቱ ኽጾሩ ጻውዒት ዘቕረበሎምከ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 የሱስ ኣብ ማቴዎስ 11:28, 29 “ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ” ኸም ዝበለስ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ተራ ሰባት ኣርዑት ከም ዝጾሩ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዖም ነይሩ። ኣብ ግዜ ጥንቲ: ኣርዑት ንባርነት ወይ ግልያነት ዘመልክት ነበረ። (ዘፍጥረት 27:40፣ ዘሌዋውያን 26:13፣ ዘዳግም 28:48) መብዛሕትኦም ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበሩ ሸቃሎ: በቲ ኣብ መንኵቦም ዝጾርዎ ኣርዑት ገይሮም ከቢድ ጾር ይስከሙ ነበሩ። ከከም ኣሰራርሓኡ እቲ ኣርዑት ንኽሳድን መንኵብን ዝምችእ ወይ ከኣ ዝዅርኵሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ጸራቢ ስለ ዝነበረ: ኣርዑት ሰሪሑ ክኸውን ይኽእል ኢዩ፣ “ፈኵሽ” ኣርዑት ከመይ ገይርካ ኸም ዝስራሕ እውን ይፈልጥ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ኣርዑት ብእተኻእለ መጠን ምቹእ ንምግባር ነቲ ንኣካላት ዝትንክፍ ቦታ ብቘርበት ወይ ጨርቂ ይሽፍኖ ነይሩ ይኸውን።

10 የሱስ “ኣርዑተይ ጹሩ” ኽብል ከሎ: ንገዛእ ርእሱ ኸም ሓደ ንኽሳድን መንኵብን ሸቃላይ “ፈኵሽ” ኣርዑት ሰሪሑ ዘቕርብ ሰብ ከም ዝዀነ ገይሩ ኢዩ ተዛሪቡላ ክኸውን ዝኽእል። ስለዚ: ኣስዕብ ኣቢሉ “ጾረይውን ቀሊል እዩ” በለ። እዚ ኸኣ ቍራብዓት ኣርዑቱ ንምጻሩ ዘየጸግም: ስርሑ ኸኣ ቀሊል ምንባሩ ዝሕብር ኢዩ። እወ: የሱስ ንሰማዕቱ ኣርዑቱ ኽጾሩ ጻውዒት ከቕርብ ከሎ: ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብ ዝነበረ ዅሉ ጭቈና ብኡንብኡ ዕረፍቲ ኸምጽኣሎም ኣይኰነን ተዛሪቡ። እንተዀነ ግን: እቲ ዘቕረቦ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ብዙሕ ዕረፍቲ ኣምጺእሎም ኢዩ። ኣብ ኣነባብራኦም ዝገብርዎ ለውጥን ኣተሓሕዛ ጕዳያቶምን እውን ዕረፍቲ ኣምጺእሎም ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ ንጹርን ድልዱልን ተስፋ ምስ ዝህልዎም: ኣብ ህይወቶም ብዙሕ ውጥረት ኣይህልዎምን።

ዕረፍቲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ

11. የሱስ ሓደ ኣርዑት ብኻልእ ኣርዑት ብዛዕባ ምቕያር ይዛረብ ዘይነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 የሱስ ሓደ ኣርዑት ብኻልእ ኣርዑት ብዛዕባ ምቕያር ይዛረብ ከም ዘይነበረ ኣስተብህል። ከምቲ እዘን ሎሚ ዘለዋ መንግስታት ኣብተን ክርስትያናት ዝርከቡለን ሃገራት ዝገዝኣ ዘለዋ: ሮሜ እውን ነታ ሃገር ገና ትገዝኣ ነበረት። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንሮሜ ዝኽፈል ዝነበረ ግብሪ ኣየቋረጸን። ናይ ጥዕና ዀነ ቝጠባዊ ጸገማት ኣይተወገደን። ሰባት ካብ ዘይፍጽምናን ሓጢኣትን ሓራ ኣይወጹን። ይኹን እምበር: ንትምህርትታት የሱስ ምስ ዝቕበልዎ ዕረፍቲ ኽረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም: ንሕና እውን ዕረፍቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና።

12, 13. የሱስ እንታይ ዕረፍቲ ዘምጽእ ነገር ኢዩ ዘጕልሐ: ገሊኣቶምከ ብኸመይ ኢዮም ምላሽ ዝሃቡ፧

12 እቲ የሱስ ብዛዕባ ኣርዑት እተዛረቦ ምሳሌ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ቐንዲ መገዲ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ኢዩ። ቀንዲ ዕዮ የሱስ ንሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምምሃር ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይኰነን። (ማቴዎስ 4:23) ስለዚ: “ኣርዑተይ ጹሩ” ኽብል ከሎ: ነቲ ንሱ ዝዓዮ ዝነበረ ዕዮ ምዕያይ ከም ዘጠቓልል እተረጋገጸ ኢዩ። የሱስ ንቕኑዓት ሰባት ነቲ ኣብ ህይወቶም ዓቢ ቦታ ዝህብዎ ስርሖም ንኽልውጡ ድራኸ ኸም ዘሕደረሎም ኣብ ወንጌላት ተመዝጊቡ ንረኽቦ ኢና። ንጴጥሮስን እንድርያስን ያእቆብን ዮሃንስን “ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ: ንዑ ስዐቡኒ” ኸም ዝበሎም ዝዝከር ኢዩ። (ማርቆስ 1:16-20) ነቲ ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ዝህቦ ዕዮ እንተ ዓይዮም ክሳዕ ክንደይ ዓቢ  ዕግበት ከም ዝረኽቡ እናመርሐን እናደገፈን ኣርኣዮም።

13 ገለ ኻብቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ኣይሁድ ንትምህርትታቱ ተረዲኦም ኣብ ግብሪ ኣውዓልዎ። ነቲ ኣብ ሉቃስ 5:1-11 ተመዝጊቡ ዘሎ ኣብ ጥቓ ባሕሪ እተገብረ ፍጻመ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ኣርባዕተ ገፈፍቲ ዓሳ ምሉእ ለይቲ እኳ እንተ ጸዓሩ: ዝሓዝዎ ዓሳ ግን ኣይነበሮምን። ብሃንደበት ግን እቲ መርበቦም ብዓሳ መልአ! እዚ ዝዀነ ብኣጋጣሚ ዘይኰነስ ኢድ የሱስ ነይርዎ ኢዩ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ናብቲ ገማግም ገጾም ምስ ጠመቱ: ኣብ ትምህርትታት የሱስ ናይ ሓቂ ተገዳስነት ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ረኣዩ። እዚ ፍጻመ እዚ ነቲ የሱስ ‘ካብ ሕጂ ገፈፍቲ ሰብ ክትኰኑ ኢኹም’ ብምባል እተዛረቦም ንኽርድእዎ ሓገዞም። እንታይ ስጕምቲኸ ወሰዱ፧ “ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦም: ንዅሉ ሐዲጎም ሰዐብዎ።”

14. (ሀ) ኣብዚ እዋን እዚ ዕረፍቲ ኽንረክብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) የሱስ እንታይ ዕረፍቲ ዘምጽእ ብስራት ኢዩ ዝሰበኸ፧

14 ንስኻውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ። ንሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ናይ ምምሃር ዕዮ ገና ኣየቋረጸን። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ የሱስ ‘ኣርዑቱ ንኽጾሩ’ ዘቕረበሎም ጻውዒት ብምቕባል “ገፈፍቲ ሰብ” ኰይኖም ኣለዉ። (ማቴዎስ 4:19) ገሊኣቶም ናይ ምሉእ ግዜ ስርሖም ክገብርዎ ኸለዉ: ገለ ድማ ካብ ስርሖም ወጻኢ ኣብ ዘሎ ግዜ እተኻእሎም ይገብሩ ኣለዉ። እዚ ዕዮ እዚ ንዅላቶም ዕረፍቲ ስለ ዘምጽኣሎም: ኣብ ህይወት ዘጋጥም ውጥረት ነክይሎም ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ባህ ኢልዎም ንኻልኦት ዘካፍልዎም ብስራት ወይ “ወንጌል መንግስቲ” ናይ ምንጋር ዕዮ ዘጠቓልል ኢዩ። (ማቴዎስ 4:23) ብስራት ምንጋር ዘሐጕስ እኳ እንተዀነ: ብፍላይ ብዛዕባ እዚ ብስራት እዚ ምዝራብ ግን ዝያዳ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ። ሰባት ውጥረት ዘይብሉ ናብራ ኽነብሩ ከም ዝኽእሉ ንኸነእምኖም ዝሕግዘና መሰረታዊ ፍልጠት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

15. የሱስ ብዛዕባ ናብራ ህይወት ካብ ዝሃቦ ትምህርቲ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧

15 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኽማሃሩ ዝጀመሩ ሰባት እውን ከይተረፉ: ካብቲ የሱስ ብኸመይ ህይወትና ኽንመርሕ ከም ዘሎና ዝሃቦ ትምህርቲ ብእተወሰነ ደረጃ ተጠቒሞም ኢዮም። ብዙሓት ሰባት ትምህርትታት የሱስ ዕረፍቲ ኸም ዘምጽኣሎምን ህይወቶም ምሉእ ብምሉእ ንኽቕይሩ ኸም ዝሓገዞምን ኣፎም መሊኦም ክዛረቡ ይኽእሉ ኢዮም። ንስኻውን ነቲ ኣብ ታሪኽ ህይወት የሱስን ኣገልግሎቱን ብፍላይ ከኣ ኣብተን ብማቴዎስን ማርቆስን ሉቃስን እተጻሕፋ ወንጌላት ተጠቒሱ ዘሎ ኣብ ናብራና ኽንመላለሰሉ ዘሎና ስርዓታት ብምምርማር: ነዚ ዕረፍቲ እዚ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ዕረፍቲ እትረኽበሉ መገዲ

16, 17. (ሀ) ገለ ኻብቲ ቐንዲ ትምህርትታት የሱስ ኣበይ ክትረኽቦ ትኽእል፧ (ለ) ንትምህርትታት የሱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዕረፍቲ ንምርካብ እንታይ የድሊ፧

16 ኣብ ጽድያ ናይ 31 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ክሳዕ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ህቡብ ኰይኑ ዘሎ ኣስተምህሮ ሃበ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት ተባሂሉ ኢዩ ዝፍለጥ። እዚ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳብ 7 ከምኡውን ኣብ ሉቃስ ምዕራፍ 6 ተመዝጊቡ ዝርከብ ኰይኑ: ጽማቝ ትሕዝቶ ናይ ብዙሕ ትምህርትታቱ ዝሓዘ ኢዩ። ኣብ ካልእ ክፋል ወንጌላት እውን ትምህርትታት የሱስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ትምህርቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝብድህ እኳ እንተዀነ: ንኽትርድኦ ግን ቀሊል ኢዩ። ነዘን ምዕራፋት እዚኣተን ንምንታይ ተጠንቂቕካ ብምስትውዓል ዘይተንብበን፧ ኣተሓሳስባኡ ንኣረኣእያኻ ክጸልዎ ፍቐደሉ።

17 ንትምህርትታት የሱስ ብእተፈላለየ መልክዕ ኽንሰርዖ ንኽእል ኢና። እምበኣር ነቲ ቐንዲ ትምህርትታት ብቝጽሪ እተን ኣብ ሓንቲ ወርሒ ዘለዋ መዓልትታት ብምኽፋል ንስርዓዮ እሞ ኣብ መዓልቲ ንሓንቲ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ኸነውዕላ ሸቶ ብምውጻእ ኣብ ህይወትና ንዕየየሉ። ነዚ ግን ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ ነቲ ሓሳባት ላዕሊ ላዕሉ ጥራይ ኣይትርኣዮ። ነቲ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧” ኢሉ ንየሱስ ክርስቶስ ዝሓተቶ ሃብታም መራሒ ዘክሮ። የሱስ ነቲ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ዝርከብ ቐንዲ ብቕዓታት ምስ ጠቐሰሉ: እቲ ሰብኣይ ነዚ ድሮ ኸም ዝገብሮ ገለጸ። ገና ኽገብሮ ዘለዎ ነገር ከም ዘሎ ግን ተገንዚቡ ነይሩ ኢዩ። የሱስ ድማ ስርዓታት ኣምላኽ ጠቓሚ ብዝዀነ መገዲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝያዳ ጻዕሪ ኽገብር: እዚ ድማ ንጡፍ ወደ መዝሙር ንኽኸውን ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ግን ነዚ ኽገብር ድሉው ከም ዘይነበረ ንጹር ኰነ። (ሉቃስ 18:18-23) ኣብዚ እዋን እዚ ትምህርትታት የሱስ ክማሃር ዝደሊ ሰብ እውን እንተዀነ: ኣብ መንጎ እቲ ምስ ትምህርትታት ምስምማዕን ናይ ብሓቂ ምቕባሉን ፍልልይ ከም ዘሎ ክርስዕ የብሉን፣ ውጥረት ዝንክየልካ ኸኣ ካብ ልቢ ምስ እትቕበሎ ኢዩ።

18. ኣብዚ ኣብ ዝሓለፈ ገጻት ዘሎ ሳጹን ዝርከብ ነጥብታት ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኸም እትኽእል ግለጽ።

18 ንትምህርትታት የሱስ ንምምርማርን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን: ኣብዚ ኣብ ዝሓለፈ ገጻት ዘሎ ሳጹን ዝርከብ 1ይ ነጥቢ እስከ ርአ። ማቴዎስ 5:3-9 ከኣ ተጠቒሳ ኣላ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍና ነዚ ኣብዛ ጥቕሲ ዝርከብ ጽቡቕ ምዕዶ ንኸነስተንትነሉ ብዙሕ ግዜ የድልየና ኢዩ። ብሓፈሽኡ ግን ብዛዕባ ኣረኣእያኻ ኣብ ምንታይ መደምደምታ ኢኻ እትበጽሕ፧ ካብቲ ብዙሕ ውጥረት ኣብ ህይወትካ ዘምጽኦ ሳዕቤናት ንኽትናገፍ እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል፧ መንፈሳዊ ነገራት ንዝበዝሕ ሓሳብካ ንኽቈጻጸሮ ብምፍቃድ ኣብኡ ምትኳርካ ብኸመይ ንዅነታትካ ኸመሓይሾ ይኽእል፧ ንመንፈሳዊ ነገራት ዝያዳ ኣቓልቦ ምእንቲ ኽትህቦ ኣብ ህይወትካ ኸተጕድሎ ዝግባእ ገለ ጕዳያት ኣሎዶ፧ ከምዚ እንተድኣ ገይርካ: ኣብዚ እዋን እዚ እውን ዝያዳ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ።

19. ዝዓመቘ ምስትውዓልን ምርዳእን ንኽህልወካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

19 ድሕርዚ ኻልእ ስጕምቲ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ጥቕስታት እዚ ምስ ካልእ ኣገልጋሊ ኣምላኽ: ምናልባት እውን ምስ ናይ መርዓ ብጸይትኻ: ናይ ቀረባ ዘመድካ: ወይ ፈታዊኻ ንምንታይ ዘይትመያየጠሉ፧ (ምሳሌ 18:24፣ 20:5) እቲ ሃብታም መራሒ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ንኻልእ ሰብ ማለት ንየሱስ ከም ዝሓተቶ ኣይትረስዕ። እቲ እተዋህቦ መልሲ ሓጐስ ከምጽኣሉን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ክህቦን ምኸኣለ ነይሩ። እቲ ብዛዕባ እዚ ጥቕስታት እዚ ምሳኻ ዝመያየጥ ኣማኒ ብጻይ ምስ የሱስ ማዕረ ክኸውን ዘይክእል እኳ እንተዀነ: ብዛዕባ ትምህርትታት የሱስ ምምይያጥኩም ግን ንኽልቴኹም ክጠቕመኩም ኢዩ። ነዚ ቐልጢፍካ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ጽዓር።

20, 21. ብዛዕባ ትምህርትታት የሱስ ንምፍላጥ እንታይ ፕሮግራም ኢኻ ክትስዕብ ትኽእል: ዝገበርካዮ ዕቤትከ ብኸመይ ክትግምግሞ ትኽእል፧

20 እንደገና እስከ ነቲ “ዝጠቕመካ ትምህርትታት” ዘርእስቱ ሳጹን ርአ። እዚ ትምህርትታት እዚ ኣብ መዓልቲ እንተ ወሓደ ሓንቲ ትምህርቲ ኸም እትወስድ ኰይኑ ኢዩ ተሰሪዑ። ፈለማ የሱስ ኣብቲ ተሓቢሩ ዘሎ ጥቕስታት እንታይ ከም ዝበለ ኸተንብብ ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ብዛዕባ እቲ ዝበሎ ሕሰብ። ኣብ ህይወትካ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኸም እትኽእል ኣስተንትን። ትገብሮ ዘሎኻ ዀይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ: በቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ንምምልላስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ክትገብር ከም እትኽእል ኣስተንትን። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ጽዓር። ንምርድኡ እንተ ኣጸጊሙካ ወይ ኣወዓዕላኡ እንተ ኸቢዱካ: ኣብታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ደጊምካ ዕየየሉ። እንተዀነ ግን: ናብታ እትቕጽል ነጥቢ ንምስጋር ነታ ቐዳመይቲ ትምህርቲ ግድን ክትመልካ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ንጽብሒቱ ነታ ኻልኣይቲ ነጥቢ ዕየየላ። ኣብ መወዳእታ እታ ሰሙን: ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ትምህርትታት የሱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ክሳዕ ክንደይ ዕዉት ምንባርካ ምልስ ኢልካ ኽትምርምሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብታ ኻልኣይቲ ሰሙን ድማ መዓልቲ መዓልቲ ኸምኡ እናገበርካ ቐጽል። ገሊኡ ነጥብታት ኣብ ግብሪ እንተ ዘየውዒልካዮ: ተስፋ ኣይትቝረጽ። እዚ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዘጋጥሞ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 6:36፣ መዝሙር 130:3፣ መክብብ 7:20፣ ያእቆብ 3:8) ከምዚ እናበልካ ኣብታ ሳልሰይትን ራብዐይትን ሰሙን ቀጽሎ።

21 ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ንብምሉአን 31 ነጥብታት ትሽፍነን ትኸውን። ከመይ ኢዩ ኽስምዓካ፧ ዝያዳ ሓጐስን ዕረፍትን እትረክብዶ ኣይመስለካን፧ ቁሩብ ምምሕያሽ ጥራይ እውን እንተ ገበርካ: ዝነበረካ ውጥረት ኸም ዝፈዅሰካ ወይ ከኣ እንተ ወሓደ ንጸገማትካ ብዝሓሸ መገዲ ኸም እትፈትሖ ፍሉጥ ኢዩ፣ ንብድሕሪ ሕጂ ነዚ ኽትገብሮ ዘኽእለካ ሜላ ድማ ፈሊጥካ ኣሎኻ። ኣብዚ ዝርዝር እዚ ዘይተጠቕሰ የሱስ ዝመሃሮ ሓያሎ ጠቓሚ ነጥብታት ከም ዘሎ ኣይትረስዕ። ነዚ ነጥብታት እዚ ኣናዲኻ ብምርካብ ንምንታይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ዘይትጽዕር፧—ፊልጲ 3:16

22. ትምህርትታት የሱስ ካብ ምስዓብ እንታይ ፍረ ኽርከብ ይከኣል: እንታይ ተወሳኺ መዳይ ኢዩ ግን ኸነጽንዖ ዝግባእ፧

22 ኣርዑት የሱስ እተወሰነ ክብደት እኳ እንተለዎ: ብሓቂ ፈኲሽ ምዃኑ ግን ክትግንዘብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ትምህርትታቱን ከም ደቀ መዝሙር መጠን እንስከሞ ጾርን ከቢድ ኣይኰነን። እቲ ናይ ቀረባ ዓርኪ የሱስ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ነገራት እዚ ኻብ 60 ዓመታት ንላዕሊ ኣብ ህይወቱ ምስ ተመኰሮ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ: ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ” በለ። (1 ዮሃንስ 5:3) ንስኻውን ተመሳሳሊ ምትእምማን ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ። ንትምህርትታት የሱስ ብዝያዳ ኣብ ግብሪ ብዘውዓልካዮ መጠን: እቲ ሎሚ ንህይወት ብዙሓት ሰባት ውጥረት ዘምጽእ ነገራት ዘየጨንቕ ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ብዙሕ ዕረፍቲ ኸም ዝረኸብካ ክስምዓካ ኢዩ። (መዝሙር 34:8) እንተዀነ ግን: ኣብ ግምት ከተእትዎ ዘሎካ ካልእ መዳይ ናይቲ ፈኵሽ ኣርዑት የሱስ ኣሎ። የሱስ ብዛዕባ ርእሱ “ለዋህ . . . ልበይውን ትሑት” ብምባል ተዛሪቡ ኢዩ። እዚኸ ነቲ ኻብ የሱስ ንኽንማሃርን ንዕኡ ንኽንመስሎን እንገብሮ ጻዕሪ ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፎ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኸተብርሆ ኢያ።—ማቴዎስ 11:29

መልስኻ እንታይ ኢዩ፧

• ውጥረት በዚሑና ዕረፍቲ ንምርካብ ናብ የሱስ ክንጥምት ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ኣርዑት ንምንታይ ዘመልክት ነበረ: ስለምንታይከ፧

• የሱስ ንሰባት ኣርዑቱ ኽጾሩ ጻውዒት ዘቕረበሎም ስለምንታይ ኢዩ፧

• መንፈሳዊ ዕረፍቲ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ናይ 2002 ዓመታዊት ጥቕሲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር:- “ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ”—ማቴዎስ 11:28

[ኣብ ገጽ 12, 13 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዝጠቕመካ ትምህርትታት

ካብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳብ 7 እንታይ ጽቡቕ ነጥብታት ክትረክብ ትኽእል፧ እዘን ምዕራፋት እዚኣተን እቲ ኽኢላ መምህር ዝዀነ የሱስ ኣብቲ ኣብ ገሊላ ዝርከብ ከረን ኰይኑ ዝሃቦ ትምህርትታት ዝሓዛ ኢየን። በጃኻ ነቲ ኣብዚ ተሓቢሩ ዘሎ ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስካ ኣንብቦ: ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶታት ድማ ንርእስኻ ሕተታ።

1. 5:3-9 እዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኣረኣእያይ እንታይ ኢያ እትሕብረኒ፧ ዝያዳ ሓጐስ ንምርካብ እንታይ ክገብር እኽእል፧ ብመንፈስ ንዘድልየኒ ነገራት ዝያዳ ኣቓልቦ ኽህቦ ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧

2. 5:25, 26 ነቲ ብዙሓት ሰባት ዘለዎም ናይ ምክርኻር ባህሪ ኻብ ምቕዳሕ: እንታይ እንተ ገበርኩ ኢዩ ዝሓሸ ዝኸውን፧—ሉቃስ 12:58, 59

3. 5:27-30 ቃላት የሱስ ንጾታዊ ባህጊ ብዝምልከት እንታይ ኢዩ ዘጕልሕ፧ ካብዚ ነገር እዚ ምርሓቐይ ኣብ ሓጐሰይን ውሽጣዊ ሰላመይን እንታይ ኣበርክቶ ኢዩ ዝገብር፧

4. 5:38-42 ነቲ ሓይሊ እተሓወሶ መልሰ-ግብሪ ምሃብ ዘተባባብዕ ናይዚ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ኣተሓሳስባ ኸወግዶ ኽጽዕር ዘሎኒ ስለምንታይ ኢየ፧

5. 5:43-48 ምስቶም ከም ጸላእተይ ገይረ ዝርእዮም ዝያዳ ብምፍላጠይ ብኸመይ ኢየ ዝጥቀም፧ እዚ ነቲ ዝነበረ ምስሕሓብ ኣብ ምቕናስ ወይ ኣብ ምውጋድ እንታይ ኣበርክቶ ኣለዎ፧

6. 6:14, 15 ሓድሓደ ግዜ በደል ከም ዘይሓድግ ዝገብረኒ: ቅንኢ ወይ ቂም ክኸውን ይኽእልዶ፧ ነዚ ብኸመይ ክቕይሮ እኽእል፧

7. 6:16-18 ካብ ውሽጠይ ንላዕሊ ደጋዊ ትርኢተይ ድዩ ዝያዳ ዘገድሰኒ፧ ካብ ምንታይ ኢየ ብዝያዳ ኽጥንቀቕ ዘሎኒ፧

8. 6:19-32 ብገንዘብን ጥሪትን ዝጭነቕ እንተ ዀይነ እንታይ ሳዕቤን ኢዩ ዘምጽኣለይ፧ ብዛዕባ እንታይ እንተ ሓሲበ ኢየ ኣብዚ መዳይ እዚ ሚዛነይ ክሕሉ ዝኽእል፧

9. 7:1-5 ኰነንትን ነቕፍትን ወትሩ ጕድለት ዝኣርዩን ሰባት ከጋጥሙኒ ኸለዉ: ከመይ ይስምዓኒ፧ ከምዚ ዓይነት ሰብ ክኸውን ዘይብለይ ስለምንታይ ኢየ፧

10. 7:7-11 ንኣምላኽ ክንልምኖ ኸሎና ዘይምሕላል ዝጠቕመና ኻብ ኰነ: ኣብ ካልእ መዳያት ህይወት ድኣኸ፧—ሉቃስ 11:5-13

11. 7:12 ነታ ወርቃዊት ሕጊ ዝፈልጣ እኳ እንተ ዀንኩ: ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎኒ ርክብ ነቲ ምኽሪ ኽሳዕ ክንደይ ኢየ ዝዓየሉ፧

12. 7:24-27 ንህይወተይ ምምራሕ ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ኻብ ኰንኩ: ንዘጋጥመኒ ኸቢድ ጸገማትን መከራን ብኸመይ ብዝሓሸ ተዳልየ ኽጸንሕ እኽእል፧ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ሕጂ ኽሓስበሉ ዘሎኒ ስለምንታይ ኢዩ፧—ሉቃስ 6:46-49

ከስተንትነሉ ዝኽእል ተወሳኺ ትምህርትታት:-

13. 8:2, 3 ንሽጉራት ከምቲ የሱስ ብተደጋጋሚ ዝገብሮ ዝነበረ ገይረ ሓልዮት ከርእዮም ዝኽእል ብኸመይ ኢየ፧

14. 9:9-38 ንኻልኦት ምሕረት ምግባር ኣብ ህይወተይ እንታይ ግደ ኣለዎ: ነዚ ብዝያዳ ኽገብሮ ዝኽእልከ ብኸመይ ኢየ፧

15. 12:19 ብዛዕባ የሱስ ካብ እተጻሕፈ ትንቢት ትምህርቲ ብምውሳድ: ናይ ምክርኻር ባህሪ ንኸወግድ እጽዕርዶ ኢየ፧

16. 12:20, 21 ንኻልኦት ብዘረባይ ወይ ተግባራተይ ዘይምጕድአይ ሰናይ ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

17. 12:34-37 መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እንታይ ኢየ ዝዛረብ፧ ኣራንሺ እንተ ጸሚቘ: ጽማቝ ኣራንሺ ኸም ዝረክብ እፈልጥ ኢየ፣ ስለዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልበይ ዘሎ ነገራት ኽሓስበሉ ዘሎኒ ስለምንታይ ኢየ፧—ማርቆስ 7:20-23

18. 15:4-6 ካብዚ የሱስ እተዛረቦ ነገራት: ብዕድመ ንዝደፍኡ ብምሕላይ ዝመጸ እንታይ ክግንዘብ እኽእል፧

19. 19:13-15 ገለ ኻብቲ ግዜ ኽህቦ ዘሎኒ ነገራት እንታይ ኢዩ፧

20. 20:25-28 ስልጣን ንጥቕምኻ ምውዓል ከንቱ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ንየሱስ ብኸመይ ክመስሎ እኽእል፧

ማርቆስ ዝመዝገቦ ተወሳኺ ሓሳባት:-

21. 4:24, 25 ንኻልኦት ዝገብሮ ኣተሓሕዛ ኣገዳስነቱ ኽሳዕ ክንደይ ኢዩ፧

22. 9:50 ዘረባይ ጨው ዘለዎ: ተግባራተይ እውን ሰናይ እንተ ዀይኑ: መብዛሕትኡ እዋን እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኢዩ ዘምጽእ፧

ኣብ መወዳእታ ሉቃስ ዝመዝገቦ ገለ ትምህርታት:-

23. 8:11, 14 ሓልዮት ናብራን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ንህይወተይ ከም ዝዕብልሎ እንተድኣ ገይረ: ንቓል ኣምላኽ እንታይ ከጋጥሞ ይኽእል፧

24. 9:1-6 የሱስ ሕማም ናይ ምፍዋስ ሓይሊ እኳ እንተ ነበሮ: ንምንታይ ኢዩ ቐዳምነት ዝሃበ፧

25. 9:52-56 ብቐሊሉ ዝቕየም ድየ፧ ሕነ ንናይ ምፍዳይ መንፈስ አርሕቖ ድየ፧

26. 9:62 ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽሰብኽ እተዋህበኒ ሓላፍነት ብኸመይ ኢየ ኽርእዮ ዘሎኒ፧

27. 10:29-37 ከመይ ገይረ ኢየ ንዅሉ ሰብ ብጻይ ክኸውን ዝኽእል፧

28. 11:33-36 ናብራይ ቀሊል ንኽኸውን እንታይ ለውጢ ኢየ ኽገብር ዘድልየኒ፧

29. 12:15 ኣብ መንጎ ህይወትን ጥሪትን እንታይ ምትሕሓዝ ኣሎ፧

30. 14:28-30 ዝገብሮ ውሳነታት ግዜ ብምውሳድ ተጠንቂቐ እንተ መርሚረዮ: ካብ ምንታይ ኢየ ዝድሕን: እንታይ ጥቕሚኸ እረክብ፧

31. 16:10-12 ብቕንዕና ብምምልላሰይ እንታይ ረብሓታት ክረክብ እኽእል፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ንምፍጻም እንስከሞ ኣርዑት የሱስ: ዕረፍቲ ዘምጽእ ኢዩ