ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ”

“ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ”

“ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ”

 እዚ እቲ የሱስ ክርስቶስ ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ሎዲቅያ: ንእሽቶ እስያ: ዝነበረት ጉባኤ ዝኣዘዘላ መድሃኒት ኢዩ ነይሩ።

የሱስ “ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ . . . [ዓድግ]” በለ። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እቲ ኣብዚ ሕክምና ዘድልዮ ዘሎ ዓይኒ ቃል ብቓሉ ንስጋዊ ሕማም ዘይኰነስ መንፈሳዊ ዑረት ኢዩ። መንፈስ ናይታ ብስጋዊ መገዲ በልጺጋ ዝነበረት ከተማ ንክርስትያናት ሰብ ሎዲቅያ ጸልይዎም ነበረ: ነቲ ዘድልዮም መንፈሳዊ ነገራት ድማ ዕሽሽ ኢሎምዎ ነበሩ።

የሱስ: እዚ ነቲ ናይ ምርኣይ ክእለቶም ንምድኻም ጠንቂ ኸም ዝኸውን ሓሳብ ክህብ ከሎ “ሃብታምን ፈሳስን እየ: ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ: ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ” በለ። ኣባላት እታ ጉባኤ ነዚ እንተ ዘይፈለጥዎ እኳ ንትምህርትታትን ተግሳጽን የሱስ ክርስቶስ ተገዛኢ ብምዃን ጥራይ ክርከብ ዝኽእል ዘሕዊ “ኵሕሊ” የድልዮም ነበረ። የሱስ “ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ” በሎም። (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።)—ራእይ 3:17, 18

ሎሚ እውን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ልክዕ ከም ሰብ ሎዲቅያ ብፍቕረ-ንዋይ ኣብ እተዓብለለን ብተድላ እምብዛ ናይ ምግዳስ ባህሪ ዝንጸባረቐሉን ኣከባቢ ስለ ዝነብሩ ምናልባት ከይተፈለጦም ብእኡ ከይጽለዉ ክጥንቀቑ ከድልዮም ኢዩ። ጥዑይ መንፈሳዊ ኣመለኻኽታ ንኽሕዙ እተኣዘዘሎም መድሃኒት ኣብቲ “ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ [ካብ የሱስ] ክትዕድግ” ዝብል ማዕዳ ኢዩ ዝርከብ።

እዚ “ኵሕሊ” እዚ ክዕደግ ከም ዘለዎ ነስተብህለሉ። ብጥራዩ ዝርከብ ኣይኰነን። ቃል ኣምላኽ ንምጽናዕን ንምስትንታንን ግዜ ምዕዳግ የድሊ። ብዛዕባ እዚ ቓል እዚ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንጹህ እዩ: ነዒንቲ [ንመንፈሳዊ ኣዒንቲ] የብርሄን” ብምባል ውሕስነት ሂቡና ኣሎ።—መዝሙር 19:8