ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

በቲ ብስራት እተረኽበ በረኸት

በቲ ብስራት እተረኽበ በረኸት

በቲ ብስራት እተረኽበ በረኸት

“ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ . . . ንስቡራት ልቢ ኽዘንን: . . . ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ።” —⁠ኢሳይያስ 61:1, 2

1, 2. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እንታይ ኢዩ ዝገለጸ: ብኸመይከ፧ (ለ) እቲ የሱስ ዘበሰሮ ብስራት እንታይ በረኸታት ኢዩ ዘምጽአ፧

 የሱስ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመታት ኣገልግሎቱ ናብ ናዝሬት ከደ እሞ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ቤት ጸሎት ተቐመጠ። እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል:- “መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሀብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ: እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፤ . . . [ከበስር] ስለ ዝቐብኣኒ: መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ።” የሱስ ቀጺሉ ካብቲ ትንቢት ካልእ ሓሳባት እውን ኣንበበ። ድሕሪዚ ኮፍ በለ እሞ “እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ” በሎም።​—⁠ሉቃስ 4:16-21

2 የሱስ በዚ መገዲ እዚ ገይሩ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ወንጌላዊ ማለት መበሰርን መጸናንዕን ንሱ ምዃኑ ገለጸ። (ማቴዎስ 4:⁠23) እቲ የሱስ ክሰብኮ ዝነበሮስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ብስራት ኰን ኢዩ ዝነበረ! ንሰማዕቱ “ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዚስዕበኒ ብርሃን ህይወት ኪረክብ እምበር: ብጸልማት ኣይኪኸይድን እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 8:12) ወሲኹ እውን “ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም: ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በለ። (ዮሃንስ 8:31, 32) እወ: የሱስ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል” ነይርዎ ኢዩ። (ዮሃንስ 6:⁠68, 69) ብርሃን: ህይወት: ሓርነት ብሓቂ ኣኽቢርካ ክርአ ዘለዎ በረኸት ኢዩ!

3. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ከመይ ዝበለ ብስራት ኢዮም ዝሰብኩ ነይሮም፧

3 ድሕሪ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ የሱስ ዝጀመሮ ዕዮ ወንጌላውነት ቀጸልዎ። ነቲ “ወንጌል መንግስቲ” ንእስራኤላውያንን ነህዛብን ሰበኽዎ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠7፣ ሮሜ 1:⁠16) እቶም ነቲ ብስራት እተቐበልዎ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽ ፈለጥዎ። ካብ ሃይማኖታዊ ባርነት ሓራ ወጺኦም ክፍሊ ናይቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ህዝቢ ማለት “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኰኑ። ኣባላት እዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ሰማይ ምስ ጐይታኦም የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ንዘለኣለም ናይ ምግዛእ ተስፋ ኣለዎም። (ገላትያ 5:⁠1፣ 6:⁠16፣ ኤፌሶን 3:⁠5-7፣ ቈሎሴ 1:⁠4, 5፣ ራእይ 22:⁠5) እዚ ብሓቂ ክቡር በረኸት ኢዩ!

ሎሚ ዘሎ ዕዮ ወንጌላውነት

4. እቲ ብስራት ንኽስበኽ እተዋህበ ትእዛዝ ሎሚ በየናይ መገዲ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ፧

4 ሎሚ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ምስቶም እናወሰኹ ዝኸዱ ዘለዉ ክፍሊ ናይተን “ካልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ብምዃን ነቲ ብመጀመርታ ንየሱስ እተዋህቦ ትንቢታዊ መዝነት ይፍጽምዎ ኣለዉ። (ዮሃንስ 10:⁠16፣ ራእይ 7:⁠9) በዚ ድማ እቲ ብስራት ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይ​ፈልጥ ስፍሓት ይስበኽ ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ንትሑታት ብስራት ከበስሩ: ንስቡራት ልቢ ኽዝንኑ: ንምሩኻት ሓርነት: ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጁ: ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጁ: ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዑ’ ኣብ 235 ሃገራትን ከባቢታትን ተዋፊሮም ኢዮም። (ኢሳይያስ 61:1, 2) ስለዚ ኸኣ እቲ ክርስትያናት ዝዓምዎ ዘለዉ ዕዮ ወንጌላውነት: ንብዙሓት ሰባት በረኸት: “ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ” ኸኣ ናይ ሓቂ ምጽንናዕ የምጽኣሎም ኣሎ።​—⁠2 ቈረንቶስ 1:⁠3, 4

5. ነቲ ብስራት ብምስባኽ ዝመጸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ሃይማኖታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዝፍለዩ ብኸመይ ኢዮም፧

5 ህዝበ⁠-​ክርስትያን እተፈላለየ ኣገባብ ወንጌላውነት ከም እተካይድ ዝከሓድ ኣይኰነን። ብዙሓት ሃይማኖታት ናብ ካልኦት ሃገራት ሚስዮናውያን ብምልኣኽ ንሰባት እምነቶም ከም ዝቕይሩ ገይረንኦም ኢየን። ንኣብነት ዘ ኦርቶዶክስ ክርስትያን ሚሽን ሰንተር መጋዚን ብዛዕባ እቶም ኣብ ማዳጋስካር: ደቡባዊ ክፍሊ ኣፍሪቃ: ታንዛንያ: ዚምባብዌ ዘለዉ ናይ ኦርቶዶክስ ሚስዮናውያን ዝገብርዎ ንጥፈታት ጸብጻብ ሂባ ኣላ። ይኹን እምበር: ኣብ ኦርቶዶክስ ኰነ ኣብተን ካልኦት ሃይማኖታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣባላት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ኣይካፈሉን ኢዮም። ህይወቶም ዝወፈዩ ዅሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ክካፈሉ ጻዕሪ ይገብሩ ኢዮም። ነቲ ብስራት ምእዋጆም ንሓቅነት እምነቶም ዝገልጽ ምዃኑ ይግንዘቡ ኢዮም። ጳውሎስ “ሰብ ብልቡ አሚኑ ይጸድቕ: ብኣፉ ተአሚኑውን ይድሕን እዩ” በለ። ሓደ ሰብ እምነቱ ብግብሪ ኸርኢ ዘይድረኽ እንተድኣ ዀይኑ እምነቱ ምውትቲ ኢያ።​—⁠ሮሜ 10:10፣ ያእቆብ 2:⁠17

ዘለኣለማዊ በረኸታት ዘምጽእ ብስራት

6. ሎሚ ከመይ ዝኣመሰለ ብስራት ኢዩ ዝስበኽ ዘሎ፧

6 ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ብስራት ኢዮም ዝሰብኩ ዘለዉ። ደቅሰብ ናብ ኣምላኽ ንኽቐርቡን ሓጢኣቶም ክሕደገሎምን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ክረኽቡን የሱስ ህይወቱ ከም ዝሰውአ ነቶም ዝቕበልዎም ሰባት መጽሓፍ ቅዱሶም ገንጺሎም የርእይዎም ኢዮም። (ዮሃንስ 3:⁠16፣ 2 ቈረንቶስ 5:⁠18, 19) በቲ ቕቡእ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ከም ዝቘመት: ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ ንእከይ ካብ ምድሪ ክትጸርጎን ነታ ዝጠፍአት ገነት ክትመልሳን ምዃና ይእውጁ። (ራእይ 11:⁠15፣ 21:⁠3, 4) ንፍጻሜ ትንቢት ኢሳይያስ ድማ: ደቅሰብ ነቲ ብስራት ምላሽ ክህብሉ ዝኽእሉ “ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄር” ሕጂ ምዃኑ ንጐረባብቶም የፍልጥዎም ኣለዉ። ኣብ ርእሲ እዚውን ድሕሪ ቐረባ ግዜ የሆዋ ነቶም ዘይናስሑ ሓጢኣተኛታት ዘጥፍኣሉ “መዓልቲ ሕነ ኣምላኽና” ከም ዝመጽእ የጠንቅቑ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 37:⁠9-11

7. ብዛዕባ ሓድነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነግር እንታይ ተመክሮ ኣሎ: ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓድነት ክረኽብዎ ዝኸኣሉኸ ስለምንታይ ኢዮም፧

7 ኣብዛ ዘሕዝን ፍጻመታትን ዕንወትን መሊእዋ ዘሎ ዓለም: ዘለኣለማዊ ረብሓታት ከምጽእ ዝኽእል ብስራት እዚ ጥራይ ኢዩ። እቶም ዝቕበልዎ ድማ ክፍሊ ናይቶም ሃገራዊ: ቀቢላዊ ወይ ቍጠባዊ ፍልልያት ክኸፋፍሎም ዘየፍቅዱ ብሓድነት ዝነብሩ ዓለምለኻዊ ሕውነት ዘለዎም ክርስትያናት ይዀኑ። ነታ ‘ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት ዝዀነት ፍቕሪ ኸኣ ለቢሶምዋ’ ኢዮም። (ቈሎሴ 3:⁠14፣ ዮሃንስ 15:⁠12) ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር እዚ ተራእዩ ኢዩ። ሓደ ንግሆ እታ ርእሰ⁠-​ኸተማ ብተዅሲ ተናወጸት። መንግስቲ ንምግልባጥ ፈተነ ይካየድ ነበረ። እቲ ዅነታት ናብ ቀቢላውነት ምስ ተቐየረ ግን ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ስድራ​ቤት ካልእ ዝቐቢላኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤታ ስለ ዘዕቘበቶም ተወቕሰት። እታ ስድራ​ቤት ከኣ “ኣብ ቤትና ዘዕቘብናዮም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢና” ብምባል መልሲ ሃበት። ነታ ስድራ​ቤት ዘገድሳ ዝነበረ ቀቢላዊ ፍልልይ ዘይኰነስ ነቶም ብሓቂ ዘድልዮም ምጽንናዕ ዝህብ ክርስትያናዊ ፍቕሪ ኢዩ ነይሩ። ዘመድ እታ ስድራ​ቤት ዝዀነት ሓንቲ ሰበይቲ “ኣባላት ኵለን ሃይማኖታት ተኸሓሒዶም ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ዘይተኸሓሓዱ” በለት። ካብተን ብሰንኪ ሓድሕዳዊ ግጭት ህውከት ዘለወን ብዙሓት ሃገራት ዝመጸ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ‘ሕውነት ዘፍቅሩ’ ኢዮም።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:⁠17

እቲ ብስራት ንሰባት ይቕይሮም ኢዩ

8, 9. (ሀ) እቶም ነቲ ብስራት ዝቕበልዎ ከመይ ዝበለ ለውጥታት ኢዮም ዝገብሩ፧ (ለ) እቲ ብስራት ንዘለዎ ሓይሊ ዝገልጽ ከመይ ዝበለ ተመክሮታት ኢዩ፧

8 እቲ ብስራት ምስቲ ጳውሎስ “ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን” ብምባል እተዛረበሉ ተስፋ እተተሓሓዘ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8) ብዛዕባ ዝመጽእ ዘገርምን ርግጸኛን ተስፋ ይህብ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብዛ “ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣ” እውን ለውጢ የምጽእ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ውልቀ⁠-​ሰባት መጠን ንናብርኦም ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ከሰማምዕዎ በቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ዝምርሑ። (መዝሙር 119:⁠101) ከም ጽድቅን ተኣማንነትን ዝኣመሰለ ባህርያት ከማዕብሉ ኸለዉ ድማ ሓድሽ ሰብነት ይለብሱ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠24

9 ናይ ፍራንኮ ኣብነት ንርአ። ጸገሙ ምቝጣዕ ኢዩ ነይሩ። ሕማቕ ነገራት ምስ ዘጋጥሞ ኣዝዩ ይሓርቕ: ኣቝሑ ኸኣ ይሰባብር ነበረ። በዓልቲ ቤቱ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት: እቲ ክርስትያናዊ ኣብነቶም ከኣ በብቝሩብ ንሱውን ክቕየር ከም ዘድልዮ ንኽግንዘብ ሓገዞ። ምስኣቶም ሓቢሩ መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቲ ፍረ መንፈስ ዝዀነ ሰላምን ነፍስኻ ምግታእን ከንጸባርቕ ጀመረ። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ሓደ ካብቶም ኣብ ናይ 2001 ኣገልግሎት ዓመት ኣብ ቤልጅም እተጠመቑ 492 ሰባት ኢዩ ነይሩ። ተመክሮ ሃሌንድሮ እውን ንርአ። እዚ መንእሰይ እዚ ብወልፊ ሓሽሽ ኣዝዩ ተታሒዙ ብምንባሩ ሕሉፍ ሓሊፉ ንናብርኡ ዘድልዮ ነገራት ንምምእራር ክሳዕ ኣብ እንዳ ጐሓፍ ዝውዕል ኢዩ ዀይኑ፣ ካብቲ ጐሓፍ ዝረኸቦ ዘበለ ነገራት እናሸጠ ኸኣ ወልፉ ንምርዋይ ሓሽሽ ይዕድግ ነበረ። ወዲ 22 ዓመት ምስ ኰነ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ዓደምዎ እሞ ፍቓደኛ ዀነ። መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ የንብብ: ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከኣ ይካፈል ነበረ። ኣብ ህይወቱ ቅልጡፍ ለውጢ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ: ሓደ ካብቶም ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ፓናማ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት እተኻፈሉ 10,115 ነበረ።

ነቶም ትሑታት በረኸት ዘምጽእ ብስራት

10. ነቲ ብስራት ምላሽ ዝህብሉ መን ኢዮም: ኣረኣእያኦምከ ብኸመይ ኢዩ ዝቕየር፧

10 እቲ ብስራት ነቶም ትሑታት ክስበኽ ምዃኑ ኢሳይያስ ተነብዩ ኢዩ። እዞም ትሑታት እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም፧ እቶም ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ብምባል ተገሊጾም ዘለዉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠48) ኣብ ኵሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ዝርከቡ ንመልእኽቲ ሓቂ ብትሕትና ልቦም ዝኸፍቱ ትሑታት ሰባት ኢዮም። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እዛ ዓለም እዚኣ ክትውፍዮ ካብ እትኽእል ዝዀነ ይኹን ነገራት ኣጸቢቑ ዝበልጽ በረኸታት ከም ዘምጽእ ይፈልጡ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 2:⁠15-17) ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ወንጌላውነቶም ብኸመይ ኢዮም ልቢ ሰባት ክትንክፉ ዝኽእሉ፧

11. ጳውሎስ ከም ዝበሎ እቲ ብስራት ብኸመይ ኢዩ ክስበኽ ዘለዎ፧

11 ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብነት ንርአ። ንሰብ ቈረንቶስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሎም:- “ኣሕዋተየ: ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ: ብዘይ​ የሱስ ክርስቶስ: ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ: ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ: ናባኻትኩም ክመጽእ ከሎኹ: ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን።” (1 ቈረንቶስ 2:1, 2) ጳውሎስ ንሰማዕቱ ብፍልጠቱ ገይሩ ክምስጦም ኣይፈተነን። ነቲ ሎሚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡልና ዘሎ መለኮታዊ መንፈስ ዝነፈሶ ጭብጥታት እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ምንም ነገር ኣይመሃረን። ጳውሎስ ነቲ ብጻዩ ዝነበረ ወንጌላዊ ጢሞቴዎስ “እቲ ቓል ክትሰብኽ: . . . ከተስምዕ” ብምባል ዝሃቦ ናይ መተባብዒ ቃላት እውን ኣስተብህለሉ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2) ጢሞቴዎስ ነቲ መልእኽቲ ኣምላኽ ዝነበረ “ቓል” ክሰብኽ ነበሮ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል: ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ: ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዐር” ብምባል እውን ጽሒፉሉ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 2:⁠15

12. ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ቓላትን ነቲ ዝገደፎ ኣብነትን ዝስዕቡ ብኸመይ ኢዮም፧

12 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብነት ጳውሎስን ነቲ ንጢሞቴዎስ እተዛረቦ ቓላትን ይስዕብዎ ኢዮም። ቃል ኣምላኽ ሓይሊ ከም ዘለዎ ስለ ዝግንዘቡ ንጐረባብቶም ነቲ ናይ ተስፋን ምጽንናዕን ቃላት ከርእይዎም ከለዉ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብግቡእ ኢዮም ዝጥቀምሉ። (መዝሙር 119:⁠52፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16, 17፣ እብራውያን 4:⁠12) ተገደስቲ ሰባት ኣብ ዝጥዕሞም እዋን ተወሳኺ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ክረኽቡ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ጽቡቕ ገይሮም ኢዮም ዝጥቀምሉ። ይኹን እምበር: ወትሩ ንሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ከንብቡሎም ዝደልዩ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃል ኣምላኽ ንትሑታት ሰባት ልቦም ከም ዝድርኾም ይፈልጡ ኢዮም። ከምዚ ምግባሮም ኸኣ ንናይ ገዛእ ርእሶም እምነት ዘደልድለሎም ኢዩ።

“ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዕ”

13. ኣብ 2001 ነቲ ኣብ ኵሉ ቦታታት ንዘለዉ ሰባት ዝትንክፍ ንዝሓዘኑ ምጽንናዕ ዘድልየሉ ዅነታት ዘጋደደ ከመይ ዝበለ ፍጻመ ኢዩ እተኸስተ፧

13 ዓመት 2001 እተፈላለየ ሓደጋታት እተራእየሉ ብምዃኑ ብዙሓት ውልቀ⁠-​ሰባት ምጽንናዕ ኣድልይዎም ኢዩ። ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደ ኣብነት ናይዚ ተራእዩ ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ህንጻታት ማእከል ንግዲ ዓለም ከምኡውን ኣብ ጥቓ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ኣብ ፔንታጎን ግብረ⁠-​ሽበራውያን ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኢዩ። እዚ መጥቃዕቲ እዚ ንምልእቲ እታ ሃገር ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ዘሰንብድ ኰን ኢዩ ነይሩ! ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ነቲ ‘ንዅሎም ሕዙናት ከጸናንዑ’ እተዋህቦም መዝነት ክፍጽሙ ጽዒሮም ኢዮም። ነዚ ብኸመይ ከም ዝገበርዎ ዝሕብር ገለ ተመክሮታት ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ።

14, 15. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ክልተ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንዝሓዘኑ ንምጽንናዕ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሙ ብኸመይ ኢዮም፧

14 ሓንቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ መገዲ ንሓንቲ ሰበይቲ ቅርብ ኢላ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ብግብረ⁠-​ሽበራውያን እተፈጸመ መጥቃዕቲ እንታይ ርእይቶ ከም ዘለዋ ሓተተታ። እታ ሰበይቲ ኽትነብዕ ጀመረት። በቲ ዅነታት ኣዝያ ስለ ዝጐሃየት ‘ኣብቲ ግዜ እቲ ሓገዘይ ክውፊ እንተ ዝኽእል መን ምሃበ’ በለት። እታ ናይ የሆዋ ምስክር: ኣምላኽ ብኣና ኣጸቢቑ ከም ዝግደስ ብምንጋር ኢሳይያስ 61:⁠1, 2 ኣንበበትላ። እዛ ዅሉ ሰብ ኣብ ሓዘን ከም ዝርከብ ዝገለጸት ሰበይቲ ኸኣ እዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት እዚ ብሓቂ ዘጸናንዕ ኰይኑ ረኺባቶ ኢያ። ትራክት ተቐበለት እሞ ነታ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ ቤታ ኽትመጻ ሓተተታ።

15 ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ዝነበሩ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ቤት ዕዮኡ እናሰርሐ ኸሎ ረኸብዎ። ነቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ህንጻታት ማእከል ንግዲ ዓለም እተፈጸመ ዘሕዝን ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘጸናንዕ ቃላት ኸካፍልዎ ኢሎም ኢዮም ቀሪቦምዎ። ክሰምዖም ፍቓደኛ ስለ ዝነበረ ኸኣ ነቲ “ብክርስቶስ ዚዀነልና ምጽንናዕና” ዝብል ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:​3-7 ዝርከብ ቃላት ኣንበብሉ። እቲ ሰብኣይ እዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጐረባብቱ ናብ ሰባት እናኸዱ ዘጸናንዕ ቃላት ብምሃቦም ሞሳኡ ገለጸ: “ነዚ እትዓይዎ ዘሎኹም ዘደንቕ ዕዮ ኣምላኽ ይባርኮ” ድማ በሎም።

16, 17. መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ብዘጋጠሞም ዘሕዝን ኵነታት ዝጐሃዩ ወይ እተረበሹ ሰባት ናይ ምሕጋዝ ሓይሊ ከም ዘለዎ ኣየናይ ክልተ ተመክሮታት ኢዩ ዘርእየና፧

16 ንተገደስቲ ሰባት ተመላሊሱ ዝበጽሖም ዝነበረ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንወዲ ሓንቲ ኣቐዲማ ተገዳስነት ኣርእያ ዝነበረት ሰበይቲ ረኸቦ እሞ ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እተፈጸመ ዘሕዝን ተግባር: ኵነታት ጐረባብቱ ከም ዘሻቐሎ ገለጸሉ። እዚ ናይ የሆዋ ምስክር ግዜ መዲቡ ዅነታቶም ኽፈልጥ ብምምጽኡ ወዳ ነታ ሰበይቲ ኣዝዩ ተገረመ። ኣብ ጥቓ ህንጻታት ማእከል ንግዲ ዓለም ዀይኑ ይሰርሕ ከም ዝነበረ እሞ እቲ መጥቃዕቲ ኽፍጸም ከሎ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝረኣዮ ገለጸሉ። ኣምላኽ እከይ ክህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ ምዃኑ ምስ ሓተተ ኸኣ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ነተን ኣብ መዝሙር 37:⁠39 “ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ: ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ” ዝብላ ቓላት ኣንበበሉ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ነቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብዛዕባኡን ብዛዕባ ሃለዋት ስድራ​ቤቱን ሓተቶ: ንኽምለሶ ድማ ዓደሞ: ስለ ዝበጽሖ ኸኣ ልባዊ ምስጋና ኣቕረበሉ።

17 ደድሕሪ እቲ ብግብረ⁠-​ሽበራውያን እተፈጸመ ዘሕዝን ዅነታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጐረባብቶም ብምብጻሕ ካብ ዘጸናንዕዎም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዝዀነት ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ በቲ እተፈጸመ ዅነታት ኣዝያ ተረቢሻ ስለ ዝነበረት መዝሙር 72:⁠12-14 ከንብቡላ ኸለዉ ጽን ኢላ ሰምዓቶም። እታ ጥቕሲ ከምዚ ትብል:- “ነቲ ዚጠርዕ ድኻን ነቲ ረዳኢ ዜብሉ መስኪንን ኬናግፎ እዩ። ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ኣየ ከመይ ዝበለ ትርጕም ዘለወን ቃላት ኢየን! እታ ሰበይቲ ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ጥቕሲ እንደገና ከንብቡላ ሓተተቶም እሞ ነቲ ምይይጥ ምእንቲ ኽቕጽልዎ ናብ ቤታ ኽኣትዉ ዓደመቶም። ድሕሪ ዝርርቦም ከኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት።

18. ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መሳርሕቱ ንዕኦም ወኪሉ ኽጽሊ ምስ ሓተትዎ ብኸመይ ኢዩ ዝሓገዞም፧

18 ሓደ ኻልእ ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ ኣብቲ ሰባት ቅድሚ ሕጂ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ግዲ ዘይገብሩ ሃብታማት ዝነብርሉ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ቤት መግቢ ኢዩ ዝሰርሕ። ግብረ⁠-​ሽበራውያን መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሞም እቲ ሕብረተሰብ ተረበሸ። ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዓርቢ ምሸት: ዋና እቲ ቤት መግቢ ንዅሎም እቶም ሰራሕተኛታት ደገ ወጺኦም ሽምዓ ብምሓዝ ነቶም ግዳያት ሕጽር ዝበለ ናይ ሕልና ጸሎት ብምግባር ንኽዝክርዎም ዕድመ ኣቕረበትሎም። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ንስምዒታቶም ብምኽባር ደገ ወጺኡ ኣብቲ ማርሻቤዲ ደው በለ። ዋና እቲ ቤት መግቢ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት ድሕሪ እቲ ናይ ሕልና ጸሎት ንዅሎም ወኪሉ ክጽሊ ሓተተቶ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር በዚ ተሰማምዐ። ኣብ ጸሎቱ ኸኣ ነቲ ንብዙሓት ተሰሚዕዎም ዘሎ ሓዘን ብምጥቃስ ተስፋ ከም ዘየለ ገይሮም ብምሕሳብ ክሓዝኑ ከም ዘየድሊ ተዛረበ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዘሰቅቕ ተግባራት ዘይህልወሉ እዋን ዝመጽኣሉ ግዜ ብምጥቃስ ከኣ ዅሎም በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ርጡብ ፍልጠት ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ክቐርቡ ከም ዝኽእሉ ተዛረበ። “ኣሜን” ምስ በለ ኸኣ ዋና እቲ ቤት መግቢ ምስቶም ካብቲ ቤት መግቢ ወጻኢ ዝነበሩ 60 ሰባት ብምዃን ናብኡ ቐሪባ ከምኡ ዝኣመሰለ ልቢ ዝትንክፍ ጸሎት ሰሚዓ ከም ዘይትፈልጥ ብምግላጽ ሕቚፍ ኣቢላ ኣመስገነቶ።

ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘምጽኦ በረኸት

19. ገሊኣቶም ነቲ ክብ ዝበለ መለክዒታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝግንዘብዎ ከመይ ዝበለ ተመክሮ ኢዩ ዝገልጽ፧

19 ብዙሓት ሰባት ከም ዝበልዎ: ብፍላይ ኣብዚ እዋን እዚ እተን ብንጥፈት ዝዓዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርከብወን ማሕበረሰባት ብዙሕ ኢየን ዝጥቀማ። ሰላምን ሓቅነትን ንጹህ ስነ⁠-​ምግባርን ዘተባብዑ ህዝብስ ከመይ ኢሎም ኢዮም እሞ ጽቡቕ ጽልዋ ክገብሩ ዘይክእሉ፧ ኣብ ማእከላይ እስያ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ሃገር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ጥሮታ ዝወጸ በዓል ስልጣን ትካል ድሕንነት ናይቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ቀሪቦም ኣዘራረብዎ። ሓደ እዋን ንእተፈላለያ ሃይማኖታውያን ማሕበራት ክስልል ተመዲቡ ምንባሩ ገለጸ። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ረኣዮም ግን ብሓቅነቶምን በቲ ጽቡቕ ጠባያቶምን ከም እተመሰጠ ነገሮም። ጽኑዕ እምነት ብምሓዞምን ትምህርትታቶም ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ብምዃኑን ነኣዶም። እዚ ሰብኣይ እዚ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ፍቓደኛ ዀነ።

20. (ሀ) እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፈጸምዎ ዕዮታት እንታይ ኢዩ ዘርኢ፧ (ለ) ብሕጂውን ብዙሕ ዝዕየ ከም ዘሎ ዝሕብር እንታይ ኢዩ: ነቲ ዕዮ ወንጌላውነት ንኽንፍጽም እተዋህበና መሰል ብኸመይ ኢና እንምልከቶ፧

20 ከነዘንትዎ እንኽእል ብኣሽሓት ዝቝጸር ካልእ ብዙሕ ተመክሮታት እኳ እንተሎ እዚ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እተገልጸ ሒደት ተመክሮታት ጥራይ እኳ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ 2001 ኣገልግሎት ዓመት ንጡፋት ኰይኖም ከም ዝዓየዩ ንጹር ኢዩ። a ብሚልዮናት ምስ ዝቝጸሩ ሰባት ተዘራሪቦም: ንብዙሓት ዝሓዘኑ ሰባት ኣጸናኒዖም: ዕዮ ወንጌላውነቶም ከኣ በረኸት ኣምጺኡ ኢዩ። ህይወቶም ንኣምላኽ ከም ዝወፈዩ ብጥምቀት ዝገለጹ 263,431 ዝዀኑ ሰባት ነይሮም ኢዮም። ኣብ ብዘላ ዓለም ቍጽሪ እቶም ወንጌላውያን ብ1.7 ካብ ሚእቲ ወሲኹ ኢዩ። ከምኡውን 15,374,986 ዝዀኑ ኣብቲ ዓመታዊ ዝኽሪ ሞት የሱስ ብምክፋሎም ብዙሕ ዝዕየ ዕዮ ከም ዘሎ ዝሕብር ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 11:⁠23-26) ነቲ ብስራት ምላሽ ዝህብሉ ትሑታት ሰባት ምድላይና ንቐጽል። ዓመት ጸጋ የሆዋ ክሳዕ ዘሎ ኸኣ “ንስቡራት ልቢ” ምጽንናዕ ኣይነቋርጽ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ክቡር መሰል ኰን ኢና ረኺብና ዘሎና! ነተን “ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ: ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ አሎ” ብምባል ኢሳይያስ እተዛረበን ቃላት ኵልና ከም እነቃልሐን እተረጋገጸ ኢዩ። (ኢሳይያስ 61:⁠10) የሆዋ ነዘን “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣህዛብ ጽድቅን ምስጋናን ኬብቍል እዩ” ዝብላ ትንቢታውያን ቃላት ክፍጽመን ከሎ ወትሩ ኸም መሳርሒኡ ገይሩ ኽጥቀመልና ትምኒትና ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 61:11

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ገጽ 19 ክሳዕ 22 ዘሎ ሰሌዳ ነቲ ኣብ ናይ 2001 ኣገልግሎት ዓመት እተገብረ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሕብር ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ።

ትዝክርዎዶ፧

• እቶም ትሑታት በቲ የሱስ ዝሰበኾ ብስራት እተባረኹ ብኸመይ ኢዮም፧

• ንዕዮ ወንጌላውነት ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ እተቐበልዎ ሰባት እንታይ በረኸት ኢዮም ረኺቦም፧

• ሎሚ ነዚ ብስራት ኣወንታዊ ምላሽ ዝህብሉ ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ኢዮም ዝባረኹ ዘለዉ፧

• ነቲ ወንጌል ንምስባኽ ተዋሂቡና ዘሎ መሰል ብኸመይ ኢና እንምልከቶ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 19-22 ዘሎ ሰሌዳ]

ናይ 2001 ኣገልግሎት ዓመት

(እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ወንጌል ንኽሰብኩ እተዋህቦም ሓላፍነት ወትሩ ይዝክርዎ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ነቲ ብስራት ዝቕበልዎ ሰባት ክፍሊ ናይቲ ሓድነት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኢዮም