ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ወንጌላውያን ኢዮም

ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ወንጌላውያን ኢዮም

ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ወንጌላውያን ኢዮም

“ንእግዚኣብሄር ዘምሩ: ንስሙ ባርኹ: ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ።”​—⁠መዝሙር 96:2

1. ሰባት እንታይ ብስራት ኢዮም ክሰምዑ ዘለዎም: ናይ የሆዋ መሰኻኽርከ ነዚ ብስራት እዚ ኣብ ምዝርጋሕ ኣብነት ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧

 ኣብዛ ኣብ መመዓልቲ ዕንወት ዘጋጥማ ዘሎ ዓለም: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ውግእ: ገበን: ጥሜትን ጭቈናን ድሕሪ ቐረባ ግዜ ከልግስ ምዃኑ ምፍላጥ ብሓቂ ዘጸናንዕ ኢዩ። (መዝሙር 46:⁠9፣ 72:⁠3, 7, 8, 12, 16) እዝስ ኵሉ ሰብ ክሰምዖ ዘለዎ ብስራትዶ ኸይኰነ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡ ኢዮም ዝኣምኑ። ኣብ ኵሉ ሃገራት ‘ሰናይ ዘበስሩ’ ምዃኖም ኢዮም ዝፍለጡ። (ኢሳይያስ 52:⁠7) ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት ንምንጋር ብዝገበርዎ ቈራጽነት መስጐጕቲ ኸም ዝወረዶም ዝከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኣብዚ ዕዮ እዚ ዝጽመዱ ንሰባት ክጠቕሙ ኢሎም ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣየ ኸመይ ዝበለ ናይ ቅንእን ዘይምሕላልን ታሪኽ ኰን ኢዩ ዘለዎም!

2. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀናኣት ዝዀንሉ ሓደ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧

2 እቲ ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእይዎ ቕንኢ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዘርኣይዎ ቕንኢ ዝመሳሰል ኢዩ። እታ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ እትብሃል ብሮማዊት ካቶሊካዊት እትሕተም ጋዜጣ ብዛዕብኦም ኸምዚ በለት:- “እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: ድሕሪ ምጥማቖም ብኡንብኡ ነቲ ወንጌል ክዝርግሑ ግዴታ ኸም ዘለዎም ኢዩ ዝስምዖም ነይሩ። ብኣፍ ዘመሓላልፍዎ ባሮት ኢዮም ነይሮም።” ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ቀናኣት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧ እቲ ቐዳማይ ምኽንያት እቲ ዝሰብክዎ ብስራት ምንጩ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ኢዩ። ካብዚ ዝዓቢ ምኽንያት እሞ እንታይ ኣሎ፧ ስብከቶም እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ንእግዚኣብሄር ዘምሩ: ንስሙ ባርኹ: ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ” ብምባል ንዘውስኦ ቓላት ምላሽ ዝህብ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 96:2

3. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅንኢ ዘርእይሉ ካልኣይ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብ ‘ምድሓን ኣምላኽ’ ተጠቓሊሉ ዘሎ ነገር እንታይ ኢዩ፧

3 ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀናኣት ዝዀንሉ ካልኣይ ምኽንያት ዘዘኻኽረና ኢዩ። መልእኽቶም ናይ ድሕነት መልእኽቲ ኢዩ። ገለገለ ሰባት ህይወት ካልኦት ንምምሕያሽ ኢሎም ኣብ ሕክምናዊ: ማሕበራዊ: ቍጠባዊ ወይ ኣብ ካልእ ዓውድታት ይዓዩ ኢዮም: እዚ ድማ ብሓቂ ዝነኣድ ኢዩ። ይኹን እምበር: ምስ ‘ምድሓን ኣምላኽ’ ክነጻጸር ከሎ ሓደ ውልቀ⁠-​ሰብ ንኻልእ ዝገብሮ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ኣዝዩ ውሱን ኢዩ። የሆዋ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንትሑታት ሰባት ካብ ሓጢኣትን ሕማምን ሞትን ከድሕኖም ኢዩ። እቶም ካብዚ ዝጥቀሙ ድማ ንዘለኣለም ክነብሩ ኢዮም! (ዮሃንስ 3:⁠16, 36፣ ራእይ 21:⁠3, 4) ሓደ ኻብቲ ሎሚ ክርስትያናት ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ቃላት ምላሽ ክህብሉ ኸለዉ ዘዘንትውዎ ‘ተኣምራት’ ድማ ብዛዕባ ድሕነት ዝምልከት ኢዩ:- “ክብሩ [ክብሪ ኣምላኽ] ኣብ ማእከል ኣህዛብ: ተኣምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ኣዘንትዉ። እግዚኣብሄር ዓብዪ: ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ: ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ።”​—⁠መዝሙር 96:3, 4

ጐይታ ዝገደፎ ኣብነት

4-6. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀናኣት ዝዀንሉ ሳልሳይ ምኽንያት እንታይ ኢዩ፧ (ለ) የሱስ ኣብ ዕዮ ስብከት እቲ ብስራት ቅንኢ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀናኣት ዝዀንሉ ሳልሳይ ምኽንያት እውን ኣለዎም። ኣብነት የሱስ ክርስቶስ ይስዕቡ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:⁠21) እዚ ፍጹም ሰብ ዝነበረ የሱስ ‘ንትሑታት ብስራት ከበስር’ ንእተዋህቦ መዝነት ብምሉእ ልቡ ተቐቢልዎ ኢዩ። (ኢሳይያስ 61:⁠1፣ ሉቃስ 4:⁠17-21) በዚ ኸምዚ ኸኣ ወንጌላዊ ማለት ነጋሪ ብስራት ኰነ። ኣብ ኵሉ ኵርናዓት ገሊላን ይሁዳን “ወንጌል መንግስቲ” እናሰበኸ ተጓዒዙ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:⁠23) ብዙሓት ሰባት ነቲ ብስራት ምላሽ ከም ዝህብሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ድማ ንደቀ⁠-​መዛሙርቱ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” በሎም።​—⁠ማቴዎስ 9:37, 38

5 የሱስ ምስ ጸሎቱ ብምስምማዕ ንኻልኦት እውን ወንጌላውያን ክዀኑ ኣለማሚድዎም ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኸኣ ንሃዋርያቱ በይኖም ክኸዱ ክልእኮም ከሎ “ኬድኩም ድማ፤ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ: ኢልኩም ስበኹ” በሎም። ኣብቲ እዋን እቲ ንዝነበረ ሽግራት ንምቕላል ዝሕግዝ ፕሮግራማት ገይሮም እንተ ዝዀኑ ዝያዳ ግብራዊ ምዀነዶ ነይሩ፧ ወይስ ነቲ ኣብ ግዜኦም ኣስፋሕፊሑ ዝነበረ ብልሽውና ንምቅላስ ኣብ ፖለቲካ ክካፈሉዶ ነይርዎም ኢዩ፧ ኣይፋሎምን። ኣብ ክንድኡ የሱስ ንሰዓብቱ “ኬድኩም . . . ስበኹ” ኢሉ ብምንጋር ኵሎም ክርስትያን ወንጌላውያን ክስዕብዎ ዘለዎም ስርዓት ሃበ።​—⁠ማቴዎስ 10:5-7

6 ጸኒሑ ድማ የሱስ “መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ አላ” ኢሎም ንኽእውጁ ኻልእ ጕጅለ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ። ኣብቲ ናይ ወንጌላውነት ጕዕዞኦም ዝረኸብዎ ዓወት ክነግርዎ ምስ ተመልሱ: የሱስ ኣዝዩ ተሓጐሰ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸለየ:- “ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን: ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሐባእካዮ: ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ . . . ኤመስግነካ አሎኹ።” (ሉቃስ 10:1, 8, 9, 21) እቶም ኣቐዲሞም ኣብ ምግፋፍ ዓሳ: ኣብ ማሕረስን ኣብ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ከቢድ ዕዮን ተጸሚዶም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ዝለዓለ ትምህርቲ ዝነበሮም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኽነጻጸሩ ኸለዉ ከም ሕጻናት ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ ብስራት ክእውጁ ተለማሚዶም ኢዮም።

7. የሱስ ንሰማይ ምስ ዓረገ: ደቀ መዛሙርቱ መጀመርታ ነቲ ብስራት ንመን ኢዮም ሰቢኾምሉ፧

7 የሱስ ንሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ናይ ድሕነት ብስራት ምዝርጋሖም ቀጸሉ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠21, 38-40) መጀመርታ ንመን ኢዮም ሰቢኾምሉ፧ ናብቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ድዮም ከይዶም፧ ኣይፋሎምን: ናይ መጀመርታ ግራቶም እቶም ንልዕሊ 1,500 ዓመታት ምስ የሆዋ ሌላ ዝነበሮም እስራኤላውያን ኢዮም ነይሮም። ኣብቲ የሆዋ ድሮ ዝምለኸሉ ዝነበረ ሃገር ክሰብኩስ መሰል ነይርዎምዶ ኢዩ፧ እወ ነይርዎም ኢዩ። የሱስ “ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” ብምባል ነጊርዎም ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) እስራኤላውያን ልክዕ ከም ካልኦት ኣህዛብ ነቲ ብስራት ክሰምዑ የድልዮም ነበረ።

8. ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ናይ ቀዳማይ ዘመን ሰዓብቲ ክርስቶስ ብኸመይ ኢዮም ዝመስልዎም፧

8 ብተመሳሳሊ: ሎሚ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ኣብ ኵላ ምድሪ ኢዮም ዝሰብክዎ ዘለዉ። ምስቲ ዮሃንስ ዝረኣዮ “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም . . . ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ” መልኣኽ ይተሓባበሩ ኢዮም። (ራእይ 14:6) ኣብ ዓመት 2001 ነተን ብልምዲ ምድረ⁠-​ክርስትያን ከም ዝዀና ዝሕስባ ሃገራት ሓዊስካ ኣብ 235 ሃገራትን ዞባታትን ብንጥፈት ኣገልጊሎም ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኸር ኣብተን ድሮ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዝሰረተትለን ሃገራት ክሰብኩስ ጌጋ ድዩ፧ ገሊኣቶም እወ ጌጋ ኢዩ ይብሉ: ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዕዮ ወንጌላውነት ድማ ከም “ኣባጊዕ ምስራቕ” ገይሮም ይቘጽርዎ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ ኣብ ግዜኡ ንዝነበሩ ትሑታት ኣይሁድ ዘርእዮ ዝነበረ ስምዒታት ይዝክርዎ ኢዮም። ክህነት ድኣ ይንበሮም እምበር የሱስ ነቲ ብስራት ንምንጋሮም ኣይተወላወለን። “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ: ደንገጸሎም።” (ማቴዎስ 9:36) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ የሆዋን መንግስቱን ዘይፈልጡ ትሑታት ሰባት ምስ ዝረኽቡ: ገሊአን ሃይማኖታት ምእመናንና ኢዮም ስለ ዝበላ ጥራይ ነቲ ብስራት ካብ ምንጋርዶ ድሕር ክብሉ ይግብኦም ኢዩ፧ ኣብነት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ምስ እንስዕብ ኣይፋሎምን ኢልና ኢና እንምልስ። እቲ ብስራት ብዘይ​ኣፈላላይ “ንዅሎም ኣህዛብ” ክስበኽ ኣለዎ።​—⁠ማርቆስ 13:⁠10

ኵሎም ቀዳሞት ክርስትያናት ወንጌላውያን ኢዮም ነይሮም

9. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብ ዕዮ ስብከት ተጸሚዶም ዝነበሩ መን ኢዮም፧

9 ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ዕዮ ስብከት እተኻፈሉ መን ኢዮም፧ ኵሎም ክርስትያናት ወንጌላውያን ከም ዝነበሩ ዝሕብር ጭብጥታት ኣሎ። ደራሲ ዳብሊው. ኤስ. ዊልያም ከምዚ ይብል:- “ኣብታ ቀዳመይቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝነበሩ ዅሎም ክርስትያናት . . . ነቲ ወንጌል ይሰብኩ ምንባሮም ዘርኢ ሓፈሻዊ መርትዖ ኣሎ።” ብዛዕባ እቲ ኣብ መዓልቲ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ፍጻመታት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኵሎም [ሰብኡትን ኣንስትን] ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም: መንፈስ ቅዱስ ኪዛረቡ ኸም ዝሀቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ።” ድሕርዚ ድማ ሰብኡትን ኣንስትን: መንእሰያትን ዓበይትን: ባሮትን ጭዋታትን ወንጌላውያን ኰኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:14፣ 2:1, 4, 17, 18፣ ዮኤል 2:⁠28, 29፣ ገላትያ 3:⁠28) መስጐጕቲ ንብዙሓት ክርስትያናት ካብ የሩሳሌም ክሃድሙ ምስ ኣገደዶም ከኣ “እቶም እተበተኑ . . . ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 8:4) ወንጌላውያን ዝነበሩ መዝነት እተዋህቦም ገለ ሒደት ሰባት ዘይኰኑስ ኵሎም “እቶም እተበተኑ” ኢዮም ነይሮም።

10. ኣገባብ ኣይሁድ ቅድሚ ምዕናዉ ኣየናይ ክልተ ነጥብታት ዝሓዘ ትእዛዝ ኢዩ እተፈጸመ፧

10 እዚ ኣብ ኵለን እተን ቀዳሞት ዓመታት ተራእዩ ኢዩ። የሱስ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ ተነበየ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ሰራዊት ሮሜ ነቲ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ኣገባብ ኣይሁድ ቅድሚ ምዕናዎም እቲ ብስራት ብሰፊሑ ተሰቢኹ ኢዩ: በዚ ድማ ቃላት የሱስ ኣብቲ ቀዳማይ ዘመን ፍጻሜኡ ረኸበ። (ቈሎሴ 1:⁠23) ብተወሳኺ እውን ኵሎም ሰዓብቲ የሱስ ነቲ “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ዝሃቦም ትእዛዝ ፈጺሞምዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 28:19, 20) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: ከምዞም ገሊኦም ዘመናውያን ሰበኽቲ ዝገብርዎ: ንትሑታት ሰባት ብየሱስ ክኣምኑ ኣተባቢዖምዎም ከብቅዑ በብመገዶም ክመላለሱ ኣይገድፍዎምን ኢዮም ነይሮም። ኣብ ክንድኡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክዀኑ ይምህርዎም: ብጉባኤታት የመሓድርዎም: ነቲ ብስራት ንኽሰብኩን ደቀ መዛሙርቲ ንኽገብሩን ድማ የለማምድዎም ኢዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠21-23) ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ኣብነት እዚ ኢዮም ዝስዕቡ።

11. ሎሚ እቲ ዝበለጸ ብስራት ንደቅ​ሰብ ዝእውጁ ዘለዉ መን ኢዮም፧

11 ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብነት ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ጳውሎስን በርናባስን ካልኦትን ብምስዓብ ሚስዮናውያን ብምዃን ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ኢዮም። ኣብ ፖለቲካ ይኹን ነቲ ብስራት ንኽሰብኩ ኻብ እተዋህቦም ትእዛዝ ከላግሶም ኣብ ዝኽእል ካልእ መገድታት ስለ ዘይተጸምዱ ዕዮኦም ብሓቂ ጠቓሚ ኢዩ። ነቲ የሱስ “ኬድኩም . . . ስበኹ” ብምባል ዝሃቦም ትእዛዝ ኣኽቢሮሞ ኢዮም። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ዘገልግሉ ሚስዮናውያን ኣይኰኑን። ዝበዝሑ ካባታቶም ዓለማዊ ስራሕ እናሰርሑ ኢዮም ንናብርኦም ዘድሊ ዝምእርሩ: ካልኦት ከኣ ተማሃሮ ኢዮም። ገሊኣቶም እውን ቈልዑ የዕብዩ ኢዮም። እንተዀነ ግን ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ እተማሃርዎ ብስራት ንኻልኦት የካፍልዎም ኢዮም። ንኣሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ: ኣወዳት ይኹኑ ኣዋልድ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘እቲ ቓል ስበኽ: ብጊዜኡን ብዘይ​ጊዜኡን ኣስምዕ’ ብምባል ዝሃበና ማዕዳ ተሓጒሶም ኢዮም ምላሽ ዝህብሉ። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2) ልክዕ ከምቶም ግምባር ቀደም ብምዃን ኣብነት ዝገደፉሎም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ወንጌላውያን: “ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን” ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 5:42) ንደቅ​ሰብ እቲ ዝበለጸ ብስራት ይእውጁሎም ኣለዉ።

ንሰባት ሃይማኖቶም ዘቐይሩ ድዮም ወይስ ወንጌላውያን፧

12. ፕሮሰሊትዝም ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ: ብኸመይከ ኢዩ ዝርአ ዘሎ፧

12 እታ ፕሮሰሊቶስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ሃይማኖቱ ዝቐየረ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። እታ “ፕሮሰሊትዝም ” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቓል ከኣ ካብዚ እተወስደት ኰይና መሰረታዊ ትርጕማ “ሃይማኖት ናይ ምቕያር ተግባር” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። ኣብዚ እዋን እዚ ገለ ሰባት ንኻልኦት ሃይማኖቶም ከም ዝቕይሩ ምግባር ጐዳኢ ኢዩ ይብሉ። እቲ ዓለምለኻዊ ቤት ምኽሪ ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ዘሕተሞ ጽሑፍ ብዛዕባ “ንኻልኦት ሃይማኖቶም ከም ዝቕይሩ ናይ ምግባር ሓጢኣት” ገሊጹ ኣሎ። ስለምንታይ፧ ካቶሊክ ዎርልድ ሪፖርት ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ኦርቶዶክሳዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን እተስምዖ ምዕዝምዛም እናወሰኸ ይኸይድ ብምህላዉ: እታ ‘ፕሮሰሊትዝም ’ እትብል ቃል ኣገዲድካ ሃይማኖት ሰባት ምቕያር ዝብል ትርጕም ሒዛ ኣላ።”

13. ጕድኣት ዘስዕብ ሃይማኖት ናይ ምቕያር ተግባር ዝገልጽ ገለ ኣብነታት እንታይ ኢዩ፧

13 ንኻልኦት ሃይማኖቶም ከም ዝቕይሩ ምግባር ጐዳኢ ድዩ፧ እወ: ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝገብርዎ ዝነበሩ ሃይማኖት ናይ ምቕያር ተግባር ነቶም ዝቐየርዎም ወይ ጵሮሰሊት ዝገበርዎም ሰባት ጐዳኢ ከም ዝነበረ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 23:⁠15) ‘ንኻልኦት ኣገዲድካ ሃይማኖቶም ከም ዝቕይሩ ምግባር’ ብርግጽ ጌጋ ኢዩ። ንኣብነት ብመሰረት እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ጆሴፈስ ዝበሎ: መቃባዊ ጆን ሃይርካነስ ንኢዱማውያን ምስ ሰዓሮም: “ተገዚሮም ንሕግታት ኣይሁድ ከኽብሩ ፍቓደኛታት እንተ ዀይኖም ጥራይ ኢዩ ኣብ ሃገሮም ክነብሩ ፍቓድ ዝህቦም ነይሩ።” እቶም ኢዱማውያን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣይሁድ ክነብሩ እንተድኣ ዀይኖም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ክሕዙ ነበሮም። ኣብ መበል ሻምናይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ሻርልማኝ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ዝነበሩ ኣረማውያን ሳክሶናውያን ከም ዝሰዓሮምን ኣገዲዱ እምነቶም ከም ዘቐየሮምን ጸሓፍቲ ታሪኽ ይነግሩና ኢዮም። a ይኹን ድኣ እምበር: ሳክሶናውያን ወይ ኢዱማውያን ነቲ ሓድሽ እምነት ብምሉእ ልቦም ተቐቢሎሞ ኽበሃልዶ ይከኣል፧ ንኣብነት: እቲ ነቲ ሕጻን የሱስ ክቐትሎ ዝፈተነ ኢዱማዊ ንጉስ ሄሮዶስ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ምስቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ሕጊ ሙሴ ተሰማሚዑ ዝኸይድ ነይሩ፧​—⁠ማቴዎስ 2:⁠1-18

14. ገለ ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ሚስዮናውያን ንሰባት ሃይማኖቶም ንኽቕይሩ ተጽዕኖ ዝገብሩሎም ብኸመይ ኢዮም፧

14 ሎሚኸ ንኻልኦት ኣገዲድካ እምነቶም ከም ዝቕይሩ ይግበርዶ ኣሎ፧ እወ: ከምኡ ዝገብሩ ኣለዉ። ገለገለ ናይ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ሚስዮናውያን ነቶም ሃይማኖቶም ንኽቕይሩ ተስፋ ዝገብሩሎም ሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከይዶም ዝለዓለ ትምህርቲ ክረኽቡ ጠለብ ከም ዘልእኹሎም ይዝረብ ኢዩ። ወይ ከኣ ብጥሜት ንእተሳቐዩ ስደተኛታት ብመቝነን መግቢ ምእንቲ ክረኽቡ ስብከት ከም ዝሰምዑ ይገብርዎም። ብመሰረት እቲ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ብ1992 ዝኣወጅዎ ኣዋጅ “ሓድሓደ ግዜ ሃይማኖት ናይ ምቕያር ተግባር ብንዋታዊ ነገራት ኣስዲዕካ ካልእ ግዜ ኸኣ ብእተፈላለየ ኣገባባት ዓመጽ ኢዩ ዝካየድ።”

15. ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ኣገዲዶም ድዮም ሃይማኖቶም ዘቐይርዎም፧ ግለጾ።

15 ንሰባት ኣገዲድካ ሃይማኖቶም ከም ዝቕይሩ ምግባር ጌጋ ኢዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ከም ዘይገብሩ እተረጋገጸ ኢዩ። b ስለዚ ንሰባት ኣገዲዶም ሃይማኖቶም ከም ዝቕይሩ ኣይገብርዎምን ኢዮም። ኣብ ክንድኡ ግን ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ንዅሉ ሰብ ብስራት ይሰብክሉ ኢዮም። ነቲ ብፍታው እተቐበሎም ከኣ ዝያዳ ፍልጠት ንኽረክብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ይዕድምዎ ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ተገደስቲ ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ብምሓዝ ኣብ ኣምላኽን ዕላማታቱን እምነት ክገብሩ ይመሃሩ ኢዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ነቲ ንድሕነት ዘብቅዖም የሆዋ ዝብል ስም ኣምላኽ ይጽውዑ። (ሮሜ 10:⁠13, 14, 17) ነቲ ብስራት ክቕበልዎ ድዮም ክነጽግዎ ግን ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ምርጫ እተመርኰሰ ኢዩ። ዝግድዶም የለን። ብምግዳድ ዝግበር ነይሩ እንተ ዝኸውን: ሰባት ሃይማኖቶም ምቕያሮም ትርጕም ዘይብሉ ምዀነ። ብኣምላኽ ተቐባልነት ንምርካብ: ኣምልኾ ካብ ልቢ ክብገስ ኣለዎ።​—⁠ዘዳግም 6:⁠4, 5፣ 10:⁠12

ኣብ ዘመናዊ ግዜና ዝርአ ዘሎ ግብሪ ወንጌላውነት

16. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ዕዮ ወንጌላውነት ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና እናዓበየ ዝኸደ ብኸመይ ኢዩ፧

16 ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ብምህላዎም ማቴዎስ 24:⁠14 እቲ ዝዓበየ ፍጻሜኣ ትረክብ ኣላ። ኣብ ዕዮ ወንጌላውነቶም ዝጥቀምሉ ቀንዲ መሳርሒ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ኢዩ። c ብ1879 እታ ናይ መጀመርታ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ብሓደ ቋንቋ ኣስታት 6,000 ብዝኸውን ቅዳሓት ጥራይ ኢያ ተሓቲማ። ልዕሊ 122 ዓመታት ጸኒሑ ኣብ 2001 ግን ብ141 ቋንቋታት 23,042,000 ቅዳሓት ተሓቲሙ። እቲ ናይ ወንጌላውነት ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ጐድኒ ጐድኒ እዚ እናዓበየ ኸይዱ ኢዩ። ነቲ ኣብ መበል 19 ዘመን ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ሒደት ኣሽሓት ሰዓታት ምስቲ ኣብ ዓመት 2001 ኣብ ዕዮ ስብከት ዘሕለፍዎ 1,169,082,225 ሰዓታት ኣረኣእዮ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ 4,921,702 ዝዀኑ ሰባት ብናጻ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተዋህቦም እውን ርአ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ሰፊሕ ዕማም ኰን ኢዩ እተዓመ! እዚ ድማ ብገለ 6,117,666 ዝዀኑ ንጡፋት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣስፋሕቲ እተፈጸመ ኢዩ።

17. (ሀ) ሎሚ ኣየኖት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኢዮም ዝምለኹ ዘለዉ፧ (ለ) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሃይማኖቱ: ዜግነቱ: ወይ ደረጃ ናብርኡ ብዘየገድስ እንታይ ኢዩ ኽፈልጥ ዘድልዮ፧

17 እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኵሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብ ከንቱ እዮም: እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ” በለ። (መዝሙር 96:5) ሎሚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ: ሃገራውነት: ሃገራዊ ኣርማታት: ምርኡያት ሰባት: ጥሪት: አረ ሃብቲ እውን ከይተረፈ ከም ጣኦት ይምለኽ ኢዩ ዘሎ። (ማቴዎስ 6:⁠24፣ ኤፌሶን 5:⁠5፣ ቈሎሴ 3:⁠5) ሓደ እዋን ሞሃንዳስ ከይ. ጋንዲ ‘ሎሚ ኣውሮጳ ብስም ጥራይ ክርስትያን ምዃና ጽኑዕ እምነት ኢዩ ዘሎኒ። ብሓቂ ሃብቲ ኢያ እተምልኽ ዘላ’ ኢሉ ነበረ። ስለዚ እምበኣር እቲ ብስራት ኣብ ኵሉ ኽስበኽ ከድልዮ ኢዩ። ኵሉ ሰብ ቋንቍኡ: ሃገራውነቱ: ወይ ከኣ ደረጃ ናብርኡ ብዘየገድስ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ክፈልጥ ከድልዮ ኢዩ። ኵሎም ነቲ “ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀቡ” ዝብል ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ምላሽ ክህብሉ ትምኒትና ኢዩ! (መዝሙር 96:7, 8) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰባት ንየሆዋ እቲ ግቡእ ክብሪ ምእንቲ ኽህብዎ ብዛዕብኡ ንኽመሃሩ ይሕግዝዎም ኢዮም። እቶም ዝቕበልዎም ከኣ ብዙሕ ረብሓታት ይረኽቡ ኢዮም። እንታይ ረብሓታት ኢዮም ዝረኽቡ ዘለዉ፧ እዚ ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንመያየጠሉ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ ተሃድሶ ምንቅስቓሳት ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን “ገዛኢ ሃገር: ነቲ እታ ሃገር እትስዕቦ ሃይማኖት ይውስን” ዝብልዎ ናይ ላቲን ምስላ ብምንባሩ ነቲ ኣገዲድካ ሃይማኖት ሰባት ናይ ምቕያር ተግባር ዝገልጾ ምዃኑ ዘ ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ይሕብር።

b ኣብቲ ብ16 ሕዳር 2000 እተገብረ “ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣህጕራዊ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኮሚሽን” ኣኼባ ሓደ ኻብቶም ተሳተፍቲ ኣብ መንጎ እቶም ንሰባት ኣገዲዶም ሃይማኖቶም ዘቐይርዎምን ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ፍልልይ ከም ዘሎ ሓበረ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኻልኦት ክሰብኩሎም ከለዉ ስለ ዘየገድዱ እቲ ሰብ “ተገዳስነት የብለይን” ብምባል ጥራይ ማዕጾኡ ኽዓጹ ከም ዝኽእል እውን ርእይቶ ተዋሂቡ ኢዩ።

c ናይታ መጽሔት ምሉእ ኣርእስቲ መንግስቲ የሆዋ ዝእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ ዝብል ኢዩ።

ክትገልጾዶ ምኸኣልካ፧

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀናኣት ወንጌላውያን ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ህዝበ⁠-​ክርስትያን ዝሰረተትሉ ሃገራት እውን ከይተረፈ ዝሰብኩ ስለምንታይ ኢዮም፧

• ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ኣገዲዶም ሃይማኖት ዘቐይሩ ኢዮም ክበሃሉ ዘይክእሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

• ኣብ ግዜና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝፍጽምዎ ዘለዉ ዕዮ ወንጌላውነት ብኸመይ ኢዩ ዝዓቢ ዘሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ቀናእ ወንጌላዊ ኢዩ ነይሩ ንኻልኦት ከኣ ከምኡ ዝበለ ዕዮ ክዓዩ ኣለማሚድዎም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኵሎም ኣባላት እታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ተኻፊሎም ኢዮም

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ሰባት ሃይማኖቶም ክቕይሩ ምግዳድ ጌጋ ኢዩ