ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደርባዊ ኣፈላላይ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ብሓቂ ኽህሉዶ ይኽእል ኢዩ፧

ደርባዊ ኣፈላላይ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ብሓቂ ኽህሉዶ ይኽእል ኢዩ፧

ደርባዊ ኣፈላላይ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ብሓቂ ኽህሉዶ ይኽእል ኢዩ፧

 እቲ ኻልኣይ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ኣዳምስ ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ታሪኻዊ ኣዋጅ ናጽነት ክታሙ ዘንበረ ሰብ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣዋጅ ድማ “ኵሎም ሰባት ማዕረ ዀይኖም ኢዮም ተፈጢሮም . . . ነዞም ሓቅታት እዚኦም ከም መርትዖ ዘየድልዮም ጭብጥታት ኢና እንቘጽሮም” ዝብል ቃላት ይርከብ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ጆን ኣዳምስ “እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ ኣቃውማ ባህርያት ደቅሰብ ናይ ኣእምሮን ኣካልን ዘይማዕርነት ስለ ዝመስረተ: ዝዀነ ይኹን ብልሓት ወይ ፖሊሲ: ማዕርነት ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ” ኢሉ ብምጽሓፉ: ሰባት ብሓቂ ማዕረ ምዃኖም የጠራጥሮ ምንባሩ ኣርእዩ ኢዩ። ብኣንጻሩ ግን: እንግሊዛዊ ጸሓፍ ታሪኽ ኤች. ጂ. ዌልስ ኣብ ሰለስተ ነገራት​—⁠ሓባራዊ ግን ከኣ ንጹህን ዘይረኸሰን ዓለምለኻዊ ሃይማኖት: ንዅሉ ዝባጻሕ ትምህርቲ: ከምኡውን ወተሃደራት ዘይህልወሉ ስርዓት​—⁠መሰረት ብምግባር ኵሎም ሰባት ማዕረ ዝዀኑሉ ሕብረተሰብ ኣብ ኣእምሮኡ ስኢሉ ነይሩ ኢዩ።

ክሳዕ ሕጂ ኸምቲ ዌልስ ኣብ ኣእምሮኡ ዝሰኣሎ ዅሎም ሰባት ማዕረ ዝዀኑሉ ሕብረተሰብ ኣብ ታሪኽ ኣይተራእየን። ደቅሰብ ጥቓ ማዕርነት እውን ኣይቀረቡን: ደርባዊ ኣፈላላይ ከኣ ኣብ ኵሉ ሕብረተሰብ ጐሊሑ ይርአ ኣሎ። እዚኸ ንሕብረተሰብ ብሓፈሻ ገለ ጥቕምታት ኣምጺኡ ድዩ፧ ኣየምጽአን። ደርባዊ ኣፈላላይ ንህዝቢ ይኸፋፍል: ቅንእን ጽልእን ጓህን ብዙሕ ምፍሳስ ደምን ከኣ የስዕብ ኣሎ። እቲ ቐደም ዝነበረ ጸዓዱ ዝለዓሉ ኢዮም ዝብል ኣተሓሳስባ: ኣብቶም ኣብ ኣፍሪቃን ኣውስትራልያን ሰሜን ኣመሪካን ዝነበሩ ጸዓዱ ዘይኰኑ ሰባት ብዙሕ መከራ ኣምጺኡ ኢዩ፣ ኣብ ቫን ዲማንስ ላንድ (ሕጂ ታስማንያ) ዝነበሩ ኣቦርጅናውያን እሞ ኸኣ ብሰንኪ እዚ ሃሊቖም ኢዮም። ኣብ ኣውሮጳ ዝነበረ ንኣይሁድ ዝተሓቱ ህዝቢ ገይርካ ናይ ምውሳድ ኣረኣእያ ናብ ጃምላዊ ቕትለት ኢዩ መሪሑ። እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ኣሪስቶክራትን ቅርታ ናይቶም ታሕተዎትን ማእከሎትን ደርብታት ናብቲ ኣብ መበል 18 ዘመን እተባርዐ ሰውራ ፈረንሳን ኣብ መበል 20 ዘመን ኣብ ሩስያ እተባርዐ ሰውራ ቦልሸቪክን መርሐ።

ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ጥበበኛ ሰብኣይ ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ሰልጠነ’ ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 8:⁠9) እቶም ዝገዝኡ: ውልቀ⁠-​ሰባት ይኹኑ ደርብታት ብዘየገድስ እዚ ቓላት እዚ ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ ኢዩ። ሓደ ጕጅለ ንገዛእ ርእሱ ኻብ ካልእ ክብ ኣቢሉ ምስ ዝርኢ: መከራን ስቓይን ዘይተርፍ ሳዕቤን ኢዩ።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኵሉ ሰብ ማዕረ ኢዩ

ገሊኣቶም ጕጅለ ሰባት ብተፈጥሮኦም ካብ ካልኦት ዝበልጹ ድዮም፧ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ የብሉን። መጽሓፍ ቅዱስ: “[ኣምላኽ] ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ” ኢዩ ዝብል። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠26) ኣብ ርእሲ እዚውን: “ኵላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ: [ፈጣሪ] ገጽ ሓለቓታት ርእዩ ኣየድሉን: ንሃብታም ካብ ድኻ ኣዕዚዙ ኣይርእዮን።” (እዮብ 34:⁠19) ኵላቶም ሰባት ካብ ሓደ ሰብ ዝመጹ ኢዮም: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ኵላቶም ማዕረ ኢዮም።

ሓደ ሰብ ምስ ዝመውት ካብ ካልእ እበልጽ ኢየ ኢሉ ዝንየተሉ ዝነበረ ነገራት ዋጋ ዘይብሉ ኸም ዝኸውን ድማ ኣይንረስዕ። ጥንታዎት ግብጻውያን ግን ከምዚ ዝብል እምነት ኣይነበሮምን። ፈርኦናት ምስ ዝሞቱ: ኣብቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ህይወቶም ናይ ክብሪ ቦትኦም ሒዞም ኣብ ዝቕጽልሉ እዋን ምእንቲ ኽጥቀሙሉ ተባሂሉ ብዙሕ ዝዋግኡ ንብረት ኣብ መቓብሮም ይቕመጥ ነበረ። እንተዀነ ግን: ነዚ ንብረት እዚ ተጠቒሞምሉ ድዮም፧ ኣይፋልን። መብዛሕትኡ እዚ ሃብቲ እዚ በቶም ሰረቕቲ መቓብር ኢዩ ተዘሚቱ: ካብዞም ሰረቕቲ እዚኣቶም ዝተረፈ ንብረት ድማ ሎሚ ኣብ ኣብያተ⁠-​መዘክር ይርከብ ኣሎ።

እቶም ፈርኦናት ምዉታት ብምዃኖም: ነዚ ዅሉ ክቡር ንብረት ኣይተጠቕሙሉን። ድሕሪ ሞት ላዕለዋይ ኰነ ታሕተዋይ ደርቢ: ሃብታም ኰነ ድኻ የለን። መጽሓፍ ቅዱስ ‘ጠቢባን ይሞቱ: ዓሻን ደንቈሮን ሓቢሮም ይጠፍኡ ኢዮም። ሰብ ነተን ዝጠፍኣ እንስሳ ኢዩ ዝመስል: ከቢሩ እኳ እንተሎ ኣይነብርን ኢዩ’ ይብል። (መዝሙር 49:⁠10, 12) ነገስታት ንኹን ባሮት ብዘየገድስ እዚ ስዒቡ ዘሎ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ኣብ ኵላትና ዝውዕል ኢዩ:- “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን። . . . ድሕርዚ ከቶ ረብሓ የብሎምን። ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን።”​—⁠መክብብ 9:⁠5, 10

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኵላትና ኽንውለድ ከሎና ማዕረ ኢና: ኣብ ግዜ ሞት እውን ኵላትና ማዕረ ኢና። እምበኣር ኣብዛ ሓጻር ህይወትና ሓደ ጕጅለ ኻብ ካልእ ጕጅለ ኽብ ኣቢልና ክንርእሲ ኸመይ ዝበለ ከንቱነት ኰን ኢዩ!

ደርባዊ ኣፈላላይ ዘይብሉ ሕብረተሰብ​—⁠ብኸመይ፧

ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ ህያዋን ሰባት ዝርአ ደርባዊ ኣፈላላይ ዝጠፍኣሉ እዋን ይመጽእዶ ዀን ይኸውን፧ እወ። ኣስታት 2,000 ዓመታት ኣቢሉ የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕብረተሰብ መሰረት ተነቢሩ ኢዩ። የሱስ ብእኡ “ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ” ህይወቱ ንዅሎም ዝኣምኑ ደቅሰብ በጃ ኣሕለፈ።​—⁠ዮሃንስ 3:⁠16

የሱስ ንሰዓብቱ ገዛእ ርእሶም ካብ ካልኦት ኣመንቲ ብጾቶም ክብ ኣቢሎም ምእንቲ ኸይርእዩ ኸምዚ በሎም:- “ንስኻትኩም ግና: መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ: መምህራን ኣይትብሀሉ: ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ: ሓደ እዩ እሞ: ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ እዩ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ: ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ። እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር . . . እዩ።” (ማቴዎስ 23:⁠8-12) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኵሎም እቶም ናይ ሓቂ ደቀ መዛሙርቲ ኣብታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ማዕረ ኢዮም ዝረኣዩ።

ቀዳሞት ክርስትያናት ማዕረ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ድዮም ዝረኣኣዩ ነይሮም፧ እወ: እቶም ንትምህርትታት የሱስ እተገንዘብዎ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ነይርዎም ኢዩ። ኣብታ እምነት ማዕረ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ኢዮም ዝረኣኣዩ ነይሮም: ንሓድሕዶም “ሓው” ተባሃሂሎም ብምጽውዋዕ ድማ ነዚ ኣንጸባረቕዎ። (ፊልሞን 1, 7, 20) ዋላ ሓደ ሰብ ንርእሱ ኻብ ካልኦት ከም እትበልጽ ገይሩ ኽርእያ ኣይተተባብዐን። ንኣብነት: ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ኻልኣይቲ መልእኽቱ እተጠቕመሉ ትሕትና ዘንጸባርቕ ኣገላልጻ እስከ ንርአ:- “ስምኦን ጴጥሮስ: ናይ የሱስ ክርስቶስ ባርያን ሃዋርያን: ናብቶም ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት . . . እተመቕሉ።” (2 ጴጥሮስ 1:⁠1) ጴጥሮስ ካብ የሱስ ብቐጥታ ተማሂሩ ኢዩ: ሃዋርያ ኸም ምዃኑ መጠን ድማ ዓቢ ሓላፍነት ነበሮ። እንተዀነ ግን: ንርእሱ ባርያ ኸም ዝዀነት ገይሩ ይርእያ ከምኡውን ካልኦት ክርስትያናት ማዕረ እታ ኸም ናቱ ዝኽብረታ እምነት ከም እተመቕሉ ኣፍልጦ ይህብ ነበረ።

ገሊኣቶም ሰባት ቅድሚ ክርስትና ኣብ ዝነበረ እዋን ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ፍሉይ ህዝቢ ብምግባሩ እቲ ናይ ማዕርነት ስርዓት ተጣሒሱ ኢዩ ይብሉ ይዀኑ። (ዘጸኣት 19:⁠5, 6) እዚ ሓደ ኣብነት ናይ ዓሌታዊ ጸብለልትነት ኢዩ ይብሉ ይዀኑ፣ ከምኡ ግን ኣይኰነን። እስራኤላውያን ዘርኢ ኣብርሃም ብምዃኖም ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ርክብ ከም ዝነበሮምን መስመር መለኮታዊ ራእያት ምንባሮምን ሓቂ ኢዩ። (ሮሜ 3:⁠1, 2) እዚ ግን ክብ ንምባሎም ተባሂሉ እተገብረ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ: ‘ኵሎም ህዝብታት ምእንቲ ኽባረኹ’ ተባሂሉ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 22:⁠18፣ ገላትያ 3:⁠8

መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ግን ከምቲ ኣብርሃም ኣባሓጐኦም ዝነበሮ ዓይነት እምነት ኣይነበሮምን። እሙናት ኣይነበሩን: ንየሱስ ድማ ከም መሲሕ ኣይተቐበልዎን። ስለዚ ኣምላኽ ነጸጎም። (ማቴዎስ 21:⁠43) እንተዀነ ግን: ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ትሑታት ሰባት ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ በረኸታት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኣየጥፍኡን። ብመዓልቲ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ክርስትያናዊት ጉባኤ ቘመት። እዛ በቶም ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዝቘመት ማሕበር: “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ተባህለት: እቲ በረኸታት ዝውሕዘሉ መትረብ ድማ ዀነት።​—⁠ገላትያ 6:⁠16

ገሊኣቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ብዛዕባ ማዕርነት ትምህርቲ ኣድልይዎም ኢዩ። ንኣብነት: ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ነቶም ንሃብታማት ክርስትያናት ካብቶም ድኻታት ንላዕሊ ኽብ ኣቢሎም ዝርእዩ ሰባት ገሲጽዎም ኢዩ። (ያእቆብ 2:⁠1-4) ከምዚ ምግባሮም ጌጋ ኢዩ ነይሩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣህዛብ ክርስትያናት ካብ ኣይሁድ ክርስትያናት ከም ዘይትሕቱ: ደቂ ኣንስትዮ ክርስትያናት እውን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከም ዘይትሕታ ገለጸ። ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ: ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ: በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን: በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን: በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።”​—⁠ገላትያ 3:⁠26-28

ሎሚ ዘለዉ ደርባዊ ኣፈላላይ ዘይብሎም ህዝቢ

ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ስርዓታት ክመላለሱ ኢዮም ዝጽዕሩ። ማሕበራዊ ደርብታት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትርጕም ከም ዘይብሉ ይፈልጡ ኢዮም። ስለዚ: ኣቕሽሽትን ምእመናንን ተባሂሎም ኣይከፋፈሉን ኢዮም፣ ብሕብሪ ቘርበቶም ኰነ ብሃብቶም እውን ኣይፈላለዩን ኢዮም። ገሊኣቶም ሃብታማት እኳ እንተዀኑ: እዚ ሓላፊ ምዃኑ ስለ ዘስተውዕሉ ኣብ “ንብረት ትዕቢት” ኣየተኵሩን ኢዮም። (1 ዮሃንስ 2:⁠15-17) ኣብ ክንድኡስ: ኵላቶም ናብቲ ኣድማሳዊ ሉዓላዊ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ብዘቕርብዎ ኣምልኾ ሓድነት ኣለዎም።

ነፍሲ ወከፎም ንዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንብጻዮም ናይ ምክፋል ሓላፍነት ተቐቢሎም ኢዮም። ልክዕ ከም የሱስ: ናብ ቤት እቶም ጭቁናትን እተረስዑን ሰባት ብምኻድ ቃል ኣምላኽ ብምምሃር የኽብርዎም ኢዮም። እቶም ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ምስቶም ብገሊኣቶም ሰባት ከም ላዕለዎት ደርቢ ገይርካ ዝረኣዩ ብሓባር ይዓዩ። እቲ ዘገድስ መንፈሳዊ ባህርያት ድኣ እምበር ማሕበራዊ ደርቢ ኣይኰነን። ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት: ኵሎም ኣብታ እምነት ኣሕዋትን ኣሓትን ኢዮም።

ማዕርነት ኣብ ዘለዎ እተፈላለየ ዓይነት ክህሉ ይኽእል ኢዩ

ልክዕ ኢዩ: ማዕርነት ክበሃል ከሎ ምሉእ ብምሉእ ሓደ ዓይነት ሰባት ይህልዉ ማለት ኣይኰነን። ካብ እተፈላለየ ዓሌታት: ቋንቋታት: ህዝብታት: ከምኡውን ቍጠባዊ ደረጃታት ዝመጹ ሰብኡት ኰኑ ኣንስቲ: ዓበይቲ ዀኑ ንኣሽቱ ኣብዛ ክርስትያናዊት ማሕበር እዚኣ ተኣኪቦም ኣለዉ። ብውልቀ⁠-​ሰባት ደረጃ ኽረኣዩ ኸለዉ እተፈላለየ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ክእለት ኣለዎም። እዚ ፍልልያት እዚ ግን ንገሊኣቶም ዝበለጹ: ንገሊኣቶም ድማ ዝተሓቱ ኣይገበሮምን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ: ከምዚ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ዓይነት ባህርን ድሕረ⁠-​ባይታን: ባህ ዘብል ኵነታት ኢዩ ዝፈጥር። እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ዘለዎም ክእለት ብምሉኡ ኣምላኽ ዝሃቦም ምዃኑ ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም: ስለዚ ዝበለጹ ዀይኑ ንኽስምዖም ምኽንያት የብሎምን።

ወድሰብ መምርሒ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዝስዕብ ንርእሱ ኸመሓድር ብምፍታኑ ኢዩ ደርባዊ ኣፈላላይ ዝመጸ። ድሕሪ ሓጺር እዋን: መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ኸተመሓድራ ኢያ: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ እቲ ሰብ ዘምጽኦ ደርባዊ ኣፈላላይ ኰነ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ስቓይ ዘምጽአ ነገራት ኸብቅዕ ኢዩ። ሽዑ: ብሓቂ እቶም “ትሑታት . . . ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።” (መዝሙር 37:⁠11) ኵሉ እቲ ሓደ ኻብ ሓደ እበልጽ ኢየ ኢሉ ዝንየተሉ ነገራት ኣይክህሉን ኢዩ። ማሕበራዊ ደርብታት ንዓለምለኻዊ ሕውነት ደቅሰብ ክኸፋፍሎ ኣይክፍቀደሉን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

“ኵላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ: [ፈጣሪ ] ገጽ ሓለቓታት ርእዩ ኣየድሉን: ንሃብታም ካብ ድኻ ኣዕዚዙ ኣይርእዮን።”​—⁠እዮብ 34:⁠19

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጐረባብቶም የኽብርዎም ኢዮም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ክርስትያናት መንፈሳዊ ባህርያት ኢዩ ዘገድሶም