ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግድል ደርባዊ ኣፈላላይ

ግድል ደርባዊ ኣፈላላይ

ግድል ደርባዊ ኣፈላላይ

“ማዕርነት መሰል ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ኣብ ምድሪ ዝርከብ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ግን ነዚ ኸማልኦ ኣይክእልን ኢዩ።”

ከምዚ ዝበለ እቲ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነብር ዝነበረ ኦንሪ ዲ ባልዛክ ዝበሃል ደራሲ ኢዩ። ምስኡ ትሰማማዕ ዲኻ፧ ብዙሓት ሰባት ብተፈጥሮኦም ደርባዊ ኣፈላላይ ግጉይ ምዃኑ ይስምዖም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ መበል 21 ዘመን እውን ከይተረፈ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ኣብ እተፈላለየ ማሕበራዊ ደርብታት ተኸፋፊሉ ኢዩ ዘሎ።

 ካብ 1923 ክሳዕ 1929 ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፕረዚደንት ዝነበረ ካልቪን ኮሊድጅ: እቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዝርአ ግድል ደርቢ ኣፈላላይ የተሓሳስቦ ስለ ዝነበረ “ኵሉ ላዕለዋይ ደርቢ ኣብ መወዳእታኡ ኸም ዝጠፍእ” ገለጸ። ይኹን እምበር: ካብቲ ኮሊድጅ ፕረዚደንት ዝነበረሉ እዋን ኣስታት 40 ዓመታት ጸኒሑ: እቲ ብዛዕባ ዓሌታዊ ምትእስሳር መጽናዕቲ ኽገብር እተመዘዘ ኮሚሽን ከርነር: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ውዒላ ሓዲራ ኽልተ ዓይነት ሕብረተሰብ ማለት “እተፈላለዩን ማዕርነት ዘይብሎምን ጸለምትን ጸዓዱን” ዝነብርዋ ሃገር ከይትኸውን ዘለዎ ፍርሂ ገለጸ። ገሊኣቶም ሰባት እዚ ትንቢት እዚ ድሮ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ፍጻሜኡ ይረክብ ምህላዉ ከምኡውን “ቍጠባውን ዓሌታውን ጋግ ይዓቢ” ኸም ዘሎ ይዛረቡ ኢዮም።

ማዕርነት ወድሰብ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ኽሳዕ ክንድዚ ኸቢድ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ቀንዲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ባህርይ ወድሰብ ኢዩ። ኣባል ሓጋግ ኣካል ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ዊልያም ራንዶልፍ ሄረስት “ኵሎም ሰባት እንተ ወሓደ ብሓደ መዳይ ማዕረ ዀይኖም ኢዮም ተፈጢሮም: እዚ ኸኣ ምስ ካልኦት ማዕረ ክዀኑ ዘይምድላዮም ኢዩ።” እዚ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ኣንሪ በክ ዝበሃል ደራሲ ድራማ “ንሕና በይንና ኻብ ካልኦት በሊጽና: ካልኦት ግን ማዕረ ክዀኑ ስለ እንደሊ ኢዩ ማዕርነት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣጸጋሚ ዀይኑ ዘሎ” ብምባል ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኣሎ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ሰባት ምስቶም ኣብ ማሕበራዊ ደረጃ ዝበልጽዎም ማዕረ ክዀኑ ይደልዩ ኢዮም፣ ምስቶም ትሕቲኦም ከም ዝዀኑ ገይሮም ዝወስድዎም ሰባት ማዕረ ንኽዀኑ ኢሎም መሰላቶምን ረብሓታቶምን ክድረት ፍቓደኛታት ዝዀኑ ግን ብዙሓት ኣይኰኑን።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት: ሰባት ክውለዱ ኸለዉ ተራ: ኣሪስቶክራት: ወይ ንጉሳውያን ቤተሰብ ተባሂሎም ይምደቡ ነይሮም ኢዮም። ኣብ ገሊኡ ቦታታት እዚ ነገር እዚ ገና ኣይተወገደን። ሎሚ ግን ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ንሓደ ሰብ ምስ ታሕተዋይ: ማእከላይ: ወይ ላዕለዋይ ደርቢ ኸም ዝምደብ ዝገብሮ ብዝሒ ወይ ዋሕዲ ዘጥረዮ ገንዘብ ኢዩ። ንደርባዊ ኣፈላላይ ረቛሒ ዝኸውን ከም ዓሌት: ትምህርቲ: ከምኡውን መሃይምነት ምጥፋእ ዝኣመሰለ ኻልእ ነገራት እውን ኣሎ። ደቂ ኣንስትዮ ዝተሓታ ኽፍሊ ሕብረተሰብ ገይርካ ኣብ ዝረኣየሉ ቦታታት ድማ ጾታ ቐንዲ መሰረት ኣፈላላይ ይኸውን ኢዩ።

ገለ ተስፋዶ ኣሎ፧

ሕጋገ ሰብኣዊ መሰላት ንእተወሰነ ደርባዊ ሽግራት ኣብ ምፍታሕ ሓጊዙ ኢዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕግታት ጸረ⁠-​ኣፈላላይ ተሓጊጉ ኢዩ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፓርታይድ ተሪፉ ኢዩ። ባርነት ክሳዕ ሕጂ እኳ እንተሎ: ኣብ መብዛሕትኡ ኽፍልታት ዓለም ግን ብሕጊ ዝፍቀድ ኣይኰነን። ኣብያተ⁠-​ፍርዲ ብዝገበሮ ውሳነታት ገሊኦም ደቀባት መሬት ንኽውንኑ መሰል ከም ዘለዎም ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ኢዩ። ሕግታት ጸረ⁠-​ኣፈላላይ ድማ ንገሊኦም ጭቁናት ራህዋ ኣምጺእሎም ኢዩ።

እዚ ግን ማሕበራዊ ደርባዊ ኣፈላላይ ዘብቅዓሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ዝሕብር ድዩ፧ ኣይፋሉን። ገሊኡ ማሕበራዊ ደርባዊ ኣፈላላይ እኳ እንተ ተዳኸመ: ሓደስቲ ፍልልያት ግን ይቕልቀል ኣሎ። እታ ክላስ ዎርፌር ኢን ዘ ኢንፎርሜሽን ኤጅ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዚ በለት:- “እቲ ርእሰ⁠-​ማላውያንን ሰራሕተኛታትን ዝብል ሓፈሻዊ ደርብታት ሎሚ ተቐባልነት ዘይብሉ ይመስል ኣሎ፣ ከምዚ ዝዀነ ግን እዚ ዓበይቲ ደርብታት እዚ ሓራቓት ሰባት ኣብ ዝርከብዎ ንኣሽቱ ጕጅለታት ስለ እተመቓቐለ ጥራይ ኢዩ።”

ደርባዊ ኣፈላላይ ንሓዋሩ ንሰባት ክመቓቕሎም ክነብር ድዩ፧ ኣይፋሉን: እዛ ስዒባ ዘላ ዓንቀጽ ከም እትሕብሮ: ክፍትሓሉ ዝኽእል ተስፋ ኣሎ።