ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መምህራን ቃል ኣምላኽ መዝነቶም ክፍጽሙ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም

መምህራን ቃል ኣምላኽ መዝነቶም ክፍጽሙ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም

መምህራን ቃል ኣምላኽ መዝነቶም ክፍጽሙ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም

 ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መምህራን ትምህርቲ ንኽረኽቡ ኣኼባ ገይሮም ነይሮም። ካብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣትሒዞም ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም እተገብረ ብኣማእታት ዝቍጸር “መምህራን ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪቦም ኢዮም። እቶም ኣኼበኛታት ዝያዳ ብቕዓት ምእንቲ ኽህልዎምን ከም መምህራን መጠን ንእተዋህቦም መዝነት ምእንቲ ኽፍጽሙን: ንገዛእ ርእሶም ክምህሩ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኢዩ።

ኣብ ሓደ ኻብዚ ዓበይቲ ኣኼባታት እዚ ተኻፊልካዶ፧ ተኻፊልካ እንተድኣ ዄንካ: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ: የሆዋ: ንምምላኽ ዝሕግዝ ኣብኡ ዝቐረበ ጽቡቕ መንፈሳዊ መግቢ ኸም እተማስወሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሕጂ እምበኣር ነቲ መሃሪ ፕሮግራም ናይቲ ዓቢ ኣኼባ እቲ እስከ ኣሕጽር ኣቢልና ንርኣዮ።

ቀዳመይቲ መዓልቲ​—⁠መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት ንትምህርቲ ይጠቅም

ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ኣቦ መንበር “ኣቱም መምህራን ቃል ኣምላኽ: ተማሃሩ” ብዘርእስቱ ዝርርብ ገይሩ ነቶም ኣኼበኛታት ብውዕዉዕ ስምዒት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም በሎም። የሱስ ክርስቶስ ካብቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ‘መምህር’ ዝዀነ የሆዋ ስለ እተማህረ ዓቢ መምህር ኰነ። (ኢሳይያስ 30:⁠20 NW፣ ማቴዎስ 19:⁠16) ንሕናውን ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ዕቤት ክንገብር እንተድኣ ዄንና: ካብ የሆዋ ኽንማሃር ኣሎና።

ድሕሪኡ “ትምህርቲ መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ፍረ የፍሪ” ዘርእስቱ ኽፍሊ ቐረበ። ነቶም ተመክሮ ዘለዎም መምህራን ቃል ኣምላኽ እተገብረሎም ቃለ⁠-​መጠይቓት: ነቲ ደቀ መዛሙርቲ ብምግባር ዝርከብ ሓጐስን በረኸትን ዘጕልሕ ነበረ።

ስዒቡ “በቲ ‘ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ’ እተለዓዓሉ” ዘርእስቱ ዘነቓቕሕ ዝርርብ ቀረበ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ “ዓብዪ ግብሪ” ንሰባት ስጕምቲ ንኽወስዱ ኣለዓዒልዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠11) ንሕናውን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ከም በጅነት: ትንሳኤ: ከምኡውን ሓድሽ ኪዳን ዝኣመሰለ “ዓብዪ ግብሪ” ብምእዋጅ ንሰባት ስጕምቲ ክወስዱ ኸነለዓዕሎም ንኽእል ኢና።

ቀጺሉ “ብጽድቂ የሆዋ ተሓጐሱ” ዘርእስቱ ዘተባብዕ ዝርርብ ቀረበ። (መዝሙር 35:⁠27) ጽድቂ ብምፍታው ዓመጻ ድማ ብምጽላእ: መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ: ብመንፈስ ኽጐድኣና ዝኽእል ነገራት ወትሩ ብምቅዋም: ከምኡውን ትሕትና ብምምዕባል ጽድቂ ንኽንስዕብ ሓገዝ ተዋሂቡና ኢዩ። እዚ ስጕምትታት እዚ: ካብ ዘይጥዑይ ዕርክነት: ካብቲ ዓለም ንፍቕረ⁠-​ንዋይ ዘለዋ ዝለዓለ ግምት: ከምኡውን ርኽሰትን ዓመጽን ካብ ዝመልኦ መዘናግዒ የዕቝበና ኢዩ።

እቲ “ከም መምህራን ቃል ኣምላኽ መጠን ምሉእ ብምሉእ እተዓጥቁ” ዘርእስቱ ሕመረት ዝርርብ: የሆዋ ብቓሉ: ብመንፈሱ: ከምኡውን ብምድራዊት ማሕበሩ ኣቢሉ ብቑዓት ኣገልገልቲ ኸም ዝገብረና ዘዘኻኽር ነበረ። እቲ ተዛራባይ: ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ምጥቃም ዝመጸ “ሸቶና መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልቢ ሰማዕቲ ምስራጽ ኢዩ” በለ።

እቲ ናይ መጀመርታ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ “ንኻልኦት እናመሃርና ገዛእ ርእስናውን ንምሃር” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። እቲ ቐዳማይ ክፍሊ ነቲ እንምህሮ ልዑል ክርስትያናዊ ስርዓታት ቅድም ባዕልና ኽንሕልዎ ኸም ዘሎና ኣጕልሐ። ቀጺሉ ዝቐረበ ኽፍሊ ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብግቡእ ኸነማቕል’ ዝምዕድ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠15 NW ) ንኣምላኽ ዘገልገልናዮ ብዝሒ ዓመታት ብዘየገድስ ገዛእ ርእስና ንምምሃር ስሩዕን ትግሃት ዝመልኦን ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ኣድላዪ ኢዩ። ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኽፍሊ ናይቲ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ኸኣ ድያብሎስ ኣባና ትዕቢት: ብርእሰይ ክምራሕ ዝብል መንፈስ: ንርእስኻ ኣልዒልካ ናይ ምርኣይ ባህሪ: ቅንኢ: ምምራር: ቂም: ከምኡውን ጕድለት ናይ ምእራይ መንፈስ ንኽረክብ ይቋመት ከም ዘሎ ተገሊጹ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ንድያብሎስ ኣበርቲዕና እንተድኣ ተጻሪርናዮ: ካባና ክሃድም ኢዩ። ንኽንጻረሮ ድማ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ኣሎና።​—⁠ያእቆብ 4:⁠7, 8

እቲ “ንዓለምለኻዊ ለበዳ ስእለ⁠-​ጽዩፍ ፈንፍንዎ” ዘርእስቱ እዋናዊ ዝርርብ ነቲ ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ብዕሉግ ነገር ብኸመይ ከም እነወግዶ ዝሕብር ነበረ። ነብዪ ኣንባቆም ንየሆዋ “ኣዒንትኻ እኩይ ንምርኣይ ኣዝየን ጽሩያት እየን: ኣበሳ ኽትጥምት ኣይኰነልካን” ኢልዎ ኢዩ። (ኣንባቆም 1:⁠13) ‘ንኽፍኣት ክንፍንፍኖ’ ኣሎና። (ሮሜ 12:⁠9) ወለዲ ውሉዳቶም ዝኸፍትዎ ዓይነት ኢንተርነትን ዝርእይዎ መደባት ተለቪዥንን ክቈጻጸርዎም ተተባቢዖም ኢዮም። እቶም ብስእለ⁠-​ጽዩፍ ዝሰሓቡ: ካብ መንፈሳዊ ብስለት ዘለዎ ፈታዊኦም ሓገዝ ክረኽቡ ኸም ዘለዎም እቲ ተዛራባይ ሓቢሩ ኢዩ። ንኸም መዝሙር 97:⁠10፣ ማቴዎስ 5:⁠28፣ 1 ቈረንቶስ 9:⁠27፣ ኤፌሶን 5:⁠3, 12፣ ቈሎሴ 3:⁠5፣ ከምኡውን 1 ተሰሎንቄ 4:⁠4, 5 ዝኣመሰለ ጥቕስታት እንተ ኣስተንቲንናሉን ኣብ ኣእምሮና እንተ ሒዝናዮን እውን ጠቓሚ ኢዩ።

እቲ ቐጺሉ ዝነበረ “ሰላም ኣምላኽ ይሓልኹም” ዘርእስቱ ዝርርብ: ብዙሕ ክንጭነቕ ከሎና ጾርና ናብ የሆዋ ኽንድርብዮ ኸም እንኽእል ብምግላጽ ኣጸናንዓና። (መዝሙር 55:⁠22) ኣብ ልብና ዘሎ ስምዒታት ብጸሎት እንተድኣ ገሊጽናዮ: የሆዋ “ሰላም ኣምላኽ” ክህበና ማለት ካብቲ ምስኡ ዘሎና ርክብ ዝምንጭ ህድኣትን ውሽጣዊ ሰላምን ክህበና ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠6, 7

እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ንፍጻሜታት ኢሳይያስ ምዕራፍ 60 ዝገልጽ “የሆዋ ብብርሃን ገይሩ ንህዝቡ ይስልሞ” ብዘርእስቱ ኣዝዩ ዘሐጕስ ዝርርብ ተዛዘመት። ኣብዛ ጸልማት ወሪስዋ ዘሎ ዓለም እቶም “መጻእተኛታት” ተባሂሎም ዘለዉ ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ዓቢ ጭፍራን እቶም ቅቡኣት ክርስትያናትን ብርሃን የሆዋ ረኺቦም ኣለዉ። እቲ ተዛራባይ ንቝጽሪ 19ን 20ን ድሕሪ ምጥቃስ ከምዚ በለ:- “የሆዋ ኸም ጸሓይ ‘ኣይዓርብን’ ወይ ከም ወርሒ ‘ኣይጐድልን’ ኢዩ። ንህዝቡ ብርሃን ብምብራህ ካብ ምስላሞም ኣይከቋርጽን ኢዩ። እዝስ ነዞም ኣብዛ ድቕድቕ ጸልማት ዝወረሳ ዓለም ንነብር ዘሎና ሰባት ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ መረጋገጺ ዀን ኢዩ ዝዀነና!” ኣብ መወዳእታ እቲ ዝርርብ: እቲ ተዛራባይ ነታ ትንቢት ኢሳይያስ​—⁠ንዅሎም ደቅሰብ ዝኸውን ብርሃን: ጥራዝ ክልተ: ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከም ዝወጸት ሓበረ። ነዛ ሓዳስ መጽሓፍ ኣንቢብካ ወዲእካያዶ፧

ካልኣይቲ መዓልቲ​—⁠ንኻልኦት ክምህሩ እኹል ብቕዓት ዘለዎም

ኣብታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ናይ ዕለት ጥቕሲ ምይይጥ ምስ ተገብረ: ነቲ “ንኻልኦት ሰባት ኣመንቲ ንኽዀኑ ዝሓገዙ ኣገልገልቲ” ዘርእስቱ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ካልኣይ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ብኣቓልቦ ሰሚዕናዮ ኢና። እቶም ነዚ ሰለስተ ኽፍሊ ዘለዎ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ዘቕረቡ ተዛረብቲ: ንኻልኦት ሰባት ኣመንቲ ንኽዀኑ ዝሕግዝ ሰለስተ ደረጃታት በብተራ ኣጕሊሖም ኢዮም። እዚ ድማ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምዝርጋሕ: ነቲ ሰባት ዘርእይዎ ተገዳስነት ምዅስኳስ: ከምኡውን ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ትእዛዛት ክርስቶስ ክሕልዉ ምምሃር ኢዩ። ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ብኸመይ ከም እንምህር ብቓለ⁠-​መጠይቓትን ብተዋስኦ ኣብ ዝቐረበ ተመክሮታትን ርኢናዮ ኢና።

እቲ ድሕሪኡ ዝቐረበ ኽፍሊ “ኣብቲ ዓቕሊ: ፍርሃት እግዚኣብሄር ወስኹ” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። እቲ ተዛራባይ: እቲ ቐንዲ ዘገድስ ነገር ‘ክሳዕ መወዳእታ ምዕጋስ’ ምዃኑ ገለጸ። (ማቴዎስ 24:⁠13) ፍርሃት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸነማዕብል ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዝገበረልና ምድላዋት ማለት ጸሎት: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ኣኼባታት: ከምኡውን ኣገልግሎት ክንጥቀመሉ ኣሎና። ዓለማዊ ባህግታትን ንጥፈታትን ነቲ ዘሎና ፍርሃት እግዚኣብሄር ሰላሕ እናበለ ንኸይጐብጦ ወይ ንኸየጥፍኦ ክንጥንቀቕ ኣሎና።

ሎሚ ዝጽዕሩን ጾር ዝኸበዶምን ሰባት ዕረፍቲ ኽረኽቡ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ እቲ “ኣርዑት ክርስቶስ ብምጻር ዕረፍቲ ምርካብ” ዘርእስቱ ዝርርብ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዝምልስ ነበረ። የሱስ ንሰዓብቱ ኣርዑቱ ኽጾሩን ካብኡ ኽማሃሩን ብሕያውነት ጻውዒት ኣቕሪቡሎም ኢዩ። (ማቴዎስ 11:⁠28-30) ናብርኡ ቐሊልን ሚዛናውን ብምግባር ንዝገደፈልና ኣብነት ጠቢቕና ብምስዓብ ኣርዑት የሱስ ክንጸውር ንኽእል ኢና። ነቶም ቀሊል ዝናብርኦም ሰባት ኣብ እተገብረሎም ቃለ⁠-​መጠይቕ እውን ቀንዲ ነጥብታት ናይዚ ዝርርብ እዚ ጐሊሑ ኢዩ።

ሓደ ኻብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝገብርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት ጐሊሑ ዝርአ ፍጻመ: ጥምቀት ናይቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ሓደስቲ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኢዩ። እቲ “ጥምቀት ናብ ዝዓበየ ናይ ምምሃር መሰል ይመርሕ” ዘርእስቱ ዝርርብ ዘቕረበ ሓው: ነቶም ናይ ጥምቀት ሕጹያት ብውዕዉዕ መንፈስ መርሓባ ድሕሪ ምባል ኣብቲ ዝዓበየ መሰላት ኣገልግሎት ግደ ኽህልዎም ጻውዒት ኣቕረበሎም። እቶም ሓደስቲ እተጠምቁ መምህራን ቃል ኣምላኽ: ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት እንተድኣ ኣማሊኦም ኣብ ጉባኤኦም እተፈላለየ ሓላፍነታት ክወሃቦም ይኽእል ኢዩ።

ኣርእስቲ ናይቲ ድሕሪ ቐትሪ ዝቐረበ ናይ መጀመርታ ዝርርብ “ነቲ ዓቢ መምህር ምሰልዎ” ዝብል ነበረ። የሱስ ኣብ ሰማይ ኣብ ዝነበረሉ ማእለያ ዘይብሉ እዋን ንኣቦኡ ይዕዘቦን ይመስሎን ነይሩ ኢዩ: በዚ ድማ ዓቢ መምህር ኰነ። ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ልቢ ዝትንክፍ ሕቶታት: ቀሊልን ንጹርን ምስላታት: ከምኡውን ካልእ ኣስላጢ ናይ ምምሃር ሜላ ይጥቀም ነበረ። የሱስ ንትምህርትታቱ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብምምስራት: ብውዕዉዕ ስምዒትን ብስልጣንን ይምህር ነበረ። ነቲ ዓቢ መምህር ኽንመስሎስ ድራኸዶ ኣይሓደረናን ኢዩ፧

እቲ “ንኻልኦት ንምግልጋል ፍቓደኛታት ዲኹም፧” ዘርእስቱ ዘነቓቕሕ ዝርርብ: የሱስ ንኻልኦት ሰባት ብምግልጋል ዝገደፎ ኣብነት ክንቀድሖ ኣተባቢዑና ኢዩ። (ዮሃንስ 13:⁠12-15) ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዘለዎም ኣጋጣሚታት ብምጥቃም ከም ጢሞቴዎስ ክዀኑ እቲ ተዛራባይ ተማሕጸነ። (ፊልጲ 2:⁠20, 21) ወለዲ ንደቆም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ሸቶ ኸውጽኡ ኣብ ምሕጋዝ ንኤልቃናን ሃናን ክመስልዎም ተተባቢዖም ኢዮም። መንእሰያት እውን ንኸገልግሉ ፍቓደኛታት ብምዃን ኣብነት የሱስ ክርስቶስን እቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስን ክቐድሑ ተማዒዶም ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:⁠21) እቶም ንኻልኦት ንምግልጋል ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት እተዛረብዎ ነገራት ድማ ንዅላትና ተንኪፉና ኢዩ።

ኣርእስቲ ናይቲ ሳልሳይ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ “ካብ ቲኦክራሲያዊ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም” ዝብል ነበረ። እቲ ቐዳማይ ተዛራባይ ኸየስገልና ብኣቓልቦ ናይ ምክትታል ክእለትና ምዕባይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ: ሕጽር ዝበለ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ፕሮግራም ብምውጻእ ንጅምር እሞ ጸኒሕና ከነንውሖ ንኽእል ኢና። ነቶም ኣኼበኛታት ኣብ ኣኼባታት ጥቕሲ ገንጺሎም ክከታተሉን መዘኻኸሪ ኽምዝግቡን እውን ኣተባቢዑዎም ኢዮም። እቲ ኻልኣይ ተዛራባይ ድማ ‘ንምሳሌ ናይቲ ጥዑይ ቃል’ ኣጽኒዕና ኽንሕዞ ኣነቓቕሓና። (2 ጢሞቴዎስ 1:⁠13, 14) ካብቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝፍኖ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ መደባት: ካብ ናይ ሰባት ፍልስፍናታት: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ⁠-​ጽሑፋዊ መልክዕን ዕላማን ዘጽንዑ ምሁራት ካብ ዘምጽእዎ ሓሳባት: ከምኡውን ካብ ትምህርትታት ከሓድቲ ንገዛእ ርእስና ንምሕላው ንናይ ብሕቲ መጽናዕትን ኣኼባታትን ዝኸውን ግዜ ኽንዕድግ ኣሎና። (ኤፌሶን 5:⁠15, 16) እቲ ናይ መወዳእታ ተዛራባይ ናይቲ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ: ካብ ቲኦክራሲያዊ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ነቲ እተማሃርናዮ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸም ዘድሊ ኣጕልሐ።​—⁠ፊልጲ 4:⁠9

ነቲ “ንመንፈሳዊ ዕቤትና ዝሕግዝ ሓድሽ ምድላው” ዘርእስቱ ዝርርብ ምስ ሰማዕና ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እተሓጐስና! ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኻብ ዝቐርብ ትምህርቲ ተጠቐም ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ድሕሪ ሓጺር እዋን ከም እትወጽእ ምስ ሰማዕና ተሓጒስና ኢና። እቲ ተዛራባይ ንትሕዝቶ እታ መጽሓፍ ምስ ገለጾ እሞ ኸኣ ብዝያዳ ኢና ተሃንጢና። ብዛዕባ እቲ ምኽሪ መውሃቢ ነጥብታት ዝሓዘ ኽፋል እታ መጽሓፍ “እዛ ሓዳስ መምሃሪ መጽሓፍ እተዳለወትሉ ኣገባብ ከም ዓለማዊ መጻሕፍቲ ኣይኰነን። እቲ 53 ነጥብታት ዝሓዘ ጽቡቕ ናይ ምንባብን ምዝራብን ምምሃርን ክእለት ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እተመርኰሰ ኢዩ” በለ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ነብያት ከምኡውን የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ብኸመይ ጽቡቕ ናይ ምምሃር ክእለት ከም ዘርኣዩ ኸተብርሃልና ኢያ። እወ: እዛ ሓዳስ መምሃሪ መጽሓፍን እቲ ሓድሽ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደባትን ዝበለጹ መምህራን ቃል ኣምላኽ ንኽንከውን ክሕግዘና ኢዩ።

ሳልሰይቲ መዓልቲ—⁠ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ኩኑ

ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ናይ ዕለት ጥቕሲ ምይይጥ ምስ ተገብረ: ኵሎም ኣኼበኛታት ነቲ “ትንቢት ሚልክያስ ንመዓልቲ የሆዋ የዳልወና” ዘርእስቱ ናይ መወዳእታ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ብኣቓልቦ ተኸታቲሎምዎ ኢዮም። ሚልክያስ ትንቢት እተነበየ: ኣይሁድ ካብ ባቢሎን ድሕሪ ምምላሶም ሚእቲ ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ ንጽድቃዊ ሕግታት የሆዋ ዕሽሽ ብምባሎምን ዕዉር: ሓንካስ: ከምኡውን ሕሙም እንስሳ ንመስዋእቲ ብምቕራቦምን እንደገና ናብ ክሕደትን እከይን ተመሊሶም ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣንስቲ ንእስነቶም ይፈትሑ ነበሩ፣ ነዚ ዝገበሩ ኸኣ ምናልባት ጓኖት ኣንስቲ ንኸእትዉ ኢሎም ኢዮም።

እታ ቐዳመይቲ ምዕራፍ ናይ ትንቢት ሚልክያስ: የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ፍቕሪ ኣረጋገጸትልና። ንኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ምህላውን ንቕዱስ ነገራት ሞሳ ምርኣይን ኣድላዪ ምዃኑ እውን እተጕልሕ ኢያ። የሆዋ ዝበለጸ ዘበለ ኽንህቦን ስስዐ ብዘይ​ብላ ፍቕሪ ኸነምልኾን ኢዩ ዝጽበየና። ቅዱስ ኣገልግሎትና ንማለቱ ኢልካ ዝግበር ክኸውን የብሉን: ንኣምላኽ ጸብጻብ ክንህብ ኢና።

እቲ ኻልኣይ ክፋል ናይቲ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ዘቕረበ ተዛራባይ ንሚልክያስ ምዕራፍ ክልተ ምስዚ ግዜና ብምትሕሓዝ “ ‘ኣብ ከናፍርና በደል ምእንቲ ኸይርከብሲ’ ብብሕቲ ንጥንቀቕ ዲና፧” ኢሉ ሓተተ። (ሚልክያስ 2:⁠6) እቶም ኣብ ምምሃር መሪሕነት ዝወስዱ: እቲ ዝምህርዎ ትምህርቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣጸቢቑ እተመስረተ ንኽኸውን ዓቢ ጥንቃቐ ኽገብሩ ኣለዎ። ከም ዘይግቡእ ፍትሕ ዝኣመሰለ ጥልመት ክንጸልኦ ኣሎና።​—⁠ሚልክያስ 2:⁠14-16

እቲ ናይ መወዳእታ ተዛራባይ ናይቲ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ “በታ መዓልቲ የሆዋ ዝድሕን መን ኢዩ፧” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ዝርርብ ንመዓልቲ የሆዋ ኽንዳሎ ሓጊዙና ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ኣገልገልቲ የሆዋ: ሚልክያስ ምዕራፍ 3 ቍጽሪ 17 ኣባታቶም ዝዓበየ ፍጻሜኡ ይረክብ ከም ዘሎ ምፍላጦምሲ ኽሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! እታ ጥቕሲ ኸምዚ ኢያ ትብል:- ‘በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ኪዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ: ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ: ክንሕፎም እየ።’ ”

ካልእ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ጐሊሑ ዝነበረ ነገር: እቲ ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ጥራይ እተመስረተ ብዛዕባ ደቂ ቆራሕ ዝገልጽ “ንስልጣን የሆዋ ኣኽብሩ” ዘርእስቱ ድራማ ኢዩ። ኣቦኦም ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ናይ ዕልወት መንፈስ እኳ እንተ ኣርኣየ: ንሳቶም ግን ንየሆዋን ንወኪላቱን እሙናት ኰኑ። ቆራሕን ሰዓብቱን ክጠፍኡ ኸለዉ: ደቂ ቆራሕ ግን ደሓኑ። እቲ ስዒቡ ዝቐረበ “ንኣምላኻዊ ስልጣን ብተኣማንነት ተገዛእ” ዘርእስቱ ዝርርብ ነፍሲ ወከፍና ንትሕዝቶ እቲ ድራማ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ገለጸ። እቲ ተዛራባይ ቆራሕን ሰዓብቱን ዝነበሮም ሽዱሽተ ጕድለታት ጠቐሰ:- እዚ ድማ ንስልጣን የሆዋ ብተኣማንነት ዘይምድጋፎም፣ ትዕቢትን ህርፋን ስልጣንን ቅንእን ንኽቈጻጸሮም ምፍቃዶም፣ ኣብ ዘይፍጽምና ናይቶም የሆዋ ዝሸሞም ሰባት ምትኳሮም፣ መዕዘምዘምቲ ምዃኖም፣ በቲ እተዋህቦም መሰል ኣገልግሎት ዘይምዕጋቦም፣ ከምኡውን ሰብኣዊ ዕርክነት ወይ ዝምድና ኻብቲ ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ክብ ኣቢሎም ምርኣዮም ኢዩ።

እቲ ህዝባዊ ዝርርብ “ንዅሎም ኣህዛብ ሓቂ ዝምህሩ ዘለዉ መን ኢዮም፧” ዝብል ኣርእስቲ ነበሮ። እዛ ሓቂ እዚኣ እታ ሓፈሻዊት ሓቂ ዘይኰነትስ እታ የሱስ ክርስቶስ ዝመስከረላ ብዛዕባ ዕላማ የሆዋ እትገልጽ ሓቂ ኢያ። እቲ ተዛራባይ ነታ ምስ እምነት: ኣገባብ ኣምልኾ: ከምኡውን ምስ ብሕታዊ ጠባይ ምትሕሓዝ ዘለዋ ሓቂ ጽቡቕ ገይሩ ገለጻ። ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ምስቶም ሎሚ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምንጽጻር ድማ ‘ኣምላኽ ኣብ ማእከልና ኸም ዘሎ’ ዝነበረና ምትእምማን ብሓቂ ኣደልዲሉልና ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 14:⁠25

ደድሕሪ እቲ ናይታ ሰሙን ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽማቝ ሓሳባት: ኵሎም ኣኼበኛታት መምህራን ቃል ኣምላኽ: “ንምምሃር እተዋህበና መዝነት ብህጹጽ ንፈጽም” ብዘርእስቱ ናይ መደምደምታ ዝርርብ ንእተማህርዎ ኣብ ግብሪ ኸውዕልዎ ተተባቢዖም ኢዮም። ኣብቲ ሕጽር ዝበለ ድግማ ናይቲ ፕሮግራም: ክንምህር ከሎና ቅዱሳት ጽሑፋት ምጥቃም ከም ዘድሊ: ብቕዓት ዘለዎም መምህራን ክንኰነሉ እንኽእል መገድታት: ከምኡውን ኣብታ ንኻልኦት እንምህራ ሓቂ እምንቶ ኽህልወና ኣድላዪ ምዃኑ ጐሊሑ ኢዩ። እቲ ተዛራባይ ‘እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘሎና ኽግለጽን ንርእስናን ንትምህርትናን ክንጥቀቕን’ መዓደ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠15, 16

እቲ “መምህራን ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓቢ መንፈሳዊ ድግስ ኰን ኢዩ ዝነበረ! ንኻልኦት ቃል ኣምላኽ ክንምህር ከሎና ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ መምህርና የሆዋን ነቲ ዓቢ መምህርና የሱስ ክርስቶስን ንምሰሎም።

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሚላኖ: ኢጣልያ: ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እተገብረ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ተጠሚቖም

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣኼበኛታት በቲ “ንስልጣን የሆዋ ኣኽብሩ” ዘርእስቱ ድራማ ተመሲጦ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ሳጹን]

ንፍሉይ ዕላማ እተዳለወ ሓደስቲ ጽሑፋት

ኣብቲ “መምህራን ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ እተረኽቡ ኣኼበኛታት: ኣብ ገሊኡ ዅርናዓት ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ንምምሃሮም ዝሕግዝ ኽልተ ጽሑፋት ክወጽእ ከሎ ብውዕዉዕ ስምዒት ተቐቢሎሞ ኢዮም። እታ ዘይመውት መንፈስ ኣሎካ ድዩ፧ ዘርእስታ ትራክት (እንግሊዝኛ) ምስቶም ኣብ ቋንቍኦም “ነፍስን” “መንፈስን” ንዝብላ ቓላት እተፈላለየ ስያመ ዘይብሎም ሰባት ዝርርብ ንምጅማር ብዙሕ ክትሕግዝ ኢያ። እዛ ሓዳስ ትራክት እዚኣ ሓደ መንፈሳዊ ሓይሊ ኻብ መንፈሳዊ ፍጡር እተፈልየ ምዃኑን ሰባት ምስ ሞቱ ድማ መንፈሳዊ ፍጡር ከም ዘይኰኑን ኢያ እትገልጽ።

እታ ዘዕግብ ህይወት ብኸመይ ከም ዝርከብ ዘርእስታ ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ኣብ መወዳእታ እታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ወጸት። እዛ ብሮሹር እዚኣ ነቶም ንፈጣሪ ኸም ኣካል ገይሮም ዘይርእይዎ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጽሓፍ ኣሎ ኢሎም ዘይሓስቡ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ክትሕግዝ ተባሂላ እተዳለወት ኢያ። ነዚ ሓድሽ ጽሑፋት ኣብ ኣገልግሎት ተጠቒምካሉዶ፧

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

Do You Have an Immortal Spirit?