ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ነቲ ቓል ምስባኽ’ ዕረፍቲ የምጽእ

‘ነቲ ቓል ምስባኽ’ ዕረፍቲ የምጽእ

“ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ”

‘ነቲ ቓል ምስባኽ’ ዕረፍቲ የምጽእ

 ሓደ ኣገዳሲ ተልእኾ ዝነበሮ ፍጹም ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ኣመሃህራኡ ኣዝዩ ዝምስጥ ስለ ዝነበረ “እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።” (ማቴዎስ 7:⁠28) ህርኩት ሰባኺ እውን ኢዩ ነይሩ። ግዜኡ: ጕልበቱ: ከምኡውን ጥሪቱ ብቐዳምነት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። እወ: የሱስ ክርስቶስ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሰባኽን መምህርን ከም ምዃኑ መጠን ንብምልእታ እታ እተወልደላ ሃገር ዘይርዋ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 9:⁠35

እቲ ህጹጽ ተልእኾ የሱስ ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት “ወንጌል መንግስቲ” ምስባኽን ደቀ መዛሙርቱ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ተመሳሳሊ ዕዮ ንኽፍጽሙ ምስልጣንን ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 4:⁠23፣ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ርዝነት ናይቲ ስብከት: ህጹጽነቱ: ከምኡውን ዕቤት ናይቲ ዕዮ ነቶም ዘይፍጹማትን ድሩት ዓቕሚ ዘለዎምን ሰዓብቱ ደቚስዎምዶ ዀን ይኸውን፧

ፈጺሙ ኣይደቘሶምን! የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: ዝያዳ ዓየይቲ ምእንቲ ኽልእኽ ነቲ “ጐይታ እኽሊ:” የሆዋ ኣምላኽ: ክልምንዎ መምርሒ ድሕሪ ምሃቡ: ንሰባት ክምህሩ ኣዋፈሮም። (ማቴዎስ 9:⁠38፣ 10:⁠1) ድሕርዚ: እቲ ናይ ምስባኽ ሓላፍነት እውን ሓዊስካ ንዕኡ ምስዓብ ዘምጽኦ ሓላፍነት: ናይ ሓቂ ዕረፍትን ምጽንናዕን ከም ዘምጽእ ኣረጋገጸሎም። “ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ድማ በሎም።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28

ምንጪ ሓጐስ

እዚ ጻውዒት እዝስ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ድንጋጽን ፍቕርን ሕያውነትን ዝመልኦ ዀን ኢዩ! የሱስ ንሰዓብቱ ኣጸቢቑ ኸም ዝሓልየሎም ዘርኢ ኢዩ። ደቀ መዛሙርቱ “ወንጌል” መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እተዋህቦም ሓላፍነት ኽፍጽሙ ኸለዉ ዕረፍቲ ይረኽቡ ኢዮም። እዚ ብዙሕ ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣሎም ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 4:⁠36

ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ግዜ ነዊሕ እዋን ኣቐዲሙ: ሓጐስ ክፍሊ ናይቲ ንኣምላኽ ዝቐርብ ቅዱስ ኣገልግሎት ክኸውን ከም ዘለዎ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጕሊሑ ነይሩ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ኵልኺ ምድሪ: ንእግዚኣብሄር እልል በልሉ። ንእግዚኣብሄር ብሓጐስ ተገዝእዎ: ኣብ ቅድሚኡ ብእልልታ ምጹ” ኢሉ ኽዝምር ከሎ ነዚ ንጹር ገይርዎ ኢዩ። (መዝሙር 100:⁠1, 2) ሎሚ: ካብ ኵሎም ህዝብታት እተዋጽኡ ሰባት ብየሆዋ ይሕጐሱ ኣለዉ: መግለጺ ውዳሰኦም ድማ ከም እልልታ ናይ ዕዉት ሰራዊት ኢዩ። እቶም ብሓቂ ንየሆዋ ውፉያት ዝዀኑ ሰባት ናብኡ “ብእልልታ” ኢዮም ዝመጹ። እዚ እውን ብሓቂ ዝግባእ ኢዩ: ከመይሲ የሆዋ ኣገልገልቱ ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ክመላለሱ ኸለዉ ባህ ክብሎም ዝደሊ “ሕጉስ ኣምላኽ” ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 1:⁠11 NW

ዕረፍቲ ዝረኸቡ ኣገልገልቲ

ኣብ ግራት ኣገልግሎት ኣበርቲዕና ምስ እንዓዪ ድኻም ዘይኰነስ ዕረፍቲ ኽስምዓና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ንየሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ከም ሓይልኻ ዘሐድስ መግቢ ኢዩ ነይሩ። “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” በለ።​—⁠ዮሃንስ 4:⁠34

ብተመሳሳሊውን ሎሚ ዘለዉ ቀናኣት ክርስትያናት ‘ነቲ ቓል ኣብ ዝሰብክሉ’ እዋን ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2) ኣብ ዕዮ ስብከት ኣብ ወርሒ ልዕሊ 70 ሰዓታት እተሕልፍ ኮኒ እትበሃል ክርስትያን ሰበይቲ “ኣብ ኣገልግሎት ድሕሪ ምክፋለይ: ዋላ እውን ደኺመ ኸለኹ: ናይ ዕግበትን ሓጐስን ስምዒት ኢዩ ዝስምዓኒ” በለት።

ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እንተ ዘይተቐበልዎኸ፧ ኮኒ ቐጺላ ኸምዚ በለት:- “እቲ ሰባት ዝህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ: ኣብ ኣገልግሎት ብምክፋለይ እተጠዓስክሉ እዋን የለን። ንየሆዋ ዘሐጕሶ ነገር እገብር ምህላወይ እፈልጥ ኢየ: ኣብ ርእሲኡ እውን ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ምንጋር ዘሐጕስ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ: ከመይሲ ከምኡ ኽገብር ከለኹ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዘደንቕ ተስፋታት ኣብ ልበይ ዝያዳ ኢዩ ዝሰርጽ።”

ገሊኣቶም ከኣ ንሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ንኽረኽቡ ምሕጋዝ: ህይወቶም ትርጕም ከም ዝህልዎ ዝገብር ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ኵሉ ሳዕ ኣብ ወርሒ ኻብ 50 ሰዓታት ንላዕሊ ኣብ ስብከት እተሕልፍ ሜሎኒ እትበሃል ሰበይቲ ኸምዚ በለት:- “ኣገልግሎት ንህይወተይ ኣንፈትን ዕላማን ዘለዋ ስለ ዝገብራ ዕረፍቲ ዘምጽእ ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ። ኣብ ኣገልግሎት ክካፈል ከለኹ ናይ ብሕቲ ጸገማተይን ኣብ መዓልታዊ ናብራይ ዘጋጥመኒ ውጥረትን እርስዖ ኢየ።”

ካልእ ቀናእ ኣገልጋሊት ዝዀነት ሚልሰንት እትበሃል ናይ የሆዋ ምስክር እውን ከምዚ በለት:- “ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኣብ ምንጋርን ምድሪ ብኸመይ ገነት ከም እትኸውን ኣብ ምግላጽን ዘሕልፋ መዓልቲ ዋጋ ዘለዋ ኢያ። ንየሆዋ ኣብ መዓልታዊ ናብራይ ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነ ገይረ ንኽርእዮ ኣኽኢሉኒ: ብኻልእ ዝዀነ ይኹን መገዲ ኽርከብ ዘይከኣል ሰላምን እተወሰነ ውሽጣዊ ሓጐስን ከም ዝረክብ እውን ገይሩኒ ኢዩ።”

ዕረፍቲ ዝረኸቡ ተቐበልቲ እቲ መልእኽቲ

ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ በቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ዕረፍቲ ኸም ዝረኽቡ እተረጋገጸ ኢዩ: እቶም ነቲ ህይወት ዝህብ መልእኽቲ ዝቕበሉ እውን ምጽንናዕ ይረኽቡ ኢዮም። ሓንቲ ኣብ ፖርቱጋል እትነብር መምህር ካብ ፈለስትን ኣቕሽሽትን ስልጠና ተዋሂብዋ እኳ እንተ ነበረ: ቤተ⁠-​ክርስትያና ብመንፈሳዊ ዘድልያ ነገራት ከም ዘየማልአትላ ግን ይስምዓ ነበረ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ ሕቶታት ኣይተመለሰላን። ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ስርዓታውያን ኰይነን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዓ ምስ ጀመራ ግን በብቕሩብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምርዳእ ረኸበት። እታ መምህር ኣዝያ ተሓጐሰት። “ሕቶታተይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝርከብ ዘእምን መርትዖታት በብሓደ መልሲ ይረክብ ስለ ዝነበረ: ረቡዕ ረቡዕ እንገብሮ ዝነበርና መጽናዕቲ ተሃንጥየ ኢየ ዝጽበዮ ነይረ” ኸኣ በለት። ሎሚ: እዛ ሰበይቲ እዚኣ ህይወታ ዝወፈየት ኣገልጋሊት የሆዋ ኢያ: ንሳውን በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ገይራ ኻልኦት ዕረፍቲ ንኽረኽቡ ትሕግዝ ኣላ።

ስለዚ: ርዝነት ናይቲ ዕዮ ስብከት ወይ ስፍሓት ናይቲ ዓለምለኻዊ ዞባኦም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኸም ዘይኰኖም ንጹር ኢዩ። ዘይምግዳስ ኰነ ምጽራር እውን ኣየሐልሎምን ኢዩ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽሰብኩ እተዋህቦም መዝነት ንኽፍጽሙ ይጋደሉ ኢዮም። ነቲ ብስራት ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዝርከቡ ሰባት የካፍልዎም ኢዮም፣ ንኣብነት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዓበይቲ ማካይን ደው ኣብ ዝብላሉ ቦታ (1): ኣብ ኮርያ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ (2): ኣብ ኣንደስ (3): ወይ ኣብ ዕዳጋታት ለንደን (4)። ሎሚ ዘለዉ ሰዓብቲ የሱስ ኣብ መላእ ዓለም ነቲ ዓስቢ ዘለዎ ዕዮኦም ተሓጒሶም ይዓይዎ ኣለዉ። የሱስ ድማ ከምቲ እተመባጽዖ ኣዕሪፍዎምን ንብዙሓት ካልኦት ንኸዕርፉ ተጠቂምሎምን ኢዩ።​—⁠ራእይ 22:⁠17

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

1

2

3

4