ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ተወከል

ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ተወከል

ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ተወከል

ደበና ኣብ ዘይብሉ ምሸት ኣብ ሰማይ ብኣማእታት ዝቝጸር ከዋኽብቲ ርኢኻዶ ትፈልጥ፧ ብኸመይ ኢዮም ናብ ህላወ ዝመጹ፧

 እዞም ከዋኽብቲ እዚኣቶም ኣብ ጽምዋ ለይቲ ነቲ ንጉስ ናይ ጥንቲ እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ብምሳልያዊ መገዲ ስለ እተዛረብዎ “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ” ኢሉ ጸሓፈ። (መዝሙር 19:⁠1) እወ: ፍጥረት ዘይኰነስ ፈጣሪ ኢዩ “ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ” ብቑዕ ዝዀነ።​—⁠ራእይ 4:⁠11፣ ሮሜ 1:⁠25

መጽሓፍ ቅዱስ “ንዅሉ ዘዳለወ . . . ኣምላኽ እዩ” ይብለና። (እብራውያን 3:⁠4) እወ: እቲ ‘የሆዋ ዝስሙ’ (NW ) ናይ ሓቂ ኣምላኽ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል” ኢዩ። (መዝሙር 83:⁠18) ዘይክዉን ወይ ወርወርታ ድማ ኣይኰነን። የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ: የሆዋ: “እቲ ዝለአኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ” በለ።​—⁠ዮሃንስ 7:⁠28

የሆዋ​—⁠ፈጻሚ ዕላማታቱ

እቲ ኣምላኽ በይኑ ዝጽውዓሉ የሆዋ ዝብል ስም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጥራይ ዳርጋ 7,000 ግዜ ይርከብ ኢዩ። ስሙ እውን ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። ስም ኣምላኽ ቃል ብቓሉ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ዝብል ትርጕም ኣለዎ። በዚ ኣቢሉ ድማ የሆዋ ፈጻሚ ዕላማታቱ ምዃኑ ገለጸ። ሙሴ ስም ኣምላኽ ምስ ሓተተ: የሆዋ ንትርጕም ስሙ “እቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ” ብምባል ኣስፊሑ ገለጸሉ። (ዘጸኣት 3:⁠14) ትርጕም ሮተርሃም ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ብንጽር ዝበለ መገዲ “ባህ ዝበለኒ ኢየ ዝኸውን” ኢልዋ ኣሎ። የሆዋ ነቲ ጽድቃዊ ዕላማታቱን መብጽዓታቱን ንምፍጻም ዝደለዮ ይኸውን ወይ ክኸውን ይመርጽ ኢዩ። ፈጣሪ: ኣቦ: ሉዓላዊ ጐይታ: ጓሳ: የሆዋ ጐይታ ሰራዊት: ሰማዕ ጸሎት: ፈራዲ: ዓቢ መምህር: ተበጃዊ ዝብል ዘደንቕ መዓርጋት ኣለዎ።​—⁠መሳፍንቲ 11:⁠27፣ መዝሙር 23:⁠1፣ 65:⁠2፣ 73:⁠28 NW፣ 89:⁠26ኢሳይያስ 8:⁠13፣ 30:⁠20 NW፣ 40:⁠2841:⁠14

ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ የሆዋ ዝብል ስም ክሕዝ ዝኽእል: ከመይሲ ሰባት መደባቶም ዕዉት ከም ዝኸውን ርግጸኛታት ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። (ያእቆብ 4:⁠13, 14) የሆዋ ጥራይ ኢዩ ኸምዚ ዝስዕብ ክብል ዝኽእል:- “ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸየስተዮ: ከም ዜፍርን ከም ዜብቍልን ከኣ ከይገበሮ: ዘርኢ ንዘራኢ: ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሀቦ: ንድሕሪት ከም ዘይምለስ: እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 55:⁠10, 11

የሆዋ ዕላማታቱ ኸም ዝፍጸም ኣዝዩ ርግጸኛ ስለ ዝዀነ: እቲ ንሰባት ዘይከውን ዝመስሎም እውን ንዕኡ ኽዉን ኢዩ። ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ድሕሪ ሙማቶም ነዊሕ እዋን ጸኒሑ የሱስ ንዓታቶም ድሕሪ ምጥቃስ “ንእኡ [ንየሆዋ] ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ: ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር: ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን” በለ። (ሉቃስ 20:⁠37, 38) እዞም ሰለስተ እሙናት ርእሲ ኣቦታት ድሮ ሞይቶም ኢዮም ነይሮም: እንተዀነ ግን ኣምላኽ ንኸተንስኦም ዘለዎ ዕላማ ኸም ዝፍጽሞ ምሉእ ብምሉእ ርግጸኛ ስለ ዝዀነ: ንዕኡ ኸም ህያዋን ኢዮም። ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ኻብ ፈጠሮ: ነዞም ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ እንደገና ህያዋን ንምግባር ኣይከብዶን ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠7

ሃዋርያ ጳውሎስ: ኣምላኽ ዝዓለሞ ከም ዝፍጽም ዘርኢ ካልእ ኣብነት ጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት: ንኣብርሃም “ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ” ተባሂልሉ ኣሎ። (ሮሜ 4:⁠16, 17) ኣብራም ገና ውሉድ ኣብ ዘይነበሮ እዋን: የሆዋ ንስሙ ናብ ኣብርሃም ቀየሮ: ትርጕሙ ኸኣ “ኣቦ ብዙሓት” ማለት ኢዩ። የሆዋ ነቶም ኣሪጎም ዝነበሩ ኣብርሃምን ሰበይቱ ሳራን ብተኣምራት ከም ዝወልዱ ብምግባር ትርጕም ስሙ ንኸንቱ ከም ዘይኰነ ኣርኣየ።​—⁠እብራውያን 11:⁠11, 12

የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ሓይልን ስልጣንን ስለ ዝነበሮ: ብዛዕባ ሓቅነት ዘለዎ ነገራት ካብ ኣረኣእያ ሰባት ንላዕሊ ክብ ብዝበለ መገዲ ኢዩ ተዛሪቡ። ኣልኣዛር ፈታዊኡ ሞይቱ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ: ክኸይድ እየ” በሎም። (ዮሃንስ 11:⁠11) የሱስ ሓደ ዝሞተ ሰብኣይ ደቂሱ ጥራይ ከም ዘሎ ገይሩ እተዛረበሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

የሱስ ኣብታ ቢታንያ እትበሃል ዓዲ ኣልኣዛር ምስ በጽሐ: ናብቲ መቓብር ከደ እሞ ነቲ ዓጽይዎ ዝነበረ እምኒ ኸልዕልዎ ኣዘዞም። ዓው ኢሉ ድሕሪ ምጽላዩ ኸኣ “ኣልኣዛር ንዓ: ናብ ወጻኢ ውጻእ” በለ። እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ነቲ መቓብር እናጠመቱ ኸለዉ “እቲ ምዉት ብግኑዙ: ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእሱሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጕኑ ኸሎ ወጸ።” የሱስ ድማ “ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ” በሎም። (ዮሃንስ 11:⁠43, 44) የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ፣ እወ: ንኣርባዕተ መዓልቲ ሞይቱ ዝነበረ ሰብ ኢዩ ኣተንሲኡ! ፈታዊኡ ደቂሱ ኸም ዘሎ ገይሩ ኽዛረብ ከሎ ነቲ ሓቂ ኣይጠወዮን። ብኣረኣእያ የሆዋን የሱስን: እቲ ሞይቱ ዝነበረ ኣልኣዛር ደቂሱ ኢዩ ነይሩ። እወ: የሱስን ሰማያዊ ኣቦኡን ኣብቲ ሓቂ ዘበለ ነገራት ኢዮም ዝግደሱ።

የሆዋ ንተስፋታትና ኽፍጽሞ ይኽእል ኢዩ

ኣብ መንጎ መዐሸውቲ ጣኦታትን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ፍልልይ ኰን ኢዩ ዘሎ! ኣምለኽቲ ጣኦት: ነቲ ኽብሪ ዝህብዎ ነገር ብጌጋ ልዕለ⁠-​ሰብኣዊ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ዘኽበሩ እንተ ኣኽበርዎ ግን እዞም ጣኦታት እዚኣቶም ተኣምራት ናይ ምግባር ክእለት ኣይህልዎምን ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን: የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ቀደም ዝሞቱ ኣገልገልቱ እንደገና ህይወት ክህቦም ስለ ዝኽእል ህያዋን ከም ዝዀኑ ገይሩ ኢዩ ዝዛረበሎም። ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂ ኢዩ:’ ንህዝቡ እውን ፈጺሙ ኣየታልልን ኢዩ።​—⁠ኤርምያስ 10:⁠10

እቶም ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ዘለዉ ምዉታት ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ኽትንስኡ ወይ እንደገና ህያዋን ክዀኑ ምዃኖም ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ! (ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15) እወ: ትንሳኤ ኽበሃል ከሎ ንሓደ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ህይወት ምምላስ ዘጠቓልል ኢዩ። ነቲ እዚ ዘይበሃል ጥበብን ሓይልን ዘለዎ ፈጣሪ: ንሓደ ዝሞተ ሰብ ቀደም ዝነበሮ ህይወት ምዝካርን ምትንስኡን ኣየሸግሮን ኢዩ። (እዮብ 12:⁠13፣ ኢሳይያስ 40:⁠26) የሆዋ ኣዝዩ ፈቃር ስለ ዝዀነ: ነቶም ዝሞቱ ምስ ኵሉ እቲ ዝነበሮም ባህርያት ኣብታ ገነታዊት ምድሪ እንደገና ህያዋን ንምግባር ነቲ ፍጹም ናይ ምዝካር ክእለቱ ኽጥቀመሉ ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 4:⁠8

መወዳእታ ናይዛ ሰይጣን ዝቈጻጸራ ዓለም እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን: እቶም ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝውከሉ ሰባት ብርግጽ ብሩህ ተስፋ ኢዩ ዘለዎም። (ምሳሌ 2:⁠21, 22፣ ዳንኤል 2:⁠44፣ 1 ዮሃንስ 5:⁠19) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ብምባል የረጋግጸልና ኢዩ:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:⁠10, 11) ገበንን ዓመጽን ኣይክህሉን ኢዩ። ፍትሒ ኽሰፍን: ቍጠባዊ ጸገማት ከኣ ክውገድ ኢዩ። (መዝሙር 37:⁠6፣ 72:⁠12, 13፣ ኢሳይያስ 65:⁠21-23) ኵሉ እቲ ማሕበራዊ: ዓሌታዊ ዀነ ቀቢላዊ ኣፈላላይ ክውገድ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35) ውግእን ኣጽዋር ውግእን ኣይክህሉን ኢዩ። (መዝሙር 46:⁠9) ኣብቲ ግዜ እቲ “ሓደ እኳ: ሕማቕ እየ: ኣይብልን።” (ኢሳይያስ 33:⁠24) ኵሉ ሰብ ድማ ፍጹምን ምሉእን ጥዕና ኽህልዎ ኢዩ። (ራእይ 21:⁠3, 4) ድሕሪ ሓጺር እዋን ምድሪ ገነት ክትከውን ኢያ። እዚ ዅሉ ዕላማ የሆዋ ኢዩ!

እወ: ኵሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋታት ድሕሪ ሓጺር እዋን ፍጻሜኡ ኽረክብ ኢዩ። ኣብ የሆዋ ኽንውከል እናኸኣልና ኽነስና በዚ እዛ ዓለም እተምልኾ ነገራት ንምንታይ ንዕሾ፧ የሆዋ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ኢዩ ዝደሊ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠3, 4) ነዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ከም ወርወርታ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ ዘይኰነ ነገራትን ኣማልኽትን ግዜናን ሃብትናን ኣብ ክንዲ እነጥፍእ: ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘሎና ፍልጠት ነዕብዮ: ብምሉእ ልብና ድማ ኣብኡ ንወከል።​—⁠ምሳሌ 3:⁠1-6፣ ዮሃንስ 17:⁠3

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

ብኣረኣእያ የሆዋን የሱስን ኣልኣዛር ደቂሱ ኢዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ድሕሪ ሓጺር እዋን ምድሪ ገነት ክትከውን ኢያ