ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዲኻ እትውከል፧

ኣብ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዲኻ እትውከል፧

ኣብ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዲኻ እትውከል፧

በቲ ናይ ተፈጥሮ ታሪኽ ቤተ⁠-​መዘክር ኣመሪካ እተላእከ ጕጅለ ነቲ ሮበርት ኢ. ፒሪ ሸውዓተ ዓመታት ኣቐዲሙ ማለት ብ1906 ኣብ ኣርክቲክ ርእየዮ ዝበሎ መሬት ንምርካብ ጕዕዝኡ ጀመረ።

 ፒሪ ኣብታ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ምዕራብ ሰሜን ኣመሪካ እትርከብ ኬፕ ኮልጌት ኰይኑ ኣብ ርሑቕ ናይ ዝርከብ ጻዕዳ ዝጫፉ መሬት ዝመስል ነገር ከም ዝረኣየ ገሊጹ ነይሩ። ምድሪ ክሮከር ብምባል ድማ ብስም እቲ ሓደ ኻብቶም ገንዘባዊ ሓገዝ ዝገብሩሉ ዝነበሩ ሰባት ሰመዮ። ኣባላት ናይቲ ስዒቡ እተገብረ ጕዕዞ: ኵድዅዶታትን ስንጭሮታትን ብበረድ እተሸፈነ ጫፍ ኣኽራናትን ምስ ተራእዮምስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ተሓጒሶም ክዀኑ ዘለዎም! እንተዀነ ግን: ነዊሕ ከይጸንሑ እቲ ዝርእይዎ ዝነበሩ ናይ ኣርክቲክ ወርወርታ ጥራይ ምዃኑ ኣስተውዓሉ። እዚ ብምኽንያት ኣብ ከባቢ ምድሪ ዘሎ ኣየር ዝፍጠር ናይ ብርሃን ክስተት ንፒሪ ኣደናጊርዎ ኢዩ: እዞም ጕጅለ እዚኣቶም ድማ ንሓደ ናይ ሓቂ ዘይኰነ ነገር ንምርካብ ድሮ ግዜኦምን ጕልበቶምን ገንዘቦምን ኣጥፊኦም ኢዮም።

ሎሚ ብዙሓት ሰባት ነቶም ናይ ሓቂ ኢዮም ኢሎም ዝኣምኑሎም ኣማልኽቲ ተወፋይነቶምን ግዜኦምን ይህብዎም ኢዮም። ብግዜ ሃዋርያት የሱስ: ከም ሄርሜስን ድያን ዝኣመሰሉ ኣማልኽቲ ይምለኹ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠11, 12) ሎሚ እውን እንተዀነ ሰዓብቲ እምነት ሺንቶ: ሂንዱ: ከምኡውን ካልኦት ሃይማኖታት ዘምልኽዎም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣማልኽቲ ኣለዉ። እወ: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ‘ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ኣለዉ።’ (1 ቈረንቶስ 8:⁠5, 6) ኵላቶም ግን ናይ ሓቂ ኣማልኽቲ ክዀኑ ይኽእሉ ድዮም፧

‘ከድሕኑ ዘይከኣሎም’ ኣማልኽቲ

ንኣብነት: ብዛዕባ ንኣምልኾ ኢልካ ዝግበር ስእልን ምስልን እሞ ሕስብ። ነቶም ኣብ ጣኦት ዝውከሉ ወይ ብእኦም ኣቢሎም ዝጽልዩ ሰባት: ዓስቢ ኽህብዎም ወይ ካብ ሓደጋ ኸድሕንዎም ዝኽእሉ ልዕለ⁠-​ሰብኣዊ ሓይልታት ይመስልዎም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ብሓቂ ኸድሕኑ ይኽእሉዶ ኢዮም፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ እዚኣቶም ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ጣኦታት ኣህዛብሲ ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብሩርን ወርቅን እዮም። ኣፍ አለዎም: ኣይዛረቡን: ኣዒንቲ አለዎም: ኣይርእዩን: ኣእዛን አለዎም: ኣይሰምዑን እዮም። ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።” እወ: ‘ከድሕኑ ዘይከኣሎም’ ኣማልኽቲ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 135:⁠15-17፣ ኢሳይያስ 45:⁠20

ልክዕ ኢዩ: እቶም ጣኦታት ዝሰርሑ ሰባት ነቶም ስርሓት ኢዶም ዝዀኑ ነገራት: ህያዋንን ሓይሊ ዘለዎምን ገይሮም ክርእይዎም ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ጣኦታት ዘምልኹ ድማ ይውከልዎም ኢዮም። ነብዪ ኢሳይያስ “ኣልዒሎም ኣብ መንኵቦም ይጾርዎ: ኣብ ስፍራኡ ኸኣ የንብርዎ: ኣብኡ ይቐውም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ካብ ስፍራኡውን ፍንሕንሕ ኣይብልን። ዝጸውዔ እንተ ጸውዔ: ኣይመልስን ካብ ጸበባኡውን ኣየድሕኖን” በለ። (ኢሳይያስ 46:⁠7) እቶም ኣብ ጣኦት ዝውከሉ ጽኑዕ እምነት ይሃልዎም ብዘየገድስ ጣኦታት ህያዋን ኣይኰኑን ኢዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ቕሩጽን ፍሱስን ምስልታት “ዋጋ ዘይብሎም ኣማልኽቲ” ኢዮም።​—⁠ኣንባቆም 2:⁠18 NW

ሎሚ ውሩያት ተዋሳእቲ: ህቡባት ስፖርተኛታት: ፖለቲካዊ ስርዓታት: ከምኡውን ገሊኦም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ይምለኹ ወይ ፍሉይ ክብሪ ይወሃቦም ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ገንዘብ ንብዙሓት ሰባት ኣምላኾም ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ: እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም ዘይኰንዎ ዀይኖም ኢዮም ዝቐርቡ። ነቶም ኣብኦም ዝኣምኑ ሰባት ኵሉ እቲ ዝደልይዎ ነገራት ክገብሩሎም ኣይክእሉን ኢዮም። ንኣብነት: ሃብቲ መፍትሒ ናይ ዝበዝሕ ሽግራት ክመስል ይኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን መዐሸዊ ኢዩ። (ማርቆስ 4:⁠19) ሓደ ተመራማሪ ኸምዚ ብምባል ሓቲቱ ኢዩ:- “ብሰባት ኣጸቢቑ ዝበሃግ እሞ ኸኣ መፍትሒ ናይ ዝዀነ ይኹን ነገር ተባሂሉ ዝእመነሉ: ምስ ኣጥረኻዮ ግን ጓህን ስንባድን ዘስዕብ ስለምንታይ ኢዩ፧” እወ: ሓደ ሰብ ደድሕሪ ሃብቲ ኽጐዪ ኽብል ከም ጥዕና: ዘሐጕስ ናብራ ስድራ​ቤት: ጥብቂ ዕርክነት: ምስ ፈጣሪ ዝነበሮ ክቡር ርክብ ዝኣመሰለ ናይ ሓቂ ዋጋ ዘለዎ ነገራት ከጥፍእ ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ካብ ‘ጣኦት ሓሶት’ ሓሊፉ ዝዀኖ የለን!​—⁠ዮናስ 2:⁠8 NW

“ዚመልስውን ኣይነበረን”

ናይ ሓቂ ንዘይኰነ ነገር ናይ ሓቂ ኢዩ ምባል ዕሽነት ኢዩ። እቶም ብግዜ ነብዪ ኤልያስ ዝነበሩ ኣምለኽቲ ናይቲ በዓል ዝበሃል ኣምላኽ ነዚ ሓቂ እዚ ከይፈተዉ ኢዮም ውሒጦምዎ። በዓል ካብ ሰማይ ሓዊ ብምስዳድ ነቲ ንመስዋእቲ ዝቐረበ እንስሳ ኸሕርሮ ኸም ዝኽእል ኣጸቢቖም ይኣምኑ ነበሩ። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን “ዎ በዓል: ምላሽ ሀበና: እናበሉ ኻብ ብጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ብስም በዓል ተማህለሉ።” በዓል ግን ክሰምዕ ዝኽእል እዝንን ክዛረብ ዝኽእል ኣፍን ነይርዎ ድዩ፧ እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ድምጺ ኣይነበረን: ዚመልስውን ኣይነበረን” ይብል። እወ: “ዜቕልብ ድማ ኣይነበረን።” (1 ነገስት 18:⁠26, 29) በዓል ናይ ሓቂ ወይ ህያው ኣይነበረን።

ነቲ ናይ ሓቂ ዝዀነ ኣምላኽ ክንፈልጦን ከነምልኾን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን ኢዩ! ግናኸ ንሱ መን ኢዩ፧ ኣብኡ ብምውካልናኸ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ኢጊንያ ዝበሃል ንፒሪ ብጻዩ ምድሪ እንተ ተራእዮ ኢሉ ኸማዕዱ ኸሎ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ሮበርት ኢ. ፒሪ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Egingwah: From the book The North Pole: Its Discovery in 1909 Under the Auspices of the Peary Arctic Club, 1910; Robert E. Peary: NOAA

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ብዙሓት ሰባት በቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተምልኾ ነገር ተታሊሎም ኢዮም