ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እተፈላለየ ኣረኣእያ ዘማዕበሉ ኣሕዋት

እተፈላለየ ኣረኣእያ ዘማዕበሉ ኣሕዋት

እተፈላለየ ኣረኣእያ ዘማዕበሉ ኣሕዋት

 ወለዲ ዝገብርዎ ውሳነታት ንውሉዳቶም ናይ ግድን ይትንክፎም ኢዩ። እዚ ድማ ካብ ግዜ ገነት ኤድን ኣትሒዙ ኽርአ ዝጸንሐ ሓቂ ኢዩ። እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝመረጽዎ ናይ ዕልወት መገዲ: ንዅሎም ደቅሰብ ዘይሃስስ ጽልዋ ገዲፍሎም ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:⁠15, 16፣ 3:⁠1-6፣ ሮሜ 5:⁠12) እንተዀነ ግን: ነፍሲ ወከፍና እንተ ደሊና ምስ ፈጣሪ ጽቡቕ ርክብ ንኸነማዕብል ኣጋጣሚ ተኸፊቱልና ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብቶም ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ናይ መጀመርታ ኣሕዋት ዝነበሩ ቃየልን ኣቤልን ተራእዩ ኢዩ።

ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኤድን ምስ ተሰጐጉ ኣምላኽ ከም እተዛረቦም ዝሕብር ነገር ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይንረክብን ኢና። ንደቆም ካብ ምዝራብ ግን ኣይተቘጠበን። ንቃየልን ኣቤልን እቲ ዘጋጠመ ነገራት ወለዶም ከም ዝነገርዎም ኣየጠራጥርን ኢዩ። ነቲ “ንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት” ተባሂሉ እተገብረ ‘እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍን ኪሩቤልን’ ክርእይዎም ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። (ዘፍጥረት 3:⁠24) ነቲ ረሃጽን ጻዕርን ክፍሊ ህይወት ወድሰብ ክኸውን ምዃኑ ኣምላኽ እተዛረቦ መርገም ክፍጸም ከሎ እውን ብዓይኖም ርእዮሞ ኢዮም።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠16, 19

ቃየልን ኣቤልን: የሆዋ ነቲ ተመን “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” ኢሉ ኸም እተዛረቦ ይፈልጡ ነይሮም ክዀኑ ኣለዎም። (ዘፍጥረት 3:⁠15) ብዛዕባ የሆዋ ዝፈልጥዎ ነገራት ምስኡ ቕቡል ዝዀነ ርክብ ንኸማዕብሉ ዘኽእሎም ነበረ።

ብዛዕባ እቲ የሆዋ እተዛረቦ ትንቢትን ከም ፈቃር ገባር ሰናይ መጠን ዘርኣዮ ባህርያትን ምስትንታኖም ኣብ ቃየልን ኣቤልን መለኮታዊ ስምረት ናይ ምርካብ ባህጊ ኣሕዲሩ ክኸውን ኣለዎ። ነዚ ባህጊ እዚ ግን ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ከማዕብልዎ፧ ነቲ መፋጥርቶም ዝዀነ ንኣምላኽ ናይ ምምላኽ ባህጊ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ የሆዋ ዘለዎም እምነት ክሳዕ ምርኣይ ዘብጽሕ መንፈሳዊ ዕቤት ክገብሩ ይጽዕሩዶ ዀን ይዀኑ፧​—⁠ማቴዎስ 5:⁠3

እቶም ኣሕዋት መስዋእቲ ኣቕረቡ

ግዜኡ ምስ ኣኸለ: ቃየልን ኣቤልን ንኣምላኽ መስዋእቲ ኣምጽኡ። ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ: ኣቤል ድማ ካብ በዅራት ኣባጊዑ መስዋእቲ ኣቕረቡ። (ዘፍጥረት 4:⁠3, 4) ኣዳም ነቲ ሳልሳይ ወዱ ሴት ክወልድ ከሎ ወዲ 130 ዓመት ስለ ዝነበረ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ደቂ 100 ዓመት ኣቢሎም ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ዘፍጥረት 4:⁠25፣ 5:⁠3

ቃየልን ኣቤልን መስዋእቲ ብምቕራቦም ሓጢኣተኛታት ምዃኖም ከም እተኣመኑን ሞገስ ኣምላኽ ከም ዝደለዩን ዘርኢ ነበረ። ነቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ተመንን ዘርኢ እታ ሰበይትን ዝሃቦ መብጽዓ እንተ ወሓደ ብእተወሰነ ደረጃ ሓሲቦምሉ ክዀኑ ኣለዎም። ምስ የሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ ርክብ ንምምዕባል ክንደይ ዝኸውን ግዜን ጻዕርን ከም ዘሕለፉ ግን ኣይተገልጸን። ይኹን እምበር: እቲ ኣምላኽ ንመስዋእቶም ዝነበሮ ኣረኣእያ ናይ ነፍሲ ወከፎም ውሽጣዊ ድራኸ ዝገልጽ ኢዩ።

ገሊኣቶም ምሁራት: ሄዋን ንቃየል ምስ ወለደት “ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ” ስለ ዝበለት: ቃየል ነቲ ተመን ዘጥፍእ ‘ዘርኢ’ ገይራ ኸም ዝረኣየቶ ሓሳብ ይህቡ ኢዮም። (ዘፍጥረት 4:⁠1) ቃየል ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ እንተድኣ ነይርዎ: ምሉእ ብምሉእ ኢዩ ተጋግዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣቤል ብእምነት ኢዩ መስዋእቲ ኣቕሪቡ። ስለዚ “ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ።”​—⁠እብራውያን 11:⁠4

ኣብ መንጎ እዞም ኽልተ ኣሕዋት ዝነበረ ፍልልይ ኣቤል ንመንፈሳዊ ነገራት ምስትውዓል ምጥራዩ: ቃየል ግን ዘይምጥራዩ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ኣረኣእያኦም እውን ፍልልይ ነይርዎም ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ “እግዚኣብሄር . . . ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረአየ። ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረአየን።” ቃየል ብዛዕባ እቲ መስዋእቲ ኣዕሚቑ ኸም ዘይሓሰበን ካብ ክሳድ ንላዕሊ ጥራይ የቕርቦ ምንባሩን ርዱእ ኢዩ። ኣምላኽ ግን ነቲ ንማለቱ ጥራይ ዝቐረበ ኣምልኾ ኣይተቐበሎን። ቃየል እኩይ ልቢ ኣማዕበለ: የሆዋ እውን ግጉይ ድራኸ ኸም ዝነበሮ ፈሊጥዎ ኢዩ። ቃየል መስዋእቱ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ምስ ፈለጠ ዘርኣዮ ባህሪ ነቲ ናይ ሓቂ ኣረኣእያኡ ዘቃልዕ ነበረ። ነቲ ጸገም ከዐሪ ኣብ ክንዲ ዝጽዕር “ኣዝዩ ዀረየ: ገጹ ድማ ጸለመ።” (ዘፍጥረት 4:⁠5) እዚ ዘንጸባረቖ ባህሪ ድማ ነቲ እኩይ ሓሳባቱን ውጥናቱን ኣቃልዖ።

እተዋህቦ መጠንቀቕታን ዘርኣዮ ምላሽን

ኣምላኽ ንኣረኣእያ ቃየል ስለ ዝፈለጦ “ስለምንታይ ኰሬኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧ ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ: ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፧ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ: ሓጢኣት ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወካ አላ: ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ: ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግብኣካ” ብምባል ገሰጾ።​—⁠ዘፍጥረት 4:⁠6, 7

ካብዚ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ሓጢኣት ንኽትውሕጠና ኣብ ኣፍ ደገ ትቃጸወና ኢያ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ናጻ ድሌት ስለ ዝሃበና: ቅኑዕ ምግባር ክንመርጽ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንቃየል ‘ጽቡቕ ንኽገብር’ ጻውዒት ኣቕረበሉ: ኣረኣእያኡ ንኽቕይር ግን ኣየገደዶን። ቃየል ናቱ መገዲ መረጸ።

እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ቃየል ድማ ንሓው ኣቤል ተዛረቦ። ኰነ ኸኣ: ኣብ መሮር ከለዉ: ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦ: ቀተሎ ድማ።” (ዘፍጥረት 4:⁠8) በዚ ኸምዚ ቃየል ዘይእዙዝን ጨካን ቀታል ነፍስን ኰነ። የሆዋ “ኣቤል ሓውካ: ኣበይ አሎ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ እኳ ናይ ጣዕሳ ምልክት ኣየርኣየን። ዘይስምዖን ነቓጽን ስለ ዝነበረ “ኣይፈልጥን: ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧” ኢሉ መለሰ። (ዘፍጥረት 4:⁠9) እዚ ዓይኒ ዘይብሉ ሓሶትን ምኽሓድ ሓላፍነትን ንጭካነ ቃየል ኣቃልዖ።

የሆዋ ንቃየል ረገሞ: ካብ ከባቢ ኤድን ድማ ሰጐጎ። እቲ ድሮ ምድሪ ተረጊማትሉ ዝነበረት መርገም ኣብ ቃየል ዝያዳ በርትዐ: ምድሪ ድማ ፍረ ኣየፍረየትሉን። ኰብላልን ቀባሕባሓይን ኰነ። ቃየል እቲ መቕጻዕቲ ኸቢዱኒ ኢሉ ኣብ ዘዕዘምዘመሉ እዋን ሕነ ሓዉ ንምፍዳይ ካልኦት ከየጥቅዕዎ ተዛረበ ድኣ እምበር ናይ ሓቂ ነስሓ ኣየርኣየን። የሆዋ ድማ ንቃየል “ምልክት” ገበረሉ፣ እዚውን ምናልባት ሕነ ኽፈድዩ ኢሎም ንኸይቀትልዎ ካልኦት ዝፈልጥዎን ዘኽብርዎን ኣዋጅ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 4:⁠10-15

ድሕሪኡ ቃየል “ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ: ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ: ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠ።” (ዘፍጥረት 4:⁠16) ካብ ኣሓቱ ወይ ካብ ደቂ ኣሕዋቱ ወይ ደቂ ኣሓቱ ድማ ሰበይቲ ኣእትወ። ድሕርዚ ብስም እቲ በዅሪ ወዱ ሄኖክ ኢሉ ዝሰመያ ኸተማ ሰርሐ። ካብ ዘርኢ ቃየል ዝመጸ ላሜክ: ከምቲ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ኣባሓጎኡ ጐነጽ ዝጥቀም ሰብ ኰነ። እንተዀነ ግን: ወለዶ ቃየል ብግዜ ኖህ ማይ ኣይሂ ምስ ወረደ ተደምሰሰ።​—⁠ዘፍጥረት 4:⁠17-24

ንዓና ዝኸውን ትምህርቲ

ካብ ዛንታ ቃየልን ኣቤልን ትምህርቲ ክንወስድ ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ “ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ: ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን” ብምባል ክርስትያናት ንሓድሕዶም ክፋቐሩ ምዒዱ ኢዩ። ‘ግብሪ ቃየል እኩይ: ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ኢዩ ነይሩ።’ ዮሃንስ ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር: ትፈልጡ ኢኹም።” እወ: ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ብጾትና እንፍጽሞ ነገራት ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብን ንመጻኢ ህይወትናን ክትንክፎ ይኽእል ኢዩ። ንኣማኒ ብጻይና እናጸላእና ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብ ኣይንኽእልን ኢና።​—⁠1 ዮሃንስ 3:⁠11-15፣ 4:⁠20

ቃየልን ኣቤልን ተመሳሳሊ ኣተዓባብያ ኢዩ ነይርዎም ክኸውን ዘለዎ: እንተዀነ ግን ቃየል ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣይነበሮን። አረ: መንፈስ ናይቲ ናይ መጀመርታ ‘ቐታል ነፍስን ኣቦ ሓሶትን’ ዝዀነ ድያብሎስ ኢዩ ኣንጸባሪቑ። (ዮሃንስ 8:⁠44) ስለዚ: ኵላትና ምርጫ ኸም ዘሎና: እቶም ሓጢኣት ክገብሩ ዝመርጹ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝርሕቑ: የሆዋ ድማ ኣብቶም ዘይንስሑ ፍርዱ ኸም ዝፍጽም ካብ ህይወት ቃየል ክንርኢ ንኽእል ኢና።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ኣቤል ብኣምላኽ ኣመነ። እወ: “ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዚበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኺምስክረሉ ኸሎ: ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ።” ኣቤል እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እኳ እንተ ዘይተመዝገበ: በታ ኣብነት እትኸውን እምነቱ ኣቢሉ ግን “ይዛረብ አሎ።”​—⁠እብራውያን 11:⁠4

ኣቤል ካብቶም ንጽህንኦም ዝሓለዉ ብዙሓት ሰባት እቲ ናይ መጀመርታ ኢዩ ነይሩ። እቲ ‘ኻብ ምድሪ ናብ እግዚኣብሄር ዝጠርዐ’ ደሙ ኣይተረስዐን። (ዘፍጥረት 4:⁠10፣ ሉቃስ 11:⁠48-51) ከም ኣቤል እምነት እንተድኣ ኣርኢና: ምስ የሆዋ ኽቡርን ነባርን ርክብ ክህልወና ኢዩ።

እቲ ሓረስታይን እቲ ጓሳን

ሓደ ኻብቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ንኣዳም ዝሃቦ ሓላፍነታት ንምድሪ ኽዓያን ንእንስሳታት ክከናኸኖምን ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 1:⁠28፣ 2:⁠15፣ 3:⁠23) ድሓር ቃየል ወዱ ሓረስታይ: ኣቤል ድማ ጓሳ ዀነ። (ዘፍጥረት 4:⁠2) ይኹን እምበር: ክሳዕ ማይ ኣይሂ ኣብ ዝነበረ ግዜ ወድሰብ ፍረታትን ኣሕምልትን ጥራይ ይምገብ ስለ ዝነበረ: ስለምንታይ ጓሳ ኣባጊዕ ምዃን ኣድለየ፧​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠29፣ 9:⁠3, 4

ኣባጊዕ ንኽስስና ክንክን ወድሰብ የድልየን ኢዩ። ኣቤል ዝዓዮ ዝነበረ ዕዮ: ደቅሰብ ካብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ ኣትሒዞም እንስሳ ዘቤት ከም ዝነበሮም ዘርኢ ኢዩ። እቶም ቀዳሞት ሰባት ጸባ ይሰትዩ ነይሮም እንተ ዀይኖም ወይ እንተ ዘይኰይኖም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይተገልጸን: እንተዀነ ግን ኣሕምልቲ ጥራይ ዝምገቡ ሰባት እውን ንጸምሪ ኣባጊዕ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣባጊዕ ምስ ሞታ ኸኣ ቈርበተን ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ንኣብነት: የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን “ደበሎ” ገይሩ ኸዲንዎም ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠21

በዚ ዀይኑ በቲ: ቃየልን ኣቤልን ይተሓጋገዙ ነይሮም ኢዮም ኢልካ ምሕሳብ ምኽንያታዊ ኢዩ ዝመስል። ካልኦት ኣባላት ስድራ​ቤቶም ንኽኽደኑን ንኽዕንገሉን ዘድሊ ነገራት ኢዮም ዘፍርዩ ነይሮም።

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

‘ግብሪ ቃየል እኩይ: ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ነበረ’