ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ “ዝነብዕ” ኦምን ኣብ ብዙሕ መዓላ ዝውዕል “ንብዓቱን”

እቲ “ዝነብዕ” ኦምን ኣብ ብዙሕ መዓላ ዝውዕል “ንብዓቱን”

እቲ “ዝነብዕ” ኦምን ኣብ ብዙሕ መዓላ ዝውዕል “ንብዓቱን”

ኤርምያስ 51:⁠8 ‘ንቓንዛ ፈውሲ [“ቅዲት:” NW ] ኣምጽኡ’ ትብል። እታ ኣብ ባሕሪ ኤጅያን እትርከብ ደሴት ክዮስ ሓደ ኻብቲ እዚ ኸም ፈውሲ ቓንዛን መድሃኒትን ኰይኑ ዘገልግል ቅዲት ዝፈርየሉ ቦታታት ኢያ።

 ሓጋይ ክኣቱ ኸሎ: ኣብ ክዮስ ዝርከቡ ሓረስቶት ምህርቲ ንምሕፋስ ዘይተለምደ ምድላው ይገብሩ ኢዮም። ኣብ ትሕቲ እቲ ወትሩ ልሙዕ ኣቝጽልቲ ዘለዎ ቘጥቋጥ ዝመስል ማስቲክ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኦም ዘሎ ባይታ ኾስቲሮም ብጻዕዳ ሓመድ ይምድምድዎ። ድሕርዚ እቶም ሓረስቶት ንጕንዲ እቲ ኦም ብምጭንዳሕ ከም “ዝነብዕ” ይገብርዎ። ቀስ እናበለ ድማ ፍስም ዝበለ ሕብሪ ዘለዎ ናይ ዕንዲዳ “ንብዓት” እናለሓዀ ይወጽእ። ድሕሪ ኽልተ ወይ ሰለስተ ሰሙናት: እቲ ዕንዲዳ ምስ ረግአ እቶም ሓረስቶት ሓደው ኻብቲ ጕንዲ ሓደው ካብቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘሎ ባይታ ይኣርይዎ። እዚ “ንብዓት” እዚ ማስቲካ ተባሂሉ ይጽዋዕ: ቅዲት ንምስራሕ ድማ የገልግል።

እንተዀነ ግን: ነዚ ምህርቲ እዚ ንምሕፋስ ዓቕልን ብርቱዕ ዕዮን ይሓትት ኢዩ። እዚ ጨላይ ዝሕብሩ እተጠዋወየ ጕንዲ ዘለዎ ኦም ንኽዓቢ ነዊሕ ግዜ ኢዩ ዝወስደሉ። ምሉእ ብምሉእ ንኽዓቢ ካብ 40 ክሳዕ 50 ዓመት ይወስደሉ፣ ዝበዝሕ ግዜ ድማ ቍመቱ ኻብ ክልተ ኽሳዕ ሰለስተ ሜትሮ ኣቢሉ ኢዩ ዝኸውን።

ብዘይ​ካ እቲ ኣጕናድ ንምጭንዳሕን “ንብዓት” ንምእካብን ዝግበር ብርቱዕ ሃልኪ: ነቲ ማስቲክ ምድላው ተወሳኺ ዕዮ ይሓትት ኢዩ። ሓረስቶት ነቲ “ንብዓት” ማስቲክ ድሕሪ ምእካቦም: ይሓሕይዎ: ይሓጽብዎ: በብዓቐኑን ዓይነቱን ድማ ይፈላልይዎ። ድሕርዚ እንደገና ይጸሪ እሞ ካብኡ ኣብ እተፈላለየ ጥቕሚ ይውዕል።

ታሪኽ ናይዚ ብርቂ ተኽሊ

እታ “ማስቲክ” እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቓል ካብታ “ኣስናን ምሕርቃም” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝመጸት ኢያ። (ማቴዎስ 8:⁠12፣ ራእይ 16:​10) እዚ ስም እዚ ሰባት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ኣፎም ጥዑም ሽታ ንኽህልዎ ኢሎም ዕንዲዳ ማስቲክ ይሓይኩ ምንባሮም ዝሕብር ኢዩ።

ማስቲክ ንመጀመርታ ግዜ እቲ ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ሄሮዶተስ ዝበሃል ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ኢዩ ጠቒስዎ። ከም ኣፖሎዶረስ: ዲዮስኮረዲስ: ከምኡውን ሂፖክራጠስ ዝኣመሰሉ ኻልኦት ደረስትን ሓካይምን እውን ንመድሃኒት ከም ዘገልግል ጠቒሶም ኣለዉ። እዚ ኦም እዚ ኣብ ኵሉ ገማግም ሜዲተራንያን ዝበቍል እኳ እንተዀነ: ካብ ከባቢ 50 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ግን ዳርጋ ክዮስ በይና ኢያ ኣፍራዪት ማስቲክ ኰይና ዘላ። ሮማውያን: ጄኖኣውያን: ከምኡውን ቱርካውያን ንክዮስ ክወርዋ ዝደረኾም እውን እዚ ምህርታ እዚ ኢዩ።

ኣብ ብዙሕ መዓላ ዝውዕል

ናይ ጥንቲ ግብጻውያን ሓካይም: ማስቲክ ንእተፈላለየ ሕማማት ንምፍዋስ ይጥቀሙሉ ነበሩ፣ ገለ ኻብዚ ድማ ሕማም ውጽኣትን ሪሕን ይርከብዎም። ከም ዕጣንን ንሬሳታት ንምዕቃብን ድማ ይጥቀሙሉ ነበሩ። ኦም ማስቲክ ምንጪ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንሕክምናን ንዅሕለ⁠-​ምሕልን ሬሳ ንምዕቃብን ዘገልግል ‘ፈውሲ ጊልዓድ’ ተባሂሉ ዘሎ ንጥረ⁠-​ነገር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ኤርምያስ 8:⁠22፣ 46:⁠11) ነቲ ምኡዝ ጨና ዘለዎ ቕዱስ ዕጣን ንምድላው ጥራይ ዘገልግል ከርበ ዘፍሪ ኦም እውን ሓደ ኻብ ዘርኢ ኦም ማስቲክ ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣሎ።​—⁠ዘጸኣት 30:⁠34, 35

ሎሚ: ማስቲክ ኣብቲ ንናይ ዘይቲ ቕብኣታት: ኣቝሑት: ከምኡውን ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ንምልካይ ዘገልግል ቨርኒቸ ይርከብ ኢዩ። ዋሕዚ ኤለክትሪክ ንምዕጋትን ኣቝሑ ብማይ ንኸይበላሾ ንምክልኻልን የገልግል፣ ዓለባታት ዝሰተዮ ቐለም ከም ዘይብለልን ሰኣልቲ ዝጥቀሙሉ ቀለም ከም ዘይፍስምን ኣብ ምግባር ድማ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ኣለዎ። መጣበቒ ንምስራሕን ቈርበት ንምልፋዕን እውን ይጠቅም ኢዩ። ምኡዝ ሽታን ካልእ ባህ ዘብል ነገራትን ስለ ዘለዎ ድማ ሳሙና: ኵሕለ⁠-​ምሕሊ: ከምኡውን ጨና ንምስራሕ የገልግል ኢዩ።

ማስቲክ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከብ 25 እተፈላለየ ወግዓዊ መዝገብ ዝርዝር መድሃኒታት ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብ ዓዲ ኣዕራብ እውን ክሳዕ ሕጂ ከም ባህላዊ ፈውሲ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ንዝጐድጐደ ዀራርምቲ ንምዕባስን ውሽጣዊ ክፋል ለቖታ መድሃኒት ንምልካይን ድማ የገልግል ኢዩ።

እዚ ኣብ ብዙሕ መዓላ ዝውዕል “ንብዓት” ናይቲ “ዝነብዕ” ኦም ማስቲክ ምንጪ ቕዲት ከም ምዃኑ መጠን ንብዙሕ ዘመናት ፈውሲ ቓንዛን መድሃኒትን ኰይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ። ስለዚ: ኤርምያስ ኣብ ትንቢቱ ‘ንቓንዛ ፈውሲ [“ቅዲት:” NW ] ኣምጽኡ’ ኽብል እኹል ምኽንያት ኣለዎ።

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ክዮስ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ምህርቲ ማስቲክ ክሕፈስ ኸሎ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

“ንብዓት” ማስቲክ ተጠንቂቕካ ኢዩ ዝእከብ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Chios and harvest line art: Courtesy of Korais Library; all others: Kostas Stamoulis