ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ወትሩ ሰናይ ኣንጸባርቕ

ወትሩ ሰናይ ኣንጸባርቕ

ወትሩ ሰናይ ኣንጸባርቕ

“ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ።” ​—⁠ኤፌሶን 5:9

1. ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ምስ መዝሙር 31:⁠19 ከም ዝሰማምዑ ብኸመይ ኢዮም ዘርእዩ ዘለዉ፧

 ወድሰብ ክገብሮ ዝኽእል ዝዓበየ ሰናይ ነገር ንየሆዋ ምውዳስ ኢዩ። ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ንየሆዋ ስለቲ ሰናዩ ብምውዳስ ነዚ ይገብርዎ ኣለዉ። ከም እሙናት መሰኻኽር የሆዋ መጠን ምስቲ “ነቶም ዚፈርሁኻ ዝዐቘርካሎም . . . ለውሃትካ [“ሰናይካ:” NW ] ኽንደይ ዓብዪ እዩ” ብምባል ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ብምሉእ ልብና ንሰማማዕ ኢና።​—⁠መዝሙር 31:19

2, 3. እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮና ብሰናይ ኣካይዳ ዘይስነ ነይሩ እንተ ዝኸውን እንታይ መጋጠመ፧

2 ንየሆዋ ዘሎና ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ስለቲ ሰናዩ ንኸነመስግኖ የለዓዕለና ኢዩ። ከምኡውን ንየሆዋ ‘ንኸነማስዎ: ክንባርኾ: ክብሪ መንግስቱውን ከነፍልጥ’ ይድርኸና። (መዝሙር 145:10-13) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢና ኣብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብቕንኢ እንካፈል። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ናይ ስብከት ዕዮና ብሰናይ ኣካይዳ ክስነ ከም ዘለዎ እተረጋገጸ ኢዩ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋ መጽረፍናዮ ነይርና።

3 ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ነምልኾ ኢና ይብሉ: ኣካይዳኦም ግን ምስቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱስ ቃሉ ሒዝዎ ዘሎ ስርዓታት ኣይሰማማዕን ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ብኣፎም ሰናይ ንገብር ኢና ዝብሉ ብግብሮም ግን ዘየርእይዎ ሰባት ክዛረብ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣታ ንኻልእ እትምህር: ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ: ኣይትስረቑ: ኢልካ እትሰብኽ: ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ ንስኻ፤ ኣይትዘምዉ: እትብል: ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ . . . ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ: ዚብል ተጽሒፉ [ኣሎ]።”​—⁠ሮሜ 2:21, 22, 24

4. እቲ ሰናይ ኣካይዳና እንታይ ጽልዋ ኢዩ ዘለዎ፧

4 ንስም ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እነጽርፍ: ብሰናይ ኣካይዳና ንኣምላኽ ከነኽብሮ ኢና እንጽዕር። እዚ ኸኣ ኣብቶም ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ኣወንታዊ ጽልዋ ኢዩ ዘለዎ። ቀዳማይ ነገር: ንተጻረርትና ኣፎም ንምትሓዝ ይሕግዝ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠15) ብዝያዳ ድማ እቲ ሰናይ ኣካይዳና ንሰባት ናብ ማሕበር የሆዋ ይስሕቦም: ንኣምላኽ ንኽውድስዎን ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽረኽቡን ከኣ መገዲ ይኸፍተሎም ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠48

5. ንኸመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢና ከነቕልበሎም ዘሎና፧

5 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: ንየሆዋ ዘየኽብርን ንደለይቲ ሓቂ ዘዐንቅፍን ኣካይዳ ብኸመይ ኢና ከነርሕቕ እንኽእል፧ እወ: ሰናይ ብምርኣይ ዝመጸ ብኸመይ ኢና ኽንዕወት እንኽእል፧

ፍረ ብርሃን

6. ገለ ካብቲ “ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማት” እንታይ ኢዩ: ይኹን እምበር ከመይ ዝበለ ፍረ ኢዩ ኣብ መንጎ ክርስትያናት ክርአ ዘለዎ፧

6 ህይወትና ዝወፈና ክርስትያናት ብምዃንና ነቲ “ፍረ ዜብሉ ግብሪ ጸልማት” ከነርሕቕ ክሕግዘና ዝኽእል ነገር ኣሎና። እዚ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማት ተባሂሉ ዘሎ ነገራት ከም ሓሶት: ስርቂ: ጸርፊ: ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ጽዩፍ ዘረባ ምዝራብ: ዘሕፍር ጠባይ: ዘይግባእ ዋዛ: ከምኡውን ስኽራን ዘጠቓልል ንኣምላኽ ዘየኽብር ተግባራት ኢዩ። (ኤፌሶን 4:25, 28, 31፣ 5:3, 4, 11, 12, 18) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግብርታት ኣብ ክንዲ እንጽመድ ‘ከም ደቂ ብርሃን ኴንና ኢና እንመላለስ።’ ሃዋርያ ጳውሎስ “ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ” በለ። (ኤፌሶን 5:8, 9) ስለዚ እምበኣር ወትሩ ሰናይ ከነንጸባርቕ እንኽእል ብብርሃን ብምምልላስ ኢዩ። እዚ ግን እንታይ ዓይነት ብርሃን ኢዩ፧

7. ወትሩ ፍረ ሰናይ ምእንቲ ከነርኢ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

7 ዘይፍጹማት እኳ እንተዀንና ብብርሃን ንመላለስ እንተድኣ ዄንና ሰናይ ከነንጸባርቕ ንኽእል ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 119:⁠105) ወትሩ ‘ብሰናይ ዘበለ ፍረ ብርሃን’ ከነርኢ ንደሊ እንተድኣ ዄንና ካብቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ኣብ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ከኣ ብጥንቃቐ ምርምር ተገይርሉ ዝቐርብ: ኣብቲ ንኣምልኾ እንእከበሉ ኣኼባታትና ድማ ስርዓታዊ ምይይጥ ዝግበረሉ መንፈሳዊ ብርሃን ኣዘውቲርና ክንጥቀም ይግብኣና። (ሉቃስ 12:⁠42፣ ሮሜ 15:⁠4፣ እብራውያን 10:⁠24, 25) ኣብ ርእሲ እዚውን ንኣብነትን ትምህርትታትን ናይቲ “ብርሃን ዓለም” ከምኡውን “ናይ ክብሩ [ክብሪ የሆዋ] ነጸብራቕ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ፍሉይ ቈላሕታ ክንገብረሉ ከድልየና ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠12፣ እብራውያን 1:⁠1-3

ፍረ መንፈስ

8. ሰናይ ከነንጸባርቕ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

8 መንፈሳዊ ብርሃን ሰናይ ንኸነንጸባርቕ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ዘየተሓታትት ኢዩ። ብተወሳኺ እውን ነዛ ባህሪ እዚኣ ኸነንጸባርቕ እንኽእል በቲ መስለጢ ሓይሊ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ስለ እንምራሕ ኢዩ። ሰናይ ክፍሊ “ፍረ መንፈስ” ኢያ። (ገላትያ 5:⁠22, 23 NW ) በቲ የሆዋ ዝህበና ናይ መንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ንምራሕ እንተድኣ ዄንና እቲ ዘደንቕ ፍረ ሰናይ ከነፍሪ ኢና።

9. ምስቲ ኣብ ሉቃስ 11:⁠9-13 ዝርከብ ቃላት የሱስ ተሰማሚዕና ክንመላለስ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ነዛ ፍረ መንፈስ ዝዀነት ሰናይ ብምንጽብራቕ ንየሆዋ ንምሕጓስ ዘሎና ልባዊ ባህጊ ምስቲ ኸምዚ ዝብል ቃላት የሱስ ተሰማሚዕና ክንመላለስ ክድርኸና ይግብኦ:- “ዚልምን ዘበለ ይቕበል: ዚደሊ ይረክብ: ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ: ለምኑ ኺውሀበኩም: ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም: ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ: ኪኽፈተልኩም እዩ . . . ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ: ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ: እምኒ ዚህቦ፧ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ: ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፧ ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ: ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም: ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧” (ሉቃስ 11:⁠9-13) ነታ ፍረ መንፈስ ዝዀነት ሰናይ ወትሩ ንኸነንጸባርቕ መንፈስ የሆዋ ክወሃበና ብምጽላይ ምኽሪ የሱስ ንስዓብ።

ወትሩ “ሰናይ ግበር”

10. ኣብ ዘጸኣት 34:⁠6, 7 ካብቲ የሆዋ ሰናይ ዘርእየሉ መዳያት ኣየናይ ኢዩ ተጠቒሱ ዘሎ፧

10 ብሓገዝ እቲ ካብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ መንፈሳዊ ብርሃንን ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስን: ወትሩ ‘ሰናይ ክንገብር’ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 13:⁠3) ስርዓታውያን ኴንና መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እነጽንዕ ንሰናይ የሆዋ ብኸመይ ክንቀድሖ ከም እንኽእል ብዝያዳ እናተመሃርና ኢና እንኸይድ። ኣብቲ ንሙሴ እተነግሮ ኣዋጅ ኣብ ዘጸኣት 34:⁠6, 7 ተጠቒሱ ዝርከብ ገለ መዳያት ናይ ኣምላኽ ሰናይ ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ ርኢና ነይርና። እታ ጥቕሲ ድማ ከምዚ ትብል:- “እግዚኣብሄር ድማ ብቕድሚኡ ሐለፈ አወጀ ኸኣ: እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን: ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ: ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል: ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ።” ነዚ ኣምላኽ ሰናይ ዘርእየሉ መግለጺታት ኣዕሚቝና ምስ እንምርምሮ ‘ወትሩ ሰናይ ንኽንገብር’ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

11. የሆዋ መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ ምዃኑ ምፍላጥና ብኸመይ ክትንክፈና ኣለዎ፧

11 እዚ መለኮታዊ ኣዋጅ እዚ መሓርትን ጸገውትን ብምዃን ንየሆዋ ክንመስሎ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ዘዘኻኽረና ኢዩ። የሱስ “መሓርቲ: ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። (ማቴዎስ 5:7፣ ሉቃስ 6:36) የሆዋ ጸጋዊ ኣምላኽ ምዃኑ ስለ እንፈልጥ: ኣብቲ ምስ ካልኦት እንገብሮ ርክብ እንተላይ ምስቶም እንሰብከሎም ሰባት: ጸጋ ዘለዎምን ፍሽሑዋትን ንምዃን ንድረኽ ኢና። እዚ ድማ ምስቲ ኸምዚ ዝብል ምኽሪ ጳውሎስ ዝሰማማዕ ኢዩ:- “ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ: ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።”​—⁠ቈሎሴ 4:6

12. (ሀ) ኣምላኽ ንዅራ ደንጓዪ ካብ ኰነ ንሕናኸ ምስ ሰባት ኣብ እንገብሮ ርክብ ብኸመይ ክንመላለስ ኣሎና፧ (ለ) ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ እንታይ ንኽንገብር ኢዩ ዝድርኸና፧

12 ኣምላኽ ንዅራ ደንጓዪ ብምዃኑ እቲ ወትሩ ‘ሰናይ ንምግባር’ ዘሕደርናዮ ባህጊ ነቲ ኣመንቲ ብጾትና ዝገብርዎ ንኣሽቱ ጕድለታት ክንጻወሮን ኣብቲ ሰናይ ባህርያቶም ጥራይ ከነተኵርን ይድርኸና ኢዩ። (ማቴዎስ 7:⁠5፣ ያእቆብ 1:⁠19) እቲ ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ድማ ኣብ ትሕቲ ፈታኒ ዅነታት እውን ከይተረፈ እምንቲ ፍቕሪ ከነርኢ ይድርኸና ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣዝዩ ተፈታዊ ባህርያት ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 19:⁠22

13. የሆዋ ‘በዓል ብዙሕ ሓቂ’ ምዃኑ ብተግባርና ንምንጽብራቕ ብኸመይ ክንመላለስ ኣሎና፧

13 ሰማያዊ ኣቦና ‘በዓል ብዙሕ ሓቂ ’ ካብ ኰነ ንሕና እውን ‘ብቓል ሓቂ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ከነርኢ’ ንደሊ ኢና። (2 ቈረንቶስ 6:⁠3-7) “ሓሳዊት መልሓስ” ከምኡውን “ሓሶት ዚዛረብ ሓሳዊ ምስክር” ገለ ኻብቲ የሆዋ ዝጸልኦ ሸውዓተ ነገራት ኢዩ። (ምሳሌ 6:⁠16-19) ስለዚ እቲ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ዘሎና ባህጊ ‘ንሓሶት ንየው ክንብሎን ሓቂ ክንዛረብን’ ድራኸ ኣሕዲሩልና ኢዩ። (ኤፌሶን 4:25) ኣብዚ ኣድላዪ መዳይ እዚ ሰናይ ካብ ምንጽብራቕ ፈጺምና ኣይነቋርጽ።

14. ይቕረ በሃልቲ ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 የሆዋ ንይቕረታ ድሉው ብምዃኑ እቲ ንሙሴ ዘስምዖ ኣዋጅ ይቕረ በሃልቲ ንኽንከውን ክድርኸና ይግብኦ። (ማቴዎስ 6:⁠14, 15) የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይናስሑ ሓጢኣተኛታት መቕጻዕቲ ከም ዘውርድ ዝከሓድ ኣይኰነን። ስለዚ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብመንፈስ ንጽህቲ ገይርና ብምሓዝ ዝመጸ ነቲ ንሰናይ ዝምልከት መዐቀኒታት ክንሕልዎ ይግብኣና።​—⁠ዘሌዋውያን 5:⁠1፣ 1 ቈረንቶስ 5:⁠11, 12፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠22

‘ተመልከት’

15, 16. ኣብ ኤፌሶን 5:⁠15-19 ተመዝጊቡ ዝርከብ ምኽሪ ጳውሎስ ሰናይ ምግባርና ንኽንቅጽል ዝሕግዘና ብኸመይ ኢዩ፧

15 ብእከይ ተኸቢብና እናሃሎና ወትሩ ሰናይ ምእንቲ ኽንገብር: ብመንፈስ ኣምላኽ ክንምላእ ከምኡውን ኣብ ኣካይዳና ጥንቁቓት ክንከውን ይግብኣና። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ ኢዩ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ ብምባል እተማሕጸኖም:- “እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ። ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር: ዓያሱ ኣይትኹኑ። ዝርገት አለዎ እሞ: ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን: መንፈስ ይምላእኩም።” (ኤፌሶን 5:⁠15-19) እዚ ምኽሪ እዚ ብፍላይ ነዞም ኣብዚ ጽንኩር ግዜ እዚ እንነብር ዘሎና ሰባት ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1

16 ሰናይ ምግባር ምእንቲ ኸይነቋርጽ ከምቶም ጥበብ ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ኴንና ንመላለስ ምህላውና ኣጸቢቕና ከነስተብህል ይግብኣና። (ያእቆብ 3:⁠17) ከቢድ ሓጢኣት ካብ ምፍጻም ክንሕሎን ብመንፈስ ቅዱስ ክንምላእን ብፍታው በዚ መንፈስ እዚ ክንምራሕን ኣሎና። (ገላትያ 5:⁠19-25) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ዓበይቲ ኣኼባታት ዝወሃብ መንፈሳዊ መምርሒ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ሰናይ ዘበለ ምግባር ክንቅጽል ይግብኣና። እቲ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን እተዛረቦም ቃላት ኣብ መብዛሕትኡ ንኣምልኾ እንገብሮ ኣኼባታት ካብ ልቢ ተላዒልና “መንፈሳዊ ቕኔ” ብምዝማር ንጥቀም ምዃንና እውን ዘዘኻኽር ኢዩ። ዝበዝሕ ካብዚ መዝሙራት እዚ ኸኣ ኣብ ከም ሰናይ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ባህርያት ዘተኰረ ኢዩ።

17. እቶም ከቢድ ሕማም ዘለዎም ክርስትያናት ኵነታቶም ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ኣኼባታት ንኸይካፈሉ ምስ ዝዓግቶም ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ርግጸኛታት ክዀኑ ዝኽእሉ፧

17 ብዛዕባ እቶም ብምኽንያት ከቢድ ሕዱር ሕማም ስርዓታውያን ኰይኖም ኣኼባታት ክካፈሉ ዘይክእሉ ክርስትያን ብጾትናኸ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ወትሩ ምስቶም መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ተራኺቦም ንየሆዋ ከምልኽዎ ብዘይ​ምኽኣሎም ይድቈሱ ይዀኑ። ይኹን እምበር: የሆዋ ዅነታቶም ከም ዝርድኣሎም: ኣብ ብርሃን ከም ዘመላልሶም: መንፈስ ቅዱሱ ከም ዝህቦም: ከምኡውን ሰናይ ዘበለ ካብ ምግባር ንኸየቋርጹ ክሕግዞም ይኽእል ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 57:⁠15

18. ወትሩ መገዲ ሰናይ ንምስዓብ ክሕግዘና ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

18 ወትሩ ሰናይ ምግባር ክበሃል ከሎ ኣብ እንገብሮ ዕርክነት ምጥንቃቕን ካብቶም “ሰናይ ዘይፈትዉ” ሰባት ምርሓቕን ዝሓትት ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠2-5፣ 1 ቈረንቶስ 15:⁠33) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ካብ መምርሒኡ ብምውጻእ ‘ነቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይነጕህዮን።’ (ኤፌሶን 4:⁠30) ኣብ ርእሲ እዚውን ምስቶም ኣፍቀርቲ ሰናይ ምዃኖምን ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝምርሑ በነባብራኦም ዘርእዩን ሰባት ኣጸቢቕና ንቀራረብ እንተድኣ ዄንና ሰናይ ዘበለ ንኽንገብር ንተባባዕ ኢና።​—⁠ኣሞጽ 5:⁠15፣ ሮሜ 8:⁠14፣ ገላትያ 5:⁠18

ሰናይ ምግባር ብዙሕ በረኸት የምጽእ

19-21. ሰናይ ምግባር እንታይ ውጽኢት ከም ዘለዎ ዝገልጽ ገለ ተመክሮታት ኣዘንቱ።

19 ብመንፈሳዊ ብርሃን ምምልላስ: ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ምኻድ: ከምኡውን ኣብ ኣካይዳና ጥንቁቓት ምዃን እከይ ዘበለ ኣርሒቕና ወትሩ ‘ሰናይ ንኽንገብር’ ይሕግዘና ኢዩ። እዚ ድማ ሰናይ ፍረ ከፍሪ ይኽእል ኢዩ። ተመክሮ ናይ ሓደ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብር ዞንገዚለ እተባህለ ናይ የሆዋ ምስክር ንርአ። ሓደ ንግሆ ናብ ቤት ትምህርቲ እናኸደ ኸሎ ኣብ ባንክ ዘዋህለሎ ሒደት ገንዘብ ክርኢ ኣላገሰ። እቲ ካብታ ናይ ሕሳብ መኪና እተዋህቦ ንእሽቶ ወረቐት ግን ብጌጋ 42,000 ራንድ ወይ ከኣ 6,000 ዶላር ኣመሪካ ዝኸውን ዝያዳ ገንዘብ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ነበረ። ሓደ ናይ ባንክ ሓላው ጸጥታን ካልኦት ሰባትን ነቲ ገንዘብ ኣውጺኡ ኣብ ካልእ ባንክ ኣቐሚጡ ክጥቀመሉ ደፋፍእዎ። ምስኡ ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ኢዮም ካብቲ ገንዘብ ዋላ ሓንቲ ንኸየልዕል ዝመኸርዎ።

20 ዞንገዚለ ቀጺላ ኣብ ዝነበረት ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብቲ ባንክ ከይዱ ብዛዕባ እቲ እተገብረ ጌጋ ሓበሮም። ቍጽሪ ሕሳቡ ምስ ቍጽሪ ሕሳብ ናይ ሓደ ሃብታም ነጋዳይ ተመሳሳሊ ምዃኑ እሞ እቲ ነጋዳይ ብጌጋ ኣብ ዘይናቱ ሕሳብ ከም ዘእተዎ ተፈልጠ። ዞንገዚለ ካብቲ ገንዘብ ዋላ ሓንቲ ዘይምልዓሉ ነቲ ነጋዳይ ኣዝዩ ስለ ዘገረሞ “እንታይ ኢዩ ሃይማኖትካ፧” ኢሉ ሓተቶ። ዞንገዚለ ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ነገሮ። ሓለፍቲ እቲ ባንክ ከኣ “ኵሎም ሰባት ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቀኛታት ነይሮም እንተ ዝዀኑ መን ምሃበ” ብምባል ነኣድዎ። እወ: ሓቅነትን ሰናይ ግብርን ካልኦት ሰባት ንየሆዋ ንኽውድስዎ ከለዓዕሎም ይኽእል ኢዩ።​—⁠እብራውያን 13:⁠18 NW

21 ሰናይ ግብሪ ጽቡቕ ውጽኢት ንኽህልዎ ግድን ጐሊሑ ክርአ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ንመረዳእታ: ኣብ ሓንቲ ካብ ደሴታት ሳሞኣ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ዀይኑ ዘገልግል ናይ የሆዋ ምስክር መንእሰይ ኣብ ከባቢኡ ናብ ዝነበረ ሆስፒታል ከደ። ሰባት ናብ ሓኪም ንኽቐርቡ ሪጋ ሒዞም ይጽበዩ ስለ ዝነበሩ እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ብድሕሪኡ እተሰርዐት ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ኣዝያ ሓሚማ ምህላዋ ኣስተብሃለ እሞ ቅልጡፍ ሕክምና ምእንቲ ክግበረላ ቀዲማቶ ከም እትኣቱ ገበረ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ነታ ሰበይቲ ኣብ ዕዳጋ ረኸባ። ኣለልያቶ ኸኣ ነቲ ኣብቲ ሆስፒታል ዝገበረላ ሰናይ ግብሪ ዘከረት። “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብጾቶም ሰባት ብሓቂ ከም ዘፍቅሩ ሕጂ ፈሊጠ” ኸኣ በለት። ቅድሚ ሕጂ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነጺጋቶ እኳ እንተነበረት: እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝገበረላ ሰናይ ግን ጽቡቕ ውጽኢት ነበሮ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረላ ፍቓደኛ ዀነት እሞ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ከተጥሪ ጀመረት።

22. ወትሩ ‘ሰናይ ክንገብረሉ’ እንኽእል ጕሉሕ መገዲ እንታይ ኢዩ፧

22 ምናልባት ንስኻውን ሰናይ ምግባር ዘለዎ ጥቕሚ ዝገልጽ ተመክሮታት ከተዘንቱ ትኽእል ትኸውን። ሓደ ኻብቲ ወትሩ ‘ሰናይ ክንገብረሉ’ እንኽእል ጕሉሕ መገዲ ኣብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምእዋጅ ዕዮ ስርዓታውያን ኴንና ብምክፋል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ብፍላይ ነቶም ዝቕበሉና ሰባት ሰናይ ክንገብረሉ እንኽእል ሓደ መገዲ ኣብዚ ዕዮ እዚ ምጽማድ ምዃኑ ተገንዚብና ኣብዚ ክቡር መሰል ዝዀነ ዕዮ ወትሩ ብቕንኢ ንካፈል። ብዝያዳ ድማ ኣገልግሎትናን ሰናይ ኣካይዳናን: ነቲ ምንጪ ሰናይ ዝዀነ የሆዋ ዝውድስ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 19:⁠16, 17

‘ሰናይ ምግባር’ ኣይተቋርጽ

23. ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ሰናይ ዕዮ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

23 ኣገልግሎትና ሰናይ ዕዮ ምዃኑ ዘተሓታትት ኣይኰነን። ንዓና ይኹን ነቶም መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንነግሮም ከሎና ዝሰምዑና ሰባት ድሕነት ከምጽኣልና: ኣብታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ንኽንመላለስ ከኣ ኽሕግዘና ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 7:⁠13, 14፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠16) ውሳነ ኽንውስን ኣብ ዘድልየሉ ኣጋጣሚታት ከኣ እቲ ሰናይ ንምግባር ዘሎና ባህጊ ንገዛእ ርእስና ከምዚ ዝስዕብ ኢልና ክንውከስ ከለዓዕለና ይኽእል ኢዩ:- ‘እዚ ውሳነ እዚ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ዕዮይ ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፎ፧ እዚ ዝሓስቦ ዘሎኹ መገዲ ብሓቂ ጥበባዊ ድዩ፧ ካልኦት ሰባት ነቲ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ተቐቢሎም ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንኽገብሩ ክሕግዞም ዝድግፈኒ ድዩ፧’ (ራእይ 14:⁠6) ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘደንፍዕ ውሳነ ምግባር ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዘምጽእ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠33፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35

24, 25. ኣብታ ጉባኤ ሰናይ ክንገብረሉ እንኽእል ገለ መገድታት እንታይ ኢዩ: ወትሩ ሰናይ ነንጸባርቕ እንተድኣ ዄንና ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

24 ነቲ ሰናይ ካብ ምግባር ዝርከብ ጠቓሚ ፍረ ፈጺምና ኣትሒትና ኣይንርኣዮ። ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብምድጋፍን ብዝከኣለና መጠን ንረብሓታታን ድሕንነታን ብምሕላይን ነዛ ባህሪ እዚኣ ወትሩ ከነንጸባርቓ ንኽእል ኢና። ስርዓታውያን ኴንና ኣኼባታት ብምክፋልን ብምስታፍን ሰናይ ንገብር ኢና። ኣብ ኣኼባ ምምጻእና ጥራይ ንኣሕዋትና ዘተባብዕ ክኸውን ከሎ: እቲ ብግቡእ ተዳሊና እንህቦ ሓሳባት ከኣ ብመንፈስ ክሃንጾም ይኽእል ኢዩ። ግዜናን ጕልበትናን ገንዘብናን ኣደራሽ መንግስቲ ንምሃናጽን ብግቡእ ንምሓዙን ክንጥቀመሉ ኸሎና እውን ሰናይ ንገብር ኢና። (2 ነገስት 22:⁠3-7፣ 2 ቈረንቶስ 9:⁠6, 7) “ጊዜ ኸሎና: ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር።”​—⁠ገላትያ 6:10

25 ኣብ መጻኢ ሰናይ ከነርእየሉ ዝሓትት እንታይ ዓይነት ኵነታት ከም ዘጋጥመና ኣይንፈልጥን ኢና። ስለዚ ዘይተጸበናዮ ዅነታት ከጋጥመና ኸሎ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብርሃን ንድለ: ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ክወሃበና ንጸሊ: ነቲ ሰናይን ፍጹምን ዝዀነ ፍቓዱ ንኽንፍጽም ከኣ ዝከኣለና ንግበር። (ሮሜ 2:⁠9, 10፣ 12:⁠2) ወትሩ ሰናይ ምስ እንገብር የሆዋ ኣብዚሑ ኸም ዝባርኸና ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ካብ ኵሉ ዝዓበየ ሰናይ ክንፍጽም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

• ሰናይ ‘ፍረ ብርሃን’ እተባህለት ስለምንታይ ኢያ፧

• ሰናይ “ፍረ መንፈስ” እተባህለት ስለምንታይ ኢያ፧

• ሰናይ ኣካይዳና እንታይ ውጽኢት ኢዩ ዘለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱሱን ሰናይ ክንገብር ይሕግዘና ኢዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ሰናይ ምግባር ጽቡቕ ውጽኢት ኣለዎ