ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ —እቲ ዝለዓለ ኣብነት ሰናይ

የሆዋ —እቲ ዝለዓለ ኣብነት ሰናይ

የሆዋ—⁠እቲ ዝለዓለ ኣብነት ሰናይ

“እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ። . . . ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣመስግንዎ።” ​ኤርምያስ 33:11

1. ንየሆዋ ስለቲ ሰናዩ ክንውድሶ እንድረኽ ስለምንታይ ኢና፧

 የሆዋ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ሰናይ ኢዩ። ነብዪ ዘካርያስ “ሰናዩ ኽንደይ ዓብዪ . . . እዩ” በለ። (ዘካርያስ 9:17) እወ: ናይ ኣምላኽ ሰናይ ኣብ ኵሉ እቲ ንኽንሕጐስ ኢሉ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ምድላዋት ተንጸባሪቑ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:⁠31) ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ንኣድማስ ክፈጥር ከሎ ዘንበሮ እተሓላለኸ ሕግታት ፈጺምና ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። (መክብብ 3:⁠11፣ 8:⁠17) ይኹን እምበር እቲ ዘሎና ሒደት ፍልጠት ንኣምላኽ ስለቲ ሰናዩ ንኽንውድሶ ይድርኸና ኢዩ።

2. ንሰናይ ብኸመይ ምገለጽካያ፧

2 ሰናይ (ብእንግሊዝኛ ጉድነስ) ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ ዝንኣድ ጠባይን ኣተሓሳስባን ወይ ከኣ ውርዝውና ማለት ኢዩ። እወ: እከይ ዘይብሉ ምዃን ማለት ጥራይ ኣይኰነን። እዛ ክፍሊ ፍረ መንፈስ ዝዀነት ባህሪ እዚኣ ኣወንታዊ ተግባራት እተንጸባርቕ ባህሪ ኢያ። (ገላትያ 5:⁠22, 23 NW ) ንሰባት ጽቡቕን ጠቓምን ነገራት ክንገብረሎም ከሎና ሰናይ ነርኢ ኣሎና ማለት ኢዩ። ኣብዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ገሊኡ ማሕበረሰብ ከም ሰናይ ዝሕሰብ ነገር ኣብ ካልእ ግን ከም ክፉእ ይርአ ይኸውን። ይኹን እምበር: ሰላምን ሓጐስን ከነስተማቕር እንተድኣ ዄንና ሓደ መዐቀኒ ሰናይ ክህሉ ኣለዎ። ነዚ መዐቀኒ እዚ ከቝሞ መሰል ዘለዎ ግን መን ኢዩ፧

3. ዘፍጥረት 2:⁠16, 17 ናይ ሰናይ መዐቀኒ እንታይ ከም ዝዀነ ኢያ እትሕብር፧

3 ኣምላኽ ናይ ሰናይ መዐቀኒ ኣውጺኡልና ኣሎ። ኣብ ምጅማር ታሪኽ ወድሰብ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣይ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ዝኣዘዞ የሆዋ ኢዩ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) እወ: ደቅሰብ ጽቡቕን ክፉእን እንታይ ምዃኑ ንኽፈልጡ ኣብ ፈጣሪኦም ክውከሉ ኣለዎም።

ዘይንበቕዖ መግለጺ ሰናይ

4. ኣዳም ካብ ዝሓጥእ ንነጀው ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ እንታይ ኢዩ ገይርሎም፧

4 ኣዳም ሓጢኣት ምስ ፈጸመ እሞ ናይ ሰናይ መዐቀኒ ንኸውጽእ መሰል ዘለዎ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ ምስ ኣበየ እቲ ወድሰብ ብፍጽምና ንዘለኣለም ንኽሕጐስ ዝነበሮ ተስፋ ኣብ ሓደጋ ወደቐ። (ዘፍጥረት 3:⁠1-6) ይኹን እምበር: እቶም ሓጢኣትን ሞትን ዝወረሱ ዘርኢ ኣዳም ቅድሚ ምውላዶም ኣምላኽ ሓደ ፍጹም ዘርኢ ክመጽእ ምዃኑ ኣቐዲሙ ነገረ። የሆዋ ነቲ “ናይ ጥንቲ ተመን” ሰይጣን ድያብሎስ ክዛረቦ ኸሎ ከምዚ በለ:- “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።” (ራእይ 12:⁠9፣ ዘፍጥረት 3:⁠15) የሆዋ ንሓጥኣን ደቅሰብ ንምብጃው ዕላማ ገበረ። ከም መርኣያ ናይቲ ዘይንበቕዖ መግለጺ ሰናዩ ድማ: የሆዋ ነቶም ኣብቲ ኽቡር መስዋእቲ በጅነት ወዱ እምነት ዘርእዩ ሰባት ንምድሓን ከምዚ ዝኣመሰለ ምድላው ገበረ።​—⁠ማቴዎስ 20:⁠28፣ ሮሜ 5:⁠8, 12

5. ሽሕ እኳ ክፉእ ሃቐና ልቢ እንተወረስና: ብመጠኑ ሰናይ ከነርኢ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

5 ብምኽንያት ሓጢኣት ኣዳም ክፉእ ሃቐና ልቢ ከም ዝወረስና እተረጋገጸ ኢዩ። (ዘፍጥረት 8:⁠21) ይኹን እምበር: የሆዋ ብመጠኑ ሰናይ ንኸነርኢ ይሕግዘና ብምዃኑ ዘሐጕስ ኢዩ። ካብቲ ቅዱስ ጽሑፋቱ ብእተመሃርናዮ ነገራት ምቕጻልና ‘ንምድሓን ንልብምን’ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ንዳሎን’ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ሰናይ ዘበለ ክንገብር እውን የኽእለና ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠14-17) ይኹን እምበር: ካብቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ንኽንጥቀምን ሰናይ ንኸነንጸባርቕን ኣመለኻኽታ ናይቲ “ንስኻ [የሆዋ] ሰናይ ኢኻ እሞ: ሰናይ ትገብር አሎኻ: ስርዓታትካ ምሀረኒ” ብምባል ዝዘመረ ጸሓፍ መዝሙር ክህልወና ኣለዎ።​—⁠መዝሙር 119:68

ናይ የሆዋ ሰናይ ተወዲሱ

6. ንጉስ ዳዊት ንታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ምስ ኣግዓዞ: ሌዋውያን እንታይ ዓይነት መግለጺ ዝሓዘ መዝሙር ኢዮም ዘሚሮም፧

6 እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት: ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰናይ ኣፍልጦ ሂብሉ: መሪሕነቱ ድማ ደልዩ ኢዩ። ዳዊት “እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ: ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ” በለ። (መዝሙር 25:8) እቲ እስራኤላውያን ካብ ኣምላኽ እተዋህቦም ትምህርቲ ነተን ኣብ ጽላት እምኒ እተጻሕፋ ዓሰርተ ኣገደስቲ ሕግታት ማለት ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። እቲ ጽላት እምኒ ኸኣ ታቦት ኪዳን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቅዱስ ሳጹን ይቕመጥ ነበረ። ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ የሩሳሌም: ርእሰ ኸተማ እስራኤል: ምስ ኣግዓዞ ኸኣ ሌዋውያን “ጸጋኡ . . . ንዘለኣለም እዩ እሞ: ኣመስግንዎ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ” ዝብል መግለጺ ዝሓዘ መዝሙር ዘመርሉ። (1 ዜና መዋእል 16:34, 37-41) ነዘን ባህ ዘብላ ቓላት እዚኣተን ካብ ከናፍር ሌዋውያን ዘመርቲ ክትሰምዕሲ ኣየ ክንደይ ዘሐጕስ ኰን ኢዩ ነይሩ!

7. እቲ ታቦት ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ድሕሪ ምምጽኡን ድሕሪ እቲ ሰሎሞን ዘቕረቦ ናይ ወፈያ ጸሎትን እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧

7 እታ ብሰሎሞን ወዲ ዳዊት እተሃንጸት ቤት መቕደስ ክትውፈ ኸላ እውን እዘን ናይ ውዳሰ ቓላት እዚኣተን ጐሊሐን ነይረን ኢየን። እቲ ታቦት ኪዳን ኣብታ ቕድስተ ቅዱሳን ናይቲ ሓድሽ ቤት መቕደስ ምስ ኣተወ: እቶም ሌዋውያን “ንሱ ሰናይ እዩ እሞ: ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር” እናበሉ ንየሆዋ ክውድስዎ ጀመሩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እታ ቤት መቕደስ ብተኣምራታዊ መገዲ ብደበና መልአት: እዚ ድማ ናይ የሆዋ ክቡር ህላወ ኣብቲ ቦታ ምንባሩ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። (2 ዜና መዋእል 5:⁠13, 14) ድሕርቲ ሰሎሞን ዘቕረቦ ናይ ወፈያ ጸሎት “ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ: ነቲ ዚሐርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዓቶ።” እዚ ምስ ረኣዩ “ኵሎም ደቂ እስራኤል . . . ኣብታ ብእምኒ እተራዕርዔት ቦታ . . . ብገጾም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ: ሰጊዶም ድማ ንእግዚኣብሄር: ንሱ ሰናይ እዩ: ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር: ኢሎም ኣመስገንዎ።” (2 ዜና መዋእል 7:1-3) እስራኤላውያን ን14 መዓልትታት ዝኣክል በዓል ድሕሪ ምብዓሎም “በቲ እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ጽቡቕ ነገር ሕጉሳትን ልቦም ባህ ዝበሎን ኰይኖም” ናብ ኣባይቶም ተመልሱ።​—⁠2 ዜና መዋእል 7:10

8, 9. (ሀ) ሽሕ እኳ እስራኤላውያን ስለቲ ሰናዩ ንየሆዋ እንተ ወደስዎ: ኣማስያኡ ከመይ ዝበለ መገዲ ኢዮም ዝሰዓቡ፧ (ለ) ኤርምያስ ብዛዕባ የሩሳሌም ኣቐዲሙ እንታይ ኢዩ ዝበለ: እቲ ትንቢት እቲኸ ብኸመይ ኢዩ እተፈጸመ፧

8 እቲ ዘሕዝን ግን እስራኤላውያን ምስቲ ንኣምላኽ ዘቕረብዎ ናይ ውዳሴ መዝሙር ተሰማሚዖም ኣይከዱን። ድሕሪ ገለ ግዜ ህዝቢ ይሁዳ ንየሆዋ ‘ብኸናፍሮም [ጥራይ] ኢዮም ኣኽቢሮምዎ።’ (ኢሳይያስ 29:⁠13) ምስቲ ኣምላኽ ዘውጽኦ ናይ ሰናይ መዐቀኒታት ተሰማሚዖም ኣብ ክንዲ ዝኸዱ: እከይ ክገብሩ ጀመሩ። እንታይ ዓይነት እከይከ ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም፧ ጣኦታት የምልኹ: ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ተግባራት ይገብሩ: ንድኻታት ይጭቁኑ: ካልእ ከቢድ ሓጢኣት እውን ይፍጽሙ ነበሩ! ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. የሩሳሌም ዓነወት: ተቐማጦ ይሁዳ ኸኣ ንምርኮ ናብ ባቢሎን ተወስዱ።

9 ኣምላኽ በዚ ኸምዚ ንህዝቡ ቀጽዖም። ይኹን እምበር: ኣብ የሩሳሌም ድምጺ ናይቶም “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ። ጸጋኡ ድማ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ: ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣመስግንዎ” ዝብሉ ሰባት ክስማዕ ምዃኑ ብነብዪ ኤርምያስ ኣቢሉ ተነብዩ ነበረ። (ኤርምያስ 33:⁠10, 11) እዚ ትንቢት እዚ ድማ ተፈጺሙ ኢዩ። እታ ሃገር ን70 ዓመታት ዝኣክል ምስ ባደመት ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ተረፍ ኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። (ኤርምያስ 25:⁠11፣ ዳንኤል 9:⁠1, 2) ኣብቲ ኣብ ከረን ሞርያ ቤት መቕደስ ዝነበረሉ ቦታ እንደገና መሰውኢ ሃኒጾም መስዋእቲ ከቕርቡ ጀመሩ። መሰረት እታ ቤት መቕደስ ከኣ ኣብ ካልኣይ ዓመት ምምላሶም ተነብረ። ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ግዜ ዀን ኢዩ ነይሩ! እዝራ ኸምዚ በለ:- “እቶም ሃነጽቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኪስርቱ ኸለዉ ኸኣ እቶም ካህናት ድማ ለቢሶም መለኸት ሒዞም: ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከኣ ጸናጽል ሒዞም: ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኬመስግኑ ደው ኢሎም ነበሩ። ንሱ ሕያዋይ [“ሰናይ:” NW ] እዩ እሞ: ምሕረቱ ኸኣ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ: እናበሉ ንሓድሕዶም እናተቓባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን።”​—⁠እዝራ 3:⁠1-11

10. መዝሙር 118 በየናይ ኣገዳሲ መግለጺ ኢያ እትጅምርን እትውድእን፧

10 ብዛዕባ ሰናይ የሆዋ ኣብ እተፈላለየ መዝሙራት ተመሳሳሊ መግለጺ ውዳሴ ኣሎ። ገለ ኻብኡ ኣብ መዝሙር 118 ዝርከብ እስራኤላውያን ኣብ ኣባይቶም ኰይኖም ኣብ መደምደምታ በዓል ፋስጋ ዝዝምርዎ ዝነበሩ ኢዩ። እቲ መዝሙር “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ: ምሕረቱ [“ፍቕራዊ ሕያውነቱ:” NW ] ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ: ኣመስግንዎ” ብዝብል ቃላት ይጅምርን ይውድእን ነበረ። (መዝሙር 118:⁠1, 29) የሱስ ክርስቶስ ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ ዀይኑ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ድሮ ሞቱ ዝዘመረን ነዘን ቃላት እዚኣተን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 26:⁠30

“በጃኻ: ክብርኻ ኣርእየኒ”

11, 12. ሙሴ ብመጠኑ ክብሪ ኣምላኽ ናይ ምርኣይ ኣጋጣሚ ምስ ረኸበ እንታይ ኣዋጅ ኢዩ ዝሰምዐ፧

11 ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ ሰናይን ፍቕራዊ ሕያውነቱን ዘሎ ምትሕሓዝ ቅድሚ ግዜ እዝራ ዘመናት ይገብር ኢዩ ተራእዩ። እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ወርቃዊ ምራኽ ድሕሪ ምምላኾም እሞ እቶም ገበርቲ እከይ ድማ ምስ ተቐጽዑ ሙሴ ንየሆዋ “በጃኻ: ክብርኻ ኣርእየኒ” በሎ። ሽዑ የሆዋ ሙሴ ገጹ ርእዩ ብህይወት ክነብር ከም ዘይክእል ድሕሪ ምግላጹ “ኵሉ ለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸሕልፍ እየ: ስም እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኽእውጅ እየ” በሎ።​—⁠ዘጸኣት 33:13-20

12 ንጽብሒቱ ኣብ ከረን ሲና ለውሃት ወይ ሰናይ የሆዋ ብቕድሚ ሙሴ ሓለፈ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሙሴ ብእተወሰነ ደረጃ ክብሪ የሆዋ ረኣየ: እዚ ዝስዕብ ኣዋጅ ከኣ ሰምዐ:- “እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን [“ፍቕራዊ ሕያውነትን:” NW ] ሓቅን: ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ዚሕሉ: ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል: ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ: ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ኣብ ደቂደቅን ክሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዚቐጽዕ።” (ዘጸኣት 34:⁠6, 7) እዘን ቃላት እዚኣተን ናይ የሆዋ ሰናይ ምስ ፍቕራዊ ሕያውነቱን ምስቲ ኻልእ ባህርያቱን እተተሓሓዘ ምዃኑ ኢየን ዝሕብራ። ነዚ ኣብ ግምት ምእታዉ ሰናይ ንኸነንጸባርቕ ይድርኸና ኢዩ። መጀመርታ ግን ኣብዚ ብዛዕባ ናይ የሆዋ ሰናይ ዝገልጽ ዘደንቕ ኣዋጅ ክልተ ግዜ እተጠቕሰ ባህሪ ንርአ።

“ኣምላኽ . . . በዓል ብዙሕ ፍቕራዊ ሕያውነት”

13. ኣብቲ ብዛዕባ ናይ የሆዋ ሰናይ ዝገልጽ ኣዋጅ ኣየናይ ባህሪ ኢዩ ክልተ ግዜ ተጠቒሱ ዘሎ: እዚ ብቑዕ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 “ኣምላኽ: . . . በዓል ብዙሕ ለውሃት [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ]. . . ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW ] ዚሕሉ” ኢዩ። እታ “ፍቕራዊ ሕያውነት” እተተርጐመት ናይ እብራይስጢ ቓል “እሙን ፍቕሪ” ዝብል ትርጕም እውን ኣለዋ። ኣብቲ ኣምላኽ ንሙሴ ዘስምዖ ኣዋጅ ክልተ ግዜ እተጠቕሰት እዛ ባህሪ እዚኣ ጥራይ ኢያ። እታ ዓብላሊት ባህሪ የሆዋ ፍቕሪ ብምዃና እዝስ ክንደይ ብቑዕ ኰን ኢዩ! (1 ዮሃንስ 4:⁠8) “እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ: ምሕረቱ [“ፍቕራዊ ሕያውነቱ:” NW ] ንዘለኣለም ይነብር እዩ” ዝብል ንየሆዋ ንምውዳስ ዝውዕል ፍሉጥ መግለጺ ነዛ ባህሪ እዚኣ ዘጕልሕ ኢዩ።

14. ሰናይን ፍቕራዊ ሕያውነትን የሆዋ ዝረኽቡ ብፍላይ መን ኢዮም፧

14 ሓደ ኻብቲ መግለጺ ናይ የሆዋ ሰናይ “በዓል ብዙሕ ፍቕራዊ ሕያውነት” ምዃኑ ኢዩ። እዚ ብፍላይ ነቶም ህይወቶም ዝወፈዩ እሙናት ሰብኣውያን ኣገልገልቱ ኣብ ዘርእዮ ሓልዮት ዝገሃድ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠6, 7) ነቶም ዘፍቅርዎን ዘገልግልዎን “ፍቕራዊ ሕያውነት ዚሕሉ” ምዃኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክምስክርሉ ይኽእሉ ኢዮም። (ዘጸኣት 20:⁠6) ህዝቢ እስራኤል ንወዱ ስለ ዝነጸግዎ ፍቕራዊ ሕያውነት የሆዋ ወይ እሙን ፍቕሩ ኣይረኸቡን። እቲ ኣምላኽ ነቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ ዝመጹ እሙናት ክርስትያናት ዘርእዮ ሰናዩን እሙን ፍቕሩን ግን ንዘለኣለም ዝቕጽል ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 3:⁠36

የሆዋ​—⁠መሓርን ጸጋውን

15. (ሀ) እቲ ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝሰምዖ ኣዋጅ እንታይ ብዝብል መግለጺ ኢዩ ዝጅምር፧ (ለ) ምሕረት እንታይ ኢያ እተጠቓልል፧

15 እቲ ሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝሰምዖ ኣዋጅ “እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ” ብዝብል መግለጺ ኢዩ ዝጅምር። እታ “ምሕረት” እትትርጐም ናይ እብራይስጢ ቓል “ከርሲ” ከተመልክት ትኽእል ኢያ: ምስታ “ማህጸን” እትብል ስያመ ኸኣ ኣጸቢቓ እተተሓሓዘት ኢያ። ስለዚ ምሕረት ነቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰብ ዘሎ ዓሚቝ ናይ ድንጋጽ ስምዒታት እተጠቓልል እኳ እንተዀነት ካብ ልባዊ ድንጋጽ ንላዕሊ ኢያ። ንኻልኦት ሰባት ካብ ስቓዮም ንኸነዕርፎም ኢልና ገለ ነገር ክንገብር ክትድርኸና ይግባእ። ንኣብነት ፈቃራት ክርስትያን ሽማግለታት ኣብቲ ዘድልየሉ ግዜ ነቶም ኣመንቲ ኣሕዋቶም ‘ብሓጐስ እናደንገጹ’ ምሕረቶም ከርእይዎም ኣድላዪ ምዃኑ ይግንዘቡ ኢዮም።​—⁠ሮሜ 12:⁠8፣ ያእቆብ 2:⁠13፣ ይሁዳ 22, 23

16. የሆዋ ጸጋዊ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ናይ ኣምላኽ ሰናይ ኣብ ጸጋኡ እውን ተገሊጹ ኢዩ። ሓደ ጸጋዊ ሰብ “ብስምዒት ካልኦት ኣጸቢቑ ዝግደስ” ከምኡውን “ብፍላይ ነቶም ትሕት ዝበሉ ኣኽብሮት ብዘለዎ መገዲ ፍቕራዊ ሕያውነት ዘርኢ ኢዩ።” የሆዋ ምስቶም እሙናት ኣገልገልቱ ኣብ ዝገብሮ ርክብ ብጸጋ ብሉጽ ኣብነት ኢዩ ዝዀነና። ንኣብነት: ብመላእኽቲ ኣቢሉ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ዳንኤል ብጸጋኡ ኣሐየሎ: ንድንግል ማርያም ከኣ ንየሱስ ንምውላድ መሰል ከም ዝረኸበት ኣፍለጣ። (ዳንኤል 10:⁠19፣ ሉቃስ 1:⁠26-38) ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ንኽቐርበና ዝጥቀመሉ ጸጋ ዝመልኦ መገድታቱ ነማስወሉ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ሰናዩ ስለ ዝሃበና ንውድሶ ኢና: ንሕናውን ኣብቲ ምስ ካልኦት እንገብሮ ርክብ ከምኡ ጸጋ ከነርኢ ኢና እንጽዕር። እቶም መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ንሓደ ኣማኒ ብጻዮም “ብህዱእ መንፈስ” ከቕንዕዎ ኸለዉ: ብሕያውነትን ብጸጋን ክቐርብዎ ኢዮም ዝጽዕሩ።​—⁠ገላትያ 6:⁠1

ንዅራ ደንጓዪ

17. የሆዋ ‘ንዅራ ደንጓዪ’ ምዃኑ ከነማስወሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

17 “ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ [ኢዩ ]። ” እዘን ቃላት እዚኣተን ነቲ ናይ የሆዋ ካልእ መግለጺ ሰናይ ዘጕልሓ ኢየን። የሆዋ ጕድለታት ክንገብር ከሎና ብትዕግስቲ ኢዩ ዝጻወረና: ነቲ ዘሎና ድኻም ኣሰኒፍና መንፈሳዊ ዕቤት ከነርኢ ኸኣ ግዜ ይህበና ኢዩ። (እብራውያን 5:⁠12-6:⁠3፣ ያእቆብ 5:⁠14, 15) ትዕግስቲ ኣምላኽ ነቶም ገና ኣምለኽቱ ዘይኰኑ ሰባት እውን ይጠቕሞም ኢዩ። ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምላሽ ክህብሉን ክናስሑን ግዜ ኣለዎም። (ሮሜ 2:⁠4) ይኹን እምበር: የሆዋ ዕጉስ ኣምላኽ እኳ እንተዀነ: ሓድሓደ ግዜ ግን ከምቲ ሓደ እዋን እስራኤላውያን ኣብ ከረን ሲና ናይ ወርቂ ምራኽ ሰሪሖም ምስ ኣምለኹ ዝገበሮ: እቲ ሰናዩ ቍጥዓኡ ንኽገልጽ ይድርኾ ኢዩ። ድሕሪ ቐረባ እዋን ነዚ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ ከጥፍኦ ኸሎ ቍጥዓኡ ብዝዓበየ መገዲ ክፍጸም ኢዩ።​—⁠ህዝቅኤል 38:⁠19, 21-23

18. ሓቂ ብምዝራብ ዝመጸ ኣብ መንጎ የሆዋን ሰብኣውያን መራሕቲ ዓለምን ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኢዩ ዘሎ፧

18 ‘ኣምላኽ: በዓል ብዙሕ ሓቂ ኢዩ። ’ የሆዋ ካብቶም ብዙሕ መብጽዓታት ተመባጺዖም ከብቅዑ ቃሎም ዘይሕልዉ ሰብኣውያን መራሕቲ ዓለም ክንደይ እተፈልየ ዀን ኢዩ! ኣምለኽቲ የሆዋ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ንእተነግረ ዝዀነ ይኹን መብጽዓ ትውክልቲ ክገብርሉ ይኽእሉ ኢዮም። ኣምላኽ በዓል ብዙሕ ሓቂ ስለ ዝዀነ ንመብጽዓታቱ ወትሩ ክንኣምኖ ንኽእል ኢና። ሰማያዊ ኣቦና ብሰናዩ ተደሪኹ ነቲ መንፈሳዊ ሓቂ ንኽንረክብ እንገብሮ ጸሎት ብምምላሽ ኣብዚሑ ይባርኸና ኢዩ።​—⁠መዝሙር 43:⁠3፣ 65:⁠2

19. የሆዋ ነቶም እተናስሑ ሓጢኣተኛታት ከመይ ዝበለ ጕሉሕ መግለጺ ሰናይ ኢዩ ዘርኣዮም፧

19 “ኣምላኽ: . . . ዓመጽን ምትሕልላፍ ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል [ኢዩ። ] የሆዋ ሰናይ ስለ ዝዀነ ንእተናስሑ ሓጢኣተኛታት ይቕረ ኽብል ድሉው ኢዩ። እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ብመስዋእቲ የሱስ ኣቢሉ ንሕድገት ሓጢኣት ምድላው ብምግባሩ ኣዚና መመስገንቲ ኢና። (1 ዮሃንስ 2:⁠1, 2) ኵሎም እቶም ኣብቲ በጅነት እምነት ዘርእዩ ሰባት ኣብታ የሆዋ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ መስሪቶም ክነብሩ ብምኽኣሎም እውን ሕጕሳት ኢና። እዝስ የሆዋ በቲ ንደቅ​ሰብ ዝገበረሎም ሰናይ ንኽንውድሶ ዝድርኸና ከመይ ዝበለ ጕሉሕ ምኽንያት ኰን ኢዩ!​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

20. ኣምላኽ ንኽፍኣት ሸለል ከም ዘይብሎ ዘርኢ እንታይ መርትዖ ኣሎና፧

20 የሆዋ “ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ” ኣምላኽ ኢዩ። እዚ ኸኣ ስለቲ ሰናዩ ንኽንውድሶ ዝድርኸና ካልእ ምኽንያት ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ መዳይ ናይዛ ሰናይ እትበሃል ባህሪ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ንኽፍኣት ሸለል ዘይትብል ምዃና ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን “በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ . . . ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን” ሕነ ኽፈድዮም እዩ። እዚኣቶም “ብመቕጻዕቲ: ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት . . . ኪቕጽዑ እዮም።” (2 ተሰሎንቄ 1:6-9) እቶም ካብቲ ጥፍኣት ዝደሓኑ ኣምለኽቲ የሆዋ በቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም “ሰናይ ዘይፈትዉ” ሰባት ከይተረበሹ ንህይወት ምሉእ ብምሉእ ከስተማቕርዋ ኢዮም።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-3

ነቲ ናይ የሆዋ ሰናይ ቅድሕዎ

21. ሰናይ ከነንጸባርቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

21 ንየሆዋ ስለቲ ሰናዩ ንኽንውድሶን ንኸነመስግኖን ብዙሕ ምኽንያታት ከም ዘሎና ዘጠራጥር ኣይኰነን። ከም ኣገልገልቱ መጠን ነዛ ባህሪ እዚኣ ንኸነንጸባርቓ ዝከኣለና ክንጽዕርዶ ኣይግብኣናን፧ እወ: ክንጽዕር ኣሎና: ከመይሲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ብጾቱ “ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ” ብምባል ተማሕጺንዎም ኢዩ። (ኤፌሶን 5:1) ሰማያዊ ኣቦና ወትሩ ኢዩ ሰናይ ዘርኢ: ንሕናውን ከምኡ ክንገብር ይግብኣና።

22. ኣብታ እትስዕብ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

22 ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ህይወትና ዝወፈና እንተድኣ ዄንና: ንሰናዩ ክንቀድሖ ልባዊ ባህጊ ከም እነሕድር ዘጠራጥር ኣይኰነን። ዘርኢ እቲ ሓጢኣተኛ ኣዳም ብምዃንና ግን ሰናይ ዘበለ ምግባር ቀሊል ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ሰናይ ከነንጸባርቕ እንኽእለሉ ምኽንያታት ኽንርኢ ኢና። ኣብ ርእሲ እዚውን ነቲ ብሰናይ ዝመጸ ሓለፍ ዝበለ ኣብነት ዝዀነ የሆዋ ክንመስለሉ እንኽእልን ክንመስለሉ ዘሎናን እተፈላለየ መገድታት ክንርኢ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሰናይ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

• ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ናይ ኣምላኽ ሰናይ ዘጕልሕ ከመይ ዝበለ መግለጺ ኢዩ ዘሎ፧

• ገለ ካብቲ ናይ የሆዋ ሰናይ ዝርኣየሉ መግለጺታት እንታይ ኢዩ፧

• ሰናይ ብምርኣይ ዝመጸ ነቲ ናይ የሆዋ ኣብነት ክንቀድሖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ እቶም ጥንታዎት ህዝቡ ምስቲ ናይ ውዳሴ መግለጺታቶም ተሰማሚዖም ስለ ዘይከዱ ቀጺዕዎም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

እሙናት ተረፍ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ሙሴ ብዛዕባ ናይ የሆዋ ሰናይ ዝገልጽ ዘደንቕ ኣዋጅ ሰምዐ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ናይ የሆዋ ሰናይ በቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ንኽቐርበና ዝጥቀመሉ መገድታት ተራእዩ ኢዩ