ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ ግብሪ ንኣምላኽ ምስጋና የምጽኣሉ

ጽቡቕ ግብሪ ንኣምላኽ ምስጋና የምጽኣሉ

ጽቡቕ ግብሪ ንኣምላኽ ምስጋና የምጽኣሉ

 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብጽቡቕ ኣካይዳኦምን ኣብነታዊ ዕዮኦምን ንኣምላኽ ምስጋና የምጽኡሉ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 2:⁠12) ነዚ ነገር እዚ: ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዘጋጠመ ዅነታት ክንርእዮ ንኽእል ኢና።

ኣብ መስከረም 1997 ኣብ ገሊኡ ኽፋል ማርቸዝን ኡምብርያን ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጠመ እሞ ኣብ ልዕሊ ዳርጋ 90,000 ዝኸውን ኣባይቲ ድማ ጕድኣት ኣውረደ። ጕጅለታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ብኡንብኡ ንኣመንቲ ብጾቶምን ንኻልኦትን ሓገዝ ገበሩሎም። ተጐተትቲ ገዛውቲ: ፍርናሻት: ምድጃታት: ጀነሬተራት: ከምኡውን ካልእ ነገራት ሃብዎም። እዚ ንጥፈታት ረድኤት እዚ ኻልኦት ኣስተውዒሎምሉ ኢዮም።

እታ ኢል ቸንትሮ እትበሃል ጋዜጣ (ጣልያንኛ) ከምዚ ብምባል ጸብጻብ ሃበት:- “ናብቲ ጕድኣት ዝበጽሖ ቦታታት ረድኤት መጀመርታ ሒዞም ዝመጹ: እቶም ኣብ [ኣውራጃ ቴራሞ ኣብ እትርከብ] ሮሴቶ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። . . . እዞም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ልዕሊ እቲ በብግዜኡ ንጸሎት ዝገብርዎ ኣኼባ: ካበየናይ ሃይማኖት ምዃኖም ብዘየገድስ ነቶም እተጸገሙ ናይ ረድኤት ኢዶም ዘርጊሖምሎም ኢዮም።”

ከንቲባ ናይታ ኖቼራ ኡምብራ እትበሃል ብዙሕ ጕድኣት ዝወረዳ ኸተማ: ናብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንተቐማጦ ኖቼራ ብዝገበርክምዎ ሓገዝ ብብሕተይ ካብ ልቢ አመስግነኩም። ናይ ኵሎም ተቐማጦ እዛ ኸተማ ስምዒት እገልጽ ከም ዘለኹ ርግጸኛ ኢየ።” ብተወሳኺውን: ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጕዳያት ንኮንግሪጋዝዮነ ክሪስቲያና ደ ተስቲሞኒ ዲ ዠኦቫ (ክርስትያናዊት ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር) “ኣብ ኣውራጃታት ኡምብርያን ማርቸዝን ህጹጽ ኵነታት ተፈጢሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዝፈጸምዎ ዕዮን ዘርኣይዎ ትግሃትን ከም ምስክርነት ኰይኑ ንኸገልግል” ናይ ናእዳ ወረቐት ምስክርን መዳልያን ሸለሞም።

ኣብ ጥቅምቲ 2000: ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ እትርከብ ኣውራጃ ፒድሞንት ምጥልቕላቕ ማይ ኣጋጠማ። ሕጂውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቕልጡፍ ረድኤት ንምሃብ ስጕምቲ ወሰዱ። ነዚ ጽቡቕ ግብሮም እዚውን ሰባት ኣስተውዒሎምሉ ኢዮም። ኣውራጃ ፒድሞንት “ነቶም ምጥልቕላቕ ማይ ዘጋጠሞም ተቐማጦ ፒድሞንት ኣብ ምሕጋዝ ዝገበርዎ ዝነኣድ ናይ ወለንታ ዕዮ” ምስክር ዝኸውን ጽላት ሃቦም።

የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ “ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ዝብል መምርሒ ሂብዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠16) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጐረባብቶም ብመንፈሳውን ብኻልእ መዳያትን ዝሕግዝ ‘ጽቡቕ ግብሪ’ ብምግባር ንኣምላኽ ምስጋና የምጽኡሉ ኣለዉ።