ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

 ደረት ናይቲ ኣብ መንጎ ኣዝማድ ዝግበር መውስቦ ዝገልጽ ሕጊ ሙሴ ኣብዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ዝውዕል ክሳዕ ክንደይ ኢዩ፧

እቲ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ: ብዛዕባ ውራይ መርዓ እንታይ ዓይነት ስርዓትን መምርሕን ክህሉ ኸም ዘለዎ ብዙሕ ኣይገልጽን ኢዩ። ይኹን እምበር: ንገለ መውስቦታት ዝኽልክል ስርዓት ግን ይርከቦ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ዘሌዋውያን 18:⁠6⁠-​20 ኣብ መንጎ ‘ቀረባ ዘመድ’ ንኸይፍጸም እተኸልከለ ርክብ ዘርዚሩ ይገልጸልና ኢዩ። ኣብ ንሓድሕዶም ጾታዊ ርክብ ክገብሩ ዘይብሎም ኣዝማድ ኣብዚ ጥቕስታት እዚ ብዝርዝር ተገሊጾም ኣለዉ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ከም ዘይኰኑ ወይ ብእኡ ከም ዘይቅየዱ እተረጋገጸ ኢዩ። (ኤፌሶን 2:⁠15፣ ቈሎሴ 2:⁠14) እዚ ኽበሃል ከሎ ግን ክርስትያናት ናይ መርዓ ብጻይ ክመርጹ ኸለዉ ነዚ ጕዳይ እዚ ዕሽሽ ይብልዎ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ነዚ ዝገልጽ እተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎ።

ብመጀመርታ: ብዛዕባ ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዝግበር መውስቦ ዝኽልክል ዓለማዊ ሕግታት ኣሎ: ክርስትያናት ከኣ ብመሰረቱ ንሕጊ ናይታ ዝነብሩላ ሃገር ክእዘዙ ግዴታ ኣለዎም። (ማቴዎስ 22:⁠21፣ ሮሜ 13:⁠1) ርግጽ ኢዩ: እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ ኢዩ። መብዛሕትኡ ነዚ ዝምልከት ዘመናዊ ሕግታት ብቐዳምነት ንስነ⁠-​ውርሻ (ጂን) ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ ዝወጽእ። ኣብ መንጎ ቀረባ ኣዝማድ ኣብ ዝግበር መውስቦ ዝውለዱ ቈልዑ ዝያዳ ኻልኦት ብስነ⁠-​ውርሻ ንዝመሓላለፍ ጕድለትን ሕማምን እተቓልዑ ምዃኖም ኣብ ኵሉ እተፈልጠ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ክርስትያናት በዚ ምኽንያት እዝን ‘ነቶም ኣብ ልዕሊኦም ስልጣን ዘለዎም ሰባት ድማ ስለ ዝግዝእዎምን’ መውስቦ ክገብሩ ኸለዉ ነቲ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ሕጊ መውስቦ ይእዘዝዎ ኢዮም።

ብዘይ​ካ እዚ ኸኣ ኣብቲ ሓደ ሰብ ዝነብረሉ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ዘለዎን ዘይብሉን ነገራት እውን ኣሎ። ዳርጋ ኣብ ኵሉ ባህልታት ብዛዕባ ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዝዀኑ ሰባት ዝግበር መውስቦ ዝኽልክል ስርዓታትን ልምድታትን ኣሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኸምዚ ዝኣመሰለ መውስቦ ኣብ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዝግበር ዝሙት ገይርካ ስለ ዝቝጸር ነውሪ ኢዩ። ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ከምዚ ይብል:- “ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ዘሎ ስነ⁠-​ውርሻዊ ርክብ ዝያዳ ብዝቐረበ መጠን ነቲ ኣብ ንሓድሕዶም ጾታዊ ርክብ ንኸይፍጽሙ ዝኽልክል ሕጊ ኸኣ ዝያዳ ኢዩ ዘትርሮ።” በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር ክርስትያናት ኸም ዝሙት ዝቝጸር ናይ ቀረባ ኣዝማድ መውስቦ ዘይፍጽሙ እኳ እንተዀኑ: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤን ኣብ ስም ኣምላኽን ጸርፊ ምእንቲ ኸየምጽኡ ግን ነቲ ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ልምድታት ዕሽሽ ክብልዎ የብሎምን።​—⁠2 ቈረንቶስ 6:⁠3

እቲ ኣምላኽ ዝሃበና ሕልና እውን ዕሽሽ ተባሂሉ ክሕለፍ የብሉን። ኵሎም ሰባት ቅኑዕን ጌጋን ጽቡቕን ክፉእን ናይ ምፍላይ ስምዒታዊ ዝንባለ ዘለዎም ኰይኖም ኢዮም ዝውለዱ። (ሮሜ 2:⁠15) ሕልንኦም ብጽዩፍ ተግባራት እንተ ዘይተበላሽዩ ወይ እንተ ዘይጐዲሙ: ንቡርን ቅቡልን ዘይባህርያውን ጽዩፍን እንታይ ከም ዝዀነ ይነግሮም ኢዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዝግበር መውስቦ ዝኽልክል ሕጊ ዝሃቦም ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብጺ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነኣን ድማ ኣይትግበሩ: ብስርዓቶምውን ኣይትመላለሱ።” (ዘሌዋውያን 18:⁠3) ክርስትያናት ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልንኦም ኣኽቢሮም ስለ ዝሕዝዎ በቲ ንቕኑዕን ጌጋን ዝምልከት ኣህዛብ ዘለዎም ቄናን ኣተሓሳስባ ኽበላሾ ኣይፈቕድሉን ኢዮም።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠17-19

ስለዚ እምበኣር: እንታይ ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰኑ: ሕልንኦም ነቲ ኣብ ናይ ቀረባ ኣዝማድ​—⁠ኣቦን ጓልን: ኣደን ወድን: ሓውን ሓብትን​—⁠ዝግበር መውስቦ ኣብ ክርስትና ፈጺሙ እተዀነነ ከም ዝዀነ ሕልንኦም ይነግሮም ኢዩ። a እቲ ዝምድና እተረሓሓቐ ምስ ዝኸውን ግን ንሕጋዊ መውስቦ ዝቈጻጸር ሕግን ስርዓትን ከም ዘሎ ከምኡውን ብማሕበራዊ ይኹን ባህላዊ መገዲ ቅቡል ዝዀነ መዐቀኒታት ከም ዘሎ ይግንዘቡ ኢዮም። ምስቲ “መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር” ይኹን ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንከይድ ነዚ እተጠቕሰ ስርዓታትን መዐቀኒታትን ተጠንቂቕና ከነቕልበሉ ይግብኣና።​—⁠እብራውያን 13:4

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እዚ ዝርዝር ሓሳባት ንምርካብ በጃኻ ነታ “ኣብ መንጎ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ዝግበር መውስቦ​—⁠ክርስትያናት ብኸመይ ክርእይዎ ኣለዎም፧” እትብል ኣብ ናይ 15 መጋቢት 1978 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዘኛ) ገጽ 25-26 እትርከብ ዓንቀጽ ርአ።