ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዓቕሞም ለባማት ኢዮም

ብዓቕሞም ለባማት ኢዮም

ብዓቕሞም ለባማት ኢዮም

 “ዓበይቲ ሰባት ልቦና ኣለዎም: ቈልዑ እውን ብዓቕሞም ለባማት ኢዮም” ዝብል ምስላ ናይጀርያ ኣሎ። ኣብ ናይጀርያ ዝነብር ኤድዊን ዝበሃል ክርስትያን ሽማግለ ነዚ ሓቂ ዀይኑ ረኺብዎ ኢዩ።

ሓደ መዓልቲ ኤድዊን ኣብ ገዝኡ ኣብ ትሕቲ ጣውላ ብሓጺን እተሰርሐት ሳጹን ረኸበ።

ኤድዊን ነቶም ሰለስተ ደቁ “እዚ ናይ መን ኢዩ፧” ኢሉ ሓተቶም።

ኢማንወል ዝበሃል ወዲ ሸሞንተ ዓመት ወዱ “ናተይ ኢዩ” ኢሉ መለሰ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን እዛ 12 ብ12 ሳንቲ ሜተር ዝስፍሓታ ኣብ ልዕሊኣ ንእሽቶ ቐዳድ ዘላታ ሳጹን ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኸውን ወፈያታት ዝእክበላ ምዃኑ ሓበረ። “መዓልቲ መዓልቲ ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ስለ ዘይከይድ: ጠዓሞት ክዕድገሉ እተዋህበኒ ገንዘብ እንተ ዘይተጠቒመሉ ኣብ ሳጹን ንኸእትዎ ኢለ ኢየ ሳጹን ክሰርሕ መዲበ” ብምባል ድማ ገለጸ።

ኣቦ ኢማንወል ኣብቲ ዓመታዊ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምክፋል ዘድልዮም ገንዘብ ዘዋህልለላ ሳጹን ነይራቶ ኢያ። እንተዀነ ግን: እታ ስድራ​ቤት ገንዘብ ብህጹጽ ስለ ዘድለያ: ነቲ ገንዘብ ብምሉኡ ተጠቕሙሉ። ኢማንወል ግን ንወፈያ ኢሉ ዘዋህለሎ ገንዘብ ንኻልእ ዝዀነ ይኹን መዓላ ክውዕል ስለ ዘይደለየ: ንሓንቲ ኣረጊት ታኒካ ናብ ሓደ ኣልሓማይ ወሰዳ እሞ ንኽልሕመሉ ሓተቶ። እቲ ኣልሓማይ ነታ ታኒካ ንምንታይ ዕላማ ኸም ዝደለያ ምስ ፈለጠ: ካብ እተጓሕፈ ሓጻውን ሓንቲ ሳጹን ሰርሓሉ። እቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ማይክል ዝበሃል ሓው ኢማንወል እውን ሓንቲ ሳጹን ክትስርሓሉ ሓተተ።

ኤድዊን በቲ እዞም ቈልዑ ዝገበርዎ ስለ እተገረመ: ንምንታይ ሳጹን ኸም ዘስርሑ ሓተቶም። ማይክል ከኣ “ወፈያ ኽገብር እደሊ ኢየ!” ኢሉ መለሰሉ።

ኢማንወልን ማይክልን ኡቻይ እትበሃል ጓል ትሽዓተ ዓመት ሓብቶምን: ወለዶም ከይፈለጡ ካብቲ ጠዓሞት ክዕድጉሉ እተዋህቦም ገንዘብ ቈጢቦም ኣብቲ ሳጹናቶም የዋህልልዎ ነበሩ። ነዚ ሓሳብ እዚ ኻበይ ኢዮም ረኺቦሞ፧ እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ገንዘብ በእዳዎም ክሕዙ ኻብ ዝኸኣሉሉ ግዜ ኣትሒዙ: ወለዶም እተወሰነ ገንዘብ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝርከብ ናይ ወፈያ ሳጹን ከእትዉ ምሂሮምዎም ኢዮም። ብርግጽ ድማ እቶም ቈልዑ ነቲ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ኣውዒሎሞ ኢዮም።

እተን ሳጹናት መሊአን ምስ ከፈትወን: ብድምር 3.13 ዶላር ኣመሪካ ረኸቡ፣ ገምጋም ዓመታዊ እቶት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ሒደት ኣማእታት ዶላራት ኣብ ዘይዛይደላ ሃገር ስለ ዝነብሩ: እዚ ገንዘብ እዚ ሒደት ኣይኰነን። ከምዚ ዝኣመሰለ ብፍታው ዝወሃብ ወፈያ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ 235 ሃገራት ዝገብርዎ ዕዮ ስብከት ዝድግፍ ኢዩ።