ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ነቲ መንፈስ ሓቂ” ተቐቢልካዮዶ፧

“ነቲ መንፈስ ሓቂ” ተቐቢልካዮዶ፧

“ነቲ መንፈስ ሓቂ” ተቐቢልካዮዶ፧

‘ኣቦ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር ካልእ መጸናንዒ ኽህበኩም እዩ: ንሱ ድማ እቲ መንፈስ ሓቂ ኢዩ።’​—⁠ዮሃንስ 14:⁠16, 17

1. የሱስ ኣብቲ ደርቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዘሕለፈን ናይ መወዳእታ ሰዓታት እንታይ ኣገዳሲ ሓበሬታ ኢዩ ዝሃቦም፧

 “ጐይታይ: ናበይ ክትከይድ ኢኻ፧” ኣብተን የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ሓደ ደርቢ ዘሕለፈን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ካብ ዝቐረባሉ ሕቶታት ሓንቲ እዚኣ ኢያ ነይራ። (ዮሃንስ 13:⁠36) ቀጺሉ: ካባታቶም ዝፍለየሉን ናብ ኣቦኡ ዝምለሰሉን ግዜ ኸም ዝኣኸለ ሓበሮም። (ዮሃንስ 14:⁠28፣ 16:⁠28) ድሕሪ ደጊም ብኣካል ተረኺቡ ኣይክምህሮምን ሕቶታቶምውን ኣይክምልሰሎምን ኢዩ። ይኹን እምበር: “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ: ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ [“ሓጋዚ:” NW ] ኺህበኩም እዩ” ብምባል ኣረጋገጸሎም።​—⁠ዮሃንስ 14:16

2. የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ከደ እንታይ ክሰደሎም ኢዩ እተማባጽዐ፧

2 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እቲ ሓጋዚ እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዝሕግዞምን ገሊጹሎም ኢዩ። ከምዚ ድማ በሎም:- “ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ኻብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም። ሕጂ ግና ናብቲ ዝለአኸኒ እኸይድ አሎኹ። . . . ግናኸ እንተ ኸድኩ ኸም ዚሔሸኩም: ሓቂ እነግረኩም አሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ: እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞ: እንተ ኸድኩ ግና: ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ . . . ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።”​—⁠ዮሃንስ 16:4, 5, 7, 13

3. (ሀ) እቲ “መንፈስ ሓቂ” ናብ ቀዳሞት ክርስትያናት እተላእከ መዓስ ኢዩ፧ (ለ) ሓደ ኻብቲ እቲ መንፈስ “ሓጋዚ” ዝዀነሉ ኣገዳሲ መዳያት እንታይ ኢዩ፧

3 እዚ መብጽዓ እዚ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ፍጻሜኡ ረኸበ: ኣብቲ ግዜ እቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ከምዚ ብምባል ኣረጋገጸ:- “ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ: በዚ ንሕና ዅላትና ም[ስ]​ክር ኢና። ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ: ተስፋ መንፈስ [ቅ]ዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ: ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:32, 33) ጸኒሑ ኸም እተራእየ: እቲ ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ዝፈሰሰ መንፈስ ቅዱስ ንቐዳሞት ክርስትያናት ብዙሕ ነገራት ፈጺምሎም ኢዩ። የሱስ ግን ንሱ ‘ዝነገሮም ዘበለ’ እቲ “መንፈስ ሓቂ” ‘ከዘክሮም’ ምዃኑ ኢዩ ተመባጺዑ። (ዮሃንስ 14:26) ኣገልግሎትን ትምህርትታትን የሱስ አረ እተን ዝጥቀመለን ዝነበረ ቓላት እውን ከይተረፈ ንኽዝክሩን ንኽጽሕፍዎን ኣኽኢልዎም ኢዩ። እዚ ብፍላይ ነቲ ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ነቲ ወንጌሉ ኽጽሕፎ ኸሎ ሓጊዝዎ ኢዩ። እቲ ጸብጻብ እቲ የሱስ በዓል ዝኽሪ ኸቕውም ከሎ እተዛረቦ ዘደንቕ ማዕዳ ይርከቦ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ ምዕራፍ 13-17

4. እቲ “መንፈስ ሓቂ” ነቶም ቀዳሞት ቅቡኣት ክርስትያናት ዝሓገዞም ብኸመይ ኢዩ፧

4 ብተወሳኺውን የሱስ ንቐዳሞት ደቀ መዛሙርቱ እቲ መንፈስ ‘ኵሉ ኽምህሮምን’ ‘ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሖምን’ ምዃኑ ተመባጺዑ ኢዩ። እቲ መንፈስ: ነቲ ዓሚቝ ትሕዝቶ ቅዱሳት ጽሑፋት ንኽርድኡን ሓደ ዓይነት ሓሳብ: ምርዳእ: ከምኡውን ዕላማ ንኽህልዎምን ሓጊዝዎም ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 2:⁠10፣ ኤፌሶን 4:⁠3) መንፈስ ቅዱስ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብጕጅለ ደረጃ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዀይኖም ብምዕያይ ንነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ክርስትያን ‘መግቡ በብግዜኡ ንኽህብዎ’ ስልጣን ሂብዎም ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠45

እቲ መንፈስ ይምስክር

5. (ሀ) ምሸት 14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ሓድሽ ነገር ኢዩ ዝገለጸሎም፧ (ለ) መንፈስ ቅዱስ ነቲ የሱስ እተመባጽዖ ኣብ ምፍጻም እንታይ ግደ ነበሮ፧

5 ምሸት 14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምስኡን ምስ ኣቦኡን ምእንቲ ኽነብሩ: ካልእ ግዜ ናብ ሰማይ ኽወስዶም ምዃኑ ኣመተሎም። ከምዚ ኸኣ በሎም:- “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር አሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ: ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ አሎኹ: ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳሎኹልኩም: ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ: ተመሊሰ ኽመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ።” (ዮሃንስ 13:36፣ 14:2, 3) ኣብ መንግስቱ ምስኡ ኽነግሱ ኢዮም። (ሉቃስ 22:⁠28-30) ነዚ ሰማያዊ ተስፋ እዚ ንኽረኽብዎ ግን ከም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ መጠን ‘ካብ መንፈስ ክውለዱ’ ከምኡውን ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ንኸገልግሉ ክቕብኡ ነበሮም።​—⁠ዮሃንስ 3:⁠5-8፣ 2 ቈረንቶስ 1:⁠21, 22፣ ቲቶስ 3:⁠5-7፣ 1 ጴጥሮስ 1:⁠3, 4፣ ራእይ 20:⁠6

6. (ሀ) ሰማያዊ ጽውዓ ዝጀመረ መዓስ ኢዩ: ነዚ ጽውዓ እዚ ዝቕበሉኸ ቍጽሮም ክንደይ ኢዩ፧ (ለ) እቶም እተጸውዑ ብምንታይ ኢዮም ተጠሚቖም፧

6 እዚ “ሰማያዊ ጽውዓ” እዚ ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ጀመረ: እቲ ዝበዝሕ ክፋሉ ኸኣ ኣብ መፋርቕ 1930ታት እተወድአ ኢዩ ዝመስል። (እብራውያን 3:⁠1) ቍጽሪ እቶም መንፈሳውያን እስራኤል ንኽዀኑ “ካብ ደቂ ኣዳም እተዐደጉ” ብመንፈስ ቅዱስ እተሓትሙ ሰባት 144,000 ኢዩ። (ራእይ 7:⁠4፣ 14:⁠1-4) እዚኣቶም በቲ መንፈሳዊ ኣካል ክርስቶስ: ብማሕበሩ: ከምኡውን ብሞቱ እተጠምቁ ኢዮም። (ሮሜ 6:⁠3፣ 1 ቈረንቶስ 12:⁠12, 13, 27፣ ኤፌሶን 1:⁠22, 23) ብማይ ድሕሪ ምጥማቖምን ብመንፈስ ቅዱስ ድሕሪ ምቕባኦምን መስዋእታዊ ህይወት​—⁠ክሳዕ ዝሞቱ ንጽህንኦም ሓልዮም ዝመላለሱሉ ህይወት​—⁠ጀሚሮም ኢዮም።​—⁠ሮሜ 6:⁠4, 5

7. ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝዘውር ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ክካፈሉ ዝኽእሉ ቅቡኣት ክርስትያናት ጥራይ ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

7 እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት ከም መንፈሳውያን እስራኤል መጠን ኣብቲ የሆዋ ምስ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዝገብሮ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ኢዮም። (ገላትያ 6:⁠16፣ ኤርምያስ 31:⁠31-34) እቲ ሓድሽ ኪዳን በቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ሕጋውነቱ እተረጋገጸ ኢዩ። የሱስ ነቲ በዓል ዝኽሪ ሞቱ ኸቕውም ከሎ ነዚ ጠቒስዎ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ሉቃስ ከምዚ ብምባል መዝጊቡ ኣሎ:- “እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፤ እዚ ምእንታኹም ዚውሀብ ዘሎ ስጋይ እዩ: እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ: ኢሉ ሀቦም። ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፤ እዛ ጽዋእ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ።” (ሉቃስ 22:19, 20) ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ዝዘውር ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ክካፈሉ ዝኽእሉ እቶም ሕጂ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ተረፍ ናይቶም 144,000 ኢዮም።

8. እቶም ቅቡኣት ሰማያዊ ጽውዓ ኸም እተቐበሉ ብኸመይ ይፈልጡ፧

8 እቶም ቅቡኣት ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎም ብኸመይ ኢዮም ዝፈልጡ፧ ምስክርነት ናይ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝቕበሉ ዘማትእ ኣይኰነን። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኸምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም:- “እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ዘበሉ: ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። ውሉድ ካብ ኰንናኸ: ወረስቲ ድማ ኢና: ንኣምላኽ ወረስቱ: ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ: ምስኡውን ክንከብር ኢና።” (ሮሜ 8:14-17) እቲ መንፈስ ዝህቦ ምስክርነት ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝዀነ ሰማያዊ ጽውዓ ኸም ዘለዎም ቁሩብ ዝጠራጠሩ ሰባት እውን እንተዀኑ ኻብቶም ቅቡኣት ከም ዘይኰኑ ምስ ዝድምድሙ ርትዓዊ ኢዩ፣ ስለዚ ኸኣ ካብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝዘውር ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኣይወስዱን ኢዮም።

እቲ መንፈስን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን

9. ኣብ ወንጌላትን ኣብ መጽሓፍ ራእይን እንታዎት ክልተ እተፈላለዩ ጕጅለታት ኢዮም ተጠቒሶም ዘለዉ፧

9 የሱስ: እቶም መንፈሳውያን እስራኤል ዘቝሙ እተወሰነ ቝጽሪ ኸም ዘለዎም ኣብ ግምት ብምእታው “ሒደት መጓሰ” ኢልዎም ኣሎ። እዚኣቶም ከምቶም የሱስ ክእክቦም ምዃኑ እተዛረበሎም ኣዝዮም ብዙሓት “ኻልኦት ኣባጊዕ” ዘይኰኑስ ኣብቲ “መጓሰ” ናይቲ ሓድሽ ኪዳን እቱዋት ኢዮም። (ዮሃንስ 10:⁠16፣ ሉቃስ 12:⁠32) እቶም ኣብ ግዜ መወዳእታ ዝእከቡ ኻልኦት ኣባጊዕ ነቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ሒዞም ካብቲ “ብርቱዕ ጸበባ” ዝድሕኑ “ዓቢ ጭፍራ” (NW ) ዘቝሙ ኢዮም። እቲ ዘገርም ከኣ: ዮሃንስ ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝረኣዮ ራእይ: ኣብ መንጎ እቶም ዓቢ ጭፍራን 144,000 ኣባላት መንፈሳውያን እስራኤልን ዘሎ ፍልልይ ዝገልጽ ኢዩ። (ራእይ 7:⁠4, 9, 14) ንኻልኦት ኣባጊዕ እውን መንፈስ ቅዱስ ይወሃቦም ድዩ፧ ዝወሃቦም እንተድኣ ዀይኑ ንህይወቶም ብኸመይ ይጸልዎ፧

10. ካልኦት ኣባጊዕ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ዝጥመቑ ብኸመይ ኢዮም፧

10 መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ካልኦት ኣባጊዕ ዓቢ ግደ ኸም ዘለዎ እተረጋገጸ ኢዩ። ንየሆዋ ዝገብርዎ ወፈያ ኸርእዩ ኸለዉ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ኢዮም ዝጥመቑ። (ማቴዎስ 28:⁠19) ንሉዓላውነት የሆዋ ኣፍልጦ ይህብሉ: ንክርስቶስ ከም ንጉሶምን ተበጃዊኦምን መጠን ይግዝእዎ: ነቲ መንፈስ ኣምላኽ ወይ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ዝፍጽሞ ተግባራት ከኣ ይእዘዝዎ ኢዮም። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ነቲ “ፍረ መንፈስ” ንምፍራይ ይጽዕሩ ኢዮም: እዚ ኸኣ “ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል እዩ።”​—⁠ገላትያ 5:⁠22, 23

11, 12. (ሀ) እቶም ቅቡኣት ብኣዝዩ ፍሉይ መገዲ እተቐደሱ ብኸመይ ኢዮም፧ (ለ) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብኸመይ ኢዮም እተቐደሱ፧

11 ብተወሳኺውን ካልኦት ኣባጊዕ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን ንኸጽርዮም ወይ ንኽቕድሶም ክፈቕዱ ኣለዎም። እቶም ቅቡኣት ከም መርዓት ክርስቶስ መጠን ስለ ዝጸደቑ ድሮ ብፍሉይ መገዲ ተቐዲሶም ኢዮም። (ዮሃንስ 17:⁠17፣ 1 ቈረንቶስ 6:⁠11፣ ኤፌሶን 5:⁠23-27) ነብዪ ዳንኤል ነዚኣቶም ኣብ ትሕቲ እቲ “ወዲ ሰብ” ማለት ክርስቶስ የሱስ ኰይኖም መንግስቲ ዝቕበሉ “ናይ ልዑል ቅዱሳን” ብምባል ጠቒስዎም ኣሎ። (ዳንኤል 7:⁠13, 14, 18, 27) ኣቐድም ኣቢሉ: የሆዋ ብሙሴን ኣሮንን ኣቢሉ ንህዝቢ እስራኤል “ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ: ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ” ኢልዎም ነይሩ ኢዩ።​—⁠ዘሌዋውያን 11:44

12 እታ “ቕድስና” እትብል ቃል ብመሰረቱ “ንኣገልግሎት ወይ የሆዋ ኣምላኽ ንኽጥቀመሉ ብዝብል ዕላማ ምቕዳስ ወይ ምፍላይ፣ ቅዱስ ወይ ንጹህ ምዃን” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። ካብ ቅድም ኣትሒዙ ማለት ብ1938 ዝወጸ ግምቢ ዘብዐኛ እቶም ብዮናዳብ ዝምሰሉ ሰባት ወይ ካልኦት ኣባጊዕ: “ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይቶም ብዙሓት ሰባት ብምዃን ኣብ ምድሪ ዝነብሩ: ወፈያን ቅድስናን ከርኢ ኸም ዝሕተት ክመሃር ኣለዎ” በለት። ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ተገሊጹ ዘሎ ብዙሓት ሰባት እተራእዩሉ ራእይ ‘ክዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ከም ዘጻዕደዉን [ንየሆዋ] ኣብ መቕደሱ ለይትን መዓልትን ከም ዘገልግልዎን’ ተጠቒሱ ኣሎ። (ራእይ 7:⁠9, 14, 15) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ: ነቲ የሆዋ ዝሓቶ ብቕዓታት ቅድስና ንምምላእ ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ኢዮም።​—⁠2 ቈረንቶስ 7:⁠1

ንኣሕዋት ክርስቶስ ሰናይ ምግባር

13, 14. (ሀ) ብመሰረት እቲ የሱስ ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን እተዛረቦ ምሳልያዊ ዛንታ: ድሕነት ናይተን ኣባጊዕ ኣብ ምንታይ እተመርኰሰ ኢዩ፧ (ለ) ኣብዚ ግዜ መወዳእታ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንኣሕዋት ክርስቶስ ሰናይ ዝገብሩሎም ብኸመይ ኢዮም፧

13 የሱስ ን“መወዳእታ ዓለም” ኣመልኪቱ ኣብ እተዛረቦ ትንቢት: ብዛዕባ ኣባጊዕን ኣጣልን ዝገልጽ ምሳልያዊ ዛንታ ተዛሪቡ ነይሩ፣ ኣብቲ ዛንታ እቲ ኣብ መንጎ እቶም ካልኦት ኣባጊዕን ሒደት መጓሰን ዘሎ ጥብቂ ርክብ ኣጕሊሑ ኢዩ። ኣብዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ: ድሕነት ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ምስቲ ክርስቶስ “ኣሕዋተይ” ኢሉ ንዝጸውዖም ቅቡኣት ዘርእይዎ ጠባይ ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ብንጹር ኣርኣየ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፤ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት: ንዑ: እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። . . . እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”​—⁠ማቴዎስ 24:⁠3፣ 25:31-34, 40

14 እታ “ዝገበርኩምሉ” እትብል ቃል ነቲ ነዞም ብናይ ሰይጣን ዓለም ከም ጓኖት ዝረኣዩ: ኣረ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እውን ዝድርበዩ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስ እተገብረሎም ፍቕራዊ ሓገዝ ኢያ እተመልክት። መግቢ: እኹል ክዳን: ከምኡውን ክንክን ኣድሊዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 25:⁠35, 36) ኣብዚ ኻብ 1914 ኣትሒዙ ኣቲናዮ ዘሎና ግዜ መወዳእታ ብዙሓት ካብቶም ቅቡኣት እዚ ዅነታት እዚ ኣጋጢምዎም ኢዩ። ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: እዞም ቅቡኣት በቶም ብመንፈስ እተደረኹ እሙናት ብጾቶም ማለት ብኻልኦት ኣባጊዕ ሓገዝ ከም እተገብረሎም ኢዩ ዘረጋግጽ።

15, 16. (ሀ) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ኣብ ምንታይ ዕዮ ኢዮም ብፍላይ ሓጊዞምዎም፧ (ለ) እቶም ቅቡኣት ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ዘለዎም ሞሳ ብኸመይ ገለጹ፧

15 ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ ብፍላይ ነቲ ኣምላኽ ‘ነዚ ወንጌል መንግስቲ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ክሰብኩ’ ዝሃቦም መዝነት ኣብ ምፍጻም ንጡፍ ሓገዝ ናይቶም ካልኦት ኣባጊዕ ረኺቦም ኢዮም። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ ዮሃንስ 14:⁠12) ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጐደለ ይኸይድ እኳ እንተሎ: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ግን እናበዝሑ ብምኻድ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኰይኖም ኣለዉ። ካብዚኣቶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኸኣ ነቲ ብስራት መንግስቲ “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ዝዝርግሑ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ​—⁠ፓይነራትን ሚስዮናውያንን​—⁠ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) ካልኦት ከኣ ዓቕሞም ብዝፈቕደሎም ኣብዚ ዕዮ ምስክርነት እዚ ይካፈሉ: ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ ድማ ተሓጒሶም ብገንዘብ ይሕግዙ ኢዮም።

16 ቅቡኣት ኣሕዋት ክርስቶስ እቶም ብጾቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንዝገብሩሎም ዘየቋርጽ ደገፍ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ዘማስዉሉ! ዝስምዖም ስምዒት ኣብታ ዎርልድዋይድ ሰኲሪቲ ኣንደር ዘ “ፕሪንስ ኦቭ ፒስ ” ዘርእስታ ብኽፍሊ እቲ ባርያ ብ1986 እተዳለወት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ጽቡቕ ገይሩ ተገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ: እቲ የሱስ ብዛዕባ ‘መወዳእታ ዓለም’ እተነበዮ ትንቢት ፍጻሜኡ ኽረክብ ዝኸኣለ ብዓቢኡ ሳላ እቶም ‘ዓቢ ጭፍራ’ ናይተን ‘ካልኦት ኣባጊዕ’ ኢዩ። . . . ስለዚ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ እተፈላለየ ቛንቋ ዝዛረቡ ‘ዓቢ ጭፍራ’ ነቲ [የሱስ] ኣብ ማቴዎስ 24:⁠14 እተዛረቦ ትንቢት ኣብ ምፍጻም ዓቢ እጃም ስለ ዘበርከቱ ብዙሕ ምስጋና ይብጽሓዮም!”

‘ብጀካና ናብ ፍጽምና ኣይበጽሑን’

17. እቶም ኣብ ምድሪ ዝትንስኡ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ‘ብዘይ​’ እቶም ቅቡኣት ‘ናብ ፍጽምና ዘይበጽሑ’ ብኸመይ ኢዮም፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ ከም ሓደ ቕቡእ መጠን ብዛዕባ እቶም ቅድሚ ክርስቶስ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ክገልጽ ከሎ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ: ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ: እዚኦም ኵላቶም: ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ: ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።” (እብራውያን 11:35, 39, 40) ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣት: ክርስቶስን እቶም 144,000 ቅቡኣት ኣሕዋቱን ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ክዓዩ ኢዮም: ነቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ረብሓታት ድማ ናብ ምድሪ ኽዝርግሕዎ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብኣካልን ኣእምሮን ‘ናብ ፍጽምና ይበጽሑ።’​—⁠ራእይ 22:⁠1, 2

18. (ሀ) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓቅታት ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ እንታይ ከም ዝግንዘቡ ኢዩ ዝገብሮም፧ (ለ) ካልኦት ኣባጊዕ “ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ” እንታይ ተስፋ ሒዞም ኢዮም ዝጽበይዎ፧

18 እምበኣር: እቶም ካልኦት ኣባጊዕ: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ ክርስቶስን እቶም ቅቡኣት ኣሕዋቱን ኣብቲ ዕላማታት የሆዋ ንምፍጻም ዘለዎም ኣገዳሲ ግደን ዝያዳ ዘተኵር ስለምንታይ ከም ዝዀነ ክግንዘብዎ ኣለዎም። ስለዚ: ነቲ ኣብ ኣርማጌዶንን ኣብቲ ሽሓዊ ግዝኣትን ዝገሃድ “ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ” እናተጸበዩ ነቲ ቕቡእ ኽፍሊ ናይቲ ባርያ ብዅሉ መዳይ ምሕጋዝ ከም መሰል ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ካብ “ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ [ኺወጹ]” ትጽቢት ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ሮሜ 8:⁠19-21

ኣብ በዓል ዝኽሪ ብሓደ መንፈስ

19. እቲ “መንፈስ ሓቂ” ነቶም ቅቡኣትን ብጾቶምን እንታይ ኢዩ ገይርሎም: ምሸት 28 መጋቢትከ ብኸመይ ኢዩ ፍልይ ዝበለ ሕብረት ዝህልዎም፧

19 ምሸት 14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ኣብ መዕጸዊ ጸሎቱ ኸምዚ በለ:- “ዓለም: ንስኻ ኸም ዝለአኽካኒ: ምእንቲ ኽትአምንሲ: ዎ ኣቦይ: ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ: ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ: ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ: እልምን አሎኹ።” (ዮሃንስ 17:20, 21) ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ወዱ ንድሕነት እቶም ቅቡኣትን ኣብዛ ዓለም ዝርከቡ እዙዛት ደቅ​ሰብን ህይወቱ ኸሕልፍ ለኣኾ። (1 ዮሃንስ 2:⁠2) እቲ “መንፈስ ሓቂ” ንኣሕዋት ክርስቶስን ብጾቶምን ሓድነት ከም ዝህልዎም ገይርዎም ኢዩ። ምሸት 28 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ: እዞም ክልቲኦም ክፍልታት ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ንምብዓልን እቲ የሆዋ ብመስዋእቲ ወዱ ክርስቶስ የሱስ ኣቢሉ ዝገበረሎም ነገር ንምዝካርን ብሓባር ክእከቡ ኢዮም። ኣብዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ እዚ ዘካይድዎ ኣኼባ ሓድነቶምን ፍቓድ ኣምላኽ ንኽገብሩ ዝገበርዎ ቘራጽነትን ዘደልድል ኢዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ መንጎ እቶም የሆዋ ዘፍቅሮም ምዃን ከም ዘሐጕሶም መርትዖ ዘርእዩ ይግበሮም።

ድግማ

• እቲ “መንፈስ ሓቂ” ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እተሰደሎም መዓስ ኢዩ: ብኸመይ ኢዩኸ ‘ዝሓገዞም’፧

• እቶም ቅቡኣት ሰማያዊ ጽውዓ ኸም እተቐበሉ ብኸመይ ክፈልጡ ይኽእሉ፧

• መንፈስ ኣምላኽ ኣብቶም ካልኦት ኣባጊዕ በየናይ መገድታት ኢዩ ዝዓዪ፧

• እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቶም ኣሕዋት ክርስቶስ ሰናይ ዝገበሩሎም ብኸመይ ኢዮም: ‘ብዘይ​’ እቶም ቅቡኣት ‘ናብ ፍጽምና ዘይበጽሑኸ’ ስለምንታይ ኢዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ብጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. እቲ “መንፈስ ሓቂ” ኣብቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈሰሰ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ካልኦት ኣባጊዕ ነቲ ኣምላኽ ንኣሕዋት ክርስቶስ ዝሃቦም ዕዮ ስብከት ብምድጋፍ ሰናይ ገይሮም ኢዮም