ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ

ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ

ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ

 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ፍሉጥ ናይ ከረን ስብከቱ “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከአላን እዩ” በሎም።​—⁠ማቴዎስ 5:14

ዝበዝሓ ኣብ ይሁዳን ገሊላን ዝነበራ ከተማታት ኣብ ሽንጭሮታት ዘይኰነስ ኣብ ኣኽራን ኢየን ተደኲነን ነይረን። ኣብ ልዕሊ ኵድዅዶታት እተደኰናሉ ምኽንያት ከኣ ንድሕንነት ተባሂሉ ኢዩ። እስራኤላውያን በቲ ኽወርር ዝመጽእ ሰራዊት ጥራይ ዘይኰነስ በቶም ዘመትቲ ጭፍራ እውን ይጥቅዑ ነይሮም ኢዮም። (2 ነገስት 5:⁠2፣ 24:⁠2) እቶም ተባዓት ተቐማጦ: ካብታ ንምክልኻል ዝነውሐ ግምቢ ዘድልያ ኣብ ጎልጎል እተሰርሐት ከተማ ንላዕሊ እታ ተቐራሪቡ እተሃንጸ ኣባይቲ ዘለዋ ኣብ ከረን እተደኰነት ከተማ ንምክልኻላ ትቐሎም ነበረት።

ኣባይቲ ኣይሁድ መብዛሕትኡ ግዜ ብኖራ እተለቕለቐ ስለ ዝነበረ: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶ እክብ ኢሉ እተሰርሐ ኣባይቲ ኻብ ርሑቕ ብቐሊሉ ኽርአ ይከኣል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 23:⁠3) ልክዕ ከምዘን ሕጂ ኣብ ከባቢ ሜዲተራንያን ዝርከባ ኸተማታት ብማዕዶ ዘንጸባርቓ: እተን ጥንቲ ኣብ ኵድዅዶታት እተደኰና ከተማታት እውን ብብርሃን እታ ድምቕቲ ጸሓይ ጳለስጢና ካብ ርሑቕ የንጸባርቓ ነበራ።

የሱስ ነቲ ኣብ ገጠራት ገሊላን ይሁዳን ዝርአ ዝነበረ ፍሉይ ነገር ነቶም ሰዓብቱ ኸም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መጠን ዘለዎም ግደ ንምምሃር ተጠቒምሉ ኢዩ። “ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም: ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ: ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” በሎም። (ማቴዎስ 5:16) ክርስትያናት ሰናይ ግብሪ ዝፍጽሙ ብሰብ ክነኣዱ ኢሎም እኳ እንተ ዘይኰኑ: ነቲ ጽቡቕ ኣካይዳኦም ግን ሰባት የስተውዕልሉ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠1

ብፍላይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝገብርዎ ኣውራጃዊ ኣኼባታት እዚ ጽቡቕ ኣካይዳ እዚ ጐሊሑ ይርአ ኢዩ። ሓንቲ ኣብ ስጳኛ እትሕተም ጋዜጣ ብዛዕባ ኣብዚ ቐረባ ግዜ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ከምዚ በለት:- “ኣብ ካልኦት ሃይማኖታት ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ዘሎ ተገዳስነት እናጐደለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን: ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ከምኡ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ ጠቓሚ ምዃኑ ኸርእዩ ስለ ዝደልዩ: ንቓል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ኢዮም።”

ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስጳኛ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዝጥቀሙሉ ስታድዩም ዝኣሊ ቶማስ ዝበሃል ሰብኣይ: ንቓል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ምስ ዘውዕሉ ሰባት ግዜ ምሕላፍ ባህ ይብሎ ነበረ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝገበርዎ ኣውራጃዊ ኣኼባ ምእንቲ ኽካፈል ካብ ስራሕ ክሰናበተሉ መዲቡ ዝነበረ ግዜ ንሒደት ሰሙናት ኣናውሖ። እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ: ንኣሽቱ እውን ዝርከብዎም ብዙሓት ካብቶም ኣኼበኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝገበሮ ምትሕብባር ንኸመስግንዎን ካብ ስራሕ ተሰናቢቱ ዘሐጕስ ናብራ ንኽነብር ዘለዎም ትምኒት ንኽገልጽሉን ምስ ቀረቡ ንብዓት ሰዓሮ። “ኣብ ህይወተይ ካብ ዘሕለፍክዎ ብሉጽ ነገራት: ምሳኻትኩም ምፍላጠይ ኢዩ” ኸኣ በሎም።

ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ብማዕዶ ጐሊሓ ስለ እትርአን እቲ ጻዕዳ ቐለም እተለቕለቐ ኣባይታ ድማ ነቲ ኻብ ጸሓይ ዝመጽእ ብርሃን ስለ ዘንጸባርቖን ኣቓልቦ ተዓዛቢ ትስሕብ ኢያ። ብተመሳሳሊውን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ብዛዕባ ቅንዕናን ስነ⁠-​ምግባርን ድንጋጽን ዝገልጽ ልዑል ስርዓታት ስለ ዝስዕቡ: ፍልይ ኢሎም ኢዮም ዝረኣዩ።

ብተወሳኺ: ክርስትያናት ብስብከቶም ነቲ ብርሃን ሓቂ የንጸባርቕዎ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ከምዚ በለ:- “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ: ንነፍስና ነዕቊብ . . . አሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና: እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና: ኣይንሕለልን ኢና።” (2 ቈረንቶስ 4:1, 2) ኣብ ኵሉ እቲ ዝሰብኩሉ ዝነበሩ ቦታታት ምጽራር እኳ እንተ ኣጋጠሞም: የሆዋ ንኣገልግሎቶም ስለ ዝባረኾ ክሳዕ 60 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እቲ ብስራት “ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር” ከም እተሰብከ ጳውሎስ ጸሓፈ።​—⁠ቈሎሴ 1:⁠23

ሎሚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ ‘ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ሰብ ንኽበርህ’ ዝሃቦም ትእዛዝ ኣርዚኖም ኢዮም ዝርእይዎ። ብኣፍ ኰነ ብጽሑፍ ገይሮም ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ 235 ሃገራት ይዝርግሕዎ ኣለዉ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብርሃን ሓቂ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኽበጽሖም: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋቶም ብ370 ዝኸውን ቋንቋታት ይሓትምዎ ኣለዉ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14፣ ራእይ 14:⁠6, 7

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንቛንቋ ናይቶም ካብተን ንዕዮ ስብከትና ኣጊደንኦ ዘለዋ ወይ ኣጊደንኦ ዝነበራ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ንኽመሃሩ ብርቱዕ ጻዕሪ ገይሮም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ብዙሓት ዓበይቲ ኸተማታት ሰሜን ኣመሪካ: ካብ ቻይናን ሩስያን ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ይውሕዙ ኣለዉ። ኣብዘን ከተማታት ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ተሰዲዶም ዝመጹ ንኽሕግዙ ኢሎም ቋንቋታት ቻይና: ሩስያ: ከምኡውን ካልእ ቋንቋታት ክመሃሩ ጽዒሮም ኢዮም። ኣብዚ ምድሪ ‘ንዓጺድ ጻዕድያትሉ’ ዘላ እዋን እቲ ብስራት ንኻልኦት ምእንቲ ኽስበኸሎም: ነዚ ቛንቋታት እዚ ቐልጢፍካ ንኽትመልኮ ዘኽእል ትምህርትታት ይወሃብ ኣሎ።​—⁠ዮሃንስ 4:⁠35

ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ተነብዩ ነይሩ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪቐውም: ኣብ ልዕሊ ዅድዅዶታት ድማ ልዕል ኪብል: ኵሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኺውሕዙ እዮም።” ናይ የሆዋ መሰኻኽር በካይዳኦምን ብኣገልግሎቶምን ኣቢሎም ኣብ ኵሉ ቦታ ዝርከቡ ሰባት ጐደናታት ኣምላኽ ንኽመሃሩ: ብመገድታቱውን ንኽመላለሱ ምእንቲ ክኽእሉ ናብቲ “ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን” ንኽመጹ ይሕግዝዎም ኣለዉ። (ኢሳይያስ 2:⁠2, 3) እቲ ዘሐጕስ ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ከምቲ የሱስ ዝገለጾ ብሓባር ኰይኖም ‘ነቲ ሰማያዊ ኣቦና’ የሆዋ ኣምላኽ ‘የመስግንዎ’ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠16፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠12