ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብቶም ኣምላኽ ዘፍቅሮም ሰባት ዲኻ፧

ካብቶም ኣምላኽ ዘፍቅሮም ሰባት ዲኻ፧

ካብቶም ኣምላኽ ዘፍቅሮም ሰባት ዲኻ፧

“እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ: ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ።”​ዮሃንስ 14:21

1, 2. (ሀ) የሆዋ ንደቅ​ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣየ፧ (ለ) ምሸት 14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ እንታይ ስርዓት ኣቘመ፧

 የሆዋ ንሰብኣውያን ፍጡራቱ የፍቅሮም ኢዩ። አረ “በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ” ነዛ ናይ ደቅሰብ ዓለም ኣፍቂርዋ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16) በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ እናቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ የሆዋ “ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና: ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ኪኸውን ኢሉ ድማ ወዱ . . . [ኸም] ዝሰደደልና” ኸስተብህሉሉ ኣለዎም።​—⁠1 ዮሃንስ 4:10

2 ምሸት 14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ምስ 12 ሃዋርያቱ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ዝወጹሉ እዋን ፋስጋ ንምብዓል ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ሓደ ደርቢ ነበሩ። (ማቴዎስ 26:⁠17-20) ነዚ ናይ ኣይሁድ በዓል ድሕሪ ምብዓሎም: የሱስ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ሰጐጎ እሞ ነቲ ክርስትያናት ዘብዕልዎ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ መዘከርታ ዝኸውን ድራር ኣቘመ። a የሱስ ነቲ ዘይበዅዐ ቕጫን ቀይሕ ወይንን ከም ምሳሌ ስጋኡን ደሙን ገይሩ ብምጥቃም እቶም 11 ዝተረፉ ሃዋርያቱ ኻብዚ ንመዘክርታ ዝኸውን ድራር ከም ዝበልዑ ገበረ። እቶም ተመሳሳሊ ሓሳባት ዝጸሓፉ ማቴዎስ: ማርቆስ: ሉቃስ: ዝበሃሉ ጸሓፍቲ ወንጌልን እቲ ነቲ በዓል “መኣዲ ጐይታ” ዝብል ስያመ ዝሃቦ ሃዋርያ ጳውሎስን: የሱስ ነዚ ብኸመይ ከም ዝፈጸሞ ብዝርዝር ገሊጾም ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 11:⁠20፣ ማቴዎስ 26:⁠26-28፣ ማርቆስ 14:⁠22-25፣ ሉቃስ 22:⁠19, 20

3. ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ የሱስ ኣብቲ ደርቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘሕለፈን ናይ መወዳእታ ሰዓታት ዝጸሓፎ ጸብጻብ ካብ ናይ ካልኦት ፍልይ ዘብሎ ቀንዲ ነጥብታት እንታይ ኢዩ፧

3 እቲ ዘገርም ግን ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቲ ምዛር ቅጫን ወይንን ኣይጠቐሰን። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ምናልባት ወንጌሉ ኣብ ዝጸሓፈሉ እዋን (ከባቢ 98 ከ.ኣ.ዘ.) እዚ ስርዓት እዚ ኣብቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ኣጸቢቑ ዝፍለጥ ስለ ዝነበረ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። (1 ቈረንቶስ 11:⁠23-26) ይኹን እምበር: ዮሃንስ ጥራይ ኢዩ ብመንፈስ ተደሪኹ: የሱስ ቀቅድሚ እቲ ዝኽሪ ሞቱ ምቛሙን ደድሕሪኡን ዝበሎ ዀነ ዝገበሮ ኣድላዪ ሓበሬታ መዝጊቡ ዘሎ። እዚ ዘደንቕ ዝርዝራት እዚ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ካብ ሓሙሽተ ዘይውሕድ ምዕራፋት ሒዙ ኣሎ። ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ሰባት ከም ዘፍቅር ከኣ ብንጹር ዝገልጽ ኢዩ። ዮሃንስ ምዕራፍ 13 ክሳዕ 17 እስከ ንመርምር።

ካብቲ ኣብነታዊ ፍቕሪ የሱስ ተምሃር

4. (ሀ) የሱስ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘቘመሉ እዋን ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናይ ዝገበሮ ኣኼባ ፍረ ነገር እንታይ ከም ዝነበረ ዮሃንስ ብኸመይ ኣጕልሐ፧ (ለ) ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንየሱስ ዘፍቅረሉ ኣገዳሲ ምኽንያታት እንታይ ኢዩ፧

4 ኣብዘን የሱስ ንሰዓብቱ ኽሰናበቶም ከሎ ዝሃቦም ማዕዳ ዝሓዛ ምዕራፋት ፍቕሪ ጕሉሕ ቦታ ኢዩ ዘለዋ። አረ: እታ “ፍቕሪ” እትብል ቃል ብእተፈላለየ መልክዓታ 31 ግዜ ዝኸውን ኢያ ተጠቒሳ ዘላ። የሱስ ንየሆዋ ኣቦኡን ንደቀ መዛሙርቱን ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ኻብ ኣብ ካልእ ንላዕሊ ኣብዘን ምዕራፋት እዚኣተን ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። የሱስ ንየሆዋ ኸም ዘፍቅሮ ኣብ ኵሉ እቲ ታሪኽ ህይወቱ ተመዝጊብሉ ዝርከብ ወንጌላት ብንጹር ይርአ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን: ዮሃንስ ጥራይ ኢዩ የሱስ ብግሁድ ‘ኣነ ነቦ አፍቅሮ’ ኢየ ኸም ዝበለ ዝመዝገበ። (ዮሃንስ 14:⁠31) የሱስ ብየሆዋ ኸም ዝፍቀርን ንምንታይ ድማ ከም ዝፍቀርን እውን ገሊጹ ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ: ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ: ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሐሎኹ: ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ: ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም: ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም።” (ዮሃንስ 15:9, 10) እወ: የሆዋ ንወዱ ስለቲ ምሉእ ተኣዛዝነቱ የፍቅሮ ኢዩ። እዝስ ንዅሎም ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ከመይ ዝበለ ሰናይ ትምህርቲ ዀን ኢዩ!

5. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘለዎ ፍቕሪ ብኸመይ ኣርኣየ፧

5 የሱስ ንሰዓብቱ ዘለዎ ዓሚቝ ፍቕሪ ኣብ መጀመርታ ናይቲ ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስን ሃዋርያቱን ዝገበርዎ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ዝጸሓፎ ጸብጻብ ጐሊሑ ኣሎ። ዮሃንስ ከምዚ በለ:- “የሱስ: ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ ጊዜኡ ኸም ዝበጽሔት ፈሊጡ: ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።” (ዮሃንስ 13:1) ኣብታ ዘይትርሳዕ ምሸት እቲኣ: ንኻልኦት ብፍቕሪ ተላዒልካ ብዛዕባ ምግልጋል ካብ ኣእምሮ ዘይሕከኽ ትምህርቲ ሃቦም። ኣእጋሮም ሓጸበ። እዚ ተግባር እዚ ነፍሲ ወከፎም ብፍቓዶም ንየሱስን ንኣሕዋቶምን ክገብሩሎም ዝግባእ ዝነበረ ኢዩ: ንሳቶም ግን ኣይገበርዎን። የሱስ ነዚ ትሑት ዕዮ ድሕሪ ምዕያዩ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ: ኣእጋርኩም ካብ ሐጸብኩስ: ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ: ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ: ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 13:14, 15) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣሕዋቶም ብፍታውን ብሓጐስን ከገልግሉ ኣለዎም።​—⁠ማቴዎስ 20:⁠26, 27፣ ዮሃንስ 13:⁠17

ነቲ ሓድሽ ትእዛዝ ሓሉ

6, 7. (ሀ) ንምቛም በዓል ዝኽሪ ብዝምልከት ዮሃንስ እንታይ ኣገዳሲ ዝርዝር ሓበሬታ ኢዩ ሂቡ ዘሎ፧ (ለ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ሓድሽ ትእዛዝ ኢዩ ዝሃቦም: ሓድሽ ዝገበሮኸ እንታይ ኢዩ፧

6 እቲ ዮሃንስ ብዛዕባ ምሸት 14 ኒሳን ኣብቲ ደርቢ ዘጋጠመ ፍጻመ ዝመዝገቦ ጸብጻብ ጥራይ ኢዩ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ካባታቶም ተፈልዩ ኸም ዝኸደ ፈልዩ ዝጠቅስ። (ዮሃንስ 13:⁠21-30) ነቲ ኣብ ወንጌላት ተጻሒፉ ዘሎ ጸብጻባት ብምውህሃድ ክንሪኦ ኸሎና: የሱስ ንበዓል ዝኽሪ ሞቱ ዘቘመ: እቲ ኸዳዕ ካባታቶም ተፈልዩ ድሕሪ ምኻዱ ኢዩ። ድሕርዚ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ኣስፍሕ ኣቢሉ ናይ ስንብት ምኽርን መምርሕን ሃቦም። በዓል ዝኽሪ ኸነብዕል ኣብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን: የሱስ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ እተዛረቦ ዘረባ ዝያዳ ከገድሰና ኣለዎ: ከመይሲ ኻብቶም ኣምላኽ ዘፍቅሮም ሰባት ክንከውን ንደሊ ኢና።

7 የሱስ በዓል ዝኽሪ ሞቱ ምስ ኣቘመ ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ናይ መጀመርታ መምርሒ ሓድሽ ነገር ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ኸኣ በሎም:- “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።” (ዮሃንስ 13:34, 35) እዚ ትእዛዝ እዚ ሓድሽ ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧ ጸኒሑ በታ ምሸት እቲኣ “ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኼሕልፍ: ካብዚ ዚዐቢ ፍቕሪ የልቦን” ብምባል ነዚ ሓድሽ ትእዛዝ ንጹር ገበሮ። (ዮሃንስ 15:12, 13) እስራኤላውያን ‘ንብጻዮም ከም ርእሶም ክፈትዉ’ ሕጊ ሙሴ ኣዚዝዎም ነበረ። (ዘሌዋውያን 19:⁠18) የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ግን ካብዚ ንላዕሊ ዘጠቓልል ነበረ። ክርስትያናት ንኣሕዋቶም ክብሉ ህይወቶም ኣሕሊፎም ንምሃብ እውን ፍቓደኛታት ብምዃን ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀሮም ገይሮም ኢዮም ክፋቐሩ ዘለዎም።

8. (ሀ) ርእሰ⁠-​መስዋእታዊት ፍቕሪ እንታይ ዘጠቓለለት ኢያ፧ (ለ) ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ርእሰ⁠-​መስዋእታዊት ፍቕሪ ዘርእዩ ብኸመይ ኢዮም፧

8 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝኽበረሉ ወቕቲ ብውልቅና ዀነ ብጉባኤ ደረጃ እታ መለለዪ ምልክት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀነት ከም ናይ ክርስቶስ ዝዓይነታ ፍቕሪ ብሓቂ እንተ ኣልያትና ገዛእ ርእስና ንምምርማር ግቡእ ግዜ ኢዩ። እዛ ርእሰ⁠-​መስዋእታዊት ፍቕሪ እዚኣ ንሓደ ክርስትያን ንኣሕዋቱ ኸይከድዕ ክብል ህይወቱ እውን ኣብ ሓደጋ ከም ዘእቱ ትገብሮ ኢያ፣ እዚ ድማ ኣብ ገሊኣቶም ተራእዩ ኢዩ። ዝበዝሕ ግዜ ግን ንኣሕዋትናን ንኻልኦት ሰባትን ንምሕጋዝ ከምኡውን ንምግልጋል ጥቕሚ ርእስና ኽንስውእ እያ እትሓተና። በዚ መዳይ እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ጽቡቕ ኣብነት ኢዩ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 12:⁠15፣ ፊልጲ 2:⁠17) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣሕዋቶምን ንጐረባብቶምን ብምሕጋዝ ከምኡውን ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብምንጋር ጥቕሚ ርእሶም ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘንጸባርቑ ምዃኖም ኢዮም ኣብ መላእ ዓለም ዝፍለጡ። b​—⁠ገላትያ 6:⁠10

ኣኽቢርካ ኽርአ ዘለዎ ርክብ

9. ምስ ኣምላኽን ወዱን ዘሎና ኽቡር ርክብ ንምዕቃብ እንታይ ንምግባር ኢና ሕጕሳት እንኸውን፧

9 ፍቕሪ የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ካብ ምርካብ ዝዓቢ ነገር ክህልወና ኣይክእልን ኢዩ። ነዚ ንምርካብ ግን ሓደ ነገር ክንገብር ኣሎና። የሱስ ኣብታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት “እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ: ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ። ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ: ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ” በለ። (ዮሃንስ 14:21) ምስ ኣምላኽን ወዱን ዘሎና ርክብ ኣኽቢርና ስለ እንርእዮ: ተሓጒስና ትእዛዛቶም ንሕሉ ኢና። እዚ ድማ ነቲ ርእሰ⁠-​መስዋእታዊት ፍቕሪ ኸተርኢ ዝሓትት ሓድሽ ትእዛዝ ከምኡውን ነቲ ክርስቶስ ካብ ሞት ምስ ተንስአ ነቶም ነቲ ብስራት ዝቕበሉ ዘበሉ ‘ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር’ እናጸዓርና “ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን” ዝሃበና ትእዛዝ ዘጠቓልል ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 28:⁠19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠42

10. እቶም ቅቡኣትን ‘ካልኦት ኣባጊዕን’ እንታይ ክቡር ርክብ ኢዩ ኽህልዎም ዝኽእል፧

10 በታ ምሸት እቲኣ ጸኒሑ: እቲ እሙን ሃዋርያ ይሁዳ (ታዴዎስ) ንዝሓተቶ ሕቶ የሱስ ኽምልሰሉ ከሎ “ዜፍቅረኒ እንተሎ: ቃለይ ይሕሉ እዩ: ኣቦይ ድማ የፍቅሮ: ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና” በለ። (ዮሃንስ 14:22, 23) እቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ክነግሱ እተጸውዑ ቕቡኣት ክርስትያናት ገና ኣብ ምድሪ ኸለዉ እውን ምስ የሆዋን ወዱን ጥብቂ ርክብ ኣለዎም። (ዮሃንስ 15:⁠15፣ 16:⁠27፣ 17:⁠22፣ እብራውያን 3:⁠1፣ 1 ዮሃንስ 3:⁠2, 24) እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ብጾቶም “ኻልኦት ኣባጊዕውን” እዙዛት እንተ ዀይኖም: ምስቲ ‘ሓደ ጓሳ’ ተባሂሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስን ምስ የሆዋ ኣምላኾምን ክቡር ርክብ ይገብሩ ኢዮም።​—⁠ዮሃንስ 10:⁠16፣ መዝሙር 15:⁠1-5፣ 25:⁠14

“ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን”

11. የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እንታይ ረዚን መጠንቀቕታ ኢዩ ዝሃቦም፧

11 የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ምስ እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣኼባ: ሓደ ረዚን መጠንቀቕታ ሃበ። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ንሓደ ሰብ እንተ ኣፍቂርዎ: ዓለም ነቲ ሰብ ክትጸልኦ ምዃና ኢዩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ዓለም እንተ ጸልኣትኩም: ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ: ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ: ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። ነቲ፤ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዐብን እዩ: ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጒጎምኒ እንተ ዀይኖም: ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሐልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ: ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም።”​—⁠ዮሃንስ 15:18-20

12. (ሀ) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዓለም ክትጸልኦም ምዃና ዘጠንቀቖም ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ኵላትና ብዛዕባ እንታይ እንተ ኣስተንተንና ኢዩ ሰናይ ዝኸውን፧

12 የሱስ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ዝሃበ: ዓለም ነቶም 11 ሃዋርያትን ነቶም ድሕሪኦም ዝስዕቡ ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናትን ዓለም ምስ ጸልኣቶም ተስፋ ንኸይቈርጹን ንኸይሕለሉን ኢሉ ኢዩ። ወሲኹ ድማ ኸምዚ በለ:- “ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ ዝነገርኩኹም። ካብ ቤት ጸሎቶም ኬውጽኡኹም እዮም: ኤረ ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዚመስሎ ጊዜ ኽትመጽእ እያ። ነቦን ንኣይን ስለ ዘይፈለጡ: እዚ ኺገብሩኹም እዮም።” (ዮሃንስ 16:1-3) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ⁠-​ቓላት ነታ ኣብዚ ‘ምዕንቃፍ’ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል “ንሓደ ሰብ ነቲ ኽኣምኖን ክእዘዞን ዝግብኦ ዝነበረ ኸም ዝጥርጥሮን ዝኸድዖን ምግባር፣ ከም ዝወድቕ ምግባር” ማለት ምዃና ገሊጹ ኣሎ። በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን: ኵላትና ንህይወት እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ዀነ ሕጂ ዘለዉ እሙናት ሰባት እንተ ኣስተንቲንናሉን ኣብ ትሕቲ ፈተና ዘርኣይዎ ጽንዓት እንተ ቐዲሕናዮን ሰናይ ኢዩ። ምጽራር ወይ መስጐጕቲ ንየሆዋን ንየሱስን ከም እትኸድዕ ንኽገብረካ ኣይተፍቅደሉ: የግዳስ እምንቶኻ ኣብኦም ግበር: ተኣዘዞምውን።

13. የሱስ ኣብቲ ንኣቦኡ ዘቕረቦ ጸሎት: ንሰዓብቱ እንታይ ኢሉ ኢዩ ለሚንሎም፧

13 የሱስ ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ደርቢ ቅድሚ ምውጽኡ ኣብ ዝጸለዮ ናይ መዕጸዊ ጸሎት ንኣቦኡ ኸምዚ በሎ:- “ኣነ ቓልካ ሀብክዎም። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ: ዓለም ጸልኣቶም። ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” (ዮሃንስ 17:14-16) የሆዋ ነቶም ዘፍቅሮም ካብ ዓለም ተፈልዮም ክነብሩ ኸለዉ ንኸበራትዖም ኢሉ ኸም ዝሕልዎም ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠ኢሳይያስ 40:⁠29-31

ኣብ ፍቕሪ ኣቦን ኣብ ፍቕሪ ወድን ጽናዕ

14, 15. (ሀ) የሱስ ምስ እንታይ ኢዩ ገዛእ ርእሱ ዘመሳሰላ: እዚኸ ኣንጻር ናይታ “ድቓላ . . . ወይኒ” ዝዀነ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) “ጨናፍር” “ናይ ሓቂ ወይኒ” መን ኢዮም፧

14 የሱስ ምሸት 14 ኒሳን ምስ እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝገበሮ ልባዊ ዝርርብ: ንገዛእ ርእሱ ምስ “ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ” ኣመሳሲልዋ ኣሎ፣ ብኣንጻሩ ግን እቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን “ድቓላ . . . ወይኒ” ተባሂሎም ኣለዉ። “ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ: ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ” ድማ በለ። (ዮሃንስ 15:1) ዘመናት ኣቐዲሙ: ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ እቶም ከዳዓት ህዝቡ እዚ ዝስዕብ የሆዋ እተዛረቦ ነገር መዝጊቡ ነይሩ:- “ኣነስ ከም ሕሩይ ሓረግ ወይኒ ገይረ . . . ተኸልኩኺ: ከመይ ኢልኪ ደኣ ኣብ ድቓላ ሓረግ ወይኒ ተለወጥክኒ፧” (ኤርምያስ 2:21) ነብዪ ሆሴእ ከኣ “እስራኤል ብዙሕ [“ብልሹው:” NW ] ዝጨናፍሩን ብዙሕ ፍረ ዚፈርን ወይኒ እዩ። . . . ልቦም ተመቕለ” በለ።​—⁠ሆሴእ 10:1, 2

15 እስራኤል ነቲ ፍረ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ክንዲ ዘፍሪ: ናብ ክሕደት ወደቐ: ናይ ገዛእ ርእሱ ፍረ ድማ ኣፍረየ። የሱስ ካብቲ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ሰለስተ መዓልታት ኣቐዲሙ ነቶም ግቡዛት መራሕቲ ኣይሁድ ከምዚ በሎም:- “እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ: ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትውሀብ እያ: እብለኩም አሎኹ።” (ማቴዎስ 21:43) እቲ ሓድሽ ህዝቢ ተባሂሉ ዘሎ: እቲ ብ“ጨናፍር” “ናይ ሓቂ ወይኒ” ወይ ብ“ጨናፍር” ናይ የሱስ ክርስቶስ እተመሰለ: ብ144,000 ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቘመ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ኢዩ።​—⁠ገላትያ 6:⁠16፣ ዮሃንስ 15:⁠5፣ ራእይ 14:⁠1, 3

16. የሱስ ነቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ እንታይ ክገብሩ ኢዩ እተማሕጸኖም: ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ዘመን መወዳእታ ዘለዉ እሙናት ተረፍከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧

16 የሱስ ነቶም ምስኡ ኣብቲ ደርቢ ዝነበሩ 11 ሃዋርያት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እውን ተዛረቦም:- “ነቲ ኣባይ ዘሎ: ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዚፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና: ኣዝዩ ምእንቲ ኺፈሪ: የጽርዮ። ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኑ እንተ ዘይጸንዔ: ካብ ርእሱ ኺፈሪ ኸም ዘይክእል: ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም: ከምኡ ኢኹም።” (ዮሃንስ 15:2, 4) ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋ እቶም እሙናት ቅቡኣት ተረፍ ክርስትያናት ኣብቲ ርእሶም ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ከም ዝጸንዑ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። (ኤፌሶን 5:⁠23) ነቲ ናይ ምጽራይን ምጽልጻልን ተግባር ተቐቢሎሞ ኢዮም። (ሚልክያስ 3:⁠2, 3) ካብ 1919 ኣትሒዙ ፍረ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዝሒ ኣፍርዮም ኢዮም፣ እዚኣቶም ድማ ፈለማ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ካብ 1935 ኣትሒዙ ኸኣ እቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብጾቶም “ዓቢ ጭፍራ” ኢዮም።​—⁠ራእይ 7:⁠9 NW፣ ኢሳይያስ 60:⁠4, 8-11

17, 18. (ሀ) ነቶም ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ንኽጸንዑ ዝሓገዞም ኣየናይ የሱስ እተዛረቦ ዘረባ ኢዩ፧ (ለ) ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ምእካብና ብኸመይ ኢዩ ኽሕግዘና ዝኽእል፧

17 እዚ ስዒቡ ዘሎ የሱስ እተዛረቦ ንዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን ዝምልከት ኢዩ:- “ብዙሕ ፍረ እንተ ፈሬኹም: ኣቦይ በዚ ይኸብር: ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም። ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ: ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም አሎኹ: ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሐሎኹ: ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዔ ዘሎኹ: ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሐሎኹም: ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም።”​—⁠ዮሃንስ 15:8-10

18 ኵላትና ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንዕ ንደሊ ኢና: እዚ ድማ ፍረ ዘፍርዩ ክርስትያናት ንኽንከውን ይድርኸና ኢዩ። ነዚ እንፍጽሞ ኸኣ “ወንጌል መንግስቲ” ንምስባኽ እንረኽቦ ኣጋጣሚታት ኵሉ ብምጥቃም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ኣብ ብሕታዊ ህይወትና እውን “ፍረ መንፈስ” ንምፍራይ ዝከኣለና ዅሉ ንገብር ኢና። (ገላትያ 5:⁠22, 23) ኣብ ዝኽሪ በዓል ክርስቶስ ምስ እንርከብ: ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ንዓና ዘርኣዩና ዓቢ ፍቕሪ ስለ ዘዘኻኽረና ነዚ ንምፍጻም ዘሎና ቘራጽነት ክድልድል ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 5:⁠14, 15

19. ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ብዛዕባ እንታይ ተወሳኺ ሓገዝ ኢና ኽንመያየጥ፧

19 የሱስ ነቲ በዓል ዝኽሪ ድሕሪ ምቛሙ: ኣቦኡ ነቶም እሙናት ሰዓብቱ “መጸናንዒ: መንፈስ ቅዱስ” ክሰደሎም ምዃኑ ተመባጽዐ። (ዮሃንስ 14:26) ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እዚ መንፈስ እዚ ነቶም ቅቡኣትን ካልኦት ኣባጊዕን ኣብ ፍቕሪ የሆዋ ንኽጸንዑ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ክንምርምር ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብኣቈጻጽራ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2002: 14 ኒሳን ሓሙስ 28 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኢያ እትጅምር። በታ ምሸት እቲኣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኽሪ ሞት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንምብዓል ክእከቡ ኢዮም።

b ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ጂሆቫስ ዊትነስስ​—⁠ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም (እንግሊዝኛ) ዘርእስቱ መጽሓፍ ምዕራፍ 19ን 32ን ርአ።

ናይ ድግማ ሕቶታት

• የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ንኻልኦት ብፍቕራዊ መገዲ ምግልጋል ዝመጸ እንታይ ግብራዊ ትምህርቲ ኢዩ ዝሃቦም፧

• በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝኽበረሉ ወቕቲ ገዛእ ርእስና ንምምርማር ግቡእ ግዜ ዝኸውን ንምንታይ ኢዩ፧

• እቲ የሱስ ካብ ዓለም ብዛዕባ ዝመጽእ ጽልእን መስጐጕትን እተዛረቦ መጠንቀቕታ ኽዕንቅፈና ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

• “ናይ ሓቂ ወይኒ” መን ኢዩ፧ እቶም “ጨናፍር” መን ኢዮም: እንታይ ክገብሩኸ ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሎም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሃዋርያቱ ብዛዕባ ንኻልኦት ብፍቕራዊ መገዲ ምግልጋል ዝመጸ ዘይርሳዕ ትምህርቲ ሂብዎም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ርእሰ⁠-​መስዋእታዊ ፍቕሪ ንኸርእዩ እተዋህቦም ትእዛዝ ይሕልዉዎ ኢዮም