ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኒቆዲሞስ ተመሃር

ካብ ኒቆዲሞስ ተመሃር

ካብ ኒቆዲሞስ ተመሃር

 ደድሕረይ ኪስዕብ ዚደሊ: ነፍሱ ይቕበጽ: መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዐበኒ።” (ሉቃስ 9:23) ድኻታት ገፈፍቲ ዓሳን ሓደ ንዑቕ ተጋውን ነዚ ዕድመ እዚ ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎ። ንዅሉ ሓዲጎም ንየሱስ ሰዓብዎ።​—⁠ማቴዎስ 4:⁠18-22፣ ሉቃስ 5:⁠27, 28

ጻውዒት የሱስ ሎሚ እውን ገና ይስማዕ ኣሎ: ብዙሓት ከኣ ምላሽ ይህብሉ ኣለዉ። ይኹን እምበር: ባህ ኢልዎም ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩ ገለ ሰባት ‘ነፍሶም ቀቢጾም መስቀሎም ከልዕሉ’ ኣይደልዩን ኢዮም። ነቲ ወደ መዝሙር የሱስ ብምዃን ዝመጽእ ሓላፍነትን መሰልን ካብ ምቕባሉ የድሓርሕሩ።

ገሊኣቶም ዕድመ የሱስ ተቐቢሎም ህይወቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ካብ ምውፋይ ዘድሓርሕሩ ስለምንታይ ኢዮም፧ ልክዕ ኢዩ እቶም ሓደ ኣምላኽ ኣሎ ዝብል እምነት ሒዞም ዘይዓበዩ ሰባት ነቲ ዅሉ ዝኽእል ኣካል ዘለዎ ፈጣሪ ኣሎ ዝብል ኣብ ኣይሁድን ክርስትናን ዝርከብ እምነት ንኽቕበልዎ እተወሰነ ግዜ ከድልዮም ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን ኣምላኽ ህያው ምዃኑ ተረዲኦም ምስ ኣመኑ እውን ከይተረፈ ገሊኣቶም ኣስኣሰር የሱስ ካብ ምስዓብ የድሓርሕሩ ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተድኣ ዀይኖም ኣዝማዶምን ኣዕሩኾምን እንታይ ከም ዝብልዎም የሻቕሎም ኢዩ። ገሊኣቶም እዚ ዘሎናዮ ግዜ ህጹጽ ምዃኑ ስለ ዘይርኣዮም ክብርን ሃብትን ንምርካብ ይጓየዩ። (ማቴዎስ 24:⁠36-42፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠9, 10) እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ እቶም ብሎሚ ጽባሕ ሰዓብቲ የሱስ ካብ ምዃን ዘድሓርሕሩ ሰባት ካብ ጸብጻብ ናይቲ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ሃብታም ኣይሁዳዊ ኣመሓዳሪ ኒቆዲሞስ ክመሃርዎ ዝኽእሉ ትምህርቲ ኣሎ።

ክቡር ኣጋጣሚታት ነበሮ

ኒቆዲሞስ ንየሱስ ‘መምህር ኰይኑ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ’ ኣፍልጦ ዝሃበሉ ካብቲ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ ግዜ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ ምስ ሓለፈ ኢዩ። ኒቆዲሞስ በቲ የሱስ ኣብ መዓልቲ ፋስጋ ናይ 30 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ የሩሳሌም ዝፈጸሞ ተኣምራታት ስለ እተመሰጠ ኣብ የሱስ እምነት ከም ዝገበረ ንኽእመንን ብዛዕባ እዚ መምህር እዚ ዝያዳ ንኽፈልጥን ኢዩ ብለይቲ ናብ የሱስ ዝኸደ። ሽዑ የሱስ ንኒቆዲሞስ ዓሚቝ ፍልጠት ሓቂ ነገሮ። እዚ ድማ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ‘ካብ ላዕሊ ምውላድ’ ከም ዘድሊ ዝምልከት ኢዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ የሱስ “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ኢሉ ተዛረበ።​—⁠ዮሃንስ 3:1-16

ንኒቆዲሞስ ኣብ ቅድሚኡ ኣየ ከመይ ዝበለ ኣጋጣሚ ዀን ኢዩ ተዘርጊሕሉ ዝነበረ! ዓርኪ የሱስ ብምዃን ነቲ የሱስ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዝፈጸሞን ዘጋጠሞን እተፈላለየ ነገራት ብዓይኑ ብምርኣይ ካብቶም ቀዳሞት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ክኸውን ምኸኣለ ነይሩ። ኒቆዲሞስ ገዛኢ ኣይሁድን መምህር እስራኤልን ብምዃኑ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ዓሚቝ ፍልጠት ነይርዎ ኢዩ። ብዘይ​ዚውን ንየሱስ ካብ ኣምላኽ እተላእከ መምህር ምዃኑ ንኸለልዮ ዝሓገዞ ዓሚቝ ምስትውዓል ነይርዎ ኢዩ። ኒቆዲሞስ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ተገዳስነት ነበሮ: ትሑት ከኣ ኢዩ ነይሩ። ሓደ ኣባል ዝለዓለ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ንሓደ ትሑት ደረጃ ዝነበሮ ወዲ ጸራባይ ካብ ኣምላኽ ከም እተላእከ ገይሩ ኣፍለጦ ኽህበሉስ ክንደይ ኣጸጋሚ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ! ሓደ ሰብ ወደ መዝሙር የሱስ ክኸውን እንተድኣ ዀይኑ እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት የድልዮ ኢዩ።

ኒቆዲሞስ ኣብቲ ዕባይ ናዝሬት ዝነበረ ሰብኣይ ዘሕደሮ ተገዳስነት ዝቕህም ኣይመስልን ኢዩ ነይሩ። ኒቆዲሞስ ድሕሪ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ግዜ በዓል ዳስ ኣብ ሓደ ኣኼባ ሳንሄድሪን ተኻፊሉ ነበረ። ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ከይተረፈ ኒቆዲሞስ “ሓደ ኻባታቶም” ኢዩ ነይሩ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ንየሱስ ንኽኣስርዎ ገላዉ ለኣኹ። እቶም ገላዉ ኸኣ ተመሊሶም “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን” በሉ። እቶም ፈሪሳውያን ግን “ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧ ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝአመነዶ አሎ፧ እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ” እናበሉ ኸቈናጽብዎም ጀመሩ። ኒቆዲሞስ ስቕ ክብል ኣይከኣልን። ብድፍረት “ሕግናኸ ንሰብዶ: ቅድም ከይተሰምዔን እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን: ይፈርዶ እዩ፧” በሎም። እቶም ፈሪሳውያን ከኣ “ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ” ብምባል ወቐስዎ።​—⁠ዮሃንስ 7:⁠1, 10, 32, 45-52

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ፋስጋ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኸኣ ኒቆዲሞስ ስጋ የሱስ ካብቲ እተሰቕለሉ ዕንጸይቲ ክወርድ ከሎ ረኣየ። ምስቲ ኣባል ሳንሄድሪን ዝነበረ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ ኰይኑ ኸኣ ንኣካል የሱስ ገነዞ። መግነዚ ክኸውን ኢሉ ድማ ብናይ ሮማውያን ኣስታት 100 ነጥሪ ዳርጋ 33 ኪሎ ግራም ዝምዘን “ከርበን ዓልወን እተሖሰ” ኣምጽአ። እዚ ብዙሕ ገንዘብ ዘውጽእ ኢዩ። ምስቲ እቶም ብጾቱ ፈሪሳውያን “መስሓቲ” ዝብልዎ ዝነበሩ ሰብኣይ ክቝጸር ከኣ ትብዓት ዝሓቶ ኢዩ ነይሩ። ክልቲኦም ንኣካል የሱስ ገኒዞም ኣብ ጥቓኦም ኣብ ዝነበረ ሓድሽ መቓብር ኣንበርዎ። ይኹን እምበር: ኒቆዲሞስ ኣብዚ ደረጃ እዚ እውን ከይተረፈ ወደ መዝሙር የሱስ ኣይነበረን።​—⁠ዮሃንስ 19:38-42፣ ማቴዎስ 27:⁠63፣ ማርቆስ 15:⁠43

ስጕምቲ ዘይወሰደሉ ምኽንያት

ኒቆዲሞስ ‘መስቀሉ ኣልዒሉ’ ደድሕሪ የሱስ ካብ ምስዓብ ዘድሓርሓረሉ ምኽንያት እንታይ ከም ዝነበረ ዮሃንስ ኣብ ጸብጻቡ ኣይገለጾን። ይኹን እምበር: እዚ ፈሪሳዊ እዚ ዘይወሰነሉ ምኽንያት ዝሕብር ኣንፈት ግን ሂቡና ኣሎ።

ቅድም ቀዳድም: እቲ ኣይሁዳዊ መራሒ ‘ብለይቲ ናብ የሱስ ከም ዝመጸ’ ዮሃንስ ጠቒሱ ኣሎ። (ዮሃንስ 3:⁠2) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ዝስዕብ ርእይቶ ሃበ:- “ኒቆዲሞስ ብለይቲ ዝመጸ ፈሪሁ ዘይኰነስ: ንየሱስ ክሓቶ ኸሎ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኸይኰልፍዎ ኢሉ ኢዩ።” ይኹን እምበር: ዮሃንስ ብዛዕባ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ “ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሄ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ” ብምባል ድሕሪ ምዝራቡ ቀጺሉ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ “እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ ዝነበረ” ብምባል ኢዩ ጠቒስዎ። (ዮሃንስ 19:⁠38, 39) ስለዚ: ኒቆዲሞስ ልክዕ ከምቲ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ‘ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ’ ምስ የሱስ ዝዀነ ይኹን ርክብ ንኸይገብሩ ዘድሓርሕሩ ዝነበሩ ንሱ እውን ናብ የሱስ ጸልማት ተጐልቢቡ ዝኸደ በዚ ምኽንያት እዚ ክኸውን ኣለዎ።​—⁠ዮሃንስ 7:⁠13

ነቲ ኣዝማድካ: ኣዕሩኽትኻ ወይ መሳርሕትኻ ክብልዎ ዝኽእሉ ብምፍራህ ሓደ ካብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ምዃን ተድሓርሕርዶ ኢኻ፧ ሓደ ምስላ “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ” ይብል። ነዚ ፍርሂ እዚ ብኸመይ ኢኻ እትዋጽኣሉ፧ እቲ ምስላ ቀጺሉ “ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር” ይብለና። (ምሳሌ 29:25) ኣብ የሆዋ ከምዚ ዝኣመሰለ እምንቶ ምእንቲ ኽህልወካ ኣብ መሪር ጸገም ኣብ እትህልወሉ ግዜ ኣምላኽ ከናብረካ ከም ዝኽእል ባዕልኻ ክትምከሮ የድልየካ። ናብ የሆዋ ጸሊ: ምስ ኣምልኾኻ እተተሓሓዘ ንኣሽቱ ውሳነታት ንምግባር እውን ከይተረፈ ትብዓት ክህበካ ሕተቶ። እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምነትን ትውክልትን እውን በብቝሩብ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዝሰማማዕ ዓበይቲ ውሳነታት ንኽትገብር ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።

እቲ ኒቆዲሞስ ከም ኣመሓዳሪ መጠን ዝነበሮ ሓላፍነትን ክብረትን እውን ነቲ ርእስኻ ናይ ምቕባጽ ኣገዳሲ ስጕምቲ ንኸይወስድ ዓጊትዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ከይተረፈ ከም ኣባል ሳንሄድሪን ንዝነበሮ ቦታ ክብ ኣቢሉ ይርእዮ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎካ ክቡር ስም ምእንቲ ኸይተበላሹ ወይ ኣብ መጻኢ ንዝህልወካ ስጋዊ ዕቤት መስዋእቲ ምእንቲ ኸይትገብር ኢልካ ሰዓቢ ክርስቶስ ንምዃን ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ተድሓርሕር ዲኻ፧ እዚ ነገራት እዚ ምስቲ ንየሆዋ​—⁠ካብ ኣድማስ እቲ ዝለዓለ ኣካል​—⁠ንምግልጋል ረኺብናዮ ዘሎና ክቡር መሰል ፈጺሙ ኽወዳደር ኣይክእልን ኢዩ። የሆዋ ድማ ነቲ ምስ ፍቓዱ ተሰማሚዕና እንሓቶ ነገራት ክህበና ፍቓደኛ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 10:⁠17፣ 83:⁠18፣ 145:⁠18

ኒቆዲሞስ ዘድሓርሕረሉ ዝነበረ ካልእ ምኽንያት ከኣ ምስ ሃብቲ እተተሓሐዘ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከም ፈሪሳዊ መጠን በቶም “ገንዘብ ዚፈትዉ ዝነበሩ” ካልኦት ፈሪሳውያን ተጸልዩ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ሉቃስ 16:⁠14) ነቲ ክቡር ዝዋግኡ ከርበን ዓልወን ክዕድግ ምኽኣሉ ሃብታም ከም ዝነበረ ዝሕብር ኢዩ። ሎሚ ገለ ሰባት ብዛዕባ ስጋዊ ጥሪቶም እምብዛ ስለ ዝጭነቑ ክርስትያን ብምዃን ሓላፍነት ከይስከሙ የድሓርሕሩ። ይኹን እምበር የሱስ ንሰዓብቱ ከምዚ ብምባል ምዒድዎም ኢዩ:- “ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ . . . ንኣኻትኩም እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም: ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ: እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።”​—⁠ማቴዎስ 6:25-33

ኒቆዲሞስ ካብ ብዙሕ ነገራት ተጠልየ

እቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ጥራይ ዝርከብ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ዝገልጽ ጸብጻብ: ጸኒሑ ሰዓቢ የሱስ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣይነግረናን ኢዩ። ኒቆዲሞስ ኣቕዋሙ ምስ የሱስ ከም ዝገበረ: ከም እተጠምቀ: ካብ ኣይሁድ እውን መስጐጕቲ ከም ዝወረዶ: ካብ ሓላፍነቱ እውን ከም ዝወረደ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ከም እተሰጐ ብኣፈ⁠-​ታሪኽ ይንገረሉ ኢዩ። እዚ ይኹን እቲ ብዘየገድስ ሓደ ርግጽ ዝዀነ ነገር ግን ኣሎ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሎሚ ጽባሕ እናበለ ስጕምቲ ካብ ምውሳድ ምድሕርሓሩ ካብ ብዙሕ ነገራት ከም ዝጥለ ገይርዎ ኢዩ።

ኒቆዲሞስ ኣብቲ መጀመርታ ምስ የሱስ እተፋለጠሉ እዋን ኣሰር ኣሰሩ ምስዓብ ጀሚሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን ምስ ጐይታ ናይ መሕርሮ ርክብ ዘለዎ ወደ መዝሙር ምዀነ ነይሩ። ኒቆዲሞስ ምስቲ ዅሉ ፍልጠቱ: ምስትውዓሉ: ትሕትንኡ ከምኡውን መንፈሳዊ ነገራት ከም ዘድልዮ ዝነበሮ ምርዳእ: ንፉዕ ወደ መዝሙር ክኸውን ምኸኣለ ነይሩ። እወ: እቲ ዓቢ መምህር ዝዛረቦ ንዝነበረ ዘደንጹ ነገራት ክሰምዕ: ካብቲ ዝህቦ ዝነበረ ምሳልያዊ ዛንታታት ጠቓሚ ትምህርቲ ኽረክብ: ነቲ የሱስ ዝፍጽሞ ዝነበረ ዘደንቕ ተኣምራት ከኣ ብዓይኑ ኽርእዮ ከምኡውን ካብቲ ንሃዋርያቱ ኽሰናበቶም ከሎ ዝሃቦም ማዕዳ ሓይሊ ኽረክብ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ዅሉ ኣጋጣሚታት እዚ ኣምሊጥዎ ኢዩ።

ኒቆዲሞስ ላንግላንጋ ምንባሩ ዓቢ ኽሳራ ኣምጺእሉ ኢዩ። ካብቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ውዕዉዕ ዕድመ የሱስ እውን ኣይተጠቕመን:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።” (ማቴዎስ 11:28-30) ኒቆዲሞስ ነዚ ዕረፍቲ እዚ ብቐጥታ ካብ የሱስ ንኽረክብ ንዝነበሮ ኣጋጣሚ ኣጥፊኡዎ ኢዩ!

ንስኻኸ፧

የሱስ ክርስቶስ ካብ 1914 ንነጀው ንጉስ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ብዛዕባ ኣብ ግዜ ህላወኡ ክፍጸም ምዃኑ እተነበዮ ነገራት “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ዝብል ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ እዚ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እዚ ክፍጸም ኣለዎ። የሱስ ክርስቶስ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብዚ ዕዮ እዚ ኽካፈሉ ኸለዉ ባህ ኢዩ ዝብሎ። ንስኻ እውን ኣብዚ ዕዮ እዚ ግደ ይህልወካ ይኸውን።

ኒቆዲሞስ የሱስ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ኣፍልጦ ሂብሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:⁠2) ንስኻውን መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕካ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መደምደምታ በጺሕካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምስምማዕ ኣብ ናብራ ህይወትካ ለውጢ ገይርካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ተወሳኺ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ እውን ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኻፊልካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ጻዕርታት እዚ ብምግባርካ ኸኣ ኽትነኣድ ይግብኣካ። ይኹን እምበር: ኒቆዲሞስ የሱስ ካብ ኣምላኽ እተላእከ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ኽገብር የድልዮ ነይሩ። ‘ነፍሱ ክቐብጽ: መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ ከልዕል እሞ [ንየሱስ] ክስዕቦ’ የድልዮ ነበረ።​—⁠ሉቃስ 9:23

ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበለና ኣቕልበሉ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ: ንሕና መዓይይቲ ዄንና ንምዕደኩም አሎና። ብቕብልቲ ጊዜ ሰማዕኩኻ: ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ: ይብል እዩ እሞ: እንሆ: እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ: እንሆ: እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።”​—⁠2 ቈረንቶስ 6:1, 2

ስጕምቲ ንኽትወስድ እትድርኸካ እምነት እተማዕብለሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። እዚ ንኽትገብር ድማ ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትማሃሮ ዘሎኻ ነገራት ኣስተንትነሉ። ናብ የሆዋ ብምጽላይ ከምዚኣ ዝኣመሰለት እምነት ንኸተርኢ ኽሕግዘካ ለምኖ። ሓገዙ ምስ ረኸብካ ድማ ንዕኡ እተርእዮ ሞሳን ፍቕርን ‘ነፍስኻ ቐቢጽካ መስቀልካ ኣልዒልካ ኣብ ጸጽባሕ ከየባተኽካ ንየሱስ ክርስቶስ ንኽትስዕቦ’ ክድርኸካ ኢዩ። ሕጂ ስጕምቲ ኽትወስድ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ኒቆዲሞስ ኣብ መጀመርታ ንየሱስ ብትብዓት ተጣቢቕሉ ኢዩ

ኒቆዲሞስ ምጽራር እናኣጋጠሞ ንስጋ የሱስ ኣብ ምግናዝ ተሓባቢሩ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ብሕቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምግባርን ጸሎትን ስጕምቲ ንኽትወስድ ሓይሊ ክህበካ ይኽእል ኢዩ

ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስ ክርስቶስ ኴንካ ናይ ምዕያይ ሓላፍነት ክትቅበል ዲኻ፧