ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘመናውያን ሰማእታት ኣብ ሽወደን ምስክርነት ይህቡ ኣለዉ

ዘመናውያን ሰማእታት ኣብ ሽወደን ምስክርነት ይህቡ ኣለዉ

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ዘመናውያን ሰማእታት ኣብ ሽወደን ምስክርነት ይህቡ ኣለዉ

 “ምስክር” ብግሪኽ ማርቲር ኢዩ ዝበሃል: ካብዛ ቓል እዚኣ ኸኣ እታ “ብሞቱ ዝምስክር” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ማርቲር እትብል ናይ እንግሊዝኛ ቓል መጸት። ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ምእንቲ እምነቶም ክብሉ ብሙማት ብዛዕባ የሆዋ ምስክርነት ሂቦም ኢዮም።

ብተመሳሳሊ መገዲ: ኣብ መበል 20 ዘመን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብቲ ምስ ፖለቲካን ሃገራዊ ስምዒትን እተተሓሓዘ ጕዳያት ገለልተኛታት ብምዃኖም ብኢድ እቶም እሙናት ደገፍቲ ሂትለር ዝነበሩ ሰበ⁠-​ስልጣን ተቐቲሎም ኢዮም። እዞም ዘመናውያን ሰማእታት እዚኣቶም እውን እንተዀኑ ሓያል ምስክርነት ኢዮም ዝህቡ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሽወደን ከምዚ ኢዩ ተፈጺሙ።

ምስቲ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ዘብቅዓሉ መበል 50 ዝኽሪ ዓመት ብምትሕሓዝ መንግስቲ ሽወደን ብዛዕባ እቲ ብግዜ ሂትለር እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት ዝገልጽ ኣብ ምልእቲ ሃገር ዝካየድ ናይ ትምህርቲ ወፈራ ክግበር መደብ ኣውጺኡ ነበረ። እቲ ፕሮጀክት “ህያው ታሪኽ” ዝብል ስም ተዋህቦ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብኡ ክካፈሉ እሞ ተመክሮታቶም ከዘንትዉ ተዓዲሞም ነበሩ።

እቶም መሰኻኽር ነዚ ዕድመ እዚ ተቐቢሎም “እተረስዑ ግዳያት ጃምላዊ ቕትለት” ዘርእስቱ ምርኢት ንኸርእዩ ምድላዋት ብምግባር ኣወንታዊ ምላሽ ሃቡ። ኣብ ስትሬንግነስ ኣብ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ከኣ ኢዩ ተጀሚሩ። ካብ ናይ ሂትለር ጃምላዊ ቕትለት ዘምለጡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቶም ኣብታ መጀመርታ መዓልቲ ዝመጹ 8,400 ዝዀኑ በጻሕቲ ተመክሮታቶም ንኸዘንትዉሎም ኣብኡ ተረኺቦም ነበሩ። ክሳዕ መወዳእታ ናይ 1999 እቲ ምርኢት ኣብ ምልእቲ ሽወደን ካብ 100 ንላዕሊ ኣብ ዝኸውን ኣብያተ⁠-​መዘክርን ኣብያተ⁠-​መጻሕፍትን ተራእዩ: ኣስታት 150,000 ሰባት ከኣ ርእዮምዎ። ካብቶም በጻሕቲ ሓያሎ ናይ መንግስቲ ሰበ⁠-​ስልጣን ይርከብዎም ነበሩ: በቲ ዝርኣይዎ ኸኣ ኣወንታዊ ርእይቶ ሃቡ።

ምስ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተተሓሓዘ ኸምዚ ምርኢት እዚ ገይሩ መጠነ⁠-​ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎን ብብዙሓት ተቐባልነት ዝረኸበን ዕዮ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሽወደን ፈጺሙ ኣይተራእየን። ብዙሓት በጻሕቲ እኳ “ብዛዕባ ናይ ጃምላዊ ህልቂት ተመክሮታትኩም ስለምንታይ ቅድሚ ሕጂ ዘይነገርኩምና፧” ኢሎም ሓቲቶም ኢዮም።

እቲ ምርኢት ኣብ ከባቢኦም ድሕሪ ምርኣዩ: ሓንቲ ጉባኤ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ ብናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 30 ሚእታዊ ወሰኽ ገበረት! ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንመሳርሕቱ ነቲ ምርኢት ክርኢ ዓደሞ። ተሓጒሱ ነቲ ዕድመ ባህ ኢልዎ ብምቕባል ንሓንቲ ብጸይቱ ሒዙ መጸ። እታ ብጸይቱ ነቲ ምርኢት ድሕሪ ምርኣያ: ሰባት ነቲ እምነቶም ከም ዝገደፉ ዝገልጽ ሰነድ ኣብ ክንዲ ዝፍርሙ ክቕተሉ ክሳዕ ዝመርጹ ዝገብሮም ጽኑዕ እምነት ከመይ ገይሮም ከም ዘሕደሩ ንምርድኡ ከም ዘሸግራ ገለጸት። እዚ ድማ ናብ ምይይጥ መርሐ እሞ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀመረት።

እዞም ናይ መበል 20 ዘመን እሙናት ሰማእታት እዚኣቶም ከምቶም ናይ ቀዳማይ ዘመን ብጾቶም: የሆዋ ነቕ ዘይትብል እምነትናን ተኣማንነትና ከነርእዮ ዝበቅዕ ሓቀኛ ኣምላኽ ንሱ ጥራይ ምዃኑ ብትብዓት መስኪሮም ኢዮም።​—⁠ራእይ 4:⁠11

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Camp prisoner: Państwowe Muzeum Oświęcim-Brzezinka, courtesy of the USHMM Photo Archives