ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ጽንዓትን ሓቦን ምሂሩና

የሆዋ ጽንዓትን ሓቦን ምሂሩና

ታሪኽ ህይወት

የሆዋ ጽንዓትን ሓቦን ምሂሩና

ኣሪስቶተሊስ ኣፖስቶሊዲስ ዘዘንተዎ

ኣብ እግሪ እቲ ብሰሜናዊ ሸነኽ ኣኽራናት ኮከሰስ ዝርከብ ንኣሽቱ ዅድዅዶታት ብማዕድናዊ ፈልፋሊ ማያታን ብምቹእ ክሊማኣን እትፍለጥ ፒያቲጎርስክ እትበሃል ናይ ሩስያ ከተማ ኣላ። ብ1929 ካብቶም ግሪኻውያን ስደተኛታት ዝነበሩ ወለደይ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ተወለድኩ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ብሰንኪ ራዕዲ ናይቲ ሰዓብቲ ስታሊን ዝፈጸምዎ ዘስካሕክሕ ፖለቲካውን ዓሌታውን ምጽራይ: እንደገና ስደተኛታት ኴንና ናብ ግሪኽ ክንግዕዝ ተገደድና።

 ናብ ፓይሪየስ: ግሪኽ: ምስ ገዓዝና እታ “ስደተኛታት” እትብል ቃል ንዓና ምሉእ ብምሉእ እተፈልየ ትርጕም ኢዩ ነይርዋ። ጓኖት ከም ዝዀንና ዀይኑ ይስምዓና ነበረ። ኣነን ሓወይን: ኣሪስቶትልን ሶቅራጠስን ዝብል ስም ናይ ፍሉጣት ፈላስፋታት ግሪኽ እኳ እንተ ነበረና: ብስምና ዝጽውዓና ሰብ ግን ዳርጋ ኣይነበረን። ኵሉ ሰብ ‘ንኣሽቱ ሩስያውያን’ ኢሉ ይጽውዓና ነበረ።

ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተባርዐ ነዊሕ ከይጸንሐ: እታ ፍቕርቲ ኣደይ ሞተት። መብራህቲ ገዛና ብምንባራ ሙማታ ብዙሕ ኢዩ ጐዲኡና። ንእተወሰነ እዋን ሓሚማ ስለ ዝነበረት: እተፈላለየ ዕዮ ገዛ ብኸመይ ከም ዝዓዪ ምሂራትኒ ነበረት። እዚ ኸኣ ንዳሕራይ ህይወተይ ብዙሕ ጠቒሙኒ ኢዩ።

ውግእን ሓርነትን

እቲ ዝነበረ ውግእ: ጐበጣ ናዚ: ከምኡውን እቲ መዓልታዊ ዝግበር ደብዳብ ጥሙራት ሓይልታት ‘ሎምስ ኣኺሉና ኢዩ’ ዘብል ኢዩ ነይሩ። እታ ዓዲ ድኽነትን ጥሜትን ሞትን ወሪስዋ ነበረ። ወዲ 11 ዓመት ከለኹ ኣትሒዘ ንሰለስቴና ዘድሊ ነገራት ንምምእራር ምስ ኣቦይ ከቢድ ዕዮ ኽዓዪ ነበረኒ። ቋንቋ ግሪኽ ኣጸቢቐ እፈልጥ ስለ ዘይነበርኩ ከምኡውን ብሰንኪ እቲ ውግእን ሳዕቤናቱን ትምህርተይ ብዙሕ ኣይቀጸልኩን።

ጐበጣ ጀርመን ኣብ ጥቅምቲ 1944 ኣብቅዐ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸብኩ። ኣብቲ ቕባጸትን ጸበባን ዝነበሮ እዋን: እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝህሉ ብሩህ መጻኢ ዝገልጽ ተስፋ ንልበይ ተንከፎ። (መዝሙር 37:⁠29) እቲ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ንዘለኣለም ብሰላም ከም እንነብር ዝኣተዎ መብጽዓ ብሓቂ ንቝስለይ ከም ፈውሲ ኢዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 9:⁠7) ብ1946 ኣነን ኣቦይን ህይወትና ንየሆዋ ኸም ዝወፈና ብጥምቀት ኣርኣና።

ንዓመታኡ ኣብታ ኣብ ፓይሪየስ ዝቘመት ካልኣይቲ ጉባኤ: ኣፋላጢ ኣገልጋሊ (ሕጂ ናይ መጽሔት ኣገልጋሊ ተባሂሉ ዝፍለጥ) ኰይነ ንኽዓዪ ናይ መጀመርታ መዝነት ምስ ተዋህበኒ ተሓጒሰ ኢየ። ዞባና ኻብ ፓይሪየስ ክሳዕ ኢሉሲስ ማለት ዳርጋ 50 ኪሎ ሜትር ዝበጽሕ ዝርጋሐ ነበሮ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ብዙሓት ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኣብ ጉባኤና የገልግሉ ነበሩ። ምስኦም ሓቢረ ናይ ምዕያይን ካብኦም ትምህርቲ ናይ ምርካብን መሰል ረኺበ ኢየ። እቲ ዕዮ ስብከት ንምፍጻም ብዛዕባ ዝሓቶ ኸቢድ ጻዕሪ እዚ ዘይበሃል ተመክሮታት ስለ ዝነበሮም ምስኦም ምሕባር ባህ ኢዩ ዝብለኒ ነይሩ። ንየሆዋ ብተኣማንነት ንምግልጋል ብዙሕ ዓቕልን ጽንዓትን ከም ዝሓትት ካብ ታሪኽ ህይወቶም ክርአ ይከኣል ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠22) ሕጂ ኣብዚ ኸባቢ ኻብ 50 ዝዛይዳ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምህላወን ዓቢ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዓኒ!

ዘይተጸበኽዎ ብድሆ

ድሕሪ እተወሰነ ግዜ ምስ ኢለኒ እትበሃል ኣብ ከተማ ፓትራስ እትነብር ምጭውቲ: ቀናእ ክርስትያን መንእሰይ ተፋለጥኩ። ኣብ መወዳእታ 1952 ከኣ ተሓጸና። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ግን ኢለኒ ከቢድ ሕማም ሓመመት። እቶም ሓካይም ኣብ ሓንጎላ ጥረ ኸም ዘለዋ: ኵነታታ ድማ ኣስጋኢ ምዃኑ ፈለጡ። ብህጹጽ መጥባሕቲ ኽትገብር ነበራ። ኣብቲ ግዜ እቲ እኹል መሳርሒታት እኳ እንተ ዘይነበረ: ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ግን ምስ ሃይማኖታዊ እምነታትና ተሰማሚዑ ብዘይ​ ደም መጥባሕቲ ኽገብረላ ፍቓደኛ ዝዀነ ሓኪም ኣብ ኣቴንስ ረኸብና። (ዘሌዋውያን 17:⁠10-14፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29) ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ: እቶም ሓካይም እዚ ሕማም እዚ ኽደግሳ ከም ዝኽእል ብምግላጽ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይሓወየት ገለጹ።

ኣብዚ ዅነታት እዚ እንታይ ክገብር ኢዩ ነይሩኒ፧ እቲ ዅነታት ብምቅይያሩ ንዓኣ ገዲፈ ሓራ ኽወጽእዶ፧ ኣይፋልን! ክሕጸያ ኸለኹ ተመባጺዐ ስለ ዝነበርኩ: እቲ እወ ዝበልክዎ ቃለይ እወ ክኸውን ደለኹዎ። (ማቴዎስ 5:⁠37) ካልእ ሓሳብ እውን ኣብ ኣእምሮይ ክኣቱ ፈጺመ ኣይፈቐድኩን። ኢለኒ ዓባይ ሓብታ እናተኸናኸነታ ብእተወሰነ ደረጃ ሓወየት: ኣብ ታሕሳስ 1954 ከኣ ተመርዓና።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እቲ ሕማማ ደገሳ: እቲ ናይ መጀመርታ ሓኪም ድማ እንደገና መጥባሕቲ ገበረላ። ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ነቲ ጥረ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኸልግሶ: እቲ መጥባሕቲ ንውሽጣዊ ክፋል ሓንጎላ ዝትንክፍ ነበረ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ድማ በዓልቲ ቤተይ ፍርቂ ኣካላ ለመሰ: ንዘረባኣ ዝቈጻጸሮ ኽፍሊ ሓንጎላ እውን ብዙሕ ተጐድአ። ካብኡ ንነጀው እተሓላለኸ ብድሆታት ኢዩ ኣጋጢሙና። እቲ ዝቐለለ ዕማም እውን ከይተረፈ ነታ ፍቕርቲ በዓልቲ ቤተይ ከቢድ ዕንቅፋት ኢዩ ዀይንዋ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ጥዕናኣ እናተባላሸወ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ኸኣ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዓብዪ ለውጥታት ክንገብር ኣድለየና። ልዕሊ ዅሉ ድማ ብዙሕ ጽንዓትን ሓቦን ኣድለየና።

እቲ ኻብ ኣደይ ዝረኸብክዎ ስልጠና ኣብዚ ግዜ እዚ ኢዩ ጠቒሙኒ። ንግሆ ንግሆ ንዅሉ እቲ መግቢ ንምስራሕ ዘድሊ ነገራት አዳልዎ እሞ ኢለኒ ድማ ትኽሽኖ ነበረት። ብዙሕ ግዜ እተፈላለዩ ኣጋይሽ ንዕድም ነበርና: ካባታቶም ከኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ: ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እንገብረሎም ሰባት: ከምኡውን ስኡናት ኣባላት ጉባኤና ይርከብዎም ነበሩ። ኵላቶም ጥዑም መግቢ ኸም ዝበልዑ ይገልጹ ነበሩ! ኣነን ኢለኒን ገዛና ጽሩይን ጽፉፍን ምእንቲ ክኸውን ኣብ ካልእ ዕዮ ገዛ እውን ንተሓጋገዝ ነበርና። እዚ ብዙሕ ጸገማት ዝመልኦ ናብራ ን30 ዓመታት ቀጸለ።

ስንክልቲ ኽነሳ ቐናእ

ነቲ በዓልቲ ቤተይ ንየሆዋ ዝነበራ ፍቕርን ንኣገልግሎቱ ዝነበራ ቕንእን ዘዳኽሞ ነገር ከም ዘየለ ምርኣይ ንዓይ ኰነ ንኻልኦት ዘተባብዕ ነበረ። ከይተሓለለት ብምጽዓራ ድሕሪ ግዜ ብእተወሰነ ቓላት ገይራ ሓሳባ ኽትገልጽ ጀመረት። ኣብ መገዲ ንእትረኽቦም ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብስራት ምንጋር ትፈቱ ነበረት። ብስራሕ ክገይሽ ከለኹ ምሳይ እወስዳ እሞ ነታ ማኪናይ ኣብቲ ብዙሓት ሰባት ዝመላለሱሉ ደረት ጽርግያ ደው አብላ ነበርኩ። ኢለኒ ኸኣ ነቲ መስኮት እታ ማኪና ብምኽፋት ነቶም ዝሓልፉ ሰባት ቅዳሓት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ክወስዱ ትዕድሞም ነበረት። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ: ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰዓታት 80 መጽሔታት ዓደለት። መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ጉባኤና ዝርከብ ናይ ቀደም መጽሔታት ብምሉኡ ትዕድሎ ነበረት። ኣብ ካልእ መዳያት ኣገልግሎት እውን ወትሩ ትሳተፍ ነበረት።

በዓልቲ ቤተይ ስንክልቲ ኣብ ዝነበረትሉ ዓመታት ወትሩ ምሳይ ናብ ኣኼባ ትኸይድ ነበረት። ብሰንኪ እቲ ኣብቶም ኣብ ግሪኽ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝወርድ ዝነበረ መስጐጕቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ንምክፋል ናብ ወጻኢ ሃገራት ክንጐዓዝ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ኻብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ወይ ኣሰምብሊ ፈጺማ በዂራ ኣይትፈልጥን። ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተ ነበራ: ኣብ ኣውስትርያ: ጀርመን: ቆጵሮስ: ከምኡውን ኣብ ካልኦት ሃገራት እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት ተሓጒሳ ተኻፊላ ኢያ። ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ሓላፍነታት ብምርካበይ ሓድሓደ ግዜ ንዓኣ ዘጸግማ እኳ እንተ ነበረ: ኣማሪራ ዀነ እዚ ዘይተገብረለይ ኢላ ተዛሪባ ኣይትፈልጥን ኢያ።

እዚ ዅነታት እዚ ንዓይ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ናይ ጽንዓትን ሓቦን ትምህርቲ ዀይኑኒ ኢዩ። ሓገዝ የሆዋ ብተደጋጋሚ ርእየ ኢየ። ኣሕዋትን ኣሓትን ብእተኻእሎም መጠን ንምሕጋዝ ናይ ሓቂ መስዋእትታት ገይሮም ኢዮም: ሓካይም እውን ብሕያውነት ደጊፎምና ኢዮም። ኣብዚ ጽንኩር ዓመታት እዚ: ኵነታትና ብዙሕ ግዜ ዘይፈቅድ ብምንባሩ ናይ ምሉእ ግዜ ስራሕ እኳ እንተ ዘይነበረኒ: ዘድልየና መሰረታዊ ነገራት ግን ጐዲሉና ኣይፈልጥን። ወትሩ ንፍቓድ የሆዋን ኣገልግሎቱን ቀዳምነት ንህብ ነበርና።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠33

ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ፈታኒ እዋን እንታይ ከም ዘጽንዓና ይሓቱኒ ኢዮም። ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: ናብ ኣምላኽ እነቕርቦ ልባዊ ጸሎት: ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዘይምብኳር: ከምኡውን ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኢ ምስታፍ ንኽንጸንዕን ሓቦ ንኽንገብርን ሓጊዙና ኢዩ። ነቲ ኣብ መዝሙር 37:⁠3-5 ዝርከብ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መተባብዒ ቓላት ኵሉ ሳዕ ንዝክሮ ነበርና:- “ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ: ሰናይ ድማ ግበር: . . . ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ: . . . መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ: ኣብኡ ተወከል: ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ።” ካልእ ብዙሕ ዝጠቐመትና ጥቕሲ ኸኣ መዝሙር 55:⁠22 ኢያ፣ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ” ድማ ትብል። ከምቲ ኣብ ኣቦኡ ምሉእ ትውክልቲ ዘለዎ ቘልዓ: ጾርና ናብ የሆዋ ደርቢናዮ ጥራይ ዘይኰንናስ ባዕሉ ንኽስከሞ እውን ገዲፍናሉ ኢና።​—⁠ያእቆብ 1:⁠6

ብ12 ሚያዝያ 1987 በዓልቲ ቤተይ ኣብ ኣፍደገ ገዛና ዀይና ኽትሰብኽ ከላ: እቲ ብሓጺን እተሰርሐ ረዚን ማዕጾ ኽዕጾ ኸሎ ናብቲ መገዲ ኣጋር ስለ ዝደርበያ ኸቢድ ጕድኣት ወረዳ። ከም ሳዕቤን ናይዚ: ንሰለስተ ዓመት ውኖኣ ኣጥፊኣ ነበረት። ኣብ መጀመርታ 1990 ኸኣ ሞተት።

ዓቕመይ ብዝፈቐዶ ዅሉ ንየሆዋ ምግልጋል

ብ1960 ኣብ ኒካይያ: ፓይሪየስ: ናይ ጉባኤ ኣገልጋሊ ዀይነ ኽዓዪ ተመዘዝኩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ኣብ ፓይሪየስ ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ካልኦት ጉባኤታት ናይ ምግልጋል ኣጋጣሚ ረኺበ ኢየ። ብስጋ ውሉዳት እኳ እንተ ዘይብለይ: ብዙሓት መንፈሳውያን ውሉዳት ኣብ ሓቂ ደልዲሎም ደው ንኽብሉ ብምሕጋዝ ሓጐስ ረኺበ ኢየ። ካብዚኣቶም ገሊኦም ናይ ጉባኤ ሽማግለታት: ኣገልገልቲ ጉባኤ: ፓይነራት: ከምኡውን ቤትኤላውያን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ።

ብ1975 ኣብ ግሪኽ እንደገና ደሞክራስያዊ ስርዓት ምስ ተጀመረ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዱር እናተሓብኡ ዘይኰነስ ናጻ ዀይኖም ዓበይቲ ኣኼባታቶም ክገብሩ ጀመሩ። ገሌና ኣብ ወጻኢ ዓበይቲ ኣኼባታት ብምምሕዳር ዘጥረናዮ ተመክሮ ኣብዚ ግዜ እዚ ጠቐመና። በዚ ኸኣ: ንብዙሕ ዓመታት ኣብ እተፈላለየ ኮሚተታት ዓበይቲ ኣኼባ ናይ ምግልጋል መሰል ብምርካበይ ሕጉስ ኢየ።

ድሕርዚ ብ1979 ኣብ ወሰን ከተማ ኣቴንስ ናይ ፈለማ ኣደራሽ ኣሰምብሊ ንምህናጽ መደብ ተገብረ። ንህንጸት ናይዚ ዓብዪ ፕሮጀክት ከካይድን ኣብ ፍጻሜ ንኸብጽሕን ከኣ ሓላፍነት ተዋህበኒ። እዚ ዕዮ እዚ እውን ብዙሕ ጽንዓትን ሓቦን ዝሓትት ነበረ። ንሰለስተ ዓመታት ጥቕሚ ርእሶም ክስውኡ ፍቓደኛታት ምስ ዝዀኑ ኣሕዋትን ኣሓትን ምግልጋል ኣብ መንጎና ድልዱል ማእሰር ፍቕርን ሓድነትን ፈጠረ። ተዘክሮታት ናይዚ ፕሮጀክት እዚ ኣብ ልበይ ተቐሪጹ ተሪፉ ኢዩ።

ንእሱራት ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ምምላእ

ድሕሪ ሒደት ዓመታት: ሓድሽ ኣጋጣሚ ተኸፍተልና። ኣብቲ ኮሪዳሎስ ዝበሃል ጥቓ ናይ ጉባኤና ዞባ ዘሎ ኸባቢ ሓደ ኻብቲ ኣብ ግሪኽ ዝርከብ ዓበይቲ ኣብያተ⁠-​ማእሰርቲ ኣሎ። ካብ ሚያዝያ 1991 ኣትሒዙ ኸም ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናብዚ ቤት ማእሰርቲ ምብጻሕ ኽገብር ተመዘዝኩ። ኣብኡ ድማ ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም እሱራት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ክርስትያናዊ ኣኼባን ክመርሓሎም ተፈቕደለይ። ብዙሓት ዓብዪ ለውጢ ብምግባር ቃል ኣምላኽ መስለጢ ምዃኑ ኣረጋገጹ። (እብራውያን 4:⁠12) እዚ ነቶም ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ማእሰርትን እሱራትን ደንጺዎም ኢዩ። ገለ ኻብቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገበርኩሎም እሱራት ተፈቲሖም ኢዮም: ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ኰይኖም ኣለዉ።

ንእተወሰነ እዋን ንሰለስተ ፍሉጣት ነጋዶ ሓሽሽ ጽንዓት እገብረሎም ነበርኩ። መንፈሳዊ ዕቤት እናገበሩ ምስ ከዱ: ከጽንዑ ኽመጹ ኸለዉ ጭሕሞም ተላጽዮም: ጸጕሮም ተመሺጦም: ከምኡውን እዋኑ ኣብ ግሪኽ ሃሩር ዝብርትዓሉ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ እኳ እንተ ነበረ: ካምቻ ተኸዲኖምን ክራባታ ኣሲሮምን መጹ! እቲ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ: እቲ ሓለቓ ሓለውቲ እሱራት: ከምኡውን ገሊኦም ሰራሕተኛታት ነዚ ንምርኣይ ካብ ኣብያተ⁠-​ጽሕፈቶም እናተጓየዩ ወጹ። ነቲ ዝረኣይዎ ኽኣምኑ ኣይከኣሉን!

ኣብቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝእሰራሉ ህንጻ እውን ሓደ ዘተባብዕ ተመክሮ ኣጋጢሙ ኢዩ። ሰብ ብምቕታላ ንሕልፈት እተፈርደት ሰበይቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀመረት። እዛ ሰበይቲ እዚኣ በቲ ዓለወኛ ተግባራታ ፍልጥቲ ኢያ ነይራ። እንተዀነ ግን: ነዊሕ ከይጸንሐት እቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እትመሃሮ ዝነበረት ሓቂ ዘደንቕ ለውጥታት ንኽትገብር ስለ ዝሓገዛ: ብዙሓት ሰባት ነቲ ዝገበረቶ ለውጢ ልክዕ ከም ካብ ኣንበሳ ናብ በጊዕ ምቕያር ምዃኑ ገሊጾም ኢዮም! (ኢሳይያስ 11:⁠6, 7) ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ከኣ ሓላፊት ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ኣኽቢራ ኽትርእያን ክትኣምናን ጀመረት። ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ብምግባር ርእሳ ንየሆዋ ናብ ምውፋይ ኽትበጽሕ ብምርኣየይ ተሓጒሰ ኢየ።

ንዝሓመሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ምሕጋዝ

በዓልቲ ቤተይ ንነዊሕ እዋን ብሕማም ክትሳቐ ምርኣየይ ነቶም ዝሓመሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ዝያዳ ኸም ዝድንግጸሎም ገይሩኒ ኢዩ። ኣብ ጽሑፋትና ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ደገፍና ክንዝርግሓሎምን ፍቕራዊ ሓገዝና ክንህቦምን ዝገልጽ ሓሳብ ብዝወጸ መጠን: ንዖኦም ዘሎኒ ሓልዮት ይለዓዓል ኢዩ። ነዚ ዓንቀጻት እዚ ኣኽቢረ ስለ ዝርእዮ እእክቦ ኢየ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ካብታ “ብዕድመ ንዝደፍኡን ጥቑዓትን ምሕላይ” ዘርእስታ ናይ 15 ሓምለ 1962 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣትሒዘ ኻብ ሓደ ሚእቲ ገጻት ዝዛይድ ዓንቀጻት ኣከብኩ። ዝበዝሕ ካብዚ ዓንቀጻት: ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ንዝሓመሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ንምሕጋዝ እተወደበ ስጕምቲ ምስ እትወስድ ጠቓሚ ምዃኑ ዝገልጽ ነበረ።​—⁠1 ዮሃንስ 3:⁠17, 18

እቶም ሽማግለታት ኣብ ጉባኤና ንዝርከቡ ዝሓመሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ንምክንኻን ፍቓደኛ ዝዀኑ ጕጅለ ኣሕዋትን ኣሓትን ሰርዑ። ኣብ እተፈላለያ ጕጅለታት ዝመቐልናዮም ወለንተኛታት ከኣ ረኸብና፣ እዚኣቶም ድማ ገሊኣቶም ቀትሪ ዝሕግዙ: ገሊኣቶም ለይቲ ዝሕግዙ: ካልኦት ብማኪና ዘበጻጽሑ: ገሊኣቶም ከኣ ን24 ሰዓታት ክሕግዙ ድሉዋት ዝዀኑ ተባሂሎም ተኸፋፈሉ። እዞም ናይ መወዳእታ ጕጅለ ህጹጽ ሓገዝ ዝህቡ ኢዮም ነይሮም።

እዚ ጻዕርታት እዚ ዘፍረዮ ፍረ ዘተባብዕ ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ በይና እትነብር ጥዕና ዘይብላ ሓብቲ መዓልታዊ ምብጻሕ ኣብ ዝግበረላ ዝነበረ እዋን ሓደ ግዜ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ኣብ ባይታ ወዲቓ ጸንሐት። ንሓንቲ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ማኪና ዘለዋ ሓብቲ እቲ ዘጋጠመ ነገር ምስ ነገርናያ: ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ማለት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ደቒቕ ናብቲ ኣብ ጥቕአን ዝርከብ ሆስፒታል ኣብጽሓታ! እቶም ሓካይም ከኣ በዚ ምኽንያት እዚ ኻብ ሞት ከም ዝደሓነት ገለጹ።

እቶም ዝሓመሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ሰባት ነቶም ኣባላት እቲ ጕጅለ ዘርእይዎ ሞሳ ኣዝዩ ዘዕግብ ኢዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ዘቝሞ ሓድሽ ኣገባብ ካብዚ ዘሎ ጸገማት ሓራ ዄንና ምስዞም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚኣቶም ንኽንነብር ዘሎና ተስፋ ልቢ ዘረስርስ ኢዩ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሳላ እቲ ኣብ እዋን ስቓዮም እተዋህቦም ሓገዝ ንኽጸንዑ ኸም እተሓገዙ ምፍላጥ እውን ካልእ ዓስቢ ኢዩ።

ጽንዓተይ ዓስቢ ረኸብኩሉ

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ፓይሪየስ ዝርከባ ጉባኤታት ሽማግለ ዀይነ አገልግል ኣለኹ። ብዕድመ እኳ እንተ ደፋእኩ: ናይ ጥዕና ጸገማት እውን እንተ ሃለወኒ: ኣብ ንጥፈታት ጉባኤና ብትግሃት ክሳተፍ ምኽኣለይ ሕጉስ ኢየ።

ንብዙሕ ዓመታት ዘጋጠመኒ ፈታኒ ዅነታት: ከቢድ ብድሆታት: ከምኡውን ዘይተሓስበ ኣጋጣሚታት ንምስጋር እዚ ዘይበሃል ብርታዐን ሓቦን ኣድልዩኒ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነዚ ጸገማት እዚ ንምስጋር ዘድልየኒ ሓገዝ ወትሩ ይህበኒ ኢዩ። ንሓቅነት ናይተን ከምዚ ዝስዕብ ዝብላ ቃላት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብተደጋጋሚ ርእየየን ኢየ:- “ጐይታየ: እግረይ አንደልሀጸ ምስ በልኩ: ጸጋኻ ደገፈኒ። ጓሂ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ምስ በዝሔ: ምጽንናዕካ ንነፍሰይ ኣሐጐሳ።”​—⁠መዝሙር 94:18, 19

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ብ1957 ምስ ኢለኒ በዓልቲ ቤተይ ካልኣይ መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባራ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ብ1969 ኣብቲ ኣብ ኑረምበርግ: ጀርመን: ኣብ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ንዝሓመሙን ብዕድመ ዝደፍኡን ዝሓገዙ ጕጅለ ኣሕዋትን ኣሓትን