ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽሬት እቲ ቕኑዕ ትርጕሙ እንታይ ኢዩ፧

ጽሬት እቲ ቕኑዕ ትርጕሙ እንታይ ኢዩ፧

ጽሬት እቲ ቕኑዕ ትርጕሙ እንታይ ኢዩ፧

 ኣብ መበል 18ን 19ን ዘመናት ኣብ ኣውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ጽሬት ጠፊኡ ግዕዝይና ኣስፋሕፊሑ ስለ ዝነበረ: ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ዳርጋ “ናይ ጽሬት ሰረተ⁠-​እምነት” ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል ስብከት ይሰብኩ ነበሩ። ኣብዚ ሰረተ⁠-​እምነት እዚ ርስሓት ምስ ሓጢኣት ክተሓሓዝ ከሎ: ጽሬት ግን ንሓደ ሰብ ምስ ኣምላኽ ከም ዘቀራርቦ ገይርካ ይውሰድ ነበረ። ምናልባት እዚ ነቲ “ጽሬት ምስ መለኮት እተኣሳሰረ ኢዩ” ዝብል ብሂል ዘበገሰ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

“ሳልቬሽን ኣርሚ” ዝበሃል ዊልያም ቡዝን ካተሪን ቡዝን ዝመስረትዎ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ነዚ ኣመለኻኽታ እዚ ይስዕብ ነበረ። ብመሰረት እታ ሄልዝ ኤንድ መዲሲን ኢን ዘ ኢቫንጀሊካል ትራዲሽን እትበሃል መጽሓፍ: ሓደ ኻብቲ ናይ ጥንቲ ጭርሖታቶም “ሶፕ: ሱፕ: ሳልቨሽን ” [ጽሬት: መረቕ: ድሕነት] ዝብል ነበረ። ድሕርዚ: ሉዊ ፓስቸርን ካልኦት ሰባትን ኣብ መንጎ ሕማምን ባክቴርያን ዘሎ ምትሕሓዝ ብመርትዖ ምስ ኣረጋገጽዎ: ንጥዕና ህዝቢ ዝጠቅም ሜላታት ንኽመሃዝ ዝያዳ መገዲ ብምኽፋት ስነ⁠-​ፍልጠታዊ መሰረት ኣንቢሮም ኢዮም።

ገለ ኻብቲ እተወስደ ቅልጡፍ ስጕምትታት: ኣብ ቤት ፍርዲ ንሓደ ምስክር መጽሓፍ ቅዱስ ክስዕም ዘይምሕታት: ኣብ ኣብያተ ትምህርትን መደበር ባቡርን ከኣ ናይ ሓባር ኩባያ ኸይህሉ ዝብል ነበረ። ኣብ ሃይማኖታዊ ቅዳሴታት ዝዝውተር ዝነበረ ናይ ሓባር ጽዋእ እውን ብናይ ብሕቲ ኹባያታት ተተክአ። እወ: እዞም መጀመርታ ነዚ ስርዓት እዚ ዘውጽኡ ሰባት ብዛዕባ ጽሬት ዝመጸ ንኣተሓሳስባ ሰባት ኣብ ምልዋጥ ብዙሕ ኣሳልጦ ክረኽቡ ኽኢሎም ኢዮም። እዚ ንኣተሓሳስባ እቲ ህዝቢ ኣዝዩ ጸልይዎ ስለ ዝነበረ እኳ ሓንቲ ጸሓፊት ነቲ ውጽኢት “ምስ ጽሬት እተመስረተ ፍቕሪ” ኢላ ኽትዛረበሉ ኽኢላ ኢያ።

ይኹን እምበር: እዚ “ምስ ጽሬት እተመስረተ ፍቕሪ” ንግዚኡ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ነዊሕ ከይጸንሐ ነጋዶ ነቲ ሰብ መዓልታዊ ዝጥቀመሉ ልሙድ ሳሙና ናብቲ ንዅሕለ⁠-​ምሕሊ ዝውዕል ፍርያት ቐየርዎ። ብብልሓት ዝቐረበ ረክላም ገለ ኻብቲ ንጽሬት ተባሂሉ ዝወጽእ ፍርያት ነቶም ዝጥቀምሉ ሰባት ክብሪ ከም ዝህቦም እቶም በዚ ዘይጥቀሙ ግን ካብ ምቕናእ ሓሊፎም ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር ከም ዘየለ ንዓማዊል ከእምን ጀመረ። እዚ ሕልሚ እዚ ብናይ ተለቪዥን ፕሮግራማት እውን ከም ዝቕጽል ተገብረ። ኣብ ናይ ንግዲ ረክላማትን ብተለቪዥን ኣብ ዝቐርብ ተኸታታሊ ፊልምን ዝርኣዩ ዕዉታትን ውቁባትን ሰባት ገዛ ኸጽርዩ: ቀጽሪ ክዅስትሩ: ጐሓፍ ከልዕሉ ዀነ ርስሓት ደማሙኦምን ኣኽላባቶምን ከጽርዩ ኣይረኣዩን ኢዮም።

ስራሕ ምኻድ ወጻኢታትካ ንምሽፋን ክሕግዝ ከሎ ናይ ቤት ዕዮ ወይ ካልእ ምስ ጽሬት እተተሓሓዘ ዕዮ ገዛ ግን ናይ ገንዘብ ረብሓ የብሉን ዝብሉ ሰባት ኣለዉ። ስለዚ ናይ ገንዘብ ረብሓ ዘይረኽብሉ ኻብ ኰኑ እንታይ ገዲስዎም ንኸባቢኦም ዝሓልዩ፧ ሓደ ኻብቲ ውጽኢቱ ኸኣ ሎሚ ሰባት ጽሬት ኣብ ኣካላዊ ንጽህና ጥራይ ኢዩ ዝውዕል ኢሎም ከም ዝሓስቡ ገይርዎም ኣሎ።

ኣምላኽ ብዛዕባ ጽሬት ዘለዎ ኣመለኻኽታ

እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ብዛዕባ ጽሬት ንምምሃር እተገብረ ጻዕርታት ንሰባት ኣነባብርኦም ከመሓይሹ ከም ዝሓገዞም ፍሉጥ ኢዩ። ከመይሲ እቲ ቅዱስን ጽሩይን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽና ምንጪ ጽሬት ኢዩ። ኣብ ኵሉ መገድታትና ቅዱሳትን ጽሩያትን ብምዃን ክንጥቀም ከኣ ይምህረና።​—⁠ኢሳይያስ 48:⁠17፣ 1 ጴጥሮስ 1:⁠15

በዚ መዳይ እዚ የሆዋ ኣምላኽ ሰናይ ኣብነት ኢዩ ዝዀነና። ጽሬትን ካልእ ዘይርአ ባህርያቱን ኣብ ፍጥረታቱ ብንጹር ክርአ ይከኣል ኢዩ። (ሮሜ 1:⁠20) ተፈጥሮ ንባዕሉ ነባሪ ብከላ ከምጽእ ከም ዘይክእል ክንርኢ ንኽእል ኢና። ምድሪ ምስቲ ኣብኣ ዘሎ እተፋላለየ ናይ ስነ⁠-​ህይወት ዑደታት: ብባህርያዊ መገዲ ዘደንቕ ጽሬት ተካይድ ኢያ። እዚ ድማ ጽሩይን ጥዑይን ናብራ ህይወት ንምንባር ክሕግዝ ተባሂሉ እተነድፈ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጽሩይ ዕዮ ካብ ሓደ ናይ ጽሬት ኣተሓሳስባ ዘለዎ ነዳፊ ጥራይ ኢዩ ኽመጽእ ዝኽእል። ብመሰረት እዚ እምበኣር ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ መዳያት ናብርኦም ጽሩያት ክዀኑ ኣለዎም ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል።

ኣርባዕተ መዳያት ጽሬት

መጽሓፍ ቅዱስ: ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ኸውዕልዎ ክጽዕርሉ ዘድልዮም ኣርባዕተ መዳያት ጽሬት ይገልጽ። ነዚ መዳያት እዚ ሓንቲ ብሓንቲ ንርኣዮ።

መንፈሳዊ። ሓደ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ተስፍኡ ኣብ መንፈሳውነቱ እተመርኰሰ ብምዃኑ: እዚ መዳይ እዚ ኻብ ኵሉ መዳያት ጽሬት እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ገይርካ ክውሰድ ይከኣል ኢዩ። ይኹን እምበር: ዝበዝሕ ግዜ እዚ መዳይ ጽሬት እዚ ዝያዳ ዕሽሽ ተባሂሉ ኢዩ ዝሕለፍ። ኣምላኽ ንዅሉ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ርኹስ ገይሩ ስለ ዝርእዮ ብመንፈሳዊ መገዲ ጽሩይ ምዃን ክበሃል ከሎ ብሓጺሩ ካብቲ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ኣምልኾን ናይ ሓሶት ኣምልኾን ገይርዎ ዘሎ ደረት ዘይምሕላፍ ማለት ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 6:17) ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ እዚ ኣነጺሩ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም ምሕላው ኢዩ’ በለ።​—⁠ያእቆብ 1:27

ኣምላኽ ንናይ ሓሶት ኣምልኾ ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምትሕውዋስ ከም ዘይሰምሮ ኣነጺሩ ገሊጹ ኣሎ። ዝበዝሕ ግዜ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ክበሃል ከሎ ንርኹስ ተግባራት ከምኡውን ንዘፈንፍን ጣኦታትን ኣማልኽትን ዘጠቓልል ኢዩ። (ኤርምያስ 32:⁠35) ስለዚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኣብ ርኹስ ኣምልኾ ንኸይካፈሉ ተማዒዶም ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠20, 21፣ ራእይ 18:⁠4

ስነ⁠-​ምግባር። ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ እውን እንተዀነ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ንጹር ፍልልይ ገይሩ ኣሎ። ዓለም ብሓፈሻ ኣብ ከምቲ ኣብ ኤፌሶን 4:⁠17-19 ተገሊጹ ዘሎ ዅነታት ኢያ እትርከብ። ከምዚ ትብል:- “ኣእምሮኦም ጸልሚቱ: ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም: ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዔ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ።” እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ርኹስ ኣተሓሳስባ ብብዙሕ መገድታት ማለት ብጋህድን ብስዉርን ዝግለጽ ብምዃኑ ክርስትያናት ክጥንቀቑ ኣለዎም።

ኣፍቀርቲ ኣምላኽ ከም ምንዝር: ግብረ⁠-​ሰዶም: ቅድሚ መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ: ስእለ⁠-​ጽዩፍ ዝኣመሰለ ተግባራት ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ዘውጽኦ ስርዓታት ዝጥሕስ ምዃኑ ይግንዘቡ ኢዮም። ይኹን እምበር: እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዝግለጸሉ መገድታት ኣብ መዘናግዒ ይኹን ኣብዛ ደድሕሪ ሓድሽ ቅዲ እትኸይድ ዓለም ልሙድ ኢዩ። ስለዚ ክርስትያናት ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ክሕለዉ ኣለዎም። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይኹን ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ሓጺርን ሰብነትካ ዘርእን ክዳውንቲ ምኽዳን ዘየድሊ ቈላሕታ ዝስሕብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ካብ ስነ⁠-​ምግባራዊ ንጽህና ተላግስ ከም ዘሎኻ ዘርኢ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣከዳድና ኣብቲ ክርስትያናዊ ሕብረት ርኹስ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ዘተኣታቱ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብ ሰባት ርኹስ ሓሳባት ክፈጥር ይኽእል ኢዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ክርስትያናት “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ንምርኣይ ክጽዕርሉ ዘለዎም መዳያት ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 3:⁠17

ኣእምሮኣዊ። እቲ ሕቡእ ክፍሊ ኣእምሮ መኽዘን ርኹስ ሓሳባት ክኸውን የብሉን። የሱስ ርኹስ ሓሳባት ንኸይነሕድር ከጠንቅቕ ከሎ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” በለ። (ማቴዎስ 5:28፣ ማርቆስ 7:⁠20-23) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ መጽሔታት ይኹን ኣብ ፊልምታት ንዝቐርብ ስእለ⁠-​ጽዩፍ ኣብ ምርኣይ: ብዛዕባ ብዕሉግ ጾታዊ ተግባራት ዝገልጽ ጽሑፋት ኣብ ምንባብ: ርኹስ ግጥምታት ዘለዎ ሙዚቃ ኣብ ምስማዕ እውን ዝውዕላ ኢየን። ስለዚ እምበኣር ክርስትያናት: ናብ ርኹስ ወይ ዘይቅዱስ ዘረባን ተግባርን ክመርሕ ዝኽእል ርኹስ ሓሳባት ብምሕሳብ ንገዛእ ርእሶም ከየርክሱ ክጥንቀቑ ኣለዎም።​—⁠ማቴዎስ 12:⁠34፣ 15:⁠18

ኣካላዊ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድስናን ኣካላዊ ጽሬትን ተተሓሒዙ ኢዩ ዝግለጽ። ንኣብነት: ጳውሎስ “ኣቱም ፍቁራተይ . . . ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 7:⁠1) ስለዚ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኵነታቶም ከም ዘፍቀደሎም ንኣካላቶም: ቤቶም: ኣከባቢኦም ጽሩይን እርኑብን ገይሮም ክሕዝዎ ክጽዕሩ ኣለዎም። ኣብቲ ንመጸራረዪ ወይ ንመሕጸብ ነብሲ ዝኸውን ማይ ብቐሊሉ ዘይርከበሉ ቦታታት ዝነብሩ ክርስትያናት እውን ከይተረፈ ብእተኻእሎም መጠን ጽሩያትን ምዕሩጋትን ንምዃን ክጽዕሩ ኣሎም።

ኣካላዊ ጽሬት ክበሃል ከሎ ካብቲ ንኣካላት ከበላሹን ክጐድእን ዝኽእል ነገራት ምርሓቕ እውን ዘመልክት ኢዩ። እዚ ኸኣ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ትምባኾ ዘይምውሳድ: ካብ መጠን ንላዕሊ ኣልኮላዊ መስተ ዘይምስታይ: ብዝዀነ ይኹን መገዲ ሓሽሽ ዘይምዝውታር ዘጠቓልል ኢዩ። እቲ ኣብ መሃልየ መሃልይ ተገሊጹ ዘሎ ጓሳ ነቲ ደስ ዘብል ሽቱ ኽዳውንቲ ናይታ ሱላማዊት ኣድኒቕዎ ኢዩ። (መሃልየ መሃልይ 4:⁠11) ኣብ ጥቓና ንዘለዉ ሰባት ሕማቕ ሽታ ኽንሽትቶም ስለ ዘይንደሊ ብዛዕባ ኣካላዊ ጽሬት ምግዳስ ንኻልኦት ፍቕሪ ምርኣይ ኢዩ። ሽቱ ወይ ጨና ባህ ዘብል ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ ነብስና ንኸይንሕጸብን ጽሩይ ክዳውንቲ ንኸይንኽደንን ምኽንያት ኣይኰነናን ኢዩ።

ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ምሓዝ

ብኣካላዊ ጽሬት ዝመጸ ሰባት ሕሉፋት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ብሓደ ወገን ክርአ ኸሎ ካብ መጠን ንላዕሊ ብዛዕባ ጽሬት ምግዳስ ሓጐስና ክሰርቕ ይኽእል ኢዩ። ካብቲ ክቡር ግዜና ብዙሕ ከም እነጥፍእ ክገብረና እውን ይኽእል ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ረሳሕን ወዛልን ኣባይቲ ንኽትጽግኖ ብዙሕ ገንዘብ ከውጽእ ይኽእል ኢዩ። ካብዚ ኽልተ ሕሉፍ መዳያት እተፈልየ እምበኣር ንኣባይትና ጽሩይን ምዕሩግን ገይርና ብሚዛናዊ መገዲ ምሓዙ ኢዩ።

ኣይተጋሕምጥ። ጋሕማጥ ኣባይቲ ወይ ክፍልታት ንኸተጽርዮ ኣሸጋሪ ኢዩ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ብኣቝሑ እተጠርነቐ ገዛውቲ ነቲ ርስሓት ብቐሊሉ ክትረኽቦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ምጥን ዝበለ: ዘይጋሕመጠ ኣባይቲ ንኸተጽርዮ ብዙሕ ግዜ ኣይወስድን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ቅልል ዝበለ ናብራ ክንነብር ኢዩ ዝምዕደና። ከምዚ ኸኣ ይብል:- “ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ: ንሱ ይእከለና።”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:8

እርኑብ ግበሮ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ​ቤት ነታ ቤት ጽርይቲ ገይሩ ንምሓዝ ሓላፍነት ኣለዎ። ዘይእርኑብ ኣባይቲ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዘይእርኑብ ክፍልታት ኢዩ ዝጅምር። እርኑብ ምዃን ክበሃል ከሎ ኵሉ ነገር ኣብ በቦታኡ ተመዓራርዩ እተቐመጠ ማለት ኢዩ። ንኣብነት: ረሳሕ ኽዳውንቲ ኣብ ምድሪ ቤት መደቀሲ ተደርብዩ ክቕመጥ የብሉን። ካብዚ ዝገደደ ድማ መጻወቲ ቘልዑን መሳርሒ ኣቝሑን ኣብ ፈቖድኡ ምስ ዝድርበ ሓደጋ ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። መብዛሕትኡ ኣብ ቤት ዘጋጥም ሓደጋታት ሰኣን ምእርናብ ኢዩ።

ጽሬትን ክርስትያናዊ ናብራ ህይወትን ዘይፈላለ ምዃኑ ንጹር ኢዩ። ነብዪ ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣምላኻዊ ኣነባብራ “ቅድስቲ መገዲ” ኢሉ ተዛሪብሉ ኣሎ። ቀጺሉ እውን “ርኹስ ዘበለ ኣይኪሐልፋን እዩ” ብምባል ክንሓስበሉ ዝግባእ ነጥቢ ጠቒሱ ኣሎ። (ኢሳይያስ 35:⁠8) እወ: ሕጂ ብዛዕባ ጽሬት ጽቡቕ ልምዲ እንተድኣ ኣልዩና ነቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ሓንቲ ጽርይቲ ምድራዊት ገነት ከቕውም ምዃኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ኣጸቢቕና ከም እንኣምነሉ ነረጋግጽ ኣሎና ማለት ኢዩ። ሽዑ ኣብ ኵሉ ክፍልታት ናይዛ ውቅብቲ ፕላነት እዚኣ: ኵሎም ሰባት ምስቲ ፍጹም ናይ ጽሬት ስርዓታት ምሉእ ብምሉእ ተሰማሚዖም ብምኻድ ንየሆዋ ኣምላኽ ክውድስዎ ኢዮም።​—⁠ራእይ 7:⁠9

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ​ቤት ንቤት ጽርይቲ ገይሩ ኣብ ምሓዝ ሓላፍነት ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

ምድሪ ብዘደንቕ መገዲ ንገዛእ ርእሳ ተጽሪ ኢያ