ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽሬት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣገዳሲ፧

ጽሬት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣገዳሲ፧

ጽሬት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ኣገዳሲ፧

 ጽሬት ብእተፈላለዩ ሰባት እተፈላለየ ትርጕም ኢዩ ዝወሃቦ። ንኣብነት: ሓንቲ ኣደ ንሓደ ንእሽቶ ወዳ ኣእዳዉን ገጹን ክሕጸብ ምስ እትነግሮ: ቡንባ ኸፊቱ ኣጻብዕቱ ኣጠልቅይ ብምባል ከናፍሩ ምስ ዘተርክስ እኹል ኢዩ ኢሉ ይሓስብ ይኸውን። እታ ኣደ ግን ጽሬት እንታይ ከም ዘጠቓልል ዝያዳ ትፈልጥ ኢያ። ናብቲ ቡንባ ዘላቶ ቦታ ትወስዶ እሞ እናወጨጨ ኣእዳዉን ገጹን ብማይን ብሳሙናን ትሓጽቦ።

ልክዕ ኢዩ: ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ጽሬት ዝወሃብ መግለጺ ሓደ ኣይኰነን። ሰባት ከኣ ብዛዕባ ጽሬት እተፈላለየ ኣምር ሒዞም ኢዮም ዝዓብዩ። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርአ ዝነበረ ጽቡቕ ስርዓት ንተመሃሮ ብዛዕባ ጽሬት ጽቡቕ ልምዲ ኸማዕብሉ ሓጊዝዎም ኢዩ። ሎሚ ግን ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ብጐሓፍን ፍርስራሳትን ስለ ዝመልአ መጻወቲ ወይ ምውስዋስ ኣካላት እትገብረሉ ቦታ ዘይኰነስ እንዳ ጐሓፍ ኢዩ መሲሉ ዘሎ። እቲ ኽፍልታትከ፧ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማዕጾ ዝሕሉ ዳረን እተባህለ ሰብኣይ “ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኽፍሊ ከይተረፈ ጐሓፍ ንርኢ ኣሎና” በለ። ገሊኦም ተመሃሮ “ኣልዕሎ” ወይ “ኣጽርዮ” ዝብል ትእዛዝ ምስ ዝወሃቦም ዝቕጽዑ ዘለዉ ዀይኑ ኢዩ ዝስምዖም። እቲ ኣብዚ ዘብጸሖም ከኣ ገሊኦም መምሃራን ንጽሬት ከም መቕጽዒ ገይሮም ስለ ዝጥቀምሉ ኢዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ክርአ ኸሎውን ኣብ መዓልታዊ ናብራ ህይወት ይኹን ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት ብጽሬት ዝመጸ ዅሉ ሳዕ ሰናይ ኣብነት ይዀኑ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ንኣብነት: መብዛሕትኡ ህዝባዊ ቦታታት ጋሕመጥመጥ ዝበለን ክትርእዮ ባህ ዘየብልን ኰይኑ ኣሎ። ገሊአን ኢንዱስትሪታት ኣከባቢ ይብክላ። ይኹን እምበር: ጠንቂ ብከላ እቲ ህይወት ኣልቦ ዝዀነ ኢንዱስትሪታትን ኣብያተ ንግድን ዘይኰነስ ሰባት ኢዮም። ናይ ብከላን ጐዳኢ ሳዕቤናቱን ቀንዲ ዓለምለኻዊ ጠንቂ ምናልባት ስስዐ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ክፋል ናይቲ ጸገም ብሕታዊ ናይ ጽሬት ልምዲ ዘይምህላው ኢዩ። ናይ ኣውስትራልያ ሓባራዊ ሃብቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝነበረ ነዚ ናይ መደምደምታ ሓሳባት እዚ ብምድጋፍ ከምዚ በለ:- “ኵሉ እቲ ብዛዕባ ህዝባዊ ጥዕና ዝምልከት ሕቶታት መፍትሒኡ ኣብ ጽሬት ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ: ሰበይቲ ከምኡውን ቈልዓ እተመርኰሰ ኢዩ።”

ይኹን እምበር: ገለ ሰባት ጽሬት ብሕታዊ ጕዳይ ድኣ እምበር ንማንም ሰብ ዝምልከቶ ኣይኰነን ዝብል ስምዒት ኣለዎም። እዚ ግን ቅኑዕ ድዩ፧

እንምገቦ መግቢ ካብ ዕዳጋ ንዓድጎ: ኣብ ቤት ብልዒ ወይ ኣብ ቤት ፈታዊና ዄንና ንመገቦ ብዘየገድስ ጽሩይ ክኸውን ከም ዘለዎ ዝከሓድ ኣይኰነን። እቶም ዘዳልዉዎ ዀነ እቶም ኣሳሰይቲ ኣዝዮም ጽሩያት ክዀኑ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዮም። ኣእዳዎም ይኹን ኣእዳውና ምስ ዝረስሕ ጠንቂ እተፈላለየ ሕማም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ኻብ ኵሉ ቦታታት ንላዕሊ ጽሬት ክህልዎ ትጽቢት እንገብረሉ ሆስፒታላትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ብመሰረት እቲ ዘ ኒው ኢንግላንድ ጆርናል ኦቭ ሜዲስን ዝሃቦ ጸብጻብ: ኣብ ሆስፒታል ክሕከሙ ዝመጹ ሕሙማት ምሉእ ብምሉእ ንኽሓውዩ ኣብ ዓመት ክሳዕ ዓሰርተ ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዘውጽእ ሕማም ረኽሲ ዝሕዞም ዘሎ ገለ ሓኻይምን ነርሳትን ኣእዳዎም ስለ ዘይሕጸቡ ኢዩ። ንጽሬት ዕሽሽ ዝብል ዝዀነ ይኹን ሰብ ንጥዕናና ኣብ ሓደጋ ንኸየውድቖ ምጥንቃቕና ግቡእ ኢዩ።

ሓደ ሰብ ብፍላጥ ይኹን ብሸለልትነት ነቲ እንጥቀመሉ ማይ ምስ ዝብክሎ ሸለል ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኰነን። ወልፊ ሓሽሽ ዘለዎምን ካልኦትን እተጠቕምሉ መራፍእ ኣብ እተደርበዮ ገማግም ባሕሪ: ጥራይ እግሩ ክኸይድ ዝደፍርከ መን ኣሎ፧ ምናልባት እውን: ኣብ ቤትና ጽሬት ንሕሉ ዲና፧ ዝብል ሕቶ ንገዛእ ርእስና ክንሓትት ከድልየና ይኽእል ኢዩ።

ኣብታ ቸይሲን ደርት እተባህለት መጽሓፋ ሱለን ሆይ ከምዚ በለት:- “ከም ቀደምናዶ ጽሩያት ኢና፧” ኢላ ድሕሪ ምሕታታ “ኣይመስለንን” በለት። ኣብ ሕብረተሰብ ዝርአ ዘሎ ናይ ባህሪ ለውጢ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ምዃኑ ኸኣ ትጠቅስ። ሰባት ከም ቀደሞም ኣብ ቤቶም ብዙሕ ግዜ ስለ ዘየሕልፉ ኣብ ክንድኦም ኰይኑ ንቤቶም ዘጸራሪ ሰብ ይቘጽሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንኸባቢኻ ምጽራይ ብብሕቲ ደረጃ ብዙሕ ኣገዳሲ ገይርካ ዝርአ ነገር ኣይኰነን። ሓደ ሰብኣይ “ንነብሰይ ድኣ ኢየ ዘጽሪ እምበር ነቲ መሕጸቢ ነብሲ ኣየጽርዮን ኢየ: ቤተይ እኳ እንተ ረስሐ: ኣነ ግን ጽሩይ ኢየ” በለ።

ይኹን እምበር: ጽሬት ካብ ደጋዊ ትርኢት ንላዕሊ ኢዩ። ንዅሉ ዝሓቍፍ ንጥዕና ዘድሊ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓት ኢዩ። ንስነ⁠-​ምግባራዊ ኣተሓሳስባናን ኣምልኾናን ዝትንክፍ ናይ ኣእምሮን ልብን ኵነታት እውን ኢዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እስከ ንርአ።