ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ማሕበር የሆዋ ሓቢርካ ዝነበርካ ዲኻ፧

ምስ ማሕበር የሆዋ ሓቢርካ ዝነበርካ ዲኻ፧

ምስ ማሕበር የሆዋ ሓቢርካ ዝነበርካ ዲኻ፧

 እቲ መንእሰይ ሓፊሩን ተደቚሱን ነበረ። ክዳውንቱ ዝበለየን እተቐዳደደን እኳ እንተ ነበረ: ሓደ እዋን ምዕሩግ ክዳውንቲ ምንባሩ ይፍለጥ ኢዩ። ሕጂ ግን ከቢድ ጸገም ከም ዘሕለፈ ኢዩ ዘርኢ። ብዛዕባ እታ ኣብ ርሑቕ ዘላ ዓዱ ኽሓስብ ምስ ጀመረ: ነቲ ዘሕለፎ ሕሱር ናብራን ቅድሚ እዋኑ ርስቱ ብምውሳድ እናዘረወ ዘሕለፎ ህይወትን ፈንፈኖ። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ዝልከፍ እኽለ⁠-​ማይ ስኢኑ ኢዩ ዘሎ: ናፍቖት ዓዱ እውን ኣለዎ። እቲ ዝገርም ኣብ ዓዲ ዘለዉ ግዙኣት ኣቦኡ እውን ከይተረፉ ኻብ ናቱ ዝሓይሽ ናብራ ኢዩ ዘለዎም! ሓደ ኻባታቶም ክኸውን ድማ ተመነየ!

ሕጂ እንተ ተመሊሱ ግን ካብ ኣቦኡ እንታይ ዓይነት ኣቀባብላ ኽጽበዮ ኢዩ፧ ንሕያውነት ኣቦኡ ብዘሕፍር መገዲ ብዘይ​ግቡእ ስለ እተጠቕመሉ: ጽቡቕ ኣቀባብላ ኽግበረሉ ወይ ናብ ቤት ክኣቱ ኽፍቀደሉ ኣይጽበን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣእምሮኡን ልቡን በቲ ‘ናብ ቤተይ ክምለስ ኣሎኒ’ ዝብል ሓያል ስምዒት ኢዩ ተመሊኡ ዘሎ።

እዚ መንእሰይ እዚ ስምዒት ኣቦኡ ካብቲ እተጸበዮ ንላዕሊ ዀይኑ ረኸቦ! ናብታ ናይ ቀደም ቤቱ እናቐረበ ምስ ከደ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዘደንቕ ነገር ኰን ኢዩ ዘጋጠሞ! “ኣቦኡ . . . ገና ርሑቕ ከሎ ረአዮ እሞ ደንገጸሉ: ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሐኒቑ ሰዐሞ።”​—⁠ሉቃስ 15:20

ከምቲ ሓሻሽ ወዲ ኻብ ቤትካ ዝወጻእካ ዲኻ፧ ካብ የሆዋ ኣቦኻን ካብ ማሕበሩን ቀስ እናበልካ ዝረሓቕካ ዲኻ፧ ሕጂ ናብ ‘ቤትካ ኽትምለስ’ ትደሊዶ፧

መብዛሕትኡ እዋን እቶም ካብ ቤት የሆዋ ዝረሓቑ ልክዕ ከምቲ ሓሻሽ ወዲ ኣይኰኑን። ዝበዝሑ ኻብዚኣቶም ልክዕ ከም ሓንቲ በብቕሩብ ጸምበለል እናበለት ካብ መሬት እትርሕቕ ጃልባ: ቀስ እናበሉ ኸይተረድኦም ኢዮም ዝርሕቑ። ገሊኣቶም ቍጠባዊ ጸገማት ወይ ናይ ስድራ​ቤት ግድላት ስለ ዘጨንቖም: ብሕማም ስለ ዝሳቐዩ: ወይ ኣብዛ ዓለም “ዕዉታት” ምዃን ዝብል ኣረኣእያ ስለ ዝሕዙ እቲ መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ህይወቶም ቦታ ስኢኑ ኢዩ። ገሊኣቶም ከኣ ኣብ ክርስትያን ጉባኤ ብዘለዉ ውልቀ⁠-​ሰባት ተዓንቂፎም ወይ ምስቲ ማሕበር የሆዋ ኣብ እተወሰነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ዘለዋ ምርዳእ ብዘይ​ምስምምዖም ካብኣ ወጺኦም ኢዮም። ካልኦት ድማ እዚ ኣገባብ እዚ ኣብቲ እተጸበይዎ ግዜ ኸም ዘይተወድአ ምስ ረኣዩ ተስፋ ስለ ዝቘረጹ ኣብ ሓቂ ምምልላስ ገዲፎሞ ኢዮም።

ንስኻውን ኣብዚ እዋን እዚ ምስ ማሕበር የሆዋ ብንጥፈት ዘይትሓብር እንተድኣ ኣሊኻ: ካብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ምኽንያት ነይሩካ ይኸውን። ግናኸ ምኽንያትካ ብዘየገድስ: ሕጂ እትምለሰሉ ግዜዶ ኣይኰነን፧​—⁠ማቴዎስ 18:⁠12-14

ተዓንቂፍካ ዲኻ፧

ወድሰብ ካብ ፍጽምና ኣጸቢቑ ርሒቑ ስለ ዘሎ: ሓሓሊፉ ናይ ባህርያት ዘይምስምማዕ የጋጥም ኢዩ። እዚ ንገሊኣቶም ዓንቂፍዎም ኢዩ። ገሊኣቶም ከኣ ኣኽቢሮም ዝርእይዎ ሰብ ብታህዋኽ ሓደ ነገር ምስ ገበረ: ዘይክርስትያናዊ ጠባይ ምስ ኣርኣየ: ወይ ጌጋ ምስ ፈጸመ ተዓንቂፎም ኢዮም።

ከምዚ ኣጋጢሙካዶ ኢዩ፧ ዝዓንቀፈካ ነገር ብዘየገድስ: ብርግጽ ግን የሆዋ ኣይኰነን። (ምስ ገላትያ 5:⁠7, 8 ኣረኣእዮ።) ስለዚ ብሰንኪ ሓደ ሰብ ዝገበሮ ተግባር: ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ክንበትኮ ግቡእ ድዩ፧ ኣብ ክንድኡስ: የሆዋ ነቲ ጕዳይ ከም ዝፈልጦን ከም ዘፍቅረናን ርግጸኛታት ብምዃን ብተኣማንነት ምግልጋሉ ኽንቅጽልዶ ኣይግብኣናን፧​—⁠ቈሎሴ 3:⁠23-25

ገሊኣቶም ሰባት ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: እቲ መጀመርታ ዘዐንቀፎም ጕዳይ ኣገዳስነት ከም ዘይነበሮ ወይ እውን ሕጂ ኸም እተኣልየ ተገንዚቦም ኢዮም። ወይ ከኣ ህድእ ኢሎም ክሓስቡሉ ምስ ጀመሩ: ንሳቶም ተጋግዮም ከም ዝነበሩ ይድምድሙ ይዀኑ። መብዛሕትኡ እዋን ከምዚ ዘጋጥም ብፍላይ እቲ ሰብ ገለ ማዕዳ ወይ ተግሳጽ ምስ ተዋህቦ እንተ ዘይተሰማሚዕሉን ብሰንኩ ድማ እንተ ተዓንቂፉን ኢዩ። ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ኽርእዮ ኸሎ: እቲ ተግሳጽ ካብ ፍቕሪ ተበጊስካ ከም እተዋህቦን ንጽቡቑ ከም ዝነበረን የስተውዕል ይኸውን። (እብራውያን 12:⁠5-11) ስለዚ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ማዕዳ ኽንዓየሉስ ግቡእዶ ኸይኰነ፧ ከምዚ ኢሉ ድማ ጸሓፈ:- “ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዚብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን: እቲ ዚሕንክስ ኪሐዊ እምበር: ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲ: ነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ።”​—⁠እብራውያን 12:12, 13

ምስ ሓደ ትምህርቲ ዲኻ ዘይተሰማማዕካ፧

ካብ ማሕበር የሆዋ ዝወጻእካ ብዛዕባ ገሊኡ ቕዱስ ጽሑፋዊ ነጥቢ እተፈልየ ምርዳእ ስለ ዝነበረካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ምስ ወጹ ‘ተግባር [ኣምላኽ] ቀልጢፎም ዝረስዕዎ: ንምኽሩ ድማ ዘይተጸበይዎ:’ ንስኻውን እታ ማሕበር ነቲ ቕኑዕ ኢዩ ኢልካ ዝሓሰብካዮ ኣረኣእያ ስለ ዘይደገፈቶ ብታህዋኽ ርክብካ በቲኽካ ትኸውን። (መዝሙር 106:⁠13) ምናልባት ብድሕሬኻ ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ኣብቲ ነጥቢ እቲ ለውጢ ተገይሩ ወይ ተወሳኺ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምርምር ብምግባር ነጺሩ ይኸውን። ንየሆዋ እናተጸበኻ ምስታ ማሕበር ክትጸንሕዶ ኣይምሓሸን ነይሩ፧

የሆዋ ወትሩ ብሓንቲ ማሕበር ጥራይ ከም ዝዓዪ ምዝካር ሰናይ ኢዩ። ኣብዚ ግዜና እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” መንፈሳዊ መግቢ “በብጊዜኡ” ይህብ ኣሎ። ‘እቲ ጐይታ ኽመጽእ ከሎ ነቲ ባርያ ኸምዚ እናገበረ ኸም ዝረኽቦ’ ኸኣ ኣስተብህል። (ማቴዎስ 24:⁠45-47) ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: እቲ ጐይታ ኸም ዝመጸ ሎሚ ዘስተውዓሉ መን ኢዮም፧ ኣብቲ እተጠቕሰ ዕዮ ትሑዛት ዝዀኑኸ መን ኢዮም፧ እቶም ምስ ማሕበር የሆዋ ዝሓበሩ ጥራይ ኢዮም!

ካልኦት ንየሱስ ሓዲጎሞ ምስ ከዱ: ሃዋርያ ጴጥሮስ “ጐይታይ: ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ: ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧” በሎ። ጴጥሮስ: የሱስ መሲሕ ምዃኑ ፈጺሙ ኣይተጠራጠረን። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ንገሊኡ ቓላት የሱስ ዘሰምብድ ኰይኑ ምስ ረኸብዎ: ጴጥሮስ ግን ነቲ ምንጪ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል” ምግዳፍ ዘይጥበባዊ ምዃኑ ዘስተውዓለ። ድሕሪ ግዜ ዝዀነ ይኹን ምጥርጣር ወይ ግጉይ ምርዳእ ይንጽር ኢዩ። (ዮሃንስ 6:⁠51-68፣ ምስ ሉቃስ 24:⁠27, 32 ኣረኣእዮ።) ሕጂውን የሆዋ ንኣገልገልቱ ብቐጻሊ ብመገዲ ሓቂ ኣብ ዝመርሓሉ ዘሎ እዋን እዚ ይርአ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 4:⁠18

ሕጂ ተመለስ

ነብዪ ኤርምያስ “መገድና ንተዐዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ” ብምባል ተማሕጺኑ ኢዩ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:40) ገና ግን: ገሊኦም እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ብጽቡቕ ኣይቅበሉናን ኢዮም ብምባል የድሓርሕሩ ይዀኑ። እቲ ሓሻሽ ወዲ ናብ ቤቱ ምስ ተመልሰ ግን እንታይ ዓይነት ኣቀባብላ ኢዩ ዘጋጠሞ፧ እቲ ኣቦ ‘እዚ ሓውካ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ: ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ ኢዩ እሞ: ባህ ክብለና ይግባእ’ በለ። (ሉቃስ 15:⁠32) ነቶም ብሓቂ ፍቓዱ ኽገብሩ ኢሎም ‘ናብ እግዚኣብሄር ዝምለሱ’ እውን ተመሳሳሊ ምዉቕ ኣቀባብላ ኢዩ ዝጽበዮም።​—⁠ምስ ሉቃስ 15:⁠7 ኣረኣእዮ።

እንተዀነ ግን: ክርስትያናዊት ጉባኤ እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ናብ ‘ቤቶም ንኽምለሱ’ ኽሳዕ ዝውስኑ ኢዳ ኣጣሚራ ብምጽባይ ምስ ተመልሱ ‘መርሓባ’ እናበለት ትቕበሎም ጥራይ ኣይኰነትን ዘላ። ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ: እቲ ኣቦ: ወዱ “ገና ርሑቕ ከሎ” ንኽቕበሎ እናጐየየ ወጸ። ብተመሳሳሊ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ምሳታቶም ዝሓብሩ ዝነበሩ ናይ ምንዳይን ናብ ማሕበር የሆዋ ንኽምለሱ ናይ ምሕጋዝን ብሕታዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ይስምዖም ኢዩ።

እቲ ውልቀ⁠-​ሰብ ካብ ማሕበር የሆዋ ኽፍለ ኸሎ ከቢድ ኣበሳ ፈጺሙ እንተ ነይሩኸ፧ ወይ ከኣ ብሰንኪ ዝፈጸሞ ኸቢድ ጌጋ ኻብ ማሕበር የሆዋ ምስ ተወገደ: ነቲ ዘይክርስትያናዊ ጠባዩ እንተ ገደፎኸ፧ ምስ የሆዋ ጕዳዩ ምእንቲ ኸዐሪ: ሽማግለታት ብሕያውነትን ብፍቕራዊ መገድን ብኸመይ ክሕገዝ ከም ዘለዎ ይፈልጡ ኢዮም። ስለዚ ተመሊሱ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዑ ኽነብር ዝደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንሽማግለታት ከፍልጦም ኣለዎ። “ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት: ይብል እግዚኣብሄር: ሓጢኣትኩም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቔሔ: ከም በረድ ኪጽዕዱ . . . እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 1:18

ሰማያዊ ኣቦናስ ክሳዕ ክንደይ ሕያዋይን ፈቃርን ኰን ኢዩ! ክሳዕ ክንደይ ዓቃልን ብውልቀ⁠-​ሰብ ዝግደሰልናን ኰን ኢዩ! ብርግጽ ምስዚ እኩይ ኣገባብ ክንጠፍእ ኣይደልየናን ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠9) የሆዋ ባዕሉ ኢዩ ነቶም ጥንታዎት ህዝቡ “ናባይ ተመለሱ: ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ” ኢሉ እተማሕጸኖም። እቲ ጻውዒት እቲ ሕጂ እውን ይቐርብ ኣሎ።​—⁠ሚልክያስ 3:7

ግዜ ይኸደካ ኢዩ ዘሎ: ስለዚ ኣይትደናጐ። ምስ ህዝቢ የሆዋ ዄንካ እቶም ‘ሕጉ ዘፍቅሩ ዘበሉ ዝህልዎም ብዙሕ ሰላም’ ርኸብ። ንዓታቶም ‘ዘዐንቅፎም ከም ዘየለ’ እቲ ጸሓፍ መዝሙር ገሊጹ ኢዩ። (መዝሙር 119:⁠165) ንሕጊ የሆዋ ካብ ውሽጢ ልብኻ ተፍቅሮ ዲኻ፧ ህይወትካ ዝወፈኻ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እንተድኣ ዄንካ: ስለዚ ኢኻ ህይወትካ ዝወፈኻ። ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ናብ ዝነበሮ ኻብ ምምላስ ዝዓቢ ዋላ ሓንቲ ነገር ክህሉ ኣይክእልን ኢዩ። ዝባንካ ኣይትሃቦ። ነዚ ጕዳይ እዚ ተጠንቂቕካ ብጸሎት ሕሰበሉ። ሓድነትን ፍቕርን ህዝቢ የሆዋ ትናፍቕ እንተሊኻ: ናብ ማሕበር የሆዋ ንኽትምለስ ግዜ ኣይሓለፎን። እወ ከይደንጐኻ ተመለስ።