ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ኣብ ቢዛንትዩም

ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ኣብ ቢዛንትዩም

ቤተ⁠-​ክርስትያንን መንግስትን ኣብ ቢዛንትዩም

 እቲ መስራቲ ክርስትና ኣብ መንጎ ሰዓብቱን እታ ኻብ ኣምላኽ ዝረሓቐት ናይ ደቅሰብ ዓለምን ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ገሊጽዎ ኢዩ። የሱስ ንሰዓብቱ ኸምዚ በሎም:- “ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ: ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ: ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር: ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ።” (ዮሃንስ 15:19) ኣብቲ ግዜ እቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ንዝነበሮ ጲላጦስ ድማ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ።​—⁠ዮሃንስ 18:36

ክርስትያናት “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ንኽምስክሩ እተዋህቦም ሓላፍነት ምእንቲ ኽፍጽሙ: ብዓለማዊ ጕዳያት ከይዕንቀፉ ኽጥንቀቑ ነበሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ልክዕ ከም የሱስ ኣብ ፖለቲካ ኢዶም ኣየእተዉን። (ዮሃንስ 6:⁠15) እሙናት ክርስትያናት መንግስታዊ ወይ ምምሕዳራዊ ስልጣን ከም ዘይነበሮም ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። እዚ ግን ድሕሪ ግዜ ተቐየረ።

“ካብ ዓለም”

ካብ ሃዋርያት እቲ ናይ መወዳእታ ምስ ሞተ ድሕሪ እተወሰነ ግዜ: መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ እቲ ምስ ዓለም ክህልዎም ዝግባእ ርክብ ዝነበሮም ኣረኣእያ ብፍቓዶም ክቕይርዎ ጀመሩ። ብዛዕባ ሓንቲ ኣብ ዓለም ዘላ ጥራይ ዘይኰነትስ ካብ ዓለም ዝዀነት “መንግስቲ” ኽሓስቡ ጀመሩ። ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ቢዛንታይን​—⁠ርእሲ ኸተማኣ ቢዛንትዩም (ሕጂ ኢስታንቡል) እትበሃል ሃጸያዊ ግዝኣት ምብራቕ ሮሜ ተባሂላ እውን እትፍለጥ ዝነበረት ሃገር​—⁠ሃይማኖትን ፖለቲካን ብኸመይ ከም እተሓናፈጸ ምስ እንርኢ ትምህርቲ ንረክብ ኢና።

ሃይማኖት ዓብዪ ግደ ኣብ ዝሓዘሉ ሕብረተሰብ: እታ ቢዛንትዩም ማእከል ንጥፈታታ ዝገበረት ናይ ቢዛንታይን ቤተ⁠-​ክርስትያን ብዙሕ ስልጣን ረኸበት። ሓደ ግዜ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ጸሓፍ ታሪኽ ፓናዮቲስ ክሪስቶ “ቢዛንቲናውያን ነታ ምድራዊት ሃጸያዊት መንግስቶም ከም ምስሊ መንግስቲ ኣምላኽ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዋ ነይሮም” ኢሉ ተዛሪቡ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ሃጸያዊ ስልጣን ሓድሓደ ግዜ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኣይቅበሎን ኢዩ ነይሩ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ እቲ ኣብ መንጎ ቤተ⁠-​ክርስትያንን መንግስትን ዘሎ ርክብ ዝሕርፍፈሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ። ዘ ኦክስፎርድ ዲክሸነሪ ኦቭ ቢዛንትዩም ከምዚ ይብል:- “ኣቡናት ኮስታንቲኖፓል [ወይ ቢዛንትዩም] እተፈላለየ ባህርያት የርእዩ ነበሩ፣ ገለ ኻብዚ ኸኣ ካብ ፍርሂ እተላዕለ መሳርሒ ሓያላት ገዛእቲ ምዃን . . . ምስቲ ሃጸይ ምትሕብባር . . . ከምኡውን እቲ ሃጸይ ንዝደልዮ ነገራት ብድፍረት ምጽራር ኢዩ።”

እቲ ርእሲ ምብራቓዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝዀነ ፓትርያርክ ኮንስታንቲኖፓል ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ሰብ ኰነ። ነቲ ሃጸይ ዘውዲ ዝደፍኣሉ እቲ ፓትርያርክ ኢዩ ነይሩ: በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ጽኑዕ ደጋፊ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ክኸውን ትጽቢት ይገብረሉ ነበረ። እቲ ፓትርያርክ ንዝበዝሕ ጥሪት እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ስለ ዝቈጻጸር እውን ኣዝዩ ሃብታም ነበረ። ክሳዕ ክንድዚ ሓይሊ ኽህልዎ ዝኸኣለ ኸኣ ኣብቶም ማእለያ ዘይብሎም ፈለስቲ ስልጣን: ኣብቶም ምእመናን ድማ ጽልዋ ስለ ዝነበሮ ኢዩ።

እቲ ፓትርያርክ መብዛሕትኡ ግዜ ንስልጣን እቲ ሃጸይ ክብድሆ ይኽእል ነበረ። ቃሕ ዝበሎ ንምግባር ስም ኣምላኽ እናተጠቕመ ኽውግዝ ከም ዝኽእል ብምፍርራህ ወይ ነቶም ሃጸያት ካብ ስልጣኖም ዘውርደሉ ካልእ ሜላታት ኽጥቀም ይኽእል ነይሩ ኢዩ።

ካብ ርእሲ ኸተማ ወጻኢ ዝነበረ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ቀስ ብቐስ እናተዳኸመ ስለ ዝኸደ: ኣቡናት ኣብተን ከተማታት እቲኣተን ዝለዓለ ስልጣን ብምርካብ ማዕረ እቶም ንኽምረጹ ዝሕግዝዎም ኣመሓደርቲ ኣውራጃታት ይረኣዩ ነበሩ። እቶም ኣቡናት ንቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ዝትንክፍ​—⁠ሓድሓደ ግዜ ድማ ኣብ ዘይትንክፍ​—⁠ጕዳያት ቤት ፍርዲ ዀነ ዓለማዊ ንጥፈታት ኢዶም የእትዉ ነበሩ። ነዚ ኣበርክቶ ዝገበረ ኸኣ ነቶም ኣቡናት ዝግዝኡ ኣቕሽሽትን ፈለስትን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ብምንባሮም ኢዩ።

ፖለቲካን ብጉቦ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ሽመትን

ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ኸም ዘሎ: እቲ ቤት ጽሕፈት ኣቡን ምስ ፖለቲካ ኣጸቢቑ እተሓናፈጸ ነበረ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ሓያሎ ኣቕሽሽትን ንሳቶም ዝፍጽምዎ ሃይማኖታዊ ንጥፈታትን ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትት ነበረ። ዝበዝሑ ልዑል ስልጣን ዝነበሮም ኣቕሽሽቲ ጣዕሚ ዘለዎ ናብራ ይነብሩ ነበሩ። እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን እናሐየለትን እናሃብተመትን ምስ ከደት: ድኽነትን ቅድስናን ጠፍአ። ገሊኦም ኣቕሽሽትን ኣቡናትን ገንዘብ ብምኽፋል ሽመት ክረኽቡ ጀመሩ። ጉቦ እናሃብካ ሽመት ምርካብ ክሳዕ እቲ ዝለዓለ መዓርግ ልሙድ ነበረ። ብሃብታማት ሰባት ዝድገፉ ኻህናት ዝለዓለ መንበር ንምርካብ ኣብ ቅድሚ እቲ ሃጸይ ይወዳ​ደሩ ነበሩ።

ነቶም ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም ሃይማኖታውያን መራሕቲ ጽልዋ ንምግባር እውን ጉቦ ምሃብ ሓደ ሜላ ኢዩ ነይሩ። ንግስቲ ዞዪ (ከባቢ 978-1050 ከ.ኣ.ዘ.) በዓል ቤታ ሮሜነስ ሳልሳይ ከም ዝቕተል ምስ ገበረት ነቲ ዳሕራይ ሃጸይ ሚካኤል ራብዓይ እተባህለ ኣፍቃሪኣ ኽትምርዖ ስለ ዝደለየት: ንፓትርያርክ ኣለክሲስ ብህጹጽ ናብ ቤተ⁠-​መንግስቲ ጸውዓቶ። እቲ ፓትርያርክ ኣብኡ ምስ በጽሐ ሮሜነስ ከም ዝሞተን ስነ⁠-​ስርዓት መርዓ ኽፍጽመላ ኸም ዝደለየትን ፈለጠ። በታ ምሸት እቲኣ: እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ዓርቢ ስቕለት ተብዕል ስለ ዝነበረት እውን እቲ ዅነታት ንኣለክሲስ ምሹእ ኣይነበረን። እንተዀነ ግን: እታ ንግስቲ ንዘቕረበትሉ ብዙሕ ህያባት ተቐበለ እሞ ድሌታ ፈጸመላ።

መሳርሒ እቲ ሃጸይ

ኣብ ታሪኽ ሃጸያዊ ግዝኣት ቢዛንታይን ፓትርያርክ ኮንስታንቲኖፓል ኣብ ዝምረጸሉ ግዜ: ሓድሓደ ግዜ እቲ ሃጸይ ብሕጊ ዘይፍቀድ ክነሱ ስልጣኑ ተጠቒሙ ይሸይም ነበረ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት እቲ ሃጸይ ዘይደልዮ ሰብ ፓትርያርክ ክኸውን ኣይክእልን: እንተዀነ እውን ኣብ ስልጣን ነዊሕ ኣይጸንሕን ነበረ።

ሃጸይ ኣንድራኒከስ ካልኣይ (1260-1332) ትሽዓተ ሳዕ ፓትርያርክ ቀያይሩ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: ካብቶም ሕጹያት ኰይኖም ዝቐርቡ እቲ ብቐሊሉ ይዕጸፍ ኢዩ ዝበልዎ ሰብ ኣብቲ መንበረ⁠-​ፓትርያርክ ንምቕማጥ ኢዩ ጻዕሪ ዝግበር ነይሩ። ብመሰረት እታ ዘ ቢዛንታይንስ ዘርእስታ መጽሓፍ: ሕሉፍ ሓሊፉ ሓደ ፓትርያርክ ነቲ ሃጸይ “ዘይሕጋውነቱ ብዘየገድስ ዝደለዮ ዅሉ ኽገብረሉን ንዕኡ ዘጕሂ ነገር ካብ ምግባር ክዕቀብን ምዃኑ” ብጽሑፍ ቃል ኣትዩሉ ኢዩ። ክልተ እተፈላለዩ ሃጸያት ሓደ ኻብቶም ንጉሳውያን ቤተሰብ ፓትርያርክ ገይሮም ብምቕባእ እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ድሌቶም ንኽትፍጽመሎም ጸቕጢ ገይሮምላ ኢዮም። ሃጸይ ሮሜነስ ቀዳማይ ንቴዮፊላክት ወዱ ገና ወዲ 16 ዓመት ከሎ ኣብ መንበረ⁠-​ፓትርያርክ ኣደየቦ።

እቲ ሃጸይ በቲ ፓትርያርክ እንተ ዘይተሓጒሱ: ባዕሉ ስልጣኑ ንኽሓድግ ይግድዶ ወይ ከኣ እቲ ሲኖዶስ ንኽግልፎ ይእዝዝ ነበረ። እታ ቢዛንትዩም ዘርእስታ መጽሓፍ “ኣብ ታሪኽ ቢዛንታይን ላዕለዎት ሰበ⁠-​ስልጣንን ቀጥታዊ ጽልዋ እቲ ሃጸይን ኣብ ምርጫ ኣቡናት ዝነበሮ ዓብዪ ግደ እናወሰኸ ኢዩ ኸይዱ” በለት።

እቲ ሃጸይ ነቲ ፓትርያርክ ኣብ ጐኑ ገይሩ ዋዕላ ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ይመርሕ ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ክትዓት ይቕልስ: ዓንቀጻት ሃይማኖት የቕውም: ከምኡውን ምስ ኣቡናትን መናፍቓንን ይከራኸር ነበረ፣ ኣብቲ መጎተ ኣይርታዕን ኢየ ንዝበለ ኸኣ ናይ መወዳእታ መከራኸሪ ዛዕባ ነበሮ: እዚ ኸኣ ስቕለት ኢዩ። ብተወሳኺውን ኣብቲ ዋዕላ ተቐባልነት ዝረኸበ ቀኖና የጽድቕን የተኣታቱን ነበረ። ነቶም እተጻረርዎ ንግርማውነት ምድፋር ብዝብል ሕጊ ጥራይ ዘይኰነስ ጸላእቲ ቤተ⁠-​ክርስትያንን ኣምላኽን ኴንኩም ብምባል እውን ይኸሶም ነበረ። ሓደ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ፓትርያርክ “ኣብታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣንጻር ድሌትን ትእዛዝን እቲ ሃጸይ ዝኸይድ ዝዀነ ይኹን ነገር ክግበር የብሉን” በለ። እቶም ኣብ መንበረ⁠-​ፍርዲ ዝነበሩ ልዙባት: ተዓጸፍቲ: ከምኡውን በቲ ኽረኽብዎ ዝኽእሉ ሞገስን ጕርሒ ዝመልኦ ምውጋይን ብቐሊሉ ዝጽለዉ ኣቡናት ብሓፈሽኡ ኸምቶም ሓለፍቶም ምስቲ ሃጸይ ካብ ምስምማዕ ሓሊፎም ዝገብርዎ ኣይነበረን።

ንኣብነት: ፓትርያርክ ኢግንሸስ (ከባቢ 799-​878 ከ.ኣ.ዘ.) ነቲ ሓለቓ ሚኒስተራት ዝነበረ ባርዳስ ቍርባን ምሃብ ምስ ኣበዮ: እቲ ሚኒስተር ኣይደቀሰሉን። ንኢግ​ንሸስ ብዘይ​ወዓሎ ውዲትን ጥልመትን ከሰሶ። እቲ ፓት​ርያርክ ተታሕዘ: ተሓየረ ኸኣ። ከም መተካእትኡ ድማ እቲ ሚኒስተር ንሓደ ፎሺስ ዝበሃል ተራ ሰብ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልትታት ንዅሉ ናይ ቤተ⁠-​ክህነት መዓርጋት ብምድያብ ፓትርያርክ ከም ዝኸውን ገበሮ። ፎሺስ ነዚ መንፈሳዊ ሓላፍነት ዝኸውን ብቕዓት ነይርዎ ድዩ፧ “ሕሉፍ ህርፋን ስልጣንን ትዕቢትን ዘለዎ ከምኡውን መወዳድርቲ ዘይብሉ ፖለቲከኛ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ሃሜን መሳርሒ ፖለቲካ ክኸውን ከሎ

ኣብ መንጎ እቲ ዝጸንሐ ስርዓት ቤተ⁠-​ክርስትያንን ፍልይ ዝበለ ሓሳባትን ዝግበር ዝነበረ ኽርክር መብዛሕትኡ ግዜ ብድሕሪኡ ፖለቲካዊ ዛዕባ ነይርዎ ኢዩ። ንብዙሓት ሃጸያት ኣብቲ ኽትዕ ዘእትዎም ከኣ ፖለቲካዊ ረብሓታቶም ድኣ እምበር ሓድሽ ሰረተ⁠-​እምነት ከተኣታትዉ ኢሎም ኣይኰኑን። ብሓፈሻኡ ኽርአ ኸሎ: እቲ ሃጸይ ነቲ ንሱ ዘምጽኦ ሃሜን ከተኣታቱን ተኣዛዝነት ናይታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ክጠልብን ዘለዎ መሰል ይዕቅቦ ነይሩ ኢዩ።

ንኣብነት: ሃጸይ ሄረክላያስ (575-641 ከ.ኣ.ዘ.) ነቲ እተዳኸመ ግዝኣቱ ኸይመቓቕሎ ዘፍርሆ ዝነበረ ብዛዕባ ባህርይ ክርስቶስ እተፈጥረ ምፍልላይ ንምዕራይ ብርቱዕ ጻዕሪ ገበረ። ነቲ ፍልልይ ንምድቃስ ሞኖተሊቲዝም ዝበሃል ሓድሽ ሰረተ⁠-​እምነት ኣተኣታተወ። a ድሕሪኡ ደቡባዊ ሸነኽ ግዝኣቱ ምእንቲ ኸይዓሉ: ቂሮስ በዓል ፋሲስ ዝበሃል እቲ ሃጸይ ንዘተኣታተዎ ሰረተ⁠-​እምነት ዝድግፍ ሓድሽ ፓትርያርክ ኣሌክሳንድርያ መረጸ። እቲ ሃጸይ ንቂሮስ ፓትርያርክ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይቲ ዓዲ ገዛእቲ ስልጣን ዘለዎ ኣመሓዳሪ ግብጺ ገበሮ። ቂሮስ እተወሰነ መስጐጕቲ ብምውራድ መብዛሕትአን ኣብያተ⁠-​ክርስትያናት ግብጺ ኸም ዝርዕማ ገበረ።

ሕማቕ ፍረ

እዚ ምዕባለታትን ፍጻመታትን እዚ ነቲ “ካብ ዓለም ኣይኰኑን” ዝብል ጸሎት የሱስን መንፈሱን ከመይ ገይሩ ከንጸባርቖ ይኽእል፧​—⁠ዮሃንስ 17:⁠14-16

ብግዜ ግዝኣት ቢዛንታይን ዝነበሩ መራሕቲ ክርስትያናት ኢና በሃልትን ጸኒሖም ዝመጹ ኻልኦትን ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ጕዳያት እዛ ዓለም ብምእታዎም ዓስቢ ስሕተቶም ዓጺዶም ኢዮም። እዚ ሓጺር ታሪኽ እዚ እንታይ ኢዩ ዝሕብረካ፧ መራሕቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ቢዛንታይን ስምረት ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ረኺቦም ድዮም፧​—⁠ያእቆብ 4:⁠4

ናይ ሓቂ ክርስትና ኻብዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ህርፋን ስልጣን ዘለዎም መራሕቲ ሃይማኖትን ካብቶም ፖለቲከኛታት ውሽማታቶምን ምንም ረብሓ ኣይረኸበን። እዚ ዘይቅዱስ ምትሕንፋጽ ሃይማኖትን ፖለቲካን ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ጽሩይ ሃይማኖት ኣጸሊምዎ ኢዩ። ንሕናውን ካብ ታሪኽ ንማሃር: ወትሩ ድማ ‘ካብ ዓለም ኣይንዅን።’

[እግረ-ጽሑፍ]

a ሞኖተሊቲዝም ዝብሃል ሰረተ⁠-​እምነት: ክርስቶስ ከም ኣምላኽን ሰብን ክልተ ባህርያት እኳ እንተለዎ ሓደ ፍቓድ ግን ኢዩ ዘለዎ ዝብል ሓሳብ ዝሓዘ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“ከም ኣብ ሰማያት ዝስጕም ዘሎ ኣምላኽ”

ፓትርያርክ ሚካኤል ሰርየላርዩስ (ከባቢ 1000-1059) ዝፈጸሞ ተግባራት: ርእሲ እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ መንግስታዊ ጕዳያት ዝነበሮ ግደን ህርፋን ስል​ጣኑን ዘርኢ ኣብነት ኢዩ። ነቲ መንበረ⁠-​ፓትርያርክ ምስ ተረከበ ዝለዓለ ስልጣን ክህልዎ ሸቶ ገበረ። “ኣብቲ ንኻልኦት ዘርእዮ ዝነበረ ጠባያት ከም ኣብ ሰማያት ዝስጕም ዘሎ ኣምላኽ ይመስል” ስለ ዝነበረ ዕቡይን ነቓጽን ዘይዕጸፍን ተባሂሉ ኢዩ ተገሊጹ።

ሰርየላርዩስ መዓርግ ኽውስኽ ይደሊ ስለ ዝነበረ: ብ1054 ካብ ጳጳስ ሮሜ ናይ ምፍንጫል ሓሳብ ኣለዓዓለ: ነቲ ሃጸይ ከኣ ነዚ ምክፍፋል እዚ ንኽቕበሎ ኣገደዶ። በቲ ዝረኸቦ ዓወት ስለ እተሓጐሰ ንሚካኤል ሻድሻይ ኣብ ዝፋን ኣደየቦ: ስልጣኑ ንኸጽንዕ ከኣ ሓገዞ። ድሕሪ ዓመት ኣቢሉ ነዚ ሃጸይ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ኣገደዶ: ብይስሃቅ ኮሚነኑስ (ከባቢ 1005-1061) ከም ዝትካእ ኸኣ ገበሮ።

ኣብ መንጎ መንበረ⁠-​ፓትርያርክን ሃጸያዊ መንግስትን ዝተላዕለ ግጭት ምስ ተጋደደ እቲ ብደገፍ ህዝቢ ዝተኣማመን ዝነበረ ሰርየላርዩስ ዓመጽ ክጥቀም ምዃኑ ኣፈራርሀ: ዓመጽ ክግበር ጻውዒት ኣቕረበ: ተጠቕመሉ ኸኣ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ጸሓፍ ታሪኽ “ ‘ኣታ ዓሻ: ኣነ ኢየ ክብ ዘበልኩኻ፣ ሕጂ ግን ክደቝሰካ ኢየ’ ብምባል ንውድቀት እቲ ሃጸይ ብተራን ጽዩፍን ቃላት ተነበየ” ብምባል ገለጸ። ይስሃቅ ኮሚነኑስ ግን ነቲ ፓትርያርክ ከም ዝተሓዝ: ከም ዝእሰር: ኣብ ኢምብሮስ ከኣ ኸም ዝሕየር ገበረ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት: ፓት​ርያርክ ኮንስታንቲኖፓል ክሳዕ ክንደይ ጸገም ክፈጥርን ነቲ ሃጸይ ብድፍረት ክጻረሮን ከም ዝኽእል ኢዩ ዘርኢ። መብዛሕትኡ እዋን እቲ ኣብ ዙፋን እተቐመጠ ሃጸይ ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንዕኡን ነቲ ሰራዊትን ክብድሁ ዝኽእሉ ኽኢላታት ፖለቲከኛታት ኽረዳዳእ ነበሮ።

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሃጸያዊ ግዝኣት ቢዛንታይን

ዝሰፍሐ ቦታ ኣብ እተቘጻጸረሉ እዋን

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ባሕሪ ሜዲተራንያን

ጸሊም ባሕሪ

ኮንስታንቲኖፓል

ሮሜ

ኣሌክሳንድርያ

ራቨና

ኒቅያ

ኤፌሶን

ኣንጾክያ

የሩሳሌም

መቄዶንያ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Map: Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

[ኣብ ገጽ 10, 11 ዘሎ ስእሊ]

ኮሚነኑስ

ሚካኤል ራብዓይ

ሮሜነስ ሳልሳይ (ኣብ ጸጋም )

ንግስቲ ዞዪ

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Comnenus, Romanus III, and Michael IV: Courtesy Classical Numismatic Group, Inc.; Empress Zoe: Hagia Sophia; Romanus I: Photo courtesy Harlan J. Berk, Ltd.

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ሮሜነስ ቀዳማይ (ኣብ ጸጋም )

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ሄረክላያስን ወዱን

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Heraclius and son: Photo courtesy Harlan J. Berk, Ltd.; all design elements, pages 8-​12: From the book L’Art Byzantin III Ravenne Et Pompose

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ፎሺስ