ነቲ ‘ኣብ ስጋና ዘሎ ግራጭ’ ምጽማሙ
ነቲ ‘ኣብ ስጋና ዘሎ ግራጭ’ ምጽማሙ
“ጸጋይ ይአኽለካ።”—2 ቈረንቶስ 12:9
1, 2. (ሀ) ፈተናታትን ግድላትን ከጋጥመና ኸሎ ኽድንጽወና ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ፈተናታት ክወርደና ኸሎ ከም እንዋጽኣሉ እምንቶ ኽህልወና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧
“እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም።” (2 ጢሞቴዎስ 3:12) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰይጣን: ሰብ ንኣምላኽ ዘገልግሎ ዘሎ ብጥቕሚ ርእሱ ተደሪኹ ኢዩ ዝብል ብድሆ ስለ ዘቕረበ እሞ ‘ኣይበልኩንዶ’ ዘብሎ መርትዖ ንኽረክብ ተሃንዲዱ ስለ ዘሎ ኢዩ። ሓደ እዋን የሱስ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ “ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ” ብምባል ኣጠንቂቕዎም ነበረ። (ሉቃስ 22:31) ሰይጣን መሪር ፈተናታት ብምውራድ ንኽፍትነና ኣምላኽ ከም ዘፍቀደሉ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እዚ ኽበሃል ከሎ ግን ኣብ ናብራ ህይወትና ዘጋጥመና ዝዀነ ይኹን ግድላት ብቐጥታ ካብ ሰይጣን ወይ ካብ ኣጋንንቱ ኢዩ ዝመጽእ ማለት ኣይኰነን። (መክብብ 9:11) ይኹን እምበር: ሰይጣን ብእተኻእሎ መጠን ዝዀነ ይኹን መገድታት ተጠቒሙ ንጽህናና ንምብልሻው ተዓጢቑ ኢዩ ዘሎ።
2 መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ዝመጸና ፈተናታት ክድንጽወና ከም ዘይብሉ ይነግረና ኢዩ። ዝወረደ እንተ ወረደና: ሓድሽ ነገር ወይ ዘይንጽበዮ ኣይኰነን። (1 ጴጥሮስ 4:12) እኳ ድኣስ: “እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት[ና] ይበጽሖም” ኢዩ ዘሎ። (1 ጴጥሮስ 5:9) ሎሚ ሰይጣን ኣብ ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከቢድ ሽግራት ኢዩ ዘውርድ ዘሎ። ድያብሎስ ብእተኻእሎ መጠን እተፈላለየ ከም ግራጭ ዝበለ ግድላት እናምጽአ ብእኡ ኽንሳቐ ኽርእየና ኸሎ ባህ ኢዩ ዝብሎ። ድያብሎስ ነዚ ንምፍጻም: ኣብ ርእሲ እቲ ‘ኣብ ስጋና ዘሎ ግራጭ’ መሊሱ ካልእ ግራጭ ንምውሳኽ ወይ ነቲ ስቓይ ንምግዳድ ኢሉ ነዚ እኩይ ኣገባቡ ይጥቀም ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 12:7) ይኹን እምበር: መጥቃዕትታት ሰይጣን ንጽህናና ኸበላሽወልና የብሉን። የሆዋ ልክዕ ከምቲ ፈተናታት ንኽንጻወር ‘መውጽኢ ዝገብረልና’ ኣብ ስጋና ከም ዘሎ ግራጭ ዀይኑ ንዝበጽሓና ግድላት እውን ከምኡ መውጽኢ ይገብረልና ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 10:13
ንዘጋጥመና ግራጭ ክንጽመመሉ እንኽእል መገዲ
3. ጳውሎስ ነቲ ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ ከልግሰሉ ንየሆዋ ምስ ለመኖ ብኸመይ መለሰሉ፧
3 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ግራጭ ካብ ስጋኡ ንኸልግሰሉ ንኣምላኽ ለሚንዎ ኢዩ። “እዚ ኻባይ ኪርሕቕ: ብዛዕባኡ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንኩዎ።” የሆዋ ንልመና ጳውሎስ ብኸመይ መለሰሉ፧ “ሓይለይ ብድኻም እዩ ዚፍጸም እሞ: ጸጋይ ይአኽለካ: በለኒ።” (2 ቈረንቶስ 12:8, 9) ነዚ መልሲ እዚ ንመርምሮ እሞ ዝዀነ ይኹን ከም ግራጭ ዝበለ ግድላት ከሳቕየና ኸሎ ንኽንጻወሮ ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ንርኣዮ።
4. ጳውሎስ ካብ ጸጋ የሆዋ እተጠቕመ በየናይ መገድታት ኢዩ፧
4 ኣምላኽ ንጳውሎስ ነቲ ድሮ ብክርስቶስ ኣቢሉ እተዘርግሓሉ ጸጋ ኸማስወሉ የተባብዖ ከም ዝነበረ ነስተብህል። እወ: ጳውሎስ ብብዙሕ መገድታት ኣጸቢቑ ተባሪኹ ነይሩ ኢዩ። ቅድም ንሰዓብቲ የሱስ ኣበርቲዑ ዝጻረር ሰብ እኳ እንተነበረ: የሆዋ ብፍቕሪ ተላዒሉ ወደ መዝሙር ናይ ምዃን መሰል ሂብዎ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 7:58፣ 8:3፣ 9:1-4) ድሕርዚ እውን የሆዋ ኣምላኽ ብሕያውነት እተፈላለየ ዘሐጕስ ዕዮ ኣገልግሎትን መሰላትን ሂብዎ ኢዩ። እቲ ኻብዚ እንመሃሮ ትምህርቲ ንጹር ኢዩ። ኣብቲ ዝኸፍአ ግዜያት እውን ከይተረፈ ከነመስግነሉ እንኽእል እተፈላለየ በረኸታት ኣሎና። ዝወርደና ፈተናታት ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ሰናይ ነገራት ከረስዓና ኽንፈቕደሉ የብልናን።—መዝሙር 31:19
5, 6. (ሀ) የሆዋ ሓይሉ ‘ብድኻም ከም ዝፍጸም’ ንጳውሎስ ዝመሃሮ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ጳውሎስ ዝገደፎ ኣብነት ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ዘረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧
5 ጸጋ የሆዋ ብኻልእ መገድታት እውን እኹል ምዃኑ ይርአ ኢዩ። ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ፈተናታትና ንኽሕግዘና ዘለዎ ኽእለት ወሰን የብሉን። (መክብብ 3:20) የሆዋ ሓይሉ ‘ብድኻም ከም ዝፍጸም’ ንጳውሎስ መሃሮ። ብኸመይ፧ ነቲ ዝመጾ ፈተናታት ምእንቲ ኽዋጽኣሉ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዘድልዮ ሓይሊ ሂብዎ ኢዩ። እቲ ጳውሎስ ዘርኣዮ ምጽማምን ኣብ የሆዋ ዝገበሮ ምሉእ ትውክልትን እውን ሓይሊ ኣምላኽ ኣብ ኵነታት ናይዚ ድኹምን ሓጢኣተኛን ሰብ ከም እተዓወተ ንዅሎም ክርስትያናት ዘርኢ ኢዩ ነይሩ። ነቲ ሰባት ንኣምላኽ ዘገልግልዎ ካብ ዝዀነ ይኹን ሽግራት ናጻ ዀይኖም ሃዲኦም ምስ ዝነብሩ ኢዮም ዝበለ ድያብሎስ እውን ብኸመይ ከም ዝትንክፎ ንርአ። ጳውሎስ ንጽህንኡ ምሕላዉ ነዚ መካፍኢ እዚ ኣብ ገጹ ከም ዝጸፍዖ ኢዩ ዝቝጸር!
6 ቅድም ጳውሎስ ተሓጋጋዚ ናይቲ ምስ ኣምላኽ ዝዋጋእ ሰይጣን: ንክርስትያናት ዘሳጕጕ ሕሱም ተጻራሪ: ቀናእ ፈሪሳዊ ኢዩ ነይሩ። ካብ ሃብታም ስድራቤት እተወልደ ብምንባሩ ኸኣ ምቾት ዝመልኦ ናብራ ይነብር ከም ዝነበረ ርግጽ ኢዩ። ደሓር ግን ነዚ ዅሉ ገዲፉ “ምንኣስ ኵላቶም ሃዋርያት” ብምዃን ንየሆዋን ንክርስቶስን ኢዩ ዘገልግል ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 15:9) ንስልጣን ናይቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ክርስትያን ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ብትሕትና ይግዛእ ነበረ። ኣብ ስጋኡ ግራጭ እኳ እንተ ነበሮ ብተኣማንነት ይጽመሞ ነበረ። እቲ ኣብ ናብራ ህይወቱ ዘጋጥሞ ዝነበረ ፈተናታት ነቲ ጳውሎስ ዝነበሮ ቕንኢ ስለ ዘየቕሃሞ ሰይጣን ኣዝዩ ተቖጢዑ ክኸውን ኣለዎ። ጳውሎስ: ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ክርስቶስ ሓቢሩ ንኽገዝእ ዝነበሮ ተስፋ ፈጺሙ ኣየህሰሶን። (2 ጢሞቴዎስ 2:12፣ 4:18) ዝዀነ ይኹን ግራጭ እቲ ዘምጽኦ ስቓይ ክሳዕ ክንደይ ብርቱዕ ይንበር ብዘየገድስ ቅንኡ ከቕህመሉ ኣይከኣለን። ቅንእና እውን ብተመሳሳሊ እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ንግበሮ! የሆዋ ንፈተናታትና ኽንዋጽኣሉ ብምሕጋዝ ንሰይጣን ሓሳዊ ኣብ ምግባር እጃምና ንኸነበርክት መሰል ብምሃብ ኣኽቢሩና ኢዩ።—ምሳሌ 27:11
ምድላዋት የሆዋ ንህይወትና ኣድላዪ ኢዩ
7, 8. (ሀ) የሆዋ ሎሚ ንኣገልገልቱ በየናይ መገድታት ኢዩ ሓይሊ ዝህቦም ዘሎ፧ (ለ) ነቲ ኣብ ስጋና ዘሎ ግራጭ ንኽንጻወሮ መዓልታዊ ናይ ብሕቲ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን መጽናዕትን ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
7 ሎሚ የሆዋ ንእሙናት ክርስትያናት ብመንፈስ ቅዱሱ: ቃሉ: ብክርስትያናዊ ሕውነትና ኣቢሉ ኣሐይልዎም ኢዩ። ንሕናውን ልክዕ ከም ጳውሎስ ጾርና ናብ የሆዋ ኽንድርብዮ ንኽእል ኢና። (መዝሙር 55:22) ሽሕ’ኳ ኣምላኽ ነቲ ዘጋጥመና ፈተናታት እንተ ዘየልገሶ: ነቲ ንኽንጽመሞ ኣዝዩ ኸቢድ ዝዀነ ፈተናታት እውን ከይተረፈ ንኽንጻወሮ ጥበቡ ኽህበና ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ንኽንጽመም ምእንቲ ኽሕግዘና “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኽህበና ይኽእል ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7
8 ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓገዝ ብኸመይ ኢና እንቕበሎ፧ ቃል ኣምላኽ ዘጸናንዕ ቃላት ሒዙ ስለ ዘሎ ተጊህና ከነጽንዖ ይግብኣና። (መዝሙር 94:19) ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓገዙ ደልዮም ክልምኑ ኸለዉ እተጠቕምሉ ልቢ ዝትንክፍ ቃላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኣሎ። እቲ ዝበዝሕ ግዜ ዘጸናንዕ ቃላት ዝርከቦ ምላሽ የሆዋ ኸኣ ኸነስተንትነሉ ንኽእል ኢና። መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ምእንቲ ኸይከውን” የዕጥቐና ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ብስጋዊ መገዲ ንኽንዕንገልን ሓይሊ ንኽንረክብን መዓልቲ መዓልቲ መግቢ ኽንምገብ ዘድልየና: ብመንፈሳዊ መገዲ እውን ስርዓታውያን ኴንና ቃል ኣምላኽ ክንምገብ ይግብኣና። ከምኡ ንገብርዶ ኣሎና፧ ከምዚ ንገብር እንተድኣ ኣሊና ሕጂ ዝዀነ ይኹን ምሳልያዊ ግራጭ የሸግረና ብዘየገድስ እቲ እንረኽቦ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ንኽንጽመም ሓጋዚ ዀይኑ ክንረኽቦ ኢና።
9. ሽማግለታት ነቶም ሽግራት ጸይሮም ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም ክሕግዝዎም ዝኽእሉ፧
9 ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ክርስትያን ሽማግለታት ዘጨንቕ ነገራትን ሽግራትን ክመጽእ ከሎ ዕቝባ ብምዃን “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ” ምዃኖም ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። እቶም ነዚ መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ክበቕዕዎ ዝደልዩ ሽማግለታት ነቶም ዝሳቐዩ ኣሕዋቶም ግቡእ ቃላት ተጠቒሞም ብኸመይ ከም ዝምልሱሎም ምእንቲ ኽፈልጡ ንየሆዋ “ናይ ምሁራት ልሳን” ክህቦም ብትሕትናን ብቕንዕናን ይሓትዎ ኢዮም። እቲ ሽማግለታት ዘውስእዎ ቃላት ኣብ ናብራ ህይወትና ኣጸጋሚ ዅነታት ከጋጥመና ኸሎ ልክዕ ከም ህዱእ ዝናም ዀይኑ ኸዝሕለናን ከጸናንዓናን ይኽእል ኢዩ። ሽማግለታት “ነተን እተጨነቓ ነፍሳት ብዘጸናንዕ ቃላት” ብምዝራብ ነቶም ብምኽንያት እቲ ኣብ ስጋኦም ዘሎ ገለ ግራጭ ዝደኸሙን እተደቝሱን መንፈሳውያን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ብሓቂ ይድግፍዎም ኢዮም።—ኢሳይያስ 32:2፣ 50:4፣ 1 ተሰሎንቄ 5:14 NW
10, 11. ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቶም ከቢድ ጸገማት ዘሕልፉ ብጾቶም ብኸመይ ኢዮም ከተባብዕዎም ዝኽእሉ፧
10 ዅሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ክፍሊ ናይታ ሓድነት ዘለዋ ክርስትያናዊት ስድራቤት ኢዮም። እወ: “በብሓደ . . . ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና:” ስለዚ “ንሓድሕድና ክንፋቐር ይግብኣና እዩ።” (ሮሜ 12:5፣ 1 ዮሃንስ 4:11) ነዚ ግቡእና ዝዀነ ነገር ብኸመይ ኢና እንፍጽሞ፧ ብመሰረት 1 ጴጥሮስ 3:8 ንዅሎም ኣመንቲ ብጾትና ‘ተደናጋጽቲ: ሕውነት እነፍቅር: ለዋሃት: ትሑታት’ ብምዃን ኢዩ። ነቶም ኣብ ስጋኦም ዘሳቒ ግራጭ ጸይሮም ዘለዉ ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ: ዅላትና ፍሉይ ቈላሕታ ኽንገብረሎም ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧
11 እቲ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቓይ ንዓናውን ንኽስምዓና ክንጽዕር ይግባእ። ረጒድ ዝቘርበትና: ዘይንድንግጽ: ዘይንግደስ እንተድኣ ዄንና ኸይተፈለጠና ንስቓዮም ከነጋድዶ ንኽእል ኢና። ነቲ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ፈተናታት ምግንዛብና ግን ኣብ ኣዘራርባናን ተግባርናን ጥንቁቓት ንኽንከውን ክድርኸና ኢዩ። ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዘሎናን መተባባዕትን ምስ እንኸውን ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግራጭ ይሃልዎም ብዘየገድስ ነቲ ዘስዕበሎም መሪር ስቓይ ብመጠኑ ኸነህድኣሎም ንኽእል ኢና። በዚ ኸምዚ መጸናንዕቶም ክንከውን ኢና።—ቈሎሴ 4:11
ገሊኣቶም ክጻወሩ ዝኸኣልሉ መገዲ
12-14. (ሀ) ሓንቲ ክርስትያን: መንሽሮ ምስ ሓመመት ብኸመይ ኢያ ክትጻወሮ ዝኸኣለት፧ (ለ) ነዛ ሓብቲ መንፈሳውያን ኣሕዋታን ኣሓታን ብኸመይ ኢዮም ዝሓገዝዋን ዘተባብዕዋን፧
12 ናብ መደምደምታ ናይዘን ዳሕሮት መዓልትታት እናቐረብና ብዝኸድና መጠን “ቕልውላው” መዓልታዊ ኢዩ ዝውስኽ ዘሎ። (ማቴዎስ 24:8) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወድሰብ ብፍላይ ድማ ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ኽገብሩ ዝደልዩ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ፈተናታት ይወርዶም ኢዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይና እትዓዪ ዝነበረት ክርስትያን ንርአ። መንሽሮ ከም ዘለዋ ምስ ተፈልጠ እቲ ምራቕን ፈሳስን ዘመንጩ ጽክታታ ግድን ብመጥባሕቲ ኽውገድ ኣድለየ። እዚ ሕማም እዚ ከም ዘለዋ ምስ ፈለጡ ንሳን ሰብኣያን ብኡንብኡ ናብ የሆዋ ቀሪቦም ነዊሕ ናይ ልመና ጸሎት ኣቕረቡ። ሽዑ ንኽትኣምኖ ዘጸግም ሰላም ከም ዝዓሰሎም ዳሕራይ ገለጸት። ገና ግን: ብፍላይ ምስቲ እተገብረላ ሕክምና ተተሓሒዙ ዝስዕብ ጠንቅታት ከጋጥማ ኸሎ ሓድሓደ ግዜ ይገዳ ሓድሓደ ግዜ ይሕሻ ስለ ዝነበረ ነዚ እውን ተጻዊራቶ ኢያ።
13 እዛ ሓብቲ እዚኣ ነቲ ዘጋጠማ ዅነታት ምእንቲ ኽትጻወሮ: ብዛዕባ መንሽሮ ብእተኻእላ መጠን ብዙሕ ክትፈልጥ ጻዕሪ ገበረት። ምስ ሓኻይማ ተመያየጠት። ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ: ንቕሑ! ከምኡውን ኣብ ካልእ ምስኡ እተተሓሐዘ ክርስትያናዊ ጸሑፋት ዝወጸ እዚ ሕማም እዚ ዘጋጠሞም ኣሕዋትን ኣሓትን ብስምዒታዊ መገዲ ብኸመይ ከም እተጸመምዎ ዝሕብር ናይ ብሕቲ ተመክሮታት ረኸበት። የሆዋ ኣብ እዋን ሽግር ንህዝቡ ከታትዮም ከም ዝኽእል ዝሕብር ምስኡ እተተሓሓዘ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባትን ካልእ ሓጋዚ ሓሳባትን እውን ኣንበበት።
14 ተስፋ ምቝራጽ ምስ ዘጋጥመካ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ እትሕብር ሓንቲ ዓንቀጽ “እቲ ንርእሱ ዚፍለ ትምኒቱ ይደሊ” ዝብል ጥበባዊ ቃላት ሒዛ ትርከብ። (ምሳሌ 18:1) እታ ዓንቀጽ “ርእስና ኸነግልል የብልናን” ዝብል ምኽሪ ሃበት። a እታ ሓብቲ ከምዚ ኢላ ተዘንቱ:- “ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ክንዳይ ይጽልዩ ከም ዝነበሩ ነገሩኒ። ገሊኣቶም ከኣ ደወሉለይ። ክልተ ሽማግለታት ከአ ዅነታተይ ንምፍላጥ ኣዘውቲሮም ይድውሉለይ ነበሩ። ዕንባባታትን ብዙሕ ካርተሊናታትን ተቐቢለ ኢየ። ገሊኣቶም ከኣ መግቢ ኣዳለዉለይ። ብዙሓት እውን ብፍታው ናብ ሕክምና ኣብጺሖምኒ ኢዮም።”
15-17. (ሀ) ሓንቲ ክርስትያን ነቲ ብሰንኪ ሓደጋ መኪና ዘጋጠማ ሽግራት ብኸመይ ኢያ ተዋጺኣትሉ፧ (ለ) እቶም ኣብ ጉባኤኣ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን እንታይ ሓገዝ ኢዮም ገይሮምላ፧
15 ሓንቲ ኣብ ኒው መክሲኮ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: እትነብር ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐት ሓብቲ ክልተ ግዜ ሓደጋ መኪና ኣጋጠማ። ክሳዳን መንኰባን ተሃሰየት: እዚ ድማ ነቲ ን25 ዓመታት ተጻዊራቶ ዝነበረት ሕማም ኣርትራይትስ ኣጋደደላ። ከምዚ ኢላ ድማ ተዘንቱ:- “ክሳደይ ከቕንዕን ልዕሊ ኽልተ ኺሎ ዝምዘን ኣቕሓ ክስከምን ብዙሕ የሸግረኒ ነበረ። ይኹን እምበር ናብ የሆዋ ዘቕረብክዎ ዓሚቝ ጸሎትን እቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዘጽንዖ ዓንቀጻትን ኣጸቢቑ ሓጊዙኒ ኢዩ። ሓንቲ ኻብተን ዓንቀጻት ሚክያስ 6:8 ብምጥቃስ ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ምምልላስ ክበሃል ከሎ ዓቕምኻ ምፍላጥ ዝብል ትርጕም ከም ዘለዎ ትሕብር። እዚ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕልፎ ግዜ ካብቲ ዝምነዮ ንታሕቲ እኳ እንተዀነ ንዅነታተይ ኣብ ግምት ብምእታው ተስፋ ክቘርጽ ከም ዘይብለይ ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ ኢዩ። እቲ ዝድለ ንየሆዋ ብሰናይ ድራኸ ተላዒልካ ምግልጋሉ ኢዩ።”
16 ከምዚ ዝብል ጸብጻብ እውን ሃበት:- “እቶም ሽማግለታት ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምክፋልን ኣገልግሎት ንምኻድን ጻዕሪ ብምግባረይ ወትሩ ይንእዱኒ ነበሩ። መንእሰያት እውን ሓቚፎም ይስዕሙኒ። ፓይነራት ኣገልግልቲ ንመደባቶም ምስ ኵነታተይ እናኣተዓራረዩ ብብዙሕ ትዕግስቲ ሓጊዞምኒ ኢዮም። ሕማቕ ኵነታት ኣየር ኣብ ዝህልወሉ እዋን ድማ ናብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ይወስዱኒ ወይ ናብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታቶም ይዕድሙኒ። ቦርሳ ክስከም ስለ ዘይክእል: ኣገልግሎት ክኸይድ ከሎኹ ካልኦት ኣስፋሕቲ ንጽሑፋተይ ኣብ ቦርሳኦም ገይሮም ይማልኡለይ ነበሩ።”
17 ነዘን ክልተ ኣሓት እዚኣተን: ናይ ጉባኤ ሽማግለታትን ኣመንቲ ብጾተንን ነቲ ዘጋጠመን ግራጭ መሰል ሕማምን ስንክልናን ንኽጽመማኦ ብኸመይ ከም ዝሓገዝወን ኣስተብህል። ነቲ ዘድልየን ዝነበረ መንፈሳውን ኣካላውን ስምዒታውን ሓገዝ ብግብራውን ሕያውነታውን መገዲ ሂቦምወን ኢዮም። እዝስ ነቶም ጸገማት ዘጓንፎም ዘሎ ካልኦት ኣሕዋትን ኣሓትን ደገፍካ ንኽትገብረሎም ኣየተባብዓካንዶ፧ ንስኻትኩም መንእሰያት እውን ነቶም ኣብ ስጋኦም ንዘሎ ግራጭ እናተጻወሩ ዝነብሩ ኣብ ጉባኤኹም ዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ደገፍቲ ዄንኩም ክትርከቡ ትኽእሉ ኢኹም።—ምሳሌ 20:29
18. ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዀነ ንቕሑ! ኣብ ዝወጽእ ታሪኽ ህይወት ከመይ ዝበለ መተባብዒ ኢና ክንረክብ እንኽእል፧
18 ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ሓያሎ ታሪኽ ህይወትን ተመክሮታትን ናይቶም ኣብ ናብራ ህይወት ንዘጋጥሞም ፈተናታት እተዋጽእሉን ዝዋጽእሉ ዘለዉን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይወጽእ ኢዩ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዓንቀጻት ስርዓታዊ ዄንካ እንተድኣ ኣንቢብካዮ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ቍጠባዊ ጸገማት: ብሰንኪ ባህርያዊ ሓደጋታት ዝመጽእ ሞት ናይ ዘፍቅርዎም ኣባላት ስድራቤት: ከምኡውን ሓደገኛ ዅነታት ውግእ የሕልፉ ከም ዘለዉ ኽትግንዘብ ኢኻ። ገሊኣቶም ከኣ ዘልምስ ሕማም ሒዞም ይነብሩ ኣለዉ። ሓያሎ ኸኣ ንገለ ኻብቲ እቶም ምሉእ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ኣቕሊሎም ዝርእይዎ ንኣሽቱ ነገራት እኳ ኽፍጽሙ ዓቕሚ የብሎምን። ብፍላይ ኣብቲ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ከምቲ ዝደለይዎ ገይሮም ክካፈሉ ምስ ዘይክእሉ ሕማሞም ከቢድ ፈተና ኢዩ ዝዀኖም። እዚኣቶምሲ ነቲ እቶም ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ዝገብሩሎም ሓገዝ ኣየ ኽንደይ ኣዕሚቖም ኰን ኢዮም ዘመስግንሉ!
ምጽማም ሓጐስ የምጽእ
19. ጳውሎስ ከም ግራጭ ዝበለ ፈተናታትን ድኻምን እኳ እንተ ነበሮ ኽሕጐስ ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧
19 ጳውሎስ: ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዘበርትዖ ምስ ተገንዘበ ተሓጒሱ ኢዩ። “ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር: ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። እምብኣርከ ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ: ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም: ብጸርፊ: ብሓሳር: ብምስጓጒ: ብጸበባ እሕጐስ እየ።” (2 ቈረንቶስ 12:9, 10) ጳውሎስ ባዕሉ ካብ ዘሕለፎ ተመክሮታት ተበጊሱ: ብምትእምማን ከምዚ ኽብል ክኢሉ ኢዩ:- “ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይአኽለኒ ምባል ተምሂረ እየ እሞ: ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ። ትሕት ምባል እፈልጥ: ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን: ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ። በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።”—ፊልጲ 4:11-13
20, 21. (ሀ) ብዛዕባ እቲ “ዘይርኤ” ነገራት ብምስትንታን ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ኣብ ምድራዊት ገነት ክትረኽቦ ብተስፋ እትጽበዮ “ዘይርኤ” ነገራት እንታይ ኢዩ፧
20 ስለዚ እምበኣር: ኣብ ስጋና ንዘሎ ዝዀነ ይኹን ምሳልያዊ ግራጭ ብምጽማም ሓይሊ የሆዋ ብድኻምና ይፍጸም ምህላዉ ንዅሉ ሰብ ብምርኣይ ዓቢ ሓጐስ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ሽዓ ዚሐልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዜብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ: . . . እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ አሎ: ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። . . . እቲ ዘይርኤ . . . ንዘለኣለም እዩ እሞ: ንሕና ነቲ ዘይርኤ . . . [ኢና እንጥምት።]”—2 ቈረንቶስ 4:16-18
21 ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ምድራዊት ገነት ክነብሩን ነቲ እተመባጽዖ በረኸታት ከኣ ከስተማቕሩን ብተስፋ ኢዮም ዝጽበዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸታት ሎሚ ንዓና “ዘይርኤ” ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ነዚ በረኸታት እዚ በዒንትና እንርእየሉ: እወ: ንዘለኣለም እነስተማቕረሉ ግዜ እናቐረበ ይመጽእ ኣሎ። ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ በረኸታት ከኣ ድሕሪ ደጊም ከም ግራጭ ዝበለ ግድላት ዘይብልካ ዄንካ ብምንባር ዝርከብ ዕረፍቲ ኢዩ! ወዲ ኣምላኽ ‘ግብሪ ድያብሎስ ከፍርስ’ ነቲ ‘ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ኸኣ ኽስዕር’ ኢዩ።—1 ዮሃንስ 3:8፣ እብራውያን 2:14
22. እንታይ ዓይነት እምንቶን ቈራጽነትን ኢዩ ክህልወና ዘለዎ፧
22 ስለዚ: ዝዀነ ይኹን ኣብ ስጋና ዘሎ ግራጭ የሳቕየና ብዘየገድስ ክንጻወሮ ንጽዓር። ልክዕ ከም ጳውሎስ ድማ ብሓገዝ ናይቲ ኣብዚሑ ሓይሊ ዝህበና የሆዋ ነዚ ምግባር ክንክእል ኢና። ኣብ ምድራዊት ገነት ክንነብር ከሎና ንየሆዋ ስለ እቲ ዅሉ ኣብ መመዓልቲ ዝገብረልና ዘደንቕ ተግባራቱ ኽንውድሶ ኢና።—መዝሙር 103:2
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብ ናይ ጥሪ-መጋቢት 2001 ሕታም ንቕሑ! “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ:- ንተስፋ ምቝራጽ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
• ድያብሎስ ነቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንጽህናኦም ንምብልሻው ስለምንታይን ብኸመይን ኢዩ ዝጽዕር፧
• ሓይሊ የሆዋ ‘ብድኻም ዝብርትዕ’ ብኸመይ ኢዩ፧
• ሽማግለታትን ካልኦትን ነቶም ብእተፈላለየ ጸገማት ዝሳቐዩ ብኸመይ ኢዮም ከተባብዕዎም ዝኽእሉ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]
ጳውሎስ ኣብ ስጋኡ ንዘሎ ግራጭ ምእንቲ ኸልግሰሉ ሰለስተ ሳዕ ንኣምላኽ ለሚንዎ ኢዩ