ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምልእቲ ዓለም ጠፍአት!

ምልእቲ ዓለም ጠፍአት!

ምልእቲ ዓለም ጠፍአት!

ነዛ ኸተማታት: ባህሊ: ዝለዓለ ደረጃ ስነ⁠-​ፍልጠት: ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ህዝቢ ሒዛ ዘላ ዓለም እሞ ርኣያ። በዚ ነባሪ ዝመስል ኵነታታ ብቐሊሉ ክንምሰጥ ንኽእል ኢና። ኣይኰነንዶ ኢዩ፧ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ መዓልቲ ምሉእ ብምሉእ ክትጠፍእ ትኽእል ኢያ ኢልካ ምሓሰብካዶ፧ ከምኡ ኢልካ ክትሓስብ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ብመሰረት ካብ ሓደ ርጡብ መወከሲ እተረኽበ ሓበሬታ: ቅድሚ ሕጂ ሓንቲ ኻልእ ዓለም ከም ዝነበረትን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝጠፍአትን ትፈልጥዶ፧

 ብዛዕባ ሓንቲ ዘይስልጡን ህዝቢ ዝነበራ ዓለም ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። እታ ዝጠፍአት ዓለም: ከተማታት: ናይ ኢደ⁠-​ጥበብ ፍርያት: ሳይንሳዊ ፍልጠት ዝነበራ ስልጥንቲ ዓለም ኢያ ነይራ። ይኹን እምበር: ካብ ምላድ እቲ ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ ኣብርሃም 352 ዓመታት ኣቐዲሙ ኣብ መበል 17 መዓልቲ ናይታ ካልኣይቲ ወርሒ ሃንደበት ማይ ኣይሂ መጺኡ ንምልእቲ ዓለም ከም ዘጥፍኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ይነግረና። a

እዚ ጸብጻብ እዚ ቕኑዕ ድዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ብርግጽዶ ተፈጺሙ ኢዩ፧ ቅድሚ እዛ ናይ ሎሚ ዓለምሲ ሓንቲ ብልጽግትን ጸኒሓ ኸኣ ዝጠፍአትን ዓለም ብሓቂዶ ነይራ ኢያ፧ እዚ ሓቂ እንተድኣ ዀይኑ ስለምንታይ ድኣ ኢያ ጠፊኣ፧ እንታይ ተረኽበ፧ ካብቲ ዝወረዳ ጥፍኣት እንመሃሮ ገለ ትምህርቲኸ ኣሎዶ፧

ሓንቲ ጥንታዊት ዓለም ብሓቂዶ ጠፊኣ ኢያ፧

ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ጥፍኣት ብሓቂ ኣጋጢሙ እንተድኣ ነይሩ ዀይኑ ፈጺሙ ምሉእ ብምሉእ ኽርሳዕ ኣይንጽበን ኢና። ስለ ዝዀነ እኳ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ጥፍኣት ዝሕብር መዘኻኸሪታት ኣሎ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝርከብ ልክዕ ዕለት ንርአ። እቲ ብናይ ጥንቲ ኣቈጻጽራ ካልኣይ ወርሒ ዝበሃል በዚ ናይ ሎሚ ዓውደ ኣዋርሕ ካብ ፍርቂ ጥቅምቲ ክሳዕ ፍርቂ ሕዳር ኢዩ። ስለዚ መበል 17 መዓልቲ ከባቢ 1 ሕዳር ኢዩ ዝውዕል። ስለዚ እምበኣር: ኣብ ብዙሓት ሃገራት እቲ ዓመት ዓመት ንምዉታት ዝግበር በዓል ኣብቲ ዕለት እቲ ምዃኑ በጋጣሚ ዝመጸ ኣይኰነን።

ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዝገልጽ መርትዖታት ኣብቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወርሰ ዝመጸ ናይ ወድሰብ ያታታት እውን ይርከብ ኢዩ። ዳርጋ ዅሎም እቶም ጥንታዊ ባህሊ ዘለዎም ማሕበረሰባት ኣባሓጐታቶም ካብ ማይ ኣይሂ ከም ዝደሓኑ ዝነግር ኣፈ⁠-​ታሪኽ ኣለዎም። ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ፒግሚ: ኣብ ኣውሮጳ ዝነብሩ ኬልት: ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ዝነበሩ ኢንካ: ኵሎም ተመሳሳሊ ዝዀነ ኣፈ-ታሪኽ ኣለዎም። ብዘይ​ካ እዚኣቶም እውን ሒደት ካልኦት ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብ ህንዲ: ሊትወንያ: ሜክሲኮ: ማይክሮነዥያ: ቻይና: ኒውዚላንድ: ኣላስካ: ኣውስትራልያ: ከምኡውን ኣብ ገለ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ህዝቢ ከምኡ ዝኣመሰለ ኣፈ⁠-​ታሪኽ ኣለዎም።

ርግጽ ኢዩ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ እቲ ኣፈ⁠-​ታሪኽ መልክዑ እናቐየረ እኳ እንተመጸ ዅሉ እቲ ኣፈ⁠-​ታሪኽ ተመሳሳሊ ጸብጻብ ዝሓዘ ሓያሎ ዝርዝር ሓሳባት ይህብ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ ይብል:- ኣምላኽ ብረሲእነት ደቅሰብ ተቘጥዐ። ማይ ኣይሂ ኣውረደ። ደቅሰብ ብሓፈሻ ጠፍኡ። ይኹን እምበር: ሒደት ጻድቃን ድሒኖም ኢዮም። ሰባትን እንስሳታትን ዘድሓነት መርከብ ከኣ ሰርሑ። ድሕሪ ገለ ግዜ ኣዕዋፍ ንቑጽ ክፍሊ ምድሪ ክደልያ ተላእካ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እታ መርከብ ኣብ ሓደ ኸረን ዓረፈት። እቶም ደሓንቲ ካብታ መርከብ ምስ ወረዱ መስዋእቲ ኣዕረጉ።

እዚ እንታይ ኢዩ ዘረጋግጸልና፧ እቲ ምምስሳሉ በጋጣሚ ዝመጸ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ኵሉ እዚ ብኣፈ⁠-​ታሪኽ ዝቐረበ መርትዖታት ብሓባር ክርአ ኸሎ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዅሎም ደቅሰብ ካብ ደሓንቲ ናይቲ ንናይ ደቅሰብ ዓለም ዘጥፍአ ማይ ኣይሂ ዝመጹ ምዃኖም ዝነግር ጥንታዊ መረጋገጺ ዝድግፍ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር ብዛዕባ እቲ እተፈጸመ ዅነታት ንምፍላጥ ኣብ ኣፈ⁠-​ታሪኽ ወይ ያታ ኽንምርኰስ ኣየድልየናን ኢዩ። ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ብጥንቃቐ እተዓቀበ ጸብጻብ ኣሎና።​—⁠ዘፍጥረት ምዕራፍ 6-8

መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ እቲ ናይ መጀመርታ ፍጥረት ወድሰብ ዝዝርጋሕ መንፈስ ዝነፈሶ ታሪኽ ሒዙ ኣሎ። ይኹን እምበር: ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ጥራይ ከም ዘይኰነ ዘረጋግጽ መርትዖታት እውን ኣሎ። እቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣብ መሬት ዘይወድቕ ትንቢትን ዓሚቝ ጥበብን: ከምቲ ባዕሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ: ኣምላኽ ምስ ደቅሰብ ዝራኸበሉ መገዲ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ያታታት ዘይንረኽቦ ኣስማትን ዕለትን ከምኡውን ናይ ወለዶ ወይ ጂኦግራፊ ዝርዝር መግለጺታት ኣብቲ ታሪኻዊ ጸብጻቡ ሒዙ ኣሎ። ቅድሚ ማይ ኣይሂ ናብራ ህይወት ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ: ምልእቲ ዓለም ከኣ ሃንደበት ስለምንታይ ከም ዝጠፍአት ይገልጸልና ኢዩ።

ነዚ ቅድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ሕብረተሰብ እንታይ ረኸቦ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶ እዚ ኽትምልሶ ኢያ። እዛ ሕቶ እዚኣ ብፍላይ ነቶም ብዛዕባ መጻኢ ዅነታት ናይዚ ሕጂ ዘሎ ስልጣነ ወድሰብ ክሳዕ ክንደይ ዘተኣማምን ምዃኑ ክፈልጡ ዝደልዩ ሰባት ኣገዳሲት ኢያ።

[እግረ-ጽሑፋት]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሰሌዳ]

ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ዝነግር ኣፈ⁠-​ታሪኽ

ሃገር ተመሳሳልነት 1 2 3 4 5 6 7 8 9 10

ግሪኽ7◆◆◆◆◆◆

ሮሜ6◆◆◆◆◆◆

ሊትወንያ6◆◆◆◆◆◆

ኣሶር9◆◆◆◆◆◆◆◆◆

ታንዛንያ7◆◆◆◆◆◆◆

ህንዲ - ሂንዱ6◆◆◆◆◆◆

ኒውዚላንድ - ማኦሪ5◆◆◆◆◆

ማይክሮነዥያ7◆◆◆◆◆◆◆

ዋሺንግተን ሕ.መ.ኣ. - ያኪማ7◆◆◆◆◆◆◆

ሚሲሲፒ ሕ.መ.ኣ. - ቻክታው7◆◆◆◆◆◆◆

ሜክሲኮ - ማይኮኣካን5◆◆◆◆◆

ደቡብ ኣመሪካ - ኴቹዋ4◆◆◆◆

ቦሊቭያ - ቺሪጓኖ5◆◆◆◆◆

ጊያና - ኣራዋክ6◆◆◆◆◆◆

1 ኣምላኽ በቲ ረሲእነት ተቘጥዐ

2 ብማይ ኣይሂ ዝወረደ ዕንወት

3 ትእዛዝ ኣምላኽ

4 መለኮታዊ መጠንቀቕታ ተዋህበ

5 ካብ ደቅሰብ ሒደት ደሓኑ

6 ብሓንቲ መርከብ ድሒኖም

7 እንስሳታት ደሓኑ

8 ርግቢ ወይ ካልእ ፍጥረት ተላእከ

9 ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓደ ኸረን ዓረፈት

10 መስዋእቲ ቐረበ