ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ ጥንታዊት ዓለም ዝጠፍአት ስለምንታይ ኢያ፧

እታ ጥንታዊት ዓለም ዝጠፍአት ስለምንታይ ኢያ፧

እታ ጥንታዊት ዓለም ዝጠፍአት ስለምንታይ ኢያ፧

 እቲ ኣብ ምልእቲ ዓለም ዝወረደ ማይ ኣይሂ ባህርያዊ ዕንወት ኣይነበረን። ካብ ኣምላኽ ዝወረደ ፍርዲ ኢዩ ነይሩ። መጠንቀቕታ ተዋሂቡ እኳ እንተ ነበረ ፈጺሙ ግዲ ኣይተገብረሉን። ስለምንታይ፧ የሱስ ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ: ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝአተወላ መዓልቲ: ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ: ማይ ኣይሂ መጺኡ: ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን [“ግዲ ኣይገበሩን።” NW ]​—⁠ማቴዎስ 24:38, 39

ዝማዕበለ ስልጣነ

እቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ስልጣነ ብገለ መዳያቱ ሎሚ ንሕና ዘይብልና ሓለፋታት ነይርዎ ኢዩ። ንኣብነት: ዅሎም ደቅሰብ ብሓደ ናይ ሓባር ቋንቋ ይዛረቡ ነበሩ። (ዘፍጥረት 11:⁠1) እዚ ድማ እተፈላለየ ክእለት ናይ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ሓባራዊ ጻዕሪ ዝሓትት ስነ⁠-​ጥበባዊ ይኹን ስነ⁠-​ፍልጠታዊ ዕማማት ንኽዓሙ ዘኽእሎም ኢዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚውን መብዛሕትኦም ናይ ሽዑ ሰባት ነዊሕ ዕድመ ኽነብሩ ምኽኣሎም ነቲ ብዘመናት ዘዋህለልዎ ፍልጠት እናኣማዕበልዎ ንኽኸዱ ዘኽእሎም ኢዩ ነይሩ።

ገለ ሰባት እቲ ሽዑ ዝነበረ ዕምሪ ወድሰብ ክሳዕ ክንድቲ ነዊሕ ከም ዘይነበረ: እቲ ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ዓመታት ከኣ ኣዋርሕ ድኣ እምበር ዓመታት ከም ዘይኰነ ይዛረቡ። እዚ ግን ሓቂ ድዩ፧ ዕድመ መሃላልኤል ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:- “መሃላልኤል ከኣ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ። ንያሬድ ድማ ወለደ። . . . ኵሉ ዕድመ መሃላልኤል ከኣ ሾሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ።” (ዘፍጥረት 5:15-17) ሓደ ዓመት ንሓደ ወርሒ ዘመልክት እንተድኣ ዀይኑ: መሃላልኤል ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከሎ ንወዱ ወሊድዎ ማለት ኢዩ! እዚ ክኸውን ዘይክእል ኢዩ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰባት ናብቲ ፍጹም ህይወት ናይቲ ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ዝቐረቡ ኢዮም ነይሮም። ብርግጽ ንዘመናት ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። እንታይከ ኢዮም ዓሚሞም፧

ማይ ኣይሂ ቅድሚ ምምጽኡ ዘመናት ይገብር: ቍጽሪ ህዝቢ እናበዝሐ ይኸይድ ካብ ምንባሩ እተላዕለ ቃየል ወዲ ኣዳም: ሄኖክ ኢሉ ዝጸውዓ ኸተማ ክሰርሕ ክኢሉ ኢዩ። (ዘፍጥረት 4:⁠17) ቅድሚ ማይ ኣይሂ ኣብ ዝነበረ መዋእል እተፈላለየ ኢንዱስትሪታት ማዕቢሉ ኢዩ። ‘ኵሉ ዓይነት ኣስራዝን ሓጺንን ዝስርሓሉ’ እተፈላለየ መቕረጺ ነይሩ ኢዩ። (ዘፍጥረት 4:22) እዚ መሳርሒታት እዚ ንህንጻ: ንጽርበት: ንስፌት ክዳን ከምኡውን ንሕርሻ ይውዕል ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ። ኵሉ እዚ ሞያታት እዚ ድማ ኣብ ጸብጻብ ናይቶም ጥንታዎት ተቐማጦ ምድሪ ተመዝጊቡ ኣሎ።

እቲ እተደለበ ፍልጠት ነቲ ተኸታቲሉ ዝመጽእ ወለዶታት ከም ስነ⁠-​ብረት: ስነ⁠-​ኣዝርእትን ሓመድን: ምርባሕ ኣባጊዕን ከብትን: ስነ⁠-​ጽሑፍ: ስነ⁠-​ጥበብ ዝኣመሰለ ነገራት ከም ዘማዕብሉ ክገብሮም ምኸኣለ ነይሩ። ንኣብነት: ዩባል “ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን” ኢዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 4:21) ስልጣነ መጠነ⁠-​ሰፊሕ ዕቤት ኣርኣየ። እንተዀነ ግን: ኵሉ ነገር ብሃንደበት ኣብቅዐ። እንታይ ድኣ ተረኽበ፧

እንታይ ጸገም ተረኽበ፧

እታ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረት ዓለም ምስቲ ዅሉ ዝነበራ ሓለፋታት ሕማቕ ኣጀማምራ ኢዩ ነይርዋ። እቲ መስራቲኣ ኣዳም ካብ ኣምላኽ ዓልዩ ኢዩ ነይሩ። እቲ ነታ ኣብ ታሪኽ ቐዳመይቲ ተባሂላ ተመዝጊባ ዘላ ኸተማ ዝሰርሐ ቃየል ንሓዉ ቐተሎ። ስለዚ ኽፍኣት ቀልጢፉ እናለሓመ ምኻዱ ኣየገርምን ኢዩ! ሳዕቤን ናይቲ ኣዳም ንዘርኡ ዘመሓላለፎ እተበላሸወ ውርሻ ኸኣ እናገደደ ኸደ።​—⁠ሮሜ 5:⁠12

የሆዋ እቲ ዅነታት ተወሳኺ 120 ዓመታት ክቕጽል ከፍቅድ ከሎ ዅሉ ነገራት መስፈሩ ክሳዕ ዝመልእ እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ። (ዘፍጥረት 6:⁠3) መጽሓፍ ቅዱስ “ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔን ብሓሳባት ልቡ ዚሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን” ይነግረና: ቀጺሉ እውን “ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት” ይብለና።​—⁠ዘፍጥረት 6:5, 11

መወዳእትኡ ግን ኣምላኽ ንዅሉ ስጋ ብማይ ኣይሂ ኸጥፍኦ ምዃኑ ኣነጺሩ ንኖህ ነገሮ። (ዘፍጥረት 6:⁠13, 17) ሽሕ’ኳ ኖህ “ሰባኽ ጽድቂ” እንተ ነበረ: ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዅሉ ነገራት ክጠፍእ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ንምእማኑ ጸጊምዎም ከም ዝነበረ ፍሉጥ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:⁠5) ነቲ መጠንቀቕታ ሰሚዖም ዝደሓኑ ሸሞንተ ሰባት ጥራይ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 3:⁠20) እዚ ንዓና ኣገዳሲ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

ንዓና እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

ኣብ ሓደ ምስ መዓልትታት ኖህ ዝመሳሰል እዋን ኢና እንነብር ዘሎና። ብዛዕባ ዘርዕድ ግብረ⁠-​ሽበራ: ናይ ዓሌታዊ ምጽናት ወፈራታት: ስዉር ዝዕላምኦም መሳርያ እተዓጥቁ ሰባት ዝፍጽምዎ ጃምላዊ ቕትለት: ከምኡውን ብዛዕባቲ ብዘሰንብድ መጠን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ስድራ​ቤት ዝርአ ዓመጽ ወትሩ ንሰምዕ ኢና። ምድሪ እንደገና ብዓመጻ መሊኣ ኣላ: ከምቲ ነታ ዝጠፍአት ዓለም ኣቐዲሙ እተነግራ ሎሚ እውን እዛ ዓለም እዚኣ እትፍረደሉ መዓልቲ ይመጽእ ከም ዘሎ ክንገራ ጸኒሑ ኢዩ። የሱስ ባዕሉውን ብኣምላኽ እተሾመ ፈራዲ ዀይኑ ብምምጻእ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈላልየን ንሰባት ክፈላልዮም ምዃኑ ተዛሪቡ ኢዩ። እቶም ዘይብቑዓት ከኣ “ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ [“ጥፍኣት:” NW ]” ከም ዝኸዱ ገለጸ። (ማቴዎስ 25:⁠31-33, 46) ይኹን እምበር: ኣብዚ እዋን እዚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ደሓንቲ ማለት ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘምልኹ ዓቢ ጭፍራ ከም ዝህልዉ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። እዚኣቶም ኣብታ እትመጽእ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ነባሪ ሰላምን ድሕንነትን ረኺቦም ክነብሩ ኢዮም።​—⁠ሚክያስ 4:⁠3, 4፣ ራእይ 7:⁠9-17 NW

ብዙሓት ሰባት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓሳባትን ነቲ ንሓቅነት መዓልቲ ፍርዲ ዘረጋግጸሎም መጠንቀቕታን የላግጽሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን: ሃዋርያ ጴጥሮስ እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ተጠራጠርቲ ነቲ ጭብጥታት ዕሽሽ ይብልዎ ምህላዎም ገሊጹ ኢዩ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት . . . መላገጽ[ቲ] ከም ዚመጹ: . . . ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ: ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ . . . ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ: ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና: ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ። እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ: በቲ ማይ: ተሰጢማ ጠፍኤት። እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ: ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ።”​—⁠2 ጴጥሮስ 3:3-7

ሎሚ ነቲ የሱስ እተዛረቦ ትንቢታዊ ትእዛዝ ብምቕላብ ብዛዕባ እታ እትመጽእ መዓልቲ ፍርዲ ዝገልጽ ዓለምለኻዊ መጠንቀቕታን ነቲ ብድሕሪኡ ስዒቡ ዝመጽእ ሰላም ዝምልከት መልእኽቲ ብስራትን ብቕንኢ ይስበኽ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:⁠14) እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኣፍኲስካ ዝርአ ኣይኰነን። እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ቃሉ ዝሕሉ ኢዩ።

እታ እትመጽእ ዓለም

ነቲ ዝመጽእ ዓቢ ለውጢ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ክርአ ኸሎ መጻኢ ዅነታት ወድሰብ እንታይ ኰን ኢዩ ክኸውን፧ የሱስ ኣብ መእተዊ ናይቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ዝርርብ “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። ቀጺሉ እውን ንደቀ መዛሙርቱ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ናብ ኣምላኽ ክጽልዩ ምሂርዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 5:5፣ 6:10) እወ: ኵሎም እሙናት ደቅሰብ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዘደንቕ በረኸታት ተዳልይሎም ከም ዘሎ የሱስ ባዕሉ ምሂሩ ኢዩ። ነዚ ድማ “ሓድሽ ልደት” ኢሉ ጠቒስዎ ኣሎ።​—⁠ማቴዎስ 19:⁠28

ስለዚ ብዛዕባ መጻኢ ከተስተንትን ከሎኻ መላገጽቲ ብዛዕባ መጠንቀቕታ ኣምላኽ ከም እትጠራጠር ክገብሩኻ ኣይተፍቅደሎም። ኣብ ከባቢና ዘሎ ነገራት ዘይነቓነቕ ክመስል ይኽእል ኢዩ: እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ድማ ናይ ነዊሕ ዘመናት ታሪኽ ዝሓዘት ምዃና ዝከሓድ ኣይኰነን። ይኹን ድኣ እምበር እምንቶና ኣብኣ ከነንብር ኣይግብኣናን ኢዩ። እዛ ናይ ደቅሰብ ዓለም ተፈሪዳ ኢያ። ስለዚ እምበኣር በቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ መልእኽቱ ክድምድም ከሎ እተዛረቦ ቓላት ንተባባዕ።

“ደጊም እዚ ዅሉ ዚፈላለ ኻብ ኰነ: . . . ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐላጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። . . . ነዚ እናተጸቤኹምሲ: ብዘይ​ ነውርን ብዘይ​ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ። ብጸጋን ብፍልጠትን ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ . . . ዕበዩ።” (2 ጴጥሮስ 3:11, 12, 14, 18) ስለዚ ካብቲ ኣብ መዓልትታት ኖህ ዘጋጠመ ነገር ተመሃር። ንኣምላኽ ቅረቦ። ብፍልጠት የሱስ ክርስቶስ እናወሰኽካ ኺድ። ኣምላኻዊ ተወፋይነት ኣማዕብል: ምስቶም ካብ ጥፍኣት ናይዛ ዓለም እዚኣ ድሒኖም ኣብታ እትመጽእ ሰላም ዝመልኣ ዓለም ክነብሩ ዝመርጹ ሚልዮናት ሰባት ከኣ ሕበር።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ዕዮ ብረት ቅድሚ ማይ ኣይሂ ይፍለጥ ነይሩ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ዘደንቕ በረኸታት ተዳልዩ ኣሎ