ካብ መወዳእታ ናይዛ ዓለም እዚኣ ብኸመይ ኢኻ ክትድሕን እትኽእል፧
ካብ መወዳእታ ናይዛ ዓለም እዚኣ ብኸመይ ኢኻ ክትድሕን እትኽእል፧
መጽሓፍ ቅዱስ ንመወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ “መዓልቲ ቝጥዓ: መዓልቲ ጸበባን መከራን: መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን: መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን: መዓልቲ ደበናን ግብ ዝበለ ጸልማትን” ብምባል ይገልጾ። (ጸፎንያስ 1:15) እዚ ሃረር ኢልካ እትጽበዮ መዓልቲ ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ! ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጴጥሮስ ንብጾቱ ክርስትያናት ‘ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዝፈላለየሉ: ፍጥረት ሰማይ ከኣ ብረስኒ ዝመከሉ: ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸበዩ ከቀላጥፍዎ’ ምዒድዎም ኢዩ። ቀጺሉውን “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” በለ።—2 ጴጥሮስ 3:12, 13
ኣብዚ ጴጥሮስ ቃል ብቓሉ ብዛዕባ ጥፍኣት እዚ ዝርአ ሰማይን ምድርን ኣይኰነን ዝዛረብ ዘሎ። እቲ ኣብዚ ሓሳባት እዚ “ሰማይ” ከምኡውን “ምድሪ” ኢሉ ጠቒስዎ ዘሎ: ናይዚ ሕጂ ዘሎ ብልሹው ምምሕዳራት ደቅሰብን ናይዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ሰብኣዊ ሕብረተሰብን ምሳሌ ኢዩ። “መዓልቲ እግዚኣብሄር” ቃል ብቓሉ ንምድሪ ኣይተጥፍኣን ኢያ: “ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን” ግን “ከተብርሶም” ኢያ። (ኢሳይያስ 13:9) ስለዚ ነቶም ኣብዚ እኩይ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ብዝግበር “ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙን” ሰባት መዓልቲ የሆዋ መዓልቲ ድሕነት ክትኰነሎም ኢያ።—ህዝቅኤል 9:4
ስለዚ እምበኣር: ዝዀነ ይኹን ሰብ ካብታ “ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር” ብኸመይ ኢዩ ክድሕን ዝኽእል፧ “ቓል እግዚኣብሄር” ንሓደ ካብ ነብያት “ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” ብምባል ንመልሲ ናይዚ ሕቶ እዚ ገሊጽሉ ኢዩ። (ዮኤል 1:1፣ 2:31, 32) ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ስም የሆዋ ምጽዋዕ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ንኽትፈልጥ ክሕግዙኻ ሕጕሳት ኢዮም።