ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥምቀት ክሎቪስ ኣብ ፈረንሳ 1,500 ዓመት ዝገበረ እምነት ካቶሊክ

ጥምቀት ክሎቪስ ኣብ ፈረንሳ 1,500 ዓመት ዝገበረ እምነት ካቶሊክ

ጥምቀት ክሎቪስ ኣብ ፈረንሳ 1,500 ዓመት ዝገበረ እምነት ካቶሊክ

 “ብስም ጳጳስ: ቡም።” እዚ መልእኽቲ እዚ ኣብቲ ጳጳስ ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብመስከረም 1996 ክበጽሖ ዝነበሮ ናይ ፈረንሳ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ዝጸንሐ ነታጒ እተረኽበ ኢዩ። እቲ ጳጳስ ንፈረንሳ ንሓሙሻይ ግዜኡ ክበጽሕ ምስ ከደ ንዘጋጠሞ ከቢድ ምጽራር ዝገልጽ ጕሉሕ ኣብነት ኢዩ። ይኹን ደኣ እምበር: ኣብታ ዓመት እቲኣ ገለ 200,000 ዝዀኑ ሰባት ምስቲ ጳጳስ ኰይኖም ነቲ መበል 1,500 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ንጉስ ክሎቪስ ፍራንካዊ እምነቱ ናብ ካቶሊክ ዝቐየረሉ ዕለት ንምብዓል ናብታ ናይ ፈረንሳ ከተማ ሪምዝ መጺኦም ኢዮም። እዚ ጥምቀቱ ጥምቀት ፈረንሳ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንጉስ እንታዋይ ኢዩ፧ እቲ እተገብረሉ በዓል ዝኽሪ ከምዚ ዝኣመሰለ ክርክር ዘልዓለኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

እናደኸመ ዝኸደ ሃጸያዊ ግዝኣት

ክሎቪስ ወዲ እቲ ንጉስ ሳይለን ፍራንካውያን ዝነበረ ቺልደሪክ ቀዳማይ ኰይኑ ብ466 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኢዩ ተወሊዱ። እዞም ዓሌት ጀርመን ዝነበሩ ፍራንካውያን ብ358 ከ.ኣ.ዘ. ብሮማውያን ምስ ተሳዕሩ: ነቲ ዶባት እናተኸላኸሉ ንሰራዊት ሮሜ ኸኣ ወተሃደራት እናሃቡ ኣብዚ ሎሚ ቤልጅዩም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ሃገር ክቕመጡ ተፈቕደሎም። ምስቶም ኣብቲ ሃገር ዝቕመጡ ህዝቢ ጋሎ⁠-​ሮማ ሓቢሮም ብምንባሮም እተፈጥረ ምቅርራብ በብቑሩብ ናብ ናይ ሮማ ካቶሊክ ከም ዝቕየሩ ገበሮም። ቺልደሪክ ቀዳማይ ምስ ሮማውያን ኪዳን ብምእታው ምስቶም ከም ቪዚጎታውያንን ሳክሰናውያንን ዝኣመሰሉ ካልኦት ዓሌታት ጀርመን ይዋጋእ ነበረ። እዚ ድማ ብህዝቢ ጋሎ⁠-​ሮማ ከም ዝምስገን ገበሮ።

እታ ሓንቲ ኻብ ኣውራጃታት ሮሜ ዝነበረት ጎል ካብቲ ብሰሜን ዝርከብ ፈለግ ራይን ጀሚራ ክሳዕ እቲ ብሸነኽ ደቡብ ዘሎ ፒሪኒዝ ኢያ እትዝርጋሕ። ይኹን እምበር: ሮማዊ ጀነራል ኣቲየስ ብ454 ከ.ኣ.ዘ. ድሕሪ ሙማቱ ንእተወሰነ እዋናት ኣብታ ሃገር እቲኣ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ሰብ ኣይነበረን። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ናይ ሮሜ ናይ መወዳእታ ሃጸይ ዝነበረ ሮሙለስ ኦጉሰተለስ ብ476 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተሳዕረን እቲ ብምዕራባዊ ኽፍሊ ዝነበረ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ብምቍራጹን ኣብቲ ኸባቢ ዓቢ ፖለቲካዊ ቕልውላው ኣምጽአ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ጎል ብሓንቲ ኻብተን ኣብ ዶባታ ዝነበራ ቀቢላታት ክትቅንጠብ እተቐረበት ዝበሰለ ፍረ ዀነት። ስለዚ እምበኣር ክሎቪስ ነቦኡ ተኪኡ ኣብ ስልጣን ምስ ደበየ ንዶባት ናይ መንግስቱ ከስፍሓሉ ዝኽእል መገዲ ኽደሊ ምጅማሩ ኣየገርምን ኢዩ። ብ486 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ጥቓ ከተማ ስዋሶን ኣብ እተገብረ ዂናት ነቲ ኣብ ጎል ዝነበረ ናይ መወዳእታ ወኪል ሮሜ ሰዓሮ። በቲ ዝረኸቦ ዓወት ከኣ ካብ መንጎ እቲ ብሰሜናዊ ክፍሊ ዝርከብ ፈለግ ሳም ኣትሒዙ ክሳዕ እቲ ኣብ ማእከላይን ምዕራባውን ክፍሊ ጎል ዝርከብ ፈለግ ሎይረ ንዘሎ ግዝኣታት ብምልኡ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ገበሮ።

እቲ ንጉስ ዝኸውን ሰብኣይ

ፍራንካውያን ካብቶም ካልኦት ዓሌታት ጀርመን ፍልይ ዘብሎም ኣረማውያን ኰይኖም ምቕጻሎም ኢዩ። ይኹን እምበር: ክሎቪስ ነታ ቡርጋንዳዊት ዝነበረት ልዕልቲ ክሎቲዳ ምምርዓዉ ኣብ ናብራ ህይወቱ ዓቢ ጽልዋ ገይርሉ ኢዩ። እዛ ውፍይቲ ካቶሊክ ዝነበረት ክሎቲዳ ንሰብኣያ እምነቱ ኸተቐይሮ ከይተሓለለት ትጽዕር ነበረት። ብመሰረት እቲ ግሪጎሪ ብዓል ቱር ኣብ ሻድሻይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝመዝገቦ ታሪኽ: ክሎቪስ ብ496 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ እዋን ቶልቢ (ጹልቢክ: ጀርመን) ምስ ዓሌት ኣልማኒ ዝገበሮ ዂናት: እቲ ክሎቲዳ እተምልኾ ኣምላኽ ዓወት እንተደኣ ሂብዎ ንኣረማውነት ክጥንጥኖ ምዃኑ መብጽዓ ኣተወ። ወተሃደራት ክሎቪስ እናተሳዕሩ እኳ ይኸዱ እንተ ነበሩ ናይ ኣልማኒ ንጉስ ተቐትለ ሰራዊቱ ኸኣ ኢዶም ሃቡ። ክሎቪስ እቲ ክሎቲዳ እተምልኾ ኣምላኽ ዓወት ከም ዝሃቦ ገይሩ ቘጸሮ። “ቅዱስ” ረሚጅየስ ብ25 ታሕሳስ 496 ከ.ኣ.ዘ. ንክሎቪስ ኣብ ካተድራል ሪምዝ ከም ዘጠመቖ ብኣፈ⁠-​ታሪኽ ይንገረሉ ኢዩ። ይኹን እምበር: ገለ ሰባት እቲ ዕለት ድሕሪኡ ማለት 498/9 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ዝብል እምነት ኣለዎም።

እቲ ክሎቪስ ንደቡባዊ ምብራቕ መንግስቲ ቡርጋንዲ ንኽሕዝ ዝገበሮ ፈተነ ፈሸለ። ይኹን እምበር: ምስ ቪዚጎታውያን ንምውጋእ ኣብ ዝገበሮ ወፈራ ብ507 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ቮይሊ ጥቓ ፖታየር ምስ ሰዓሮም ዓወት ተጐናጸፈ። እዚ ዓወት እዚ ምስ ረኸበ ንመብዛሕትኡ ደቡባዊ ምዕራብ ጎል ተቘጻጸሮ። እቲ ሃጸይ ናይ ምብራቓዊ ግዝኣት ሃጸያዊት ሮሜ ዝነበረ ኣናስታይዠስ ከኣ ነዚ ክሎቪስ ዝረኸቦ ዓወት ኣፍልጦ ብምሃብ ክብራዊ ናይ ቆንስል ቦታ ሃቦ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ካብ ኵሎም እቶም ምዕራባውያን ነገስታት ጸብለል ዝበለ ደረጃ ክህልዎ ኸኣለ: ግዝኣቱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ጋሎ⁠-​ሮማ ሕጋዊ ተፈላጥነት ረኸበ።

ነቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዝነበረ ግዝኣት ናይቶም ኣብ ዶባት ፈለግ ራይን ዝነበሩ ፍራንካውያን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ ድሕሪ ምግባሩ ንፓሪስ ርእሰ⁠-​ኸተማኡ ገበራ። ኣብ ኣጋ ሞቱ ኣብ ዝነበረ ዓመታት ሌክስ ሳሊሽያ ዝበሃል ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ሕጊ ብምቛም ከምኡውን ነቲ ኣብ መንጎ ቤተ⁠-​ክርስትያንን መንግስትን ዘሎ ርክብ ንኽገልጽ ኣብ ኦርሊንስ ናይ ቤተ⁠-​ክርስትያን ባይቶ ከም ዝእከቡ ብምግባር ንመንግስቱ ኣደልደላ። ብ27 ሕዳር 511 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ኽመውት ከሎ ኸኣ ንሰለስተ ርብዒ ሃገር ጎል በይኑ ኢዩ ዝገዝኦ ነይሩ።

ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ነቲ ክሎቪስ ናብ እምነት ካቶሊክ ንኽቕየር ዝወሰዶ ስጕምቲ “ኣብ ታሪኽ ምዕራብ ኣውሮጳ ወሳኒ ስጕምቲ” ኢዩ ኢሉ ጸውዖ። ምቕያር እምነት ናይዚ ኣረማዊ ዝነበረ ንጉስ ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ኣገዳሲ ዝገበሮ ጕዳይ ንኣርዮሳዊ እምነት ገዲፉ እምነት ካቶሊክ ብምምራጹ ኢዩ።

እቲ ኣከራኻሪ ዝነበረ ኣርዮሳዊ እምነት

ብ320 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ እቲ ኻህን ኣለክሳንድርያ ናይ ግብጺ ዝነበረ ኣርዮስ ብዛዕባ ስላሴ ኣዝዩ እተፈልየ ሓሳባት ክዝርግሕ ጀመረ። ኣርዮስ ነቲ ወዲ ማዕረ ኣቦ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ነጸጎ። ወዲ መጀመርታ ስለ ዘለዎ: ኣምላኽ ወይ ማዕረ ኣቦ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ በለ። (ቈሎሴ 1:⁠15) ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦን ወድን ዝትሕት ኣካል ኢዩ ዝብል እምነት ነበሮ። እዚ ሰፊሕ ተቐባልነት ዝረኸበ ትምህርቲ ኸኣ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ብርቱዕ ምጽራር ኣለዓዓለ። ብ325 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ዋዕላ ኒቅያ ኣርዮስ ካብ ዓዱ ተሰጐ: ትምህርቱ ድማ ተወገዘ። a

ይኹን እምበር: እቲ ኽርክር በዚ ኣየብቅዐን። እዚ ናይ ሰረተ⁠-​እምነት ክትዕ እዚ ንገለ 60 ዓመታት ዝኣክል ቀጺሉ ኢዩ። ኣብዚ ዓመታት እዚ ብተኸታታሊ ዝመጹ ሃጸያት ከኣ ምስ ሓደ ይውግኑ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ብ392 ከ.ኣ.ዘ. ሃጸይ ቲዮዲሰስ ቀዳማይ ነታ ጥንታዊት ካቶሊክ ምስቲ ዝነበራ ናይ ስላሴ ሰረተ⁠-​እምነት ናይ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ሃይማኖት ገበራ። ክሳዕ ሽዑ ኣብ ዝነበረ ግዜ ዓሌት ጎት በቲ ጀርመናዊ ጳጳስ ዝነበረ ዩሊፋስ ናብ ኣርዮስነት ተቐይሮም ነበሩ። ካልኦት ዓሌታት ጀርመን ከኣ ነዚ ዓይነት “ክርስትና” እዚ ቐልጢፎም ተቐበልዎ። b

ብዘመን ክሎቪስ ኣብ ጎል ዝነበረት ናይ ካቶሊክ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ቅልውላው ኢያ ነይራ። እቶም ሰዓብቲ ኣርዮስ ዝነበሩ ቪዚጎታውያን ነቶም ዝሞቱ ኣቡናት ብኻልኦት ንኸይትክኡ ብምኽልካል እምነት ካቶሊክ ንምጭፍላቕ ጻዕሪ የካይዱ ነበሩ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብ ሮሜ ካህናት ናይታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ክልተ ጕጅለ ተኸፋፊሎም ንሓድሕዶም ይቀታተሉ ነበሩ። ገለ ካቶሊካውያን ጸሓፍቲ 500 ከ.ኣ.ዘ. መወዳእታ ዓለም ከም ዝኸውን ሓሳብ የቕርቡ ስለ ዝነበሩ ነቲ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ ዀይንዎ ነበረ። ስለዚ ኸኣ እቶም ፍራንካውያን ወረርቲ ናብ እምነት ካቶሊክ ምቕያሮም “ነቶም ቅዱሳን ሓድሽ መዋእል” ከም ዝዀነ ዘተስፉ ስጕምቲ ገይርካ ተራእየ።

ይኹን እምበር: ክሎቪስ እንታይ ድራኸ ኢዩ ነይርዎ፧ ሃይማኖታዊ ድራኸ ኣይነበሮን ክበሃል ዘይክኣል እኳ እንተዀነ ኣብ ሓሳቡ ፖለቲካዊ ሸቶ ከም ዝነበሮ እተረጋገጸ ኢዩ። እምነት ካቶሊክ ብምምራጹ ስምረት ናይቶም እናዓብለሉ ዝኸዱ ዝነበሩ ካቶሊካውያን ህዝቢ ጋሎ⁠-​ሮማን ደገፍ ናይቶም ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮም መራሕቲ ቤተ⁠-​ክርስትያንን ረኸበ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ፖለቲካውያን መቐናቕንቱ ንኽዕወት ከም ዝሓገዞ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ዘ ኒው ካቶሊክ ብሪታኒካ “ንጎል ምቍጽጻሩ ኻብ ኣርዑት ናይቶም ዝጽልኡ ዝነበሩ መናፍቓን ሰዓብቲ ኣርዮስ ሓራ ዘውጽእ ውግእ” ከም ዝዀነ ገይሩ ገለጾ።

ክሎቪስ እንታይ ዓይነት ሰብ ኢዩ ነይሩ

ኣብ ምጅማር እቲ ብ1996 እተገብረ ዝኽሪ: እቲ ናይ ሪምዝ ሊቀ⁠-​ጳጳሳት ዠራርድ ዲፎይስ ንክሎቪስ “መርኣያ ናይ ሓደ ብጥንቃቐ እተሓስበሉን ብምምዝዛን እተገብረን ምቕያር እምነት” ከም ዝዀነ ገይሩ ገለጾ። ኤርነስት ላቪስ እተባህለ ፈረንሳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ግን ከምዚ ዝብል ሓሳብ ሂቡ ኣሎ:- “ምቕያር እምነት ክሎቪስ ንባህርዩ ፈጺሙ ኣይቀየሮን፣ እቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ሕያዋይን ሰላማውን ዝገብረካ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ንልቡ ኣይተንከፎን።” ካልእ ጸሓፍ ታሪኽ እውን ከምዚ በለ:- “ኣብ ክንዲ ናብ ኦርዲን [ኣምላኽ ኖርስ] ናብ ክርስቶስ ክምህለል ጀመረ: ምንም ለውጢ ግን ኣይገበረን።” ግዝኣቱ ንምድልዳል ኢሉ ነቶም መወዳድርቲ ዝፋኑ ዘበሉ ዅሎም ብሜላ ናይ ምጽናት ስጕምቲ ምውሳዱ ነቲ ቆስጣንጢኖስ ንማለቱ ናብ ክርስትና ምስ ተቐየረ ዘርኣዮ ባህሪ ዘዘኻኽር ኢዩ። “ንዅሎም እቶም ዝምድናኦም ርሕቕ ዝበለ ኣዝማዱ እውን ከይተረፈ” ኣጽነቶም።

ድሕሪ ሞት ክሎቪስ: ካብ ሓደ ጨካን ተዋጋኢ ናብ ሓደ ክብሪ ዘለዎ ቅዱስ ሰብ ዝቕይር ናይ ፈጠራ ወረ ተኣልመ። እቲ ዳርጋ ሓደ ዘመን ጸኒሑ እተጻሕፈ ናይ ግሪጎሪ ብዓል ቱር ጸብጻብ: ንክሎቪስ ምስቲ ብመጀመርታ “ክርስትና” እተቐበለ ሃጸይ ቆስጣንጢኖስ ንምምስሳል ብጥንቃቐ እተገብረ ጻዕሪ ኸም ዝዀነ ገይርካ ኢዩ ዝውሰድ። ክሎቪስ ኣብ 30 ዓመቱ ከም እተጠመቐ ገይሩ ምቕራቡ ኸኣ ምስ ክርስቶስ ከመሳስሎ ዝጽዕር ዝነበረ ኢዩ ዝመስል።​—⁠ሉቃስ 3:⁠23

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ፈጠራ መስርሕ ኣብ መበል ታሽዓይ ዘመን እውን በቲ ኣንክማር እተባህለ ጳጳስ ሪምዝ ቀጺሉ ኢዩ። ኣንክማር ኣብቲ ካተድራላት ንግደት ንኽግበረለን ዝወዳደራሉ ዝነበራ እዋን ብዛዕባ እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ “ቕዱስ” ረሚጅየስ ዝጸሓፎ ታሪኽ ህይወት: ንቤተ⁠-​ክርስትያኑ ዝያዳ ውርይቲ ንኽገብራን ንኸበልጽጋን ኢሉ ኢዩ። ኣብቲ ጸብጻቡ: ሓንቲ ጻዕዳ ርግቢ ንክሎቪስ ኣብ ግዜ ጥምቀቱ ምእንቲ ኽትቀብኦ ብልቃጥ ዘይቲ ሒዛ ኸም ዝመጸት ገሊጹ ኢዩ። እዚ ድማ ኻብቲ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ከም እተቐብአ ዝገልጽ ጸብጻብ ከም ዝቐድሖ ንጹር ኢዩ። (ማቴዎስ 3:⁠16) በዚ መገዲ እዚ ኣንክማር ኣብ መንጎ ክሎቪስን ሪምዝን እቲ ንጉሳዊ ኣገዛዝኣን ምትእስሳር ብምፍጣር ክሎቪስ ብጐይታ እተቐብአ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ገበረ። c

ኣከራኻሪ በዓል

ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ዝነበረ ቻርለስ ደ ጎል ሓደ እዋን ከምዚ ኢሉ ነበረ:- “ከም ዝመስለኒ ታሪኽ ፈረንሳ ብክሎቪስ ኢዩ ጀሚሩ: ንጉስ ፈረንሳ ንኽኸውን ብዓሌት ፍራንክ ተመርጸ: ካብቲ ፍራንክ ዝብል መጸውዒዖም ከኣ ፈረንሳ ዝብል ስም ወጸ።” ይኹን እምበር: ነዚ ዝሰማምዓሉ ዅሉ ሰብ ኣይኰነን። እቲ መበል 1,500 ዝኽሪ ዓመት ጥምቀት ክሎቪስ ኣከራኻሪ ኢዩ ነይሩ። ኣብዛ ካብ 1905 ኣትሒዛ ቤተ⁠-​ክርስትያንን መንግስትን ብወግዒ እተፈላለየላ ሃገር: ብዙሓት ሰባት እቲ መንግስቲ ኣብቲ ሃይማኖታዊ ገይሮም ዝቘጽርዎ በዓል ምስታፉ ነቒፎምዎ ኢዮም። ቤት ምኽሪ ከተማ ሪምዝ: ጳጳስ ክመጽእ ከሎ ዝጥቀመሉ መድረኽ ከዳሉ መደብ ከም ዝገብረ ምስ ኣፍለጠ: ሓደ ማሕበር እቲ ውሳነ ምስ ቅዋም ናይቲ መንግስቲ ዝጋጮ ኢዩ ብምባል ብቤት ፍርዲ ከም ዝቕየር ገበረ። ካልኦት ከኣ እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣብ ፈረንሳ ስነ⁠-​ምግባራውን ሲቪላውን ስልጣና እንደገና ኽትሕዝ ትጽዕር ከም ዝነበረት ኰይኑ ኢዩ ተሰሚዕዎም። ነቲ በዓል ዝያዳ ኣከራኻሪ ከም ዝኸውን ዝገበሮ ኸኣ ክሎቪስ ኣርማ ናይቶም የማናይ ጫፍ ሃገራዊ ግንባርን ጥሩፋት ጕጅለታት ካቶሊክን ስለ ዝዀነ ኢዩ።

ካልኦት ከኣ ነቲ በዓል ዝነቐፍዎ ታሪኽ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዮም። ናይ ካቶሊክ እምነት ኣብ ህዝቢ ጋሎ⁠-​ሮማ ድሮ ሰሪቱ ስለ ዝነበረ ጥምቀት ክሎቪስ ንፈረንሳ ናብ እምነት ካቶሊክ ኣይቀየራን በሃልቲ ኢዮም። ጥምቀት ክሎቪስ ፈረንሳ ከም ሃገር ንኽትውለድ መሰረት ዘንበረ ኣይኰነን በሃልቲ እውን ኢዮም። ፈረንሳ ከም ሃገር እተወልደት መንግስቲ ሻርልማኝ ብ843 ከ.ኣ.ዘ. ምስ ተመቕለት: ንክሎቪስ ዘይኰነስ ንቻርለስ ዘ ባልድ ቀዳማይ ንጉስ ፈረንሳ ምስ ገበርዎ ኢዩ።

1,500 ዓመታት ዝገበረ እምነት ካቶሊክ

እታ ኣብ ፈረንሳ ኻብ 1,500 ዓመታት ንላዕሊ “ከም በዅሪ ቤተ⁠-​ክርስትያን” ገይርካ እትውሰድ ዝነበረት ካቶሊክ ሕጂ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኵነታታ ኸመይ ኢዩ ዘሎ፧ ፈረንሳ ብብዝሒ ቝጽሪ ጥሙቓት ካቶሊክ ክሳዕ 1938 ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ነበረት። ሕጂ ግን ደድሕሪ እተን ከም ፊልፕንስን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዝኣመሰላ ሃገራት ብምዃን ሻድሻይ መስርዕ ኢያ ሒዛ ዘላ። ሕጂ ኣብ ፈረንሳ 45 ሚልዮን ካቶሊክ እኳ እንተ ሃለዉ: ስርዓታውያን ኰይኖም ኣብ ቅዳሴ ዝካፈሉ ግን 6 ሚልዮን ጥራይ ኢዮም። ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ገለ ካብቶም ኣብ ፈረንሳ ዘለዉ ካቶሊክ እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዝሕብሮ: 65 ሚእታዊት “እታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ብዛዕባ ጾታ ንእትህቦ ትምህርቲ ግዲ ኣይገብርሉን ኢዮም:” ካብዚኣቶም ክሳዕ 5 ሚእታዊት ኣቢሎም ዝዀኑ ኸኣ የሱስ ኣብ ህይወቶም “ምንም ትርጕም የብሉን።” እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣሉታዊ ኣንፈት ከኣ ኢዩ ነቲ ጳጳስ ብ1980 ንፈረንሳ ክበጽሕ ምስ ከደ “ፈረንሳ: ብዛዕባ ጥምቀትኪ ንዝኣተኽዮ መብጽዓ እንታይ ገበርኪ፧” ኢሉ ንኽሓትት ዝደረኾ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ናይ 1 ነሓሰ 1984 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 24 ርአ።

b ናይ 15 ግንቦት 1994 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 8-9 ርአ።

c ሉዊ ዝብል ስም ካብ ክሎቪስ ኢዩ መጺኡ: 19 ነገስታት ፈረንሳ ኸኣ (ንሉዊ መበል 17ን ሉዊ ፊሊፕን እውን ሓዊስካ) በዚ ስም እዚ ተሰምዮም ኢዮም።

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ካርታ]

ቪዚጎታውያን

ሳክሰናውያን

ጎል

ፈለግ ራይን

ፒሪኒዝ

ሮሜ

ስዋሶን

ፈለግ ሳም

ፈለግ ሉዋር

ሪምዝ

ቮይሊ

ፕዋትየ

ፓሪስ

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ናይ መበል 14 ዘመን ኢደ⁠-​ጽሑፍ ዝርከብ ጥምቀት ክሎቪስ ዘርኢ ስእሊ

[ምንጪ ስእሊ]

© Cliché Bibliothèque nationale de France, Paris

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ግድማዊ ወገን ናይቲ ኣብ ሪምዝ: ፈረንሳ: ዝርከብ ካተድራል ጥምቀት ክሎቪስ (ኣብ ማእከል ዘሎ) ዝገልጽ ቅርጺ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዓመት ዝኽሪ ጥምቀት ክሎቪስ ንኸብዕል ናብ ፈረንሳ ዝገበሮ ምብጻሕ ክርክር ኣልዓለ