ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጥቕሚ ርእስኻ እናሰዋእካ ምግልጋል

ጥቕሚ ርእስኻ እናሰዋእካ ምግልጋል

ታሪኽ ህይወት

ጥቕሚ ርእስኻ እናሰዋእካ ምግልጋል

ዶን ረንደል ዘዘንተዎ

ብ1927 ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከለኹ ኣደይ ሞተት። እንተዀነ ግን: እምነታ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ጽልዋ ገይሩለይ ኢዩ። ከመይ ኢሉ፧

 ኣደይ ነቲ ወተሃደር ዝነበረ ኣቦይ ክትምርዓዎ ኸላ ሃይማኖታ ብጥብቂ እትኽተል ኣባል ቤተ⁠-​ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ነበረት። እዚ ቕድሚ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኢዩ ነይሩ። ብ1914 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ተባርዐ: እቲ ናይታ ቤተ⁠-​ክርስትያን ካህን ኣብ ስብከቱ ወተሃደራት ኰይኖም ንኽኽተቡ ዝርርብ ስለ ዝሃበ ኣደይ ተቓውሞኣ ኣስምዐት። እቲ ኻህን ዝሃባ መልሲ ግን ዘገርም ኢዩ ነይሩ። “ናብ ቤትኪ ኺዲ: ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ከኣ ኣይትጨነቒ!” በላ። እዚ ግን ኣየዕገባን።

ብ1917 እቲ ውግእ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ኣደይ ነታ “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ረኣየታ። ሓቂ ምርካባ ርግጸኛ ስለ ዝዀነት ብኡንብኡ ነቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ገዲፋ ምስቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሃሉ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓበረት። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኣውራጃ ሶመርሰት ኣብ እትርከብ ዌስት ኮከር እትበሃል ቍሸት ትነብር ነበረት። ኣብታ ዮቪል እትበሃል ጥቓ ቝሸትና ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ ዝነበረት ጉባኤ ድማ ኣኼባታት ትካፈል ነበረት።

ኣደይ ነዊሕ ከይጸንሐት ነቲ ሓድሽ እምነታ ንሰለስተ ኣሓታ ኣካፈለተን። ቀደም ዝነበሩ ኣባላት ጉባኤ ዮቪል: ኣደይን ሚሊ ሓብታን ኣብቲ ገጠራት እውን ዘጠቓልል ሰፊሕ ዞባ ብብሽክለታ እናዞራ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝበሃል ጽሑፍ ብቕንኢ ይዝርግሓ ኸም ዝነበራ ነጊሮምኒ ኢዮም። እቲ ዘሕዝን ግን: ኣደይ ብሰንኪ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ፈውሲ ዘይነበሮ ሕማም ዓባይ ሰዓል እተን ኣብ ህይወታ ዘሕለፈተን ናይ መወዳእታ 18 ኣዋርሕ ዓዲ ውዒል ኰይና ኢያ ነይራ።

ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእ ብግብሪ ኽርአ ኸሎ

እታ ኣብቲ ግዜ እቲ ምሳና ትነብር ዝነበረት ሓትኖይ ሚሊ: ኣደይ ምስ ሓመመት ኣለየታ: ንዓይን ነታ ጓል ሸውዓተ ዓመት ዝነበረት ጆኣን ሓብተይን ከኣ ትከናኸነና ነበረት። ኣደይ ምስ ሞተት ሓትኖይ ሚሊ ክትናብየና ኸም እትደሊ ነቦይ ነገረቶ። ኣቦይ ሓላፍነቱ ዘፋዅሰሉ ሰብ ብምርካቡ ምሳና ንኽትነብር ተሓጒሱ ፈቐደላ።

ንሓትነና ነፍቅራ ስለ ዝነበርና ምሳና ኽትነብር ምዃና ምስ ፈለጥና ተሓጒስና ኢና። ነዚ ውሳነ እዚ ዝገበረት ግን ስለምንታይ ኢያ፧ ኣቦይ ኣብ ሃይማኖት ተገዳስነት ስለ ዘይነበሮ: ነቲ ኣደይ ዘንበረቶ መሰረት ምእንቲ ኽትሃንጾ ኢላ ኢያ ነዚ ገይራ፣ እዚ ድማ ንዓይን ንጆኣንን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምምሃር ኢዩ ነይሩ።

ጸኒሕና እውን ሓትኖይ ሚሊ ካልእ ናይ ብሕቲ ውሳነ ኸም ዝገበረት ፈለጥና። ጽቡቕ ገይራ ምእንቲ ኽትኣልየና ኢላ ሓዳር ከይትገብር ወሰነት። ከመይ ዝበለ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኰን ኢያ ዘርኣየት! ኣነን ጆኣንን ነቲ ዝገበረቶ ዓሚቝ ሞሳ ዘይነርእየሉ ምኽንያት የብልናን። ኵሉ እቲ ሓትኖይ ሚሊ ዝመሃረትና ትምህርትን ዝገደፈትልና ብሉጽ ኣብነትን ኣብ ውሽጥና ሰሪጹ ኢዩ።

እዋን ውሳነ

ኣነን ጆኣንን ኣብ ቍሸትና ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን እንግሊዝ ንመሃር ነበርና: ኣብኡ ኸኣ ሓትኖይ ሚሊ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዘለዋ ጽኑዕ ኣቕዋም ነታ ዳይረክተር ሓቢራታ ነበረት። ካልኦት ተማሃሮ ናብቲ ቤተ⁠-​ክርስትያን ክኸዱ ኸለዉ ንሕና ናብ ቤትና ንኸይድ ነበርና። እቲ ኻህን ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ንኽምህር ናብቲ ቤት ትምህርቲ ኽመጽእ ከሎ ኸኣ ካብቶም ተማሃሮ ንፍለ እሞ ንኸነጽዖ ተባሂሉ ጥቕስታት ይወሃበና ነበረ። እቲ ሽዑ ዘንበብክዎ ኻብ ኣእምሮይ ስለ ዘይተሓከ ብዙሕ ጠቒሙኒ ኢዩ።

ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰንኩ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ፎርማጆ ንኽሰርሕ ኢለ ትምህርቲ ገደፍክዎ። ፒያኖ ምውቃዕ እውን ተማሃርኩ: ሙዚቃን ሳዕስዒትን ከኣ እቲ ዝፈትዎ መሕለፍ ግዜይ ነበረ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ልበይ ሱር እኳ እንተ ሰደደ: ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ግን ኣይጀመርኩን። ኣብ መጋቢት 1940 ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ናይ የሆዋ ምስክር ኣብቲ 110 ኪሎ ሜትር ዝኸውን ርሒቑ ዝርከብ ኣብ ስዊንደን ዝግበር ኣሰምብሊ ምስኣ ንኽኸይድ ዓደመትኒ። ኣብኡ ድማ እቲ ኣብ ብሪጣንያ ኣወሃሃዲ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ኣልበርት ዲ. ሽሮደር ህዝባዊ ዝርርብ ኣቕረበ። እቲ ኣሰምብሊ እቲ ኸኣ ነጥበ⁠-​መቐይሮ ህይወተይ ኰነ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኻልኣይ ውግእ ዓለም ተባሪዑ ነበረ። ስለዚ ኣብ ህይወተይ ሓደ ቝም ነገር ክገብር ከም ዘሎኒ ተሰምዓኒ። ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ዮቪል ክምለስ ወሰንኩ። ኣብኡ ኸይደ ኣብ እተኻፈልክዎ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ኸኣ ናይ መገዲ ምስክርነት ተጀመረ። ብዙሕ ፍልጠት እኳ እንተ ዘይነበረኒ: ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ንኽካፈል ፍቓደኛ ዀንኩ: እቶም ኣዕሩኽተይ እውን ምስ ረኣዩኒ ገረሞም: ኣላገጹለይ ከኣ!

ኣብ ሰነ 1940 ኣብ ከተማ ብሪስቶል ተጠመቕኩ። ኣብ ውሽጢ ወርሒ ስርዓታዊ ፓይነር ማለት ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ ዀይነ ኸገልግል ተመዝገብኩ። ቍሩብ ጸኒሓ ሓብተይ እውን ወፈያኣ ብማይ ጥምቀት ምስ ኣርኣየት ብዙሕ ኢየ ተሓጒሰ።

ኣብ እዋን ውግእ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል

እቲ ውግእ ምስ ተጀመረ ነዊሕ ከይጸንሐ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክህብ ተጸዋዕኩ። ሕልናይ ከም ዘይፈቕደለይ ብምግላጽ ኣብ ዮቪል ተመዝጊበ ስለ ዝነበርኩ: ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ብሪስቶል ዝነበሩ ሰበ⁠-​ስልጣን ቀረብኩ። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ምስ ጆን ዊን ኣብ ሲንደርፎርድ: ግላስተርሻየር: ብድሕሪኡ ኸኣ ኣብ ሃቨርፎርድዌስት: ካብኡ ኣብ ካርማርተን: ዌልስ: ፓይነር ኰይነ ኣገልጊለ ኢየ። a ጸኒሑ ኣብቲ ኣብ ካርማርተን ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዋንሲ ንሰለስተ ወርሒ ኽእሰርን 25 ፓውንድ ክቕጻዕን ተፈርደኒ፣ እዚ ገንዘብ እዚ ኸኣ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሕ ኢዩ ነይሩ። ጸኒሑ ኸኣ ነቲ እተወሰነለይ ገንዘብ ብዘይ​ምኽፋለይ ንኻልኣይ ግዜ ተወሳኺ ሰለስተ ወርሒ ኽእሰር ተፈርደኒ።

ንሳልሳይ ግዜ ጕዳየይ ኣብ እተሰምዓሉ እዋን “መጽሓፍ ቅዱስ ‘ናይ ቄሳር ንቄሳር ሃቡ’ ኸም ዝብል ኣይትፈልጥን ዲኻ፧” ዝብል ሕቶ ቐረበለይ። ኣነ ድማ “እወ: እፈልጥ ኢየ: እታ ጥቕሲ ግን ቀጺላ ‘ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሃቡ’ ኢያ ትብል። ኣነ ኸኣ ነዚ ኢየ ዝገብር ዘለኹ” ኢለ መለስኩ። (ማቴዎስ 22:⁠21) ድሕሪ ሒደት ሰሙናት ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ምዃነይ ዝገልጽ ደብዳበ ተዋህበኒ።

ኣብ መጀመርታ 1945 ኣባል ናይቲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ስድራ ቤትኤል ክኸውን ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብቲ ዝቕጽል ሓጋይ እቲ ንዓለምለኻዊ ስብከት ኣብ ምትሕብባር መሪሕነት ዝነበሮ ናታን ኤች. ኖርን ጸሓፊኡ ሚልተን ጂ. ሄንሸልን ናብ ለንደን ክበጽሑ መጹ። ሽዑ ኣብ ሻምናይ ክፍሊ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ንኽካፈሉ ኻብ ብሪጣንያ ሸሞንተ መንእሰያት ኣሕዋት ተመዝገቡ: ኣነ ድማ ሓደ ኻባታቶም ነበርኩ።

ሚስዮናዊ ኣገልግሎት

ብ23 ግንቦት 1946 ብሓንቲ ኻብተን ኣብ ግዜ እቲ ውግእ ዝስርሓ ዝነበራ ናጽነት ዝበሃላ መራኽብ ገይርና ካብቲ ኣብ ኮርንወል ዝርከብ ንእሽቶ ወደብ ፋወይ ነቐልና። እቲ ካፕቴን ኮሊንስ ዝበሃል ሓላፊ ናይቲ ወደብ ናይ የሆዋ ምስክር ስለ ዝነበረ: ካብቲ ወደብ ክንነቅል ከሎና መፋነዊ መለኸት ነፍሐ። ኵላትና ኻብ ገማግም እንግሊዝ እናረሓቕና ኽንከይድ ከሎና እተሓዋወሰ ስምዒት ፈጢሩልና ነይሩ። ንኣትላንቲክ ውቅያኖስ ክንሰግር ከሎና ማዕበላት እኳ እንተ ኣጋጠመና: ድሕሪ 13 መዓልቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብደሓን ኣተና።

ኣብቲ ኣብ ክሊቭላንድ: ኦሃዮ: ካብ 4 ክሳዕ 11 ነሓሰ 1946 እተገብረ ሸሞንተ መዓልቲ ዝወሰደ “ሕጉሳት ኣህዛብ” ዘርእስቱ ኣህጉራዊ ቲኦክራሲያዊ ኣሰምብሊ ምክፋለይ ዘይርሳዕ ተመክሮ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ሰማንያ ሽሕ ዝዀኑ ኣኼበኛታት ተረኺቦም ነይሮም: 302 ካብዚኣቶም ድማ ካብ 32 ሃገራት ዝመጹ ነበሩ። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ እታ ንቕሑ! b እትበሃል መጽሔትን “ለት ጎድ ቢ ትሩ ” ዘርእስታ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትሕግዝ መጽሓፍን ወጻ: እቶም ኣኼበኛታት ከኣ ብውዕዉዕ ስምዒት ተቐበልወን።

ብ1947 ካብ ጊልዓድ ምስ ተመረቕና: ኣነን ቢል ኮፕሰንን ናብ ግብጺ ተመደብና። ቅድሚ ምኻድና ግን ኣብ ብሩክሊን ቤትኤል ከለኹ ሪቻርድ ኣብራሃምሰን ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ቤት ጽሕፈት ጽቡቕ ስልጠና ሃበኒ። ድሕርዚ ብመርከብ ናብ ኣለክሳንደርያ ተጓዓዝና: ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ ኣነባብራ ማእከላይ ምብራቕ ለመድክዎ። እንተዀነ ግን: ዓረብኛ ኽመሃር ከቢዱኒ ስለ ዝነበረ: ብእተፈላለየ ኣርባዕተ ቛንቋታት እተዳለወ ንምስክርነት ዘገልግል ካርድታት እጥቀም ነበርኩ።

ቢል ኮፕሰን ንሸውዓተ ዓመታት ጸንሐ: ኣነ ግን ድሕሪ ዓመት ቪዛይ ከሐድሶ ኣይከኣልኩን: ስለዚ ኻብታ ሃገር ወጻእኩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ዘሕለፍክዎ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ፍረ ዝረኸብኩሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሰሰሙን 20 ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምራሕ መሰል ረኺበ ነይረ: ገለ ኻብቶም ሽዑ ሓቂ ዝፈለጡ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ንጡፋት ኰይኖም ንየሆዋ ይውድስዎ ኣለዉ። ካብ ግብጺ ምስ ወጻእኩ ናብ ቆጵሮስ ተመደብኩ።

ቆጵሮስን እስራኤልን

ሓድሽ ቋንቋ ማለት ቋንቋ ግሪኽ ክማሃር ጀመርኩ: ነቲ ናይቲ ኸባቢ ላህጃ እውን ክለምዶ ነበረኒ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን ኣንተኒ ሲዳረስ ናብ ግሪኽ ምስ ተቐየረ: ተዓዛቢ ናይቲ ኣብ ቆጵሮስ ዝግበር ኣገልግሎት ኰይነ ንኸገልግል ተመዘዝኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ: እስራኤል እውን ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ቆጵሮስ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ስለ ዝነበረት: ምስ ካልኦት ኣሕዋት ኰይነ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሒደት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ናይ ምብጻሕ መሰል ረኺበ ኢየ።

ንመጀመርታ ግዜ ናብ እስራኤል ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን: ኣብ ሃይፋ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቤት መግቢ 50 ወይ 60 ዝዀኑ ተኣከብቲ ዝነበርዎ ኣሰምብሊ ገበርና። ብብሄራት ከፋፊልና ኸኣ ብሽዱሽተ ቋንቋታት ነቲ ኣሰምብሊ ኣካየድናዮ! ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ፊልም ኣብ የሩሳሌም ኣርኣኹ: ህዝባዊ ዝርርብ እውን ሃብኩ: ነዚ ድማ ኣብቲ ዓዲ ብእንግሊዝኛ እትሕተም ጋዜጣ ጽቡቕ ጸብጻብ ሂባትሉ ነይራ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ቆጵሮስ 100 ኣቢሎም ዝዀኑ ኣሕዋት ነበሩ: ንእምነቶም ድማ ኽጋደሉ ነበሮም። ኣቕሽሽቲ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስ ቤተ⁠-​ክርስትያን መሪሖምዎም ዝመጹ መናዓብቲ ኣብ መንጎ ኣሰምብሊታትና ይርብሹና ነበሩ። ኣብ ገጠራት እናመስርኩ ኸለኹ እምኒ ምስ ደርበዩለይ እውን ሓድሽ ነገር ኰይኑኒ ኢዩ። ቀልጢፈ ኻብቲ ቦታ ኽርሕቕ ከም ዘሎኒ ኽመሃር ነበረኒ! ከምዚ ዝኣመሰለ ብርቱዕ ምጽራር እናኣጋጠመ ኸሎ: ካልኦት ሚስዮናውያን ናብታ ደሴት ተመዲቦም ብምምጽኦም ንእምነትና ኣበራቲዕዋ ኢዩ። ደኒስ ማቲውስን ማቪስ ማቲውስን: ጆኣን ሀሊ: ከምኡውን በርየል ሀይዉድ ናብታ ኣነ ዝነበርኩላ ፋማጉስታ ኽምደቡ ኸለዉ: ቶም ጎልደንን ሜሪ ጎልደንን ከምኡውን እታ ኣብ ለንደን እተወልደት ኒና ኮንስታንቲ እትበሃል ቆጵሮሳዊት ናብ ሊማሶል ተመደቡ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቢል ኮፕሰን እውን ናብ ቆጵሮስ ተቐዪሩ መጸ: ጸኒሑ በርት ቫይሰይን በርይል ቫይሰይን ሰዓብዎ።

ምስ ናይ ኵነታት ለውጢ ተወሃሂድካ ምንባር

ኣብ መወዳእታ 1957 ስለ ዝሓመምኩ ሚስዮናዊ ዀይነ ኸገልግል ኣይከኣልኩን። በዚ እናሓዘንኩ ኽሳዕ ዝጥዒ ናብ እንግሊዝ ክምለስ ወሰንኩ: ኣብኡ ኸኣ ክሳዕ 1960 ፓይነር ኰይነ ኣገልገልኩ። ሓብተይን ሰብኣያን ብሕያውነት ኣብ ቤቶም ተቐበሉኒ: እንተዀነ ግን ኵነታት ተቐያዪሩ ጸንሓኒ። ጆኣን ብዙሕ ጸገማት የጋጥማ ነበረ። ኣብቲ ዓዲ ኣብ ዘይነበርኩሉ ዝሓለፈ 17 ዓመታት ኣብ ርእሲ እቲ ንሰብኣያን ንጓላን እትገብሮ ኽንክን: ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡን ጥዕና ዘይነበሮምን ኣቦይን ሓትኖይ ሚሊን ትኣልዮም ነበረት። እቲ ሓትኖይ ዘርኣየትና ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ ኣብነት ክቐድሖ ኸም ዘሎኒ ንጹር ኰነለይ: ስለዚ ሓትኖይን ኣቦይን ክሳዕ ዝሞቱ ምስ ሓብተይ ጸናሕኩ።

ርግጽ ኢዩ: ኣብ እንግሊዝ ናብራይ ከጣጥሕ ምቐለለኒ ነይሩ: እንተዀነ ግን ንእተወሰነ እዋን ዕረፍቲ ድሕሪ ምግባር ናብቲ እተመደብኩሉ ክኸይድ ግዴታ ኸም ዘሎኒ ተሰምዓኒ። ክርሳዕ ዘይብሉ ኸኣ ማሕበር የሆዋ ንኸተሰልጥነኒ ብዙሕ ገንዘብዶ ኣይኰነትን ዘጥፍአት፧ ስለዚ ብ1972 ባዕለይ ናብ ቆጵሮስ ተመሊሰ ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ጀመርኩ።

ኣብ ዓመቱ ንዝግበር ዓብዪ ኣኼባ ምድላዋት ክገብር ናታን ኤች. ኖር መጺኡ ነይሩ። ናብቲ ዓዲ ኸም እተመለስኩ ምስ ፈለጠ: ናይ ብምልእታ እታ ደሴት ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ዀይነ ኸገልግል መዘዘኒ: ኣብዚ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ከኣ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣገልገልኩ። እንተዀነ ግን: ዝበዝሕ ግዜ ቛንቋ ግሪኽ ክዛረብ ስለ ዝነበረኒ ቐሊል ሓላፍነት ኣይነበረን።

እዋን ጸገም

ኣብቲ እዋን እቲ ኣብታ ብወገን ምብራቕ ናይቲ ኪሪንያ ዝበሃል ሰሜናዊ ገማግም እትርከብ ቍሸት ካራኮሚ: ምስ ፖል ኣንደራዩ ዝበሃል ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረብ ቆጵሮሳዊ ናይ የሆዋ ምስክር እነብር ነበርኩ። ኣብ ቆጵሮስ ዝነበረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ኸኣ ብወገን ደቡብ ኣኽራናት ኪሪንያ ኣብ እትርከብ ከተማ ኒቀስያ ነበረ። ኣብ መጀመርታ ሓምለ 1974 ንፕረዚደንት ማካርዮስ ንምግልባጥ ዕልዋ መንግስቲ ኽግበር ከሎ ኣብ ኒቀስያ ነበርኩ: ቤተ መንግስቱ ብሓዊ ኽህሞኽ ከሎ እውን ርእየዮ ኢየ። ኵነታት ምስ ሃድአ: ተቐላጢፈ ናብቲ ንናይ ወረዳ ኣሰምብሊ እንዳለወሉ ዝነበርና ኪሪንያ ከድኩ። ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ እታ ናይ መጀመርታ ቦምብ ኣብቲ ወደብ ክትወድቕ ከላ ሰማዕኩ: እቲ ሰማይ ከኣ በተን ነቶም ወረርቲ ወተሃደራት ቱርኪ ሒዘን ዝመጻ ሄሊኮፕተራት መልአ።

ዜጋ ብሪጣንያ ስለ ዝዀንኩ: ወተሃደራት ቱርኪ ናብ ወሰን ኒቀስያ ወሰዱኒ: ኣብኡ ኸኣ ሓደ ምስ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ርክብ ዝነበሮ ሰራሕተኛ ሕቡራት ሃገራት ቃለ⁠-​መጠይቕ ገበረለይ። ድሕሪኡ ነቲ ኣብ መንጎ እቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ዝነበረ ዋላ ሓደ ሰብ ዘይቈጻጸሮ ቦታ ኽሰግሮ ነበረኒ። እቲ ቦታ እተበታተኸ መስመራት ቴለፎንን ኤሌክትሪክን መሊእዎ ነበረ: እቲ ኣባይቲ እውን ሰብ ኣይነበሮን። ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበረኒ መራኸቢ መስመር ፈጺሙ ዘየቋርጽ ምዃኑ ግን ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ እተሓጐስኩ! ኣብዚ ኣዝዩ ዘጨንቕ እዋን ጸሎት ኣጽኒዑኒ ኢዩ።

ንብረተይ ብምልኡ እኳ እንተ ጠፍአ: ዕቝባ ናይቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብምርካበይ ግን ተሓጒሰ ኢየ። ይኹን እምበር: እዚ ዅነታት ነዊሕ ኣይቀጸለን። ኣብ ውሽጢ መዓልትታት እቲ ወራሪ ሓይሊ ነቲ ተሪፍዎ ዝነበረ ሓደ ሲሶ ዝኸውን ሰሜናዊ ኽፋል እታ ደሴት ተቘጻጸሮ። ቤትኤል ገዲፍና ናብ ሊማሶል ክንከይድ ነበረና። ኣብኡ ድማ ነቶም 300 ዝዀኑ በቲ ናዕቢ እተተንከፉ: መብዛሕትኦም ከኣ ኣባይቶም ዝሰኣኑ ኣሕዋት ንምሕጋዝ ኣብ ዝቘመ ኮሚተ ኽዓዪ ብምኽኣለይ ኣሐጒሱኒ ኢዩ።

ኣብ ናይ ኣገልግሎት ምድበይ እተገብረ ተወሳኺ ለውጥታት

ኣብ ጥሪ 1981 ናብ ግሪኽ ከይደ ምስቶም ኣብ ኣቴንስ ዝርከቡ ስድራ ቤትኤል ከገልግል ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል ጻውዒት ቐረበለይ: ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት ግን ናብ ቆጵሮስ ተመለስኩ እሞ ኣወሃሃዲ ኮሚተ ጨንፈር ኰይነ ተመዘዝኩ። እቶም ካብ ለንደን እተላእኩ ቆጵሮሳውያን ዝዀኑ ኣንድርያስ ኮንዶዮርጊስ ከምኡውን በዓልቲ ቤቱ ማሮ “ምጽንናዕ” ኰይኖምኒ ኢዮም።​—⁠ቈሎሴ 4:⁠11

ብ1984 ሓው ቴዶር ጃራዝ ዝገበረልና ናይ ዞን ምብጻሕ ኣብ ዝዛዝመሉ እዋን ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል “ሓው ጃራዝ ምብጻሑ ምስ ወድአ: ምስኡ ናብ ግሪኽ ኪድ” ዝብል ደብዳበ መጸኒ። ናይዚ ምኽንያት ኣይተገልጸለይን: ኣብ ግሪኽ ምስ በጻሕና ግን ናይታ ሃገር ኣወሃሃዲ ኮሚተ ጨንፈር ንኽኸውን ኸም እተመዘዝኩ እትገልጽ ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ካልእ ደብዳበ ነቶም ናይቲ ሃገር ኮሚተ ጨንፈር ተነበትሎም።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ግሪኽ ክሕደት ዘስፋሕፍሓሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። ብዘይ​ሕጋዊ መገዲ ሃይማኖት ኣቐይርኩም ብዝብል ክስታት ድማ ተኸሲስና ነይርና። መዓልታዊ ህዝቢ የሆዋ ይእሰሩን ኣብ ቅድሚ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ ይቐርቡን ነበሩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ፈተና ጸኒዖም ንጽህናኦም ክሕልዉ ምስ ዝኸኣሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ክፋለጥ ብምኽኣለይሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ መሰል ኰን ኢዩ! ኣብ መወዳእታኡ ገለ ኻብቲ ጕዳያት ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኣውሮጳ ቐረበ: እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ግሪኽ ዝግበር ዕዮ ስብከት ዘደንቕ ውጽኢት ነይርዎ ኢዩ። c

ኣብ ግሪኽ ኣብ ዘገልገልኩሉ እዋናት: ኣብ ኣቴንስን ተሰሎንቄን ኣብ ደሴታት ሮዶስን ቅሬጥስን ኣብ እተገብረ ዘይርሳዕ ዓበይቲ ኣኼባታት ተኻፊለ ኢየ። ኣብታ ሃገር እቲኣ ኣርባዕተ ባህ ዘብልን ብዙሕ ፍረ ዘለዎን ዓመታት ኣሕለፍኩ: እንተዀነ ግን ሓደ ለውጢ መጸ: ብ1988 ናብ ቆጵሮስ ተመለስኩ።

ናብ ቆጵሮስ ብድሕሪኡ ናብ ግሪኽ

ካብ ቆጵሮስ ወጻኢ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ: እቶም ኣሕዋት ናብቲ ካብ ኒቀስያ ሒደት ኪሎ ሜትራት ወጺእካ ኒሶ ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ ሓድሽ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ግዒዞም ጸንሑኒ። ኣብ ብሩክሊን ካብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝመጸ ካሪ ባርበር ከኣ ናይ ወፈያ ዝርርብ ሃበ። ኣብታ ደሴት እቲ ዅነታት ተረጋጊኡ ነበረ: ብምምላሰይ እኳ እንተ ተሓጐስኩ ነዊሕ ግን ኣይጸናሕኩን።

ኣብ ግሪኽ: ካብ ኣቴንስ ሒደት ኪሎ ሜትራት ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቦታ ሓድሽ ቤትኤል ንኽህነጽ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣጽደቐ። እንግሊዝኛን ቋንቋ ግሪኽን ክዛረብ ስለ ዝኽእል: ብ1990 ናብቲ ሓድሽ ህንጻ ዝህነጸሉ ቦታ ብምኻድ ተርጓሚ ናይቶም ኣህጉራውያን ኣገልገልቲ ዀይነ ንኽዓዪ ጻውዒት ቀረበለይ። ኣብ እዋን ክረምቲ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ: ነቶም ምስ ናይ ህንጸት ጕጅለ ኽዓዩ ዝመጹ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ግሪኻውያን ኣሕዋትን ኣሓትን እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ክብሎም ከለኹ ዝስምዓኒ ዝነበረ ሓጐስ ክሳዕ ሕጂ ኢዩ ዝዝከረኒ! ዝነበሮም ሓጐስን ቅንእን ፈጺመ ኣይርስዖን ኢየ።

ኣቕሽሽቲ ናይ ግሪኽ ኦርቶዶክስን ደገፍቶምን ናብቲ ቦታ መጺኦም ነቲ ዕዮ ኽዓናቕፉ ጽዒሮም ኢዮም: የሆዋ ግን ጸሎትና ሰሚዑ ኣዕቈበና። ብ13 ሚያዝያ 1991 እቲ ሓድሽ ህንጻ ቤትኤል ክሳዕ ዝውፈ ኣብኡ ጸናሕኩ።

ነታ ፍቕርቲ ሓብተይ ዝገበርኩላ ሓገዝ

ኣብታ እትቕጽል ዓመት ንዕረፍቲ ናብ እንግሊዝ ተመለስኩ: ኣብ እንዳ ሓብተይ ከኣ ኣተኹ። እቲ ዘሕዝን ግን ኣብኡ ኸለኹ ዘማይ ብድኻም ልቢ ሞተ። ሚስዮናዊ ዀይነ ኣብ ዘገልግለሉ እዋን: ጆኣን እዚ ዘይበሃል ሓገዝ ገይራትለይ ኢያ። ዘተባብዕ ደብዳበ ከይጸሓፈትለይ ዝሓለፈት ሰሙን ኣይነበረትን። ከምዚ ዝኣመሰለ ምትብባዕ ንሓደ ሚስዮናዊ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን ኢዩ! ሕጂ ግን መበለት ኢያ: ጥዕና ስለ ዘይብላ እውን ሓገዝ የድልያ ኢዩ። እንታይ ኽገብር ኣሎኒ፧

ቴልማ ጓል ጆኣንን በዓል ቤታን ንሓንቲ ኣብ ጉባኤኦም እትርከብ ከቢድ ሕማም ዝነበራ ሰብኣያ ዝሞታ ዘመድና ይኣልዩ ነበሩ። ስለዚ ድሕሪ ብዙሕ ጸሎት ንጆኣን ኣብ ምእላይ ምእንቲ ኽሕግዝ ክጸንሕ ወሰንኩ። እዚ ለውጢ እዚ ግን ቀሊል ኣይነበረን: እንተዀነ ግን ኣብታ ፔን ሚል እትበሃል ሓንቲ ኻብተን ኣብ ዮቪል ዝርከባ ኽልተ ጉባኤታት ሽማግለ ዀይነ ንኸገልግል መሰል ረኺበ ኢየ።

ምስቶም ኣብ ወጻኢ ሃገር መገላግልተይ ዝነበሩ ኣሕዋት ብቐጻሊ ብቴለፎንን ደብዳበን ንራኸብ ኢና: ነዚ ኸኣ ኣዝየ ኢየ ዘማስወሉ። ናብ ግሪኽ ወይ ቆጵሮስ ክምለስ እንተ ዝብል: ብቕልጡፍ ቲከት ከም ዝሰዱለይ እፈልጥ ኢየ። ሕጂ ግን ወዲ 80 ዓመት ስለ ዝዀንኩ: ዓይነይ ደኺሙ ኢዩ: ጥዕና እውን የብለይን። ከም ቀደመይ ንጡፍ ክኸውን ዘይምኽኣለይ የሕዝነኒ ኢዩ: እንተዀነ ግን ኣብ ቤትኤል ዘሕለፍክዎ ዓመታት ክሳዕ ሎሚ ብዙሕ ዝሕግዘኒ ጠቓሚ ልማዳት ንኸማዕብል ሓጊዙኒ ኢዩ። ንኣብነት: ወትሩ ቀቅድሚ ቝርሲ ዕለት ጥቕሲ አንብብ ኢየ። ምስ ሰባት ተሰማሚዕካ ምንባርን ምፍቃሮምን እውን ተማሂረ ኢየ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ዕዉት ንምዃን ዝሕግዝ ቀንዲ ረቛሒ ኢዩ።

ንየሆዋ ኣብ ምግልጋል ዘሕለፍክዎ ልዕሊ 60 ዝኸውን ዓመታት ምልስ ኢለ ኽርእዮ ኸለኹ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝያዳ ዕቝባን ዝበለጸ ትምህርትን ዝረኸብኩሉ ምዃኑ እግንዘብ። ነቲ ዳዊት “ንስኻ እምባ: ብመዓልቲ ጸበባይውን መዕቈቢ ዄንካ ኢኻ” ብምባል ብዛዕባ የሆዋ እተዛረቦ ቓላት ብምሉእ ልበይ ከቃልሖ እኽእል ኢየ።​—⁠መዝሙር 59:⁠16

[እግረ-ጽሑፋት]

a ታሪኽ ህይወት ጆን ዊን ኣብ ናይ 1 መስከረም 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 25-8 “ልበይ ብምስጋና ይጅርብብ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ወጺኡ ኢዩ።

b ኣቐዲማ ብእንግሊዝኛ ኮንሶሌሽን ተባሂላ ትፍለጥ ነበረት።

c ናይ 1 ታሕሳስ 1998 ገጽ 20-1 ከምኡውን ናይ 1 መስከረም 1993 (እንግሊዝኛ) ገጽ 27-31 ግምቢ ዘብዐኛ፣ ናይ 8 ጥሪ 1998 (እንግሊዝኛ) ገጽ 21-2 ከምኡውን ናይ 22 መጋቢት 1997 (እንግሊዝኛ) ገጽ 14-15 ንቕሑ ! ርአ።

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ግሪኽ

ቆጵሮስ

ፋማጉስታ

ሊማሶል

ኪሪንያ

ኒቀስያ

ኣቴንስ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ኣደይ ብ1915 እተሳእለቶ

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ብ1946 ኣነን (ካብ ጸጋም ራብዓይ ) ኣብ ሻምናይ ክፍሊ ጊልዓድ ዝነበሩ ኣሕዋትን ኣብ ናሕሲ እቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቤትኤል

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ንመጀመርታ ናብ እንግሊዝ ምስ ተመለስኩ ምስ ሓትኖይ ሚሊ