ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መሪሕነት ክርስቶስ ህያው ኰይኑዶ ይረኣየካ ኢዩ፧

መሪሕነት ክርስቶስ ህያው ኰይኑዶ ይረኣየካ ኢዩ፧

መሪሕነት ክርስቶስ ህያው ኰይኑዶ ይረኣየካ ኢዩ፧

“መራሒኹም ሓደ እዩ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ: ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ።”ማቴዎስ 23:10

1. መራሒ ናይ ሓቂ ክርስትያናት መን ጥራይ ኢዩ፧

 እዋኑ ሰሉስ 11 ኒሳን ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ የሱስ ክስቀል ነበሮ። ናብ ቤት⁠-​መቕደስ ንመወዳእታ ግዜ ዝኸደሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ነቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባትን ንደቀ መዛሙርቱን ኣገዳሲ ትምህርቲ መሃሮም። ከምዚ ኸኣ በሎም:- “ንስኻትኩም ግና: መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ: መምህራን ኣይትብሀሉ: ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ: ሓደ እዩ እሞ: ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ እዩ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ: ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ።” (ማቴዎስ 23:8-10) የሱስ ክርስቶስ መራሒ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምዃኑ ንጹር ኢዩ።

2, 3. ንየሆዋ ምስማዕን ነቲ ንሱ ዝሸሞ መራሒ ምቕባልን ኣብ ህይወትና እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧

2 ንመሪሕነት የሱስ ምስ እንቕበሎ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንጥቀም! የሆዋ ኣምላኽ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ብዛዕባ ምምጻእ ናይዚ መራሒ ኸምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ኣቱም ጽሙኣት ኵላትኩም: ናብ ማያት ንዑ: ኣቱም ገንዘብ ዜብልኩም ከኣ: ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ። እወ ንዑ: ብዘይ​ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ። . . . ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ: ነቲ ዝጸበቐ ኸኣ ብልዑ: ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ። . . . እንሆ: ምስክር ንህዝብታት: መስፍንን [“መራሕን:” NW ] ገዛእን ንህዝብታት ኪኸውን ሀብክዎ።”​—⁠ኢሳይያስ 55:1-4

3 ኢሳይያስ ንየሆዋ ክንሰምዖ ከምኡውን ነቲ ንሱ ዝሃበና መራሕን ገዛእን ክንስዕብ ከሎና ብሕታዊ ህይወትና ብኸመይ ከም ዝትንከፍ ንምግላጽ ከም ማይ: ጸባ: ከምኡውን ወይኒ ዝኣመሰለ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዝዝውተር ፈሳሲ ኸም ምሳሌ ተጠቒሙሉ ኣሎ። እቲ ዝርከብ ውጽኢት ንመንፈስ ዘሐድስ ኢዩ። ከምቲ ኣብ እዋን ሃሩር እንሰትዮ ዝሑል ጣሳ ማይ ዘርዊ ኢዩ። ንሓቅን ጽድቅን ዘሎና ጽምኢ ድማ ረውዩ ኢዩ። ከምቲ ጸባ ንቘልዑ ዘደልድሎምን ከም ዝዓብዩ ዝገብሮምን: እቲ ‘መንፈሳዊ ጸባ’ ኸኣ ኣብቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ የደልድለናን መንፈሳዊ ዕቤት ንኽንገብር የኽእለናን ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 2:⁠1-3) ወይኒ ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ንልቢ ሰብ ኣብ ምሕጓስ ኣበርክቶ ኸም ዝገብር ኵልና እንሰማምዓሉ ነገር ኢዩ። ብተመሳሳሊ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምምላኽን ኣሰር እቲ ንሱ ዝሸሞ መራሒ ምስዓብን ህይወት “ምሉእ ሓጐስ” ከም ዝህልዋ ይገብር። (ዘዳግም 16:⁠15) ስለዚ ንኣሽቱ ንኹን ዓበይቲ: ደቂ ተባዕትዮ ንኹን ደቂ ኣንስትዮ: ኵላትና መሪሕነት ክርስቶስ ህያው ኰይኑ ኽረኣየና ኣለዎ። እቲ መሲህ መራሒና ምዃኑ ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

መንእሰያት​—⁠‘ብጥበብ እናዓበኹም’ ኪዱ

4. (ሀ) የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ፋስጋ ንምብዓል ናብ የሩሳሌም ምስ ከደ እንታይ ኣጋጠመ፧ (ለ) የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ፍልጠቱ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ነይሩ፧

4 እቲ መራሒና ንመንእሰያት ዝገደፈሎም ኣብነታት እስከ ንርአ። ብዛዕባ ግዜ ቝልዕነት የሱስ ብዙሕ ዘይንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና: ጐሊሑ ዝርአ ሓደ ፍጻመ ግን ነበረ። የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ: ወለዱ ኸምቲ ዓመት ዓመት ዝገብርዎ ፋስጋ ንኸብዕሉ ናብ የሩሳሌም ሒዞሞ ኸዱ። ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምይይጥ ተጸሚዱ ኸሎ ወለዱ ከይፈለጡ ገዲፎሞ ተበገሱ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልትታት እቶም ተሻቒሎም ዝነበሩ ዮሴፍን ማርያምን ወለዱ ኣብ ቤተ መቕደስ “ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሐተቶምን ረኸብዎ።” ኣብ ርእሲ እዚ “ዝሰምዕዎ ዘበሉ . . . በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ።” ሕስብ እሞ ኣብሎ: የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ዘመራምር መንፈሳዊ ሕቶታት ይሓትት ነይሩ ጥራይ ዘይኰነስ ምስትውዓል ዝንጸባረቖ መልስታት እውን ይህብ ነይሩ! ብዘይ​ጥርጥር ናይ ወለዱ ስልጠና ሓጊዝዎ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 2:⁠41-50

5. መንእሰያት ነቲ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ዘለዎም ኣረኣእያ ኽብ ከብሉ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

5 ምናልባት መንእሰይ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ወለድኻ ውፉያት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንተደኣ ዀይኖም: ኣብ ቤትኩም ስሩዕ መደብ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘለኩም ፍሉጥ ኢዩ። ብዛዕባ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቲ ኸመይ ይስምዓካ፧ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ንምንታይ ዘይትሓስበሉ:- ‘ነቲ ኣብ ስድራ​ቤትና እንገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉእ ልበይ እድግፎ ድየ፧ ነቲ ዝወጸ መደብ ዝዓናቕፍ ነገር ብዘይ​ምግባር ደገፈይ እህብ ድየ፧’ (ፊልጲ 3:⁠16) ‘ኣብቲ መጽናዕቲ ብንጥፈት እሳተፍ ድየ፧ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ብዛዕባ እቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ ሕቶ እሓትትን ብዛዕባ ኣወዓዕላኡ ሓሳብ እህብን ድየ፧ ብመንፈስ እናዓበኹ ክኸይድ ከለኹ: “ነቶም ብጹሓት ዝኸውን ዕጹም ብልዒ” ናይ ምምጋብ ሸውሃት አማዕብል ኣለኹ ድየ፧’​—⁠እብራውያን 5:⁠13, 14

6, 7. መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምንባብ መደብ ንመንእሰያት ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ጠቓሚ ክኸውን ዝኽእል፧

6 መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር እውን ጠቓሚ ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ . . . ብሕጊ እግዚኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ” በለ። (መዝሙር 1:1, 2) እቲ ንሙሴ ዝተክኦ እያሱ ‘ነቲ መጽሓፍ መዓልትን ለይትን የስትንትኖ’ ነበረ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መዝነት ኣብ ምፍጻም ብጥበብ ንኽመላለስ ኣኽኢልዎ ኢዩ። (እያሱ 1:⁠8) መራሒና የሱስ ክርስቶስ እውን “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን: ጽሑፍ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 4:4) ስጋዊ መግቢ መዓልታዊ ዘድልየና ኻብ ኰነ: መንፈሳዊ መግቢ ደኣኸ ኽሳዕ ክንደይ ብዝያዳ ዘየድልየና!

7 ኒኮል እትበሃል ጓል 13 ዓመት ኰተቴ ብመንፈስ ዘድልያ ነገራት ስለ እተገንዘበት መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ጀመረት። a ሕጂ ኣብ መበል 16 ዓመታ ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንሳእ ወዲኣስ ካልኣይ ግዜ ኣብ ፍርቂ በጺሓ ኣላ። እትጥቀመሉ ሜላ ቐሊል ኢዩ። “ኣብ መዓልቲ እንተ ወሓደ ሓንቲ ምዕራፍ ንኸንብብ ቈራጽነት ገበርኩ” ብምባል ትገልጽ። እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ሓጊዝዋ፧ ከምዚ ብምባል ትምልስ:- “ሎሚ ብዝኸድካዮ ሕማቕ ጽልዋ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ካልእ ቦታታትን ንእምነተይ ዝፍትን ጸቕጥታት የጋጥመኒ ኢዩ። መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባበይ ነዚ ጸቕጥታት እዚ ንኽጻወሮ ዘተባብዕ ትእዛዛትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ንኽዝክር ሓጊዙኒ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ናብ የሆዋን የሱስን ዝያዳ ኸም ዝቐረብኩ ኢዩ ዝስምዓኒ።”

8. የሱስ ኣብ ቤት ጸሎት እንታይ ናይ ምግባር ልማድ ነበሮ: መንእሰያት ክመስልዎ ዝኽእሉኸ ብኸመይ ኢዮም፧

8 የሱስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣብ ዝግበር ዝነበረ ንባብ ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ምስማዕን ምስታፍን ልማድ ነበሮ። (ሉቃስ 4:⁠16፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠21) መንእሰያት ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝንበበሉን ዝጽናዓሉን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ብምክፋል ነዚ ኣብነት እዚ ምስ ዝስዕቡ: ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዮም ሰናይ ዝረኽቡ! ሓደ ሪቻርድ ዝበሃል ወዲ 14 ዓመት መንእሰይ ነዚ ኣኼባታት እዚ ዘለዎ ሞሳ ኸምዚ ኢሉ ገለጸ:- “ኣኼባታት ብዙሕ ኢዩ ዝጠቕመኒ። ጽቡቕን ክፉእን: ስነ⁠-​ምግባራውን ዘይስነ⁠-​ምግባራውን: ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያትን ኣንጻሩን እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ እዘኻኸር ኢየ። ካብ ተመክሮ ማለት ኣብ ህይወተይ ሽግር ምስ ኣጋጠመኒ ኣይኰንኩን ክመሃሮ ዝደሊ።” እወ: “ምስክር [“መዘኻኸሪ:” NW ] እግዚኣብሄር እሙን እዩ: ንገርሂ የጥብቦ።” (መዝሙር 19:7) ኒኮል እውን ኣብ ሰሰሙን ኣብ ሓሙሽቲኡ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንምክፋል ቈራጽነት ገይራ ኢያ። ነዚ ኣኼባታት እዚ ንምድላው ከኣ ካብ ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ሰዓታት ተሕልፍ ኢያ።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠15, 16

9. መንእሰያት ‘ብጥበብ ክዓብዩ’ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧

9 ግዜ ንእስነት ‘ብዛዕባ እቲ በይኑ ኣምላኽ ሓቂ ዝዀነን እቲ ዝለኣኾ የሱስ ክርስቶስን ንምፍላጥ’ ጽቡቕ እዋን ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠3) ናይ ዋዛ መጽሔት ኣብ ምንባብ: ተለቪዥን ኣብ ምርኣይ: ጸወታታት ቪድዮ ኣብ ምጽዋት: ወይ ኣብ ኢንተርነት ሓበሬታ ኣብ ምንዳይ ብዙሕ ግዜ ዘጥፍኡ መንእሰያት ትፈልጥ ትኸውን። ነቲ ፍጹም ኣብነት ናይ መራሒኻ ክትስዕብ እናኸኣልካ ንምንታይ ነዚኣቶም እትመስሎም፧ የሱስ ንእሽቶ ኸሎ ብዛዕባ የሆዋ ኽመሃር ባህ ይብሎ ነበረ። ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ ንመንፈሳዊ ነገራት ፍቕሪ ስለ ዝነበሮ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብ . . . ዐበየ።” (ሉቃስ 2:52) ንስኻውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።

‘ንሓድሕድኩም እዙዛት ኩኑ’

10. ናብራ ስድራ​ቤት ምንጪ ሰላምን ሓጐስን ንኽኸውን ዝሕግዝ እንታይ ኢዩ፧

10 ሓንቲ ቤት ሰላም ዝሰፈናን ዕግበት ዝርከባን ወይ ከኣ ባእስን ቈየቛን ዝመልኣ ኽትከውን ትኽእል ኢያ። (ምሳሌ 21:⁠19፣ 26:⁠21) መሪሕነት ክርስቶስ ምቕባልና ንሰላምን ሓጐስን ስድራ​ቤትና ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። የሱስ ዝገደፎ ኣብነት ኣብ ስድራ​ቤት ኣብ ዘሎ ርክባት ክዕየየሉ ዝግባእ ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ይብለና:- “ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ: ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ: ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ: ኣትን ኣንስቲ: ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም። . . . ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ: ኣቱም ሰብኡት: ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። . . . ርእሱ [ድማ] በጃኣ ሀበ።” (ኤፌሶን 5:21-25) ሃዋርያ ጳውሎስ ንጉባኤ ቈሎሴ “ኣቱም ውሉድ: እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ: ንወለድኹም ብዅሉ ተአዘዝዎም” ኢሉ ጸሓፈሎም​—⁠ቈሎሴ 3:18-20

11. ሓደ ሰብኣይ መሪሕነት ክርስቶስ ህያው ከም ዝዀነሉ ብኸመይ ከርኢ ይኽእል፧

11 ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ማለት ሰብኣይ ኣብ ስድራ​ቤቱ መሪሕነት ይወስድ: ሰበይቱ ብተኣማንነት ትድግፎ: ውሉዳት ከኣ ንወለዶም ይእዘዙ። ሰብኣይ ንርእስነቱ ብግቡእ እንተ ተጠቒምሉ ጥራይ ኢዩ ሓጐስ ዘምጽእ። ሓደ ጥበበኛ ሰብኣይ ነቲ ርእሱን መራሒኡን ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ብምምሳል ብኸመይ ንርእስነቱ ኸም ዝጥቀመሉ ኽመሃር ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 11:⁠3) የሱስ ጸኒሑ ‘ኣብ ልዕሊ ዅሉ ናይታ ማሕበር ርእሲ’ እኳ እንተዀነ: ናብ ምድሪ ዝመጸ ግን ‘ከገልግል እምበር ከገልግልዎ ኢሉ’ ኣይኰነን። (ኤፌሶን 1:⁠22፣ ማቴዎስ 20:⁠28) ብተመሳሳሊ: ሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ንርእስነቱ ብስስዐ ንጥቕሚ ርእሱ ኢሉ ዘይኰነስ: ንሰበይቱን ደቁን ኰታስ ንብምልእቲ እታ ስድራ​ቤት ንምርባሕ ኢሉ ኢዩ ዝጥቀመሉ። (1 ቈረንቶስ 13:⁠4, 5) ነቲ ርእሲ ሰብኣይ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዘንጸባርቖ ኣምላኻዊ ባህርያት ክቐድሕ ይጽዕር ኢዩ። ከም የሱስ ለዋህን ልቡ ትሑትን ኢዩ። (ማቴዎስ 11:⁠28-30) ክጋገ ኸሎ ድማ ከም “ኣይትሓዝለይ” ወይ “ሓቅኺ ኢኺ” ዝኣመሰለ ቓላት ምውሳእ ኣየሕፍሮን ኢዩ። እቲ ሰናይ ኣብነቱ ነታ ‘ደጋፊቱን’ መመላእትኡን ‘ብጸይቱን’ ዝዀነት ሰበይቱ ኻብኡ ንኽትምሃርን ኣብ ጐኑ ዀይና ንኽትዓዪን ይቐላ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠20፣ ሚልክያስ 2:⁠14

12. ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ ናይ ርእስነት ስርዓት ንኽትቅበሎ ዝሕግዛ እንታይ ኢዩ፧

12 እታ ሰበይቲ እውን ብግዴኣ ንሰብኣያ ኽትእዘዞ ኣለዋ። ይኹን እምበር: መንፈስ እዛ ዓለም እንተ ጸልይዋ: ነቲ ንናይ ርእስነት ስርዓት ዘለዋ ኣረኣእያ ይዳኸም: ንሰብኣይ ተኣዛዚት ምዃን ዝብል ሓሳብ ኸኣ ኣይወሓጠላን ኢዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ሰብኡት ጨቈንቲ ክዀኑ ኸም ዘለዎም ኣይእምትን ኢዩ: ኣንስቲ ንሰብኡተን ክእዘዝኦም ከም ዘለወን ግን ይገልጽ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:⁠24) ብተወሳኺውን መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኡት ወይ ኣቦታት ኣብ ስድራ​ቤት ሓላፍነት ክስከሙ ይሓቶም ኢዩ: እዚ ምኽሪ እዚ ምስ ዝዕየየሉ ኸኣ ንሰላምን ስርዓትን ናይ ስድራ​ቤት ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ።​—⁠ፊልጲ 2:⁠5

13. የሱስ ንውሉዳት እንታይ ናይ ተኣዛዝነት ኣብነት ኢዩ ሓዲግሎም፧

13 ውሉዳት ንወለዶም ክእዘዙ ኣለዎም። ኣብዚ መዳይ እዚ የሱስ ብሉጽ ኣብነት ኢዩ ሓዲጉ። ደድሕሪ እቲ የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ንሰለስተ መዓልታት ድሕሪት ብምትራፉ ኣብ ቤት መቕደስ ዘጋጠመ ፍጻመ: ምስ ወለዱ “ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ: ይእዘዞምውን ነበረ።” (ሉቃስ 2:51) ውሉዳት ንወለዶም ምስ ዝእዘዙ ንሰላምን ስኒትን ናይታ ስድራ​ቤት ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ​ቤት ንመሪሕነት ክርስቶስ ምስ ዝግዛእ: እታ ስድራ​ቤት ሓጐስ ይህልዋ።

14, 15. ኣብ ስድራ​ቤትና ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ ብዓወት ንኽንሰግሮ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧ ኣብነት ሃብ።

14 ኣብ ስድራ​ቤት ጸገም ክፍጠር ከሎ: ዕዉት ንምዃን ዘኽእል ቀንዲ ረቛሒ ንየሱስ ምምሳልን መምርሒኡ ምቕባልን ኢዩ። ንኣብነት: ጀሪ እተባህለ ወዲ 35 ዓመት ንሓንቲ ኣብ ዕድመ ጕርዝውና እትርከብ ውላድ ዘላታ ላና እትበሃል ሰበይቲ ምስ ተመርዓዋ: ክልቲኦም ዘይተጸበይዎ ጸገም ኣጋጠሞም። ጀሪ ኸምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ንፉዕ ርእሲ ስድራ​ቤት ምእንቲ ክኸውን ነቲ ኣብ ካልኦት ስድራ​ቤታት ዝዓዪ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክዓየሉ ኸም ዘሎኒ እፈልጥ ነይረ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ግን ብዝያዳ ጥበብን ምስትውዓልን ክዓየሉ ኸም ዘሎኒ ተገንዘብኩ።” ጓል ሰበይቱ ኣብ መንጎኣን ኣብ መንጎ ኣዲኣን ዝኣተወ ገይራ ስለ ዝረኣየቶ ብዙሕ ተቐይማቶ ነበረት። እዚ ኣረኣእያ እዚ ነቲ እትብሎን እትገብሮን ዝነበረት ነገራት ከም ዝጸለዎ ንምግንዛብ ጀሪ ምስትውዓል ኣድልይዎ ኢዩ። ነቲ ዅነታት ብኸመይ ፈትሖ፧ ከምዚ ብምባል ይምልስ:- “እንተ ወሓደ ንእተወሰነ እዋን ነቲ ወለዲ ኽህብዎ ዘለዎም ተግሳጽ ላና ኽትገብሮ: ኣነ ድማ ምስታ ጓል ሰበይተይ ጽቡቕ ርክብ ኣብ ምህናጽ ከተኵር ኣነን ላናን ተሰማማዕና። ድሕሪ ግዜ እዚ ሜላ እዚ ጽቡቕ ፍረ ኣፍረየ።”

15 ኣብ ስድራ​ቤትኩም ጸገማት ከጋጥመኩም ከሎ: እቲ ኣባል ስድራ​ቤት ዝዛረቦን ዝገብሮን ነገራት ካብ ምንታይ ተበጊሱ ምዃኑ ንኽንፈልጥ ምስትውዓል የድልየና ኢዩ። ስርዓታት ኣምላኽ ብግቡእ ንኽንዓየሉ እውን ጥበብ የድልየና። ንኣብነት: የሱስ እታ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ዝነበረት ሰበይቲ ስለምንታይ ከም ዝተንከየቶ ኣስተውዒሉ ስለ ዝነበረ: ብጥበብን ብሕያውነትን ኣዘራረባ። (ዘሌዋውያን 15:⁠25-27፣ ማርቆስ 5:⁠30-34) ጥበብን ምስትውዓልን መራሒና ዝልለየለን ባህርያት ኢየን። (ምሳሌ 8:⁠12) ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ንገብር እንተደኣ ዄንና ኽንሕጐስ ኢና።

‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ’

16. ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ እንታይ ኢዩ: የሱስ ነዚ ብኣብነት ዘርኣየናኸ ብኸመይ ኢዩ፧

16 የሱስ እቶም መሪሕነቱ ዝቕበሉ ሰባት ኣብ ህይወቶም ቐዳምነት ክህብዎ ዘለዎም ነገር እንታይ ክኸውን ከም ዝግብኦ ንጹር ገይርዎ ኢዩ። “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ከኣ በሎም። (ማቴዎስ 6:33) ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ኸም እንኽእል ድማ ኣብነት ኰይኑና ኢዩ። ደድሕሪ ጥምቀቱ ኣብ መወዳእታ እተን ብጾም ዘስተንትነለንን ዝጽልየለንን ዝነበራ 40 መዓልታት ተፈቲኑ ኢዩ። ሰይጣን ድያብሎስ: ገዛኢ “መንግስትታት ኵላ ዓለም” ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኸፈተሉ። የሱስ ነቲ ድያብሎስ ዘቕረበሉ ኣጋጣሚ እንተ ዝቕበሎ እንታይ ዓይነት ህይወት ክህልዎ ኸም ዝኽእል እሞ ሕስብ ኣብሎ! የሱስ ግን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ኣተኰረ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዝህሉ ህይወት ሓጺር ምዃኑ እውን ኣስተውዓለ። “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ: ጽሑፍ አሎ” ብምባል ነቲ ድያብሎስ ዘቕረበሉ ዕድመ ብቕጽበት ነጸጎ። ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ: ተነስሑ: እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ።” (ማቴዎስ 4:2, 8-10, 17) ዝተረፈ ምድራዊ ህይወቱ ኸኣ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምሉእ ግዜ ሰባኺ ዀይኑ ኣሕለፎ።

17. ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኸም ዘለዎ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

17 ነቲ መራሒና ኽንመስሎ ኣሎና ደኣ እምበር: ናይ ሰይጣን ዓለም እተቕርቦ ልዑል ደሞዝ ዝኽፈሎ ስራሕን ሞያን ናይ ህይወትና ሸቶ ንኽንገብሮ ኸተስድዓና ኽንፈቕደላ የብልናን። (ማርቆስ 1:⁠17-21) መፈንጠራታት ዓለም ስለ ዝሓዘና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ካልኣይ ቦታ ክንህብሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ዕሽነት ኰን ኢዩ ዝኸውን! የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ንኽንገብርን መዝነት ሂቡና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠14፣ 28:⁠19, 20) ልክዕ ኢዩ: ክንኣልዮም ዝግብኣና ስድራ​ቤት ወይ ካልእ ሓላፍነታት ይህልወና ይኸውን: እንተዀነ ግን ኣብ እዋን ምሸት ኰነ ኣብ ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ ንኽንሰብኽን ክንምህርን እተዋህበና ክርስትያናዊ ሓላፍነት ክንፍጽም ኣየሐጕሰናንዶ ኢዩ፧ ኣብ ናይ 2001 ዓመት ኣገልግሎት 780,000 ዝዀኑ ሰባት ፓይነራት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ከገልግሉ ብምኽኣሎምሲ ኽሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ!

18. ካብ ኣገልግሎት ሓጐስ ክንረክብ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧

18 እቲ ኣብ ወንጌላት ዘሎ ጸብጻብ: የሱስ ንሓደ ነገር ኣብ ግብሪ ንምውዓል ድሕርሕር ዘይብልን ለዋህን ከም ዝነበረ ኢዩ ዝገልጽ። እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ከም ዘሎ ምስ ረኣየ: ደንገጸሎም: ክሕግዞም እውን ጸዓረ። (ማርቆስ 6:⁠31-34) በቲ ንኻልኦት ዘሎና ፍቕርን ንምሕጋዞም ዘሎና ልባዊ ባህግን ተደሪኽና ኣብ ኣገልግሎት ምስ እንካፈል ብዙሕ ክንሕጐስ ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህጊ ግን ብኸመይ ከነጥሪ ንኽእል፧ ሓደ ጀይሰን ዝበሃል መንእሰይ: “ኰተቴ ኸለኹ ኣገልግሎት እፈቱ ነይረ ኽብል ኣይክእልን ኢየ” በለ። ንኣገልግሎት ፍቕሪ ንኸሕድር ዝሓገዞ ደኣ እንታይ ኢዩ፧ ባዕሉ ኸምዚ ብምባል ይምልስ:- “ኣብ ስድራ​ቤትና ቐዳም ንግሆ ንኣገልግሎት እተወፈየት ኢያ ነይራ። እዚ ንዓይ ጠቒሙኒ ኢዩ: ከመይሲ ኣዘውቲረ ኣገልግሎት ብዝኸድኩ መጠን ጥቕሙ ኽርድኣኒ ኽኢሉ: እናፈተኽዎ ኸኣ ከይደ።” ንሕና እውን ስርዓታውያን ኴንና ብትግሃት ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል ኣሎና።

19. ንመሪሕነት ክርስቶስ ዝምልከት እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

19 መሪሕነት ክርስቶስ ምቕባል ብሓቂ ዕረፍቲ ዘምጽእን ዓስቢ ዘለዎን ኢዩ። ከምዚ ምስ እንገብር: ግዜ ንእስነትና ብፍልጠትን ጥበብን እንዓብየሉ እዋን ኢዩ ዝኸውን። ናብራ ስድራ​ቤት ምንጪ ሰላምን ሓጐስን ይኸውን: ኣገልግሎት ከኣ ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣልና። እምበኣር: ኣብ መዓልታዊ ህይወትናን ኣብ እንገብሮ ውሳነታትን መሪሕነት ክርስቶስ ህያው ከም ዝዀነልና ንኸነርኢ ቘራጽነት ንግበር። (ቈሎሴ 3:⁠23, 24) እንተዀነ ግን የሱስ ክርስቶስ ብኻልእ መገዲ ኣቢሉ መሪሕነት ይህበና ኢዩ፣ እዚኣ ኸኣ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኢያ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ካብዚ ምድላው እዚ ብኸመይ ክንጥቀም ከም እንኽእል ከተርእየና ኢያ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ ኣስማት ተቐዪሩ ኢዩ።

ትዝክሮዶ፧

• ነቲ ኣምላኽ ዝሸሞ መራሒና ምስ እንስዕብ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧

• መንእሰያት መሪሕነት የሱስ ክስዕቡ ኸም ዝደልዩ ዘርእዩ ብኸመይ ኢዮም፧

• መሪሕነት ክርስቶስ ኣብ ናብራ እቶም ዝግዝእዎ ስድራ​ቤት እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧

• ኣገልግሎትና መሪሕነት ክርስቶስ ህያው ከም ዝዀነልና ኸርኢ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ግዜ ንእስነት ብዛዕባ ኣምላኽን ንሱ ዝሸሞ መራሕን ፍልጠት እነጥርየሉ ጽቡቕ እዋን ኢዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ንመሪሕነት ክርስቶስ ተገዛኢ ምዃን ኣብ ስድራ​ቤት ሓጐስ የምጽእ

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ ደልዩ። ንስኻኸ፧