ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ ኣብ ክርስትያናት ግቡእ ድዩ፧

ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ ኣብ ክርስትያናት ግቡእ ድዩ፧

ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ ኣብ ክርስትያናት ግቡእ ድዩ፧

እቲ ሓደ ካብቶም ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ ያእቆብ ኣብ ኣጋ ሞቱ ከምዚ ብምባል ተላበወ:- “ኣብታ ኣብ ግራት ዔፍሮን ሔታዊ ዘላ በዓቲ ኸኣ ኣብታ ኣብ ግራት ማክጴላ: ኣብ መንጽር መምሬ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ: . . . ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ።”—⁠ዘፍጥረት 49:29-31

 ዮሴፍ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝዝወተር ዝነበረ ልምዲ ተጠቒሙ ለበዋ ኣቡኡ ኣኽበረ። “ነቶም ፈዋሶ ገላዉኡ ነቦኡ ብቕዱይ ቅብኢ ኺለኽይዎ አዘዞም።” ብመሰረት እቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 50 እንረኽቦ ጸብጻብ እቶም ፈዋሶ ነቲ ሬሳ ንምድላው ከምቲ ብልምዲ ዝዝውተር ዝነበረ 40 መዓልቲ ወሰደሎም። ሬሳ ያእቆብ ብመድሃኒት ተለኽዩ ስለ እተዓቀበ: ነቲ ኣባላት ስድራ​ቤትን ሰበ⁠-​ስልጣን ግብጽን ዝሓዘ ብዙሕ ዝቝጽሩ ሰለይ እናበለ ዝጐዓዝ ዝነበረ ቃፍላይ: ሬሳ ያእቆብ ተሰኪሙ ናብ ሔብሮን ክሳዕ ዝበጽሕ 400 ኪሎ ሜተር ንኽጐዓዝ ኣኽኢልዎ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 50:⁠1-14

እቲ ሽዑ እተዓቀበ ሬሳ ያእቆብ ኽርከብ ይከኣል ድዩ፧ ንኽርከብ ዘለዎ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ጸቢብ ኢዩ። እስራኤል ማይ ብብዝሒ ዝርከበላ ሃገር ስለ ዝነበረት: ነቲ ብዅዕታ መሬት ክርከብ ዝከኣል ስነ⁠-​ጥንታዊ ኢደ ስርሓት ይድርቶ ኢዩ። (ዘጸኣት 3:⁠8) መብዛሕትኡ ጥንታዊ ብረትን ናይ እምኒ ስርሓትን ብብዝሒ ዝርከብ እኳ እንተዀነ ከም ዓለባ: ቈርበት: ብመድሃኒት እተዓቀበ ሬሳታት ዝኣመሰለ ተነቃፊ ነገራት ግን ንኸም ጠሊ ይኹን ብምኽንያት ንውሓት ግዜ ዝመጽእ ባህርያዊ ምቅይያራት ኣይጻወሮን ኢዩ።

ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ ክበሃል ከሎ ግን እንታይ ማለት ኢዩ፧ ስለምንታይከ ኢዩ ክዝወተር ጸኒሑ፧ እዚ ኣብ ክርስትያናት ግቡእ ድዩ፧

እቲ ልምዲ ኣበይ ኢዩ ጀሚሩ፧

ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ: ንሬሳ ሰብ ይኹን ንሬሳ እንስሳ ንነዊሕ ግዜ ከይተበላሸወ ከም ዝጸንሕ ምግባር ማለት ኢዩ። ጸሓፍቲ ታሪኽ ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ ኣብ ግብጺ ከም ዝጀመረን እቶም ኣብ ጥንቲ ዝነበሩ ኣሶራውያን: ፋርሳውያን: ስኪታውያን እውን የዘውትርዎ ከም ዝነበሩ ይሰማምዕሉ ኢዮም። ምናልባት ብመጀመርታ ብመድሃኒት ሬሳ ኣብ ምዕቃብ ተገዳስነት ኣለዓዒሉ ፈተነ ንኽግበር ድራኸ ዘሕደረ: እቲ ኣብ ሑጻ እተቐብረ እሞ ብባህርያዊ መገዲ ተዓቂቡ ዝጸንሐ ኣካላት ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ መቓብር ቦታ: ነቲ ሬሳ ጠሊ ይኹን ኣየር ንኸይረኽቦ ስለ ዝከላኸለሉ ካብ ምምሽማሽ የዕቝቦ። ገሊኦም ከኣ ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ እተጀመረ ኣካላት ኣብ ናትሮን (ሶድዩም ካርቦነይት)​—⁠ኣብ ግብጽን ከባቢኣን ብብዝሒ ዝርከብ ኣልካሊ​—⁠ተዓቂቡ ካብ እተረኽበሉ እዋን ንነጀው ኢዩ ዝብል ክልሰ⁠-​ሓሳብ የቕርቡ።

ሬሳ ብመድሃኒት ዝዕቀበሉ ዕላማ ነቲ ድሕሪ ሞት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ዝፍጠር ንሬሳ ዘመሽምሽ ባህርያዊ ናይ ስነ⁠-​ባክተርያ ተግባር ንምቍራጽ ኢዩ። እዚ መስርሕ እዚ ኸም ዝዕገት ክግበር እንተድኣ ተኻኢሉ: እቲ ምምሽማሽ የቋርጽ: እንተ ወሓደ ኸኣ ብእተወሰነ ደረጃ ይደናጐ። ሰለስተ ነገራት ከኣ ኢዩ ዝድለ። እዚ ኸኣ ነቲ ሬሳ ብህይወቱ ከም ዘሎ ኣምሲልካ ምዕቃብ: ኸይምሽምሽ ምክልኻል: እቲ ሬሳ ባልዕ ከም ዝጻወር ምግባር ኢዩ።

ጥንታዎት ግብጻውያን ንምዉታቶም ብመድሃኒት ዝዕቅብሉ ዝነበሩ ቀንዲ ምኽንያት ንሃይማኖታዊ ዕላማ ኢዮም። እቲ ዝኣምንሉ ዝነበሩ ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎ ዝብል ኣምር ከኣ ምስቲ ምዉታት ካብዛ ናይ ደቅሰብ ዓለም ከይተፈልዩ ኽነብሩ ኢዮም ዝደልዩ ዝብል ኣተሓሳስባ እተተሓሓዘ ኢዩ ነይሩ። ኣካላቶም ንዘለኣለም ከም ዝቕጽልን እንደገና ህይወት ከም ዝወሃቦን ይኣምኑ ነበሩ። ሽሕኳ ንሬሳ ብመድሃኒት ምዕቃብ ኣብ ግብጺ ኣዝዩ ዝውቱር እንተ ነበረ: እንታይ ኣገባብ ይጥቀሙ ከም ዝነበሩ ዝመዝገብዎ ጸብጻብ ግን የብሎምን። እቲ ዝበለጸ ጸብጻብ ዝበሃል ናይቲ ኣብ ሓሙሻይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነብር ዝነበረ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ሄሮዶተስ ኢዩ። ይኹን እምበር: በቲ ሄሮዶተስ ዝሃቦ መምርሒታት ተጠቒምካ ተመሳሳሊ ውጽኢት ኽትረክብ ምፍታን ብዙሕ ኣሳልጦ ከም ዘይብሉ ተነጊሩ ኢዩ።

ኣብ ክርስትያናት ግቡእ ድዩ፧

ሬሳ ያእቆብ ብመድሃኒት ተለኽዩ እተዓቀበ በቶም ካብቲ ናቱ እተፈልየ ሃይማኖት ዝነበሮም ሰባት ኢዩ። ይኹን እምበር: ዮሴፍ ሬሳ ኣቦኡ ንኽለኽይሉ ነቶም ፈዋሶ ኽህቦም ከሎ: ከምቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ግብጺ ሬሳ ብመድሃኒት ክልከ ኸሎ ዝዝውተር ዝነበረ ጸሎትን ጽምብልን ክገብርሉ ክሓቶም ዘይመስል ኢዩ። ያእቆብን ዮሴፍን ናይ እምነት ሰባት ኢዮም ነይሮም። (እብራውያን 11:⁠21, 22) ሬሳ ያእቆብ እተለኽየ ብትእዛዝ የሆዋ እኳ እንተ ዘይነበረ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኣሉታዊ መገዲ ኣይኰነን ተዘሪቡሉ ዘሎ። ሬሳ ያእቆብ ብመድሃኒት ተለኽዩ ምዕቃቡ ህዝቢ እስራኤል ወይ ከኣ ክርስትያናዊት ጉባኤ ከም ኣብነት ንኽወስድዎ ተባሂሉ እተገብረ እውን ኣይኰነን። አረ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝገልጽ ንጹር መምርሒታት ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣይንረክብን ኢና። ደድሕሪ እቲ ኣብ ግብጺ እተገብረ ምልካይ ሬሳ ዮሴፍ: ብዛዕባ እዚ ልምዲ እዚ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተጠቕሰ ካልእ ጸብጻብ የለን።​—⁠ዘፍጥረት 50:⁠26

እቲ ኣብ ፍልስጥኤም እተረኽበ ዝመሽመሸ ሬሳታት: ንነዊሕ እዋን ተዓቂቡ ምእንቲ ኽጸንሕ ኢልካ ንሬሳ ብመድሃኒት ምዕቃብ ልምዲ እብራውያን ከም ዘይነበረ ዝሕብር ኢዩ። ንኣብነት ሬሳ ኣልኣዛር ብመድሃኒት ኣይተዓቀበን። ሽሕኳ ብዓለባ ተጠቕሊሉ እንተ ነበረ: እቲ ንመቓብሩ ዓጽይዎ ዝነበረ እምኒ ኽእለ ኸሎ ስክፍታ ነይሩ ኢዩ። ኣልኣዛር ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልትታት ገይሩ ስለ ዝነበረ: እቲ መቓብር ክኽፈት ከሎ ከም ዝጨኑ ሓብቲ ኣልኣዛር ርግጸኛ ኢያ ነይራ።​—⁠ዮሃንስ 11:⁠38-44

የሱስ ክርስቶስከ ብመድሃኒት ተዓቂቡዶ ኢዩ፧ እቲ ኣብ ወንጌላት እንረኽቦ ጸብጻብ ነዚ ኣይድግፎን ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣይሁድ ብልምዲ ሬሳ ቅድሚ ምቕባሮም ቅመማትን ሽቱን ይገብርሉ ነበሩ። ንኣብነት: ኒቆዲሞስ ንየሱስ ክገንዝዎ ኸለዉ ኽጥቀምሉ ብዙሕ ዝሚዛኑ ቐመማት ሂቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 19:⁠38-42) ክንድዚ ዝኣክል ቀመማት ዘድለየ ስለምንታይ ኢዩ፧ ንየሱስ ዝነበሮ ልባዊ ፍቕርን ኣኽብሮትን እዚ ልግሲ እዚ ንኸርኢ ደሪኽዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቀመማት ዝዳሎ ዝነበረ ነቲ ሬሳ ንምዕቃብ ኢዩ ኢልና ክንድምድም ኣይንኽእልን ኢና።

ሓደ ክርስትያን ነቲ ብመድሃኒት ሬሳ ናይ ምዕቃብ ልምዲ ይቃወሞዶ ኢዩ፧ ብርትዓዊ ዝዀነ መገዲ ክንርእዮ እንተድኣ ዄንና ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ: ነቲ ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፍ ነገር ከም ዝደናጐ ጥራይ ኢዩ ዝገብሮ። ካብ መሬት ስለ ዝመጻና ኣብ ግዜ ሞት ናብ መሬት ኢና እንምለስ። (ዘፍጥረት 3:⁠19) ይኹን እምበር: እቲ ሰብ ምስ ሞተ ክሳዕ ዝቕበር ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ኢዩ ክጸንሕ፧ ኣባላት ስድራ​ቤትን ኣዕሩኽን ካብ ርሑቕ ቦታ መጺኦም ነቲ ሬሳ ክርእይዎ እንተድኣ ተደልዩ: እቲ ሬሳ ብእተወሰነ ደረጃ ተለኽዩ ኽዕቀብ ከም ዘድልዮ ኣየጠራጥርን ኢዩ።

ኣብቲ እንነብረሉ ኸባቢ ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ ሓደ ካብቲ ክማላእ ዘለዎ ነገር ምስ ዝኸውን ወይ ኣባላት ስድራ​ቤት ክግበር ምስ ዝደልዩ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝጋጮ ኢዩ ኢልና ብዙሕ እንጭነቐሉ ጕዳይ ኣይኰነን። ምዉታት “ገለ እኳ ኣይፈልጡን” ኢዮም። (መክብብ 9:5) ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ እንተድኣ ኣልዮም: ኣብታ እተመባጽዓ ሓዳስ ዓለም ብህይወት ንምንባር ክትንስኡ ኢዮም።​—⁠እዮብ 14:13-15፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ብመድሃኒት ሬሳ ምዕቃብ​—⁠ቅድምን ሎምን

ኣብ ጥንታዊት ግብጺ: እቲ ብመድሃኒት ሬሳ ንምዕቃብ ዝጥቀምሉ ኣገባብ ኣብ ደረጃ ስድራ​ቤት ናይቲ ምዉት እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ። ሓንቲ ሃብታም ስድራ​ቤት ከምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ትመርጽ ነይራ ክትከውን ትኽእል ኢያ።

ሓንጐል: ብናይ ሓጺን መሳርሒ ብስርንቕቲ ኣቢሉ ከም ዝወጽእ ይግበር። ድሕርዚ: ነቲ ሽክና ርእሲ መድሃኒት ይግበረሉ። ቀጺሉ ኸኣ ንልብን ኵላሊትን ገዲፍካ ኵሉ እቲ ናውቲ ኸብዲ ይእለ። ኣብ ከብዲ ዘሎ ነገራት ንምውጻእ እቲ ኣካል ክጥባሕ ነበሮ: እዚ ግን ከም ሓጢኣት ኢዩ ዝቝጸር ነይሩ። እቶም ግብጻውያን ዓቀብቲ ሬሳ ካብዚ በዳሂ ዅነታት እዚ ንምህዳም ኢሎም ነዚ መጥባሕቲ እዚ ዝፍጽም ጠባሒ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰብ ይምዝዙ ነበሩ። ነዚ ኸም ገበን ዝቝጸር ተግባር ዝወሃብ መቕጻዕቲ: መርገምን ዳርባ እምንን ስለ ዝነበረ ድማ እቲ ጠባሒ ስርሑ ምስ ወድአ ብኡንብኡ ይሃድም።

እቲ ጓንጓ ኸብዲ ጥራዩ ምስ ኰነ: ጽቡቕ ገይርካ ይሕጸብ ነበረ። እቲ ጸሓፍ ታሪኽ ሄሮዶተስ “ነቲ ጓንጓ ብዝጸረየ ጥሑን ከርበ: ሶኖ: ከምኡውን ንዕጣን ገዲፍካ ብእተፈላለየ ካልእ ቐመማት ምስ መልእዎ ነቲ ቐዳድ ይሰፍይዎ ነበሩ” ኢሉ ጸሓፈ።

ቀጺሉ: እቲ ኣካላት ን70 መዓልትታት ኣብ ኒትሮን ተኣሊኹ ኸም ዝነቅጽ ይግበር። ድሕርዚ እቲ ሬሳ ይሕጸብ ብውሕልነት ከኣ ሊኖ ብዝዓይነቱ ዓለባ ይጥቕለል። ሽዑ እቲ ሊኖ ብዕንዲዳ ወይ ብገለ ዘጣብቕ ነገር ይልበጥ: ኣብ መወዳእታ ነቲ እተገንዘ ሬሳ ወይ ሙምያ ኣብ ሓደ እተሰላለመ: ማዕረ ሰብ ዝዓቐኑ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ሳጹን የቐምጥዎ።

ሎሚ: ብመድሃኒት ሬሳ ንምዕቃብ ዝግበር መስርሕ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ኢዩ ዝፍጸም። ዝበዝሕ ግዜ ኸኣ እተወሰነ መጠን ዘለዎ ሬሳ ንምዕቃብ ዝሕግዝ ፈሳሲ ኣብ ሱር ደምን ኣብቲ ናይ ከብዲ ይኹን ናይ ኣፍ ልቢ ጓንጓታት ከም ዝኣቱ ይግበር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት: እተፈላለየ ፈሳሲ መድሃኒት ተፈቲኑን ተዓዪሉን ኢዩ። ይኹን እምበር: ዋግኡ ተመጣጣኒ ብምዃኑን ክስዕብ ዝኽእል ጕድኣት ኣብ ግምት ብምእታውን እቲ ዝበዝሕ ግዜ ዝዕየየሉ ፈሳሲ ፎርማልዳሃይድ ኢዩ።

[ስእሊ]

ብወርቂ እተሰርሐ ሳጹን ሬሳ ንጉስ ቱታንካመን