ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጽምዋ ኽትዋጽኣሉ ይከኣል ኢዩ

ንጽምዋ ኽትዋጽኣሉ ይከኣል ኢዩ

ንጽምዋ ኽትዋጽኣሉ ይከኣል ኢዩ

 “ንፋስ ናብቲ ጽምዋ ዝመልኦ ልቢ ኣቢሉ ይነፍስ: እቲ ጽምዋ ዝመልኦ ልቢ ድማ ይቕምስል።” ካብዚ ዊልያም ባትለር ዪትስ እተባህለ ወዲ ኣየርላንድ እተዛረቦ ቓላት ክንርእዮ ኸም እንኽእል ጽምዋ ልብኻ ብጓሂ ከም ዝዅምተር ክገብር ይኽእል ኢዩ።

መን ኢዩ እሞ ጽምዋ: ቃንዛ ልቢ ኣምጺኡለይ ኣይፈልጥን ኢዩ ኽብል ዝኽእል፧ ጽምዋ ከም ዝስምዓና ክገብር ዝኽእል ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። ይኹን እምበር: ነተን መውስቦ ፈቲነን ዘይፈልጣ ወይ ከኣ መበለታት ዝዀና ወይ እተፋትሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝስምዐን ጽምዋ ግን ኣዝዩ ብርቱዕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ንኣብነት: ፍራንሰስ እተባህለት ክርስትያን ከምዚ ትብል:- “ጓል 23 ዓመት ምስ ኰንኩ: ዳርጋ ዅለን መሓዙተይ ተመርዕየን በይነይ ተረፍኩ።” a ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ድማ እቲ ናይ ጽምዋ ስምዒታት ክውስኽ: እቲ ናይ ምምርዓው ኣጋጣሚ ድማ እናጸበበ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ። ሎሚ ኣብ 40ታት እትርከብ ሳንድራ “ንጽል ኰይነ ክነብር ኢየ ኢለ ፈጺመ ኣይሓለንኩን: ኣጋጣሚ እንተድኣ ረኺበ ኸኣ ክምርዖ ኢየ ዝብል ሓሳብ ኣሎኒ” ኢላ ትእመን። ኣብ 50ታት እትርከብ ኣንጀላ ኸኣ “ንጽል ዝዀንኩ ዅነታት ኣገዲዱኒ ድኣ እምበር: ንጽል ኰይነ ክነብር ኢለ ብዝገበርኩዎ ውሳነ ኣይኰነን። ፍልይቲ ፓይነር ኰይነ ኣብ እተመደብኩሉ ከባቢ ብዙሓት ንጽል ኣሕዋት ኣይነበሩን” ትብል።

ብዙሓት ክርስትያን ኣሓት “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ክምርዓዋ ንእተዋህበን ምኽሪ የሆዋ ብተኣማንነት ንምሕላው ከይተመርዓዋ ኽጸንሓ ምምራጸን ዘንእደን ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 7:⁠39) ገሊኣተን ንጽል ኴንካ ምንባር ክለምድኦ ኸለዋ: ገሊኣተን ግን ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ተመርዒኻ ውሉድ ናይ ምውላድ ባህጊ ከም ዝሓድረን ተገንዚበን ኢየን። ሳንድራ “ናይ መርዓ ብጻይ ስለ ዘይብለይ ዝስምዓኒ ናይ ባዶነት ስምዒት ካባይ ዘይፍለ ዀይኑ ኣሎ” ትብል።

ከም ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ ምእላይ ዝኣመሰለ ካልእ ረቛሒታት ነቲ ናይ ጽምዋ ስምዒት ከጋድዶ ይኽእል ኢዩ። ሳንድራ ከምዚ ትብል:- “ስለ ዘይተመርዓኹ: እቶም ካልኦት ኣባላት ስድራ​ቤትና ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወለድና ክኣሊ ትጽቢት ገበሩለይ። ሽሕኳ ብጠቕላላ ሽዱሽተ ኣሕዋት እንተ ነበርና ነቲ ቐንዲ ሓላፍነት ግን ን20 ዓመታት ዝኣክል ኣነ ኢየ ተሰኪመዮ። ዝድግፈኒ በዓል ቤት ነይሩኒ እንተ ዝኸውን ናብራ ኣይምኸበደንን ነይሩ።”

ፍራንሰስ ከኣ ንጽምዋኣ ዘጋደደላ ካልእ ረቛሒ ትጠቅስ። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “ሓድሓደ ግዜ ሰባት ብቐጥታ ‘እንታይ ኴንኪ ዘይተመርዓኺ፧’ ኢሎም ይሓቱኒ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት: ንጽል ኰይነ ዘሎኹ ብጕድለተይ ኢዩ እምበኣር ዝብል ስምዒት ኣሕደረለይ። ዳርጋ ኣብ ኵሉ እተኻፈልክዎ ውራይ ገለ ሰባት ‘ንስኺኸ መዓስ ኢኺ ክትምርዓዊ፧’ ብምባል ንኽትምልሰሉ ዘጸግም ሕቶ ይሓቱኒ። ኣነ ኸኣ ‘ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ኣሕዋት ብኣይ ዘይግደሱ እንተድኣ ዀይኖም: ምናልባት እቲ ዘድሊ ክርስትያናዊ ባህርያት ስለ ዘይብለይ ወይ ጽብቕቲ ስለ ዘይኰንኩ ኢዩ ዝኸውን’ ኢለ ክሓስብ እጅምር።”

ናይ ምግላል ስምዒታትን ጽምዋን ክትዋጽኣሉ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧ ካልኦት ንምሕጋዝ ክገብርዎ ዝኽእሉ ነገር እንተድኣ ኣልዩኸ እንታይ ኢዩ፧

ኣብ የሆዋ ተወከል

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ዘመረ:- “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ: ንሱ ኺድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።” (መዝሙር 55:22) እታ ኣብ ጽሑፋት እብራይስጢ ዘላ “ጾር” እትብል ቃል: ቃል ብቓሉ “ብጽሒት” ማለት ኢያ: ብምኽንያት እቲ ኣብ ናብራ ህይወትና ዝበጽሓና ነገራት ንዝስምዓና ሻቕሎትን ጭንቀትን ከኣ ኸተመልክት ትኽእል። የሆዋ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ንላዕሊ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ይፈልጥ ኢዩ: ንኽንዋጽኣሉ ኸኣ ሓይሊ ኽህበና ይኽእል ኢዩ። ኣንጀላ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ምውካላ ነቲ ናይ ጽምዋ ስምዒታት ክትዋጽኣሉ ሓጊዝዋ ኢዩ። ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎታ ኣመልኪታ ክትዛረብ ከላ ኸኣ ከምዚ ትብል:- “ዕዮ ፓይነር ምስ ጀመርኩ: ኣነን መገላግልተይን ካብታ ኣብ ጥቓና ዝነበረት ጉባኤ ርሒቕና ኢና እንነብር ነይርና። ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኽንወከል ከም ዘሎና ተማሂርና ኢና: እዚ ትውክልቲ እዚ ኸኣ ኣብ ምሉእ ናብራ ህይወተይ ሓጊዙኒ ኢዩ። ኣሉታዊ ስምዒታት ክስመዓኒ ኸሎ ንየሆዋ እዛረቦ: ንሱ ኸኣ ይሕግዘኒ። መዝሙር 23 ወትሩ ዓቢ ምጽንናዕ ኢያ እትዀነኒ: ደጋጊመ ኸኣ ኢየ ዘንብባ።”

ሃዋርያ ጳውሎስ ክስከሞ ዝነበሮ ከቢድ ጾር ነይርዎ ኢዩ። እንተ ወሓደ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ‘እቲ ኣብ ስጋኡ ዝነበረ ግራጭ ካብኡ ክርሕቕ ንጐይታ ለሚንዎ ኢዩ።’ ጳውሎስ ተኣምራታዊ ሓገዝ እኳ እንተ ዘይተዋህቦ: ዘይበቕዖ ሕያውነት ኣምላኽ ከጸናንዖ ምዃኑ ዝገልጽ መብጽዓ ግን ተቐቢሉ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 12:⁠7-9) ጳውሎስ ነቲ ናይ ዕግበት ምስጢር እውን ክረኽቦ ኽኢሉ ኢዩ። ጸኒሑ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን: ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ። በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።”​—⁠ፊልጲ 4:12, 13

ሓደ ሰብ ተስፋ ምስ ዝቘርጽ ወይ ከኣ ጽምዋ ምስ ዝስምዖ ብኸመይ ኢዩ ሓይሊ ኣምላኽ ክረክብ ዝኽእል፧ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:6, 7) ሳንድራ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ኣውዒላቶ ኢያ። ከምዚ ኢላ ኸኣ ትገልጽ:- “ንጽል ስለ ዝዀንኩ: ንበይነይ ኰይነ ዘሕልፎ ብዙሕ ግዜ ኣሎኒ። እዚ ድማ ናብ የሆዋ ንኽጽሊ እኹል ኣጋጣሚ ኢዩ ዝህበኒ። ናብኡ ዝቐረብኩ ዀይኑ ይስምዓኒ: ብዛዕባ ጸገማተይን ሓጐሰይን ከኣ ናጻ ዀይነ ክዛረቦ እኽእል ኢየ።” ፍራንሰስ ከኣ ከምዚ ትብል:- “ንዝመጸኒ ኣሉታዊ ስምዒታት ንበይነይ ክቃለሶ ኸሎኹ ዓቐብ ኢዩ ዝዀነኒ። ንስምዒታተይ ብግልጺ ንየሆዋ ኸካፍሎ ኸሎኹ ግን ብዙሕ ኢዩ ዝሕግዘኒ። የሆዋ ንመንፈሳውን ስምዒታውን ድሕንነተይ ክሃሲ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ብተገዳስነት ከም ዘቕልበሉ ክኣምን ክኢለ ኢየ።”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 5:⁠5

“ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ”

ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊ ሕውነትና: በይንና ጾር ክንስከም የብልናን። ሃዋርያ ጳወሎስ “ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ: ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ” ብምባል መዓደ። (ገላትያ 6:⁠2) ምስ ብጾትና ክርስትያናት ኣብ እንገብሮ ሕብረት: ነቲ ናይ ጽምዋ ጾር ከፍኵሰልና ዝኽእል ዘተባብዕ “ሰናይ ቃል” ክንረክብ ንኽእል ኢና።​—⁠ምሳሌ 12:⁠25

ብዛዕባ ጓል እቲ ካብ መሳፍንቲ እስራኤል ዝነበረ ይፍታሕ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል እውን ንርአ። ነቶም ጻላእቱ ዝነበሩ ሰራዊት ዓሞን ቅድሚ ምስዓሩ: ነቲ እንቋዕ ሓጐሰካ ንኽብሎ መጀመርታ ካብ ቤቱ ዝወጽእ ሰብ ንየሆዋ ክህቦ ምዃኑ ተመባጽዐ። እታ መጀመርታ እተቐበለቶ ኸኣ ጓሉ ኢያ። (መሳፍንቲ 11:⁠30, 31, 34-36) ጓል ይፍታሕ ስድራ​ቤት መስሪታ ንኽትነብር ዝነበራ ባህርያዊ ስምዒት ገዲፋ ንጽል ኰይና ኽትቅጽል ዝሓታ እኳ እንተ ነበረ: ነዚ ማሕላ እዚ ብፍታው ተቐቢላ ኣብቲ ዝተረፈ ህይወታ ኣብ ሺሎ ኣብ ዝነበረ ቤት መቕደስ ኣገልገለት። እቲ ዝገበረቶ መስዋእቲ ተረሲዑዶ ኢዩ፧ ኣይተረስዐን: ብኣንጻሩ እኳ ደኣ “እተን ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት እናኸዳ ንጓል ይፍታሕ ኣርባዕተ መዓልቲ ይውድሳኣ ነበራ።” (መሳፍንቲ 11:40) እወ: ናእዳ ኸተባብዕ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ነቶም ዝግብኦም ሰባት ካብ ምንኣድ ዓዲ ኣይንውዓል።

ነቲ የሱስ ዝገደፈልና ኣብነት እውን ንዘክሮ። ሽሕኳ ኣብ ባህሊ ኣይሁድ ሰብኡት ምስ ኣንስቲ ምዕላል ቅቡል እንተ ዘይነበረ: የሱስ ምስ ማርያምን ማርታን ግዜ የሕልፍ ነይሩ ኢዩ። ሓደው መበለታት ወይ ከኣ ዘይተመርዓዋ ነይረን ክዀና ይኽእላ። የሱስ ንኽልቲአን ካብቲ ምስኡ ዝነበረን ምቅርራብ መንፈሳዊ ረብሓ ክረኽባ ኢዩ ዝደልየን ነይሩ። (ሉቃስ 10:⁠38-42) ንሕናውን ነተን ዘይተመርዓዋ መንፈሳውያን ኣሓትና ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ከም ዝጽንበራና ብምግባርን ምስኣተን ኴንና ኣብ ዕዮ ስብከት ክንካፈል ግዜ ብምምዳብን ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:⁠13) ኣሓትና ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቘላሕታ የማስዋሉዶ ኢየን፧ ሓንቲ ሓብቲ “ኣሕዋት ከም ዘፍቅሩንን ኣኽቢሮም ከም ዝርእዩንን እፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ ዝያዳ ብሕታዊ ተገዳስነት ክገብሩለይ ከለዉ ግን ብፍላይ አማስወሉ ኢየ” በለት።

ሳንድራ “ስድራ​ቤት ስለ ዘይብልና ክንፍቀር: ናይ መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣባላት ስድራ​ቤት ከም ዝዀንና ኸኣ ክስምዓና ንደሊ ኢና” ትብል። የሆዋ ንኸምዚኣተን ዝኣመሰላ ኣሓት ከም ዝሓልየለን ፍሉጥ ኢዩ: ከም ዝድለያን ከም ዝፍቀራን ኰይኑ ከም ዝስምዐን ምስ እንገብር ከኣ ምስኡ ንተሓባበር ኣሎና ማለት ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠6, 7) ከምዚ ዝኣመሰለ ሓልዮት ተረሲዑ ዝተርፍ ኣይኰነን: ከመይሲ “እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ: ንሱውን ንሰናይ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ።”​—⁠ምሳሌ 19:17

“ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ”

ሽሕ’ኳ ኻልኦት ክሕግዙ ዝኽእሉ እንተዀኑ ደገፎም ከኣ ኣዝዩ ዘተባብዕ እንተዀነ “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኺጸውር እዩ” ዘለዎ። (ገላትያ 6:5) ናይ ጽምዋ ጾር ክንስከም ከሎና ግን ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ሓደጋታት ኣሎ። ንኣብነት: ስምዒታትና ንበይንና ጥራይ ገይርናዮ ንኸይድ እንተድኣ ዄንና ጽምዋ ከሰንፈና ይኽእል ኢዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን: ፍቕሪ ብምንጽብራቕ ንጽምዋ ኽንዋጽኣሉ ንኽእል ኢና። (1 ቈረንቶስ 13:⁠7, 8) ኵነታትና ብዘየገድስ ምሃብን ምምቓልን ሓጐስ ክንረኽበሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35) ሓንቲ ትግህቲ ፓይነር ሓብቲ ከምዚ ትብል:- “ብዛዕባ ጽምዋይ ንኽሓስብ ብዙሕ ግዜ የብለይን። ጠቓሚትን ብስራሕ ትሕዝትን ከም ዝዀንኩ ክስምዓኒ ኸሎ ጽምዋ ኣይስምዓንን ኢዩ።”

ጽምዋ ጥበባዊ ናብ ዘይኰነ ርክብ ንኸይመርሓና እውን ክንጥንቀቕ የድልየና። ንኣብነት: ንመርዓ ዘሎና ባህጊ ነቲ ንዘይኣማኒ ብምምርዓው ክመጽእ ዝኽእል እተፈላለየ ግድላት: ብፍላይ ድማ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣርዑት ንኸይንቝረን እተዋህበና ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ከም ዘይነስተብህለሉ ገይሩ ኸዕውረና ኸነፍቅደሉስ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ! (2 ቈረንቶስ 6:⁠14) ሓንቲ ምስ ሰብኣያ እተፋትሐት ክርስትያን “ንጽል ኴንካ ካብ ምንባር ዝኸፍአ ሓደ ነገር ኣሎ። እዚ ድማ ምስ ዘይመጻምድትኻ ምምርዓው ኢዩ” በለት።

ሓደ ክፍታሕ ዘይክኣል ግድል እንተ ወሓደ ንግዜኡ ክትጽመሞ ጥራይ ኢዩ ዘሎካ። ናይ ጽምዋ ስምዒታት ብሓገዝ ኣምላኽ ክትጾሮ ይከኣል ኢዩ። ንየሆዋ ምግልጋልና እናቐጸልና ብዝኸድና መጠን ዅሉ ዘድልየና ነገራት ሓደ መዓልቲ ብዝበለጸ መገዲ ከም ዝማልኣልና ዘሎና እምንቶ ነደልድል።​—⁠መዝሙር 145:⁠16

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣስማት ናይዘን ኣብዚ ተጠቒሰን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ተቐይሩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ምሃብን ምምቓልን ንጽምዋ ክትዋጽኣሉ ዝሕግዝ መገዲ ኢዩ