ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዘነቓቕሕ ኣኼባታት

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዘነቓቕሕ ኣኼባታት

“ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ”

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዘነቓቕሕ ኣኼባታት

 ካብ ቶሮንቶ ክሳዕ ቶክዮ: ካብ ሞስኮ ክሳዕ ሞንቶቪድዮ ኣብ ዘለዋ ሃገራት ዝነብሩ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኣዕሩኽቶምን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብዙሕ ሳዕ ናብቲ ናይ ኣምልኾ ቦታታቶም ይውሕዙ ኢዮም። ካብዚኣቶም ናይ ምሉእ መዓልቲ ዘድክም ዕዮ ኽዓዩ ዝውዕሉ ጻዕራማት ሰብ ሓዳር ሰብኡት: ምስ ንኣሽቱ ደቀን ዝመጻ ህርኩታት ኣንስትን ኣዴታትን: ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝውዕሉ ትጉሃት መንእሰያት: ብምኽንያት ቃንዛን ሕማምን ሰለይ እናበሉ ዝስጕሙ ኣረገውቲ: ተባዓት መበላሉን ዘኽታማትን: ከምኡውን ምጽንናዕ ዝደልያ እተጨነቓ ነፍሳት ይርከብዎም።

እዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፈላለየ መጓዓዝያታት ማለት ካብ ፈጣናት ባቡራት ጀሚርካ ኽሳዕ ኣድጊ: ኣብ ትሕቲ ምድሪ ብጸቢብ መተሓላለፊ ዝተሓላለፋ ባቡራት ጀሚርካ ኽሳዕ ናይ ጽዕነት ማካይን ንመጓዓዝያ ይጥቀሙ ኢዮም። ገሊኦም ሓራግጽ ብዝመልኦ ቐላያት ክሳገሩ ኸለዉ: ካልኦት ከኣ ነቲ ኣብ ዓበይቲ ኸተማታት ዘሎ ጻዕቂ ትራፊክ ተጻዊሮም ኢዮም ዝሓልፍዎ። ኵሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም ክንድዚ ዝኣክል ጻዕሪ ዝገብሩ ስለምንታይ ኢዮም፧

እቲ ቐንዲ ምኽንያት ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምኻድን ምስታፍን ንየሆዋ ንምምላኽ ዘኽእል ዝበለጸ መገዲ ስለ ዝዀነ ኢዩ። (እብራውያን 13:⁠15) ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ተወሳኺ ምኽንያት ይህበና:- “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ [“ንተባባዕ:” NW ] እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።” (እብራውያን 10:24, 25 ሰያፍ ዝገብርናዮ ንሕና ኢና።) ጳውሎስ ኣብዚ ነቲ “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ: ምስ በሉኒ ተሐጐስኩ” ብምባል ዝዘመረ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር እተሰምዖ ስምዒት ኢዩ ኣቃሊሕዎ።⁠—​መዝሙር 122:1

ክርስትያናት ኣብ ኣኼባታቶም ብምእካቦም ዝሕጐሱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ምኽንያቱ እቶም ተኣከብቲ ተዓዘብቲ ጥራይ ኣይኰኑን። ኣብ ክንድኡስ እቲ ኣኼባ ነንሓድሕዶም ንኽፋለጡ ምቹእ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝህቦም። ብፍላይ ከኣ እዚ ኣኼባታት እዚ ንምቕባል ጥራይ ዘይኰነስ ንምሃብ ከምኡውን ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንሓድሕድካ ንምንቕቓሕ ኣጋጣሚ ዝህብ ኢዩ። እዚ ነገራት እዚ ንኣኼባታት መተባብዒ ዝህብ ኣጋጣሚ ንምግባሩ ዝሕግዝ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ኣኼባታት ሓደ ኻብቲ የሱስ “ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” ብምባል ንዝኣተዎ መብጽዓ ዝፍጽመሉ መገድታት ኢዩ።⁠—​ማቴዎስ 11:⁠28

ምጽንናዕን ሓልዮትን ዝርከቦ ቦታ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታቶም ዕረፍቲ ዝህብ ገይሮም ንኽርእይዎ ብቑዕ ምኽንያታት ኣለዎም። ቀዳማይ ነገር ኣብ ኣኼባታት መንፈሳዊ መግቢ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ኢዩ ዝቐርብ። (ማቴዎስ 24:⁠45) ብዘይ​ዚውን ኣኼባታት ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ክኢላታትን ቀናኣትን መምህራን ኣብ ምግባር ዓቢ ግደ ኣለዎ። ብተወሳኺ እውን ሓደ ሰብ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዘፍቅሩ: ዝሓልዩ: ዝግደሱ ንኻልኦት ኣብ ግዜ ጸበባኦም ንኽሕግዝዎምን ኸጸናንዕዎምን ቅሩባትን ፍቓደኛታትን ዝዀኑ ኣዕሩኽ ክረክብ ይኽእል ኢዩ።⁠—​2 ቈረንቶስ 7:⁠5-7

ሓንቲ ፈሊስ እተባህለት መበለት ከምዚ ዓይነት ተመክሮ ኢያ ኣሕሊፋ። ሰብኣያ ኽመውት ከሎ ደቃ እታ ሓንቲ ጓል ሓሙሽተ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ጓል ሸሞንተ ዓመት ነበራ። ነቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንዓኣን ንደቃን ዘምጻኣለን ዕረፍቲ ኸምዚ ብምባል ትገልጾ:- “ክርስትያናት ኣመንቲ ኵሉ ግዜ ብምሕቛፍ: ኣብ ቅዱስ ጽሑፋት እተመስረተ ሓሳባት ብምሃብ ኰነ ኢድ ብምጭባጥ ፍቕሮምን ሓልዮቶምን ኣብ ዘርእይሉ ኣደራሽ መንግስቲ ምህላው ዘጸናንዕ ኢዩ። ኵሉ ግዜ ክኸዶ ዝደሊ ቦታ ኢዩ።”⁠—​1 ተሰሎንቄ 5:⁠14

ማሪ ከቢድ መጥባሕቲ ምስ ተገብረላ: ሓኪማ ንኽትሓዊ እንተ ወሓደ ሽዱሽተ ሰሙን ከም ዝወስደላ ነገራ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሰሙናት ማሪ ኣኼባታት ክትካፈል ኣይከኣለትን። እቲ ሓኪማ ኸም ቀደማ ሕጕስቲ ኸም ዘይኰነት ኣስተብሃለ። ኣኼባታት ትካፈል ከም ዘየላ ምስ ተገንዘበ ንኽትከይድ ኣተባብዓ። እቲ እተፈልየ እምነት ዘለዎ ሰብኣያ ዅነታት ጥዕናኣ ኣብ ግምት ብምእታው ኣኼባታት ንኽትከይድ ከም ዘይፈቕደላ ገለጸትሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ሓኪም ንኽትተባባዕን ክትህነጽን ኣደራሽ መንግስቲ ኽትከይድ ከም ዘለዋ ዝገልጽ ወግዓዊ “ትእዛዝ” ወረቐት ጸሓፈላ። ማሪ “ኣኼባ ኽካፈል ምስ ጀመርኩ እናሓሸኒ ኸደ። መግቢ ኽበልዕ: ምሉእ ለይቲ ኽድቅስ: ፈውሲ ቓንዛውን ስሕት ኢለ ጥራይ ክወስድ: ከምኡውን ከም ቀደመይ ክስሕቕ ጀመርኩ!” ብምባል ትድምድም።⁠—​ምሳሌ 16:⁠24

እቲ ፍቕራዊ ሃዋሁ ዘለዎ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ተዓዘብቲ እውን ከየስተብሃልሉ ኣይተረፉን። ሓንቲ ናይ ኮለጅ ተማሃሪት ነቲ ናይ ስነ-ዓሌት ትምህርታ ዝኸውን ጽሑፍ ንኸተዳሉ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትዕዘቦም መረጸት። ብዛዕባ ኣብቲ ኣኼባታት እተዓዘበቶ ሃዋሁ ኸምዚ ብምባል ትገልጾ:- “እተገብረለይ ምውቕ ኣቀባብላ ኣዝዩ መሳጢ ኢዩ ነይሩ። . . . ምሕዝነት ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጐሊሑ ዝንጸባረቕ ባህሪ ኢዩ: እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾኦም ኰይኑ ኸኣ ኢዩ ዝስምዓኒ።”⁠—​1 ቈረንቶስ 14:25

ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ክርስትያናዊት ጉባኤ ልክዕ ከምቲ ኣብ ማእከል ምድረ⁠-​በዳ ዘሎ መንፈሳዊ ገነት ኢያ። ሰላምን ፍቕርን ዝርከበላ ቦታ ድማ ኢያ። ሓቅነት ናይቲ “እንሆ: ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ: ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ” ዝብል ቃላት ናይቲ ጸሓፍ መዝሙር ኣብቲ ኣኼባታት ብምኻድ ባዕልኻ ክትምከሮ ትኽእል ኢኻ።⁠—​መዝሙር 133:1

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ነቶም ፍሉይ ጸገማት ዘለዎም ምሕጋዝ

ጸማማት ከመይ ገይሮም ኢዮም ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክጥቀሙ ዝኽእሉ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ናይ ምልክት ቋንቋ ዝጥቀማ ጉባኤታት ይምስርቱ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ 13 ዓመታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 27 ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤታትን 43 ጕጅለታትን ተመስሪተን። ሕጂ እንተ ወሓደ ኣብ 40 ዝዀና ሃገራት ገለ 140 ዝዀና ናይ ምልክት ቋንቋ ጉባኤታት ኣለዋ። ክርስትያናዊ ጽሑፋት ብ13 ናይ ምልክት ቋንቋ ቪድዮ ካሴታት ተዳልዩ ኣሎ።

ጸማማት ንየሆዋ ምእንቲ ኽውድሱ ክርስትያናዊ ጉባኤታት ኣጋጣሚ ይህባኦም ኢየን። ብኸቢድ ጭንቀት እትሳቐ: ብዙሕ ሳዕ ከኣ ርእሰ⁠-​ቕትለት ክትፍጽም እትሓስብ ዝነበረት ቀደም እምነታ ካቶሊክ ዝነበረ ኦዲል: ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝረኸበቶ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኣዝያ ኢያ እተማስወሉ። ከምዚ እውን ትብል:- “ጥዕናን ሕጉስ ህይወትን ረኺበ። ልዕሊ ዅሉ ግን ሓቂ ረኺበ: ሕጂ ህይወት ትርጕም ዘለዎ ኢዩ ዀይኑለይ።”