ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ

ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ

ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ

 እዚ ሞት የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ብዙሕ ምኽንያት ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ።

እቲ የሱስ ክሳዕ ሞት ዘርኣዮ ተኣማንነት ወድሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ንጽህና ክሕሉ ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ ኢዩ።

ሞት ክርስቶስ ንገሊኣቶም ኣብ ሰማይ መጋዝእቲ ክርስቶስ ክዀኑ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ንብዙሓት ካልኦት እውን ኣብ ምድራዊት ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽረኽቡ መገዲ ኸፊቱሎም ኢዩ።

የሱስ ድሮ ሞቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት: ከም ምልክት ናይቲ ብፍቕሪ ተደሪኹ መስዋእቲ ዝኸፈሎ ሰብኣዊ ህይወቱ ዘይበዅዐ ቅጫን ቀይሕ ወይንን ኢዩ ተጠቒሙ። ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በሎም። (ሉቃስ 22:19) ነዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ክትዝክሮ ዲኻ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሳታቶም ሓቢርካ ዝኽሪ ሞት የሱስ ንኸተብዕል ምዉቕ ዕድመ የቕርቡልካ። ኣብዚ ዓመት እዚ: እቲ ዝኽሪ ሓሙስ 28 መጋቢት ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኢዩ ዝውዕል። ኣብቲ ዝቐርበካ ኣደራሽ መንግስቲ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ቦታን ሰዓትን ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክነግሩኻ ይኽእሉ ኢዮም።