ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስቶስ ንማሕበሩ ይመርሓ

ክርስቶስ ንማሕበሩ ይመርሓ

ክርስቶስ ንማሕበሩ ይመርሓ

“እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።”—⁠ማቴዎስ 28:20

1, 2. (ሀ) እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ንሰዓብቱ ደቀ መዛሙርቲ ንኽገብሩ ኽእዝዞም ከሎ እንታይ ኢሉ ኢዩ እተመባጽዓሎም፧ (ለ) የሱስ ነታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንጡፍ ኰይኑ ዝመርሓ ብኸመይ ኢዩ፧

 እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ መራሒና የሱስ ክርስቶስ ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ ንደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም እሞ ከምዚ በሎም:- “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።”​—⁠ማቴዎስ 23:⁠10፣ 28:18-20

2 የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እቲ ህይወት ዘድሕን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕማም ሂብዎም ጥራይ ዘይኰነስ ምሳታቶም ክኸውን ምዃኑ እውን ተማባጺዕሎም ኢዩ። ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ዘሎ ታሪኽ ቀዳሞት ክርስትያናት: ክርስቶስ ነታ ሓዳስ ዝቘመት ጉባኤ ንምምራሕ እተዋህቦ ስልጣን ከም እተጠቕመሉ ብዘየማትእ መገዲ ዘርኢ ኢዩ። ነቶም ሰዓብቱ ንኸበራትዖምን ዕዮኦም ንምምራሕን እቲ መብጽዓ ዝገበረሎም “መጸናንዒ” ማለት መንፈስ ቅዱስ ሰዲድሎም ኢዩ። (ዮሃንስ 16:⁠7፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠4, 33፣ 13:⁠2-4፣ 16:⁠6-10) እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንምሕጋዝ መላእኽቲ ተጠቒሙ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠19፣ 8:⁠26፣ 10:⁠3-8, 22፣ 12:⁠7-11፣ 27:⁠23, 24፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠22) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ መራሒና ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት: ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ንኸገልግሉ ምድላዋት ብምግባር መሪሕነት ሂቡ ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠20, 24-26፣ 6:⁠1-6፣ 8:⁠5, 14-17

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነየናይ ሕቶታት ኢና እንመያየጠሉ፧

3 ኣብዚ “መወዳእታ ዓለም” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግዜና ደኣኸ የሱስ ክርስቶስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ኢዩ ዝመርሓ ዘሎ፧ ነዚ መሪሕነት እዚ ኸም እንቕበሎኸ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

ጐይታ እሙን ባርያ ኣለዎ

4. (ሀ) ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘቝሙ መን ኢዮም፧ (ለ) እቲ ጐይታ ንባርያኡ እንታይ መዝነት ኢዩ ሂብዎ፧

4 የሱስ ብዛዕባ ምልክት ህላወኡ ትንቢት ኽነግር ከሎ ኸምዚ በለ:- “እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ: ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴዎስ 24:45-47) እቲ “ጐይታ” ተባሂሉ ዘሎ መራሒና የሱስ ክርስቶስ ኢዩ: ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ”​—⁠ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣካል ቅቡኣት ክርስትያናት⁠—⁠ከኣ ኣብ ኵሉ ምድራዊ ጕዳያቱ ሸሞ።

5, 6. (ሀ) ኣብቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ እተን “ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል” ከምኡውን “እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ” ንምንታይ የመልክቱ፧ (ለ) “እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ” ኣብ የማናይ ኢድ የሱስ ምዃኖም ንምንታይ የመልክት፧

5 እታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ራእይ እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ብቐጥታ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር የሱስ ክርስቶስ ምህላዉ ኢያ እተርኢ። ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብቲ ብዛዕባ “መዓልቲ ጐይታ” ዝረኣዮ ራእይ ‘ኣብ ማእከል ሸውዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾውዓተ ኸዋኽብቲ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዝመስል’ ረኣየ። የሱስ እቲ ራእይ ንዮሃንስ ክገልጸሉ ኸሎ ከምዚ በሎ:- “ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኤኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን፤ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም እቶም መላእኽቲ እተን ሾብዓተ ማሕበራት እዮም: እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።”​—⁠ራእይ 1:1, 10-20

6 እተን “ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ” ነተን ካብ 1914 ኣትሒዛ ኣብ ዝጀመረት “መዓልቲ ጐይታ” ቈይመን ዘለዋ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ጉባኤታት ኢየን ዘመልክታ። “እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ” ደኣኸ፧ ብቐዳምነት ንዅሎም እቶም ነተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት ዝኣልዩ ዝነበሩ ብመንፈስ እተወልዱ ቕቡኣት ተዓዘብቲ ኢዮም ዘመልክቱ ነይሮም። a እዞም ተዓዘብቲ እዚኣቶም ኣብ የማናይ ኢድ የሱስ ማለት ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩን መሪሕነቱን ኢዮም ነይሮም። እወ: ነቲ ኽፍሊ ባርያ ዝመርሖ ክርስቶስ የሱስ ኢዩ። ሕጂ ግን እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ብቝጽሪ ሒደት ኰይኖም ኢዮም። መሪሕነት ክርስቶስ ደኣ እሞ ነተን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ልዕሊ 93,000 ዝዀና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤታት ብኸመይ ኢዩ ዝባጻሕ፧

7. (ሀ) የሱስ ኣብ መላእ ምድሪ ንዝርከባ ጉባኤታት ንምምራሕ ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝጥቀመሉ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ክርስትያናት ተዓዘብቲ ብመንፈስ ቅዱስ ኢዮም ተሸይሞም ክበሃል ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧

7 ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ: ካብ ቅቡኣት ተዓዘብቲ እተዋጽኡ ሒደት ኣባላት ዘለዉዎም ጕጅለ ብቑዓት ሰብኡት: ንብምሉኡ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ብምውካል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። መራሒና በዚ ኣመሓዳሪ ኣካል እዚ ኣቢሉ ብመንፈስ እተወልዱ ዀነ ዘይተወልዱ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ገይሩ ይሸሞም ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ የሆዋ ንየሱስ ክጥቀመሉ ዘፍቀደሉ መንፈስ ቅዱስ ወሳኒ ግደ ኣለዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠32, 33) ቅድም ቀዳድም እዞም ተዓዘብቲ እዚኣቶም ኣብቲ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዘሎ ብቕዓታት ከማልእዎ ኣለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-7፣ ቲቶስ 1:⁠5-9፣ 2 ጴጥሮስ 1:⁠20, 21) ምሕጻይን ምሻምን ዝግበር ድሕሪ ጸሎትን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን ኢዩ። ብተወሳኺ እቶም ዝሽየሙ ውልቀ⁠-​ሰባት ፍረ መንፈስ ከም ዘፍርዩ የርእዩ ኢዮም። (ገላትያ 5:⁠22, 23) እምበኣር እቲ ጳውሎስ “ንርእስኹምን ነታ . . . ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ: መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሐልዉ” ብምባል ዝሃቦ ምኽሪ ንዅሎም እቶም ካብ ቅቡኣትን ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕን ዝዀኑ ሽማግለታት ብማዕረ ዝምልከቶም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) እዞም እተሸሙ ሰብኡት ብፍታዎም ነታ ጉባኤ ንኽጓስዩ ኻብቲ ኣመሓዳሪ ኣካል መምርሒ ይቕበሉ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ድማ ክርስቶስ ምሳና ኣሎ: ንጉባኤኡ ኸኣ ብንጥፈት ይመርሓ ኣሎ።

8. ክርስቶስ ንሰዓብቱ ንምምራሕ መላእኽቲ ዝጥቀም ብኸመይ ኢዩ፧

8 ሎሚ የሱስ ንሰዓብቱ ንምምራሕ ቃል ብቓሉ መላእኽቲ እውን ይጥቀም ኢዩ። ኣብቲ ብዛዕባ ስርናይን ክርዳድን ዝሃቦ ምሳሌ: እቲ ቐውዒ “መወዳእታ ዓለም” ኢዩ። እቲ ጐይታ ምህርቱ ንኽሓፍስ ንመን ኢዩ ዝልእኽ፧ ክርስቶስ “እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ ኢዮም” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ “ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ: ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም [ኢዮም]” በለ። (ማቴዎስ 13:37-41) ኣብ ርእሲ እዚውን ልክዕ ከምቲ ሓደ መልኣኽ ንፊልጶስ ናብቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ዝመርሖ: ሎሚ እውን ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ንምርካብ ኣብ ዝገብርዎ ዕዮ ክርስቶስ ብመላእኽቲ ገይሩ ኸም ዝመርሖም እኹል መርትዖታት ኣሎ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠26, 27፣ ራእይ 14:⁠6

9. (ሀ) ሎሚ ክርስቶስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ዝመርሓ በየናይ መገድታት ኣቢሉ ኢዩ፧ (ለ) ካብ መሪሕነት ክርስቶስ ክንጥቀም እንተደኣ ዄንና ነየናይ ሕቶ ኢና ኽንሓስበሉ ዘሎና፧

9 የሱስ ክርስቶስ ሎሚውን ብኣመሓዳሪ ኣካል: ብመንፈስ ቅዱስ: ከምኡውን ብመላእኽቲ ኣቢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ዝመርሖም ምፍላጥስ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ብሰንኪ መስጐጕቲ ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ገለ ኣምለኽቲ የሆዋ ንእተወሰነ እዋን ምስ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበሮም ርክብ እኳ እንተ ተቛረጸ: ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱሱን ብመላእኽትን ገይሩ ይመርሖም ኢዩ። ይኹን እምበር: ካብ መሪሕነቱ ኽንጥቀም እንኽእል እንቕበሎ እንተ ዄንና ጥራይ ኢና። መሪሕነት ክርስቶስ ከም እንቕበሎ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

“ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን”

10. ነቶም ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ እተሸሙ ሽማግለታት ኣኽብሮት ከነርእዮም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

10 መራሒና “ገሊኦም . . . ወንጌላውያን: ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን” ምእንቲ ክዀኑ “ውህበት ሰብኡት” (NW ) ንጉባኤታት ሂቡ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:⁠8, 11, 12) ኣባታቶም ዘሎና ኣረኣእያን እነርእዮም ባህርይን ንመሪሕነት ክርስቶስ ከም እተቐበልናዮ ወይ ከም ዘይተቐበልናዮ ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። ነቶም ክርስቶስ ዝሃበና መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ‘መማሰውቲ ኽንከውን’ ኣሎና። (ቈሎሴ 3:⁠15) ክብሪ እውን ዝግብኦም ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቶም ጽቡቕ ዜገልግሉ ሽምግሌታት . . . ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ” በለ። (1 ጢሞቴዎስ 5:17) ነቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ ሽማግለታት ወይ ተዓዘብቲ ኸም እነማስዎምን እነኽብሮምን ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ጳውሎስ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን” ብምባል መልሲ ሂቡና ኣሎ። (እብራውያን 13:17) እወ: ክንእዘዞምን ክንግዝኦምን ኣሎና።

11. ብሽማግለታት ኣቢሉ ንዝግበር ምድላው ክብሪ ምሃብ ምስ ጥምቀትና ተሰማሚዕና ንነብር ከም ዘሎና ዘርኢ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 መራሒና ፍጹም ኢዩ። እቶም ንሱ ዝሃበና ውህበት ሰብኡት ግን ፍጹማት ኣይኰኑን። ስለዚ ሓድሓደ ግዜ ኽጋገዩ ይኽእሉ ኢዮም። እንተዀነ ግን ነቲ ክርስቶስ ዝገበሮ ምድላዋት እሙናት ኴንና ኽንቅጽል ይግባእ። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ ምስቲ ወፈያናን ጥምቀትናን ተሰማሚዕካ ምንባር ክበሃል ከሎ ንሕጋውነት እቶም ኣብ ጉባኤ ስልጣን ንኽህልዎም ብመንፈስ እተሸሙ ሰባት ኣፍልጦ ምሃብን ብፍታው ተገዛኢ ምዃንን ማለት ኢዩ። ‘ብስም መንፈስ ቅዱስ’ ምጥማቕና ንመንፈስ ቅዱስን ኣብ ዕላማታት የሆዋ ዘለዎ ግደን ኣፍልጦ ኸም ዝሃብናዮ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እነርእየሉ ኣጋጣሚ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:⁠19) ከምዚ ዝኣመሰለ ጥምቀት ምስቲ መንፈስ ከም እንተሓባበርን ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ክርስቶስ ዝፍጽሞ ንጥፈታት ንምዕጋት ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘይንገብርን ዘመልክት ኢዩ። መንፈስ ቅዱስ ንሽማግለታት ኣብ ምሕጻይን ምሻምን ኣገዳሲ ግደ ስለ ዘለዎ: ምስቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ብሽማግለታት ኣቢሉ ዝግበር ምድላው እንተ ዘይተሓባቢርና ምስ ጥምቀትና ተሰማሚዕና ንመላለስ ኣሎና ኽበሃልዶ ይከኣል ኢዩ፧

12. ይሁዳ ብዛዕባ ንስልጣናት ክብሪ ዘይምርኣይ ዝገልጽ እንታይ ኣብነታት ኢዩ ጠቒሱ: እዚኸ ንዓና እንታይ ይምህረና፧

12 ቅዱሳት ጽሑፋት እዙዝን ተገዛእን ምዃን ጠቓሚ ምዃኑ ዝምህር ኣብነታት ኣለዎ። ይሁዳ እቲ ወደ መዝሙር ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ ንእተሸሙ ሰብኡት ዝጻረፉ ሰባት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ሰለስተ መጠንቀቕታ ዝኸውን ኣብነታት ሓቢሩ ኣሎ:- “ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ: ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት በላዓም ጸደፉ: ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ: ወይለኦም።” (ይሁዳ 11) ቃየል ነቲ ፍቕራዊ ምኽሪ የሆዋ ነጺጉ ኣብ ቕትለት ዘብጽሖ መገዲ ጽልኢ ሰዓበ። (ዘፍጥረት 4:⁠4-8) በላዓም ከኣ ተደጋጋሚ መለኮታዊ መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህቦ ምእንቲ ገንዘብ ኢሉ ንህዝቢ ኣምላኽ ክረግም ፈቲኑ ኢዩ። (ዘሁልቍ 22:5-28, 32-34፣ ዘዳግም 23:5) ቆራሕ ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዓብዪ ሓላፍነት እኳ እንተ ነበሮ: በዚ ግን ኣይዓገበን። ኣንጻር እቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽን ኣብ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃልን ዝነበረ ሙሴ ዕልዋ ኣለዓዓለ። (ዘሁልቍ 12:⁠3፣ 16:⁠1-3, 32, 33) ቃየልን በላዓምን ቆራሕን ጠፊኦም ኢዮም። እዚ ኣብነታት እዚ ነቶም የሆዋ ሓላፍነት ዝሃቦም ሰባት ከነኽብሮምን ንምኽሮም ክንሰምዕን ከም ዝግባእ ብንጹር ኢዩ ዘርእየና!

13. ነብዪ ኢሳይያስ እቶም ንናይ ሽማግለታት ምድላው ዝግዝኡ እንታይ በረኸታት ከም ዝረኽቡ ኢዩ ገሊጹ፧

13 ካብቲ መራሒና ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብተዓዘብቲ ኣቢሉ ዝገበረልና ዓብዪ ምድላው ክጥቀም ዘይደሊ መን ኢዩ፧ ነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ብዛዕባ እዚ ዘምጽኦ በረኸታት ገሊጹ ኣሎ:- “እንሆ: ንጉስ ብጽድቂ ኺነግስ እዩ: መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኺገዝኡ እዮም። ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።” (ኢሳይያስ 32:1, 2) ነፍሲ ወከፍ ሽማግለ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቝባን ድሕንነትን ዝርከበሉ ቦታ ክኸውን ኢዩ። ንስልጣናት ተገዛኢ ምዃን ዘጸግመና እውን ይኹን: ነቲ ኣምላኽ ኣብ ጉባኤ ዘቘሞ ስልጣን ተኣዘዝትን ተገዛእትን ንምዃን ብጸሎት ንጽዓር።

ሽማግለታት ንመሪሕነት ክርስቶስ ብኸመይ ኢዮም ዝግዝኡ፧

14, 15. እቶም ኣብ ጉባኤ መሪሕነት ዘለዎም ንመሪሕነት ክርስቶስ ዝግዝኡ ምዃኖም ዘርእዩ ብኸመይ ኢዮም፧

14 ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን: ብፍላይ ከኣ ሽማግለታት ንመሪሕነት ክርስቶስ ክግዝኡ ኣለዎም። ተዓዘብቲ ወይ ሽማግለታት ኣብ ጉባኤ እተወሰነ ስልጣን ኣለዎም። እንተዀነ ግን ንኣነባብራ ኣሕዋቶም ክቈጻጸሩ ብምፍታን ‘ኣብ ልዕሊ እምነቶም ክጕይተቱ’ ኣይደልዩን ኢዮም። (2 ቈረንቶስ 1:⁠24) ነቲ “ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም: ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም: ትፈልጡ ኢኹም። ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን” ብምባል የሱስ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ልቦም የሕድርዎ ኢዮም። (ማቴዎስ 20:25-27) ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ኸለዉ ንኻልኦት ብቕንዕና ኸገልግሉ ኢዮም ዝጽዕሩ።

15 ክርስትያናት “ነቶም . . . መራሕትኹም ዘክርዎም: መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም: ኣስኣሰር እምነቶም ስዐቡ” ዝብል ምሕጽንታ ተዋሂብዎም ኢዩ። (እብራውያን 13:7) ነዚ እንገብር ግን መራሕቲ ስለ ዝዀኑ ኣይኰንናን። የሱስ “መራሒኹም ሓደ እዩ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ” ኢሉና ኢዩ። (ማቴዎስ 23:10) ነቲ ናይ ሓቂ መራሒ: ክርስቶስ: ስለ ዝመስልዎ ንሕናውን ንእምነቶም ኢና ክንቀድሖ ዘሎና። (1 ቈረንቶስ 11:⁠1) ሽማግለታት ምስ ካልኦት ኣባላት ጉባኤ ኣብ ዘለዎም ርክብ ንክርስቶስ ክመስልዎ ዝጽዕሩሉ ገለ መገድታት እስከ ንርአ።

16. የሱስ ዓብዪ ስልጣን እኳ እንተለዎ: ንሰዓብቱ ግን ብኸመይ ይሕዞም ነበረ፧

16 የሱስ ብዅሉ መዳያት ካብ ዘይፍጹማት ሰባት ዝዓቢ ከምኡውን ኣቦኡ ዝሃቦ መወዳድርቲ ዘይብሉ ስልጣን እኳ እንተ ሃለዎ: ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብ ምቕሉል ኢዩ ነይሩ። ንሰማዕቱ ብኣዝዩ ዘደንቕ ፍልጠት ኣይዓብለሎምን። ንሰዓብቱ ኸም ሰባት መጠን ዘድልዮም ነገራት ብምሕላይ ተገዳስነቱን ድንጋጸኡን ኣርኣየ። (ማቴዎስ 15:⁠32፣ 26:⁠40, 41፣ ማርቆስ 6:⁠31) ካብቲ ኽገብርዎ ዝኽእሉ ንላዕሊ ኽገብሩ ኣይሓተቶምን: ልዕሊ እቲ ኽጾርዎ ዝኽእሉ ነገራት እውን ኣየሰከሞምን። (ዮሃንስ 16:⁠12) የሱስ ‘ለዋህ: ልቡውን ትሑት’ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ንብዙሓት ዕረፍቲ እንተ ኣምጽኣሎም ዘገርም ኣይኰነን።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28-30

17. ሽማግለታት ምስ ኣባላት ጉባኤኦም ኣብ ዘለዎም ርክባት ከም ክርስቶስ ምቕሉላት ክዀኑ ዘለዎም ብኸመይ ኢዮም፧

17 እቲ መራሒና ክርስቶስ ምቕሉል ካብ ነበረ እቶም ኣብ ጉባኤ መሪሕነት ዝወስዱ ሽማግለታት ደኣኸ ኽሳዕ ክንደይ ነዚ ብዝያዳ ኸንጸባርቕዎ ዘይግብኦም! እወ: ዝዀነ ይኹን እተዋህቦም ስልጣን ብዘይ​ግቡእ ንኸይጥቀምሉ ይጥንቀቑ ኢዮም። ንኻልኦት ንምምሳጥ ኢሎም እውን ‘ብብሉጽ ዘረባ ኣይመጹን’ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 2:⁠1, 2) ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ብቕልል ዝበለ መገድን ብቕንዕናን ከቕርብዎ ኢዮም ዝጽዕሩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ካብ ካልኦት ኣብ ዝጽበይዎ ነገራት ምኽንያታውያን ክዀኑን ንድሌታቶም ክሓልዩሎምን ይጽዕሩ ኢዮም። (ፊልጲ 4:⁠5 NW ) ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዓቕሙ ድሩት ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ ምስ ኣሕዋቶም ኣብ ዝገብርዎ ርክብ ነዚ ኣብ ግምት የእትዉ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 4:⁠8) እቶም ትሑታትን ለዋሃትን ሽማግለታት ብሓቂ ዕረፍቲ ዘምጽኡዶ ኸይኰኑ፧ ብርግጽ ኢዮም።

18. የሱስ ንቘልዑ ኻብ ዝነበሮ ኣተሓሕዛ ሽማግለታት እንታይ ክማሃሩ ይኽእሉ፧

18 የሱስ ንነኣሽቱ እውን ከይተረፈ ተቐራቢ ኢዩ ነይሩ። ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ‘ቘልዑ ናብኡ ዘምጽኡ’ ሰባት ምስ ገንሕዎም ዝሃቦ ምላሽ እሞ ርአ። “ሕደግዎም: ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ . . . ኣይትኽልእዎም” በሎም። ቀጺሉ ድማ “ሐቝፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም።” (ማርቆስ 10:13-16) የሱስ ፈቃርን ሕያዋይን ብምንባሩ ካልኦት ናብኡ ይሰሓቡ ነይሮም ኢዮም። ሰባት ኣይፈርህዎን ኢዮም ነይሮም። ቈልዑ እውን ከይተረፉ ምስኡ ምዃን ኣይከብዶምን ኢዩ ነይሩ። ሽማግለታት እውን ተቐረብቲ ኢዮም: ፍቕርን ሕያውነትን ምስ ዘርእዩ ኸኣ ቈልዑ እውን እንተዀኑ ምሳታቶም ንምዃን ኣይከብዶምን ኢዩ።

19. “ሓሳብ ክርስቶስ” እንታይ እውን ዘጠቓልል ኢዩ: እዚኸ እንታይ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ፧

19 ሽማግለታት ንየሱስ ክርስቶስ ክመስልዎ ዝኽእሉ ብመጠን እቲ ብዛዕብኡ ዘለዎም ፍልጠት ኢዩ። ጳውሎስ “ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ: ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ኣስዕብ ኣቢሉ ኸኣ “ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና” በለ። (1 ቈረንቶስ 2:16) ሓሳብ ክርስቶስ ምሓዝ ክበሃል ከሎ ኣብ እተወሰነ ዅነታት ክርስቶስ እንታይ ስጕምቲ ኸም ዝወስድ ንምግንዛብ ኣተሓሳስባኡን ኵሉ ባህርያቱን ምፍላጥ ዘጠቓልል ኢዩ። ንመራሒና ኣጸቢቕና ምስ እንፈልጦ ኽሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እዚ ነቲ ኣብ ወንጌል ዘሎ ጸብጻባት ኣቓልቦ ምግባር: ንኣእምሮና ኸኣ ወትሩ ብዛዕባ ህይወት የሱስን ኣብነቱን ብዘሎና ምርዳእ ኽንመልኦ ዝሓትት ኢዩ። ሽማግለታት ብዝከኣሎም መጠን ንመሪሕነት ክርስቶስ ንምስዓብ ጻዕሪ ምስ ዝገብሩ: እቶም ኣባላት ጉባኤ እምነቶም ንኽቐድሑ ዝያዳ ባህጊ ይሓድሮም። እቶም ሽማግለታት ድማ ካልኦት ብሓጐስ ኣስኣሰር እቲ መራሒ ኽስዕቡ ኸለዉ ብምርኣዮም ዕግበት ይረኽቡ ኢዮም።

ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ቀጽል

20, 21. ነታ መብጽዓ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም እናተጸበና እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

20 ኵላትና ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ክንጸንሕ ኣሎና። ናብ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ እናቐረብና ኣብ እንኸደሉ ዘሎና እዋን ኵነታትና ምስቲ ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝነበሩ እስራኤላውያን ዝመሳሳል ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ድርኵኺት እታ ምድሪ ተስፋ ኢዮም ነይሮም: ኣምላኽ ድማ ብነብዪ ሙሴ ኣቢሉ “ንስኻ [እያሱ] ምስ እዚ ህዝቢ እዚ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ኪህቦም ዝመሐለሎም ምድሪ ኽትአቱ . . . ኢኻ” በለ። (ዘዳግም 31:7, 8) እያሱ መራሒ ዀይኑ ኢዩ ተሸይሙ። እስራኤላውያን ናብታ ምድሪ ተስፋ ኽኣትዉ እንተ ዀይኖም: ንመሪሕነት እያሱ ኽግዝኡ ነበሮም።

21 መጽሓፍ ቅዱስ ንዓና “መራሒኹም ሓደ እዩ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ” ኢሉና ኢዩ። ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ናብታ ጽድቂ ዝነብረላ መብጽዓ እተገብረላ ሓዳስ ዓለም ዝመርሓና። (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ስለዚ እምበኣር ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ንመሪሕነቱ ንኽንግዛእ ቈራጽነት ንግበር።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እዞም ኣብዚ ተጠቒሶም ዘለዉ “ኸዋኽብቲ” ቓል ብቓሉ ንመላእኽቲ ኣየመልክቱን ኢዮም። የሱስ ነቶም ዘይረኣዩ መንፈሳውያን ፍጡራት ሓበሬታ ንኽጽሕፈሎም ኢሉ ሰብ ክጥቀም ዘይመስል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: እቶም “ኸዋኽብቲ” ተባሂሎም ዘለው እቶም ከም ናይ የሱስ ልኡኻት ዝርኣዩ ኣብተን ጉባኤታት ዝርከቡ ሰብኣውያን ተዓዘብቲ ወይ ሽማግለታት ክዀኑ ኣለዎም። ቍጽሮም ሸውዓተ ምዃኑ ኸኣ ብመለኮታዊ መገዲ እተወሰነ ምልኣት የመልክት።

ትዝክሮዶ፧

• ክርስቶስ ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ብኸመይ ይመርሓ ነበረ፧

• ክርስቶስ ነዛ ሎሚ ዘላ ጉባኤኡ ብኸመይ ኢዩ ዝመርሓ፧

• ነቶም ኣብ ጉባኤ መሪሕነት ዘለዎም ክንግዝኦም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

• ሽማግለታት ክርስቶስ መራሒኦም ምዃኑ ብኸመይ ከርእዩ ይኽእሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ክርስቶስ ንጉባኤኡ ይመርሓ ኢዩ ሽማግለታት ኸኣ ኣብ የማናይ ኢዱ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

“ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን”

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ፈቃርን ተቐራብን ኢዩ ነይሩ። ክርስትያን ሽማግለታት ድማ ክመስልዎ ይጽዕሩ ኢዮም