ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ መሪሕነት ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧

ጽቡቕ መሪሕነት ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧

ጽቡቕ መሪሕነት ኣበይ ክንረክብ ንኽእል፧

 መጽሓፍ ቅዱስ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ: እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ” ይብል። (እብራውያን 3:⁠4፣ ራእይ 4:⁠11) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ: የሆዋ: ፈጣሪና ስለ ዝዀነ “ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ።” (መዝሙር 103:14) ብዛዕባ ዓቕምናን ዘድልየና ነገራትን ምሉእ ዘይጕዱል ፍልጠት ኣለዎ። ፈቃር ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ድማ ነቲ ዘድልየና ነገራት ከማልኣልና ይደሊ ኢዩ። (መዝሙር 145:⁠16፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠8) ሓደ ኻብዚ: ጽቡቕ መሪሕነት ንምርካብ ዘሎና ድሌት ኢዩ።

የሆዋ ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ “እንሆ: ምስክር ንህዝብታት: መስፍንን [“መራሕን:” NW ] ገዛእን ንህዝብታት ኪኸውን ሀብክዎ” በለ። (ኢሳይያስ 55:4) ሎሚ ዘሎ ናይ መሪሕነት ጸገም መፍትሒ ኽረክብ እንተ ዀይኑ: ነዚ በቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እተሾመ መራሒ ምልላዩን ንመሪሕነቱ ምቕባልን ዝሓትት ኢዩ። እዚ ብትንቢት እተነግረሉ መራሒ ወይ ገዛኢ ደኣ እሞ መን ኢዩ፧ ከም ሓደ መራሒ መጠን እንታይ ብቕዓታት ኢዩ ዘለዎ፧ ናብ ምንታይ ኢዩ ኽመርሓና፧ ካብ መሪሕነቱ ንኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መራሒ ይመጽእ

ኣስታት 2,500 ዓመታት ይገብር ገብርኤል መልኣኽ ንነብዪ ዳንኤል ከምዚ በሎ:- “እምበኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን: እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዚብል ቃል ካብ ዚወጽእ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሲህ: መስፍን: ሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ: ጊዜ ጸበባ ኽነሱ: ንሳ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ።”​—⁠ዳንኤል 9:25

እቲ መልኣኽ ንዳንኤል እቲ የሆዋ ዝመረጾ መራሒ ዝመጸሉ ግዜ ይሕብሮ ምንባሩ ንጹር ኢዩ። “እቲ መሲህ: መስፍን” ወይ መራሒ ኻብቲ የሩሳሌም ክትህነጽ ዝብል ቃል ዝወጸሉ 455 ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዝካ 69 ሰሙናት ወይ 483 ዓመታት ምስ ቈጸርካ ኢዩ ዝመጽእ። a (ነህምያ 2:⁠1-8) ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመታት እዚ እንታይ ተፈጸመ፧ ሉቃስ እቲ ጸሓፍ ወንጌል ከምዚ ብምባል የዘንቱ:- “ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ: ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ: ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላ [29 ከ.ኣ.ዘ.] . . . ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ በረኻ መጸ። ንሱ ድማ ጥምቀት ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት እናሰበኸ: ኣብ ኵሉ ወሰነ ወሰን ዮርዳኖስ ዞረ።” ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ህዝቢ ነቲ መሲህ: መራሒ: ክመጽእ ‘ይጽበይዎ’ ነበሩ። (ሉቃስ 3:1-3, 15) ብዙሓት ሰባት ናብ ዮሃንስ እኳ እንተ ኸዱ: ንሱ ግን እቲ መራሒ ኣይነበረን።

ድሕርዚ ኣብ ጥቅምቲ ናይ 29 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ የሱስ ብዓል ናዝሬት ክጥመቕ ናብ ዮሃንስ መጸ። ዮሃንስ ድማ ከምዚ ኢሉ መስከረ:- “መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ . . . እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፤ እቲ: መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ: ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ: ኢሉኒ እምበር: ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ: ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ።” (ዮሃንስ 1:32-34) የሱስ ምስ ተጠምቀ: እተቐብአ መራሒ ማለት መሲህ ወይ ክርስቶስ ኰነ።

እወ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ “መራሕን ገዛእን ንህዝብታት” የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ከም መራሒ መጠን ዘለዎ ባህርያት ምስ እንምርምር ከኣ ኣብዚ ግዜ እዚ ሓደ ዝጐድሎ ዘይብሉ መራሒ ኸማልኦ ኣለዎ ንዝበሃል ብቕዓታት ኣጸቢቑ ኸም ዝሓልፎ ብቐሊሉ ንግንዘብ ኢና።

እቲ መሲህ​—⁠ዝጐድሎ ዘይብሉ መራሒ

ሓደ ንፉዕ መራሒ ንጹር መምርሒ ይህብ: ንዝመርሖም ህዝቢ ኸኣ ሽግራቶም ንምፍታሕ ዘኽእሎም ሓቦን ብልሓትን ንኽህልዎም ይሕግዞም ኢዩ። እታ መሪሕነት መበል 21 ዘመን:- ምስ 100 ብሉጻት መራሕቲ እተገብረ ዘተ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ‘ናይ መበል 21 ዘመን መራሒ ዕዉት ንምዃን ናይ ግድን ነዚ [ኣብ ላዕሊ ዘሎ] ኸማልእ ኣለዎ’ በለት። ኣብዚ መዳይ እዚ የሱስ ንሰማዕቱ መዓልታዊ ጸገማቶም ንኽፈትሑ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ጽቡቕ ገይሩ ዘዳለዎም! ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ዝርርቡ ማለት ብዛዕባ እቲ ኣብ ከረን ዝገብሮ ስብከቱ እሞ ሕሰብ ኣብል። ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 5 ክሳዕ 7 ብሉጽ ጠቓሚ ምኽርታት ተመዝጊቡ ኣሎ።

ንኣብነት: ብሰንኪ ናይ ባህሪ ፍልልያት ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ኣብ ምድቃስ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ እሞ ርአ:- “እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ: ሓውካ ሐዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ ኣብኡ እንተ ሐሰብካ: ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ: ኪድ: ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዐረቕ: ደሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ።” (ማቴዎስ 5:23, 24) ምስ ሰባት ሰላም ንምግባር ተበግሶ ምውሳድ ቀዳምነት ዝወሃቦ ጕዳይ ኢዩ፣ ካብቲ ብሕጊ ሙሴ ዝሕተት ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ቤት መቕደስ ዝነበረ መሰውኢ መባእ ምቕራብ ኰነ ካብ ካልእ ሃይማኖታዊ ግቡእ ንላዕሊ እውን ኣገዳስነት ነበሮ። እንተ ዘይኰይኑ እቲ ኣምልኾ ብኣምላኽ ተቐባልነት ኣይህልዎን ኢዩ። እዚ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ ነዊሕ ዘመናት እኳ እንተ ገበረ ግዜ ግን ኣይሓለፎን።

የሱስ ንሰማዕቱ ኻብ መፈንጠራ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት ንኽጥንቀቑ ሓጊዝዎም ኢዩ። “ነቶም ቀዳሞት፤ ኣይትዘሙ: ከም እተባህለሎም: ሰሚዕኩም አሎኹም። ኣነ ግና፤ ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ: እብለኩም አሎኹ” ብምባል መዓዶም። (ማቴዎስ 5:27, 28) ኣየ ኸመይ ዝበለ ግቡእ መጠንቀቕታ ዀን ኢዩ! ንምሸቱ ዝሙት ናብ ምፍጻም ክመርሓና ዝኽእል ሓሳብ ኣብ ኣእምሮና ክመላለስ ንምንታይ ነፍቅድ፧ ካብ ልቢ ምንዝርን ዝሙትን ከም ዝወጽእ የሱስ ሓቢሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 15:⁠18, 19) ንልብና ምስ እንሕልዎ ጥበባዊ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 4:⁠23

እቲ ኣብ ከረን እተገብረ ስብከት ንጸላእትና ብዛዕባ ምፍቃር: ለጋስ ብዛዕባ ምዃን: ኣብ ስጋውን መንፈሳውን ነገራት ግቡእ ኣረኣእያ ብዛዕባ ምህላው: ከምኡውን ብዛዕባ ኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ብሉጽ ምኽሪ ዝሓዘ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠43-47፣ 6:⁠1-4, 19-21, 24-34) የሱስ ንሰማዕቱ ብኸመይ ከም ዝጽልዩ ብምምሃር ካብ ኣምላኽ ከመይ ገይሮም ሓገዝ ከም ዝልምኑ እውን ከይተረፈ ምሂርዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠9-13) እቲ መሲህ: መራሒ: ነቲ ንዅሎም ሰባት ዘጋጥም ጸገማት ምእንቲ ኽሰግርዎ ንሰዓብቱ የበራትዖምን የዳልዎምን ኢዩ።

የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝገበሮ ስብከቱ “. . . ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም አሎኹም” ወይ “ . . . ተባህለ” ብምባል ሓደ ሓሳብ ድሕሪ ምግላጹ: “ኣነ ግና . . . እብለኩም አሎኹ” ብምባል ካልእ ሓሳባት ይህቦም ነበረ። (ማቴዎስ 5:21, 22, 27, 28, 31-34, 38, 39, 43, 44) እዚ ኸኣ ሰማዕቱ ብመሰረት እቲ ፈሪሳውያን ብቓሎም ዘመሓላልፍዎ ዝነበሩ ስርዓታት ናይ ምምልላስ ልማድ ከም ዝነበሮም የርኢ። የሱስ ግን ነቲ ሕጊ ሙሴ ሒዝዎ ዝነበረ ናይ ሓቂ መንፈስ ዘንጸባርቕ ካልእ መገዲ ኢዩ ኣርእይዎም። ስለዚ ለውጢ ኢዩ ኣተኣታትዩ: እዚ ድማ ሰዓብቱ ክቕበልዎ ብዝቐሎም መገዲ ኢዩ ገይርዎ። እወ: ሰባት ኣብ ህይወቶም ብመንፈሳዊ ዀነ ስነ⁠-​ምግባራዊ መዳይ ዘደንቕ ለውጢ ንኽገብሩ ደሪኽዎም ኢዩ። እዚ መለለዪ ናይ ሓቂ መራሒ ኢዩ።

ሓደ ናይ ምምሕዳር መምሃሪ መጽሓፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ምምጻእ ክሳዕ ክንደይ ኣጸጋሚ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “እቲ ለውጢ ዘምጽእ [መራሒ] ከም ማሕበራዊ ሓገዝ ዝህብ ሰራሕተኛ ደንጋጺ: ከም ሓኪም ስነ⁠-​ኣእምሮ መስተውዓሊ: ከም ጐያዪ ማራቶን ሓቦኛ: ከም ሓያል ከልቢ ተባዕ: ከም ባሕታዊ ኣብ ርእሱ ዝሙርከስ: ከምኡውን ከም ሓደ ቕዱስ ሰብ ዓቃል ክኸውን ኣለዎ። እዚ ዅሉ ባህርያት እናሃለዎ እውን ዕዉት ከይከውን ይኽእል ኢዩ።”

ሓንቲ “መሪሕነት:- ባህርያት ኣገዳሲ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ “መራሕቲ ከምቲ ሰዓብቶም ክዀኑዎ ዝደልይዎም ኰይኖም ክመላለሱ ኣለዎም” በለት። እወ ሓደ ንፉዕ መራሒ ነቲ ዝብሎ ይገብሮ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ነዚ ምሉእ ብምሉእ ፈጺምዎ ኢዩ! ነቶም ምስኡ ዝመላለሱ ዝነበሩ ትሑታት ክዀኑ ምሂርዎም ጥራይ ዘይኰነስ ኣእጋሮም ብምሕጻብ እውን ብግብሪ ኣብነት ገዲፍሎም ኢዩ። (ዮሃንስ 13:⁠5-15) ንደቀ መዛሙርቱ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ ልኢኽዎም ጥራይ ዘይኰነስ ንሱ ባዕሉ ነዚ ዕዮ እዚ ብትግሃት ዓይዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 4:⁠18-25፣ ሉቃስ 8:⁠1-3፣ 9:⁠1-6፣ 10:⁠1-24፣ ዮሃንስ 10:⁠40-42) ንመሪሕነት ተኣዛዚ ብዛዕባ ምዃን ዝመጸ እውን ኣብነት ገዲፉ ኢዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ “ወድስ ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረአዮ እምበር: ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር ኣይከአሎን” በለ።​—⁠ዮሃንስ 5:19

እዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ የሱስ ዝበሎን ዝገበሮን ነገራት ዝጐድሎ ዘይብሉ መራሒ ኸም ዝዀነ ብንጹር ዘርኢ ኢዩ። አረ ንዅሉ እቲ ሰባት ንሓደ ንፉዕ መራሒ ዘውጽኡሉ መዐቀኒ ይሓልፎ ኢዩ። የሱስ ፍጹም ኢዩ። ሞይቱ ምስ ተንስአ ዘይመውት ህይወት ስለ እተዋህቦ ንዘለኣለም ኢዩ ዝነብር። (1 ጴጥሮስ 3:⁠18፣ ራእይ 1:⁠13-18) ኣየናይ ሰብኣዊ መራሒ ኢዩ ነዚ ብቕዓታት እዚ ኸማልኦ ዝኽእል፧

እንታይ ኽንገብር ኣሎና፧

እቲ መሲህ: መራሒ: ንጉስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ንእዙዛት ደቅሰብ ብዙሕ በረኸታት ከፍስሰሎም ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ቕዱሳት ጽሑፋት ከምዚ ብምባል ይመባጻዕ:- “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” (ኢሳይያስ 11:9) “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:11) “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።” (ሚክያስ 4:4) “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—⁠ራእይ 21:3, 4

ኣብዚ እዋን እዚ ዓለም ናይ መሪሕነት ጸገም የጋጥማ ኣሎ። የሱስ ክርስቶስ ግን ነቶም ትሑታት ናብታ እዙዛት ደቅሰብ ንየሆዋ ኣምላኽ ብምምላኽ ዝሓብሩላን ናብ ፍጽምና ዝበጽሑላን ሰላም ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ይመርሖም ኣሎ። ግዜ ወሲድና ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ንሱ ዝሸሞ መራሕን ኽንፈልጥ: ምስኡ ተሰማሚዕና ኸኣ ክንመላለስሲ ንህይወትና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን ኢዩ!​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

ንሓደ ሰብ ኣኽቢርና እንርእዮ እንተደኣ ዄንና: ክንመስሎ ኢና እንጽዕር። እምበኣር ነቲ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ዝዓበየ መራሒ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ክንመስሎ ኽንጽዕርዶ ኣይግብኣናን፧ ነዚ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ መሪሕነቱ ምቕባል ኣብ ህይወትና እንታይ ጽልዋ ኢዩ ዝህልዎ፧ እዝን ካልእ ሕቶታትን ኣብዚ ዝቕጽል ክልተ ዓንቀጻት ክግለጽ ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ዳንኤል እቲ ኣምላኽ ዝመረጾ መራሒ ኽመጽእ ምዃኑ ተነበየ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ትምህርትታት የሱስ ንሰባት ኣብ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ሽግራት ክሰግርዎ ኣዳለዎም

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንእዙዛት ደቅሰብ ሰላም ናብ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ክመርሖም ኢዩ