ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጽቡቕ መሪሕነት ዓለምለኻዊ ብድሆ

ጽቡቕ መሪሕነት ዓለምለኻዊ ብድሆ

ጽቡቕ መሪሕነት ዓለምለኻዊ ብድሆ

እቲ ሰብኣይ ጸሓፍን ገጣምን ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኢዩ ነይርዎ። ቅድሚ 90 ዓመታት ኣቢሉ “ኣእምሮ ብፍርሂ ዘይወሓጠሉን ርእስኻ ኣቕኒዕካ እትመላለሰሉን፣ ፍልጠት ብዘይ​ ክፍሊት ዝርከበሉ፣ ዓለም ብጸቢብ ሃገራዊ ዶባት ዘይትከፋፈለሉ፣ ቃላት ኣብ ሓቂ እተመርኰሰ ዝዀነሉ፣ [ከምኡውን] ትግሃት ዝመልኦ ጻዕርታት ናብ ፍጽምና ዝመጣጠረሉ” ሓደ ቦታ ኣብ ኣእምሮኡ ስኢሉ ነበረ።

 እዚ ጸሓፊ እዚ ቐጺሉ ደቂ ዓዱ ዀኑ ኣብ ዝተረፈ ኽፍልታት ዓለም ዘለዉ ሰባት ሓደ መዓልቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ንኽነብሩ ዘለዎ ተስፋ ገለጸ። እዚ ናይ ኖበል ሽልማት ተዓዋቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ብህይወት እንተ ዝጸንሕ ነይሩ ብዙሕ ከም ዝጕሂ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ዓለም ብዙሕ ምዕባለታትን ስልጣነታትን እኳ እንተ ገበረት: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ተኸፋፊላ ኢያ ዘላ። ብሓፈሽኡ ኽርአ ኸሎ ድማ መጻኢ ወድሰብ ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ።

ሓደ ሓረስታይ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ እተፈላለዩ ጕጅለታት ስለምንታይ ሃንደበት ዓመጽ ከም እተለዓዓለ ምስ ተሓተተ: “ሕማቓት መራሕቲ ስለ ዘለዉና ኢዩ” ብምባል ሓደ ኻብቲ ምኽንያታት ኢሉ ዝሓሰቦ ጠቐሰ። ጸሓፍ ታሪኽ ጆናታን ግሎቨር ኣብታ ሂዩማኒቲ​—⁠ኤ ሞራል ሂስትሪ ኦቭ ዘ ትዌንቲዝ ሰንችሪ እትበሃል መጽሓፉ: እቲ ኣብታ ሃገር እቲኣ እተፈጸመ “ጃምላዊ ቕትለት ባዕሉ እተባርዐ ቐቢላዊ ጽልኢ ኣይኰነን: ኣብ ስልጣኖም ኽጸንሑ ብዝደለዩ ሰባት እተወጠነ ኢዩ” በለ።

ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ሞንጎ ኽልተ ሪፓብሊካት ዩጎዝላቭያ ነበር ውግእ ምስ ተባርዐ: ሓንቲ ጋዜጠኛ “ንብዙሕ ዓመታት ብሓባር ተሓጒስና ንነብር ነይርና: ሕጂ ግን ናይ ሓድሕድና ሕጻናት ክሳዕ ምቅትታል በጺሕና። እንታይ ኢዩ ረኺቡና፧” ኢላ ጸሓፈት።

እቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ ገጣሚ ኣብታ ኻብ ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ብኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ርሒቓ እትርከብ ሃገረ ህንዲ ኢዩ ተወሊዱ። ፓራናይ ጉፕተ ዝበሃል ሓደ ደራሲ “ህንዲ ሓንቲ ሃገር ኰይና ኽትቅጽል ትኽእል ድያ፧” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቕረቦ ኣስተምህሮ ‘70 ሚእታዊት ዝዀኑ ህዝቢ ህንዲ ኻብ ደቂ 30 ዓመት ንታሕቲ ኢዮም: እንተዀነ ግን ኣብነት ዝዀንዎም መራሕቲ የብሎምን’ ብምባል ገለጸ።

ናይ ገሊኣተን ሃገራት መራሕቲ ብብልሽውና ስለ እተኸሱ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ኢዮም። እምበኣር ዓለምና ብእተፈላለየ ምኽንያታት ናይ መሪሕነት ጸገማት የጋጥማ ኸም ዘሎ ንጹር ኢዩ። እዚ ዘሎ ዅነታት ንሓቅነት ናይቲ ኣስታት 2,600 ዓመታት ይገብር ሓደ ነብዪ እተዛረቦ ዘረባ ዘረጋግጽ ኢዩ። ንሱ ኸምዚ በለ:- “መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ።”​—⁠ኤርምያስ 10:23

ካብዚ ጭንቂ ዝመልኦ ህሉው ኵነታት ዓለም መዋጽኦ ንረክብዶ ንኸውን፧ ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ ናብታ ብህውከት ዘይናወጸላን ብፍርሂ ዘይወሓጠላን: ናይ ሓቂ ፍልጠት ብናጻን ብብዝሕን ዝረኽበላ: ናብ ፍጽምና ድማ ዝጐዓዘላ ዓለም ክመርሖ ዝኽእል መን ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Fatmir Boshnjaku