ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዘንቀደ ልቢ ንየሆዋ ምግልጋል ኣይተቋርጽ

ብዘንቀደ ልቢ ንየሆዋ ምግልጋል ኣይተቋርጽ

ብዘንቀደ ልቢ ንየሆዋ ምግልጋል ኣይተቋርጽ

“ልበይ ኣንቂዱ: ዎ ኣምላኽ: ልበይ ኣንቂዱ።”​መዝሙር 57:⁠7

1. ከምቲ ናይ ዳዊት ዝኣመሰለ እምንቶ ኽህልወና ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

 የሆዋ ከም ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቱ መጠን ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትና ጠቢቕና ምእንቲ ኽንመላለስ ኣብ ክርስትያናዊ እምነትና ከጽንዓና ይኽእል ኢዩ። (ሮሜ 14:⁠4) ስለዚ: ከምቲ ‘ዎ ኣምላኽ ልበይ ኣንቂዱ ኣሎ’ ኢሉ ኽዝምር እተለዓዓለ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር እምንቶ ኽህልወና ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 108:⁠1) ልብና እንተደኣ ኣንቂዱ: ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ ንኽንፍጽም ንድረኽ ኢና። ካብ ኣምላኽ መምርሕን ብርታዐን ክንረክብ ብምጽባይ ድማ ኣብቲ ዝገበርናዮ ቈራጽነትን ዘንበርናዮ እምነትን “ብዕዮ ጐይታ” ዘይንነቓነቕ: ጽኑዓት: “ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት” ሓለውቲ ንጽህና ኽንከውን ንኽእል ኢና።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:⁠58

2, 3. ናይቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 16:⁠13 ተመዝጊቡ ዘሎ ጳውሎስ ዝሃቦ ለበዋ ትርጕም እንታይ ኢዩ፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰዓብቲ የሱስ “ንቕሑ: ኣብ እምነት ጽንዑ: ሰብኡት ኩኑ: በርትዑ” ብምባል ዘቕረቦ ለበዋ ኣብዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ዝዓዪ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 16:⁠13) ብቛንቋ ግሪኽ እዚ ለበዋታት እዚ ብህሉው ግዜ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ: ስለዚ ድማ ብቐጻሊ ንኽንዓየሉ ዝምሕጸን ኢዩ። ትርጕም ናይዚ ለበዋ እዚ እንታይ ኢዩ፧

3 ንድያብሎስ ብምጽራርን ናብ ኣምላኽ ብምቕራብን ብመንፈስ ‘ክንነቅሕ’ ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 4:⁠7, 8) ኣብ የሆዋ ምስ እንውከል ሓድነት ይህልወና ‘ኣብ ክርስትያናዊት እምነት ከኣ ንጸንዕ።’ ኵላትና እንተላይ እተን ኣብ መንጎና ዘለዋ ኣንስቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናኣወጅና ንኣምላኽ ብትብዓት ብምግልጋል ‘ሰብኡት ንኸውን’ ኢና። (መዝሙር 68:⁠11) እቲ ሰማያዊ ኣቦና ፍቓዱ ንምፍጻም ብቐጻሊ ሓይሊ ስለ ዝህበና ድማ ‘ንብርትዕ’ ኢና።​—⁠ፊሊጲ 4:⁠13

4. ናብ ክርስትያናዊ ጥምቀት ዝበጻሕና ብኸመይ ኢና፧

4 ንየሆዋ ገዛእ ርእስና ምሉእ ብምሉእ ምስ ወፈናን ነዚ ድማ ብማይ ብምጥማቕ ምስ ገለጽናዮን ነታ ናይ ሓቂ እምነት ከም እተቐበልናያ ኣርኢና ኢና። ናብ ጥምቀት ዘብጽሓና ግን እንታይ ኢዩ፧ ብቐዳምነት ርጡብ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ኣጥሪና ኢና። (ዮሃንስ 17:⁠3) ከምዚ ብምግባርና እምነትና ተሃኒጻ ንኽንሳሕ ተደሪኽና: እዚ ኸኣ ኣብ ዝሓለፈ ብዝፈጸምናዮ ኣበሳ ኸም እተጠዓስና ዘርኢ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19፣ እብራውያን 11:⁠6) ድሕሪኡ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንመላለስ ኢልና ኻብቲ ግጉይ ተግባራትና ስለ እተመለስና ተለዊጥና ኢና። (ሮሜ 12:⁠2፣ ኤፌሶን 4:⁠23, 24) ድሕርዚ ብጸሎት ኣቢልና ንየሆዋ ብምሉእ ልቢ ህይወትና ወፈና። (ማቴዎስ 16:⁠24፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠21) ካብኡ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ንኽህበና ለመንና: ህይወትና ኸም ዝወፈና ንምርኣይ ድማ ተጠመቕና። (1 ጴጥሮስ 3:⁠21) ነዚ ዝሓለፍናዮ ደረጃታት እዚ ምዝካርና ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንኽንነብር ከምኡውን ንየሆዋ ብዘንቀደ ልቢ ንኸነገልግሎ ቐጻሊ ጻዕሪ ኸም ዘድልየና ንኸነተኵረሉ ይሕግዘና ኢዩ።

ርጡብ ፍልጠት ምንዳይ ኣይተቋርጽ

5. ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ብቐጻሊ ኽንድልብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

5 ንኣምላኽ ምስ ዝገበርናዮ ወፈያ ተሰማሚዕና ንኽንነብር: እምነትና ዝሃንጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ካብ ምድላብ ከነቋርጽ የብልናን። መጀመርታ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝርከብ ሓቂ ምስ ፈለጥና: መንፈሳዊ መግቢ ምምጋብሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ባህ ዝብለና ነይሩ! (ማቴዎስ 24:⁠45-47) እቲ “መግቢ” እቲ: ጥዑም ኢዩ ነይሩ: ብመንፈስ ከኣ ጽቡቕ ገይሩ ዓንጊሉና ኢዩ። ሕጂውን ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ የሆዋ ከም ምዃንና መጠን ወትሩ ዘንቀደ ልቢ ምእንቲ ኽህልወና: ከየቋረጽና መኣዛታት ዘለዎ መንፈሳዊ መግቢ ኽንምገብ ኣሎና።

6. ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ልባዊ ሞሳ ንኸተማዕብል ብኸመይ ተሓጊዝካ፧

6 ተወሳኺ ቅዱስ ጽሑፋዊ ፍልጠት ምጥራይ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ንሕቡእ መዝገብ ሃለው ክትብል ዘድሊ: እዚ ኸኣ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። እንተዀነ ግን “ንምፍላጥ ኣምላኽ” ክትረኽቦስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ዓስቢ ዀን ኢዩ! (ምሳሌ 2:⁠1-6) ሓደ ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሓልካ ክጅምር ከሎ ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዘርእስታ መጽሓፍ ተጠቒሙ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ንኽትመያየጡላ ብዙሕ ግዜ ወሲዱልኩም ይኸውን: ምናልባት እውን ንሓንቲ ምዕራፍ ንምውዳእ ካብ ሓደ ንላዕሊ ግዜ ኣጽኒዕኩም ትዀኑ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት ምስ ኣንበብኩምዎን ምስ ተመያየጥኩምሉን ተጠቒምካ ኢኻ። ምርዳእ ዝኣበየካ ነጥቢ ተገሊጹልካ ኢዩ። እቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓልካ ብዝግባእ ተዳልዩ: መንፈስ ኣምላኽ ክሕግዘኩም ጸልዩ: ንሓቂ ልባዊ ሞሳ ንኸተማዕብል ድማ ደጊፉካ ኢዩ።

7. ሓደ ሰብ ናይ ኣምላኽ ሓቂ ንኻልኦት ንምምሃር ብቑዕ ዝገብሮ እንታይ ኢዩ፧

7 እዚ ጻዕሪ እዚ ዝግባእ ኢዩ ነይሩ: ከመይሲ ጳውሎስ “እቲ ቓል ዝምሀር ግና ነቲ ዚምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ። (ገላትያ 6:6) ብቛንቋ ግሪኽ እዛ ጥቕሲ እዚኣ: እቲ ትምህርትታት ቃል ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮን ልብን እቲ ‘ዝምሃር’ ከም ዝሰረጸ ኢያ እተመልክት። ነቲ ትምህርቲ በዚ ኸምዚ ምቕባልካ ኸኣ ንኻልኦት ንኽትምህር ብቑዕ ይገብረካ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:⁠25) ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ንኽትመላለስ ቃል ኣምላኽ ብቐጻሊ ብምጽናዕ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ኽትሕሉን ጽኑዕ ኴንካ ኽትቅጽልን ኣሎካ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠13፣ ቲቶስ 1:⁠13፣ 2:⁠2

ነስሓኻን ዝገበርካዮ ለውጥን ኣይትረስዕ

8. ወትሩ ንኣምላኽ ብዘሐጕስ ኣካይዳ ኽትመላለስ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

8 ሓቂ ፈሊጥካ ምስ ተነሳሕካ እሞ ኣምላኽ ብበጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ኣቢሉ ይቕረ ኸም ዝበለልካ ምስ ፈለጥካ እተሰምዓካ እፎይታ ትዝዶ ይብለካ፧ (መዝሙር 32:⁠1-5፣ ሮሜ 5:⁠8፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠18) ብዘይ​ጥርጥር ናብቲ ሓጢኣት ዝመልኦ ህይወት ክትምለስ ኣይትደልን ኢኻ። (2 ጴጥሮስ 2:​20-22) ከየባተኽካ ናብ የሆዋ ምጽላይ ወትሩ ንኣምላኽ ብዘሐጕስ ኣካይዳ ንኽትመላለስ: ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ንኽትነብር: ከምኡውን ንየሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል ንኽትቅጽል ካብ ዘኽእለካ ነገራት ሓደ ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠11, 12

9. ነቲ ሓጢኣት ዝመልኦ ተግባራት ምስ ገደፍና እንታይ መገዲ ኢና ኽንስዕብ ዘሎና፧

9 ነቲ ሓጢኣት ዝመልኦ ተግባራት ብምግዳፍ ምስ ተለወጥካ: ልብኻ ጽኑዕ ዀይኑ ኸም ዝቕጽል ኣብ ምግባር ሓገዝ የሆዋ ድለ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ብግጉይ ጐደና ኢኻ እትጐዓዝ ኔርካ: እንተዀነ ግን ትውክልቲ ዝግበሮ ካርታ ምስ ረኣኻ ብቕኑዕ መገዲ ኽትጐዓዝ ጀሚርካ። እምበኣር ደጊም መገድኻ ኣይትስሓት። ኣብ መሪሕነት ኣምላኽ ተወከል: ካብታ ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ንኸይትወጽእ ድማ ቈራጽነት ግበር።​—⁠ኢሳይያስ 30:⁠20, 21፣ ማቴዎስ 7:⁠13, 14

ወፈያኻን ጥምቀትካን ፈጺምካ ኣይትረስዕ

10. ብዛዕባ እቲ ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ እንታይ ነጥብታት ኢና ኽንዝክር ዘሎና፧

10 ንየሆዋ ንዘለኣለም ብተኣማንነት ከተገልግሎ ብጸሎት ኣቢልካ ህይወትካ ከም ዝወፈኻ ኣይትረስዕ። (ይሁዳ 20, 21) ወፈያ ኽበሃል ከሎ ንቕዱስ ዕላማ ምፍላይ ኢዩ ዘመልክት። (ዘሌዋውያን 15:⁠31፣ 22:⁠2) ወፈያኻ ግዝያዊ ውዕል ወይ ምስ ሰባት እተገብረ ኺዳን ኣይነበረን። ነቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ጐይታ ኢኻ ንሓዋሩ ህይወትካ ዝወፈኻ: ምስዚ ተሰማሚዕካ ንምንባር ከኣ ብህይወት ክሳዕ ዘሎኻ ንኣምላኽ እሙን ምዃን ዝሓትት ኢዩ። እወ: ‘ብህ​ይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና ንጐይታ ኢና።’ (ሮሜ 14:​7, 8) ንፍቓዱ ምስ እንግዛእን ብቐጻሊ ብዘንቀደ ልቢ ምስ እነገልግሎን ኢና ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል።

11. ጥምቀትካን ትርጕሙን ክትዝክሮ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

11 ጥምቀትካ መርኣያ ናይቲ ንኣምላኽ ብምሉእ ልብኻ ዝገበርካዮ ወፈያ ምዃኑ ፈጺምካ ኣይትረስዕ። ነዚ ውሳነ እዚ ባዕልኻ ፈቲኻ ስለ ዝገበርካዮ ኣገዲዱ ዘጠመቐካ ሰብ የለን። ሕጂ ኣብ ዝተረፈ ህይወትካ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ንምንባር ቈራጽነት ጌርካ ዲኻ፧ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ንኽህበካ ለሚንካ: ወፈያኻ ንኸተርኢ ድማ ተጠሚቕካ ኢኻ። ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ብምንባር ነቲ ሰናይ ሕልና እቲ ሓልዎ: እቲ ዘሀብትም በረኸት የሆዋ ኸኣ ኣይክፍለየካን ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 10:⁠22

ፍቓድካ ግደ ኣለዎ

12, 13. ናይ ገዛእ ርእስና ፍቓድ ምስ ህይወትካ ምውፋይን ምስ ጥምቀትን ዝተሓሓዝ ብኸመይ ኢዩ፧

12 ወፈያን ጥምቀትን ኣብ ምድሪ ንዝነብሩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ዓብዪ በረኸት ከም ዘምጽኣሎም እተረጋገጸ ኢዩ። ብማይ ብምጥማቕ ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ ኣብ እነርእየሉ እዋን: ንዝሓለፈ ኣነባብራና ብዝምልከት ክንመውት ከሎና ፍቓድና ግን ኣይመውትን ኢዩ። ግቡእ መምርሒ እተዋህቦም ኣመንቲ ኸም ምዃንና መጠን ህይወትና ብጸሎት ንኣምላኽ ክንውፍን ክንጥመቕን ከሎና ብፍቓድና ኢና ጌርናዮ። ህይወትካ ወፊኻ ምጥማቕ: ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምፍላጥን ነዚ ድማ ብድላይና ኽንገብሮን ዝሓትት ኢዩ። (ኤፌሶን 5:⁠17) በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ናውቲ ጽርበት ጠንጢኑ እተጠምቀ እሞ ፍቓድ እቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ንኽገብር ምሉእ ብምሉእ እተወፈየ የሱስ ንመስሎ።​—⁠መዝሙር 40:⁠7, 8፣ ዮሃንስ 6:⁠38-40

13 የሆዋ ኣምላኽ ወዱ ‘ብስቅያት ፍጹም ክኸውን’ ዕላምኡ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ የሱስ ነቲ ስቅያት ብተኣማንነት ንምጽዋር ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓዱ ኽጥቀመሉ ነበሮ። ነዚ ንምፍጻም ከኣ ‘ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ጸሎትን ምህልላን ኣቕረበ: ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ድማ ተሰምዐ።’ (እብራውያን 2:10, 18፣ 5:7, 8) ንሕናውን ብተመሳሳሊ ንኣምላኽ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ እንተደኣ ኣርኢና: ከም ‘እንስማዕ’ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና: ህይወቶም ዝወፈዩ መሰኻኽሩ ከም ምዃንና መጠን ድማ የሆዋ ጽኑዓት ከም ዝገብረና እምንቶ ከነሕድር ንኽእል ኢና።​—⁠ኢሳይያስ 43:⁠10

ወትሩ ዘንቀደ ልቢ ሒዝካ ኽትነብር ትኽእል ኢኻ

14. መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ኸነንብብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

14 ዘንቀደ ልቢ ሒዝካ ንኽትቅጽል እሞ ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ንኽትከይድ ዝሕግዘካ እንታይ ኢዩ፧ ወትሩ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ንምውሳኽ ዕላማ ብምግባር መጽሓፍ ቅዱስ መዓ​ልታዊ ኣንብብ። እዚ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኽንገብሮ ብዘይ​ምቍራጽ ዝምሕጸነና ነገር ኢዩ። ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ኽንነብር እንተደኣ ዄንና ብመገዲ ሓቂ ኽንመላለስ ስለ ዘድልየና ኢዩ ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ዝወሃበና። ማሕበር የሆዋ ብፍላጥ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ትድግፍ ነይራ እንተ ትኸውን: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰነ ነቶም ዝሰብኩሎም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡ ምዕዶ ኣይምተዋህቦምን ነይሩ።

15. (ሀ) ውሳነታት ክግበር ከሎ እንታይ ኢዩ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ፧ (ለ) ዓለማዊ ስራሕ ንክርስትያናት ተወሳኺ ስራሕ ኢዩ ኽበሃል ዝከኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

15 ውሳነታት ክትገብር ከሎኻ ኵሉ ሳዕ ነቲ ንየሆዋ ዝገበርካዮ ወፈያ ብኸመይ ከም ዝጸልዎ ኣብ ግምት ኣእቱ። እዚ ምስ ዓለማዊ ስራሕካ እተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ስራሕካ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸተቐድም ዝሕግዘካ ንኽትገብሮ ትጽዕር ዲኻ፧ ወሃብቲ ስራሕ ህይወቶም ንዝወፈዩ ክርስትያናት ብሓፈሻ ዝኣምንዎምን ስሉጣት ምዃኖም ዝፈልጡን እኳ እንተዀኑ: ብዓለማዊ መገዲ ዕዉታት ክዀኑ ብምድላይን ነቲ ዝያዳ መኽሰብ ዘለዎ ቦታ ንምርካብ ምስ ካልኦት ክወዳደሩ ኽብሉን ሓይሎም ከም ዘይጽንቅቑ የስተብህሉ ኢዮም። ከምዚ ዝዀኑ ኸኣ ሸቶኦም ሃብቲ: ዝና: ተፈላጥነት: ወይ ስልጣን ምርካብ ስለ ዘይኰነ ኢዩ። ነቶም ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ዝኸዱ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድሶም ነገር መለኮታዊ ፍቓድ ምግባር ኢዩ። እቲ ንህይወት ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ንኸማልኡ ዘኽእሎም ዓለማዊ ስራሕ ካልኣይ ቦታ ዝሕዝ ተወሳኺ ስራሕ ኢዩ። ልክዕ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ቐንዲ ስርሖም ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 18:⁠3, 4፣ 2 ተሰሎንቄ 3:⁠7, 8፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) ንስኻኸ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ዲኻ እትህቦ፧​—⁠ማቴዎስ 6:⁠25-33

16. መጠኑ ዝሓለፈ ጭንቀት ምስቲ ንኣምላኽ ዝገበርናዮ ወፈያ ተሰማሚዕና ንኽንነብር እንተ ኣጸጊሙና እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

16 ገሊኣቶም ንሓቂ ቕድሚ ምፍላጦም ብእተፈላለየ ጭንቀት ዳርጋ ተዋሒጦም ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ተስፋታት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ፈለጡ ግን ኣልባቦም ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ብሓጐስን ንኣምላኽ ብዘለዎም ሞሳን ፍቕርን ዝመልአ! ነቲ ኻብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም ዝረኸብዎ በረኸታት ምስ ዘስተንትኑሉ: ምስቲ ንየሆዋ ዝገበርዎ ወፈያ ተሰማሚዖም ንኽነብሩ ኣጸቢቑ ኽሕግዞም ይኽእል ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ከምቲ እሾኽ ንተኽሊ ኸይዓቢ ብምሕናቕ ፍረ ኸም ዘየፍሪ ዝገብሮ: ኣብዚ ኣገባብ እዚ ዘጋጥም ጸገማት ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዘጨነቐካ ነቲ “ቓል ኣምላኽ” ከይሓንቆ እንተ ኣፍርሃካኸ፧ (ሉቃስ 8:⁠7, 11, 14፣ ማቴዎስ 13:⁠22፣ ማርቆስ 4:⁠18, 19) ንዓኻን ንስድራኻን ከምዚ የጋጥመኩም ምህላዉ እንተ ተሰሚዑካ: ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ደርብዮ: ፍቕርኻን ሞሳኻን ንኸተዕቢ ኽሕግዘካ ድማ ናብኡ ጸሊ። ጾርካ ናብ ኣምላኽ እንተ ደርቢኻዮ: ብዘንቀደ ልቢ ተሓጒስካ ብቐጻሊ ምእንቲ ኸተገልግሎ ኽድግፈካን ከበርትዓካን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 55:⁠22፣ ፊሊጲ 4:⁠6, 7ራእይ 2:⁠4

17. ከቢድ ፈተናታት ኽንዋጽኣሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

17 ከምቲ ህይወትካ ኽትውፊ ኸሎኻ ዝጸለኻ: ከየባተኽካ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ጸሊ። (መዝሙር 65:⁠2) ግጉይ ተግባር ክትገብር ምስ እትፍተን ወይ ከቢድ ፈተና ኸጋጥመካ ኸሎ: ካብ ኣምላኽ መምርሕን ኣብ ግብሪ ንኸተውዕሎ ድማ ደገፍን ድለ። እምነት ከም ዘድልየካ ኣይትረስዕ: ከመይሲ ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ:- “ሓደ ኻባኻትኩም [ኣብ ፈተና ንምጽናዕ] ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና: ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ: ኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ: ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ: እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።” (ያእቆብ 1:5-8) እቲ ፈተና ኻብ ዓቕምና ንላዕሊ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑና: እዚ ዝስዕብ መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ:- “ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ: ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ: መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ: ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።”​—⁠1 ቈረንቶስ 10:13

18. ዝሓባእናዮ ከቢድ ሓጢኣት ነቲ ንየሆዋ ዝገበርናዮ ወፈያ የዳኽሞ እንተደን ሃልዩ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

18 ዝሓባእካዮ ከቢድ ሓጢኣት ንሕልናኻ ይርብሾን ምስቲ ንኣምላኽ ዝገበርካዮ ወፈያ ተሰማሚዕካ ንኸይትነብር የዳኽመካን እንተሎኸ፧ እንተ ተነሲሕካ የሆዋ ‘ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ስለ ዘይንዕቆ’ ተጸናናዕ። (መዝሙር 51:⁠17) እቶም ፈቃራት ክርስትያን ሽማግለታት ንየሆዋ ስለ ዝመስልዎ ምስ ሰማያዊ ኣቦኻ ዝነበረካ ጽቡቕ ርክብ ንኸተዐሪ እተንጸባርቖ ባህጊ ኣፍኲሶም ከም ዘይርእይዎ ብምፍላጥ ሓገዝ ክህቡኻ ሕተት። (መዝሙር 103:⁠10-14፣ ያእቆብ 5:⁠13-15) ድሕሪኡ እተሓደሰ መንፈሳዊ ብርታዐን ዘንቀደ ልብን ስለ ዝህልወካ ነእጋርካ ትኽ ዝበለ መገዲ ኽትገብርን ምስቲ ንኣምላኽ ዝገበርካዮ ወፈያ ተሰማሚዕካ ኽትነብርን ትኽእል ኢኻ፧​—⁠እብራውያን 12:⁠12, 13

ብዘንቀደ ልቢ ምግልጋል ኣይተቋርጽ

19, 20. ወትሩ ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ኽንነብር ናይ ግድን ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧

19 ኣብዚ ኽፉእ ዘመን ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ንኽንነብርን ብዘንቀደ ልቢ ንኣምላኽ ምግልጋል ንኽንቅጽልን ኣበርቲዕና ኽንዓዪ ኣሎና። የሱስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:13) ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ንነብር ስለ ዘሎና ኣብ ዝዀነ እዋን መወዳእታ ኽመጽእ ይኽእል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1) ብተወሳኺውን ክሳዕ ጽባሕ ብህይወት ከም ዝጸንሕ ርግጸኛ ክኸውን ዝኽእል ሰብ የለን። (ያእቆብ 4:⁠13, 14) ስለዚ ሎሚ ምስ ወፈያና ተሰማሚዕና ኽንነብር ናይ ግድን ኣድላዪ ኢዩ!

20 ሃዋርያ ጴጥሮስ ነዚ ኣብ ካልአይቲ መልእኽቱ ኣጕሊሕዎ ኢዩ። ከምቲ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይነበሮም ሰባት ብማይ ኣይሂ ዝጠፍኡ: እዚ ብምድሪ ተመሲሉ ዘሎ እኩይ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ እውን ኣብ “መዓልቲ ጐይታ” ኽጠፍእ ምዃኑ ገለጸ። ስለዚ ጴጥሮስ “ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም” ኢሉ ተዛረበ። ብተወሳኺውን “ኣቱም ፍቁራተይ: ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲ: [ብ]ስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘለዉ [መምህራን ሓሶትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባትን] ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ” ኢሉ ተማሕጸነ። (2 ጴጥሮስ 3:5-17) ሓደ እተጠምቀ ኣስፋሒ ኻብ መገዲ ሓቂ ሸተት ኢሉ ጽኑዕ ልቢ ኸይሓዘ ምስ ዝመውት ክሳዕ ክንደይ ዘሕዝን ኰን ኢዩ!

21, 22. ኣብ መዝሙር 57:⁠7 ዘሎ ቓላት ኣብ ዳዊትን ናይ ሓቂ ክርስትያናትን ዝውዕል ብኸመይ ኢዩ፧

21 ክትጥመቕ ከሎኻ ዝነበረካ ሓጐስ እንተ ዘኪርካ ከምኡውን እትብሎን እትገብሮን ዘበለ ንልቢ ኣምላኽ ዘሐጕስ ንኽኸውን ክሕግዘካ እንተ ሓቲትካዮ: ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ንኽትነብር ዝገበርካዮ ቘራጽነት ክድልድል ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 27:⁠11) የሆዋ ንህዝቡ ፈጺሙ ኣይሓድጎምን ኢዩ: ንሕና ድማ ንዕኡ እሙናት ክንከውን ኣሎና። (መዝሙር 94:⁠14) ንዳዊት ነቲ ጸላእቱ ዝወጠንዎ መደባት ብምፍሻል ከድሕኖ ኸሎ ምሕረትን ድንጋጽን ኣርእዩ ኢዩ። ዳዊት ድማ ነዚ ስለ ዘማሰወሉ ነቲ መድሓኒኡ ዘለዎ ጽኑዕን ነቕ ዘይብልን ፍቕሪ ገለጸ። “ልበይ ኣንቂዱ: ዎ ኣምላኽ: ልበይ ኣንቂዱ: ክዝምርን ከመስግንን: እየ” ብምባል ካብ ውሽጢ ልቡ ዘመረ።​—⁠መዝሙር 57:7

22 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ልክዕ ከም ዳዊት ካብቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነት ምንቕ ኣይብሉን ኢዮም። ብዘንቀደ ልቢ ድሕነቶምን ዕቝባኦምን የሆዋ ምዃኑ ይገልጹ: መዝሙር ምስጋና ድማ ተሓጒሶም ይዝምሩሉ ኢዮም። ልብኻ ዘንቀደ እንተደኣ ዀይኑ ትውክልቱ ኣብ ኣምላኽ ኢዩ ዝገብር: በቲ ንሱ ዝህበካ ሓገዝ ከኣ ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ኽትከይድ ኢኻ። እወ: ከምቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ክፉእ ወረ ኣይፈርህን: ልቡ ብእግዚኣብሄር ተወኪሉ ይጸንዕ” ኢሉ ዝዘመረሉ “ጻድቕ” ክትከውን ትኽእል ኢኻ። (መዝሙር 112:6, 7) ኣብ ኣምላኽ እምነትን ትውክልትን ብምግባር: ምስ ወፈያኻ ተሰማሚዕካ ኽትነብር ብዘንቀደ ልቢ ንየሆዋ ምግልጋል ድማ ኽትቅጽል ትኽእል ኢኻ።

ትዝክሮዶ፧

• ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምድላብ ከነቋርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧

• ዝገበርናዮ ነስሓን ለውጥን ክንርስዖ ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧

• ዝገበርናዮ ወፈያን ጥምቀትን ምዝካር ብኸመይ ይጠቕመና፧

• ብዘንቀደ ልቢ ንየሆዋ ምግልጋል ከይነቋርጾ ዝሕግዘና እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ብምንባብ መንፈሳዊ ጥዕናኻ ትሕሉዶ ኣሎኻ፧

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ስራሕና ምግባር ንየሆዋ ብዘንቀደ ልቢ ምግልጋል ንኸይነቋርጽ ይሕግዘና ኢዩ