ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ: ብትብዓት ንቕድሚት ሰጕሙ!

ንቕሑ: ብትብዓት ንቕድሚት ሰጕሙ!

ንቕሑ: ብትብዓት ንቕድሚት ሰጕሙ!

ጸብጻብ ፍሉይ ኣኼባታት

 ኣብ “ክፉእ ዘመን” ንነብር ከም ዘሎና ዝኽሕድ መን ኣሎ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንና ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ካብ ዘጋጥም ጸቕጥታት ሓራ ኣይኰንናን። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1-5) እንተዀነ ግን ሰባት ሓገዝ ከም ዘድልዮም ንፈልጥ ኢና። ትርጕም ናይዚ ኣብ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ፍጻመታት ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ምጽንናዕን ተስፋን የድልዮም ኣሎ። ንሰባት ንምሕጋዝ ኣብ ዘሎና ግደ ልዕሊ ዅሉ ዝስራዕ እንታይ ኢዩ፧

ብስራት ናይታ ዘቘማ መንግስቱ ንኸነካፍል ኣምላኽ ዝሃበና መዝነት ኣሎና። (ማቴዎስ 24:⁠14) ሰባት ተስፋ ናይ ደቅሰብ እዛ ሰማያዊት መንግስቲ ጥራይ ምዃና ኽፈልጡ የድልዮም ኢዩ። መልእኽትና ተቐባልነት ዝረክብ ግን ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ዕዮና ተኣጊዱ: ኣሕዋትና ኸኣ መስጐጕቲ ወሪድዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን ተስፋ ኣይንቘርጽን ኢና። ኣብ የሆዋ ምሉእ ትውክልትና ብምግባር ነቲ ብስራት ወርትግ እናሰበኽና ነቒሕና ንቕድሚት ክንስጕም ቈሪጽና ኢና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠42

እዚ ውሳነ እዚ ኣብቲ ኣብ ጥቅምቲ 2001 እተገብረ ፍሉይ ኣኼባታት ንጹር ኰይኑ ኢዩ። ቀዳም 6 ጥቅምቲ ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ፐንሲልቫንያ ኣብ ጀርሲ ሲቲ: ኒው ጀርሲ: ኣብ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ተገብረ። a ንጽብሒቱ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ማለት ሰለስተ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓደ ኣብ ካናዳ ተወሳኺ ኣኼባታት ተገብረ። b

እቲ ኣቦ መንበር ናይቲ ኣኼባ ዝነበረ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሳሙኤል ኤፍ. ሀርድ ኣብ መኽፈቲ ዝርርቡ መዝሙር 92:⁠1, 4 ጠቐሰ እሞ “መመስገንቲ ኽንከውን ንደሊ ኢና” በለ። እወ ካብ ሓሙሽተ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጸ ጸብጻብ መመስገንቲ ንኽንከውን ምኽንያት ይዀነና ኢዩ።

ካብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ዝመጸ ጸብጻባት

ሓው ኣልፍረድ ክዋቺ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ቐደም ጎልድ ኮስት ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ጋና ኣብ ዕዮ ስብከት ዝርአ ዘሎ ዕቤት ጸብጻብ ሃበ። ኣብታ ሃገር ዕዮና ንብዙሕ ዓመታት ተኣጊዱ ነይሩ። ሰባት “ንምንታይ ተኣጊድኩም፧ እንታይ ጌርኩም፧” ኢሎም ይሓቱ ነይሮም። እዚ ኸኣ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚታት ከም ዝኸፈተ ሓው ክዋቺ ገለጸ። ብ1991 እቲ እገዳ ኽለዓል ከሎ: ኣብ ጋና 34,421 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ። ኣብ ነሓሰ 2001 ድማ እቲ ቝጽሪ 68,152 በጽሐ፣ እዚ ኸኣ 98 ሚእታዊት ወሰኽ ኢዩ። ዓሰርተ ሽሕ ሰባት ዝሕዝ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሽ ንምስራሕ እውን መደብ ይግበር ኣሎ። ኣብ ጋና ዝነብሩ ኣሕዋትና ነቲ ሃይማኖታዊ ሓርነቶም ብዝከኣሎም መጠን ይጥቀሙሉ ኸም ዘለዉ ንጹር ኢዩ።

ኣብ ኣየርላንድ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እኳ እንተሎ ኣብኡ ዘለዉ ኣሕዋትና ግን ኣብቲ ኣገልግሎት ብንጥፈት ይካፈሉ ኣለዉ: በቲ ገለልተኛ ኣቕዋሞም ከኣ ኣኽብሮት ይወሃቦም ኢዩ። ኣብ ኣየርላንድ ኣብ 6 ወረዳታት እተጠርነፋ 115 ጉባኤታት ከም ዘለዋ ኣወሃሃዲ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ፒተር ኣንድርውስ ገሊጹ። ሓው ኣንድርውስ ተመክሮ ናይ ሓደ ኸይፈርሀ ኣብ ቤት ትምህርቱ ዝሰብኽ ሊያም ዝበሃል ወዲ ዓሰርተ ዓመት ቈልዓ ኣዘንተወ። ሊያም ን25 ደቂ ኽፍሉን ንመምህሩን እታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣበርከተሎም። ክጥመቕ ምስ ደለየ: ሓደ ሰብ ገና ንእሽቶ ኸም ዘሎ ተዛረቦ። ሊያም ግን “ንየሆዋ ዘሎኒ ፍቕሪ ደኣ እምበር ዕድመይ ኣይኰነን መዐቀኒ ክኸውን ዘለዎ። ምጥማቐይ ከኣ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘፍቅሮ ኸርኢ እዩ” ኢሉ መለሰ። ሸቶኡ ሚስያናዊ ንምዃን ኢዩ።

ብ1968 ኣብ ቬንዝዌላ 5,400 ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ነበሩ። ሕጂ ግን ልዕሊ 88,000 ከም ዘለዉ ኣወሃሃዲ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ጨንፈር ኮሚተ ስተፋን ዮሃንሰን ገሊጹ። ኣብ 2001 ኣብ እተኸብረ በዓል ዝኽሪ 296,000 ተኣከብቲ ስለ ዝነበሩ ኣብ መጻኢ እውን ተወሳኺ ዕቤት ንምግባር ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ታሕሳስ 1999 ኣይሂ ዝዀነ ማይ ምስ ዘነመ ብዙሕ ጭቃ ሒዙ ብምምጻእ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝርከብዎም 50,000 ዝዀኑ ሰባት ቀቲሉ ኢዩ። ሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ጭቃ ስለ ዝመልአ ነቲ ሰንቀ ኸርክቦ ፍርቂ ሜትሮ ጥራይ ዝኸውን ተረፎ። ሓደ ሰብ ነቲ ኣደራሽ ምግዳፉ ከም ዝሓይሽ ሓሳብ ምስ ኣቕረበ: ኣሕዋት “ፈጺምካ ዘይከውን ኢዩ! እዚ ኣደራሽ መንግስትና ኢዩ: ሕጂ ኸኣ ክንገድፎ ኣይንደልን ኢና” ኢሎም መለሱ። ብብዙሕ ቶን ዝምዘን ጭቃን ኣእማንን ፍርስራስን ካብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣውጽኡ። እቲ ህንጻ ተሓደሰ: እቶም ኣሕዋት ካብቲ ቅድሚ እቲ ሓደጋ ዝነበሮ ሕጂ ዝያዳ ኸም ዝጽብቕ ገለጹ።

ኣብ ፊሊፕንስ 87 ቋንቋታትን ላህጃታትን ከም ዘሎ ኣወሃሃዲ ጨንፈር ኮሚተ ናይታ ሃገር ሓው ደንተን ሆፕኪንሰን ገለጸ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ምሉእ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣብታ ሃገር ብዝርከብ ሰለስተ ዓበይቲ ቛንቋታት ማለት ብቛንቋ ሰቡዋኖ: ኢሎኮ: ከምኡውን ታጋሎግ ወጺኡ ኢዩ። ሓው ሆፕኪንሰን ተመክሮ ናይ ሓደ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ከሎ ጉድ ኒውስ​—⁠ቱ ሜክ ዩ ሃፒ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ጽሕፍቲ ዘንበበ ሰብ ኣዘንተወ። ካብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ካልእ ጽሑፋት ወሲዱ እውን ኣንበበ: ወለዱ ግን ተጻረርዎ። ድሕሪ ዓመታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ኸሎ ምስ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ርክብ ብምግባር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ሓተተ። ብ1996 ተጠምቀ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ። ኣብዚ እዋን እዚ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት የገልግል ኣሎ።

ኣወሃሃዲ ጨንፈር ኮሚተ ሮናልድ ፓርኪን ‘ፖርቶ ሪኮ ኣብ “ሰደድ ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዓብዪ ቦታ ኣለዋ’ ብምባል ገለጸ። ኣብታ ደሴት እቲኣ 25,000 ኣስፋሕቲ ኣለዉ: እቲ ቝጽሪ ኸኣ ንብዙሕ ዓመታት ወሰኽ ኣይገበረን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብ ዓዓመት ብግምት 1,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቝጠባዊ ምኽንያታት ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ይግዕዙ ኢዮም። ሓው ፓርኪን ንሓደ ሕማም ሉኪምያ ዝነበሮ ሉዊስ ዝበሃል ወዲ 17 ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣመልኪቱ ኣብ እተላዕለ ጕዳይ እቲ ቤት ፍርዲ ታሪኻዊ ውሳነ ኸም ዝገበረ ገሊጹ። ሉዊስ ደም ምውሳድ ስለ ዝኣበየ ጕዳዩ ናብ ቤት ፍርዲ ቐረበ። እታ ዳኛ ብኣካል ረኺባ ኸተዘራርቦ ስለ ዝደለየት ናብቲ ሆስፒታል ከይዳ በጽሓቶ። ሉዊስ ድማ “ከቢድ ገበን እንተ ዝፍጽም ነይረ ኸም እኹል ሰብ ምተፈረድኩ: ንኣምላኽ ክእዘዝ እንተ ደለኹ ግን ዕድመይ ከም ዘየፍቀደለይ ገይረ ዝርአ ስለምንታይ ኢዩ፧” ኢሉ ሓተታ። እታ ዳኛ ትሕቲ ዕድመ እኳ እንተዀነ ዝበሰለ ምዃኑ ስለ ዝኣመነት ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኽውስን ከም ዝኽእል ተረድአት።

እቲ ኻብ እተፈላለያ ርሑቓት ሃገራት ዝመጸ ጸብጻባት ምስ ተሰምዐ ናይ ሕ.መ.ኣ. ኣባል ጨንፈር ኮሚተ ሃሮልድ ኮርከርን ንነዊሕ እዋን ንየሆዋ ንዘገልገሉ ሰባት ቃለ⁠-​መጠይቕ ገበረሎም። ኣርተር ቦኖ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት 51 ዓመታት ዘሕለፈ ኢዩ: ሕጂ ኸኣ ኣባል ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኢኳዶር ኰይኑ የገልግል ኣሎ። ኣንጀሎ ካታንዛሮ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት 59 ዓመታት ኢዩ ኣገልጊሉ: መብዛሕትኡ ዓመታት ከኣ ገያሺ ተዓዛቢ ዀይኑ ኢዩ ኣሕሊፍዎ። ሪቻርድ ኣብርሃምሰን ብ1953 ኢዩ ኻብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመሪቑ: ናብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቤትኤል ቅድሚ ምምላሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ዴንማርክ ዝግበር ዕዮ ን26 ዓመታት ተዓዛቢ ዀይኑ ናይ ምዕያይ ፍሉይ መሰል ረኺቡ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ወዲ 96 ዓመት ካሪ ዳብሊው. ባርበር ቃለ⁠-​መጠይቕ ክግበረሉ ኸሎ ኵሉ ሰብ ተሓጒሱ ኢዩ ሰሚዕዎ። ሓው ባርበር ብ1921 ኢዩ ተጠሚቑ: 78 ዓመታት ከኣ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣሕሊፉ: ካብ 1978 ኣትሒዙ እውን ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

ዘነቓቕሕ ዝርርባት

እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ተኸታታሊ ዘነቓቕሕ ዝርርባት ዝሓዘ ነበረ። ሓው ሮበርት ዳብሊው. ዋለን “ንስሙ ዝኸውን ህዝቢ” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕሪቡ ኢዩ። ንሕና ንስም ኣምላኽ እንኸውን ህዝቢ ኢና: ካብ 230 ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ከኣ ንርከብ። የሆዋ “ተስፋ” ሂቡና ኢዩ። (ኤርምያስ 29:⁠11) እቲ ዘደንቕ ናይ ምጽንናዕን ምትብባዕን መልእኽቲ እናኣካፈልና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ ከነቋርጽ የብልናን። (ኢሳይያስ 61:⁠1) ድሕሪኡ ሓው ዋለን “ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስምና ተሰማሚዕና ንመላለስ” በለ።​—⁠ኢሳይያስ 43:⁠10 NW

እቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ናይቲ ፕሮግራም ብሰለስተ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝቐረበ ዓውደ⁠-​መጽናዕቲ ኢዩ ነይሩ። ኣርእስቱ ኸኣ “ሕጂ እትነቕሑሉን እትጸንዑሉን እትብርትዑሉን እዋን ኢዩ” ዝብል ነበረ።​—⁠1 ቈረንቶስ 16:⁠13

መጀመርታ ሓው ስቲቨን ለት “ኣብዛ ዳሕረይቲ ሰዓት ንቕሑ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ዝርርብ ኣቕረበ። ሓው ለት ኣካላዊ ድቃስ ውህበት ምዃኑ ገለጸ። ከመይሲ ሓይልና የሐድሰልና ኢዩ። መንፈሳዊ ድቃስ ግን ጽቡቕ ኣይኰነን። (1 ተሰሎንቄ 5:⁠6) ብመንፈስ ንቑሓት እንኸውን ደኣ እሞ ብኸመይ ኢና፧ ሓው ለት ሰለስተ መንፈሳዊ “ከኒና” ጠቐሰ:- (1) ብዕዮ ጐይታ ዕዙዝ ኩን። (1 ቈረንቶስ 15:⁠58) (2) ንመንፈሳዊ ድሌትካ ንቑሕ ኩን። (ማቴዎስ 5:⁠3 NW ) (3) ብጥበብ ምእንቲ ኽትመላለስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንእተመስረተ ምኽሪ ቐልጢፍካ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ።​—⁠ምሳሌ 13:⁠20

ሓው ቴዶር ጃራዝ ከኣ “ኣብ ትሕቲ ፈተና ጽንዑ” ዘርእስቱ ዘነቓቕሕ ዝርርብ ኣቕረበ። ራእይ 3:⁠10 ብምጥቃስ “ ‘ሰዓት ፈተና’ እንታይ ኢያ፧” ኢሉ ሓተተ። እዚ ፈተና እዚ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ “መዓልቲ ጐይታ” ኢዩ ዝመጽእ። (ራእይ 1:⁠10) እቲ ፈተና ኣብቲ ቐንዲ ብድሆ ዘተኰረ ኢዩ​—⁠ነታ ቘይማ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ዲና እንድግፍ ወይስ ነዚ ናይ ሰይጣን እኩይ ኣገባብ፧ እታ ሰዓት ፈተና ኽሳዕ እትውዳእ ፈተናታት ወይ ጸገማት ከጋጥመና ይኽእል ኢዩ። ንየሆዋን ንማሕበሩን እሙናት ኴንና ኽንቅጽል ዲና፧ ሓው ጃራዝ ‘ብውልቀ⁠-​ሰብ ደረጃ ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት ከነርኢ ኣሎና’ በለ።

ኣብ መወዳእታ ሓው ጆን ኢ. ባር “ከም መንፈሳውያን ሰባት መጠን በርትዑ” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። ሉቃስ 13:⁠23-25 ብምጥቃስ ከኣ “በታ ጸባብ ደገ” ንምእታው ክንጋደል ከም ዘሎና ሓበረ። ብዙሓት ንኽብርትዑ ጻዕሪ ስለ ዘይገብሩ ክኣትዉ ኣይክእሉን ኢዮም። ብሱላት ክርስትያናት ምእንቲ ኽንከውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትና ኣብ ግብሪ ምውዓል ክንመሃር ኣሎና። ቀጺሉ ሓው ባር ከምዚ ብምባል ተማሕጸነ:- “እዋኑ (1) ንየሆዋ ቀዳማይ ቦታ እንህበሉ፣ (2) እንብርትዓሉ፣ (3) ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እንጋደለሉ ምዃኑ ኸም እትሰማምዑሉ ኣይጠራጠርን ኢየ። ከምዚ ብምግባር ከኣ በታ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዘደንቕ ህይወት እትመርሓና ጸባብ ደገ ኽንኣቱ ኢና።”

ዓመታዊ ኣኼባ ናብ ምዝዛሙ ገጹ ምስ ከደ መልሲ ዘድልያ ሓንቲ ሕቶ ነይራ። እዚኣ ድማ ‘ዓመታዊት ጥቕሲ ናይ 2002 ዓመት ኣገልግሎት እንታይ ኢያ፧’ እትብል ነበረት። እታ ሕቶ እቲኣ ንጽብሒቱ መልሲ ረኸበት።

ተወሳኺ ኣኼባ

ሰንበት ንግሆ ተወሳኺ ኣኼባ ክጅመር ከሎ ብርቱዕ ህንጥዮት ነበረ። እቲ ፕሮግራም ብጽማቝ ትሕዝቶ ናይታ ኣብታ ሰሙን እትውሰድ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ጀመረ: ስዒቡ ኸኣ ቀንዲ ቐንዲ ነጥብታት ናይቲ ዓመታዊ ኣኼባ ቐረበ። ድሕርዚ ኣብታ “ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ” እትብል ናይ 2002 ዓመታዊት ጥቕሲ እተመርኰሰ ዝርርብ ምስ ተዋህበ ኵሉ ሰብ ባህ ኢልዎ ኢዩ ሰሚዑ። (ማቴዎስ 11:28) እቲ ዝርርብ ኣብታ ጸኒሓ ዝወጸት ናይ 15 ታሕሳስ 2001 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጻት እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ።

ድሕርዚ ገለ ኻብቶም ናብቲ ኣብ ነሓሰ 2001 ኣብ ፈረንሳን ኢጣልያን እተገብረ “መምህራን ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ዓበይቲ ኣኼባታት ከይዶም ዝነበሩ ተወከልቲ ዝገደፈሎም ጦብላሕታ ገለጹ። c ኣብ መወዳእታ: ካብቲ ኣብ ብሩክሊን ዝርከብ ቤትኤል ዝመጹ በጻሕቲ ኣብቲ ናይታ መዓልቲ ፕሮግራም ዓብዪ ኣገዳስነት ዝነበሮ ኽልተ ዝርርባት ኣቕረቡ።

እቲ ናይ መጀመርታ ዝርርብ “ኣብዚ ኽፉእ ዘመን ብት​ብዓት ኣብ የሆዋ ምውካል” ዘርእስቱ ነበረ። እቲ ተዛራባይ ነዚ ዝስዕብ ቀንዲ ነጥብታት ኢዩ ኣጕሊሑ:- (1) ኣብ የሆዋ ብትብዓት ምውካል ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ንህዝቢ የሆዋ ኣገዳሲ ጕዳይ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ምጽራር እናኣጋጠሞም ከሎ ትብዓትን እምነትን ናይ ዘርኣዩ ብዙሕ ኣብነታት ሒዙልና ኣሎ። (እብራውያን 11:1–​12:3) (2) የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኽንውከሎ ርጡብ መሰረት ኣንቢሩልና እዩ። ግብርታቱን ቃሉን ንኣገልገልቱ ኸም ዝሓልየሎምን ከም ዘይርስዖምን ውሕስነት ይህብ ኢዩ። (እብራውያን 6:​10) (3) ብፍላይ ሕጂ ትብዓትን ትውክልትን ኣድላዪ ኢዩ። ከምቲ የሱስ እተነበዮ “ጽሉኣት” ኢና። (ማቴዎስ 24:⁠9) ክንጸንዕ እንተደኣ ዄንና ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንውከል: መንፈሱ ኸም ዘሎና ምትእምማን ክሓድረና: ከምኡውን ብስራት ምስባኽ ንኸይነቋርጽ ትብዓት ክህልወና ኣለዎ። (4) ኣብዚ እዋን እዚ ምጽራር የጋጥመና ኸም ዘሎ ኻብ ኣብነታት ክንርእዮ ንኽእል ኢና። እቲ ተዛራባይ ኣብ ኣርመንያ: ፈረንሳ: ጆርጅያ: ካዛኪስታን: ሩስያ: ከምኡውን ቱርክመኒስታን ዝርከቡ ኣሕዋትና እንታይ ፈተናታት የሕልፉ ኸም ዘለዉ ምስ ኣዘንተወ ዅሎም ተኣከብቲ ተመሲጦም ኢዮም። ብሓቂ እዚ ግዜ እዚ ትብዓትን ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልትን እነርእየሉ እዋን ኢዩ!

እቲ ናይ መወዳእታ ተዛራባይ “ምስ ማሕበር ብሓባር ንቕድሚት ምስጓም” ዘርእስቱ ዝርርብ ኣቕረበ። እቲ ዝርርብ ብዙሕ እዋናዊ ነጥብታት ዝሓዘ ነበረ። (1) ህዝቢ የሆዋ ንቕድሚት ይስጕሙ ኸም ዘለዉ ብዙሓት ይዕዘብዎ ኣለዉ። ዕዮ ስብከትናን ዓበይቲ ኣኼባታትናን ናይ ብዙሓት ኣቓልቦ ይስሕብ ኢዩ። (2) የሆዋ ሓድነት ዘለዋ ማሕበር ኣቚሙ ኣሎ። ብ29 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ነቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ይኹን ነቶም ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ኣብ መጻኢ ኣብ ሓንቲ ሓድነት ዘለዋ ስድራ​ቤት ኣምላኽ ንኽጥቕልሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተቐብአ። (ኤፌሶን 1:⁠8-10) (3) ዓበይቲ ኣኼባታት ዓለምለኻዊ ሓድነትና ብፍላይ ዝረኣየሉ መድረኽ ኢዩ። እዚ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ፈረንሳን ኢጣልያን እተገብረ ፍሉይ ዓበይቲ ኣኼባታት ብንጹር ተራእዩ ኢዩ። (4) ኣብ ፈረንሳን ኢጣልያን ዘነቓቕሕ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ወጺኡ ኢዩ። እቲ ተዛራባይ ካብቲ ዘነቓቕሕ ናይ ኣቕዋም መግለጺ እተወስደ ገለ ሓሳባት ኣንበበሎም። ምሉእ ሓሳባት ናይዚ መግለጺ ኣቕዋም እዚ ኣብ ታሕቲ ይርከብ።

ኣብ መደምደምታ ናይቲ ናይ መወዳእታ ዝርርብ እቲ በጻሒ ተዛራባይ ብኣመሓዳሪ ኣካል እተዳለወ መሳጢ ምልክታ ኣንበበ። እቲ ምልክታ ገለ ኽፋሉ ኸምዚ ዝብል ነበረ:- “ሕጂ ነቲ ኣብ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ምዕባለታት ብምስትውዓል እናተዓዘብና እንነቕሓሉ እዋን ኢዩ። . . . ኣመሓዳሪ ኣካል ንዓኻትኩምን ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽን ዘለዎ ፍቕራዊ ሓልዮቱ ኽንገልጸልኩም ንፈቱ። ፍቓድ ኣምላኽ ብምሉእ ነፍስኹም ክትፍጽሙ ኸለኹም ኣምላኽ ኣብዚሑ ይባርኽኩም።” ኣብ ኵሉ ዅርናዓት ዓለም ዝርከቡ ህዝቢ የሆዋ ኣብዚ ኽፉእ ዘመን እዚ ንኽነቕሑን ምስታ ሓድነት ዘለዋ ማሕበር የሆዋ ሓቢሮም ንቕድሚት ንኽስጕሙን ቈራጽነት ገይሮም ኢዮም።

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ዓመታዊ ኣኼባ ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ኣብ ካልእ ቦታታት ይመሓላለፍ ስለ ዝነበረ ብጠቕላላ 13,757 ተኣከብቲ ነይሮም።

b እቲ ተወሳኺ ኣኼባታት ኣብ ሎንግ ቢች: ካሊፎርንያ፣ ፖንቲያክ: ሚሽጋን፣ ዩንየንዴል: ኒው ዮርክ፣ ሃሚልተን: ኦንታርዮ ኢዩ ተገይሩ። ነቶም ብኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ዝመሓላለፈሎም ዝነበረ እውን ሓዊስካ ብጠቕላላ 117,885 ተኣከብቲ ነይሮም።

c ኣብ ፈረንሳ ኣብ ከተማታት ፓሪስ: ቦርዶ: ከምኡውን ሊዮን ሰለስተ ፍሉይ ዓበይቲ ኣኼባታት ተገይሩ ኢዩ። ኣብ ኢጣልያ ብሓንሳእ ኣብ ትሽዓተ ቦታታት ዓበይቲ ኣኼባታት ተገይሩ ኢዩ: ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኸዱ ተወከልቲ ኸኣ ናብ ሮማን ሚላንን ተመዲቦም ነይሮም።

[ኣብ ገጽ 29-31 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]

ናይ ኣቕዋም መግለጺ

ኣብ ነሓሰ 2001 ኣብ ፈረንሳን ኢጣልያን “መምህራን ቃል ኣምላኽ” ዘርእስቱ ፍሉይ ዓበይቲ ኣኼባታት ተገይሩ ኢዩ። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ዘነቓቕሕ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ወጺኡ ኢዩ። እቲ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ነበረ።

“ኣብዚ ‘መምህራን ቃል ኣምላኽ’ ዘርእስቱ ዓብዪ ኣኼባ እተኣከብና ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ዝለዓለ ጥቕሚ ዘለዎ ትምህርቲ ረኺብና ኢና። ምንጪ እዚ ትምህርቲ እዚ ኻበይ ምዃኑ ዘማትእ ኣይኰነን። ካብ ሰባት ዝመነጨ ኣይኰነን። ካብቲ ጥንቲ ዝነበረ ነብዪ ኢሳይያስ ‘ዓብዪ መምህር’ ብምባል ዝገለጾ ኢዩ ዝምንጭ። (ኢሳይያስ 30:⁠20 NW ) ኣብ ኢሳይያስ 48:⁠17 የሆዋ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዝሃቦ መዘኻኸሪ እሞ ኣስተብህልሉ:- ‘ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኢየ።’ ነዚ ብኸመይ ኢዩ ዝፍጽሞ፧ ብቐዳምነት በቲ ኣብ ዓለም ብብዝሒ እተተርጐመን ዝሰፍሐ ዝርጋሐ ዘለዎን መጽሓፍ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኢዩ፣ ኣብኡ ኸኣ ‘መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ . . . ይጠቅም ኢዩ’ ዝብል ንጹር ሓሳባት ኣሎ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16

“ሎሚ ንወድሰብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጠቓሚ ትምህርቲ ኣጸቢቑ የድልዮ ኣሎ። ከመይ ጌርካ ኢዩ ኸምዚ ኽበሃል ዝከኣል፧ መስተውዓልቲ ሰባት ነዚ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ ዝለዋወጥን ዘደናግርን ዘሎ ዅነታት ዓለም ብምዕዛብ እንታይ ኣፍልጦ ኢዮም ዝህቡ፧ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ኢዮም ኣፍልጦ ሂቦምሉ:- ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት በዚ ናይዛ ዓለም ትምህርቲ እኳ እንተ ተማህሩ: እቲ ዘሕዝን ግን ናይ ሓቂ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ይሃስስ: ሰባት ከኣ ቅኑዕን ጌጋን ምፍላይ የሸግሮም ኣሎ። (ኢሳይያስ 5:⁠20, 21) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መሃይምነት ኣስፋሕፊሑ ኣሎ። ሳላ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ብኮምፕዩተር ኣቢልካ ብዙሕ ሓበሬታ ኽትረክብ ዝከኣል እኳ እንተዀነ ከም እኒ ‘ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ እዚ ኣብዚ ግዜና ዝርአ ዘሎ ፍጻመታት እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ ብዛዕባ መጻኢ እተረጋገጸ ተስፋ ኣሎዶ፧ ሰላምን ደሓንን ጋህዲ ዝዀነሉ እዋን ይህሉዶ ዀን ይኸውን፧’ ንዝብል ኣገዳሲ ሕቶታት ዝኸውን መልሲ የብሉን። ብተወሳኺውን ወድሰብ ዝገበሮ ጻዕርታት ዝገልጽ ብሚልዮናት ዝኸውን ጽሑፋት ኣብ ኣብያተ⁠-​መጻሕፍቲ ይርከብ እኳ እንተዀነ: ገና ግን ወድሰብ ዝሓለፈ ጌጋታቱ ይደግም ኣሎ። ዓመጽ በዚሑ: ጠፊኡ ተባሂሉ ዝነበረ ሕማማት እንደገና መጺኡ: ከም አይድስ ዝኣመሰለ ኻልእ ሕማማት ከኣ ይላባዕ ኣሎ። ብዝሒ ዝበታተና ስድራ​ቤት ብዘደንጹ መገዲ ይውስኽ ኣሎ። ብከላ ንኣከባቢ ኣበላሽይዎ። ግብረ⁠-​ሽበራ ከምኡውን ጃምላዊ ህልቂት ዘስዕብ ኣጽዋራት ንሰላምን ደሓንን ኣብ ሓደጋ የእትዎ ኣሎ። መፍትሒ ዘይተረኽበሉ ጸገማት ኣብ ርእሲ ርእሲ ይጽፍጸፍ ኣሎ። ኣብዚ ጽንኩር ግዜ ንሰባት ኣብ ምሕጋዝ እንታይ ግደ ኣሎና፧ ጠንቂ ዅነታት ደቅሰብ ዝገልጽ ከምኡውን ሕጂ ዝሓሸ ህይወት ክንረክብ ከም እንኽእል ጥራይ ዘይኰነስ ብዛዕባ መጻኢ እተረጋገጸ ብሩህ ተስፋ ዝህበና ትምህርቲ ኣሎዶ፧

“እተዋህበና መዝነት ‘ኬድና ንዅሎም ኣህዛብ [ክርስቶስ] ዝኣዘዘና ዅሉ ኽሕልዉ እናመሃርና ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብሮም’ ኢዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እዚ መዝነት እዚ የሱስ ክርስቶስ ሞይቱ ምስ ተንስአ እሞ ኣብ ሰማይን ምድርን ኵሉ ስልጣን ምስ ተዋህቦ ኢዩ ሂቡና። ካብ ኵሉ እቲ ደቅሰብ ዝፍጽምዎ ንጥፈታት ዝዓቢ ኢዩ። እዚ ነቶም ንጽድቂ ዝጠምዩ ሰባት ብመንፈስ ዘድልዮም ነገራት ኣብ ምሃብ ዘተኰረ መዝነትና: ብኣረኣእያ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ኢዩ ዝወሃቦ። ኣርዚንና ንኽንርእዮ እኹል ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ኣሎና።

“እዚ ኸኣ ነዚ ንጥፈት እዚ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህቦ ዝሓትት ኢዩ። እዚ ዕዮ እዚ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ባእታታት ነቲ ዓለምለኻዊ ፕሮግራም ትምህርቲ ንምትዕንቃጽ ዘምጽእዎ መሰናኽላትን ዕንቅፋታትን ምጽራርን ከይዓገቶ ብበረኸትን ሓገዝን ኣምላኽ ክፍጸም ኢዩ። እናዓበየ ኸም ዝኸይድን ዓብዪ መደምደምታ ኸም ዝህልዎን ከኣ ርግጸኛታት ኢና: እምነት ድማ ኣሎና። ክሳዕ ክንድዚ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ ኣገልግሎት ክሳዕ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ምሳና ክኸውን ምዃኑ ተመባጺዑ ኢዩ።

“እዞም ኣብ ጭንቂ ዘለዉ ደቅሰብ ናብ መወዳእታ ገጾም ኢዮም ዝኸዱ ዘለዉ። መወዳእታ ቅድሚ ምምጽኡ እዚ እንፍጽሞ ዘሎና ዕዮ ኽዛዘም ኣለዎ። ስለዚ ኸም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን እዚ ዝስዕብ ናይ ኣቕዋም መግለጺ ኣውጺእና ኣሎና:-

“ቀዳማይ:- ህይወትና ዝወፈና ኣገልገልቲ ኸም ምዃንና መጠን ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ምሃብን ብመንፈስ ምዕባይን ኣይከነቋርጽን ኢና። ነዚ ንምፍጻም ጸሎትና ምስቲ ኣብ መዝሙር 143:⁠10 ዝርከብ ‘ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ: ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ’ ዝብል ቃላት ዝሰማማዕ ኢዩ። እዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ንምንባብ: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ዀነ ምርምር ንምግባር ብምትጋህ ንፉዓት ተማሃሮ ኽንከውን ዝሓትት ኢዩ። እናወሰኽና ንኸይድ ከም ዘሎና ኣብ ኵሉ ሰብ ምእንቲ ኽግለጽ: ነቲ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ናይ ወረዳ ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ኣብ ኣውራጃውን ሃገራውን ኣህጉራውን ኣኼባታት ዝቐርብ ቲኦክራሲያዊ ትምህርትታት ንምድላውን ካብኡ ምሉእ ብምሉእ ተጠቀምቲ ንምዃንን ዝከኣልና ጻዕሪ ኽንገብር ኢና።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 4:⁠15፣ እብራውያን 10:⁠23-25

“ካልኣይ:- ብኣምላኽ ምእንቲ ኽንመሃር ካብ መኣዱ ጥራይ ኢና ኽንምገብ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዘስሕት ምህሮ ኣጋንንቲ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ኸኣ ብዕቱብ ኸነቕልበሉ ኢና። (1 ቈረንቶስ 10:⁠21፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠1) ካብ ዝጐድኣና ነገራት እንተላይ ካብ ሃይማኖታዊ ሓሶት: ከንቱ ኣተሓሳስባ: ዘሕፍር ጾታዊ ብልሽውና: ከም ለበዳ ዘስፋሕፍሕ ዘሎ ስእለ⁠-​ጽዩፍ: ብዕሉግ መዘናግዒ: ከምኡውን ምስ ‘ጥዑይ ምህሮ’ ካብ ዘይሰማማዕ ዘበለ ዅሉ ንኽንርሕቕ ፍሉይ ጥንቃቐ ኽንገብር ኢና። (ሮሜ 1:⁠26, 27፣ 1 ቈረንቶስ 3:⁠20፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:⁠3፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:⁠13) ነቶም ጥዑይ ትምህርቲ ኽምህሩና ብቕዓት ዘለዎም ‘ውህበት ሰብኡት’ (NW ) ስለ እነኽብሮም: ንጻዕርታቶም ካብ ልቢ ኣኽቢርና ኽንርእዮ: ነቲ ንጹህን ጻድቕን ስነ⁠-​ምግባራዊ ዀነ መንፈሳዊ መዐቀኒታት ቃል ኣምላኽ ብምድጋፍ ድማ ብምሉእ ልብና ኽንተሓባበሮም ኢና።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠7, 8, 11, 12፣ 1 ተሰሎንቄ 5:⁠12, 13፣ ቲቶስ 1:⁠9

“ሳልሳይ:- እቶም ክርስትያናት ወለዲ ዘበልና ድማ ንደቅና ብቓል ጥራይ ዘይኰነስ ኣብነት ብምዃን እውን ንኽንምህሮም ብምሉእ ልብና ኽንጽዕር ኢና። ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝና ‘ንምድሓን ከለብሞም ዝኽእል ቅዱሳት ጽሑፋት ንኽማሃሩ’ ምሕጋዞም ብቐዳምነት እንጽዕረሉ ጕዳይ ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠15) ብተግሳጽን ምዕዶን የሆዋ ምስ እነዕብዮም ነቲ ‘ጽቡቕ ኪዀነልካ: ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ’ ዝብል መለኮታዊ መብጽዓ ኣብ ህይወቶም ንኽርእይዎ ዝበለጸ ኣጋጣሚ ኸም ዝዀነሎም ኵሉ ግዜ ክንዝክሮ ኢና።​—⁠ኤፌሶን 6:⁠1-4

“ራብዓይ:- ጭንቀታት ወይ ከቢድ ጸገማት ከጋጥመና ኸሎ ‘እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ’ ክሕልወና ምዃኑ ርግጸኛታት ብምዃን መጀመርታ ‘ድሌትና ንኣምላኽ ከነፍልጥ’ ኢና። (ፊልጲ 4:⁠6, 7) ኣርዑት ክርስቶስ ስለ እንጸውር ዕረፍቲ ኽንረክብ ኢና። ኣምላኽ ከም ዘሓልየልና ስለ እንፈልጥ ጭንቀትና ኣብኡ ንምድርባይ ድሕር ኣይክንብልን ኢና።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠28-30፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠6, 7

“ሓምሻይ:- መምህራን ቃል ኣምላኽ ናይ ምዃን ፍሉይ መሰል ብምርካብና ኸም መግለጺ እቲ ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብግቡእ ንምምቓልን’ ‘ኣገልግሎትና ንኽንምልእን’ ጻዕርታትና ኸነሐድስ ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 2:⁠15 NW ፣ 4:⁠5) እዚ እንታይ ከም ዘጠቓልል ብልክዕ ስለ እንፈልጥ: ነቶም ብቑዓት ዝዀኑ ከነናድን ነቲ እተዘርአ ዘርኢ ኽንኵስኵስን ልባዊ ባህግና ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ተወሰኽቲ ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ብምምራሕ ኣመሃህራና ኸነዕዝዞ ኢና። እዚ ኸኣ ምስቲ ‘ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ’ ዝፈቱ ኣምላኽ ከም እንሰማማዕ ይገብረና ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 2:⁠3, 4

“ሻድሻይ:- ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ኰነ ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፈላለየ ምጽራርን መስጐጕትን ኣጋጢምዎም ኢዩ። የሆዋ ግን ምሳና ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ። (ሮሜ 8:⁠31) እቲ ኣብ ምድሪ ዘይወድቕ ቃሉ ‘ንኣና ኽወግኡሉ እተሰርሐ ኣጽዋር’ ካብቲ ዕዮ ስብከትን ትምህርትን መንግስቲ ኣምላኽ ኣይዕንቅጸናን: ኣየዳኽመናን: ወይ ኣይዓግተናን ኢዩ። (ኢሳይያስ 54:⁠17) ብግዜኡን ብዘይ​ግዜኡን ሓቂ ምንጋር ክንሓድግ ኣይኰነልናን ኢዩ። ነቲ ናይ ምስባኽን ምምሃርን መዝነትና ብህጹጽ ንምፍጻም ቈራጽነት ጌርና ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 4:⁠1, 2) ሸቶና ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ሰባት ኣብ ምክፋል እተኻእለና ዅሉ ንምግባር ኢዩ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብታ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ዘለኣለማዊ ህይወት ብኸመይ ክረኽቡ ኸም ዝኽእሉ ንኽመሃሩ ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም። ሓድነት ዘሎና መምህራን ቃል ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን ኣብነት ናይቲ ዓብዪ መምህር: የሱስ ክርስቶስ: ክንስዕብን ነቲ መለኮታዊ ባህርያቱ ኸነንጸባርቕን ቈሪጽና ኢና። እዚ ዅሉ እንገብር ከኣ ንኽብሪ እቲ ዓብዪ መምህርናን ወሃብ ህይወትናን የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ።

“ኣብዚ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዘለኹም ነዚ ናይ ኣቕዋም መግለጺ እዚ እትድግፉ ተኣከብቲ በጃኹም እወ! ብምባል መልሱ።”

እታ ናይ መወዳእታ ሕቶ ነቶም ኣብ ፈረንሳ ኣብ እተገብረ ሰለስተ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝነበሩ 160,000 ተኣከብትን ነቶም ኣብ ኢጣልያ ኣብ ትሽዓተ ቦታታት ዝነበሩ 289,000 ተኣከብትን ምስ ቀረበትሎም ብእተፈላለየ ቋንቋታት “እወ” ዝብል ብርቱዕ ድሃይ ተሰምዐ።