ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ብልብኻን ኣእምሮኻን ድለዮ

ንኣምላኽ ብልብኻን ኣእምሮኻን ድለዮ

ንኣምላኽ ብልብኻን ኣእምሮኻን ድለዮ

ናይ ሓቂ ክርስትና: ንኣምላኽ ዘሐጕስ እምነት ክንሃንጽ እንተደኣ ዄንና ልብናን ኣእምሮናን ክንጥቀመሉ ኢዩ ዘተባብዓና።

 አረ እቲ መስራቲ ክርስትና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ንኣምላኽ ‘ብምሉእ ልብናን ብዅሉ ነፍስናን’ ጥራይ ዘይኰነስ ‘ብዅሉ ሓሳብና’ ወይ ኣእምሮና እውን ከነፍቅሮ ኸም ዘሎና ኢዩ ምሂሩና። (ማቴዎስ 22:⁠37) እወ: ኣእምሮና ኣብ ኣምልኾ ወሳኒ ግደ ኽህልዎ ኣለዎ።

የሱስ ነቶም ሰማዕቱ ነቲ ትምህርትታቱ ምእንቲ ኸስተንትኑሉ ኢሉ “እንታይ ይመስለኩም፧” ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ይሓቶም ነበረ። (ማቴዎስ 17:⁠25፣ 18:⁠12፣ 21:⁠28፣ 22:⁠42) ብተመሳሳሊውን ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኣመንቲ ብጾቱ ‘ነቲ ግሩህ ሓሳቦም ንኸንቅሖ’ ኢሉ ጽሒፍሎም ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠1) እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዝገይሽ ዝነበረ ሚስዮናዊ ሃዋርያ ጳውሎስ: ክርስትያናት “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ [ኽምርምሩ]” ‘ኣእምሮኦም’ ክጥቀሙሉ ተማሕጺንዎም ኢዩ። (ሮሜ 12:1, 2) ክርስትያናት ነቲ ዝኣምንዎ ነገራት ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጽዑቕን ጥንቃቐ ዝመልኦን ምርምር ምስ ዘረጋግጽዎ ጥራይ ኢዮም ንኣምላኽ እተሕጕስን ኣብ ህይወቶም ንዘጋጥሞም ፈተናታት ክዋጽኡሉ እተኽእሎምን እምነት ከጥርዩ ዝኽእሉ።​—⁠እብራውያን 11:⁠1, 6

ቀዳሞት ወንጌላውያን ክርስትያናት: ካልኦት ሰባት ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ምእንቲ ኸጥርዩ ነቲ ዝመሃርዎ ነገራት ‘መወከሲ እናጠቐሱ ብምግላጽን መርትዖ ብምቕራብን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት የረድእዎም’ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠1-3 NW ) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ እተመርኰሰ ኣቀራርባ ካብቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ረኺቡ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ከተማ ቤርያ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ነቲ ጳውሎስን ብጾቱን ዝነገርዎም: “እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል [ኣምላኽ] ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ኣብዚ ኸነቕልበሉ ዝግባእ ክልተ ነገራት ኣሎ። ቀዳማይ: እቶም ሰብ ቤርያ ንቓል ኣምላኽ ንምስማዕ ሃንቀውታ ወይ ምሉእ ፍቓድ ኔርዎም ኢዩ፣ ካልኣይ: ነቲ ዝሰምዕዎ ነገራት ዓይኖም ዓሚቶም ትኽክል ኢዩ ብምባል ኣይኰኑን ተቐቢሎሞ: የግዳስ ንቕዱሳት ጽሑፋት መርሚሮም ኢዮም። እቲ ክርስትያን ሚስዮናዊ ዝነበረ ሉቃስ ንሰብ ቤርያ “መስተውዓልቲ” (NW ) ብምባል ንኢድዎም ኢዩ። ንመንፈሳዊ ነገራት ክትምርምር ከሎኻ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትውዓል ተንጸባርቕ ዲኻ፧

ኣእምሮን ልብን ሓቢሩ ይሰርሕ

ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣእምሮናን ልብናን እቱው ኢዩ። (ማርቆስ 12:⁠30) ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ኣቐዲማ ዘላ ዓንቀጽ ዝጠቐስናዮ ብዓስቢ ዝሰርሕ ግን ከኣ ዘይተባህሎ ቀለም ዝለኸየ ለቕላቓይ እሞ እንደገና ሕሰብ። ነቲ ኣስራሒኡ ዝሃቦ መምርሒታት ተጠንቂቑ እንተ ዝሰምዕ ነይሩ: ብምሉእ ልቡ ነቲ ዕዮ ምፈጸሞ: እቲ ዋና ገዛ ንስርሑ ኸም ዝሕጐሰሉ ድማ ርግጸኛ ምዀነ። ኣምልኾና እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን።

የሱስ ‘እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ኢዮም’ በለ። (ዮሃንስ 4:⁠23) በዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፈ:- “ስለዚ ንሕና ኸኣ . . . በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም: ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኰርናን። . . . ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ: ንጽሊ አሎና።” (ቈሎሴ 1:9, 10) ከምዚ ዝኣመሰለ ርጡብ “ፍልጠት” ቅኑዓት ሰባት ‘ንዝፈልጥዎ ኽሰግዱ’ ስለ ዘኽእሎም ብምሉእ ልቦም ኢዮም ኣምልኾ ዘቕርቡ።​—⁠ዮሃንስ 4:⁠22

በዚ ምኽንያት እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕጻናት ወይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣጸቢቖም ንዘየጽንዑ ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ኣየጥምቑን ኢዮም። የሱስ ንሰዓብቱ “ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ኢዩ መዚዝዎም። (ማቴዎስ 28:19, 20) ቅኑዓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ምስ ኣጥረዩ ጥራይ ኢዮም ብዛዕባ ኣምልኾኦም ኣብ ምሉእ ፍልጠት እተመርኰሰ ውሳነ ኽገብሩ ዝኽእሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ርጡብ ፍልጠት ከተጥሪ ትጽዕርዶ ኣሎኻ፧

ነታ ኣቡነ⁠-​ዘበሰማያት እትብል ጸሎት ምርዳኣ

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ዘሎ ፍልልይ ንምግንዛብ ነታ ብልማድ ኣቡነ⁠-​ዘበሰማያት ወይ ናይ ጐይታ ጸሎት እትበሃል ኣብ ማቴዎስ 6:⁠9-13 እትርከብ ጥቕሲ እሞ ንርኣያ።

ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነዛ የሱስ ዝጸለያ ናይ ኣብነት ጸሎት ኣብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ወትሩ ይደግምዋ ኢዮም። ክንደይ ዝኣኽሉ ኢዮም ግን ትርጕማ እተማህሩ: ብፍላይ ትርጕም ናይቲ ኣብቲ መጀመርታ ክፋል ናይታ ጸሎት ዘሎ ብዛዕባ ስምን መንግስትን ኣምላኽ ዝገልጽ ሓሳባት ዝፈልጡኸ ክንደይ ኢዮም፧ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝዀነ ኢዩ የሱስ ኣብ መጀመርታ ኽፋል እቲ ጸሎቱ ጠቒስዎ ዘሎ።

እታ ጸሎት “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ” ብምባል ኢያ እትጅምር። የሱስ ስም ኣምላኽ ንኽቕደስ ክንጽሊ ኸም ዝግባእ ይሕብር ከም ዘሎ ኣስተብህል። ንብዙሓት ሰባት እዚ ነጥቢ እዚ እንተ ወሓደ ኽልተ ሕቶታት የበግሰሎም ኢዩ። ቀዳመይቲ: ስም ኣምላኽ መን ኢዩ፧ ካልአይቲ: ስሙ ክቕደስ ዘድለዮ ስለምንታይ ኢዩ፧

መልሲ ናይዛ ቐዳመይቲ ሕቶ ኣብቲ ብበዅሪ ቛንቋታት እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ 7,000 ኣብ ዝበዝሕ ቦታታት ይርከብ ኢዩ። ሓደ ኻብዚ ኣብ መዝሙር 83:⁠18 ይርከብ: “ንስኻ: [“የሆዋ: ” NW ] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ኸኣ ይብል። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝብል መለኮታዊ ስም ዘጸኣት 3:⁠15 “እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ: ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ” ትብል። a እቲ ኣዝዩ ንጹህን ቅዱስን ዝዀነ ስም ኣምላኽ ክቕደስ ዘድለዮ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ካብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ ኣትሒዙ ተጸሪፉን ተኻፊኡን ኢዩ።

ኣብ ኤድን: ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ነታ እተኸልከለት ፍረ እንተ በሊዖም ከም ዝሞቱ ነጊርዎም ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:⁠17) ሰይጣን ግን ብድርቅና “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ብምባል ንኣምላኽ ተጻረሮ። ስለዚ ሰይጣን ንኣምላኽ ሓስዩ ኢሉ ኸሰሶ። እዚ ኸይኣኽሎ ድማ ንሄዋን ኣምላኽ ጠቓሚ ፍልጠት ከም ዝሓብኣላ ብምንጋር ንስም ኣምላኽ ጸረፎ። “ኣምላኽ ደኣ ካብኣ [ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም] ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ” በለ። ኣቤት ጸለመ!​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠4, 5

ኣዳምን ሄዋንን ነታ እተኸልከለት ፍረ ብምብልዖም ኣብ ጐድኒ ሰይጣን ቈሙ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም ብዙሓት ሰባት ብፍላጥ ይኹን ብዘይ​ፍላጥ ነቲ ጽድቃዊ ስርዓታት ኣምላኽ ብምንጻግ ንስም ኣምላኽ ኣብ ርእሲ ጸርፊ ጸርፊ ወሲኾምሉ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 5:⁠19) ክሳዕ ሕጂ ደቅሰብ ኣብ ሰባት ዝወርድ ስቓይ: ኣምላኽ ኢዩ ኣምጺእዎ ብምባል የጸልምዎ ኣለዉ፣ አረ ብሰንኪ ሕማቕ መገድታቶም ዘምጽእዎ ጸገም እውን ኢዮም ንኣምላኽ ዝጥቅንዎ። ምሳሌ 19:⁠3 “ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ: ልቡ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ዜንጸርጽር” ትብል። እምበኣር እቲ ንኣቦኡ ኻብ ልቡ ዘፍቅሮ ዝነበረ የሱስ ስም ኣቦኡ ክቕደስ ስለምንታይ ከም ዝጸለየ ተረዲኡካዶ፧

“መንግስትኻ ትምጻእ”

የሱስ ስም ኣምላኽ ንኽቕደስ ድሕሪ ምጽላይ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” በለ። (ማቴዎስ 6:10) ‘መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧ ምምጻእ እዛ መንግስቲኸ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምስ ምዃን እንታይ ምትሕሓዝ ኣለዎ፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን።

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ “መንግስቲ” እትብል ቃል ብመሰረቱ “ንጉሳዊ ምምሕዳር” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ። እምበኣር መንግስቲ ኣምላኽ ክበሃል ከሎ ኣምላኽ ዝመረጾ ንጉስ ዝገዝኣሉ ምምሕዳር ወይ መንግስቲ ማለት ኢዩ። እዚ ንጉስ እዚ ኸኣ እቲ “ንጉሰ ነገስትን: ጐይታ ጐይተትውን” ተባሂሉ ዘሎ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። (ራእይ 19:⁠16፣ ዳንኤል 7:⁠13, 14) ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ እታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም [እዘን ሕጂ ዝገዝኣ ዘለዋ ሰብኣውያን መንግስታት] ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”​—⁠ዳንኤል 2:44

እወ: መንግስቲ ኣምላኽ ንእኩያት ኣጥፊኣ “ንዘለኣለም” ብምግዛእ ንብምልእታ ምድሪ ኽትቈጻጸራ ኢያ። በዚ ኸምዚ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ: የሆዋ ንስሙ ኻብቲ ሰይጣንን እኩያት ሰባትን ዝጠቀንዎ ጸርፍታት ብምጽራይ ዝቕድሰላ ኢያ።​—⁠ህዝቅኤል 36:⁠23

መንግስቲ ኣምላኽ ከም ኵለን መንግስትታት ተገዛእቲ ኣለዉዋ። እዚአቶም መን ኢዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ብምባል ይምልሰልና ኢዩ። (መዝሙር 37:11) ብተመሳሳሊ: የሱስ “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” በለ። እዞም ሰባት እዚኣቶም እቲ ብህይወት ንምንባር ዘድሊ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ከም ዘለዎም ኣየጠራጥርን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠5፣ ዮሃንስ 17:⁠3

ብዘላ ምድሪ ንኣምላኽ ብዘፍቅሩን ንሓድሕዶም ብዝፋቐሩን ትሑታት ዓቃላት ሰባት እትመልኣሉ ግዜ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ምኸኣልካ፧ (1 ዮሃንስ 4:⁠7, 8) የሱስ እምበኣር “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሉ ዝጸለየሉ ነዚ ኢዩ። ንሰዓብቱ ኸምኡ ኢሎም ክጽልዩ ንምንታይ ከም ዝመሃሮም ፈሊጥካዮዶ፧ ልዕሊ ዅሉ ድማ ፍጻሜ ናይዛ ጸሎት እዚኣ ብብሕቲ ኸም ዝትንክፈካ ኣስተውዒልካሉዶ፧

ሎሚ ሚልዮናት ሰባት ንቕዱሳት ጽሑፋት ብርትዓዊ መገዲ ይገልጽዎ ኣለዉ

የሱስ ብዛዕባ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ዝእውጅ ዓለምለኻዊ ወፈራ መንፈሳዊ ትምህርቲ ኽህሉ ምዃኑ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ [ናይዛ ሕጂ ዘላ ዓለም ወይ ኣገባብ] ይመጽእ” ብምባል ተነበየ።​—⁠ማቴዎስ 24:14

ኣብ መላእ ዓለም ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት እዚ ወንጌል እዚ ይነግርዎም ኣለዉ። ንዓኻውን ኣእምሮኻ ተጠቒምካ ቅዱሳት ‘ጽሑፋት ብምምርማር’ ብዛዕባ ኣምላኽን መንግስቱን ዝያዳ ንኽትፈልጥ ዕድመ የቕርቡልካ ኣለዉ። ከምዚ ምስ እትገብር እምነትካ ኽትድልድል ኢያ። ‘ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዘጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ኣብ እትመልኣላ’ ገነት ብዛዕባ ዝህሉ ህይወት ክትሓስብ ከሎኻ ድማ ልብኻ ብሓጐስ ክመልእ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 11:⁠6-9

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኣቶም ምሁራት ኣብ ክንዲ እቲ “የሆዋ” ነቲ “ያህወህ” ዝብል ኣደማምጻ ኢዮም ዝመርጹ። ይኹን እምበር: ዝበዝሑ ዘመናውያን ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንስም ኣምላኽ ብዝዀነ ይኹን መልክዑ ካብ ትርጕማቶም ብምሕካኽ “ጐይታ” ወይ “ኣምላኽ” ብዝብል ናይ ሓባር መዓርጋት ተኪኦሞ ኣለዉ። ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ዓሚቝ መጽናዕቲ ኽትገብር እንተደኣ ደሊኻ ነታ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም እትበሃል ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ብሮሹር ርአ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ነቲ ዓብዪ መምህር ምሰሎ

የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምትኳር ኢዩ ዝምህር ነይሩ። ንኣብነት: ምስ ተንስአ ነቶም ብሰንኪ ሞቱ ጋን ተሰሪሖም ዝነበሩ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ገለጸሎም። ሉቃስ 24:⁠27 “ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኺትርጕመሎም ጀመረ” ትብል።

የሱስ ሓደ ኣርእስቲ ማለት “ብዛዕባኡ” ወይ ብዛዕባ እቲ መሲህ ከም ዝመረጸ ኣስተብህል: ድሕሪኡ ኻብ “ኵሉ ጽሑፋት” ጠቐሰሎም። ብኻልእ ኣበሃህላ ከምቲ ቝርጽራጽ ናይ ሓደ ስእሊ ኽትገጣጥም ከሎኻ እትጥቀሞ ሜላ ምስቲ ጕዳይ ዝተኣሳሰር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ድማ ብሓንሳእ ጠቐሰሎም: እዚ ኸኣ ንደቀ መዛሙርቱ እቲ ንጹር ምሳሌ ናይ መን​ፈሳዊ ሓቂ ንኽረኣዮም ሓገዞም። (2 ጢሞቴዎስ 1:​13) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ምስትውዓል ረኺቦም ጥራይ ዘይኰነስ ልቦም እውን ተተንኪፎም ኢዮም። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸምዚ ይብል:- “ንሓድሕዶም ከኣ፤ እቲ ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧ ተባሃሀሉ።”​—⁠ሉቃስ 24:32

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎቶም ነቲ የሱስ እተጠቕመሉ ኣገባብ ኢዮም ክስዕቡ ዝጽዕሩ። ብቐዳምነት ንመጽናዕቲ ዝጥቀሙለን ጽሑፋት እታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹርን እታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ኢየን። እዘን ጽሑፋት እዚኣተን ከም “ኣምላኽ መን ኢዩ፧” “ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ዘፍቀደ፧” “ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ብኸመይ ኢኻ ክትረኽባ እትኽእል፧” “እዚአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢየን!” ከምኡውን “ንኣምላኽ እተኽብር ስድራ​ቤት ምህናጽ” ዝኣመሰለ መሳጢ ኣርእስታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዛ ኢየን። ነፍሲ ወከፍ ትምህርቲ ብዙሕ ጥቕስታት ዝሓዘ ኢዩ።

ኣብ ቤትካ ብዘይ​ ክፍሊት ነዝን ንኻልእ ትምህርታት መጽሓፍ ቅዱስን ከተጽንዕ እንተደኣ ደሊኻ ኣብ ከባቢኻ ምስ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ወይ ኣብ ገጽ 2 ኻብ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ሓዲኡ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።

[ስእሊ]

ኣብ ሓደ ኣርእስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምትኳር ንልቢ ተማሃራይካ ተንክፍ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ትርጕም ናይታ የሱስ ዝጸለያ ናይ ኣብነት ጸሎት ትፈልጦ ዲኻ፧

“ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ . . .”

“[መሲሓዊት] መንግስትኻ ትምጻእ . . .”

“ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።”