ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንኣምላኽ ከገልግሎ እደሊ ነይረ”

“ንኣምላኽ ከገልግሎ እደሊ ነይረ”

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

“ንኣምላኽ ከገልግሎ እደሊ ነይረ”

 “ኣቱም ህዝበይ: . . . ካብኣ ውጹ።” እዚ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ሃዋርያ ዮሃንስ ዝሰምዖ ብሓደ መልኣኽ ዝቐረበ ጻውዒት ኢዩ። ኣብዚ ግዜና ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ቕኑዕ ዝልቦም ሰባት ነዚ ጻውዒት እዚ ብምቕባል ካብታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ኣምሊጦም ኢዮም። (ራእይ 18:⁠1-4) ካብዚኣቶም ሓደ እቲ ኣብ ሃይቲ ዝነብር ቪልነር ዝበሃል ሰብኣይ ኢዩ: ከምዚ ብምባል ድማ ተመክሮኡ የዘንቱ።

“ብ1956 ኣብታ ኣብ ሃይቲ እትርከብ ሰይንት ማርክ እትበሃል ንእሽቶ ከተማ: ካብ ውፉያት ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዝዀኑ ስድራ​ቤት ኢየ ተወሊደ። ኣነን ኣብታ ኸተማ ዝነብሩ ኽልተ ኻልኦትን ኣብ ሳን ሚሸል ዲ ላታላይ: ሃይቲ: ናብ ዝርከብ ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ ኽንኣቱ ምስ ተመረጽና ስድራ​ቤተይ እተሰምዖም ሓጐስ ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ድሕሪኡ ብ1980 ተወሳኺ ስልጠና ንምርካብ ናብ ስታቭሎት: ቤልጅየም: ከድና። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ናይ ካቶሊክ ዩኒቨርሲቲ ተማሃርና።

“ኣብ ፈለማ ኻህን ንምዃን ብርቱዕ ትምኒት ነበረኒ። ሓደ ግዜ ኣብቲ ምሳሕ እንበልዓሉ ኽፍሊ እቲ ሓላፊ ጕጅለና ዝነበረ ኻህን ከዘራርበኒ ስለ ዝደለየ ድሕሪት ክተርፍ ሓተተኒ። ድሕሪኡ ምሳይ ጾታዊ ርክብ ክፍጽም ከም ዝደሊ ብግህዶ ምስ ነገረኒ: ዘጋጠመኒ ስምባድ ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም! ነዚ ዕድመኡ ነጸግክዎ: እንተዀነ ግን ጋን ኢየ ተሰሪሐ። ንስድራ​ቤተይ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ጸሓፍኩሎም: ድሕሪኡ ሒደት ኣዋርሕ ጸኒሐ ዋላ እኳ እንተ ዘይተሓጐሱለይ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ወጻእኩ። ኣብታ ቝሸት ገዛ ተኻርየ ድማ ካልእ ሞያ ክመሃር ጀመርኩ።

“ናብ ሰይንት ማርክ ምስ ተመለስኩ: ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ዝነበረኒ እምንቶ ኣጥፊአ ነበርኩ። ንኣምላኽ ከገልግሎ እደሊ ነይረ: እንታይ ከም ዝገብር ግን ኣይፈለጥኩን። ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኣድቨንቲስት: ቤተ⁠-​ክርስትያን ኤበኔዘር: ከምኡውን ናብ ቤተ⁠-​ክርስትያን ሞርሞን ከድኩ። ብመንፈሳዊ መዳይ ብዘይ​ ኣንፈት ንየው ነጀው እድፋእ ነበርኩ።

“ድሕሪኡ ኣብ ቤልጅየም ሃይማኖታዊ ትምህርቲ እናተመሃርኩ ኸለኹ ናይ ክራምፖን ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ ምንባረይ ዘከርኩ። ኣብኡ ኸኣ ስም ኣምላኽ ረኺበዮ ነይረ። ስለዚ ስሙ ብምጽዋዕ እታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክረኽባ ንኽሕግዘኒ ልባዊ ጸሎት ኣቕረብኩ።

“ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ ኽልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገዛ ቐዪረን ጐረባብተይ ኰና። ህዱኣት: ረዘንቲ: ከምኡውን ክብረን ዝሕልዋ ኢየን ነይረን። ብኣነባብርአን ኣዝየ ተመሰጥኩ። ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ኻባታተን ኣብቲ ዓመታዊ ዝኽበር በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ክካፈል ዓደመትኒ። ነቲ ኣኼባ ኣዝየ ፈተኽዎ ምሳታተን መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ድማ ተሰማማዕኩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣቢሉ ንኣምላኽ ብቕኑዕ ዘምልኸሉ መገዲ ኸም ዝረኸብኩ ርግጸኛ ዀንኩ። ህይወተይ ንየሆዋ ወፈኹ: ብ20 ሕዳር 1988 ከኣ ተጠመቕኩ።”

ጸኒሑ ቪልነር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ዀነ። ኣብዚ እዋን እዚ ናይ ሓንቲ ጉባኤ ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ንሱን ሰበይቱን ክልተ ደቁን ከኣ ኣብታ ጉባኤ ተሓጒሶም የገልግሉ ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ቪልነር መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ፈለጠ